ዘመነ ማርቆስ Readings for Monday
ሰነ 1, 2018 ብግእዝ Jun 08, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 11 : 3 - 4 / መዝ ፲ : ፫ - ፬ [English][ትግርኛ]
መሰረታት እንድሕሪ ፈሪሱ ደአ፣ እቲ ጻድቕ እንታይ ኪገብር ይከአሎ፧ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድስቲ መቕደሱ እዩ።
እስመ ናሁ ዘአንተ ሠራዕከ እሙንቱ ነሠቱ፤
ወጻድቅሰ ምንተ ገብረ፤
እግዚአብሔር ውስተ ጽርሐ መቅደሱ።
ወንጌል Gospel
ዮሐ 12 : 42 - ፍም [English][ግእዝ]42. ምስዚ ዅሉ ካብ መኳንንቲውን ብዙኃት ብእኡ ኣመኑ፥ እንተኾነ ፈሪሳውያን ካብ ቤት ጸሎቶም ከይሰጒዎም ስለ ዝፈርሁ እምነቶም ኣየግሃዱን። 43. እዚ ኸኣ ካብ ክብሪ ኣምላኽ ክብሪ ሰብ ስለ ዝመረጹ እዩ። 44. ኢየሱስ ግና ዓው ኢሉ ኸምዚ በለ፦ “እቲ ብኣይ ዚኣምን ዘበለ በቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር ብኣይ ኣይኮነን ዚኣምን። 45. እቲ ንኣይ ዚርኢ ነቲ ዝለኣኸኒውን ይርእዮ እየ። 46. እቲ ብኣይ ዚኣምን ዘበለ ኣብ ጸልማት ምእንቲ ኸይነብር፥ ኣነ ብርሃን ኮይነ ናብ ዓለም መጺአ ኣሎኹ። 47. እቲ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይሕልዎ ኣነ ኣይኮንኩን ዝፈርዶ፤ ምኽንያቱ ኣነ ንዓለም ከድኅን ደኣ እምበር ንዓለም ክፈርድ ኣይመጻእኩን። 48. ነቲ ነኣይ ዚኣቢ ንቓለይውን ዘይቅበል ዚፈርዶ ኣሎ፤ እዚ ኣነ ዝዛረቦ ዘሎኹ ቓል፥ ንሱ በታ ዳኅረይቲ መዓልቲ ኺፈርዶ እዩ። 49. ምኽንያቱ ኣነ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ ባዕሉ እንታይ ከም ዝብልን እንታይ ከም ዝዛረብን ዝኣዘዘኒ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ እምበር፥ ካብ ርእሰይ ኣይኮነኩን ። 50. እቲ ትእዛዙ ኸኣ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ከም ዝኾነ እፈልጥ እየ፤ ስለዚ እዚ ዝዛረቦ ኸምቲ ኣቦ ዝነገረኒ ገይረ እየ ዝዛረቦ ዘሎኹ።” ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
[English][ግእዝ]21. ያዕቆብ ኪመውት ከሎ፥ ንደቂ ዮሴፍ ንነፍሲ ወከፎም ብእምነት መረቖም ኣብ ጫፍ በትሩ ተመርኲሱ ኸኣ ንኣምላኽ ሰገደ። 22. ዮሴፍ ኣብ ኣጋ ሞቱ ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ኸም ዝወጹ ብእምነት ኣዘከረ፥ ብዛዕባ ኣስከሬኑውን ትእዛዝ ሃበ። 23. ሙሴ ምስ ተወልደ፥ ወለዱ ጽቡቕ ሕፃን ምዃኑ ርእዮም፥ ኣዋጅ እቲ ንጉሥ ከይፈርሁ ብእምነት ንሠለስተ ወርኂ ኃብእዎ። ሙሴ ምስ ዓበየ ወዲ ጓል ፈርዖን ከይበሃል ብእምነት ኣበየ። 24. ንጊዜኡ ብኃጢኣት ባህ ካብ ዚብሎስ ምስ ሕዝቢ ኣምላኽ መከራ ኺጸግብ ኃረየ። 25. ናብቲ ዓስቢ ኣማዕድዩ ስለ ዝጠመተ ካብ ሃብቲ ግብጽስ ምእንቲ መሲሕ ውርደት ምቕባል ብዙኅ ሃብቲ ገይሩ ቘጸሮ። 26. ነቲ ዘይርአ ስለ ዝረኣየ ጸነዐ፥ ንዂራ ንጉሥ ከይፈረሀ ድማ ብእምነት ንግብጺ ኃደጋ። 27. እቲ በዂሪ ዚቐዝፍ ዝነበረ መልኣከ ሞት ምእንቲ ኸይቀርቦም፥ ብእምነት ናይ ፋሲካን ምንጻግ ደምን ሥርዓትን ገበረ። 28. ደቂ እስራኤል ንባሕሪ ኤርትራ ከም ብንቑጽ ምድሪ ገይሮም ብእምነት ተሳገርዋ፥ ግብጻውያን ግና ኸምኡ ኺገብሩ ምስ ፈተኑ ተዋሒጦም ተረፉ። 29. ቀጽሪ ኢያሪኮ ሾብዓተ መዓልቲ ምስ ዞርዎ ብእምነት ወደቐ። 30. ረኣብ እታ ኣመንዝራ፥ ብእምነት፥ ነቶም ሰለይቲ ብሰላም ስለ ዝተቐበለቶም፥ ምስቶም ዘይእዙዛት ኣይጠፈአትን። 31. እንታይ እሞ ኽብለኩም እየ፥ ብዛዕባ እኒ ጌዴዎን፥ እኒ ባርቕ፥ እኒ ሶምሶን፥ እኒ ዮፍታሔ፥ እኒ ዳዊት፥ እኒ ሳሙኤል፥ ከምኡውን ብዛዕባ ነብያት ከየዘንትወልኩም ጊዜ የብለይን።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
1ይ ጴጥ 4 : 7 - 11 [English][ግእዝ]7. ናይ ዅሉ ነገር መወዳእታ ቐሪቡ እዩ፥ ስለዚ ጸሊኹም ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ገዛእ ርእሶም ዝገትኡን ጥንቁቓትን ኩኑ። 8. ፍቕሪ ብዙኅ ኃጢኣት ትኸድን እያ እሞ ቕድሚ ዅሉ ንሓድሕድኩም ብምሉእ ልቢ ተፋቐሩ። 9. ብዘይ ምዕዝምዛም ተቐበልቲ ጋሻ ኹኑ። 10. ናይቲ ብዙኅ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ እሙናት ኣገልገልቲ ብምዃን፥ ነፍስ ወከፍኩም ከምቲ ዝተቐበልኩምዎ ውህበት ጸጋ ጌርኩም ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ። 11. እቲ ዝሰብኽ ቃል ኣምላኽ ይስበኽ፥ እቲ ዜገልግል በቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ኃይሊ የገልግል፥ እዚ ኸኣ ኣምላኽ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብዅሉ ነገር ምእንቲ ኪምስገን እዩ። ክብርን ሥልጣንን ንዘለዓለም ዓለም ንእኡ ይኹኖ። ኣሜን።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 7 : 9 - 22 [English][ግእዝ]9. “እቶም ኣቦታት ነገደ እስራኤል ድማ ንዮሴፍ ስለ ዝቐንኡሉ ናብ ግብጺ ሸጥዎ፤ ኣምላኽ ግና ምስኡ ነበረ። 10. ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኸኣ ኣርሃወሉ፥ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ንጉሥ ግብጺ ድማ ሞገስን ጥበብን ሃቦ፤ ንሱውን ኣብ ግብጽን ኣብ ኵሉ ቤቱን ኣዛዚ ገይሩ ሸሞ። 11. ኣብ ኵሉ ግብጽን ከነኣንን ከኣ ጥሜትን ብዙኅ ጸበባን ኮነ፥ ኣቦታትና ድማ ዚምገብዎ ሰኣኑ። 12. ሽዑ ያዕቆብ ኣብ ግብጺ እኽሊ ኸም ዚርከብ ምስ ሰምዐ ነቦታትና ንመጀመርታ ጊዜ ለኣኾም። 13. ኣብ ካልኣይ መገዶም ከኣ ዮሴፍ ነኅዋቱ መን ከም ዝኾነ ነገሮም። ዓሌቱውን ብፈርዖን ተፈልጠ። 14. ዮሴፍ ከኣ ነቦኡ ያዕቆብን ነቶም ሰብዓን ኃሙሽተን ዚኾኑ ዅሎም ኣዝማዱን ልኢኹ ጸውዖም። 15. ያዕቆብ ድማ ናብ ግብጺ ወረደ፥ ንሱ ሞተ፥ ኣቦታትናውን ሞቱ። 16. ናብ ሰኬም ኣግዓዝዎም፥ ኣብቲ ኣብርሃም ካብ ደቂ ኤሞር ብወርቂ ዝዓደጎ መቓብር ኣብ ሰኬም ድማ ቀበርዎም። 17. - 18. ኣምላኽ ንኣብርሃም ብማሕላ ዝሃቦ ዘመን ተስፋ ምስ ቀረበ፥ ኣብ ግብጺ ኸኣ ንዮሴፍ ዘይፈልጥ ካልእ ንጉሥ ክሳዕ ዚነግሠሉ፥ እቲ ሕዝቢ ኣብ ግብጺ እናበዝኀን እናሰሰነን ከደ። 19. እዚ ንጉሥ እዚ እቶም ሕፃናቶም ብሕይወት ምእንቲ ኸይነብሩ፥ ኣብ ልዕሊ ዓሌትና ብተንኰል ተላዒሉ፥ ነቦታትና ክሳብ ናብ ምድርባይ ደቆም ዚበጽሑ ገፍዖም። 20. ሙሴ ድማ በዚ ዘመን እቲ ተወልደ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽውን ምልኩዕ ነበረ፤ ሠለስተ ወርኂ ድማ ኣብ ቤት ኣቡኡ ጸንሐ። 21. ምስ ተደርበየ ግና ጓል ፈርዖን ኣልዒላ ወዳ ኺኸውን ኣዕበየቶ። 22. ሙሴ ድማ ኵሉ ጥበብ ግብጻውያን ተማህረ፥ ብቓሉን ብግብሩን ከኣ ኃያል ነበረ።
ስንክሳር Synaxarium
ቅዳሴ ቤቱ ለለውንትዮስወቶማስወቆዝሞስወዮሴፍወቶማስ፡ ወቆዝሞስ፡ ወዮሴፍ፡ ወቢራሞን
መዝሙር Psalm
መዝ 105 : 21 - 22 / መዝ ፻፬ : ፳ - ፳፩ [English][ትግርኛ]
ንመሳፍንቱ ኸም ፍቓዱ ኺአስሮም፣ ንሽማግሌታቱ ኸኣ ጥበብ ኪምህሮም፣ ጐይታ ቤቱን ኣዛዝ ኵሉ ጥሪቱን ገበሮ።
ወሤሞ መልአከ አሕዛብ፤
ወረሰዮ እግዚአ ለቤቱ፤
ወአኰነኖ ላዕለ ኵሉ ጥሪቱ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 24 : 45 - ፍም [English][ግእዝ]45. “እቲ በብጊዜኡ ምግቦም ኪህቦም ኢሉ፥ ጐይትኡ ኣብ ልዕሊ ስድራ ቤቱ ዝሸሞ እሙንን ለባምን ኣገልጋሊ መን እዩ፧ 46. እቲ ጐይትኡ ምስ መጸ፥ ኸምዚ ኺገብር ዚረኽቦ ኣገልጋሊ፥ ብፁዕ እዩ። 47. ኣብ ልዕሊ ምሉእ ገንዘቡ ኸም ዝሸሞ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 48. እቲ እኩይ ኣገልጋሊ ግና ብልቡ ጐይታይ ኪድንጕ እዩ ኢሉ፥ 49. ነቶም ብጾቱ ኣገልገልቲ ኪወቕዖም ይጅምር፥ ምስ ሰኽራማት ድማ ይበልዕን ይሰትን። 50. ጐይታ እቲ ኣገልጋሊ ብዘይ ተጸበያ መዓልትን ብዘይ ፈለጣ ሰዓትን መጺኡ፥ 51. ብዜሰቅቕ ሞት ይቐጽዖ፥ ዕድሉ ኸኣ ምስ ግቡዛት ይገብሮ፥ ኣብኡ ድማ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ይኸውን።” ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘእግዝእትነ ማርያም(ጐሥዓ)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 94 : 10 - 13 / መዝ ፺፫ : ፲ - ፲፫ [English][ትግርኛ]
ፍልጠት ንሰብ ዚምህር ኣይግስጽንዶ እዩ፧ እግዚኣብሄር ንሓሳባት ሰብ ከንቱ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ጐድጓድ ንረሲእ ክሳዕ ዚኵዐት፣ እቲ ኻብ መዓልቲ መከራ ኸተህድኦ ኢልካ፣ እትቐጽዖን ብሕግኻ እትምህሮን ሰብ ብጹእ እዩ።
ዘይሜህሮሙ ለሰብእ ጥበበ፤
እግዚአብሔር የአምር ሕሊናሆሙ ለጠቢባን ከመ ከንቱ ውእቱ፤
