God is great! God is great!

እንቋዕ ካብ ዘመነ ማርቆስ ናብ ዘመነ ሉቃስ ብሰላም ኣሰጋገረና!!

God is great! “ናይዚ ዓመት እዚ ፍረ እክሊ ትባርክ፤ እቶም እምባታትን ኮረቢትን ብጠሊን ብልምላሜን ይጸግቡ፤ እቶም ምድረ በዳን ሰሃራን ከኣ ረውዮም ይነብሩ” (መዝ 65 ፡ 11)

ክቡራት ሰማዕተይ ኩልኹም ናይ ድምጺ ተዋህዶ ደሓንዶ ውዒልኩም እንቋዕ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብሰላም ኣሰጋገረና ርሑስ ዘመነ ሉቃስን ርሑስ በዓል ቅዱስ ዮሐንስን ቡሩኽ ኣውደ ዓመትን ይግበረና እንቋዕ ካብ ዘመነ ማርቆስ ናብ ዘመነ ሉቃስ ብሰላም ኣብጽሓና። ዘመነ ራህዋን ፡ ዘመነ ቅሳነትን፡ ዘመነ ህድኣትን ሰላምን፡ ዘመነ ምሕረትን ቅሳነትን ንኽገብረልና ናይ ኵሉ መዓልቲ ጸሎተይን ናይ ወትሩ ትምኒተይን እዩ። ናይ ሎሚ ወንጌላዊ ሉቃስ 2015 ፪፻፲፭ ዓመተ ምሕረት ግእዝ 2015 ፈረንጅ እዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽና ቅድሚ ዓለም ሥላሴ ብሐድነት ሰለስትነትን ይምስገኑ ነበሩ። መን የመስግኖም ነበረ እንተ ተባህለ፤ ባህርዮም። ብባህርዩ ይምስገን ነበረ ዝብል መልሲ ኢና ንረክብ። ወይእዜኒ ኣንተ ኣባ ሰብሐኒ በስብሐትየ ዘሀሎ ምስሌከ እምቅድመ ይትፈጠር ዓለም ብዝበሎ ይፍለጥ። ትርጉሙ "ኦ ኣቦይ ሕጂ ድማ በቲ ቅድሚ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣኽብረኒ። " ዮሐ 17 ፤ 5 ደሐር ግን ዓለም ክፈጥር ኢሉ ሐሰበ ስብን መላእክትን ድማ ፈጠረ። ምክንያቱ ስሙ ንምቅዳስ ክብሩ ንውራስ ኢሉ ፈጠሮም። ካልእ ፍጥረት ዝተረፈ ፍጥረት ግን ንኣንክሮ ንተዘከሮ ንምግቢ ሥጋ ኢሉ ፈጠሮም።
እግዚኣብሔር ኣምላኽና ኣዝማናትን ዓመታትን ሓጋይን ክራማትን ኣዋርሕን ሰሙናትን ክሓልፉ ከለዉ፤ ንሱ ግን ሕልፈትን ስዕረትን ዘይብሉ ንኵሉ ዘመናትን ንኵሉ ዓመታትን እንዳፈራረቐ ዝነብር እዩ'ሞ ደጊመ ኣምላኽና እንቋዕ ካብ ዘመነ ማርቆስ ናብ ዘመነ ሉቃስ ኣብጽሓና እብል።
ሎሚ ርእሰ ኣውደ ዓመት መስከረም ዕለት ሓደ እዩ። መስከረም ማለት ከኣ ብናይ ግእዝ ቛንቛ ወይ መዝገበ ቃልት ትርጕም መዘክረ ከርም፤ ናይ ክረምቲ መዘከርታ ወይ መተሓሳሰቢ ማለት እዩ። እዚ ድማ ኣባና ኣብ ኤርትራውያንን ኣብ ኢትዮጵያውያንን ግብጻውያንን ናይ ዘመን መለውጢ መጀመርያ ወርሒ ዓመት ተወዲኡስ ናብ ካልእ ዓመት ንሰጋገረሉ ማለት እዩ። እስራኤላውያንውን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ናይ ዓለም ናይ መጀመርያ ወርሒ ኢሎም የብዕልዎ ነበሩ። ብአይሁድ'ውን ብዓውደ ዓመት ይፍለጥ ነበረ ብካልእ ኣፈታትሐ ትርጕም'ውን፤ መሰየ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝተርኸበ ኪከውን ከሎ ከርመ ምስኡ ተጠቃሊሉ ክንበብ ከሎ ክረምቲ ሓለፈ ማለት እዩ። ካብ ጭቃ ናብ ደርቂ ፡ ካብ ጥምየት ናብ ጽጋብ ፡ ካብ ቆጽሊ ናብ ፍረ ማለት ሰዊት ፡ ካብቲ ኣረጊት ዓመት ናብ ሓድሽ ዓመት ስለ ዝተሰጋገሩ መሰከረም ሓደሽ ዓመት ርእሲ ኣውደ ዓመት ይብሃል። እግዚአብሔር ነዚ ዓለም እዚ ክፈጥር ከሎ ንዘመን መቑጸርን መስፈርን ዝኮኑ ሰዓታትን ኣዋርሕን ዓመታትን ግዜን ኣዳልወ። እዚ ድማ ክሳብ ልደተ ክርስቶስ ዘሎ ዘመን ፭ሺሕን ፭ሚእትን ዓመት ኮነ ትብል። ዝተፀንሰሉ ወርሒ መጋቢት ፳፱ ዘመነ ዮሐንስ እዩ። ዝተወልደሉ ወርሒ ታሕሣሥ ፳፱ ዘመነ ማቴዎስ እዩ። ዝተጠመቐሉ ወርሒ ጥሪ ፲፩ መዓልቲ ዘመነ ሉቃስ ፤ ዝተሰቕለሉ ዘመነ ሉቃስ ወርሒ መጋቢት ፳፯ እዩ። ስለ ዝኮነ ኣብ ዘመን ኣርባዕቲኦም ወንጌላውያን ዓበይቲ ተኣምራት ስለ ዝተፈጸመ እዩ። ነዚ ዓመታት እዚ ንኣርባዕቲኦም ወንጌላውያን ይካፈልዎ፤ ንሐደ ወንጌላዊ ሓደ ዓመት ይብጽሖ በብዓመት ምስ ተካፈልዎ ነዚ ርእሱ ዝከኣለ ታሪኽ ኣለዎ። ነዚ ኣብ ናይ'ዚ ሎሚ ዓመት ኢና ክንርኢ።
ናይ ቅዱስ ዮሐንስ መጥምቕ ወዲ ዘካርያስ በዓል ግን ኵሉ ግዜ መስከረም ዕለት ሓደ እዩ ዝውዕል ኣይቅየርን እዩ። ንሱ ካብቶም ወንጌላውያን ኣይኮነን። ማለት ንምንታይ ደኣ ዮሐንስ ናብ'ዚ መዓልቲ እዚ ክውዕል ተመርጸ ንዝብል ሕቶ? ከምዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ቅዱስ ዮሐንስ ናይ ብሉይ ኪዳን ናዝራዊ ሰለ ዝነበረ ኣብ በረኻታት እዩ ዝሰብኽ ዝነበረ። ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ንሰባት ናይ ንስሐ ጥመቀት የጠምቕ ነበረ። ኣብዚ ወርሓት እዚ ናይ ክርስቶስ ምምጻእ ተነበየ። በዚ ናይ ብሉይ ኪዳን መፈጸምታ ተባህለ። ናይ ሓድሽ ኪዳን ጀማሪ ድማ ዝኮነ ነብይን ሓዋርያን ሰማዕትን ድማ ይብሃል። ነብይ ዘብሎ ኣነ ብማይ እየ ዘጥምቀኩም። ንሱ ግና ብሓውን ብመንፈስ ቅዱስን እዩ ዘጥምቀኩም። ኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ክፈትሕ ኣይበቅዕን እየ፤ ንሱ ዓውዱ ዘጽርየሉ መስአ ኣብ ኢዱ ኣሎ ክብል ትንቢት ናይ ክርስቶስ ምምጻእ ተነብዩ እዩ። ከምዚ ማለቱ ከኣ ንኃጥኣን ካብኡ ዘርሕቅ ንጻድቃን ከኣ ናብኡ ዘቕርብ ሥልጣን ዘለዎ እዩ፤ ክብል ትንቢት ስለ ዝተነበየ እዩ። ሐዋርያ ዝብሎ ዘሎ ኸኣ እንሆ ገንሽል ኣምላክ ኃጢኣት ዓለም ዘርሕቕ ክብል መስኪሩ እዩ። ስለ ዝኮነ ካብ ብሉይ ናብ ሓድሽ መሠጋገሪ ድንድል እዩ። ነዚ መሠረት ብምግባር ድማ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ናይ ዘመን መሠጋገሪ ኮይኑ ክነብር ኢላ ወሰነት።

