God is great! God is great!

God is great!

ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ
ሰማእት እንበለ ደም

God is great!

ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ
ሊቀ ጳጳስ ዲበ ኩሉ

God is great!

ቆሞስ ተከስተብርሃን
ኣቦ ወንበር

God is great!



እንቋዕ ካብ ዘመነ ማርቆስ ናብ ዘመነ ሉቃስ ብሰላም ኣሰጋገረና!!


ብቆሞስ ተከስተብርሃን

“ናይዚ ዓመት እዚ ፍረ እክሊ ትባርክ፤ እቶም እምባታትን ኮረቢትን ብጠሊን ብልምላሜን ይጸግቡ፤ እቶም ምድረ በዳን ሰሃራን ከኣ ረውዮም ይነብሩ” (መዝ 65 ፡ 11)

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ ኣምላክ ኣሜን!! ክቡራት ሰማዕተይ ኩልኹም ናይ ድምጺ ተዋህዶ ደሓንዶ ውዒልኩም እንቋዕ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብሰላም ኣሰጋገረና ርሑስ ዘመነ ሉቃስን ርሑስ በዓል ቅዱስ ዮሐንስን ቡሩኽ ኣውደ ዓመትን ይግበረና እንቋዕ ካብ ዘመነ ማርቆስ ናብ ዘመነ ሉቃስ ብሰላም ኣብጽሓና። God is great!ዘመነ ራህዋን ፡ ዘመነ ቅሳነትን፡ ዘመነ ህድኣትን ሰላምን፡ ዘመነ ምሕረትን ቅሳነትን ንኽገብረልና ናይ ኵሉ መዓልቲ ጸሎተይን ናይ ወትሩ ትምኒተይን እዩ። ናይ ሎሚ ወንጌላዊ ሉቃስ 2015 ፪፻፲፭ ዓመተ ምሕረት ግእዝ 2015 ፈረንጅ እዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽና ቅድሚ ዓለም ሥላሴ ብሐድነት ሰለስትነትን ይምስገኑ ነበሩ። መን የመስግኖም ነበረ እንተ ተባህለ፤ ባህርዮም። ብባህርዩ ይምስገን ነበረ ዝብል መልሲ ኢና ንረክብ። ወይእዜኒ ኣንተ ኣባ ሰብሐኒ በስብሐትየ ዘሀሎ ምስሌከ እምቅድመ ይትፈጠር ዓለም ብዝበሎ ይፍለጥ። ትርጉሙ "ኦ ኣቦይ ሕጂ ድማ በቲ ቅድሚ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣኽብረኒ። " ዮሐ 17 ፤ 5 ደሐር ግን ዓለም ክፈጥር ኢሉ ሐሰበ ስብን መላእክትን ድማ ፈጠረ። ምክንያቱ ስሙ ንምቅዳስ ክብሩ ንውራስ ኢሉ ፈጠሮም። ካልእ ፍጥረት ዝተረፈ ፍጥረት ግን ንኣንክሮ ንተዘከሮ ንምግቢ ሥጋ ኢሉ ፈጠሮም።



ምዝራእን ምዕጻድን

“ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዓጽድ እዩ’ሞ፡ ኣይትሸበሩ ኣምላኽ ኣይዕሾን’ዩ።” (ገላ 6፡7)

ኣምላኽ ነዚ ባህርያዊ ሕጊ ካብ ምጅማር ዓለም ዝሰርዖ እዩ፡ ግዜ ዘርእን ግዜ ዓጺድን፡ ግዜ ቁሪን ግዜ ዋዒን፡ ግዜ ክረምትን ግዜ ሓጋይን፡ ግዜ መዓልቲን ግዜ ለይቲን(ዘፍ 1፡11) እዩ፡ እዚ ዘየቋርጽ ድማ እዩ። ኩሉ ሰብ ጥዑይ ዘርኢ ወይ ሕማቕ ዘርኢ፡ ናይ በረኸት ዘርኢ፡ ወይ ናይ መርገም ዘርኢ፡ ዘርኢ ዓወት ወይ ዘርኢ ውድቀት፡ ናይ ነጻነት ዘርኢ ወይ ናይ ባርነት ዘርኢ፡ ናይ ድሕነትን ዘልኣለማዊ ህይወትን ዘርኢ ወይ ዘርኢ ኩነኔን ሲኦልን ዘርኢ ኪዘርእ ይኽእል። ከም’ዚ ብምዃኑ ሓደ ጸሓፋይ ይብል “መፈጸምታ ወዲ ሰብ ኣምላኽ ጽሒፍዎ እዩ ግና ብኢድ ወዲ ሰብ ባዕሉ እዩ።”

ምስ እግዚኣብሄር ምንባር

እግዚኣብሄር ንዓና መንዩ? ብኸመይከ ንገልጾ?

እነምልኾ አምላኽና (ቅዱስ እግዚኣብሄር) መንን ከመይ ዝኣመሰለን ምዃኑ፤ ብመጀመርያ ቅዱሳን ሃዋርያት፤ ብድምቕጻል ድማ ሰዓብቶም ቅዱሳን ሊቃውንቲ መራሕቲ ቤተክርስቲያን ብፍላይ ድማ እቶም ኣብ ኒቅያ ዝተጋብኡ 318ን ከምእ’ዉን እቶም ኣብ ቁስጥንጥንያን ኤፌሶንን ዝተጋብኡ ቅዱሳን ሊቃውንቲ ኣቦታት ንዝጋገዩ ካብ ጌጋ ርድኢት ክንመልሶም ወይ ንዘይፈልጥ ንኸነፍልጥ ድሕሪ’ቲ ዓብይ ናይ ክሕደት ወይ መናፍቅነት ፈተነታት ኣብ’ዞም ዝተጥቕሱ ከተማታት ዝተገብሩ ዓበይቲ ጉባኤታት ብመንፈሳዊ ኣገባብ ድሕሪ ምስዓሮም(ምዕዋቶም) ንብድሕሪኦም ንእንስዕብ ወለዶታት ንጹር ዝኾነ ኣፍልጦ ክህልወና መንፈስ ቅዱስ ብዝገለጸሎም መሰረት፦


ሰሙናዊ ኣገልግሎት

- - - - - - - - - - - - - - - - - - - - - - - - - - - - - - - - - - - - - -

ጸሎታት ስብሐታትን ቅዳሴን ስብከት
ወትሩ ሰንበት ሰዓት 5 : 00 ናይ ንግሆ ዝጅምር
ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንዓበይቲ
ወትሩ ረቡዕ ካብ ሰዓት 7 ምሸት ክሳዕ 8 ምሸት
ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስን ልምምድ መዝሙርን ንህጻናትን ንመንእሰያትን
ቀዳም ካብ ሰዓት 5፡30 ምሸት ክሳብ 7፡30 ምሸት
ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ ንህጻናትን መናእሰይን
ወትሩ ቀዳም ሰዓት 3:00 ድሕሪ ቀትሪ
ልምምድ ቅዳሴን ጸሎታትን ንዲያቆናት
ዓርቢ ሰዓት ካብ 5፡00 ምሸት
ንተመሃሮ መንእሰያት ናይ ኣካዳሚያዊ ተወሳኺ ምምህርና ሓገዝ (Tutoring Service)
ግዜን ሰዓትን ደዊልኩም ተወከሱና
-