God is great! God is great!

መንፈሳዊ መዛሙር ዘኦርቶዶክስ ተዋህዶ

Orthodox Tewahdo Church Songs










በስመ ኣብ ወወልድ


በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ (2)
ምስጋና ይኩኖ ንመድሓኒ ክርሰቶስ (2)

ብስም ቅዱስ ስምካ ብንጹሕ ሕልና (2)
ኣብ ዙርያ መቕደስካ ንርከብ ኣሎና (2)

ልደት ቤተ ልሔም ጥምቀት ዮርዳኖስ (2)
ሃይማኖት ተዋህዶ ድሕነት ሥጋ ነፍስ (2)

በጃ ኩሉ ዓለም መስዋእቲ ድሕነትና (2)
ክርስቶስ ቃል ኣምላኽ በጊዕ ፋሲካና (2)

ጎይታ ጎይቶት ልዑል ክርስቶስ ፈጣሪ (2)
ምስጋና ይኹኖ ብሰማይ ብምድሪ (2)

እምነትና ንምጽናዕ ባዕልኻ ርድኣና ''(2)
መንፈስካ ብምልኣኽ ባርኽ ጉባኤና (2)

ወሃቢ ህይወት ጸጋ ዝህብ ጸጋ (2)
ኣሜን ሃሌ ሉያ ኣልፋ ወኦሜጋ (2)