ብፁዕ ብእሲ ዘአንተ ገሠፅኮ እግዚኦ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 4 : 17 - 22 [English][ግእዝ]17. ኢየሱስ ካብታ እዋን እቲኣ፥ “መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ ተንስሑ” እናበለ ኪሰብኽ ጀመረ። 18. ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኺመላለስ ከሎ፥ ገፈፍቲ ዓሣ ዝነበሩ ኽልተ ኣኅዋት፥ ጴጥሮስ ዝተባህለ ስምዖንን እንድርያስ ኃዉን ብመርበብ ዓሣ ኺገፉ ረኣየ። 19. ኢየሱስ ከኣ “ኣነ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ፥ ንዑ ስዓቡኒ” በሎም። 20. ብኡብኡ ድማ መርበቦም ኃዲጎም ሰዓብዎ። 21. ካብኡ ኃሊፉ ኻልኦት ክልተ ኣኅዋት፥ ያዕቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሓንስ ኃዉን፥ ምስ ዘብዴዎስ ኣቦኦም፥ መርበቦም ኣብ ጃልባ ኬተዓራርዩ ርእዩ ጸውዖም። 22. ንሳቶም ከኣ ነታ ጃልባን ኣቦኦምን ኃዲጎም ብኡብኡ ሰዓብዎ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ዘመነ ማርቆስ Readings for Tuesday
ሰነ 2, 2018 ብግእዝ Jun 09, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 132 : 15 - 16 / መዝ ፻፴፩ : ፲፭ - ፲፮ [English][ትግርኛ]
ንሲሳያ ኣጸቢቐ ኽባርኾ፣ ንድኻታታ እንጌራ ኸጽግቦም እየ። ንኻህናታ ምድሓን ከልብሶም እየ፣ ቅዱሳና ኸኣ ብሓጐስ እልል ኪብሉ እዮም።
ወለነዳያኒሃኒ አጸግቦሙ እክለ፤
ወለካህናቲሃኒ አለብሶሙ ሕይወተ፤
ወጻድቃኒሃኒ ትፍሥሕተ ይትፌሥሑ።
ወንጌል Gospel
ዮሐ 10 : 34 - ፍም [English][ግእዝ]34. ኢየሱስ ከኣ “ኣብ ሕግኹም ‘ኣነ፥ ኣማልኽቲ ኢኹም፥ በልኩ' ዚብል ጽሑፍዶ የልቦን እዩ፧ 35. እቲ ጽሑፍ ኪሰዓር ኣይከኣልን እዩ፥ ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝመጸሎም 'ኣማልኽቲ’ ካብ ዚብሎም፥ 36. ነቲ ኣቦ ዝቐደሶ ናብ ዓለምውን ዝለኣኾ ደኣ ‘ወዲ ኣምላኽ እየ' ስለ ዝበልኩኹም፥ ከመይ ኢልኩም ‘ትጻረፍ ኣሎኻ’ ትብሉኒ ኣሎኹም፧ 37. ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩ ኣይትእመኑኒ። 38. ዝገብሮ እንተ ደኣ ኾይነ ግና፥ ንኣይ እኳ እንተ ዘይኣመንኩም፥ ኣቦ ኣባይ ምህላዉ ኣነውን ኣብ ኣቦ ምህላወይ ምእንቲ ኣረጋጊጽኩም ክትፈልጡ ነቲ ግብረይ እመንዎ” እናበለ መለሰሎም። 39. መሊሶም ድማ ኺኅዝዎ ደለዩ፥ ንሱ ግና ኻብ ኣእዳዎም መለቘ። 40. ከም ብሓዱሽ ናብታ ዮሓንስ ቀደም ዜጥምቐላ ዝነበረ ስፍራ ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ከደ፤ ኣብኣውን ተቐመጠ። 41. ብዙኃት ድማ ናብኡ መጺኦም “ዮሓንስ ሓንቲ ተኣምራት እኳ ኣይገበረን፥ እቲ ዮሓንስ ብዛዕባ እዚ ሰብ እዚ ዝተዛረቦ ግና ሓቂ እዩ” በሉ። 42. ኣብኣውን ብዙኃት ብእኡ ኣመኑ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
1ይ ቆሮ 14 : 29 - ፍም [English][ግእዝ]29. ነብያት ክልተ ወይስ ሠለስተ ኾይኖም ይዛረቡ፥ እቶም ካልኦት ድማ ይመርምሩ። 30. ካብቶም ተቐሚጦም ዘለዉ ንሓደ ራእይ እንተ ተገልጸሉ ግና እቲ ቐዳማይ ስቕ ይበል። 31. ኲላቶም ምእንቲ ኺምሃሩ፥ ኲላቶምውን ምእንቲ ኺተባብዑስ፥ ኲላትኩም በብሓደ ኽትንበዩ ትኽእሉ ኢኹም። 32. እቶም መናፍስቲ ነብያት ነቶም ነብያት ይግዝእዎም እዮም። 33. ከመይ ኣምላኽ ናይ ሰላም እምበር፥ ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኮነን። ከምቲ ኣብ ኲለን ኣብያተ ክርስቲያን ኣመንቲ ዚግበር ዘሎ፥ 34. ኣንስቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኪዛረባ ፍቓድ የብለንን እሞ ስቕ ይበላ። ግናኸ ኸምቲ ሕጊ ሙሴ ዚብሎ ይተኣዘዛ። 35. ገለ ኺምሃራ እንተ ደለያ ኸኣ ኣብ ቤት ንሰብኡተን ይሕተታ፥ ከመይ ንሰበይቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምዝራብ ነውሪ እዩ። 36. ቃል ኣምላኽ ካባኻትኩም ድዩ ወፂኡ፧ ወይ ኣባኻትኩም ጥራይ ድዩ በጺሑ፧ 37. ሓደ “ኣነ ነቢይ እየ” ወይ “መንፈሳዊ ውህበት ኣሎኒ” ዚብል እንተሎ፥ እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ምዃኑ ይፍለጥ። 38. ነቲ ኺፈልጥ ዘይደሊ ግና ከም ዘይናትኩም ቊጸርዎ። 39. ስለዚ፥ ኣኅዋተይ፥ ክትንበዩ ሃረር በሉ፥ ብቛንቋታት ምዝራብ ድማ ኣይትኸልክሉ፥ 40. እንተኾነ ዅሉ ብሥርዓትን ብኣገባብን ደኣ ይኹን።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
ያዕ 5 : 12 - 16 [English][ግእዝ]12. ኣብ ርእሲ እዚ፥ ኣኅዋተይ፥ ኣይትምሓሉ። ብምድሪ ኾነ ብሰማይ ወይ ብኻልእ ነገር ኣይትምሓሉ፤ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ እግዚኣብሔር ከይትወድቁ ድማ እቲ እወኹም እወ፥ እቲ ኣይኮነን ዝበልኩምዎ ኸኣ ኣይኮነን ይኹን። 13. ኣብ ማእከልኩም ዝጸበቦ እንተሎ ይጸሊ። ሕጉስ እንተሎ ይዘምር። 14. ኣብ ማእከልኩም ዝሓመመ እንተሎ ንመራሕቲ ቤት ክርስቲያን ይጸውዕ፥ ንሳቶም ከኣ ብስም ጐይታ ብዘይቲ እናቐብኡ ይጸልዩሉ። 15. እታ ብእምነት ዝተገብረት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተሕውዮ እያ። ጐይታውን ኬተንሥኦ እዩ። ኃጢኣት ገይሩ እንተ ኾይኑውን ኪኅደገሉ እዩ። 16. እምበኣርሲ ምእንቲ ኽትሓውዩ ንሓድሕድኩም ኃጢኣትኩም ተናዘዙ፥ ምእንቲ ንሓድሕድኩምዉን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙኅ ተስልጥ እያ።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 13 : 24 - 31 [English][ግእዝ]24. ቅድሚ ምምጻኡውን ዮሓንስ ንዅሉ ሕዝቢ እስራኤል ንንስሓ ዚኸውን ጥምቀት ሰበኸ። 25. ዮሓንስ ከኣ መልእኽቱ ምስ ፈጸመ፥ ‘ኣነ መን ይመስለኩም፧ ኣነስ ንሱ ኣይኮንኩን፤ እቲ ኣነ ኣሣእኑ ካብ ኣእጋሩ ንምውፃእ ዘይበቅዕ፥ እንሆ ንሱ ብድኅረይ ይመጽእ ኣሎ’ በለ። 26. ኣቱም ኣኅዋትና፥ ደቂ ዓሌት ኣብርሃምን ኣብ ማእከሎም ዘሎኹም ንኣምላኽ እትፈርሁን እዚ ቓል ምድኃን እዚ ናባና እዩ ዝተላእከ። 27. እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዚነብሩን መኳንንቶምን ንኢየሱስ ኣይፈለጥዎን፤ እቲ በብሰንበት ዜንብብዎ ቓል ነቢያት ምእንቲ ኺፍጸም ከኣ ንሞት ፈረድዎ። 28. ናብ ሞት ዜብጽሕ ምኽንያት እንተ ዘይረኸቡሉ እኳ፥ ኪቐትሎ ንጲላጦስ ደኣ ለመንዎ። 29. ነቲ ብዛዕባኡ ዝተጻሕፈ ዘበለ ምስ ፈጸሙ ኸኣ፥ ካብ መስቀል ኣውሪዶም ናብ መቓብር ኣእተውዎ። 30. ኣምላኽ ግና ካብ ምዉታት ኣተንሥኦ። 31. ነቶም ካብ ገሊላ ናብ ኢየሩሳሌም ምስኡ ዝደየቡ፥ ሕጂ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ሕዝብና ምስክሩ ኾይኖም ዘለዉ፥ ብዙኅ መዓልቲ ተራእዮም።
ስንክሳር Synaxarium
አስተርእዮተ ሥጋሆሙ ለቅዱስ ዮሐንስ መጥምቅ ወለኤልሳዕ ነቢይወበዓለ ሰዊት አው ዝአዊትወቄርሎስወአኬልጥስወቀውስጦስ
መዝሙር Psalm
መዝ 84 : 5 - 6 / መዝ ፹፫ : ፬ - ፭ [English][ትግርኛ]
አብ ቤትካ ዚነብሩ ብጹኣን እዮም፣ ኵሉ ጊዜ ይውድሱኻ። ሓይሎም ብኣኻ ዝዀነ፣ ብልቦም ንመገድኻ ዚሐስቡ ሰባት ብጹኣን እዮም።
ብፁዓን ኵሎሙ እለ ይነብሩ ውስተ ቤትከ፤
ወለዓለመ ዓለም ይሴብሑከ፤
ብፁዕ ብእሲ ዘእምኀቤከ ረድኤቱ እግዚኦ።
ወንጌል Gospel
ሉቃ 7 : 24 - 35 [English][ግእዝ]24. እቶም ልኡኻት ዮሓንስ ምስ ከዱ፥ ኢየሱስ ነቶም ሕዝቢ ብዛዕባ ዮሓንስ ከምዚ ኺብሎም ጀመረ፦ “እንታይ ክትርእዩ ናብ ምድረ በዳ ወፃእኩም፧ ብንፋስ ሰሰው ዚብል ሻምብቆዶ፧ 25. እንታይ ክትርእዩ ደኣ ወፃእኩም፧ ቅጭን ክዳውንቲ ዝተኸድነ ሰብኣይዶ፧ እንሆ ብቕጭን ክዳውንቲ ዘጌጹን ዝሓንቀቑንሲ ኣብ ኣደራሽ ነገሥታት ኣለዉ። 26. እንታይ ክትርእዩ ደኣ ወፃእኩም፧ ነቢይዶ፧ እወ፥ ካብ ነቢይ እኳ ደኣ ዚዓቢ፥ እብለኩም ኣሎኹ። 27. ንሱ እቲ ብዛዕባኡ ‘እንሆ፥ መገድኻ ዚጸርግ ልኡኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣሎኹ’ ተባሂሉ ዝተጻሕፈሉ እዩ። 28. ካብ ኣንስቲ ካብ ዝተወልዱ ኻብ ዮሓንስ መጥመቕ ዚዓቢ ነቢይ ሓደ እኳ የልቦን፥ እብለኩም ኣሎኹ፤ ኣብ መንግሥቲ ኣምላኽ ግና እቲ ዝነኣሰ ይዓብዮ እዩ።” 29. ኵሎም ሕዝብን ተቐበልቲ ቐረጽን ሰሚዖም፥ ብጥምቀት ዮሓንስ ተጠሚቖም፥ መንገዲ ኣምላኽ ቅኑዕ ምዃኑ ኣመኑ። 30. ፈሪሳውያንን ሊቃውንቲ ሕግን ግና ብእኡ ብዘይምጥማቖም ነቲ ምኽሪ ኣምላኽ ነጸግዎ። 31. “እምበኣር ንሰብ እዚ ወለዶ እዚ ብምንታይ ክምስሎም እየ፧ ንመንከ ይመስሉ፧ 32. ነቶም ኣብ ዕዳጋ ዚቕመጡ እሞ ንሓድሕዶም ተጻዋዊዖም፥ ‘እምብልታ ነፋሕናልኩም ኣይሳዕሳዕኩምን፥ ኣልቀስናልኩም ኣይበኼኹምን’ ዚብሃሃሉ ቘልዑ እዮም ዚመስሉ። 33. እንጌራ ዘይበልዕን ወይኒ ዘይሰትን ዮሓንስ መጥመቕ እንተ መጸ ‘ጋኔን ኣለዎ’ ትብሉ። 34. ዚበልዕን ዚሰትን ወዲ ሰብ እንተ መጸ ኸኣ ‘እንሆ በላዕን ሰታይ ወይንን ፈታው ተቐበልቲ ቐረጽን ኃጥኣንን’ ትብሉ። 35. ጥበብ ግና ብዅሎም ደቃ ረትዐት።” ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘእግዝእትነ ማርያም(ጐሥዓ)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 97 : 2 - 3 / መዝ ፺፮ : ፪ - ፫ [English][ትግርኛ]
ጽድቅን ፍርድን መሰረት ዝፋኑ እዩ። ሓዊ ቐቅድሚኡ ይኸይድ፣ ንጸላእቱ አብ ዙርያኡ የንድዶም።
ፍትሕ ወርትዕ ተድላ መንበሩ፤
እሳት የሐውር ቅድሜሁ፤
ወነድ የዓግቶሙ ለጸላእቱ።
ወንጌል Gospel