1. ሐድሽ ዓመት ምባሉ ቅዱስ ዮሐንስ ንንስሓ ዝበቅዕ ፍረ ግበሩ ኢሉ ንሰባት ናብ ንስሓ ጸዊዑ ካብ ዘመነ ኦሪት ናብ ዘመነ ሐድሽ መሰጋገሪ ስለ ዝኮነ ማለት እዩ። ካልኣይውን ድኅነት ዝተሰብከሉ ዓመት ናይ ምሕረት ማለት እዩ። ካልኣይ ከኣ ካብ ዘመነ ክረምቲ ናብ ዘመነ ቀውዒ ንሠጋገረሉ ወቅቲ ስለ ዝኮነ። ከምኡውን እቲ ኵሉ ዝከኣሎ ሕያው እግዚኣብሔር ንዘመናት ክረምትን ሐጋይን ብምፍርራቅ ንዓመታት ብኣዋርሕን ሰሙናትን ንመዓልቲ ብሰዓታትን ደቃይቅን ከምኡውን ለይትን መዓልትን እናኣፈራረቐ ንዘለዓለም ዝነብር ዘመናት ዘይልውጦ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከም ዝኮነ በዚ ናይ ዘመን መለወጢ ንምዝካር እዩ። ብካልእ ድማ ካብ ኦሪት ናብ መግሥተ ሰማያት ዘእቱ ወንጌል ወይ ንኣትወሉ ዘመን ስለ ዝኮነ እዩ።
2. ርእሲ ዓውደ ዓመት ቅዱስ ዮሐንስን ራጉኤል መልኣኽን በርተሎሜዎስ ሐዋርያን ጻድቕ ኢዮብን ኣብዚ መዓልቲ እዚ ይውዕሉ መዘከርትኦም ድማ በዓል ይግበረሎም።
ባህሊ ናይ ሕዝብና'ውን ኣሎ። እዚ መንፈሳዊ ባህሊ እዩ ካብ ሓደ ጳጐሜን ክሳብ ሓደ መስከረም ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ርባ ወሪድካ ማይ ጸሎት ይሕጸብ። ናይ'ዚ ምክንያት ከኣ ኣቐዲሙ ጻድቅ ኢዮብ ናብ ሩባ ዮርዳኖስ ወሪዱ ምስ ተሓጽበ ካብ ዝነበሮ ሕማም ተፈወሰ። ስለዚ ካብ ሕማምና ንኽንፍወስ ኢና ብዝብል እምነት'ውን ናብ ሩባታት ወሪድና ንሕጸብ። እቲ ካልአይ ከኣ ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ናይ ንስሓ ጥምቀት የጠምቕ ከምዝነበረ፤ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና ሎሚውን ንሕና ብማየ ንስሐ ክንጥመቕ ዘሎና ነዚ ምሳሌ ብምግባር ኢና።
3. መስከረም ማለት ኣቕዲመ ከም ዝበልክዎ ብቛንቛ ግእዝ መዝገበ ቃላት እንታይ ማለት እዩ ንዝብል ሕቶ፤ መስከረም ማለት መዘክረ ከርም ናይ ክረምቲ መዘከርታ መተሓሳሰቢ ማለት እዩ። እዚ ኣውደ ዓመት እዚ ናይ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውንን ግብጻውያንን ዘመን መለወጢ መሰጋገሪ መጀመርያ ወርሒ ናይ ዓመት ማለት እዩ። ቅድሚ ልደተ ክርስቶስውን ናይ ዓመት መለወጢ ተባሂሉ ብኣይሁዳውያንውን ኣውደ ዓመት ተባሂሉ ይፍለጥ ነበረ። መስየ ከርመ ዝብሉ ቃላት ክትርጐሙ ከለዉ ከረምቲ ሃለፈ ተባሂሉ ይንበብ ስለ ዝኮነ ናይ ክረምቲ መወዳእታ ናይ ቀውዒ መጀመርታ ስለዝኮነ እዩ። ነዚ ዘመናት ኣብ ኣርባዕተ ዘመን ተመዲቡ ንኣርባዕተ ወንጌላውያን ይካፈልዎ ንሳቶም ድማ ማቴዎስ ማርቆስ ሉቃስ ዮሐንስ እዮም። እዚ ዮሐንስ እዚ ግና ወልጌላዊ እዩ እምበር፤ እቲ መጥምቕ ኣይኮነን። እቲ ዮሐንስ መስጋገሪ ናይ ዓመት ኮይኑ ዘሎ ንሱ እቲ መጥምቕ ሰባኺ፤ መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ'ሞ ተነስሑ እናበለ ምምጻእ ናይ ጐይታና ዝሰበኸ እዩ። ንሱ ካብ ብሉይ ናብ ሓድሽ መሰጋገሪ ዝኮነ እዩ።

ኣብ'ዚ ሐድሽ ዓመት

ኣብዚ ሐድሽ ዓመት ካብ ዝተረኽበ ሐድሽ እክሊ ማለት ሰዊት መዓር ጸባ ቀዳማይ ፍርያት ስቅ ኢልካ ኣይብላዕን፤ ናብ ኣባት ነፍስካ ኢኻ ቅድም ተባርኾ፤ ድሐር ምስ ስድራኻ ትምገብ፤ ነዚ ኩሉ እግዚእብሔር ኣምላኽ ብማይ ኣብቊሉ ብፀሐይ ኣብሲሉ ብነፋስ ኣዕብዩ ኣብ ፍረ ዘብጽሕ እግዚኣብሔር እዩ'ሞ ቅድም፥ ንእግዚኣብሔር ምምስጋን ይግባእ። ምህርትካ ይበዝሕን ይብርክትን ስለዚ ከኣ'ዩ ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ "ወትባርክ ኣክሊለ ዓመተ ምሕረትከ ወይጸግቡ ጠላት ገዳም ወይረውዩ ኣድባረ በድው" ዝበለ ትርጉሙ ከኣ "ናይዚ ዓመት እዚ ፍረ እክሊ ትባርክ፤ እቶም እምባታትን ኮረቢትን ብጠሊን ብልምላሜን ይጸግቡ፤ እቶም ምድረ በዳን ሰሃራን ከኣ ረውዮም ይነብሩ" ዝበለ። መዝ 65 ፡ 11

