God is great!



Prayers In English

"ስለ ጽድቂ ፍርድኻ ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ ኤመስግነካ ኣሎኹ። " መዝ 119 ፡ 164

ናይ ንግሆ ጸሎት

መእተዊ ጸሎት

ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብሓደ ኣምላኽ ኣሜን።
ኦ ጐይታ መሓረና ኦ ጐይታ መሓረና ኦ ጐይታ ባርኸና ኣሜን።
ክብሪ ንእግዚኣብሄር ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብሓደ ኣምላኽ ኣሜን።

ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና

ዎ ጐይታ ብቑዓት ግበረና ብምስጋና ከም’ዚ ኢልና ክንጽሊ፤
ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፤ ስምካ ይቀደስ፤ መንግስትኻ ትምጻእ ፍቓድካ ከም’ቲ ኣብ ሰማይ፤ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን፤ ናይ ዕለት መግብና ሎሚ ሃበና፤ ንሕና ንዝበደሉና በደሎም ከም ዝሓደግናሎም፤ በደልና ሕደገልና፤ ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር ኣብ ፈተና ኣይተእትወና፤ መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘልኣለም ናትካ እዩ እሞ ኣሜን።

ናይ ምስጋና ጸሎት

ንገባሪ ሠናያትን መሓርን ኣምላኽ፡ ኣቡኡ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ። ሰቲሩናን፡ ረዲኡናን፡ ዓቂቡናን፡ ተቐቢሉናን ራኅሪኁልናን፡ ደጊፉናን፡ ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ’ውን ኣብጺሑና እዩ እሞ ነመስግኖ ኣሎና ።

ሕጂ’ውን ንዕኡ በዛ ቅድስቲ ዕለት እዚኣን ብኹሉ ዘመን ህይወትናን ብፍጹም ሰላም ክዕቅበና ንኹሉ ዝመልኽ እግዚአብሔር ኣምላኽና ንለምኖ። ኦ ጐይታና እግዚኣብሔር፡ ኩሉ እትኽእል ኣቡኡ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ልዕሊ ኩሉ ኩነታትን፡ ምእንቲ ኩሉ ኩነታትን፡ ኣብ ውሽጢ ኩሉ ኩነታትን ነመስግነካ ኣሎና።

ሰለ ዝሰተርካናን፡ ዝረዳእካናን፡ ዘዕቆብካናን፡ ናባኻ’ውን ስለ ዝተቐበልካናን፡ ስለ ዝራኅራኅካልናን ዝደገፍካናን፡ ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ’ውን ሰለ ዘብጻሕካናን ነመስግነካ ኣሎና።

ኦ መፍቀሪ ሰብ ነዛ ቅድስቲ ዕለት እዚኣን፡ ኩሉ ዘመን ህይወትናን፡ ንዓኻ ብምፍራህ ብፍጹም ሰላም ክንፍጽሞ ካብ ሰናያትካ ንኽትህበና ንሓትትን ንልምንን ኣሎና። ኩሉ ቅንኣትን፡ ኩሉ ፈተናን፡ ኩሉ ግብሪ ሰይጣንን፡ ምኽሪ ክፉኣት ሰባትን፡ ሕቡእን ግሁድን ዝኾነ ምልዓል ጸላእን፡ ኦ ጐይታ ካባይ ኣርሕቅ፡ ካብ ኩሉ ህዝብኻ’ውን ኣርሕቕ፡ ካብዚ ቅዱስ ቦታኻ እዚ’ውን ኣርሕቕ።

ኩሉ ሠናያትን ዘድሊ ነገርን ዓድለና። ምኽንያቱ ንስኻ ኢኻ ተመንን ዕንቅርቢትን ኩሉ ሓይሊ ጸላእን ክንረግጽ ሥልጣን ዝሃብካና። ካብ ኩሉ ክፉእ ኣድሕነናን ባልሓናን እምበር ናብ ፈተና ኣይተእትወና።

በቲ ሓደ ወድኻ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ምእንቲ ፍቕሪ ሰብ ኢሉ ዝገበሮ ጸጋን ምሕረትን ምሳኻ ማዕረ ምስ ዝኾነ ወሃቢ ህይወት መንፈስ ውዱስን ክብርን ግርማን ውዳሴን ኣምልኾን ብሕብረት ምስኡ ናትካ እዩ። ሎምን ኩሉ ሳዕን ንዘልኣለም ኣለም ኣሜን።

መዝሙር - 51

ኦ ኣምላኽ ከምቲ ዓቢ ምሕረትካ ምሓረኒ፡ ከም ብዝሒ ርኅራኄኻ ኣበሳይ ደምስስ። ካብ ኣበሳይ ኣጸቢቅካ ሕጸበኒ ካብ ሓጢኣተይ’ውን ኣንጽሃኒ። ኣነ ኣበሳይ ሰለ ዝፈልጦ፡ ሓጢኣተይ ኩሉ ግዜ ኣብ ቅድመይ እዩ። ንኣኻ ንበይንኻ ጥራይ በደልኩ። ኣብ ቅድሜኻ’ውን እከይ ገበርኩ። ብቃላትካ ቅኑዕ ክትከውን እንተ ፈረድካ’ውን ክትመልኽ። እንሆ ብእከይ ተጠነስኩ፡ እኖይ ከኣ ብሓጢኣት ወለደትኒ። ንስኻ ኸኣ ንዝጋረድካዮን፡ ንስውር ጥበብካን ሰለ ዝገለጽካለይ ንሓቂ ፈቶኻ። ብስምዕዛ ትነጽገኒ እሞ እነጽህ፡ ትሓጽበኒ እሞ ካብ በረድ እጽዕዱ። ባህታን ሓጎስን ተስማዓኒ እሞ፡ እተን ዱርቁማት ኣዕጽምተይ ይሕጎሳ፤ ንገጽካ ካብ ሓጢኣተይ ክውሎ፡ ንብዘሎ ኣበሳይ’ውን ደምስሶ። ኦ ኣምላኽ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፡ ቅኑዕ መንስፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሓድስ። ካብ ቅድሚ ገጽካ ኣይትደርብየኒ፡ ቅዱስ መንፈስካ ሃበኒ፡ ብዝመርሓኒ መንፈስ’ውን ደግፈኒ፡ ሽዑ መገድኻ ንበደለኛታት ክምህሮም እየ፡ እቶም ተጠራጠርቲ ኸኣ ናባኻ ክምለሱ እዮም። ኦ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ምድሓነይ፡ ካብ ዕዳ ደም ኣናግፈኒ፡ ልሳነይ’ውን ብጽድቅኻ ክትሕጎስ እያ። ኦ ጐይታየ ኣፈይ ምስጋናኻ ክነግርሲ ከናፍረይ ክፈት። መሥዋእቲ ባህ ኣየብለካን እዩ፡ ንመሥዋእቲ ምሕራር’ውን ኣይትብህጎን ኢኻ፡ እትብህጎ እንተ ትኸውን ግና ምቕረብኩልካ ነይረ። ምሥዋእቲ እግዚኣብሔር ትሑት መንፈስ እዩ። ኣምላኽ ንትሑትን ለዋህን ልቢ ኣይንዕቆን እዩ። ኦ ጐይታ ንጽዮን ብሓጎስካ ሠናይ ግበረላ፡ መካብብያታት ኢየሩሳሌም ይነደቓ። ሽዑ ብምሥዋእቲ ጽድቂ፡ ብዝሓርር ምሥዋእቲን ቁርባንን ባህ ክብለካ እዩ፡ ኣብ መሠውኢኻ’ውን ኣራሑ ከቕርቡልካ እዮም። ሃሌ ሉያ።

ንዑ ንስገድ

ንዑ ንስገድ ንዑ ንሕተት ንክርስቶስ ኣምላኽና፤ ንዑ ንስገድ ንዑ ንለምን ንክርስቶስ ንጉሥና፤ ንዑ ንስገድ ንዑ ንማህለል ንክርስቶስ መድሕንና። ኦ ጐይታ ኢይሱስ ክርስቶስ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽና፤ ብኣማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያምብ ኵሎም ቅዱሳንካን፤ ሠናይ ምጅማር ክንጅምር ፍቐደልና። ከም ፍቓድካ ክሳዕ ዘልኣለም መሓረና። ኦ ጐይታ ለይቲ ብድሓን ሓሊፋ እያ እሞ፤ ነመስግነካ ኣሎና። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ኸኣ፤ ብዘይ ሓጢኣት ክትሕልወናን ክትረድኣናን ንልምነካ ኣሎና።

መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ኤፌሶን ምዕራፍ 4 ፡ 1 - 5

ደጊም ኣነ እሱር ኣብ ጐይታ፤ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ጽውዓ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ እምዕደኩም ኣሎኹ። ብዅሉ ትሕትና ልብን ለውሃትን ብትዕግስትን ኣብ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተጻወርኩም፤ ከምቲ ብሓንቲ ተስፋ ብሓደ ጐይታ፤ ብሓንቲ እምነት፤ ብሓንቲ ጥምቀት፤ እተጸዋዕኩም፤ ምእንቲ ሓደ ስጋን ሓደ መንፈስን ክትኮኑ፤ ነቲ ሕብረት መንፈስ በቲ ፍጹም ሠናይ መእሠር ሰላም ጌርኩም ክትሕልውዎ፤ ተቓዳደሙ።

ካብ እምነት ቤተ ክርስትያን

እቲ ኣቦ ዅሉ ዝኾነ ኣምላኽ ሓደ እዩ፤ እቲ ዝተሠገወን ዝሞንተን ካብ መንጎ ሙዉታትውን ኣብ ሣልሰይቲ መዓልቲ ዝተንሥአን ምስኡውን ዘተንሥኣና፤ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል ኣምላኽ ሓደ እዩ። እቲ መጸናንዒን ንዅሉ ፍጡር ዘንጽሕን፤ ምስ ኣቦን ወድን ብመለኮት ሓደ ዝኾነ፤ ካብ ኣብ ዝሠረፀ መንፈስ ቅዱስ ሓደ እዩ። ነቲ ንሱ ክንሰግደሉ ዘምሃረና፤ ብመለኮቱን ብባህርዩን ብፍቓዱን ሓደ ንዝኾነ ሥሉስ ቅዱስ፤ ንዘለዓለም ነመስግኖን ኣሎና ኣሜን።

ኣብዛ ብርኽቲ መዓልቲ እዚኣ፤ ንክርስቶስ ንጉሠይን ኣምላኸይን ናይ ንግሆ ጸሎት ምስጋና፤ አቕርበሉ። ኃጢኣተይ ክኃድገለይ ከኣ እልምኖ።

መዝሙር - 1

ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ፣ ብሕጊ እግዝኣብሄር ደአ ዚፍሳህ፣ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን፣ ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬአ በብጊዜኣ እትህብ፣ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፣ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ። እቶም ረሲኣን ከምቲ ንፋስ ዚብትኖ ብቚብቚ እዮም እምበር፣ ከምዚ ኣይኰኑን። ንመገዲ ጻድቃንሲ እግዚኣብሄር ይፈልጣ እዩ፣ መገዲ ረሲአን ግና ኽትጠፍእ እያ እሞ፣ ስለዚ ረሲኣን ኣብ ፍርዲ፣ ሓጥኣንውን ኣብ ማሕበር ጻድቃን ኣይኪቘሙን እዮም። ሃሌ ሉያ።

መዝሙር - 2

ስለምንታይ እዮም ኣህዛብ ጫውጫው ዚብሉ፣ ህዝብታትሲ ከንቱ ዚሓስቡ፧ ነገስታት ምድሪ ይትንስኡ፣ መሳፍንቲ ኸኣ ሐቢሮም፣ ንመቓውሖም ንስበሮ፣ ንማእሰሪኦምውን ካባና ንደርብዮ፣ ኢሎም ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ መሲሁን ይመኽሩ። እቲ ኣብ ሰማይ ዚነብር ይስሕቆም፣ ጐይታ የላግጸሎም። ሽዑ ብዅራኡ ይዛረቦም፣ ብነድሩ ኸኣ የፈራርሆም፣ ኣነ ኣብ ጽዮን ኣብ ቅዱስ ከረነይ ንጉሰይ ሸምኩ፣ ይብል። እቲ ምዱብ ምኽሪ እነግር ኣሎኹ፣ እግዚኣብሄር በለኒ፣ ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ። ኣህዛብ ንርስትኻ፣ ወሰናት ምድሪ ኸኣ ንጥሪትካ ኽህበካስ፣ ለምነኒ። ብበትሪ ሓጺን ክትቅጥቅጦም፣ ከም ኣቕሓ ሰራሕ መሬት ከኣ ክትሰባብሮም ኢኻ። እምበአርሲ ኣቱም ነገስታት፣ ለብሙ፣ ኣቱም ፈራዶ ምድሪውን፣ ተአረሙ። ንእግዚኣብሄር ብፍርሃት ኣገልግልዎ፣ ብረዓድ ከኣ ተሐጐሱ። ኵራኡ ቐልጢፉ ይነድድ እዩ እሞ፣ ከይዅሪ፣ ኣብ መገዲ ኸሎኹም ድማ ከይትጠፍኡስ፣ ንወዱ ስዐምዎ። ኣብኡ ዚምዕቈቡ ዘበሉ ዅሎም ብጹኣን እዮም። ሃሌ ሉያ።

መዝሙር - 3

ዎ እግዚኣብሄር፣ ጠቓዕተይሲ ኽንደይ ኰን ይበዝሑ፣ ኣባይ ዚለዐሉ ብዙሓት እዮም። ብዛዕባ ነፍሰይ ብዙሓት፣ ኣብ ኣምላኽሲ ምድሓን የብሉን፣ ይብሉ ኣለዉ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ግና ኣብ ዙርያይ ዋልታ ኢኻ፣ ክብረይን ንርእሰይ ልዕል እተብላን ንስኻ ኢኻ። ብድምጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኤእዊ ኣሎኹ። ካብ ቅዱስ ከረኑ ኸኣ ይመልሰለይ። ተገምሰስኩ ደቀስኩውን፣ እግዚኣብሄር ይድግፈኒ ኣሎ እሞ ነቓሕኩ። ነቶም ዚኸቡኒ ኣእላፋት ኣህዛብ ኣይፈርሆምን እየ። ንምንጋጋ ዅሎም ጸላእተይ ወቒዕካዮ፣ ነስናን ረሲኣን ሰባቢርካዮ ኢኻ እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ተንስእ፣ ዎ ኣምላኸይ፣ ኣድሕነኒ። ምድሓን ናይ እግዚኣብሄር እዩ፣ በረኸትካ ኣብ ህዝብኻ ይኹን። ሃሌ ሉያ።

መዝሙር - 4

ዎ ኣምላኽ ጽድቀይ፣ ከእዊ ኸሎኹ፣ ምለሰለይ፣ ብጸበባ ኣርሒብካለይ ኢኻ፣ ደንግጸለይ እሞ ጸሎተይ ስማዕ። ኣቱም ደቂ ሰብ፣ ክብረይስ ኰን ክሳዕ መአዝ እዩ ዚሐስር፧ ክሳዕ መአዝከ ንኸንቱነት ትፈትዉ፣ ሓሶትውን ትደልዩ፧ እግዚኣብሄር ግና ነቲ ደጊ ኸም ዝሐረዮ፣ ፍለጡ። እግዚኣብሄር፣ ናብኡ እንተ ጠራዕኩ፣ ይሰምዕ እዩ። ኰርዩ እሞ ኣይትአብሱ፣ ኣብ መደቀሲኹም ልብኹም መርምሩን ስቕ በሉን። መስዋእቲ ጽድቂ ሰውኡ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ድማ ተወከሉ። ብዙሓት፣ ንሠናይ መን እዩ ዜርእየና፣ ይብሉ ኣለዉ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ብርሃን ገጽካ ኣብርሃልና። ካብቲ እቶም እኽሎምን ወይኖምን ምስ በዝሔ ዚሕጐስዎ ኣብሊጽካ ኣብ ልበይ ሓጐስ ኣንበርካ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ብደሓን እተሕድረኒ እሞ፣ ብሰላም እግምሰስን እድቅስን ኣሎኹ። ሃሌ ሉያ።