ሉቃ 12 : 49 - ፍም [English][ግእዝ]49. “ናብ ምድሪ ሓዊ ክኽዑ እየ ዝመጻእኩ፤ ሕጂ ቐልጢፋ እንተ ትነደለይ ክንደይ ምተሓጐስኩ! 50. ዝጥመቖ ናይ መከራ ጥምቀት ኣሎኒ፥ ፍጻሜ ኽሳዕ ዚበጽሕ ግና ከመይከ ዘይጭነቕ! 51. ናብ ምድሪ ሰላም ከምጽእ ዝመጻእኩዶ ይመስለኩም ኣሎ፧ ምፍልላይ ደኣ እምበር ሰላም ከምጽእ ኣይኮንኩን ዝመጻእኩ፥ እብለኩም ኣሎኹ። 52. ካብ ሕጂ ንደኃር ኃሙሽተ ኣብ ሓንቲ ቤት እንተ ኣለዉ፥ ሠለስተ ኻብ ክልተ፥ ክልተ ድማ ኻብ ሠለሰተ ኺፋላለዩ እዮም። 53. ኣቦ ኻብ ወዱ፥ ወዲውን ካብ ኣቦኡ፥ ኣደ ኻብ ጓላ፥ ጓልውን ኻብ ኣዲኣ፥ ሓማት ካብ ሰበይቲ ወዳ፥ ሰበይቲ ወዲውን ካብ ሓማታ ኺፋላለዩ እዮም።” 54. ነቶም ሕዝቢ ድማ ኸምዚ በሎም፦ “ደመና ብወገን ምዕራብ ኪደባኖ ምስ ረአኹም፥ ዝናም ኪዘንም እዩ ትብሉ፤ ከምኡ ኸኣ ይኸውን። 55. ንፋስ ደቡብ ኪነፍስ ምስ ረአኹምውን ሃሩር ኪኸውን እዩ ትብሉ፥ ከምኡ ድማ ይኸውን። 56. ኣቱም ግቡዛት፥ ምምርማር ገጽ ሰማይን ምድርን ትፈልጡ፥ ከመይ ደኣ ነዚ ዘመን እዚ መርሚርኩም ዘይትፈልጥዎ፧ 57. “ስለምንታይከ ባዕልኻትኩም ሓቂ ዘይትፈርዱ፧ 58. ምስ መባእስትኻ ናብ ሹም እንተ ኸድኻ፥ ኣብ ፈራዲ ኸየብጽሓካ፥ እቲ ፈራዲ ኸኣ ንጊልያኡ ኣኅሊፉ ኸይህበካ፥ እቲ ጊልያኡውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸይድርብየካስ ኣብ መገዲ ኸሎኻ ምስኡ ንምትዕራቕ ተጋደል። 59. እንተ ዘይኮነስ እታ መወዳእታ ሳንቲም ክሳዕ እትፈዲ ኻብኣ ኣይክትወፅእን ኢኻ፥ እብለካ ኣሎኹ።” ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ዘመነ ማርቆስ Readings for Wednesday
ሰነ 3, 2018 ብግእዝ Jun 10, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 6 : 4 - 5 / መዝ ፮ : ፬ - ፭ [English][ትግርኛ]
ዎ እግዚኣብሄር፣ ተመለስ፣ ንነፍሰይ ኣናግፋ፣ ምእንቲ ምሕረትካ ኣድሕነኒ። ኣብ ሞት ዚዝክረካ የልቦን እሞ፣ ኣብ ሲኦልከ መን እዩ ዜመስግነካ፧
ወአድኅነኒ በእንተ ምሕረትከ፤
እስመ አልቦ በውስተ ሞት ዘይዜከረከ፤
ወበሲኦልኒ መኑ የአምነከ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 9 : 18 - 27 [English][ግእዝ]18. እዚ ነገራት እዚ ኺብሎም ከሎ፥ ሓደ መራሕ ቤት ጸሎት ኣይሁድ መጸ፥ “ጓለይ ሕጂ ሕጂ ሞይታ እሞ ንዓ ኢድካ ኣንብረላ፥ ክትሓዊ ድማ እያ” እናበለ ሰገደሉ። 19. ኢየሱስ ድማ ተንሢኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ሰዓቦ። 20. - 21. እንሆ ካብ ዓሠርተው ክልተ ዓመት ጀሚሩ ደም ዝፈሳ ዝነበረ ሓንቲ ሰበይቲ፥ ብልባ፥ “ዘፈር ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኪፈ ኽሓዊ እየ” ትብል ስለ ዝነበረት፥ ብድኅሪኡ መጺኣ ዘፈር ክዳኑ ተንከፈት። 22. ኢየሱስ ከኣ ግልጽ ኢሉ ረኣያ እሞ፥ “ኣጆኺ እዛ ጓለይ! እምነትኪ ኣሕውያትኪ” በላ። እታ ሰበይቲ ድማ ኻብታ ሰዓት እቲኣ ሓወየት። 23. ኢየሱስ ኣብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ምስ በጽሐ፥ ነፋሕቲ መለኸትን ዋይዋይ ዚብሉ ሕዝብን ረአየ። 24. ”እዛ ጓል ደቂሳ እያ ዘላ እምበር፥ ኣይሞተትን እሞ ኣልግሱ” በሎም። ንሳቶም ድማ ሰሓቕዎ። 25. እቶም ሕዝቢ ምስ ወፁ፥ ኣትዩ ኢዳ ኃዛ፥ እታ ጓል ከኣ ተንሥአት። 26. ኣብ ኵላ እታ ሃገርውን ዝናኡ ተሰምዐ። 27. ኢየሱስ ካብኡ ምስ ኃለፈ፥ ክልተ ዕዉራት ዓው ኢሎም “ኦ ወዲ ዳዊት! ምሓረና!” እናበሉ ሰዓብዎ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
ዕብ 13 : 14 - 19 [English][ግእዝ]14. ከመይ ነታ እትመጽእ ደኣ ንጽበ ኣሎና እምበር ኣብዚ ነባሪት ከተማ የብልናን። 15. እምበኣርከስ ኵሉ ጊዜ ንኣምላኽ ብኢየሱስ መሥዋዕቲ ምስጋና ነቕርብ። እዚ ኸኣ እቲ ንስሙ ዚእመን ናይ ከናፍርና ምስጋና እዩ። 16. ንኣምላኽ ከምዚ ዘኣመሰለ መሥዋዕቲ ኣዝዩ እዩ ዜሐጒሶ እሞ ሠናይ ምግባርን ዘሎኩም ምስ ካልኦት ምምቓል ኣይትረስዑ። 17. ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቲ ጸብጻብ ዚህብ ነቒሖም ይሕልውኹም ኣለዉ። ስለዚ ነዚ ብጓሂ እንተ ገበርዎ ንኣኻትኩም ኣይጠቕመኩምን እዩ እሞ ተሓጒሶም ከም ዚገብርዎ ግበሩ። 18. ቅኑዕ ሕሊና ከም ዘሎና ርግጸኛታት ኢና፥ ኣብ ኵሉ ጽቡቕ ንምግባርውን ድላይ ኣሎና። ስለዚ ጸልዩልና። 19. ኣውራ ግና ከም ብሓድሽ ናባኻትኩም ምእንቲ ቐልጢፈ ኽምለስ ክትጽልዩ እልምነኩም ኣሎኹ።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
1ይ ጴጥ 3 : 1 - 6 [English][ግእዝ]1. - 2. ከምኡውን፥ ኣትን ኣንስቲ! ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። ገለ ነቲ ቃል ኣምላኽ ዘይኣምኑ ሰብኡት እንተ ኣለዉ ድማ፥ ከም እተኽብራኦምን ብንጽሕና ከም እትነብራን ምስ ረኣዩ፥ ብዘረባ ዘይኮነስ፥ ብሕይወት ኣንስቶም ኪምለሱ እዮም። 3. መልክዕክን ግዳማዊ ብዝኾነ፥ ማለት ብሥርሓት ርእስን ወርቂ ብምእሳርን ብኽቡር ክዳውንትን ኣይኹን። 4. መልክዕክንሲ እቲ ኣብ ልቢ ወዲ ሰብ ዘሎ ለዋህን ህዱእን ዝኾነ መንፈስ ይኹን። እዚ መንፈስ እዚ ዘይበርስ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኸኣ ክቡር እዩ። 5. ቀደም ድማ እተን ኣምላኽ ዝተስፍአን ቅዱሳን ኣንስቲ፥ ከምዚ ኢለን እየን ዝተሰለማ። ንሰብኡተን ይእዘዛ ነበራ። 6. ሣራ ንኣብርሃም “ጐይታይ” እናበለት ትእዘዞ ነበረት። ንስኻትክንውን ከምኡ ጽቡቕ እንተ ገበርክን፥ ገለ ነገርውን እንተ ዘይፈራህክን ደቃ ኢኽን።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 20 : 16 - 24 [English][ግእዝ]16. እንተ ኾይኑሉስ ንበዓል ኃምሳ ኣብ ኢየሩሳሌም ኪውዕል ተሃዊኹ ስለ ዝነበረ፥ ጳውሎስ ምእንቲ ኣብ እስያ ከይንድንጒ ኢሉ ናብ ኤፌሶን ከይኣቱ መኸረ። 17. ጳውሎስ ካብ መሊጢ ናብ ኤፌሶን ልኢኹ ነቶም መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ናብኡ ጸውዖም። 18. ናብኡ ምስ መጹ ኸኣ ከምዚ ዚስዕብ በሎም፡ - “ካብታ እግረይ ናብ እስያ ዝረገጽኩላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚረ፥ ኵሉ ጊዜ ምሳኻትኩም ከመይ ከም ዝነበርኩ፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም፤ 19. ብውዲት ኣይሁድ ፈተና እንተ በጽሓኒ እኳ፥ ብዅሉ ትሕትናን ብብዙኅ ንብዓትን ንጐይታ ኸመይ ገይረ ከም ዘገልገልኩ፤ 20. ዚጠቅም ዘበለ እናሰበኽኩልኩም፥ ኣብ ዋዕላ ኾነ፥ ኣብ ቤት ከይኃባእኩ ከም ዝመሃርኩኹም፥ 21. ከምኡ ኸኣ፥ ንኣይሁድን ንግሪኻውያንን ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ፥ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ኪኣምኑ ከም ዝመስከርኩ፥ ትፈልጡ ኢኹም። 22. ሕጂ ድማ እንሆ ኣብ ኢየሩሳሌም እንታይ ከም ዚረኽበኒ ከይፈለጥኩ፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኸ ናብ ኢየሩሳሌም እኸይድ ኣሎኹ። 23. ብዘይካ እቲ መንፈስ ቅዱስ ‘ማእሰርትን ጸበባን ኪበጽሓካ እዩ’ ኢሉ ኣብ ፈቐዶ ከተማታት ዝነገረኒ እንተ ዘይኮይኑ ዝፈልጦ የብለይን። 24. ኣነ ግና ኣገልግሎተይ ክሳዕ ዝፍጽምን እቲ ጐይታ ኢየሱስ ዝሃበኒ ዕዮ ክሳዕ ዝውድእን፥ ንሕይወተይ ኣየናሕስየላን እየ፥ ከም ክብርቲ ገይረውን ኣይርእያን እየ። ኣገልግሎተይ ድማ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ ምስባኽ እዩ።
ስንክሳር Synaxarium
ኢላርዮስ ኤጲስቆጶስወቅድስት ተሐራሚት ማርታ
መዝሙር Psalm
መዝ 118 : 19 - 20 / መዝ ፻፲፯ : ፲፱ - ፳ [English][ትግርኛ]
ብእኤን አትየ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖስ፣ ደጌታት ጽድቂ ኽፈቱለይ። ደገ እግዚኣብሄር እዚኣ እያ፣ ጻድቃን ብእኣ ኺአትዉ እዮም።
አርኅዉ ሊተ አናቅጸ ጽድቅ፤
እባእ ውስቴቶን ወእግነይ ለእግዚአብሔር፤
ዛ አንቀጽ እንተ እግዚአብሔር።
ወንጌል Gospel
ሉቃ 7 : 37 - ፍም [English][ግእዝ]37. እንሆ ኣብቲ ዓዲ ሓንቲ ኃጥእ ሰበይቲ ነበረት፤ ኣብ እንዳ እቲ ፈሪሳዊ ኣብ መኣዲ ምቕማጡ ምስ ፈለጠት ድማ ቕዱይ ቅብኢ ዝመልአ ብኣልባስጥሮስ ዝተሠርሐ ብልቃጥ ኣምጽአት። 38. ብድኅሪኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ኾይና እናበኸየት በቲ ንብዓታ እግሩ ከተጠልቅዮ ጀመረት፥ ብፀጒሪ ርእሳ እናደረዘት እግሩ ትስዕም፥ ቅዱይ ቅብኢውን ትቐብኦ ነበረት። 39. እቲ ዝጸውዖ ፈሪሳዊ ድማ ነዚ ርእዩ፥ “እዚ ነቢይ እንተ ዚኸውንሲ እዛ ትትንክዮ ዘላ ሰበይቲ ኃጥእ እያ እሞ እንታወይትን ከመይ ዝበለትን ምዃና ምፈለጠ ነይሩ” ኢሉ ብልቡ ሓሰበ። 40. ኢየሱስ ከኣ “ስምዖን፥ ዝብለካ ኣሎኒ” በሎ፤ ንሱ ኸኣ “መምህር! ተዛረብ” በሎ፤ 41. “ንሓደ መለቅሒ ኽልተ ሰብ ዕዳ ነበርዎ፤ ኣብቲ ሓደ ኃሙሽተ ሚእቲ፥ ኣብቲ ሓደ ድማ ኃምሳ ዲናር ነበሮ። 42. ዚፈድይዎ ስለ ዝሰኣኑ ግና ንኽልቲኦም ኃደገሎም። ካብኣቶም እቲ ኣዝዩ ዜፍቅሮ መኖም እዩ፧” 43. ስምዖን ከኣ “ንኣይሲ እቲ ብዙኅ ዝተኃድገሉ ይመስለኒ” ኢሉ መለሰ፥ ኢየሱስ ኸኣ “ቅኑዕ ፈረድካ” በሎ። 44. ሽዑ ናብታ ሰበይቲ ግልጽ ኢሉ ንስምዖን ከምዚ በሎ፥ “ነዛ ሰበይቲ እዚኣስ ትርእያዶ ኣሎኻ፧ ናብ ቤትካ ኣትየ ንእግረይ እኳ ማይ ኣይሃብካንን፥ እዚኣ ግና ብንብዓታ ኣእጋረይ ኣጠልቀየት፥ ብፀጉሪ ርእሳውን ደረዘት። 45. ንስኻ ኣይተሳለምካንን፥ እዚኣ ግና ካብ ዝኣቱ ጀሚራ ኣእጋረይ ካብ ምስዓም ኣየቋረጸትን። 46. ንስኻ ርእሰይ ብዘይቲ ኣይቀባእካንን፥ እዚኣ ግና ኣእጋረይ ብቕዱይ ቅብኢ ቐበአት። 47. ስለዚ ብዙኅ ስለ ዘፍቀረት ንእኣ ብዙኅ ኃጢኣት ተኃዲጉላ እዩ፥ እብለካ ኣሎኹ። እቲ ሒደት ዚኅደገሉ ግና ሒደት እዩ ዜፍቅር።” 48. ንእኣ ድማ፦ “ኃጢኣትኪ ተኃዲጉልኪ እዩ” በላ። 49. እቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኸኣ ብልቦም “እዚ ኃጢኣት ኪኃድግ ዚኽእልስ መን ኮን ኮይኑ እዩ፧” ኢሎም ሓሰቡ። 50. ንሱ ግና ነታ ሰበይቲ “እምነትኪ እያ ዘድኃነትኪ፥ ብሰላም ኪዲ” በላ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘ፫፻ ምእት(ግሩም)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 5 : 9 - 10 / መዝ ፭ : ፱ - ፲ [English][ትግርኛ]