ዝሓለፈ ዓመት ዘመነ ማርቆስ ነይሩ ሎሚ ግን ዘመነ ሉቃስ ይቕበሎ ኣሎ ኣብ ዘመነ ሉቃስ ፪፻፲፭

ናይ ሎሚ ዘመን መጥቅዕ ፡ ኣበቅቴ ፡ ጾመ ነነዌ ፡ ጾመ ኣርብዓ ፡ ደብረ ዘይት ፡ ሆሣዕና ፡ ስቅለት ፡ ትንሥኤ ፡ ርክበ ካህናት ፡ ዕርገት ፡ ጰራቅሊጦስ ፡ ጾመ ሰነ ፡ ጾመ ድኅነት ዝውዕልሉ ብኸም'ዚ ዝስዕብ ንመዘከርታ አቕርብ።

  • ባሕቲ መስከረም ሰንበት ፩
  • ባሕቲ መስከረም ሰንበት ፩
  • ዓብቅቴ ፱
  • መጥቅዕ ፳፩
  • ጾመ ነነዌ ጥሪ ፳፱
  • ጾመ ዓርብዐ የካቲት ፲፫
  • ደብረ ዘይት መጋቢት ፲
  • ሆሣዕና ሚያዝያ ፩
  • ስቕለተ ክርስቶስ ሚያዝያ ፮
  • ትንሣኤ ክርስቶስ ሚያዝያ ፰
  • ርክበ ካህናት ግንቦት ፪
  • ዕርገተ ክርስቶስ ግንቦት ፲፯
  • ጰራቅሊጦስ ግንቦት ፳፯
  • ጾመ ሐዋርያት ግንቦት ፳፰
  • ጾመ ድኅነት ግንቦት ፴
  • ጾመ ፍልሰታ ነሓሰ ፩
  • ጾመ ነብያት ሕዳር ፲፭ እዩ።

ኣብ መደምደምታ

ኣብ መደምደምታ ክብሎ ዝደለኩ ኣሎ ንሱ ድማ ንህዝብና ከምዚ ናይ ሎሚ ገይሩ መሪርዎ ኣይፈልጥን እዩ። እሞከደኣ ከም'ቲ ዮሐንስ ኣብ ስብከቱ ዝበሎ ኣቱም ውሉድ ኣትማን ካብ'ቲ ዝመጽእ ዘሎ ቁጥዓ ክትመልቑኸ መን ሓበረኩም ዝበሎም ሕጂ'ውን ንሕና ብጣዕሳ ተነሲሕና ናብ እግዚኣብሔር ምምላስ ጥራይ እዩ ዘዋጽኣና። ከምዚ ናይ ሎሚ ዝበለ ጥፍኣትን ብርሰትን ብዘይ ምክንያት ኣይኮነን፤ ዝገበርናዮ በደል እንተ ዘይህሉ ከምዚ እንዳ በልና ኣይምጠፋእናን ነዚ መፍትሒ ግን ናብ እግዚኣብሔር ምምላስ ጥራይ እዩ እንኮ መፍትሒ እሞ ናብ እግዚኣብሔር ዝምለስ ልቢ ይሕድረና። ደጊመ ርሑስ ሐድሽ ዓመት ይግበረና፤ ኣሜን።



. . . . .~ .~ . ~ .


ምዝራእን ምዕጻድን

“ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዓጽድ እዩ’ሞ፡ ኣይትሸበሩ ኣምላኽ ኣይዕሾን’ዩ።” (ገላ 6፡7)