መዝሙር - 5

ዎ እግዚኣብሄር፣ ንቓላተይ ጽን በሎ፣ ንሓሳባተይ ኣስተውዕሎ። ናባኻ እጽሊ ኣሎኹ እሞ፣ ዎ ንጉሰይን ኣምላኸይን፣ ንድምጺ ጥርዓነይ ኣድህበሉ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣንጊህካ ንድምጸይ ትሰምዖ ኢኻ፣ ኣንጊሄ ልበይ ናባኻ ኣቕኒዔ ኤማዕዱ ኣሎኹ። ብረሲእነት ባህ እትብል ኣምላኽ ኣይኰንካን እሞ፣ እኩይ ምሳኻ ኣይሐድርን። ትዕቢተኛታት ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኣይቈሙን፣ ንገበርቲ እከይ ዘበሉ ትጸልኦም። ሓሶት ንዚዛረቡ ተጥፍኦም። እግዚኣብሄር ንደመኛን ንጠባርን ይፍንፍኖም እዩ። አነ ግና ብብዝሒ ሳህልኻ ናብ ቤትካ ኽአቱ፣ ብፍርሃትካ ናብ ቅድስቲ መቕደስካ ኣቢለ ኽሰግድ እየ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ብምኽንያት ተጻናጸንተይ ብጽድቅኻ ምርሓኒ፣ ንመገድኻ ኣብ ቅድመይ መድምዳ። ኣብ ኣፎም ቁም ነገር የልቦን እሞ፣ ውሽጦም ጥፍኣት፣ ጐረርኦም ክፉት መቓብር እዩ፣ ብመልሓሶም የቀባጥሩ። ዎ ኣምላኽ፣ ኰንኖም፣ ኣብ ምኽሮም ይውደቑ። ካባኻ ዐልዮም እዮም እሞ፣ ብብዝሒ ኣበሳኦም ኣባርሮም። ኣባኻ ዚዕቈቡ ዅሎም ግና ይተሐጐሱ፣ ንስኻ አጽሊልካዮም ኢኻ እሞ፣ ንዘለአለም እልል ይብሉ፣ ንስምካ ዜፍቅርዎ ድማ ብኣኻ ይፈስሁ። ንጻድቕ ትባርኾ ኢኻ እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ብዋልታ ብጸጋ ትኸቦ። ሃሌ ሉያ።

መዝሙር - 6

ዎ እግዚኣብሄር፣ ብዅራኻ ኣይትግንሓኒ፣ ብሓርቖትካ ድማ ኣይትቕጽዓኒ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ማህሚነ እየ እሞ፣ ምሐረኒ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣዕጽምተይ ተሸቢረን እየን እሞ፣ ኣጥዕየኒ። ነፍሰይውን ኣዝያ ተሸቢራ፣ ንስኻኸ፣ ዎ እግዚኣብሄር ክሳዕ መአዝ፧ ዎ እግዚኣብሄር፣ ተመለስ፣ ንነፍሰይ ኣናግፋ፣ ምእንቲ ምሕረትካ ኣድሕነኒ። ኣብ ሞት ዚዝክረካ የልቦን እሞ፣ ኣብ ሲኦልከ መን እዩ ዜመስግነካ፧ ኣነ ብእህህታ ሰልክየ፣ ለይተ ለይቲ ንመደቀስየይ ኤርሕሶ፣ ንመንጸፈይ ብንብዓተይ ኤጠልቅዮ ኣሎኹ። ዓይነይ ብሓዘን ተባላሸወት፣ ብሰሪ ዅላቶም ተጻረርተይ ትአርግ ኣላ። እግዚኣብሄር ንድምጺ ብኽያተይ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፣ ኣቱም ገበርቲ እከይ ኵላትኩም፣ ካባይ ርሐቑ። እግዚኣብሄር ንምህለላይ ሰሚዕዎ፣ እግዚኣብሄር ንጸሎተይ ኪቕበሎ እዩ። ኵላቶም ጸላእተይ ኪሐፍሩ፣ እምብዛ ኺሽበሩ፣ ንድሕሪት ኪምለሱ፣ ብድንገት ኪሐፍሩ እዮም። ሃሌ ሉያ።

መዝሙር - 8

ዎ እግዚኣብሄር፣ ጐይታና፣ ኣታ ንግርማኻ ኣብ ሰማያት ዝተኸልካዮ፣ ስምካስ ኰን ኣብ ኵላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም እዩ። ምእንቲ ተቓወምትኻ ነቲ ጸላእን ፈዳይ ሕነን ስቕ ከተብሎ፣ ካብ ኣፍ ቈልዑን ዚጠብውን ሓይሊ ኣዳሎኻ። ንሰማያትካ፣ ነቲ ስራሕ ኣጻብዕካ፣ ንስኻ ዘቘምካዮም፣ ወርሕን ከዋኽብትን እንተ ጠመትኩ፣ እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ፣ እቲ እትሐልየሉ ወዲ ሰብሲ እንታይ እዩ፧ ካብ መላእኽቲ ቕሩብ ኣንኣስካዮ፣ ብኽብርን ጌጽን ከኣ ኸለልካዮ። ኣብ ልዕሊ ግብሪ ኣእዳውካ ሸምካዮ፣ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ጌርካዮ፣ ንብዘለዋ ዅላተን ኣባጊዕን ኣሓን፣ ንእንስሳታት በረኻውን ነዕዋፍ ሰማይን ንዓሳታት ባሕርን ነቲ ብመገድታት ባሕሪ ዚሐልፍ ዘበለን። ዎ እግዚኣብሄር ጐይታና፣ ስምካስ ኰን ኣብ ኵላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም እዩ። ሃሌ ሉያ።

መዝሙር - 12

ዎ እግዚኣብሄር፣ ሕያዋይ ሰብ ተሳኢኑ፣ ካብ ማእከል ደቂ ሰብውን እሙናት ጠፊኦም እዮም እሞ፣ ኣድሕን። ነፍሲ ወከፎም ምስ ብጻዩ ሓሶት ይዛረብ፣ ብዜቃባጥር ከንፈርን ብኽልተ ልብን ይዛረቡ ኣለዉ። እግዚኣብሄር ንዅላተን መቃባጠርቲ ኸናፍርን ነታ ዕቡይ ነገር እትዛረብ መልሓስን፣ ነቶም፣ ሳላ መልሓስና ንብርትዕ ኣሎና፣ ከናፍርና ናትና እየን፣ መን እዩኸ ጐይታና፧ ዚብሉን ኪምንቊሶም እዩ። ስለ ምግፋዕ ጥቑዓትን ስለ ልቕሶ መሳኪንን ሕጂ ኽትንስእ፣ ነቲ ዚናፍቖውን ምድሓን ከምጽአሉ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር። ቃላት እግዚኣብሄር ጽሩይ ቃላት እዩ፣ ብመምከኽ መርየት ዝጸረየ፣ ሾብዓተ ሳዕ እተዀልዔ ብሩር እዩ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ክትሕልዎም፣ ካብዚ ወለዶ እዝስ ንዘለአለም ክትዕቅቦም ኢኻ። ብልሽውነት ኣብ ማእከል ደቂ ሰብ ልዕል እንተ በለ፣ ረሲኣን ኣብ ኵሉ ወገን ይዞሩ። ሃሌ ሉያ።

መዝሙር - 13

ዎ እግዚኣብሄር፣ ክሳዕ መአዝ ኢኻ ፈጺምካ እትርስዓኒ፧ ክሳዕ መአዝከ ኢኻ ገጽካ ትኽውለለይ፧ ክሳዕ መአዝ ብነፍሰይ ክጭነቕ፣ ዕለተ ዕለትሲ ብልበይ ክሐዝን እየ፧ ጸላእየይከ ኽሳዕ መአዝ እዩ ዚዕብልለኒ፧ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ጠምት እሞ ምለሰለይ። ኣነ ድቃስ ሞት ከይድቅስ፣ ጸላእየይ፣ ስዒረዮ፣ ከይብል፣ እንተ ተናወጽኩ፣ ተጻረርተይ ከይፍስሁስ፣ ነዒንተይ ኣብርሃየን። ኣነ ግና ብምሕረትካ እውከል ኣሎኹ፣ ልበይ ብምድሓንካ ይሕጐስ ኣሎ። እግዚኣብሄር ሠናይ ገይሩለይ እዩ እሞ፣ ምስጋናኡ ኽዝምር እየ። ሃሌ ሉያ።