ኣብ ኣፎም ቁም ነገር የልቦን እሞ፣ ውሽጦም ጥፍኣት፣ ጐረርኦም ክፉት መቓብር እዩ፣ ብመልሓሶም የቀባጥሩ።
ልቦሙኒ ከንቱ፤
ከመ መቃብር ክሡት ጐራዒቶሙ፤
ወጸልሐዉ በልሳናቲሆሙ።
ወንጌል Gospel
ማር 4 : 10 - 14 [English][ግእዝ]10. ንበይኑ ምስ ኮነ ኸኣ፥ እቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ምስቶም ዓሠርተው ክልተ ኾይኖም፥ ብዛዕባ እቲ ምስላታት ሓተትዎ። 11. ንሱ ኸኣ “ምሥጢር መንግሥቲ ኣምላኽ ምፍላጥ ንኣኻትኩም እዩ ተዋሂቡ ዘሎ፥ ነቶም ብወፃኢ ዘለዉ ግና፥ 12. ‘ምርኣይ ኪርእዩ ግና ከይርድኦም፥ ምስማዕ ኪሰምዑ ግና ከየስተውዕሉ፥ ተመሊሶምውን ምሕረት ምእንቲ ኸይረኽቡስ’ ኵሉ ብምስላ እዩ ዚኸውን” በሎም። 13. ከምዚ ድማ በሎም፡ - “ነዚ ምስላ እዚዶ ኣየስተውዓልኩምዎን ኢኹም፧ ከመይ ጌርኩም ደኣ ንዅሉ ምስላታት ክትርድእዎ ኢኹም፧ 14. እቲ ዘራኢ ነቲ ቓል እዩ ዚዘርእ፥ እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!
ዘመነ ማርቆስ Readings for Thursday
ሰነ 4, 2018 ብግእዝ Jun 11, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 78 : 41 - 43 / መዝ ፸፯ : ፵፩ - ፵፫ [English][ትግርኛ]
ተመሊሶም ንኣምላኽ ፈተንዎ፣ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኣቘጥዕዎ። ንኢዱን ነታ ኻብ ተጻራሪ እተበጀዎም መዓልትን፣ ትእምርቱ ኣብ ግብጺ፣ ተአምራቱ ኸኣ ኣብ መሮር ጾዓን ከም ዝገበረ፣ ኣይዘከሩን።
ተመይጡ ወአመከርዎ ለእግዚአብሔር፤
ወወሀክዎ ለቅዱሰ እስራኤል፤
ወኢተዘከሩ እዴሁ።
ወንጌል Gospel
ሉቃ 16 : 14 - 18 [English][ግእዝ]14. እቶም ፍቕሪ ገንዘብ ዝነበሮም ፈሪሳውያን ከኣ ነዚ ዅሉ ሰሚዖም ኣላገጹሉ። 15. ከምዚ ድማ በሎም፦ “ንስኻትኩም ርእስኹም ኣብ ቅድሚ ሰብ ተመጻድቑ ኣሎኹም፥ ንልብኹም ግና ኣምላኽ ይፈልጦ እዩ፥ ከመይ እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ክቡር ዝኾነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን እዩ ። 16. “ሕጊ ሙሴን መጻሕፍቲ ነብያትን ክሳዕ ዮሓንስ ነበሩ፤ ካብ ሽዑ ንነጀው መንግሥቲ ኣምላኽ ትብሠር ኣላ፥ ኵሉ ድማ ይዳፍኣላ ኣሎ። 17. ካብ ሕጊ ሓንቲ ነጥቢ ካብ እትወድቕሲ ሰማይን ምድርን ኪኅልፍ ይቐልል። 18. እቲ ንሰበይቱ ፈቲሑ ካልእ ዜእቱ ዘበለ ይዝሙ፤ እቲ ካብ ሰብኣያ ንዝተፈትሐት ሰበይቲ ዜእቱውን ይዝሙ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
1ይ ቆሮ 3 : 16 - ፍም [English][ግእዝ]16. ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን፥ መንፈስ ኣምላኽ ኣባኹም ኃዲሩ ምህላውንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 17. ሓደ እኳ ነታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣፍረሰ፥ ኣምላኽ ኬፍርሶ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፥ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣውን ንስኻትኩም ኢኹም። 18. ሓደ እኳ ንገዛእ ርእሱ ኣይጠብር። ገለ ካባኻትኩም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥበበኛ ኸም ዝኾነ እንተ መሰሎ፥ ጥበበኛ ምእንቲ ኪኸውን ዓሻ ይኹን። 19. ከመይ “ነቶም ጥበበኛታት ብጒርሖም ይኅዞም” ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ፥ ጥበብ እዛ ዓለምእዚኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዕሽነት እዩ። 20. ከምኡውን “ሓሳብ እቶም ጥበበኛታት ከንቱ ኸም ዝኾነ እግዚአብሔር ይፈልጦ እዩ” ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ። 21. እምበርኣከስ ሓደ እኳ ብሰብ ኣይመካሕ። ኵሉ ናታትኩም እዩ፥ 22. ጳውሎስ ኮነ ኣጵሎስ፥ ኬፋ ኾነ ዓለም፥ ሕይወት ኮነ ሞት፥ ዘሎ ኾነ ዚመጽእ፥ ኵሉ ናታትኩም እዩ። 23. ንስኻትኩም ከኣ ናይ ክርስቶስ ኢኹም፥ ክርስቶስ ከኣ ናይ ኣምላኽ እዩ።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
1ይ ዮሐ 2 : 5 - 11 [English][ግእዝ]5. እቲ ንቓሉ ዚሕሉ ግና፥ እታ ንኣምላኽ ዘላቶ ፍቕሪ ምልኣት ትረክብ። ኣብ ኣምላኽ ከም ዘሎና በዚ ኢና እንፈልጥ። 6. እቲ “ኣብ ኣምላኽ እነብር ኣሎኹ” ዚብል፥ ከምቲ ኢየሱስ ዝነበሮ ኺነብር ይግብኦ። 7. ኣቱም ፍቁራተይ! እቲ ካብ መጀመርታ ዝነበረኩም ናይ ቀደም ትእዛዝ እምበር ሓድሽ ትእዛዝ ኣይኮነን ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ። እቲ ናይ ቀደም ትእዛዝ ከኣ እቲ ድሮ ዝሰማዕኩምዎ ቓል እዩ። 8. እንተኾነ እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ትእዛዝ ሓድሽ እዩ። ናይዚ ትእዛዝ እዚ ሓቂ ድማ ኣባኻትኩም ኮነ ኣብ ክርስቶስ ተራእዩ እዩ። ከመይ ጸልማት ኃሊፉ እዩ፥ ብርሃን ሓቂውን ድሮ የብርህ ኣሎ። 9. “ኣብ ብርሃን ኣሎኹ” ዚብል ንኃው ኸኣ ዚጸልእ፥ ገና ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ። 10. እቲ ንኃው ዜፍቅር ኣብ ብርሃን እዩ ዚነብር። ኣብኡውን መዓንቀፊ የልቦን። 11. እቲ ንኃው ዚጸልእ ግና ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ፥ ኣብ ጸልማትውን ይነብር፥ ጸልማት ነዕይንቱ ስለ ዘዕወሮ ድማ፥ ናበይ ከም ዚኸይድ ኣይፈልጥን እዩ።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 12 : 18 - ፍም [English][ግእዝ]18. ምስ ወግሐ፥ እቶም ወተሃደራት “ጴጥሮስ ኣበይ ኣትዩ” እናበሉ እምብዛ ተሸበሩ። 19. ሄሮድስ ድማ ንጴጥሮስ ደልዩ ምስ ሰኣኖ፥ ነቶም ሓለውቲ መርሚሩ ኪቕተሉ ኣዘዘ። ካብ ይሁዳ ናብ ቂሳርያ ወሪዱ ኸኣ ኣብኣ ቐነየ። 20. ሄሮድስ ምስ ሰብ ጢሮስን ሲዶናን ኣዝዩ ዀርዩ ነበረ። ሃገሮም ምግቢ እትረኽቦ ካብ ግዝኣት እቲ ንጉሥ ስለ ዝነበረ፥ ንበላስጦን ኣዛዚ ቤት ንጉሥ ኣፍትዮም ዕርቂ ኪልምኑ፥ ተሰማሚዖም ናብ ሄሮድስ መጹ። 21. በታ ምድብቲ መዓልቲ ሄሮድስ ልብሰ መንግሥቱ ለቢሱ ኣብ ዝፋን ተቐመጠ፥ ነቶም ሕዝቢ ኸኣ ዘረባ ኣስምዖም። 22. እቶም ሕዝቢ ድማ “እዝስ ድምፂ ኣምላኽ እዩ እምበር ድምፂ ሰብ ኣይኮነን” እናበሉ ጨደሩ። 23. ክብሪ ንኣምላኽ ስለ ዘይሃበ ድማ ብኡብኡ መልኣኽ እግዚኣብሔር ቀዘፎ፥ ሓሲኹ ኸኣ ሞተ። 24. ቃል ኣምላኽ ግና እናዓበየን እናስፋሕፍሐን ከደ። 25. በርናባስን ሳውልን ድማ ኣገልግሎቶም ፈጺሞም፥ ካብ ኢየሩሳሌም ተመልሱ። ነቲ ማርቆስ ዝተባህለ ዮሓንስ ድማ ምስኣቶም ተማልእዎ።
ስንክሳር Synaxarium
አሙናስያወሶፍያወአባ ስምዖንአሃዝያስወሳኑሲ ሰማዕትወዮሐንስ ዘሐራቅሊአቅሮንዮስወዲሙናሲያአሞኒወሚናስ
መዝሙር Psalm
መዝ 31 : 7 - 8 / መዝ ፴ : ፯ - ፰ [English][ትግርኛ]
ንመከራይ ርኢኻዮ፣ ንጸበባ ነፍሰይ ፈሊጥካዮ፣ ናብ ኢድ ጸላኢ ኣይሀብካንን፣ ነእጋረይ ኣብ ገፊሕ ቦታ ደው ኣቢልካየን ኢኻ እሞ፣ ብምሕረትካ ኽፍሳህ ክሕጐስውን እየ።
ወአድኀንካ እምንዳቤሃ ለነፍስየ፤
ወኢዘጋሕከኒ ውስተ እደ ፀርየ፤
ወአቀምኮን ውስተ መርሕብ ለእገርየ።
ወንጌል Gospel
ማር 3 : 1 - 6 [English][ግእዝ]1. ኢየሱስ ከም ብሓድሽ ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣተወ፥ ኣብኡ ኸኣ ኢዱ ዝለመሰት ሰብ ነበረ። 2. ምእንቲ ኪኸስዎ ድማ ብሰንበት እንተ ኣሕወዮ ይጸናጸንዎ ነበሩ። 3. ኢየሱስ ከኣ ነቲ ኢዱ ዝለመሰት ሰብ “ንዓ ኣብ ማእከል ደው በል” በሎ። 4. ንኣኣቶም ድማ “ብሰንበትሲ ጽቡቕ ምግባርዶ ወይ ክፉእ ምግባር፥ ነፍሲ ምድኃንዶ ወይ ምቕታል ይግባእ፧” በሎም። ንሳቶም ግና ኣጽቀጡ። 5. በቲ ትሪ ልቦም ጕህዩ፥ ነቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ዅሎም ብቝጥዓ ጠመቶም፥ ነቲ ሰብኣይ ከኣ “ኢድካ ዘርግሕ” በሎ፥ ንሱ ድማ ዘርግሓ፥ እታ ኢዱውን ሓወየት። 6. ፈሪሳውያን ድማ ብቕልጡፍ ከይዶም ከመይ ገይሮም ከም ዚቐትልዎ ምስ ሄሮድሳውያን ኮይኖም ብዛዕባኡ ተማኸሩ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!