እዚ ባህርያዊ ሕጊ ኣምላኽ ካብ ምጅማር ዓለም ዝሰርዖ እዩ፡ ግዜ ዘርእን ግዜ ዓጺድን፡ ግዜ ቁሪን ግዜ ዋዒን፡ ግዜ ክረምትን ግዜ ሓጋይን፡ ግዜ መዓልቲን ግዜ ለይቲን(ዘፍ 1፡11) እዩ፡ እዚ ዘየቋርጽ ድማ እዩ። ኩሉ ሰብ ጥዑይ ዘርኢ ወይ ሕማቕ ዘርኢ፡ ናይ በረኸት ዘርኢ፡ ወይ ናይ መርገም ዘርኢ፡ ዘርኢ ዓወት ወይ ዘርኢ ውድቀት፡ ናይ ነጻነት ዘርኢ ወይ ናይ ባርነት ዘርኢ፡ ናይ ድሕነትን ዘልኣለማዊ ህይወትን ዘርኢ ወይ ዘርኢ ኩነኔን ሲኦልን ዘርኢ ኪዘርእ ይኽእል። ከም’ዚ ብምዃኑ ሓደ ጸሓፋይ ይብል “መፈጸምታ ወዲ ሰብ ኣምላኽ ጽሒፍዎ እዩ ግና ብኢድ ወዲ ሰብ ባዕሉ እዩ።” ስለ’ዚ ምዝራእን ምዕጻድን ኣብ ህይወትና እንተ ኣተግቢርናዮም እዞም ዝስዕቡ ኣገደስቲ ትምህርታት ክንመሃር ንኽእል።
(1) ዓጺድና እነእትዎ ኣታዊ፦ ፍረ ናይ’ቲ ዝዘራእናዮ ሓደ ዓይነት ዘርኢ እዩ። ስርናይ ዝዘርእ ስርናይ ይዓጽድ፡ ዕፉን ዝዘርእ ዕፉን ይዓጽድ፡ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክብሪ ንስሙ ይኹን ነዚ ከብርሃልና ከም’ዚ ይብል “ ሰባት ካብ ተኾርባ’ዶ ወይ ፍረ በለስ’ዶ ወይኒ ክእክቡ ይኽእሉ”። ስለ’ዚ ኮሚደረ ዘሪእካ ኣራንሺ ክትጽበ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ስለዚ እቲ ዝዘራእካዮ ምስ’ቲ እትዓጽዶ ዘርኢ ምስቲ እትዓጽዶ ሓደ ዓይነት እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ነዚ እዩ” ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ክዓጽዶ እዩ ዝበለ”(ገላ 6፡7) ከምኡ’ውን ንሱ ከም’ዚ ክብል ገሊጹ ኣሎ “ እቲ ንስግኡ ኢሉ ዝዘርእ ካብ’ቲ ስጋስ ጥፍኣት ክዓጽድ እዩ። እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዝዘርእ ግና ካብ’ቲ መንፈስ ናይ ዘልኣለም ህይወት ክዓጽድ እዩ።”(ገላ 6፡8-9)
ሓደ ሰብ እቲ ዝዘርኦ ውሑድ እንተ ኮነ እቲ ዝዓጽዶ ግና ብዙሕን ካዕበት እዩ። ኣብ ሓደ ሰከንድ ሰብ ክቐትል ይኽእል ንሱ ዝዓጽዶ ግና ንሕልፈት ማእሰርቲ ወይ ክቕተል ብስቓይ ወይ ሲኦል ንዘልኣለም እዩ ዝኸውን።
እስከ ነዚ ሕጊ ኣብ ጽቡቕን ክፉእን ኣተግቢርና ንርኣዮ፦
ሀ. ኣብ ናይ ክፍኣት መሬት ዝዘርኡ፦
ያዕቆብ ኣቦና ናይ ምትላልን ናይ ምድንጋርን ዘርኢ’ዩ ዘሪኡ። ንሱ ነቡኡ ንይስሓቕ ኣታለሎ፡ ሓሶት’ውን ተዛረቦ፡ ግና እንታይ’ዩ ዝዓጸደ? ዝዓጸዶ ሓደ ዓይነት እዩ፡ ደቁ ኣታለልዎ ሓሶት’ውን ተዛረብዎ። “ ኣራዊት በረኻ ንዮሴፍ በሊዕዎ” በሉ። “ፈርዖን ነፍስ ወከፍ በኹሪ እስራኤል ናብ ፈለግ ኒል ብምጥሓል ቀተለ። እመኑ ኣይትእመኑ ንሱ ዝዘርኦ እዩ ዓጺዱ፡ ድሕሪ ወዱ ኩሎም በኹሪ ግብጺ ምቕታል፤ ፈርዖን ንባዕሉ ምስ ሰራዊቱ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ጠሓለ(ዘጸ 14)።
ለ. ኣብ ጽቡቕ መሬት (ጽቡቕ ተግባር) ዝዘርኡ፦
“ዮሴፍ ዘርኢ መከራን ቅንዕናን ዘርአ፣ ነቲ ዝተቐረበሉ ሓጢኣት ማለት ብሰበይቲ ጎይትኡ ሓጢኣት ንክገብር፤ ንፉንፉን ተግባራት ነጸገ፤ ከም’ዚ’ውን በለ “ ነዚ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ክፍኣት ኣንጻር ኣምላኽ ከመይ ጌረ ክገብሮ ይኽእል በለ”(ዘጸ 39፡9) ጎይታ ድማ ብግልጺ ፈደዮ፤ ድሕሪ ፈርዖን ኣብ መላእ ግብጺ ካልኣይ ሰብ ኮነ። “ ዳንኤል’ውን ብልቡ ካብ’ቲ ናይ ንጉስ ከም ፍንፉን ግደ ከይውሰድ ከምኡ’ውን ወይኒ ከይሰቲ መደበ”(ዳን 1፡8)። ንሱ ዝዓጸዶ ምሉእ ጥዕና ፡ ዝዓበየ ቦታ ነይ ራእይን ትንቢትን እዩ ኔሩ” ኣምላኽ ካብ ኣፍ ኣናብስቲ ጉድጋድ ኣድሓኖ፡ ንሱ ብግቡእ ሕልሚ ንጉስ ነብከድነጾር ተርጎመ፤ ንሱ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ነቲ ኣብ ሕልሙ ዝነገሮ “ዝተባረኽካ ሰብ” ብምባል ዝገለጾ፣ ክርኢ በቕዐ።

ምዝራእ ዝወሓደ እዩ እቲ ዓጺድ ግና ካዕበት(ብዙሕ) እዩ።

እቲ ዘራኢ “ነቲ ዘርኢ ኣብ ኢዱ ጨቢጡ ወይ ኣብ ንእሽቶ ኸረጺት ብምውሳድ ኣብ ኩሉ ቦታ ድማ ይዘርኦ (ፋሕ የብሎ)። ኣብ ግዜ ዓጺድ ግን ንሕና ሓደ ዓቢይ ግርሁ ወይ ዓቢይ ዝሕፈስ ኣዝርእቲ፤ ኣትክልቲ፤ ፍረታት፡ ኣግራብ፡ ዝመልኦ ዘርኢ ይረክብ። እዚ’ውን ኣብ ቅኑዕ ወይ ግጉይ ዘርኢ ምዝራእ ጌርካ ክግለጽ ይከኣል እዩ።
ሀ. ኣምላኽ ናይታ ክልተ ሳንቲም ዝሃበት መበለትን ናይ ማርያም ህያብ ብልቃጥ ዝመልአ ፍሉይ ጨናን ኣመስገነ። ነዚኦም ድማ ብሃብትን ብልግስን ፈደዮም። እቲ ምዝራእ ውሑድ እዩ እቲ ዝዕጸድ ግና ብዙሕ እዩ።
ለ. ኣናንያ ምስ ሰበይቱ ሰጲራ ንቅዱስ ጴጥሮስ ሓሰዉ፡ ከምኡ’ውን ብቕልጡፍ ክልቲኦም ናይ ሞት ፍርዲ ዓጸዱ።
ክርስቶስ ጎይታና ከም'ዚ ይብል “እቲ ንብጻዩ “ ኣታ ዓሻ” ዝብል ንገሃነም ሓዊ ክፍረዶ እዩ።”(ማቴ 5፡22) እቲ ዘርኢ ውሑድ’ዩ እቲ ዓጺድ ግና ብዙሕ’ዩ። ንእሽቶ ቃል ሕሜት ኣብ ናይ ሓደ ወዲ ወይ ጓል ወይ ስድራቤት ወይ ቤተ ክርስትያን ዓቢ ዕንወት ከኸትል ይኽእል’ዩ።
ሓደ ሰብ ብሓደ ጥይት ኣብ ሓደ ሰከንድ ሰብ ክቐትል ይኽእል፡ ንሱ ዝዓጽዶ ግና ንሕልፈት ማእሰርቲ ወይ ብስቓይ ክቕተል ወይ ሲኦልን ዘልኣለማዊ ጥፍኣት’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ዝዘርኦ ውሑድ እኳ እንተኾነ እቲ ዝዓጽዶ ግና ካዕበት እዩ።