መዝሙር - 15

ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣብ ድንኳንካ ዚሐድር መን እዩ፧ ኣብቲ ኸረን ቅድስናኻ ዚነብርከ መን እዩ፧ እቲ ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን፣ ብልሳኑ ዘይሐሚ፣ ንመሓዛኡ ገለ ኽፉእ ዘይገብሮ፣ ንብጻዩ ዘይጸርፎ፣ እቲ ጽዩፍ ንዑቕ ኰይኑ ዚረአዮ፣ ንፈራህቲ እግዚኣብሄር ግና ዜኽብሮም፣ ዚጐድኦ እኳ እንተ ዀነ፣ ነቲ ዝመሐለሉ ዘይልውጦ፣ ገንዘቡ ብሓረጣ ዘይህብ፣ ንጕድኣት ንጹህ ከኣ መማለጃ ዘይቕበል፣ እቲ ኸምዚ ዚገብርሲ ንዘለአለም ኣይናወጽን እዩ። ሃሌ ሉያ።

መዝሙር - 16

ዎ ኣምላኽ፣ ብኣኻ እውከል ኣሎኹ እሞ፣ ሓልወኒ። ንእግዚኣብሄር፣ ንስኻ ጐይታይ ኢኻ፣ ብዘይ ንስኻስ ሠናይ የብለይን፣ ኢለዮ። ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅዱሳን፣ ንሳቶም ክቡራን እዮም፣ ባህገይ ኵሉ ኣባታቶም እዩ ዘሎ፣ በልኩ። ጻዕሪ እቶም ናብ ካልኦት ዚጐዩ ኺበዝሕ እዩ። ናይ ደም መስዋእቲ መስቲኦም ኣይክስውእን፣ ንስሞም ከኣ ብኸናፍረይ ኣይከውስእን እየ። እግዚኣብሄርሲ ኽፍሊ ርስተይን ጽዋኤይን እዩ፣ ነቲ ብዕጻ ዝበጽሓኒ እተጽንዖ ንስኻ ኢኻ። ኣብ ባህ ዜብል ቦታ ዕጻ በጺሑኒ፣ ኤረ ጽቡቕ ርስቲ መጺኡኒ። ነቲ ዚምዕደኒ እግዚኣብሄር እባርኾ አሎኹ፣ ብለይቲ እኳ ኰላሊተይ ይምህራኒ እየን። ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ ገይረዮ፣ ብየማነይ ስለ ዝዀነ፣ ኣይክናወጽን እየ። ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን፣ ቅዱስካውን ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትፈቅድን ኢኻ እሞ፣ ስለዚ ልበይ ይሕጐስ፣ ክብረይ እልል ይብል፣ ስጋይውን ኣብ ጽኑዕ ኪሐድር እዩ። ንመገዲ ህይወት ትሕብረኒ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ናይ ሓጐስ ጽጋብ፣ ኣብ የማናይካውን ንዘለአለም ብጽእና ኣሎ። ሃሌ ሉያ።

መዝሙር - 19

ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ፣ ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ የውሪ። ሓንቲ መዓልቲ ነታ ሓንቲ ትዛንያ፣ ሓንቲ ለይቲ ድማ ነታ ሓንትስ ፍልጠት ተሕልፈላ። ዘረባ የልቦን፣ ምዝርራብ የልቦን፣ ድምጾምውን ኣይስማዕን እዩ። ገመዶም ናብ ኵላ ምድሪ፣ ቃላቶም ድማ ክሳዕ ወሰን ዓለም ይወጽእ ኣሎ፣ ንጸሓይ ከኣ ድንኳን ተኸለሎም። ንሳ ኸም መርዓዊ ኻብ ሕልፍኚ ትወጽእ፣ ከም ጅግና ኸኣ ንምጕያይ መገዲ ትሕጐስ ኣላ። ምውጻኣ ኻብ ወሰን ሰማያት እዩ፣ ምዝዋራ ድማ ክሳዕ ወሰነን እዩ፣ ካብ ረስና ዚኽወል ከኣ የልቦን። ሕጊ እግዚኣብሄር ፍጹም እዩ፣ ንነፍሲ ይመልሳ። ምስክር እግዚኣብሄር እሙን እዩ፣ ንገርሂ የጥብቦ። ስርዓት እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፣ ንልቢ የሐጕሶ፣ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ፣ ነዒንቲ የብርሄን። ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ፣ ንዘለአለም ይነብር፣ ፍርድታት እግዚኣብሄር ሓቂ እዩ፣ ብዘሎውን ጻድቕ እዩ። ካብ ወርቂ፣ ኤረ ኻብ ብዙሕ ጽሩይ ወርቂ እኳ ዚሕረ እዩ፣ ካብ መዓር፣ ኤረ ኻብ መዓር ወለላ ዚጥዕም እዩ። ባርያኻውን ብእኡ ተማሂሩ፣ ብምሕላዉ ዓብዪ ኻሕሳ ኣሎ። ንጌጋታቱ ዚፈልጥ መን እዩ፧ ካብቲ እተሰወረኒ ኣንጽሃኒ። ንባርያኻ ኻብ ትዕቢት ሐልዎ፣ ኣብ ልዕለይ ከይስልጥንውን ዕገቶ፣ ሽዑ ምሉእ ክኸውን፣ ካብ ዓብዪ ኣበሳ ኸኣ ክነጽህ እየ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ከውሔይን መድሓንየይን፣ ቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜኻ ብሁግ ይኹን። ሃሌ ሉያ።

መዝሙር - 25

ዎ እግዚኣብሄር፣ ነፍሰይ ናባኻ አልዕል ኣሎኹ። ዎ ኣምላኸይ፣ ኣባኻ ተወኪለ እኔኹ። ኣይተሕፍረኒ፣ ጸላእተይ ብኣይ ደስ ኣይበሎም። ንኣኻ ዚጽበዩ ከቶ ኣይኪሐፍሩን፣ እቶም ብዘይ ምኽንያት ዚጠልሙ ግና ኪሐፍሩ እዮም። ዎ እግዚኣብሄር፣ ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ፣ መገድታትካ ምሀረኒ። ንስኻ ኣምላኽ ምድሓነይ ኢኻ እሞ፣ ብሓቅኻ ምርሓንን ኣስተምህረንን። ኵሉ መዓልቲ እጽበየካ ኣሎኹ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ምሕረትካን ሳህልኻን ካብ ዘለአለም እየን እሞ፣ ዘክረን። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንሓጢኣት ንእስነተይን ኣበሳይን ኣይትዘክሮ፣ ከም ለውሃትካ፣ ስለ ሳህልኻ ኢልካ ዘክረኒ። እግዚኣብሄር ሠናይን ቅኑዕን እዩ፣ ስለዚ ንሓጥኣን መገዱ ኺምህሮም እዩ። ንትሑታት ብፍርዲ ኺመርሖም፣ ንትሑታትውን መገዱ ኼስተምህሮም እዩ። ነቶም ኪዳኑን ምስክራቱን ዚሕልውስ፣ መገድታት እግዚኣብሄር ኵላተን ሳህልን ሓቅን እየን። ዎ እግዚኣብሄር፣ በደለይ ዓብዪ እዩ እሞ፣ ስለ ስምካ ኢልካ ይቕረ በለለይ። ንእግዚኣብሄር ዚፈርሆ ሰብ መን እዩ፧ ንእኡ እታ ዚሐርያ መገዲ ኺምህሮ እዩ። ነፍሱ ብደሓን ክትነብር፣ ዘርኡውን ንምድሪ ኺወርሳ እዩ። ምስጢር እግዚኣብሄርሲ ነቶም ዚፈርህዎ እዩ፣ ንሱውን ኪዳኑ ኼፍልጦም እዩ። ነእጋረይ ካብ መርበብ ኬውጽኤን እዩ እሞ፣ ኣዒንተይ ኵሉ ጊዜ ናብ እግዚኣብሄር እየን። ኣነ በይነይን ሽጉርን እየ እሞ፣ ናባይ ቊሊሕ በል፣ ደንግጸለይውን። ጭንቀት ልበይ ዐዚዙ፣ ካብ ጸበባይ ኣውጽኣኒ። ንመከራይን ጭንቀይን ርአዮ እሞ፣ ንዅሉ ሓጢኣተይ ሕደገለይ። ጸላእተይ በዚሖም እዮም እሞ፣ ርአዮም፣ ግፍዔኛ ጽልኢ ይጸልኡኒ ኣለዉ። ንነፍሰይ ሐልዋ ኣድሕነኒውን፣ ኣባኻ እውከል ኣሎኹ እሞ፣ ኣይተሕፍረኒ። ብኣኻ ተስፋ ገይረ ኣሎኹ እሞ፣ ንጽህናን ቅንዕናን ይሐልዋኒ። ዎ ኣምላኽ፣ ንእስራኤል ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣናግፎ። ሃሌ ሉያ።