ቅዳሴ Liturgy :
ዘ፫፻ ምእት(ግሩም)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 5 : 9 - 10 / መዝ ፭ : ፱ - ፲ [English][ትግርኛ]
ብመልሓሶም የቀባጥሩ። ዎ ኣምላኽ፣ ኰንኖም፣ ኣብ ምኽሮም ይውደቑ። ካባኻ ዐልዮም እዮም እሞ፣ ብብዝሒ ኣበሳኦም ኣባርሮም።
ወጸልሐዉ በልሳናቲሆሙ፤
ኰንኖሙ እግዚኦ ወይደቁ በውዴቶሙ፤
ወበከመ ብዝኀ ሕብሎሙ ስድዶሙ።
ወንጌል Gospel
ዮሐ 5 : 10 - 18 [English][ግእዝ]10. ስለዚውን ኣይሁድ ነቲ ዝሓወየ ሰብኣይ “ሎሚ ሰንበት ስለ ዝኾነ ዓራትካ ኽትፀውር ኣይፍቀደልካን እዩ” በልዎ። 11. ንሱ ግና “እቲ ዘሕወየኒ እዩ ‘ዓራትካ ኣልዒልካ ኺድ’ ዝበለኒ” ኢሉ መለሰሎም። 12. ንሳቶም ከኣ “እቲ ‘ዓራትካ ኣልዒልካ ኺድ’ ዝበለካ ሰብኣይ መን እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። 13. ኣብቲ ቦታ ብዙኅ ሕዝቢ ነበረ፥ ኢየሱስ ከኣ ድኅር ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ መን ምዃኑ ኣይፈለጠን። 14. ብድኅርዚ ኢየሱስ ኣብ ቤት መቕደስ ረኸቦ እሞ “እንሆ ሓዊኻ ኣሎኻ፥ ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካ፥ መሊስካ ኃጢኣት ኣይትግበር” በሎ። 15. እቲ ሰብኣይ ከኣ ኸይዱ፥ እቲ ዘሕወዮ ኢየሱስ ከም ዝኾነ ንኣይሁድ ነገሮም። 16. ስለዚ ብሰንበት ነዚ ነገራትዚ ስለ ዝገበረ፥ ኣይሁድ ንኢየሱስ ኣሳደድዎ። ኪቐትልዎውን ይደልዩ ነበሩ። 17. ኢየሱስ ግና “ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይዓዪ ኣሎ፥ ኣነውን እዓዪ ኣሎኹ” ኢሉ መለሰሎም። 18. ስለዚ ሰንበት ብምስዓሩ ጥራይ ዘይኮነስ፥ ንኣምላኽ ድማ “ኣቦይ” ብምባሉ፥ ንርእሱ ምስ ኣምላኽ ስለ ዘመዓራረየ፥ ኪቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።
ዘመነ ማርቆስ Readings for Friday
ሰነ 5, 2018 ብግእዝ Jun 12, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 48 : 5 - 6 / መዝ ፵፯ : ፭ - ፮ [English][ትግርኛ]
ርእዮም ተደነቑ፣ ተሸቢሮም ሀደሙ። ኣብኡ፣ ከምቲ ጻዕሪ ናይ እትሐርስ ሰበይቲ፣ ምንቅጥቃጥ ሐዞም።
እሙንቱሰ ዘንተ ርእዮሙ አንከሩ፤
ደንገፁ ወፈርሁ ወአኀዞሙ ረዓድ፤
ወሐሙ በህየ ከመ እንተ ትወልድ።
ወንጌል Gospel
ሉቃ 21 : 20 - 24 [English][ግእዝ]20. “ኢየሩሳሌም ብሠራዊት ተኸቢባ እንተ ረኣኹም፥ ሽዑ ዕንወታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ። 21. ሽዑ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ እምባ ይህደሙ፥ እቶም ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኸኣ ኻብኣ ይውፅኡ፥ እቶም ኣብ ሃገረ ሰብ ዘለዉውን ናብኣ ኣይእተዉ። 22. እዚ፥ እቲ ጽሑፍ ዘበለ ምእንቲ ኪፍጸምሲ፥ ወርኃት ምፍዳይ ሕነ እዩ። 23. በተን መዓልትታት እቲኣተን ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለአን፥ ምኽንያቱ ኣብ ምድሪ ብርቱዕ መከራ ኪኸውን እዩ፤ ኣብዚ ሕዝቢ እዚ ድማ መዓት ኪወርድ እዩ። 24. ብስሕለት ሰይፊ ኺወድቁ፥ ተማሪኾም ድማ ናብ ዅሎም ኣሕዛብ ኪውሰዱ እዮም፤ ዘመናት ኣሕዛብ ክሳዕ ዚፍጸምውን ኢየሩሳሌም በሕዛብ ክትርገጽ እያ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
2ይ ቆሮ 5 : 1 - 10 [English][ግእዝ]1. እዛ ኸም ድንኳን ጊዜያዊት ዝኾነት ምድራዊት ቤትና፥ ማለት ሰብነትና፥ እንተ ፈረሰት እኳ፥ ካብ ኣምላኽ ሓንቲ ብኢድ ሰብ ዘይተገብረት ሕንጻ፥ ናይ ዘለዓለም ቤት ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና ንፈልጥ ኢና። 2. ሰማያዊ ቤትና ክሳዕ ንለብስ ግና ብሃንቀውታ ዓንገረር ንብል ኣሎና። 3. ምኽንያቱ ሰማያዊ ሰብነት ምስ ለበስና ዕሩቓት ኴንና ኣይንርከብን ኢና። 4. ሞት ብሕይወት ምእንቲ ኺልወጥ ካብዚ ምድራዊ ሰብነትና ክንቅንጠጥ ፈቲና ዘይኮንናስ፥ ሰማያዊ ሰብነት ምእንቲ ክንለብስ ሃረር ንብል ኣሎና። ከመይ እዚ ድንኳን እዚ ከቢዱና ንቕንዞ ኣሎና። 5. እቲ ነዚ ዘብቅዓና ኸኣ፥ እቲ ዕርቡን መንፈስ ቅዱስ ዝሃበና ኣምላኽ እዩ። 6. እዚ ሰብነትዚ ለቢስና ኽሳዕ ዘሎና ካብ ጐይታ ርሑቓት ከም ዝኾንና ንፈልጥ ኢና፥ ስለዚ ዅሉ ሳዕ ትብዓት ኣሎና። 7. ምኽንያቱ ብእምነት እምበር ብምርኣይ ኣይኮናን እንነብር ዘሎና። 8. እምበኣር ትብዓት ኣሎና፥ ካብዚ ሰብነትዚ ግዒዝና ኸኣ ምስ ጐይታ ኽንነብር ይኅሸና። 9. ኣብዚ ብሕይወት እንተ ኣሊና ወይ እንተ ሞይትና ንእኡ ከነሓጕስ ንጽዕት ኣሎና። 10. ከመይ ነፍስ ወከፍና ነቲ ብሥጋዊ ሕይወቱ ኸሎ ዝገበሮ ሠናይ ኮነ ወይ እከይ ምእንቲ ኺቕበል፥ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ክንቀርብ ኢና።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
1ይ ዮሐ 3 : 1 - 10 [English][ግእዝ]1. ውሉድ ኣምላኽ ተባሂልና ምእንቲ ኽንጽዋዕ እግዚኣብሔር ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ከም ዝለገሠልና እሞ ርኣዩ! ውሉድ ኣምላኽውን ኢና። ዓለም ንእኡ ስለ ዘይፈለጠቶ እያ ንኣና ዘይፈለጠትና። 2. ኣቱም ፍቁራተይ! ሕጂ ውሉድ ኣምላኽ ኢና፥ እንታይ ከም እንኸውን ከኣ ገና ኣይተገልጸን። ክርስቶስ ምስ ዚግለጽ ግና ከምታ ዘለዋ ክንርእዮ ኢና እሞ ንእኡ ኸም እንመስል ንፈልጥ ኢና። 3. ኣብ ክርስቶስ ተስፋ ዚገብር ዘበለ ዅሉ ከምቲ፥ ንሱ ንጹሕ ዝኾነ፥ ንገዛእ ርእሱ የንጽሕ ኣሎ። 4. ኃጢኣት ዚገብር ዘበለ ሕጊ የፍርስ፥ ኃጢኣት ምፍራስ ሕጊ እዩ። 5. ክርስቶስ ንኃጢኣት ኬርሕቖ ኢሉ ከም ዝተገልጸ ትፈልጡ ኢኹም፥ ኣብኡውን ኃጢኣት የልቦን። 6. እቲ ኣብ ክርስቶስ ዚነብር ዘበለ ዅሉ ኃጢኣት ኣይገብርን እዩ። ኃጢኣት ዚገብር ዘበለ ግና ንክርስቶስ ኣይረኣዮን ኣይፈለጦንውን እዩ። 7. ደቀየ! ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም። ከምቲ ክርስቶስ ጻድቕ ዝኾነ፥ እቲ ጽድቂ ዚገብር ከኣ ጻድቕ እዩ። 8. ካብ መጀመርታ ኂዙ ዚኃጥእ ዘሎ ዲያብሎስ እዩ እሞ፥ ኃጢኣት ዚገብር ካብ ዲያብሎስ እዩ። ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ዲያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ ኢሉ እዩ ዝተገልጸ። 9. ካብ ኣምላኽ ዝተወልደ ዘበለ፥ ባህርይ ኣምላኽ ኣብኡ ስለ ዘሎ፥ ኃጢኣት ኣይገብርን እዩ። ካብ ኣምላኽ ስለ ዝተወልደውን ኃጢኣት ኪገብር ኣይክእልን እዩ። 10. ጽድቂ ዘይገብርን፥ ንኃዉ ዘየፍቅርን ካብ ኣምላኽ ኣይኮነን። ደቂ ኣምላኽን ደቂ ዲያብሎስን በዚ እዮም ዚፍለጡ።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 16 : 35 - ፍም [English][ግእዝ]35. ምድሪ ምስ ወግሐ እቶም ሮማውያን ሰበ ሥልጣን “ነቶም ሰባት ፈቲሕካ ስደዶም” እናበሉ ገላዉ ለኣኹሉ። 36. እቲ ሓላው ቤት ማእሰርቲ ድማ፥ “እቶም ሰበ ሥልጣን ‘ፍትሕዎም’ ኢሎም ልኢኾም ኣለዉ እሞ፥ ሕጂ እምበኣር ወፂእኩም ብሰላም ኪዱ” ኢሉ ንጳውሎስ ነገሮ። 37. ጳውሎስ ግና፥ “ንሕና ሮማውያን ከሎና፥ ብዘይ ፍርዲ ብግህዶ ገሪፎም፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትዮምናስ፥ ሕጂ ብኅቡእዶ ኪሰዱና፧ ባዕላቶም ደኣ መጺኦም የውፅኡና እምበር፥ እዝስ ከቶ ኣይከውንን እዩ” በሎም። 38. እቶም ገላዉ ኸኣ ነቶም ሰበ ሥልጣን ነዚ ነገር እዚ ነገርዎም። ንሳቶም ድማ ሮማውያን ምዃኖም ምስ ሰምዑ ፈርሁ። 39. መጺኦም ከኣ “ይቕረ በሉልና” ኢሎም ኣውፅእዎም። ካብታ ኸተማ ኬልግሱውን ለመንዎም። 40. ሽዑ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወፂኦም ናብ ቤት ልድያ ኣተዉ፤ ነቶም ኣኅዋት ምስ ረኸብዎም ከኣ መዓድዎም፥ ካብኡውን ኃለፉ።
ስንክሳር Synaxarium
አባ ያዕቆብ ምሥራቃዊወብሶይወቢፋሞንወመርቆሬዎስወመቃርስ
መዝሙር Psalm
መዝ 13 : 3 - 4 / መዝ ፲፪ : ፫ - ፬ [English][ትግርኛ]
ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ጠምት እሞ ምለሰለይ። ኣነ ድቃስ ሞት ከይድቅስ፣ ጸላእየይ፣ ስዒረዮ፣ ከይብል፣ እንተ ተናወጽኩ፣ ተጻረርተይ ከይፍስሁስ፣ ነዒንተይ ኣብርሃየን።
አብርሆን ለአዕይንትየ ከመ ኢይኑማ ለመዊት፤
ወከመ ኢይበሉኒ ጸላእትየ ሞዕናሁ፤
ወእለሰ ይሣቅዩኒ ይትፌሥሑ ለእመ ተሀወኩ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 9 : 27 - 31 [English][ግእዝ]27. ኢየሱስ ካብኡ ምስ ኃለፈ፥ ክልተ ዕዉራት ዓው ኢሎም “ኦ ወዲ ዳዊት! ምሓረና!” እናበሉ ሰዓብዎ። 28. ናብ ቤት ምስ ኣተወ፥ እቶም ዕዉራት ናብኡ መጹ፥ ኢየሱስ ድማ፥ “እዚ ኽገብር ከም ዝኽእልዶ ትኣምኑ ኢኹም፧” በሎም። ንሳቶም ከኣ “እወ፥ ጐይታይ” በልዎ። 29. ንሱ ድማ “ከም እምነትኩም ይኹነልኩም” እናበለ ኣዕይንቶም ተንከዮም። 30. ኣዕይንቶም ከኣ ተኸፍታ። ኢየሱስ ድማ “ሓደ እኳ ኸይፈልጥ ተጠንቀቑ” እናበለ ብጽኑዕ ኣሰምዓሎም። 31. ንሳቶም ግና ወፂኦም ኣብ ኵላ እታ ሃገር ዝናኡ ዘርግሑ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘባስልዮስ(እግዚኦ መሐረነ)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 55 : 18 - 19 / መዝ ፶፬ : ፲፰ - ፲፱ [English][ትግርኛ]
ምሸትን ብጊሓትን ቀትርን እቚዝም እህህውን እብል ኣሎኹ፣ ንሱ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ። ዚቃወሙኒ ብዙሓት እዮም እሞ፣ ካብ ውግእ ንነፍሰይ ብሰላም ኣናግፋ።
አድኅና በሰላም ለነፍስየ እምእለ ይትቃረኑኒ፤
እስመ ይበዝኁ እምእለ ምስሌየ፤
ይስማዕ እግዚአብሔር ወያኅሥሮሙ።
ወንጌል Gospel
ማር 3 : 7 - 12 [English][ግእዝ]7. ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ኣቢሉ ኣልገሰ፥ ካብ ይሁዳን ካብ ገሊላን ከኣ ብዙኅ ሕዝቢ ሰዓቦ። 8. ኣዝዩ ብዙኅ ሕዝቢ ነቲ ዅሉ ዝገብሮ ሰሚዑ ድማ ካብ ኢየሩሳሌም፥ ካብ ኤዶምያስ፥ ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ካብ ዙርያ ጢሮስን ሲዶናን ናብኡ ተኣከበ። 9. ብምኽንያት ብዝኂ ሕዝቢ ሰብ ምእንቲ ኸይደፍኦ ጃልባ ኬጽንሑሉ ንደቀ መዛሙርቱ ነገሮም። 10. ንብዙኃት ኣሕውይዎም ነበረ እሞ፥ ሕማም ዘለዎም ኵሎም ምእንቲ ኺትንክይዎ ኣብኡ ኽሳዕ ዚወድቁ ይደፋፍኡ ነበሩ። 11. ርኹሳት መናፍስቲውን ምስ ረኣይዎ፥ “ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ” ኢሎም እናጨደሩ፥ ኣብ ቅድሚኡ ይድፍኡ ነበሩ። 12. ንሱ ኸኣ ከየግህድዎ ኣምሪሩ ይገንሖም ነበረ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!