እቲ ዘርኢ ዘይርአ እዩ፡ እቲ ዓጺድ ግና ግሉጽ’ዩ።

ሓደ ዘራኢ ንዘርኢ ክዘርእ ኲዒቱ ይቐብራ ኣብ ግዜ ዓጺድ ግና ኩሉ ሰብ ዝርእዮ ሓደ ግርሁ ብምሩጽ ዕፉን ወይ ዓበይቲ ኣትክልትን ኣግራብን ክመልእ እዩ።
ሀ. ቅዱስ ዳዊት ዝሙት ፈጸመ ምስኡ ድማ ቅትለት። ንሱ ክሕባእ ሓጢኣቱ ክኽውል ፈተነ ግና ኣይተዓወተን። ንሱ መሪር ምህርቲ ሓፈሰ ከምኡ ድማ ሓደ ዓይነት መልሲ ብዝተዓጻጸፈ’ዩ ሓፊሱ። ኣምላኽ ንነብይ ናታን ልኢኹ ሰማያዊ ፍርዲ ገለጸሉ “ ንስኻ ንኦርዮ ብሴፍ ቀተልካ፡ ሴፍ ካብ ቤተካ ኣይክርሕቕን’ዩ ……… ንስኻ ብሕቡእ ስለዝገበርካዮ፣ ኣነ ግና ኣብ ቅድሚ ኩሉ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ጸሓይ ነዚ ክገብሮ እየ”(1ይ ሳሙ 12፡9-12)
ለ. ንጉስ ኣከኣብን ሰበይቱ ኤልዛቤልን ንናቦጽ ክቐትሉ ናይ ወይኒ መሬቱ ክወርሱ ብሕቡእ ተመሳጸሩ። ኣምላኽ ግና ብሕቡእ ዝርኢ ብግልጺ ሕነ ፈደዮ። ንሱ ንነብይ ኤልያስ ናብ ንጉስ ኣከኣብ ብምልኣኽ ከም’ዚ በሎ” እግዚኣብሄር ከም’ዚ ይብል ኣሎ፣ ቀተልካን ንብረት ዘረፍካን‘ዶ? ኣብ’ቲ ኣኽላባት ደም ናቦጽ ዝለሓስሉ፤ ኣኽላባት ድማ ደምካ ክልሕሱ ኢዮም” ብኣንጻር’ዚ ብሕቡእ ጽቡቕ ምስትገብር ኣምላኽ እቲ ብሕቡእ ዝርኢ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ብጋህዲ ክፈድየካ ተስፋ ኣተስፍዩ ኢዩ።(ማቴ 6) ማር 1፡35 መዝ 139፡23-24 መዝ 119፡18
“ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ ምስ መላእኽቱ ኪመጽእ እዩ’ሞ፤ ሽዑ ንነፍስ ወከፍ ከከም ግብሩ ኪህቦ ኢዩ።”(ማቴ 16፡27)
ስለዚ “ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዓጽድ እዩ’ሞ፡ ኣይትሸበሩ ኣምላኽ ኣይዕሾን’ዩ።” (ገላ 6፡7) “ ንግብርኻ እፈልጦ ኣለኹ። ዓቕምኻ ሒደት ኢዩ። ንቓለይ ሓሊኻዮ ንስመይ’ውን ኣይከሓድካዮን’ሞ፤ እንሆ ሓደ እኳ ክዓጽዎ ዘይክእል ክፉት ኣፍደገ ሂበካ ኣሎኹ።”(ራእ 3፡9)
ይቅጽል ••••


ምስ እግዚኣብሄር ምንባር

እግዚኣብሄር ንዓና መንዩ? ብኸመይከ ንገልጾ?

ቅዱስ እግዚኣብሄር አምላኽና መንን ከመይ ዝኣመሰለን ምዃኑ፤ ብመጀመርያ ቅዱሳን ሃዋርያት፤ ብድምቕጻል ድማ ሰዓብቶም ቅዱሳን ሊቃውንቲ መራሕቲ ቤተክርስቲያን ብፍላይ ድማ እቶም ኣብ ኒቅያ ዝተጋብኡ 318ን ከምእ’ዉን እቶም ኣብ ቁስጥንጥንያን ኤፌሶንን ዝተጋብኡ ቅዱሳን ሊቃውንቲ ኣቦታት ንዝጋገዩ ካብ ጌጋ ርድኢት ክንመልሶም ወይ ንዘይፈልጥ ንኸነፍልጥ ድሕሪ’ቲ ዓብይ ናይ ክሕደት ወይ መናፍቅነት ፈተነታት ኣብ’ዞም ዝተጥቕሱ ከተማታት ዝተገብሩ ዓበይቲ ጉባኤታት ብመንፈሳዊ ኣገባብ ድሕሪ ምስዓሮም(ምዕዋቶም) ንብድሕሪኦም ንእንስዕብ ወለዶታት ንጹር ዝኾነ ኣፍልጦ ክህልወና መንፈስ ቅዱስ ብዝገለጸሎም መሰረት፦ ጸሎተ ሃይማኖት (The Creed) ብምባል ጽሒፎምልና ገሎጾምልና ኣለዉ። ነዚ ድማ ኣብ ነፍስ ወከፍ እንገብሮ ጸሎት፤ ውልቃዊ ይኹን ማሕበራዊ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ግዜ ቅዳሴ ክንጽልዮ ብኣፍና ክንምስክሮ ሰሪዖምልና ኣለዉ። ጸሎተ ሃይማኖት እምነትና እንታይ ምዃኑ ዝገልጽ ጸሎት ወይ ኣዋጅ እዩ። ከም’ዚ ድማ ይብል፦


“ኩሉ ብዝሓዘ፡ ሰማይን ምድርን ዝርኣይን ዘይረኣይን ብዝፈጠረ ብሓደ አምላኽ ብእግዛብሄር ኣብ ንኣምን ብሓደ ጐይታ ብኢየሱስ ክርስቶስ ንኣምን፡ ዓለም ከይተፈጥረ ምስኡ ህልው ብዝኾነ ወልድ ኣብ ዋሕድ’ውን(በቲ ሓደ ወዱ) ንኣምን። ካብ ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን ካብ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝተረኽበ ኣምላኽ፡ ዝተወልደ እምበር ፍጡር ዘይኮነ፡ ብመለኮቱ ምስ አብ ማዕረ ዝኾነ፡ ኩሉ ብእኡ ዝተፈጥረ፡ ብዘይክኡ ግና ኣብዚ ምድሪ ዘሎ ይኹን ወይስ ኣብ ሰማይ ዘሎ ምንም ዝተፈጥረ የልቦን። ምእንታና ምእንቲ ሰብ፡ ምእንቲ ምድሓንና ካብ ሰማያት ዝወረደ ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ስጋ ለበሰ፡ ሰብ ኮነ። ሰብ ኮይኑ ድማ ብዘመነ ጴንጠናዊ ጲላጦስ ምእንታና ተሰቕለ (ሓመመ) መከራ መስቀል ተቐበለ፡ ሞተ፡ ተቐብረ፡ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዝተጻሕፈ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ካብ ምውታት ተፈልዩ ተንስአ። ብኽብሪ ናብ ሰማያት ዓረገ። ኣብ የማን ኣብኡ ተቐመጠ። ከም ብሓድሽ ንህያዋንን ምውታንን ክፈርድ ብኽብሪ ክመጽእ እዩ፡ ንመንግስቱ"ውን መወዳእታ የብሉን። ጐይታን መሕወይን ብዝኮነ ካብ ኣብ ብዝሰረጸ ብመንፈስ ቅዱስ ንኣምን። ምስ ኣብን ወልድን ንሰግደሉን ነመስግኖን፡ ብነብያት ዝተነግረ(ዝተዛረበ) እዩ። ልዕሊ ኹሉ ናይ ሓዋርያት ጉባኤ ብዝኾነት ብሓንቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ንኣምን። ሓጢኣት ንምስትራይ፡ ብሓንቲ ጥምቀት"ውን ንኣምን። ትንሳኤ ሙታንን ንዘለዓለም ዓለም፡ ንዝመጽእ፡ ሕይወት ተስፋ ንገብር።” ጸሎተ ሃይማኖት በዞም ዉሑዳት ቃላት ስፍሕ ዝበለን ዓሚቑን ምስጢራት ሒዛ እትርከብ መግለጺ እምነትና እያ። ካብ"ዚ ምስጢር ወጻኢ ዝኮነ ፍልስፍናዊ ሓሳባት ዘምጽእ ወይ ዝኣምን ድማ ካብ እምነት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ወጻኢ እዩ።
ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ከም"ዚ ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት ዝተገልጸ እንተኾይኑ፡ ዕላማኡ’ኸ እንታይ እዩ? ናትና"ኸ?፦