መዝሙር - 27

እግዚኣብሄር ብርሃነይን ምድሓነይን እዩ፣ ካብ መን ደአ እየ ዝፈርህ፧ እግዚኣብሄር ሓይሊ ህይወተይ እዩ፣ ካብ መንከ እየ ዝስምብድ፧ ገበርቲ እከይ ንስጋይ ኪውሕጡ ሓደጋ ምስ ወደቑኒ፣ ወደረኛታተይን ጸላእተይን ባዕላቶም ተዛብዑ እሞ ወደቑ። ኪቃወመኒ ኢሉ እኳ ሰራዊት እንተ ዚሰፍር፣ ልበይ ኣይፈርህን እዩ፣ ኵናትውን እንተ ዚለዐለኒ፣ እምነት ኣሎኒ። ብመዓልቲ ጸበባ ኣብ ዳሱ ኺሐብኣኒ፣ ኣብ ውሻጠ ድንኳኑ ኪኽውለኒ፣ ኣብ ከውሒ ልዕል ኬብለኒ እዩ እሞ፣ ንእግዚኣብሄር ሓንቲ ነገር ለሚነዮ። ውቃበ እግዚኣብሄር ንምርኣይ፣ መቕደሱውን ንምምርማርሲ ምሉእ ዕድመይ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክነብር ደልየ ኣሎኹ። ሎሚ ኸኣ ርእሰይ ኣብቶም ዚኸቡኒ ጸላእተይ ልዕል ኪብል እዩ፣ ኣብ ድንኳኑውን መስዋእቲ ብእልልታ ከቕርብ፣ ንእግዚኣብሄር ክዝምረሉን ክውድሶን እየ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንድምጸይ ስምዓዮ፣ ኣባኻ እምህለል ኣሎኹ፣ ምሐረኒ እሞ ምለሰለይ። ልበይ ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ፣ ንገጸይ ድለይዎ ይብለኒ ኣሎ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንገጽካ እደልዮ እኔኹ። ገጽካ ኣይትሕብኣለይ፣ ንባርያኻ ብቚጥዓ ኣይትደርብዮ፣ ንስኻ ረዳተይ ኢኻ እሞ፣ ዎ ኣምላኽ ድሕንነተይ፣ ኣይትጠንጥነኒ፣ ኣይትሕደገኒ። ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ፣ እግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ። ዎ እግዚኣብሄር፣ መገድኻ ምሀረኒ፣ ብምኽንያት ጸላእተይ ኰታ በታ ቕንዕቲ መገዲ ምርሓኒ። ሐሰውቲ ምስክር ዓመጻ ዜተንፍሱን ሰባት ተላዒሎም እዮም እሞ፣ ንኣደዳ ተጻረርተይ ኣይተሕልፈኒ። አየ፣ ለውሃት እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ህያዋን ከም ዝርአዮ እንተ ዘይአምንሲ ፤ ብእግዚኣብሄር ተሰፎ፣ በርትዕ፣ ልብኻ ቀጥ ይበል፣ ኣጆኻ፣ እወ፣ ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር። ሃሌ ሉያ።

መዝሙር - 63

ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ ኢኻ ኣምላኸይ፣ ኣንጊሄ እደልየካ ኣሎኹ፣ ነፍሰይ ንኣኻ ትጸምእ ኣላ፣ ስጋይ፣ ማይ ኣብ ዜብሉ ደረቕን ጽሙእን ምድሪ ዀይኑ፣ ይናፍቐካ አሎ። ከምኡውን ስልጣንካን ክብርኻን ምእንቲ ኽርኢ፣ ናብ መቕደስካ ኤማዕዱ ኣሎኹ። ለውሃትካ ኻብ ህይወት ይበልጽ እዩ እሞ፣ ከናፍረይ ኪውድሳኻ እየን። ብህይወተይ ክሳዕ ዘሎኹ ኽባርኸካ፣ ብስምካ ነእዳወይ ከልዕለን እየ። ረዲኤተይ ንስኻ ኢኻ፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፍካ እሕጐስ ኣሎኹ እሞ፣ ኣብ ምድቃሰይ ክዝክረካ፣ ብለይቲ እናነቓሕኩ ክሓስበካ ከለኹ፣ ነፍሰይ ከም ብስብሕን ኣንጕዕን ትጸግብ፣ ኣፈይውን ብኸናፍር እልልታ ኼመስግነካ እዩ። ነፍሰይ ኣብ ድሕሬኻ ትጠብቕ፣ የማነይቲ ኢድካውን ትድግፈኒ ኣላ። እቶም ንህይወተይ ኬጥፍእዋ ዚደልዩ ግና ናብ መዓሙቚ ምድሪ ኺወርዱ እዮም። ንስልጣን ሰይፊ ኺውሀቡ፣ ግደ ወኻሩ ኪዀኑ እዮም። ንጉስ ግና ብአምላኽ ኪሕጐስ፣ ኣፍ ሓሰውቲ ኺዕበስ እዩ እሞ፣ ነፍሲ ወከፍ ብእኡ ዚምሕል ዘበለ ኺሕበን እዩ። ሃሌ ሉያ።

መዝሙር - 67

ኣምላኽ ይምሓረና፣ ይባርኸና፣ ገጹ የብርሃልና። መገድኻ ኣብ ምድሪ፣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብውን ም ድሓንካ ኺፍለጥሲ፣ ገጽካ ኣብርሃልና። ዎ ኣም ላኽ፣ ኣህዛብ የመስግኑኻ፣ ኵሎም ኣህዛብ የመስግኑኻ። ንህዝብታት ብቕንዕና ኽትፈርዶም፣ ነህዛብውን ኣብ ምድሪ ኽትመርሖም ኢኻ እሞ፣ ህዝብታት ይተሐጐሱን እልል ይበሉን። ዎ ኣምላኽ፣ ኣህዛብ የመስግኑኻ፣ ኵሎም ኣህዛብ የመስግኑኻ፣ ምድሪ ፍሬኣ ሂባ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኺባርኸና እዩ። ኣምላኽ ይባርኸና፣ ብዘሎ ወሰናት ምድሪ ኸኣ ይፍርሃዮ። ሃሌ ሉያ።

መዝሙር - 70

ዎ ኣምላኽ፣ ንምንጋፈይ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ንምርዳኤይ ቀልጥፍ። እቶም ንነፍሰይ ዚደልይዋ ይሕፈሩን ይሕነኹን፣ እቶም ሕሰም ዚትምነዩለይ ንድሕሪት ይመለሱን ይነውሩን። ኣሰይ፣ ኣሰይ፣ ዚብሉኒ ነዊሮም ንድሕሪት ይመለሱ። እቶም ዚደልዩኻ ዅሎም ብአኻ ባህ ይበሎምን ይተሓጐሱን፣ እቶም ምድሓንካ ዚፈትዉ ኸኣ ኵሉ ጊዜ፣ ኣምላኽ ልዕል ይበል፣ ይበሉ። ኣነ ግና መስኪንን ድኻን እየ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ናባይ ፍጠን፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ረዳእየይን መናገፍየይን ንስኻ ኢኻ፣ ኣይትደንጒ። ሃሌ ሉያ።