ዘመነ ማርቆስ Readings for Saturday
ሰነ 6, 2018 ብግእዝ Jun 13, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 9 : 5 - 6 / መዝ ፱ : ፭ - ፮ [English][ትግርኛ]
ነህዛብ ገናሕካዮም፣ ንረሲኣን ኣጥፋእካዮም፣ ስሞም ከኣ ንዘለአለም ደምሰስካዮ። ጸላእቲ ንሓዋሩ ተጠሪሶም፣ ከተማታትሲ፣ መዘከርታኤን እኳ ኽሳዕ ዚጠፍእ፣ ዖንየን።
ገሠፅኮሙ ለአሕዛብ ወተኀጕሉ ረሲዓን፤
ወደምሰስከ ስሞሙ ለዓለመ ዓለም፤
ፀርሰ ተገምሩ በኵናት ለዝሉፉ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 25 : 41 - ፍም [English][ግእዝ]41. “ብድኅርዚ ኣብ ጸጋሙ ንዘለዉ ‘ኣቱም ርጉማት፥ ካባይ ርሒቕኩም ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን ዝተዳለወ ናይ ዘለዓለም ሓዊ ኺዱ። 42. ምኽንያቱ ጠምየ ኣየብላዕኩምንን፥ ጸሚአ ኣየስቴኹምንን፥ 43. ጋሻ ኾይነ መጺአ ኣይተቐበልኩምንን፥ ዓሪቐ ኣይከደንኩምንን፥ ሓሚመን ተኣሲረን ኣይበጻሕኩምንን’ ኪብሎም እዩ። 44. ሽዑ ንሳቶም ‘ኦ ጐይታ! መኣዝ ጠሚኻ ርኢናካስ ወይ ጸሚእካ ወይ ጋሻ ዄንካ ወይ ዓሪቕካ ወይ ሓሚምካ ወይ ተኣሲርካ ዘየገልገልናካ፧’ ኢሎም ኪምልሱ እዮም። 45. ሽዑ ንሱ ‘እቲ ንሓደ ኻብዞም ዝነኣሱ ዘይገበርኩምዎ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምዎ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፥’ ኢሉ ኪምልሰሎም እዩ። 46. ሽዑ እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለዓለም ቅጽዓት፥ ጻድቃን ግና ናብ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኪኸዱ እዮም።” ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
2ይ ቆሮ 10 : 13 - ፍም [English][ግእዝ]13. ንሕና ግና በቲ ኣምላኽ ዝሃበና ደረት እምበር ካብ ልክዕ ኃሊፍና ኣይንምካሕን ኢና። እዚ ደረትዚ ኸኣ ክሳብ ናባኻትኩም ዚበጽሕ እዩ። 14. ቅድሚ ዅሉ ወንጌል ዝሰበኽናልኩም ንሕና ኢና። ስለዚ ሕጂ ብኣኻትኩም እንተ ተመካሕና ካብቲ ብኣምላኽ ዝተደረተልና ዝኃለፍና ኣይመስለናን። 15. ካብቲ ዝተደረተልና ኃሊፍና በቲ ኻልኦት ዝገበርዎ ኣይንምካሕን ኢና። እኳ ደኣ እምነትኩም ኪዓቢ እሞ እቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎና ሰበኻ ኪገፍሓልና ተስፋ ኣሎና። 16. ሽዑ ካባኹም ኃሊፍና ናብ ኻልእ ሃገር ወንጌል ክንሰብኽ ኢና። በቲ ኻልኦት ድሮ ዘዳለውዎ ሰበኻውን ኣይንምካሕን ኢና። 17. “እቲ ዚምካሕ ብእግዚኣብሔር ደኣ ይመካሕ” ከም ዚብሎ፥ 18. እቲ እግዚኣብሔር ዚንእዶ እምበር እቲ ንገዛእ ርእሱ ዚንእድ ሰብ ኣይኮነን ተመስኪሩሉ ዚወፅእ።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
ያዕ 1 : 12 - 18 [English][ግእዝ]12. እቲ ብጊዜ ፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብፁዕ እዩ፥ ከመይ ተፈቲኑ ምስ ወፀ፥ ነቲ እግዚኣብሔር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ሕይወት ኪቕበል እዩ። 13. ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ ኣምላኽ ፈቲኑኒ ኣይበል፥ ከመይ ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን፥ ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ። 14. ነፍስ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተሳሒቡን ተሓቢሉን እዩ ዚፍተን። 15. ሽዑ ትምኒት ምስ ጠነሰት ንኃጢኣት ትወልዳ፥ ኃጢኣት ምስ ተፈጸመት ድማ ንሞት ትወልዳ። 16. ኣቱም ፍቁራት ኣኅዋተይ፥ ኣይትስሓቱ። 17. ጽቡቕን ምሉእን ውህበት ካብ ላዕሊ እዩ፥ ካብቲ ዘይልወጥን ኣብ ጸልማት ክንነብር ዘይኃድገናን፥ ኣቦ ብርሃናት ዝኾነ ዚወርድ እዩ። 18. በዅሪ ናይ ኵሉ ፍጥረቱ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ ከም ፍቓዱ ብቓል ሓቂ ወለደና።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 5 : 26 - 33 [English][ግእዝ]26. ሽዑ እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤት መቕደስ ምስቶም ገላዉ ኸይዱ ኣምጽኦም። እቲ ሕዝቢ ብዳርባ እምኒ ኸይቀትሎም ስለ ዝፈርሁ ግና ኣየጋፍዕዎምን። 27. ምስ ኣምጽእዎም፥ ኣብቲ መጋባእያ ደው ኣበልዎም እቲ ሊቀ ካህናት ከኣ፥ 28. “ብስም እዚ ሰብ እዚ ከይትምህሩዶ ኣጽኒዕና ኣይከልከልናኩምን፧ እንሆ ኸኣ ንኢየሩሳሌም ብትምህርትኹም መላእኩምዋ። ነዚ ሰብኣይ እዚ ንሕና ከም ዝቐተልናዮ ጌርኩም ከተርእዩ ዲኹም ትደልዩ ዘሎኹም፧” ኢሉ ሓተቶም። 29. ጴጥሮስን ሓዋርያትን ግና ከምዚ ኢሎም መለሱሎም፡ - “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ። 30. ነቲ ንስኻትኩም ኣብ ዕንጨይቲ ሰቒልኩም ዝቐተልኩምዎ ኢየሱስ፥ ኣምላኽ ኣቦታትና ኣተንሥኦ። 31. ንእስራኤል ንስሓን ኅድገት ኃጢኣትን ምእንቲ ኺህቦምሲ ኣምላኽ ንእኡ መራሕን መድኃንን ገይሩ ናብ የማኑ ልዕል ኣበሎ። 32. ንሕና ናይዚ ነገር እዚ ምስክር ኢና፥ እቲ ኣምላኽ ነቶም ዚእዘዝዎ ዝሃቦም መንፈስ ቅዱስውን ምስክር እዩ።” 33. ንሳቶም ነዚ ምስ ሰምዑ ሓረቑ፥ ንሓዋርያትውን ኪቐትልዎም ደለዩ።
ስንክሳር Synaxarium
ቴዎድሮስ መነኮስ ወ፵ ሰማዕታትወአሞንዮስወ፬ቱ መኳንንት
መዝሙር Psalm
መዝ 112 : 9 - 10 / መዝ ፻፲፩ : ፱ - ፲ [English][ትግርኛ]
ዘረወ፣ ንድኻታት ሀበ፣ ጽድቁ ንዘለአለም ይነብር፣ ቀርኑ ብኽብሪ ልዕል ኪብል እዩ። ረሲእ ነዚ ርእዩ ኺሐርቕ፣ ኣስናኑ ኺሕርቅምን ኪማስንን፣ ትምኒት ረሲኣን ኪጠፍእ እዩ።
ዘረወ ወወሀበ ለነዳይ፤
ወጽድቁኒ ይነብር ለዓለመ፤
ወይትሌዐል ቀርኑ በክብር።
ወንጌል Gospel
ሉቃ 12 : 32 - 40 [English][ግእዝ]32. “ኣቱም ንኡስ መጓሰ፥ ኣቦኹም መንግሥቲ ኺበኩም ፈትዩ ኣሎ እሞ ኣይትፍርሁ። 33. ጥሪትኩም ሸጥኩም ምጽዋት ሃቡ። ሠራቒ ኣብ ዘይረኽቦ፥ ነቐዝ ኣብ ዘየባላሽዎ፥ ዘይበሊ ማኅፉዳን ዘይጐድል ሃብትን ኣብ ሰማይ ዕቘሩ። 34. ምኽንያቱ ሃብትኹም ኣብ ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኹም ኣሎ 35. “ሓቛቝኹም ዕጡቕ፥ መባርህትኹም ብሩህ ይኹን። 36. ንስኻትኩም ከምቶም ጐይትኦም ካብ መርዓ ክሳዕ ዚምለስ ዚጽበይዎ እሞ፥ መጺኡ ኳሕኳሕ ምስ ኣበለ፥ ብኡብኡ ዚኸፍቱሉ ሰባት ኩኑ። 37. እቶም ጐይትኦም ኪምለስ ከሎ ነቒሖም ዚረኽቦም ገላዉ ብፅዓን እዮም። ተዓጢቑ ኣብ መኣዲ ከም ዜቐምጦም፥ ቀሪቡውን ከም ዜገልግሎም፥ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 38. ኣብ ካልኣይቲ ወይስ ሣልሰይቲ ክፍለ ጊዜ ናይ ለይቲ መጺኡ ኸምዚ ኢሎም እንተ ረኸቦም፥ እቶም ገላዉ እቲኦም ብፁዓን እዮም። 39. ግናኸ እዚ ፍለጡ፥ ብዓል ቤት ነታ ሰራቒ ዚመጸላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣስ [ምነቕሐ]፥ ቤቱ ኽትኰዓት ከላውን ስቕ ኣይምበለን ነይሩ። 40. ንስኻትኩም ድማ ወዲ ሰብ ብዘይሓሰብኩምዋ ጊዜ ኪመጽእ እዪ እሞ፥ ዝተዳሎኹም ኩኑ።” ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘ፫፻ ምእት(ግሩም)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 102 : 14 - 15 / መዝ ፻፩ : ፲፬ - ፲፭ [English][ትግርኛ]
ባሮትካ ነእማና ኣፍቂሮም፣ ብሓመዳ ኸኣ ጕህዮም እዮም እሞ፣ ክትትንስእ ንጽዮንውን ክትርሕርሓላ ኢኻ። ኣህዛብ ከኣ ንስም እግዚኣብሄር፣ ኵሎም ነገስታት ምድሪ ድማ ንኽብርኻ ኺፈርሁ እዮም።
እስመ ሠምሩ አግብርቲከ እበኒሃ፤
ወአክበርዎ ለመሬታ፤
ወይፍርሁ አሕዛብ ስመከ እግዚኦ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 24 : 1 - 9 [English][ግእዝ]1. ኢየሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ወፂኡ ኺኸይድ ከሎ፥ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐሪቦም ሕንጻ ቤት መቕደስ ኣርኣይዎ። 2. ንሱ ድማ መሊሱ “እዚ ዅሉስ ትርእይዎዶ ኣሎኹም፧ ኣብዚ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪተርፍን እዩ፥ እብለኩም ኣሎኹ” በሎም። 3. ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ፥ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም፥ “እዚ መኣዝ እዩ ዚኸውን፧ ናይ ምምጻእካን ናይ ኅልቀት ዓለምንከ ምልክቱ እንታይ እዩ፧ እስከ ንገረና፧” እናበሉ ናብኡ ቐረቡ። 4. ኢየሱስ ከኣ ኸምዚ በሎም፦ “ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። 5. ‘ኣነ ክርስቶስ እየ’ እናበሉ ብዙኃት ብስመይ ኪመጹ እዮም፥ ንብዙኃትውን ኬስሕቱ እዮም። 6. ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም፥ ኣስተውዕሉ፥ ኣይትሰምብዱ፥ እዚ ዅሉ ብግድን ኪኸውን እዩ። እንተኾነ መወዳእታ ሽዑ ኣይኮነን። 7. ሕዝቢ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ፥ መንግሥቲውን ኣብ ልዕሊ መንግሥቲ ኺለዓል እዩ፥ ኣብ ኵሉ ቦታታት ከኣ ረሃብን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ። 8. እዚ ዅሉ መጀመርታ ቕልውላው እዩ። 9. በቲ እዋን እቲ ንመከራ ኣኅሊፎም ኪህቡኹምን ኪቐትሉኹምን እዮም። ስለ ስመይ ከኣ ብዂሎም ኣሕዛብ ጽሉኣት ክትኮኑ ኢኹም። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ዘመነ ማርቆስ Readings for Sunday