ሀ. ዕላማ እግዚኣብሄር፦


እምበኣርከስ ኣምላኽ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ኹሉ ናይ ዘልኣለም ህይወት ምእንቲ ክረክብ እምበር ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ክሳዕ ዝህብ ክሳዕ ክንድ"ዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ ብእኡ ክትድሕን እምበር፡ ንዓለም ክፈርድ ኣይለኣኾን። (ዮሓ 3፡16-17) ምእንታና ምእንቲ ድሕነትና ካብ ሰማያት ዝወረደ። (ጸሎተ ሃይማኖት) ከምዚ"ውን ይብል ኣነ ዝመጻእኩ ህይወት ብምልኣት ክረኽባ (ክህበኩም) እየ ዝመጻእኩ። (ዮሓ10፡10) ሽዑ ኣይሁድ ኣኽበብዎ እሞ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ላሕ እተበልና፡ ንስኻ ክርስቶስ እንተኾንካ፡ አግሂድካ ንገረና በልዎ። ኢየሱስ መለሰሎም፡ነጊረኩም ኣይኣመንኩምንን፡ ንስካትኩም ግና፡ ከም"ቲ ዝበልኩኹም፡ ካብ"ተን ኣባጊዐይ ስለዘይኮንኩም፡ ኣይትኣምኑንን ኢኹም። እተን ኣባጊዐይ ግና ድምጸይ ይስምዓ፡ ኣነ ኸኣ የለልየን፡ ንሳተን’ውን ይስዕባኒ። ኣነ ኸኣ ህይወት ዘልኣለም እህበን ንዘልዓለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፡ ካብ ኢደይ’ውን ዝምንዝዐን የልቦን። (ዮሓ10፡24-28) ስለ’ዚ ቅዱስ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዕላማኡ፡ ኩሉ ሰብ ብእኡ ኣሚኑ፡ ቃሉ ሓልዩ ምስኡ ክንነብር እሞ ናይ ዘልኣለም ህይወት ንክንወርስ እዩ፡፡ እሞኸ ድኣ ዕላማናኸ እንታይ እዩ።

ለ. ዕላማና እንታይ እዩ፡

ዕላማና ድማ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምንባር እዩ።
እምበኣርከስ ዕላማና ድማ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምንባር እንተኾይኑ።

ምስ እግዚኣብሄር ምንባር እንታይ ማለት እዩ፡

ሃረርታ ቅዱሳን፦ቅዱሳን ብሙሉኦም ምስኡ ንምንባር ካብ ዝነበሮም ክቱር ሃረርታ ዝተላዕለ፡ ዘለዎም ኩሉ ነገር ናይ"ዚ ዓለም ገዲፎም ብጸሎትን፡ ብብክያትን፡ ብጾምን ንዓይ ንሓጢኣተኛ ምሳኻ ክነብር ኣፍቅደለይ ወይ ዓድለኒ ይብሉ ነበሩ ከም ኣብነት እንተወሲድና፦
ቀዳሞት ኣቦታት ኣዳምን ሄዋንን በቲ ዝገበሩዎ ሓጢኣት ካብ ገነት ወይ ካብ ምስ እግዚኣብሄር ምንባር ምስ ተባረሩ፡ ብዓብይ ሓዘንን ጓሂን ብንብዓት ተጣዒሶም ናብ"ዚ ህልውና እግዚኣብሄር እተስተማቅረሉ ህይወት ማለት ናብ ምሰ እግዚኣብሄር ምንባር ንኽምለሱ ሃረር ይብሉ ነበሩ። (ዘፍ 3፡23)
ደቂ እስራኤል ካብ ሃገረ ግብጺ ወጺኦም ናብ"ታ መዓርን ጸባን እተውሕዝ ሃገር ከነኣን ሃገሮም እናተጓዕዙ ኣብ ምድረ በዳ ከለዉ፡ ኣብ ከረን ሲና ምስ በጽሑ፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ ናብ"ቲ ከረን ንክመጽእ ብዝሓበሮ መሰረት፡ ትርኢት ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ነዒንቲ ደቂ እስራኤል ከም ዝባላዕ ሓዊ ኮይኑ ኣብ ርእሲ እቲ ከረን በዒንቲ ደቂ እስራኤል ተራእየ። ሙሴ ድማ ናብ ማእከል እቲ ደመና ኣተወ ኣብ"ቲ ከረን ድማ 40 መዓልትን ለይትን ገበረ። ስለ"ዚ ሃረርታ እስራኤላውያን ካብ ኣምልኾ ጣኦት ናብ ኣምልኾተ እግዚኣብሄር ወይ ናብ"ቲ መዓርን ጸባን እናተመገብካ ምስ እግዚኣብሄርን ምንባር እዩ ኔሩ። (ዘጸ 24)
ቅዱስ ዘማራይ ዳዊት ንሃረርታኡ ክገልጽ ከሎ ከም"ዚ ይብል ካብ ሽሕሲ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣጸድካ ትሓይሽ እያ"ሞ፡ አብ ድንካን ረሲኣን ካብ ምንባርሲ ኣብ ቤት ኣምላኸይ ሓላው ደገ ምኻን ይሕሸኒ። (መዝ 84፡10) ናይ ሰለሞን መሃልየ መሃልየ ድማ ሃረርታ፦ ነፍስና ምስ እግዚኣብሄር ምንባር ብኻልኣይ ትርጉም ድማ እስራኤላውያን ምስ እግዚኣብሄር ምንባር፡ ይገልጸልና። ቅዱስ ሃዋርያ ጵጥሮስ ነዚ ክገልጽ ከም"ዚ ይብል ጐይታይ ንኣና ኣብ"ዚ ምንባር ክንደይ ጽቡቕ እዩ። ስለዚ ሰለስተ ዳስ (ቤት) ንስራሕ። (ማቴ 17፡4)
እቲ ልዑል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ እምነት ጥጦስ (እቲ ብየማኑ ዝተሰቕለ) ኣብ መስቀል ከሎ ምስ ረኣየ ከም"ዚ በለ ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን ብሓቂ እብለካ ኣለኹ በሎ። (ሉቃ 23፡43)
ስለዚ ምስ እግዚኣብሄር ምንባር እንታይ ማለት እዩ፡ መልሲ፦