መዝሙር - 113

ሃሌሉያ። ኣቱም ባሮት እግዚኣብሄር፣ ኣመስግኑ፣ ንስም እግዚኣብሄር ኣመስግኑ። ስም እግዚኣብሄር ካብ ሕጂ ንዘለአለም ይባረኽ። ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ ስም እግዚኣብሄር ይመስገን። እግዚኣብሄር አብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ ልዑል እዩ፣ ክብሩ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት እዩ። ነቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጠ፣ ናብ ሰማይን ናብ ምድርን ኣንቈልቊሉ ዚጥምት፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚመስል መን እዩ፧ ምስ መሳፍንቲ፣ ምስቶም መሳፍንቲ ህዝቡ ኬቐምጦስ፣ ንመስኪን ካብ ሓመድ የተንስኦ፣ ንድኻውን ካብ ድዅዒ የልዕሎ። ንመኻን፣ አደ ቘልዑ ገይሩ፣ አብ ቤት ብሓጐስ የንብራ። ሃሌሉያ። ሃሌ ሉያ።

መዝሙር - 143

ጐይታየ፣ ጸሎተይ ስማዕ፣ ንምህለላይ ጽን በሎ፣ ብሓቅኻን ብጽድቅኻን ምለሰለይ። ህያው ዘበለ ኣብ ቅድሜኻስ ሓደ እኳ ጻድቕ የልቦን እሞ፣ ምስ ባርያኻ ኣብ ፍርዲ ኣይትእቶ። ጸላኢ ንነፍሰይ ይሰጓ፣ ንህይወተይ ናብ ምድሪ ይድርብያ፣ ከምቶም ቀደም ዝሞቱ ኣብ ጸልማት የንብረኒ ኣሎ። መንፈሰይ ኣብ ውሽጠይ ይደክም፣ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ይስምብድ ኣሎ። ናይ ቀደም መዓልትታት እዝክር፣ ኵሉ ተግባርካ ኤስተንትን፣ ግብሪ ኣእዳውካ እሐስብ አሎኹ። ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ፣ ነፍሰይ ከም ደረቕ ምድሪ ትጸምኣካ ኣላ። ዎ እግዚኣብሄር፣ መንፈሰይ ደኺሙ እዩ እሞ፣ ቀልጢፍካ ምለሰለይ፣ ነቶም ኣብ ጒድጓድ ዝወረዱ ኸይመስልሲ፣ ገጽካ ኣይትኸውለለይ። ብኣኻ እውከል ኣሎኹ እሞ፣ ኣንጊህካ ሳህልኻ ኣስምዓኒ፣ ነፍሰይ ናባኻ ኤልዕል ኣሎኹ እሞ፣ እታ ዝኸዳ መገዲ ኣፍልጠኒ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ዕቑባኻ እየ፣ ካብ ጸላእተይ ኣናግፈኒ። ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፣ ምግባር ፍቓድካ ምሀረኒ፣ ሠናይ መንፈስካ ብቕኑዕ መገዲ ይምርሓኒ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ስለ ስምካ ኢልካ ብህይወት ኣንብረኒ፣ ብጽድቅኻ ንነፍሰይ ካብ ጸበባ ኣውጽኣያ። ኣነ ባርያኻ እየ እሞ፣ ብሳህልኻ ንጸላእተይ ኣጽንቶም፣ ነቶም ንነፍሰይ ዜጽብቡላ ዅሎም ከኣ ኣጥፍኣዮም። ሃሌ ሉያ።

ወንጌል ዮሐ 1 ፡ 1 - 7

ቃል ብመጀመርታ ነበረ፤ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። ብእኡ ዅሉ ዀነ፤ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን። ህይወት ኣብኡ ነበረት፤ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት። ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፤ ጸልማት ግና ኣይሓዞን። ዮሃንስ ዝስሙ ሰብኣይ ካብ ኣምላኽ ተልኢኹ ተንስኤ። ኵሎም ብእኡ ናብ እምነት ምእንቲ ኺበጽሑ፤ ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር ንሱ ንምስክር መጸ። ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኺምስክር መጸ እምበር፤ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን። እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ። ኣብ ዓለም ነበረ፤ ዓለምውን ብእኡ ዀነት፤ ዓለም ግና ኣይፈለጠቶን። ናብቶም ናቱ መጸ፤ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን። ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም። ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር፤ ካብ ደም፤ ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ፤ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም። እቲ ቓል ስጋ ዀነ፤ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና። ዮሃንስ ብዛዕባኡ መስከረ፤ እቲ ድሕረይ ዚመጽእ፤ ንሱ ቕድመይ ዝነበረ እዩ እሞ፤ ንሱ ቕድመይ ነበረ፤ እቲ ብዛዕባኡ ዝበልኩ ንሱ እዩ፤ ኢሉ ጨደረ። ሕጊ ብሙሴ ተውሂቡ እዩ እሞ፤ ጸጋን ሓቅን ግና ብኢየሱስ ክርስቶስ ኮነልና።

ምስጋና ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ፥ ኣሜን።

ኦ ክርስቶስ ኣምላኽና ምስ ኄር ኣቦኻን መንፈስ ቅዱስን፥ ሎምን ኲሉ ሳዕን ንሰግደልካ ኣሎና። ኣሜን።

ክፍልታት ጸሎት

ኦ ንዅሉ ሰብ እተብርህ ሓቀኛ ብርሃን ናብ ዓለም ዝመጻእካ። በቲ ኣብ ደቂ ሰብ ዘሎካ ፍቕርኻ ናብ ዓለም ኣቶኻ። ኵሉ ፍጥረትውን ብምምጻእኻ ተሓጐሰ። ነቦና ኣዳም ካብ ሓይልታት ጽልመት ኣድሓንካዮ። ነዴና ሄዋንውን ካብ ስቅያት ሞት ናጻ ኣውጻእካያ። መንፈስ ውሉዱነትውን ሃብካና። ስለዚ ከምዚ እናበልና ነመስግነካን ንባርኸካን ኣሎና።

ስብሓት ለኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ!

ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፤ ናይ ብሓቂ ብርሃን፤ ምእንቲ ብርሃናዊ ህዋሳትን ብርሃናዊ ሓሳባትን ኣባና ከንጸብርቕ፤ ጊዜ ወጋሕታ ብርሃንካ ናባና ፈኑ። ጸላም ስቅያት ኣይጋርደና ምእንቲ በኣዕምሮ ምስ ዳዊት 'ኣብ ግዚኤ ለይቲ ብዅሉ ቃላትካ ክዛረብሲ ኣዒንተይ ነቕሓ' እናበልና ከነመስግነካ። ከምቲ ዓቢይ ምሕረትካ ድምፅና ስማዕ። ኦ ጐይታናን ኣምላኽናን ብርኅራኄኻ ርድኣና።

ይእዜኒ ወዘልፈኒ ወለዓለም ዓለም ኣሜን።

ኦ ካብ ምብራቕ ፀሓይ ክሳብ ምዕራብ ዝኸበርኪ። ኵሉ ፍጥረትውን ንዓኺ ምስጋና ዘቕርበልኪ፤ ኣደ ብርሃን፤ ካለኣይቲ ሰማይ፤ ወላዲት ኣምላኽ ንስኺ ኢኺ። እታ ብርሃና ዘይቅየር ፀሓይ፤ ዘይትጽምሉ ዕንበባ፤ ንስኺ ኢኺ። እታ ብድንግልናኣ እትነብር ኣደ ንስኺ ኢኺ። ስለዚ ኣቦ መረጸኪ፤ መንፈስ ቅዱስ ኣጽለለኪ፤ ወዲ ኸኣ ወሪዱ ካባኺ ተሠገወ። ነቲ ንሱ ዝፈጠሮ ዓለም ምእንቲ ከድሕኖ፤ ካብ ፈተናውን ከናግፎ ለምንዮ ኢኺ። ብሓድሽ ምስጋና ነመስግኖን ንባርኾን፤ ሎምን ኩሉሳዕን ንዘልዓለም ዓለም ኣሜን።