ሰነ 7, 2018 ብግእዝ Jun 14, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 98 : 1 - 2 / መዝ ፺፯ : ፩ - ፪ [English][ትግርኛ]
እግዚኣብሄር ተኣምራት ገይሩ፣ የማነይቱን እቲ ቅዱስ ቅልጽሙን ስዒሮም እዮም እሞ፣ ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ።
ሰብሕዎ ለእግዚአብሔር ስብሐተ ሐዲሰ፤
እስመ መንክር ግብረ እግዚአብሔር፤
ወአድኅኖተ የማኑ።
ወንጌል Gospel
ዮሐ 5 : 17 - 24 [English][ግእዝ]17. ኢየሱስ ግና “ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይዓዪ ኣሎ፥ ኣነውን እዓዪ ኣሎኹ” ኢሉ መለሰሎም። 18. ስለዚ ሰንበት ብምስዓሩ ጥራይ ዘይኮነስ፥ ንኣምላኽ ድማ “ኣቦይ” ብምባሉ፥ ንርእሱ ምስ ኣምላኽ ስለ ዘመዓራረየ፥ ኪቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ። 19. ሽዑ ኢየሱስ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ብሓቂ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፥ ወልድ ነቲ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረኣዮ እንተ ዘይኮይኑ፥ ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ኺገብር ኣይክእልን እዩ። ነቲ ኣቦ ዚገብሮ ዘበለ ዅሉ፥ ወልድውን ይገብሮ። 20. ኣቦ ንወልድ የፍቅሮ እዩ፥ ነቲ ዚገብሮ ዘበለ ዅሉ ኸኣ የርእዮ እዩ። ንስኻትኩም ምእንቲ ክትድነቑ ኸኣ ካብዚ ዚዓቢ ግብሪ ኼርእዮ እዩ። 21. ኣቦ ንምውታት ከም ዜተንሥኦም ሕያዋንውን ከም ዚገብሮም፥ ወልድ ድማ ኸምኡ ነቶም ዝደለዮም ሕያዋን ይገብሮም። 22. ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ፥ እንተኾነ ኵሉ ፍርዲ ንወልድ ሃቦ። 23. እዚ ኸኣ ከምቲ ነቦ ዜኽብሮ ገይሩ ዅሉ ሰብ ንወልድ ምእንቲ ኼኽብሮ እዩ። እቲ ንወልድ ዘየኽብሮ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦውን ኣየኽብሮን እዩ። 24. ብሓቂ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፥ እቲ ንቓለይ ዚሰምዕ፥ በቲ ዝለኣኸኒውን ዚኣምን ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣላቶ፣ ንሱ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ይሳገር እምበር ናብ ፍርዲ ኣይኪበጽሕን እዩ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
1ይ ቆሮ 10 : 22 - ፍም [English][ግእዝ]22. እምኸ ንጐይታዶ ነቕንኣዮ፧ ንሕናዶ ኻብኡ ንብርትዕ ኢና፧ 23. ኵሉ ፍቑድ እዩ፥ ኵሉ ግና ኣይጠቅምን እዩ። ኵሉ ፍቑድ እዩ፥ ኵሉ ግና ኣይሓንጽን እዩ። 24. ነፍስ ወከፍ ንጥቕሚ ብጻዩ ደኣ እምበር ሓደ እኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ። 25. ስኩፍ ሕሊና ኣይሃሉኹም፥ ኣብ ዕዳጋ ዚሽየጥ ዘበለ ዅሉ ኸይመርመርኩም ብልዑ። 26. ከመይ ምድርን እቲ ኣብኣ መሊኡ ዘሎን ናይ እግዚኣብሔር እዩ። 27. ካብቶም ዘይኣምኑ ሓደ እንተ ዓደመኩም እሞ ኽትከዱ እንተ ደሌኹም፥ ስኩፍ ሕሊና ኣየሃሉኹም፥ ዝተቐረበልኩም ዘበለ ዅሉ ኸይመርመርኩም ብልዑ። 28. ሓደ ሰብ “እዝስ ንጣዖት ዝተሠውዐ እዩ” እንተ በለኩም ግና፥ ምእንቲ እቲ ዝነገረኩምን ምእንቲ ሕሊናን ኢልኩም ኣይትብልዑ። 29. ሕሊና ኽብል ከሎኹ ግና ናይ ብጻይካ እምበር ናትካ ማለተይ ኣይኮነን። ንስኻ “ስለምንታይከ እቲ ሓርነተይ ብሕሊና ኻልእ ዚዕገት፧ 30. ኣነ ኣመስጊነ ዝበልዕ ካብ ኮንኩ ስለምንታይ ደኣ በቲ ዘመስግነሉ ዝንቀፍ”፧ ትብል ትኸውን። 31. እምብኣርሲ እንተ በላዕኩም፥ ወይስ እንተ ሰቴኹም፥ ወይስ ዝኾነ ይኹን እንተ ገበርኩም፥ ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ። 32. - 33. ከምቲ ኣነ ንዅሉ ሰብ ብዅሉ ነገር ዘሓጒስ ዘሎኹ፥ ንስኻትኩም ድማ ንኣይሁድ ኮነ ንግሪኻውያን ወይስ ንቤተ ክርስቲያን ኣምላኽ መዓንቀፊ ኣይትኹኑ። ከመይ ምእንቲ ኪድኅኑስ ጥቕሚ ብዙኃት እምበር ጥቕመይ ኣይደሌኹን።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
1ይ ጴጥ 1 : 6 - 9 [English][ግእዝ]6. ሽሕ እኳ ሕጂ ንቚሩብ ጊዜ ብብዙኅ ዝዓይነቱ ፈተና ኽትኃልፉ ግዲ እንተ ኾነ፥ በዚ ክትሕጐሱ ኢኹም። 7. እዚ ኸኣ እታ እምነትኩም ሓቂ ከም ዝኾነት ኬረድእ እዩ። ወርቂ ሽሕ እኳ ብሓዊ እንተ ተዀልዐ በራሳይ እዩ። እምነትኩም ግና ምስ ተፈተነት ኣዝዩ ዝበለጸ ዋጋ ኣለዋ፥ ከመይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኪግለጽ ከሎ ምስጋናን ስብሓትን ክብርን ከተምጽኣልኩም እያ። 8. - 9. ከይርአኹምዎ ተፍቅርዎ፥ ሕጂውን ከይርአኹምዎ ብእኡ ትኣምኑ ኣሎኹም፥ ነቲ ናይ እምነትኩም መደምደምታ ዝኾነ ድኅነት ነፍስኹም ምስ ተቐበልኩም ኸኣ ብኺንገር ዘይኸኣል ክቡር ሓጐስ ትሕጐሱ ኣሎኹም።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 21 : 33 - 38 [English][ግእዝ]33. ድኅርዚ እቲ ሓለቓ ሽሕ ቀሪቡ ኣትኃዞ፥ ብኽልተ መቚሕ ኪኣስርዎ ኸኣ ኣዘዘ፥ መን ምዃኑን እንታይ ከም ዝገበረንውን ሓተተ። 34. እቶም ሕዝቢ ዓው ኢሎም ገሊኦም ከምዚ ገሊኦምውን ከምቲ ይብሉ ነበሩ። ብምኽንያት እቲ ጭራሕ ምራሕ ርግጹ ምፍላጥ ምስ ሰኣነ ኸኣ ናብ ሰፈር ወተሃደራት ኬብጽሕዎ ኣዘዘ። 35. ጳውሎስ ኣብቲ መደያይቦ ምስ በጽሐ፥ እቲ ሕዝቢ ኣዝዩ ስለ ዝነደረ እቶም ወተሃደራት ተሰከምዎ። 36. “ንየው በሎ” ኢሉ እናጨደረ ድማ ብዙኅ ሕዝቢ ይስዕቦ ነበረ። 37. ናብቲ ሰፈር ወተሃደራት ኬእትውዎ ምስ ደለዩ ድማ፥ ጳውሎስ ነቲ ሓለቓ ሽሕ “ክዛረበካዶ ትፈቕደለይ ኢኻ፧” በሎ። ንሱ ኸኣ “ቋንቋ ግሪኽዶ ትፈልጥ ኢኻ፧” 38. ቅድሚ ሕጂ ኣርባዕተ ሽሕ ቀተልቲ ነፍሲ ናብ በረኻ ዘውፃእካ ግብጻዊ ንስኻዶ ኣይኮንካን፧” በሎ።
ስንክሳር Synaxarium
አባ አበስኪሮስ፼ወ፷፻ ሰማዕታትወተርህወተ ቤተክርስቲያና ለእግዝእትነ ማርያም
መዝሙር Psalm
መዝ 33 : 13 - 15 / መዝ ፴፪ : ፲፫ - ፲፬ [English][ትግርኛ]
እግዚኣብሄር ካብ ሰማያት የማዕዱ፣ ንዅሎም ደቂ ሰብ ይጥምቶም፣ እቲ ልቢ ዅላቶም ዚሰርሕ፣ ተግባር ኵላቶም ከኣ ዜስተብህልሲ፣ ንሱ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅሎም ካብ ቦታ ማሕደሩ ይምልከቶም እዩ።
እምሰማይ ሐወጸ እግዚአብሔር፤
ወርእየ ኵሎ ደቂቀ እጓለ እምሕያው፤
ወእምድልው ጽርሐ መቅደሱ።
ወንጌል Gospel
ዮሐ 6 : 36 - 40 [English][ግእዝ]36. ግናኸ ኸምቲ ዝበልኩኹም እዩ፥ ርኢኹምኒ ግና ኣይኣመንኩምንን። 37. እቲ ኣቦይ ዚህበኒ ዘበለ ናባይ ኪመጽእ እዩ፥ ነቲ ናባይ ዚመጽእ ከኣ ንወፃኢ ኸቶ ኣይክድርብዮን እየ። 38. ምኽንያቱ ኣነ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኮንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘሎኹ። 39. ካብቶም ንሱ ዝሃበኒ ዘበሉ በታ ዳኅረይቲ መዓልቲ ኸተንሥኦም እየ እምበር ሓደ እኳ ኣይኪጠፍእን እዩ፤ እዚ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እዩ። 40. ከመይ ንወልድ ርእዩ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኪረክብ፥ ኣነውን በታ ዳኅረይቲ መዓልቲ ኸተንሥኦ ፍቓድ ኣቦይ እዩ።” ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘእግዝእትነ ማርያም(ጐሥዓ)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 117 : 1 - 2 / መዝ ፻፲፮ : ፩ - ፪ [English][ትግርኛ]
ኵሉኹም ኣህዛብ፣ ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፣ ኵሉኹም ህዝብታት፣ ወድስዎ። ጸጋኡ ኣባና ዓብዪ እዩ እሞ፣ ሓቂ እግዚኣብሄር ድማ ንዘለአለም ይነብር እዩ።
ሰብሕዎ ለእግዚአብሔር ኵልክሙ አሕዛብ፤
ወይሴብሕዎ ኵሎሙ ሕዝብ፤
እስመ ፀንዓት ምሕረቱ ላዕሌነ።
ወንጌል Gospel
ዮሐ 7 : 40 - ፍም [English][ግእዝ]40. ካብቶም ሕዝቢ ነዚ ዘረባዚ ሰሚዖም፥ “እዚ ብሓቂ እቲ ነቢይ እዩ” በሉ። 41. ካልኦት ከኣ “ክርስቶስ እዩ” በሉ። ገሊኦም ግና “ክርስቶስ ካብ ገሊላ ድዩ ዚመጽእ፧ 42. ክርስቶስ ካብ ዘርኢ ዳዊት፥ ካብታ ዳዊት ዝነበረላ ዓዲ ካብ ቤተ ልሔም ከም ዚመጽእ ጽሑፍዶ ኣይነግርን እዩ፧” በሉ። 43. ስለዚ ኣብቶም ሕዝቢ ብእኡ ምኽንያት ምፍልላይ ኮነ። 44. ገሊኦም ኪኅዝዎ ደለዩ፥ ኢዱ ዘልዓለሉ ግና ሓደ እኳ ኣይነበረን። 45. እቶም ገላው ናብ ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ተመልሱ፤ ንሳቶም ድማ “ስለምንታይ ደኣ ዘየምጻእኩምዎ፧” በልዎም። 46. እቶም ገላው ኸኣ “ከምዚ ሰብኣይ እዚ ገይሩ ዝተዛረበ ኸቶ የልቦን” ኢሎም መለሱ። 47. ፈሪሳውያን ድማ “ንስኻትኩምውንዶ ስሒትኩም ኢኹም፧ 48. ካብ መኳንንቲ ወይ ካብ ፈሪሳውያን ብእኡ ዝኣመነዶ ኣሎ እዩ፧ 49. እዚ ሕጊ ዘይፈልጥ ሕዝቢ ግና ርጉም እዩ” ኢሎም መለሱሎም። 50. ሓደ ኻብኣቶም፥ እቲ ቕድም ብለይቲ ናብ ኢየሱስ መጺኡ ዝነበረ ኒቆዲሞስ፥ 51. “ሕግናኸ ንሰብ ቅድም ከይሰምዖን እቲ ዝገበሮ ኸይፈለጠንዶ ይፈርዶ እዩ፧” በሎም። 52. ንሳቶም ከኣ “ንስኻውንዶ ኻብ ገሊላ ኢኻ፧ መርምር እሞ ኻብ ገሊላ ነቢይ ከም ዘይትንሥእ ክትርኢ ኢኻ፧” ኢሎም መለሱሉ። 53. ኵሎም ከኣ ነናብ ቤቶም ከዱ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።