ምስ እግዚኣብሄር ምንባር ማለት፦

1. ክብሪ ኣምላኽ ምርኣይ ማለት እዩ፦ ኩሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ ሲኢኖም፡ ከም ዝብል እቶም ካብ ሓጢኣት ዝረሓቁ ግና ምስ እግዚኣብሄር ስለ ዝነብሩ እቲ ፍሉይ ክብሪ ኣምላኽ ንምርኣይ ይበቕዑ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ክብሪ እዚ ንምርኣይ ዘሎና ተስፋ ክገልጽ ከሎ ከም"ዚ ይብል እቲ ዝርአ ንግዚኡ እዩ፡ እቲ ዘይርአ ግና ንዘልዓለም እዩ እሞ ንሕና ነቲ ዘይርአ እምበር፡ ነቲ ዝርኤ ኣይንጥምትን ኢና። (2ይ ቆሮ 4፡18) ክብሪ እግዚኣብሄር ምርኣይ ማለት ዓብይን ንማንም ዘይወሃብ ጸጋ ምኻኑ ክገልጽ ከሎ ጐይታ ከምዚ ይብል ንጹሃት ልቢ ንኣምላኽ ክርእይዎ እዮም’ሞ ብጹኣን እዮም። (ማቴ 5፡8) ብኣንጻር እዞም ሕጉሳት፡ ዕውታት፡ ንጹሃት ልቢ እቶም ብኽፉእ ተግባሮም ዝፍለጡ ድማ ክብሪ እግዚኣብሄር ክርእዩ እዮም፡ ነዚኦም ግና ክብሪ እግዚኣብሄር ምርኣይ ኣብ ክንዲ ሓጐስ ጓሂ፡ ኣብ ክንዲ ቅንዕ ምባል ምድናን፡ ኣብ ክንዲ ክብረት ሕፍረት ውርደት ፍርሒ ኣብ ክንዲ ስሓቕ ጓሂ ወይ ብኽያት ምሕርቃም ኣስናን፡ ኣብ ክንዲ መንግስተ ሰማያት ሲኦል ገሃነም እሳት ዝከዱሉ ፍጻሜ ወይ ግዜ እዩ። ነዚ ድማ ቅዱስ ሃዋርያ ዮሓንስ ኣብ ራእዩ ከም"ዚ ይብል እንሆ ብደመና ይመጽእ ኣሎ ኩለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎን ከኣ ክርእይዎ እዮም፡ ብዘለው ዓሌታት ምድሪ"ውን ኪበኽዩ እዮም።(ራእ 1፡7) (ማቴ 25፡31)


2. መንግስቱ ንምውራስ ማለትዩ፦ ብዛዕባ ምስኡ ምንባር ክገልጽ ከሎ ጐይታ ከም"ዚ ይብል ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን፡ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ። (ሉቃ 23፡43) ኣብ ናይ ኣንቀጸ ብጹኣት(ናይ ብጹኣን) ትምህርቱ ድማ ብመንፈስ ድኻታት መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ"ሞ ብጹኣን እዮም። ምእንቲ ጽድቂ ዝስደዱ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ'ሞ ብጹኣን እዮም። (ማቴ 5፡3-10) ብዛዕባ'ዚ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ክዛረብ ከሎ ከም'ዚ ይብል፡"እዛ ምድራዊት ናይ ድንኳን ቤትና እንተፈረሰት እኳ፡ ሓንቲ ህንጻ ካብ ኣምላኽ፡ ብኢድ ዘይተገብረት ናይ ዘልኣለም ቤት ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና ንፈልጥ ኢና።........ ግና'ኸ እምንቶ ኣላትና፡ ካብ ስጋ ግዒዝና ምስ ጐይታ ክንነብርውን ባህጊ ኣሎና" ይብል። (2ይ ቆሮ 5፡1-8) ኣብ መወዳእታ "ንጻድቃን ዘልኣለማዊ ህይወት መንግስተ ሰማያት፡ ንሓጥኣን ድማ ናይ ዘልኣለም ስቓይ ናብ ሲኦል ይኸዱ" ይብል:: (ማቴ 25፡46)


3. ምስ ቅዱሳን ምንባር ማለት እዩ፦ ጐይታ ብዛዕባ ቅዱሳን ክዛረብ ከሎ "ኣነ ኣምላኽ አብርሃም፡ ይስሓቅን፡ ያዕቆብን እየ፡ ኣምላኽ ህያዋን እምበር ኣምላኽ ምውታት ኣይኮንኩን" ይብል። ነዚ ምስጢርዚ ኣብ ደብረ ታቦር ኣግሃዶ’ሞ፤ ቅዱስ ሃዋርያ ጵጥሮስ ነዚ ክገልጽ ብሓጐስ ከምዚ ይብል “ጐይታይ ንኣና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። ትፈቱ እንተ ኮንካስ፡ ኣብዚ ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ፡ ሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ፡ ሓደ'ውን ንኤልያስ።” (ማቴ 17፡4) ስለዚ ኣምላኽና ኣምላኽ ህያዋን (ቅዱሳን) እዩ። ከምኡ'ውን ሰፊሕ ታሪኽ እቲ ኣዝዩ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛር እቲ ድኻን፡ ምስ ቅዱሳን ምንባር ከመይ ከም ዝኾነ የብርሃልናዩ። (ሉቃ 16፡19-31)። ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ከም’ዚ ይብለና "እምበኣርከስ ንስኻትኩም ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝኾነ፡ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቕኩም፡ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራቤቱ ንኣምላኽን ኢኹም እምበር ኣጋይሽን መጻእተኛታትን ኣይኮንኩምን። ኣብኡ ዘሎ እቲ ህንጻ ብጐይታ ቅድስቲ ቤተ መቅደስ ምእንቲ ክኸውን፡ እናተኣሳሰረ ይዓቢ። ንስኻትኩምውን ኣብኡ ማሕደር ኣምላኽ ብመንፈስ ክትኮኑ ሓቢርኩም ትህነጹ ኣሎኹም።” (ኤፈ 2፡20-22)


4. ኣካልና ቤት መቕደስ ኣምላኽ ምግባር ማለትዩ፦ "እቲ ስጋይ ዝበልዕ ደመይውን ዝሰቲ ኣባይ ይነብር ኣነውን ኣብኡ" (ዮሓ6፡56) ጐይታ እምበኣር ይብለና ኣሎ እዚ ቅዱስ ስጋይን ደመይን ምስ ትቕበሉ ኣነ ኣባኹም ይነብር ንስኻትኩም’ውን ኣባይ። ስለ’ዚ ኣካልኩም ቤት መቅደስ ኣምላኽ ይኸውን ማለትዩ "ቤት መቅደስ ኣምላኽ ቅድስቲ'ያ ቤት መቅደስ ኣምላኽ ከኣ ንስኻትኩም ኢኩም፡ ሓደ እኳ ነታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣማሰነ፡ ኣምላኽ ኬማስኖ እዩ።" (1ይ ቆሮ3፡16-17) ነዞም ኣካልና ቤት መቅደስ ኣምላኽ ዘይገበርና ድማ ከም’ዚ ይብለና "እንሆ ኣብ ደገ ቤት ደው ኢለ ኳሕኳሕ ኣብል ኣለኹ፡ ድምጸይ ሰሚዑ ማዕጾ እንተኸፈተለይ፡ ናብኡ ክኣቱ ምስኡ ከኣ ኽድረር እየ፡ ንሱውን ምሳይ። ከምቲ ኣነ’ውን ዝሰዓርኩ እሞ ምስ ኣቦይ ኣብ ዝፉኑ እተቐመጥኩ፡ ነቲ ዝስዕር ኣብ ዝፉነይ ክቅመጥ (ክነብር) ክህቦ እየ። እዝኒ ዘላቶ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ።" (ራእ3፡20-22) እሞኸ ደኣ ምስ እግዚኣብሄር ምንባር ማለት ካብ ፈለጥና፡ ምስኡ ክነብር እንታይ ንግበር።