ናይ መላእኽቲ ስብሓታት

ምስ መላእኽቲ ከምዚ እናበልና ነመስግን። ክብሪ ንእግዚኣብሄር ኣብ ሰማያት፤ ኣብ ምድሪውን ሰላም፤ ኣብ ሰብውን ሓጐስ ይኹን። ኦ ጐይታ! ንኹሉ እትመልኽ፤ እግዚኣብሄር ኣቦን፤ እቲ ሓደ በይኑ ወዱ ዝኾንካ ኢየሱስ ክርስቶስን፤ መንፈስ ቅዱስን፤ ኣብ ልዕሊ ሰማያት እትገዝእ፤ ነመስግነካን፤ ንባርኸካን፤ ነገልግለካን፤ ንሰግደልካን፤ ንእመነልካን፤ ብግሩምነትካውን ንዛረበልካን። ስለቲ ዕብየትካን ልዕልናኻን ነመስግነካ ኣሎና። ኦ ጐይታናን ኣምላኽናን ገንሸል ኣምላኽ፤ ነቦ ሓደ ወዱ፤ ሓጢኣት ዓለም እተርሕቕ ጸሎትና ተቐበለልና። ኦ ኣብ የማን ኣቦኻ ተቐሚጥካ ዘሎኻ መሓረና። ንስኻ ንበይንኻ ቅዱስን ልዕሊ ኵሉን ኢኻ። ኵሉ መዓልቲ እባርኸካ ኣሎዅ። ነቲ ቅዱስ ስምካውን ንዘለዓለም ዓለም እውድሶ፤ ኣሜን። ኦ ኣምላኸይ፤ ኣብ ምድሪ ሕግታትካ ብርሃነይ ስለ ዝኾነ፤ ካብ ለይቲ ኣትሒዛ መንፈሰይ ናባኻ ተንግህ። መድሓንየይ ስለዝኾንካ ንመንገድኻ እኽተሎ ኣሎዅ። ኦ ጐይታይ ኣንጊህካ ንድምፀይ ትሰምዖ፤ ኣንጊሀ ድማ ኣብ ቅድሜኻ እቐውም፤ ንስኻውን ትርእየኒ። ክብሪ ንእግዚኣብሄር ኣቦን ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስን መንፈስ ቅዱስን፤ ኣሜን።

ውዳሴ ስሉስ ቅዱስ

ቅዱስ እግዚኣብሔር ቅዱስ ሓያል ቅዱስ ህያው ዘይመውት፡ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝተወልደ መሓረና። ቅዱስ እግዚኣብሔር ቅዱስ ሓያል ቅዱስ ህያው ዘይመውት፡ ኣብ ዮርዳኖስ ዝተጠምቀ፡ ኣብ ልዕሊ ዕፀ መስቀል ምእንታና ዝተሰቕለ መሓረና። ቅዱስ እግዚኣብሔር ቅዱስ ሓያል ቅዱስ ህያው ዘይመውት፡ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ካብ ምውታት ዝተንሰኣ፡ ብምስጋና ናብ ሰማያት ዝዓረገ ኣብ የማን ኣቡኡ ዝተቐመጠ፡ ኣብ ህያዋንን ምውታንን ክፈርድ ከም ብሓድሽ ክመጽእ እዩ። ኦ ጐይታ መሓረና።

ምስጋና ንኣቦን ንወድን ንመንፈስ ቅዱስ ሎምን ኩሉሳዕን ንዘለኣለም ኣለም፤ ኣሜን።

ኦ ስሉስ ቅዱስ መሓረና፡ 3 ጊዜ በል።

ኦ ጐይታ ሓጢኣትና ሕደገልና። ኦ ጐይታ በደልና ኣይትጸብጽበልና። ኦ ጐይታ ኣበሳና ይቕረ በለልና። ኦ ጐይታ ንሕሙማት ህዝብኻ ብጽሓዮም እሞ፡ ምእንቲ እቲ ቅዱስ ስምካ ኢልካ ፈውሶም። ኦ ጐይታ ነቶም ዝሞቱ ኣቦታትናን ኣዴታትና ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከኣ ነፍሶም ኣዕርፍ። ኦ ካብ ሓጢኣት ንጹህ ዝኾንካ ጐይታ መሓረና። ኦ ካብ ሓጢኣት ንጹህ ዝኾንካ ጐይታ ርድኣና። ልማኖና ኸኣ ተቐበለልና። ክብርን ምስጋናን ብፍጹም መዓርግ ቅድስናን ንዓኻ ይግባእ፤ ኣሜን።

ኦ ጐይታ መሓረና፡ ጐይታ መሓረና፡ ኦ ጐይታ ባርኸና፤ ኣሜን።

ዎ ጐይታ ብቑዓት ግበረና ብምስጋና ከም’ዚ ኢልና ክንጽሊ፤

ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፤ ስምካ ይቀደስ፤ መንግስትኻ ትምጻእ ፍቓድካ ከም’ቲ ኣብ ሰማይ፤ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን፤ ናይ ዕለት መግብና ሎሚ ሃበና፤ ንሕና ንዝበደሉና በደሎም ከም ዝሓደግናሎም፤ በደልና ሕደገልና፤ ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር ኣብ ፈተና ኣይተእትወና፤ መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘልኣለም ናትካ እዩ እሞ ኣሜን።

ምስጋና ንቕድስቲ ድንግል ማርያም

ኦ ቅድስቲ ምልእቲ ጸጋ፤ ኩሉ ግዜ ድንግል ዝኾንኪ፤ ወላዲት ኣምላኽ ኣደ ክርስቶስ፤ ሰላም ንብለኪ። ምእንቲ ሓጢኣትና ክሓድገልና፤ ናብ ፍቑር ወድኺ፤ ጸሎትና ኣዕርግልና። ንሓቀኛ ብርሃን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽና ዝወለድክልና፡ ቅድስቲ ድንግል፤ ሰላም ንብለኪ። ንሓጢኣት ነፍስና ሓዲጉ ክምሕረና ፤ ናብ ጐይታ ለምንልና። ኦ ቅድሰቲ ድንግል ማርያም፤ ወላዲት ኣምላኽ፤ ንዘርኢ ሰብ እምንቲ ኣማላዲት፤ ናብ ወድኺ ኢየሱስ ክርስቶስ፤ ብሕድገት ሓጢኣት ከጸግወና ለምንልና። ኦ ናይ ሓቂ ንግስቲ ድንግል፤ ሰላም ንብለኪ። ኦ ንኣማኑኤል ኣምላኽና ዝወለድክልና፥ ኩርዓት ዘርእና፥ ሰላምታ ነቕርበልኪ። ኦ ድንግል ብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተኣመነት ኣማላዲት፤ ሓጢኣትና ምእንቲ ኪሓድገልና ተዘከርና።

መእተዊ ጸሎተ ሃይማኖት

ኦ ኣደ ሓቀኛ ብርሃን ነኽብረኪ። ኦ ቅድስት ድንግል ወላዲተ ኣምላኽ፤ መድሕን ዓለም ስለዝወለድክልናን፤ መጺኡ ኸኣ ንነፍስና ስለዘድሓነናን ነመስግነኪ። ኦ ጐይታናን ንጉስናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፤ ክብሪ ንዓኻ ይኹን። ንስኻ ንሃዋርያት ሞጎሶም፤ ንሰማእታት ኣኽሊሎም፤ ንጻድቃን ዕልልታኦም፤ ንቤተ-ክርስትያን ጽንዓት፤ ንሓጥኣን ሕድገት። ብሓደ ዝመለኮቱ ስሉስ ቅዱስ ነበስር፤ ንሰግደሉን ነኽብሮን።