መዝሙር ( Hymn )
መዝሙር
- በ፫ቱ(3)፣ ዓርገ እግዚአብሔር በቃለ ቀርን። በይባቤ ዓርገ ወበቃለ ቀርን፤ ወነበረ በየማነ አቡሁ። ዓ፤ ዓርገ በስብሐት ውስተ ሰማያት ተኰነኑ ሎቱ መላእክት። ዓ፤ ተኰነኑ ሎቱ መላእክት ኵሉ ኃይል ወኵሉ ፍጥረት። ዓ፤ ዘምሩ ለአምላክነ ዘምሩ። ዘምሩ ለንጉሥነ ዘምሩ።
ሰላም
ዓርገ በስብሐት ውስተ ሰማያት፤ ተኰነኑ ሎቱ መላእክት፤ ወይቤሎሙ ሰላም ለክሙ ኢይደንግፅክሙ ልብክሙ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
ኤፌ 1 : 15 - ፍም [English][ግእዝ]15. ኣነውን እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎኩም እምነትን፥ ንዅሎም ሕዝቢ ኣምላኽ ዘሎኩም ፍቕርን ካብ ዝሰምዕ ጀሚረ፥ 16. ኣብ ጸሎተይ እናዘከርኩኹም፥ ምእንታኻትኩም ካብ ምምስጋን ኣብኵረ ኣይፈልጥን። 17. ነቲ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ፥ ኣቦ መንፈስ ጥበብን መንፈስ ምግላጽን ምእንቲ ኺህበኩም፥ 18. ኣዕይንቲ ልብኹም በሪሁ ናይቲ ዝጸውዓኩም ተስፋ እንታይ ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ እቲ ንኣመንቲ ዘተስፈዎም ናይቲ ኽቡር ርስቲ ሃብቲ እንታይ ከም ዝኾነ ምእንቲ ክትግንዘቡ፥ እጽሊ ኣሎኹ። 19. ኣባና ኣብቶም እንኣምን ኸኣ፥ እቲ ኺግመት ዘይኸኣል ዕቤት ኃይሉ እንታይ ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡ እጽሊ ኣሎኹ። እዚ ኣባና ዚሠርሕ ዘሎ ኃይሉ ኸኣ፥ 20. እቲ ንክርስቶስ ካብ ምውታት ዘተንሥኣሉን ኣብ ሰማያት ኣብ የማኑ ዘቐመጠሉን ኃይሉ እዩ። 21. ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብታ እትመጽእውን ኣብ ልዕሊ ግዝኣትን ሥልጣንን ኃይልን ምልክን ሸይሙ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዚስመ ስም ሃቦ። 22. ንብዘሎ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዝኦ። ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ገይሩ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሸሞ። 23. ንሳ ኣካሉ እያ፥ ናይቲ ንዅሉ ብዅሉ መገዲ ዚመልእ ምልኣት ኸኣ እያ።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
1ዮሐ 2 : 20 - 29 [English][ግእዝ]20. ንስኻትኩም ድማ ኻብቲ ቕዱስ ዝኾነ ቕብኣት ኣሎኩም፥ ንዅሉውን ትፈልጥዎ ኢኹም። 21. ነታ ሓቂ ትፈልጥዋ ስለ ዝኾንኩም እየ እምበር፥ ስለ ዘይትፈልጥዋ ኣይኮንኩን ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ። ኵሉ ሓሶት ካብ ሓቂ ኸም ዘይኮነውን ትፈልጡ ኢኹም። 22. እቲ ንኢየሱስ ንሱ መሲሕ ምዃኑ ዚኽሕዶ እንተ ዘይኮይኑኸ፥ መን እዩ እቲ ሓሳዊ፧ ንሱ፥ እቲ ንኣቦን ንወልድን ዚኽሕድ ፀረ ክርስቶስ እዩ። 23. እቲ ንወልድ ዚኽሕድ፥ ኣቦ ኣብኡ የሎን፥ እቲ ንወልድ ዚኣምን፥ ነቦ ይኣምን። 24. ንስኻትኩም ግና እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ይንበር። እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ዚነብር እንተ ኾይኑ ኸኣ፥ ንስኻትኩም ኣብ ወልድን ኣብ ኣቦን ክትነብሩ ኢኹም። 25. እታ ክርስቶስ ዘተስፈወና ተስፋ ኸኣ ናይ ዘለዓለም ሕይወት እያ። 26. ብዛዕባ እቶም ዜስሕቱኹም እየ እዚ ዝጸሓፍኩልኩም። 27. ንስኻትኩም ግና እቲ ካብ ክርስቶስ ዝተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ኣባኹም ይነብር ኣሎ። መንፈስ ቅዱስ ብዛዕባ ዅሉ ስለ ዚምህረኩም፥ ሓደ እኳ ኺምህረኩም ኣየድልን እዩ። ትምህርቱ ኸኣ ሓቂ እዩ፥ ሓሶት ኣይኮነን። እምበኣር ከምቲ ዝመሃረኩም ኣብ ክርስቶስ ጸኒዕኩም ንበሩ። 28. ሕጂ ድማ፥ ደቀየ፥ ንሱ ኺግለጽ ከሎ ትብዓት ምእንቲ ክንረክብ፥ በታ ዝመጸላ መዓልቲውን ኣብ ቅድሚኡ ከይንኃፍርስ ኣብ ክርስቶስ ንበሩ። 29. ንሱ ጻድቕ ምዃኑ ትፈልጡ እንተ ዄንኩምሲ ጽድቂ ዚገብር ዘበለ ዅሉ ካብ እግዚኣብሔር ከም ዝተወልደውን ፍለጡ።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ 10 : 36 - ፍም [English][ግእዝ]36. ኣምላኽ በቲ ጐይታ ዅሉ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቂ እስራኤል ሰላም እናበሠረ ዝለኣኾ ቃል እዚ እዩ፥ 37. እቲ ድኅሪ እታ ዮሓንስ ዝኣወጃ ጥምቀት፥ ካብ ገሊላ ጀሚሩ ክሳዕ ይሁዳ ዝኾነ ነገር ትፈልጥዎ ኢኹም። 38. ኣምላኽ ከመይ ኢሉ ንኢየሱስ ብዓል ናዝሬት ብመንፈስ ቅዱስ ብኃይልን ከም ዝቐብኦ፥ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝነበረ፥ ኣብ ኵሉ ጽቡቕ ከም ዝገበረን፥ ንዅሎም ነቶም ሰይጣን ዝኣሰሮም ከም ዘሕወየውን ባዕልኻትኩም ትፈልጥዎ ኢኹም። 39. ንሕና ኸኣ ናይቲ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝገበሮ ዅሉ ምስክር ኢና። ንሳቶም ንእኡ ኣብ ዕጨይቲ ሰቒሎም ቀተልዎ። 40. ኣምላኽ ግና ንእኡ ኣብ ሣልሰይቲ መዓልቲ ኣተንሥኦ፥ ብጋህዲ ከም ዚርአ ኸኣ ገበሮ። 41. እንተኾነ ጐይታ ብጋህዲ ዝተራእየ፥ ንኣና ነቶም ምስክር ምእንቲ ኽንከውን ኣምላኽ ቅድም ዝኃረየና፥ እወ፥ ንኣና ነቶም ካብ ምውታት ድኅሪ ምትንሣኡ ምስኡ ዝበላዕናን ዝሰቴናን እምበር፥ ንዅሉ ሕዝቢ ኣይኮነን። 42. ኣምላኽ ንሕያዋንን ምዉታትን ኪፈርድ ዝመደቦ ንሱ ምዃኑ ንሕዝቢ ኽንሰብኽን ክንምስክርን ኣዘዘና። 43. ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ብስሙ ኅድገት ኃጢኣት ከም ዚረክብ ኵሎም ነቢያት ይምስክሩሉ ኣለዉ።” 44. ጴጥሮስ ገና ነዚ ቓል እዚ ኪዛረብ ከሎ፥ ኣብቶም ነቲ ቓል ዝሰምዕዎ ዅላቶም መንፈስ ቅዱስ ወረደ። 45. -46. እቶም ካብ ወገን ኣይሁድ ዝኾኑ ምስ ጴጥሮስ ዝመጹ ኣመንቲ፥ እቶም ኣሕዛብ ብቛንቋታት ኪዛረቡን ንኣምላኽ ኬመስግኑን ስለ ዝሰምዑ፥ ኣብ ኣሕዛብ ድማ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝፈሰሰ ተገረሙ። 47. ሽዑ ጴጥሮስ “እዚኣቶም ከማና መንፈስ ቅዱስ ካብ ተቐበሉስ፥ ብማይ ከይጥመቑ ኪኽልክሎም ዚኽእል ደኣ መን እዩ፧” በለ። 48. ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ኪጥመቑ ኸኣ ኣዘዞም፤ ድኅርዚ ድማ ንገለ ቚሩብ መዓልቲ ምስኣቶም ኪቕኒ ለመንዎ።
መዝሙር Psalm
መዝ 47 : 5 - 7 / መዝ ፵፮ : ፭ - ፯ [English][ትግርኛ]
ኣምላኽ ብእልልታ፣ እግዚኣብሄር ብደሃይ መለኸት ደየበ። ምስጋና ኣምላኽ ዘምሩ፣ ዘምሩ። ምስጋና ንጉስና ዘምሩ፣ ዘምሩ።
ዐርገ እግዚአብሔር በይባቤ፤
ወእግዚእነ በቃለ ቀርን፤
ዘምሩ ለአምላክነ ዘምሩ።
ወንጌል Gospel
ዮሐ 15 : 7 - 19 [English][ግእዝ]7. ኣባይ እንተ ነበርኩም፥ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ኃደረ፥ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይኾነልኩም። 8. ብዙኅ ፍረ እንተ ፈሬኹም ኣቦይ በዚ ኪኸብር እዩ፥ ንስኻትኩም ከኣ ደቀ መዛሙርተይ ክትኮኑ ኢኹም። 9. “ከምቲ ኣቦ ዘፍቀረኒ ኣነውን ኣፍቂረኩም እየ፤ ኣብ ፍቕረይ ንበሩ። 10. ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ሓልየ ኣብ ፍቕሩውን ጸኒዐ ዝነብር ዘሎኹ፥ ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሓሎኹም ኣብ ፍቕረይ ጸኒዕኩም ክትነብሩ ኢኹም። 11. ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኺነብር፥ ሓጐስኩምውን ምሉእ ምእንቲ ኪኸውንሲ እዚ ነገርኩኹም። 12. ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ንስኻትኩምውን ነሓድሕድኩም ክትፋቐሩ ትእዛዘይ እዚ እዩ። 13. ሰብ ካብቲ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ ንሕይወቱ በጃ ኣኅሊፉ ዚህቦ ዚዓቢ ፍቕሪ ይብሉን። 14. ንስኻትኩም እዚ ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ እንተ ፈጸምኩም ኣዕሩኸይ ኢኹም። 15. ደጊም ጊላዎት ኣይብለኩምን እየ፥ ጊልያስ ጐይትኡ ዚገብሮ ኣይፈልጥን እዩ፤ ኣነ ግና እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም ኣዕሩኸይ ኢኹም እብለኩም ኣሎኹ። 16. ኣነ እየ ዝኃሬኹኹም እምበር ንስኻትኩም ኣይኃሬኹምንን። ኬድኩም ፍረ ምእንቲ ኽትፈርዩ፥ ፍሬኹምውን ምእንቲ ነባሪ ኪኸውን ሸምኩኹም ። ስለዚውን እቲ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ኪህበኩም እዩ። 17. ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ እዚ እእዝዘኩም ኣሎኹ። 18. “ዓለም እንተ ጸልኣትኩም ቅድሜኹም ንኣይ ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ። 19. ንስኻትኩም ካብ ዓለም እንተ ትኾኑስ ዓለም ከም ናታ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ካብ ዓለም ኃሬኹኹም፥ ንስኻትኩም ናይ ዓለም ኣይኮንኩምን። ስለዚ ኸኣ እያ ዓለም እትጸልኣኩም ዘላ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘዲዮስቆሮስ(እምቅድመ ዓለም)