ምስ እግዚኣብሄር ንምንባር ከነማልኦም ዘሎና ነጥብታት፦

ነዚ ህይወት እዚ ንምርካብ ቃል እግዚኣብሄር ዝእዝዘና ኩሉ ምግባር፡ ወይ ምፍጻም የድልየና። ቃል እግዚኣብሄር ዝብሎም ፈጺሞም ነዚ ናይ ምስ እግዚኣብሄር ናይ ምንባር ጸጋ ዝተዓደሉ ቅዱሳን ድማ ህይወት ታሪኾምን ብዛዕባኦም ዝተነግረና ምኽርን ምውካስን ምስዓብ ኣሰሮምን የድልየና። ብዛዕባ ክብሪ ቅዱሳን ክዛረብ ከሎ ከም ኣብነት ብዛዕባ ዮሓንስ መጥመቕ ከምዚ ክብል ይምዕደና "ካብ ኣንስቲ ካብ ዝተወልዱ ካብ ዮሓንስ ዝዓቢ ሓደ እኳ ኣይተንስአን። ካብ መንግስተ ሰማያት ግና እቲ ዝንእስ ካብኡ ይዓቢ። (ማቴ11፡11) ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ብዛዕባ ቅዱሳን ኣቦታት ክዝርዘር ከሎ ከምዚ ይብል "ዓለም ንኣታቶም ዘይትበቅዕ ኮይናስ፡ ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጉድ ምድርን ኰለል በሉ።" (እብ 11፡38) ስለዚ ንኣታቶም ዝበቅዕ መንዩ እንተኢልና ምስ እግዚኣብሄር ምንባር'ምበር ምስ ፍትወት ዓለም ኣይኮነን ምክንያቱ እቲ ንህይወቱ ዝረኽባ ከጥፍኣ እዩ፡ እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዘጥፍኣ ግና ክረኽባ እዩ።(ማቴ 10፡39)ጎይታ ከምዚ ይብለና "እቲ ፍቓድ ኣብ ሰማያት ዘሎ ዝገብር ደኣ እምበር ጎይታይ ጎይታይ ዝብለኒስ መንግስተ ሰማያት ዝኣቱ ኣይኮነን።"(ማቴ 7፡21) ከምኡ’ውን ይብለና እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዝሕልዎ ንሱ እዩ ዘፍቅረኒ፡ ነቲ ዘፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ፡ ኣነውን የፍቅሮ ርእሰይ ድማ እገልጸሉ። (ዮሓ14፡21) ኣብ መወዳእታ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝመኽረና ምኽሪ ንርአ "ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም መወዳእታ ንብረቶም እናተቋመትኩም፡ ኣሰር እምነቶም ሰዓቡ።" (እብ13፡7) ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሃርካ ፈሊጥካ ነተን ካብ ቁልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስ ኢየሱስ ንምድሓን ከለብማኻ ዝኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈሊጥካ፡ በቲ እተመሃርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ። (2ይ ጢሞ 3፡15) ስለዚ ካብ ህይወት ኩሎም ቅዱሳን እንመሃሮ ቅዱስ ተግባር፡ ሕይወቶም ናይ ጸሎት፡ ጾም፡ ምጽዋት፡ ትሕርምትን፤ትሕትናን ካልእ ኩሉ መንፈሳዊ ስራሕን እዩ። (ኤፈ6፡24) በዚ ነገር እዚ ድማ ምስ እግዚኣብሄር ንክነብሩ በቕዑ። "ሰለዚ ንኩሉ ዝኸብደናን ነቲ ዝጠብቀናን ሓጢኣት ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሓንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ከኣ ብትዕግስቲ ንጉየ ናብቲ ሕፍረት ንዒቑ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል ዝተዓገሰ ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማሪ እምነትናን ደምዳሚኣን ኢየሱስ ንጠምት።" (እብ12፡1-2)


ምስ እግዚኣብሄር ምንባርና (ምህላውና) ብኸመይ ነረጋግጽ፦

ከይሞትና ብስጋ፦ጐይታና ከምዚ ይብለና "ጽቡቕ ኦም ብፍሪኡ ይፍለጥ እቲ ክፋእ ኦም ድማ ክፉእ ፍረ ይፈሪ።" (ማቴ7፡17) ከምኡ’ውን ፍሪኡ ኣብ ግዜኡ ይህብ "ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፡ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ፡ ብሕጊ እግዚኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ፡ ነቲ ሕጉ'ውን ለይትን መዓልትን ዝመራመሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ንሱ ከምታ ፍሪኣ በብግዜኣ እትህብ ቆጽላ ከኣ ዘይረግፍ፡ አብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን ዝገብሮ ኩሉውን ይሰልጦ።" (መዝ1፡1-3) እቲ ከምዚ ዝገብርሲ ንዘልኣለም ኣይናወጽን። (መዝ 15፡5) "እምበኣርከስ ጐይታስ መንፈስ እዩ። እቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ። (2ይ ቆሮ 3፡17) ከም ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስን ካልኦት ቅዱሳንን ኣብ መወዳእታ ከምዚ ንምባል ጸጋ ይወሃበና "ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ ጉያይ ወዲአ፡ ነታ እምነት ሓልየያ። ደጊምሲ ጐይታ እቲ ጻድቕ ፈራዲ በታ መዓልቲ ዝህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ ኣሎ። እዚ ግና ንኣይ ጥራይ ዘይኮነስ ነቶም ምግሃድ ዘፍቁሩ ኩላቶም እዩ።"(2ይጢሞ 4፡8)


ድሕሪ ሞትና፦ ኩሉ ሰብ ዘዝዘርኦ እዩ ዝዓጽድ። ስለ’ዚ ኣምላኽ ነቶም ብእኡ ኣሚኖም ቃሉ ሓልዮም ምስኡ ዝነበሩ ድሕሪ ሞቶም ዝህቦም ዓስቢ ብዙሕን ዝተፈላለየን ተገሊጹ ዘይውዳእ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና እዩ። (2ይ ቆሮ12፡4-7) ገለ ካብቶም ተጠቂሶም ዘልዉ ዓስብታት ንምጥቃስ ግና ክንፍትን "ንስካትኩም ግና ምሳይ ብመከራ ብፈተና እተዓገስኩም ኢኹም።….. ኣብ ዙፋናት ተቀሚጥኩም ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱሲ…. ንኣኻትኩም ኣነ መንግስተይ መደብኩልኩም። (ሉቃ 21፡28-30) ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ እቲ ካብ ምምስራት ዓለም ዝተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ። (ማቴ 25፡34) ስለ’ዚ መታን ከይትደኽሙን ነፍሳትኩም ከይሕለላን፡ ነቲ ካብ ሓጥኣን ኣብ ርእሱ ክንድዚ ዝኣኽል ምጽራር እተዓገሰ ዘክርዎ። (እብ12፡3)
እግዚኣብሄር ምስኡ ናይ ምንባር ህይወት ይሃበና ኣሜን።




not connected