ኦ ጐይታ መሓረና ኦ ጐይታ መሓረና ኦ ጐይታ ባርኸና ኣሜን።

ናይ ሃይማኖት ጸሎት

ኵሉ ብዝሓዘ ሰማይን ምድርን ዝርአን ዘይረአን ብዝፈጠረ ብሓደ እግዚኣብሄር ኣብ ንኣምን። ብሓደ ጐይታ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዓለም ከይተፈጥረ ምስኡ ህልው ብዝኾነ ወልደ ኣብ ዋሕድውን ንኣምን። ካብ ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን፥ ካብ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝተረኽበ ኣምላኽ፥ ዝተወልደ እምበር ፍጡር ዘይኮነ፥ ብመለኮቱ ምስ ኣብ ማዕረ ዝኾነ። ኩሉ ብእኡ ዝተፈጥረ ፥ ብዘይካኡ ግና ኣብዚ ምድሪ ዘሎ ይኹን ወይስ ኣብ ሰማይ ዘሎ ምንም ዝተፈጥረ የልቦን። ምእንታና ምእንቲ ሰብ ምእንቲ ድኅነትና፥ ካብ ሰማያት ዝወረደ፥ ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ለበሰ፥ ሰብ ኮነ። ሰብ ኮይኑ ድማ ብዘመን ጴንጤናዊ ጲላጦስ ምእንታና ተሰቕለ፥ ሓመመ፥ መከራ መስቀል ተቐበለ፥ ሞተ፥ ተቐብረ፥ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዝተጻሕፈ፥ ኣብ መበል ሣልሳይ መዓልቲ ካብ ምዉታት ተፈልዩ ተንሥአ። ብኽብሪ ናብ ሰማይ ዓረገ፥ ኣብ የማን ኣቡኡ ተቐመጠ፥ ከም ብሓድሽ ንሕያዋንን ንምዉታንን ክፈርድ ብኽብሪ ክመጽእ እዩ። ንመንግሥቱውን መወዳእታ የብሉን። ጐይታን መሕወይን ብዝኾነ፥ ካብ ኣብ ዝሰረፀ መንፈስ ቅዱስውን ንኣምን። ምስ ኣብን ወልድን ንሰግደሉን ነመስግኖን፥ ብነብያት ዝተዛረበ እዩ። ልዕሊ ኹሉ ናይ ሃዋርያት ጉባኤ ብዝኾነት ብሓንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንኣምን። ንሕድገት ሓጢኣት ብሓንቲ ጥምቀት ንኣምን። ትንሣኤ ምውታትን ንዘልዓለም ዓለም ዝመጽእ ሕይወትን ተስፋ ንገብር። ኣሜን።

ኦ ጐይታ ጸሎትና ሰሚዕካ ሓጢኣትና ሕደገልና። 41 ጊዜ ኪርያላይሶን በል።

ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ

ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚኣብሔር ጐይታ ሰራዊት ሰማይን ምድርን ብኽብርኻን ብልግስኻን ሙሉኣት እየን። ኦ ንኹሉ እትመልኽ እግዝኣብሔር ኣቦ መሓረና፡ ኦ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ ሓይልታት ምሳና ኹን። ምኽንያቱ ኣብ ጊዜ ሸግርናን ጭንቀትናን ብዘይካኻ ረዳኢ የብልናን። ኦ ኣምላኽ ኣባና ሕደር። ንበደልና ይቕረታን ምሕረትን ግበረልና። እቲ ብድልየትናን ብዘይ ድሌትናን ዝገበርናዮ፡ እቲ ብፍላጥን ብዘይ ፍላጥን ዝሰራሕናዮ፡ ስውርን ግሁድን ዝኾነ ሓጢኣትና ምእንቲ እቲ ኣብ ልዕሊና ዝስመ ቅዱስ ስምካ ኢልካ፤ ኦ ጐይታ ይቕረ በለልና። ኦ ጐይታ ከም ምሕረትካ ደኣ እምበር፡ ከም ተግባርና ኣይኹን።

ዎ ጐይታ ብቑዓት ግበረና ብምስጋና ከም’ዚ ኢልና ክንጽሊ፤

ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፤ ስምካ ይቀደስ፤ መንግስትኻ ትምጻእ ፍቓድካ ከም’ቲ ኣብ ሰማይ፤ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን፤ ናይ ዕለት መግብና ሎሚ ሃበና፤ ንሕና ንዝበደሉና በደሎም ከም ዝሓደግናሎም፤ በደልና ሕደገልና፤ ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር ኣብ ፈተና ኣይተእትወና፤ መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘልኣለም ናትካ እዩ እሞ ኣሜን።

ናይ ንስሓ ጸሎት

ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓይልታት፤ ቅድሚ ኵሉ እዋን ዝነበርካ ንዘለዓለምውን ህልው ዝኾንካ፤ ፀሓይ ብመዓልቲ ከብርህ፤ ጸልማት ከኣ ንዕረፍቲ ደቂ ሰባት ዝፈጠርካ። ኦ ንጉሥ ዘለዓለም፤ ነዛ ለይቲ እዚኣ ብሰላም ኣሕዲርካ፤ ናብዛ መጀመርታ መዓልቲ ስለ ዝእተኻና ነመስግነካ ኣሎና። ኦ ንጉሥናን ንጉሥ ዘለዓለምን፤ ብርሃን ገጽካ ከተንጸብርቐል ኣምላኻዊ ብርሃን ፍልጠትካውን ከብርሃልና ንልምነካ። ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ክንከውን ኣብቅዓና። ኦ ጐይታና ምእንቲ እዛ መዓልቲ እዚኣ ብቅድስናን ንጽሕናን፤ ብሠናይ ምዕዶን ክንሓልፋ፤ ነቲ ዝተረፈ ሕይወትናውን ብዘይዕንቅፋት ክንፍጽሞ ሓግዘና። ምስ ሩኅሩኅን መፍቀር ሰብን ዝኾነ ሓደ ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስን፤ ወሃቢ ጸጋ መንፈስ ቅዱስን፤ ክብርን ምስጋናን ውዳሴን ኣምልኾን ሎምን ኵሉ ሳዕን ንዘለዓለም ንዓኻ ይዅን፤ ኣሜን።

ካልኣይ ናይ ንስሓ ጸሎት

ኦ ንብርሃን እትልእኮ እሞ ዝፍኖ። ንፀሓይ ኣብ ልዕሊ ሓጥኣንን ጻድቃንን እተብርቕ ጐይታ ኵሉ፤ ንፀሓይ ኣብ ኵሉ ዓለም ከብርህ ዝገበርካ፤ ልብናን፤ ኣዕምሮናን፤ ምስትውዓልናን፤ ኣብርህ። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ደስ ከነብለካ ዓድለና። ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኩሉ ክፉእ ነገር ዘበለ ሓልወና። ካብ ኵሉ ሓጢኣትን፤ ካብ ኵሉ ተጻራሪ ሓይልን ኣድሕነና። ምስ ርኅሩኅን መፍቀር ሰብን ዝኾነ ሓደ ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስን፤ ወሃብ ሕይወት መንፈስ ቅዱስን፤ ክብርን ምስጋናን ውዳሴን ኣምልኾን ሎምን ኵሉ ሳዕን ንዘለዓለም ንዓኻ ይኹን ኣሜን።

ድኅሪ ነፍሲ ወከፍ ሰዓት ዝጽለ ጸሎት

ኦ ጐይታ መሓረና ምሕረትካውን ኣብዝሓልና። ኦ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰዓትን ጊዜን ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ብኽብረት ዝስገደልካ ክርስቶስ እሙን ኣምላኽና፥ በዓል ነዊሕ ትዕግስትን ብዙኅ ምሕረትን፥ ብሰናያት ዝተመላእካን ርኅሩኅን፥ ነቶም ኣነ ዝቐዳማዮም ሓጢኣተኛታት እትምሕር፥ ንኃጥእ ብንስሓ ተመሊሱ ብሕይወት ከነብር እምበር ሞቱ ዘይትደሊ፥ ምእንቲ እቲ ዝጽበዮም ዘሎ ተስፋ ሰማያት ክረኽቡ ንዅሎም ናብ ድኅነት እትዕድም፥ ኦ ጐይታ ኣብዛ ሰዓት እዚኣን፥ ኣብ ኵሉ ሰዓታትን፥ ልመናና ተቐበል። ሕይወትና ኣቃንዓልና፥ ትእዛዛትካ ክንገብር ምርሓና፥ መንፈስና ቀድስ፥ ሥጋናን ሓሳባትናን ኣንጽሕ፥ ትምኒትናውን ሥመር፥ ሕማምና ፈውስ፥ ሓጢኣትና ኅደገልና፥ ካብ ኵሉ ክፉእ ሓዘንን ስቅያት ልብን ርድኣና። ብህልውናኦም ክንዕቈብ፥ ብቕዱሳት መላእኽትኻ ሓልወና፥ ናብ ውህደት እምነት ከነምርሕ ምእንቲ፥ ናብቲ ዘይምርመርን ዘይውሰንን ፍልጠትካ ክንበጽሕ ዓድለና። ንስኻ ንዘለዓለም ቡሩኽ ኣምላኽ ኢኻ። ኣሜን።