God is great! God is great!

Daily readings / መዓልታዊ ንባባት

ዘመነ ዮሃንስ Readings for Monday

ሚያዝያ 14, 2016 ብግእዝ Apr 22, 2024 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 78 : 18 - 19 [English][ትግርኛ]

ደገሙ ዓዲ አብሶ ሎቱ፤
ወአምረርዎ ለልዑል በበድው፤
ወአመከርዎ ለእግዚአብሔር በልቦሙ።

 

ወንጌል Gospel

ማቴ 12 : 22 - 29 [English][ግእዝ]

ድኅርዚ ጋኔን ዝኃደሮ ሓደ ዕዉርን ዓባስን ኣምጽኡሉ፥ ንሱ ኸኣ ከም ዚርእን ከም ዚሰምዕን ገይሩ ኣሕወዮ። እቶም ሕዝቢ ዅሎም ከኣ “እዝስ እቲ ወዲ ዳዊት ደኾን እዩ፧” ኢሎም ተደነቑ። ፈሪሳውያን ምስ ሰምዑ ግና፥ “እዚ ብሓለቓ ኣጋንንቲ ብብኤል ዜቡል እንተ ዘይኮይኑ፥ ነጋንንቲ ኣየውፅኦምን እዩ” በሉ። ኢየሱስ ድማ ሓሳቦም ፈሊጡ በሎም፥ “ንሓድሕዳ እተፈላለ ዂላ መንግሥቲ ትወድቕ፥ ንሓድሕዳ እትፋላለ ኸተማ ወይ ቤትውን ኣይትቐውምን እያ። እምበኣር ሰይጣን ንሰይጣን ዜውፅኦ ኻብ ኮነ፥ ንሓድሕዱ ተፋላልዩ ማለት እዩ፥ እታ መንግሥቱ ደኣ ኸመይ ኢላ ትቐውም፧ ኣነ ነጋንንቲ ብብኤል ዜቡል ዘውፅኦም ካብ ኮንኩ፥ ደቅኹም ደኣ ብመን የውፅእዎም ኣለዉ፧ ስለዚ ንሳቶም ፈረድቲ ኪኾኑኹም እዮም። ኣነ ንኣጋንንቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ዘውፅኦም እንተ ድኣ ኾይነ ግና፥ እንሃ መንግሥቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም በጽሐት። ወይ ከኣ መን እዩ ቅድም ነቲ ኃያል ከይኣሰረ ናብ ቤት ኃያል ኣትዩ ኣቕሑኡ ኪብርብር ዚኽእል፧ ድኅርዚ እዩ ነቲ ቤቱ ዚዘምት።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

2ይ ተሰ 2 : 1 - 10 [English][ግእዝ]

ኣኅዋተይ፥ እቲ ናባኻትኩም ምብጻሕና ብኸንቱ ከም ዘይኮነ ባዕልኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ከም እትፈልጥዎ ቕድም ኣብ ፊልጵስዩስ መከራ ጸገብናን ተዋረድናን። እንተኾነ ሽሕ እኳ እንተ ተቓወሙና፥ ብረድኤት ኣምላኽ ወንጌል ብትብዓት ሰቢኽናልኩም ኢና። ከመይ እቲ ምዕዶና ካብ ጌጋ ወይ ካብ ርኽሰት ዝመጸ ኣይኮነን። ከነታልለኩም ኢልና ውን ኣይፈተንናን። እኳ ደኣ ነቲ ኅድሪ ዝተዋህበና ወንጌል ብእግዚኣብሔር ከም ዝተመስከረሎም ሰባት ንዛረብ ኣሎና። ዕላማና ንሰብ ዘይኮነስ ነቲ ልቢ ዚምርምር ኣምላኽ ምሕጓስ እዩ። ብቓል ቅብጥር ወይ እናኣመሳመስና ብስስዕቲ ተደፊእና ኸም ዘይተዛረብናኩም ትፈልጡ ኢኹም፥ ኣምላኽ ኸኣ ምስክርና እዩ። ካብ ሰብ፥ ካባኻትኩም ኮነ ኻብ ካልኦት ክብሪ ኣይደሌናን። ሓዋርያት ክርስቶስ ብምዃንና ከነኽብደልኩም ምኸኣልና ኔርና። እንተኾነ ኸምታ ንነኣሽቱ ደቃ እትከናኸን ኣደ ኣብ ማእከልኩም ርኅሩኃት ነበርና። ስለ እንናፍቐኩም፥ ኣዚና እነፍቅረኩምውን ስለ ዝኾንና ገዛእ ሕይወትና ድማ እምበር ወንጌል ኣምላኽ ጥራይ ኣይኮንናን ከነካፍለኩም እንምነ ዝነበርና። ኣኅዋተይ ነቲ ዕዮናን ጻዕርናን፥ ማለት ንሓደ እኳ ከይነኽብደሉ ኢልና፥ ለይትን መዓልትን እናዓየና ወንጌል ከም ዝሰበኽናልኩም፥ ትዝክርዎ ኢኹም። ኣብ ማእከል እዞም እትኣምኑ ብቕድስናን ብጽድቅን ብዘይ መንቅብን ከም ዝነበርና፥ ንስኻትኩምን ኣምላኽን ምስክር ኢኹም።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

ያዕ 4 : 1 - 8 [English][ግእዝ]

እቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ውግእን ባእስን ካበይ ድዩ ዚመጽእ ዘሎ፧ ካብቲ ኣብ ውሽጥኹም ኮይኑ ዚዋጋእ ዘሎ ፍትወት ሥጋኹምዶ ኣይኮነን፧ ሃረር ትብሉ፥ ሰለ ዘይረኸብኩም ከኣ ትቐትሉ፥ ክፋእ ትምነዩ፥ ሓንቲ እኳ ኽትረኽቡ ስለ ዘይከኣልኩም ትብኣሱን ትዋግኡን። ንኣምላኽ ሰለ ዘይለመንኩም ድማ የብልኩምን። ንፍትወት ሥጋኹም ምእንቲ ኸተርውዩ ኢልኩም ብኽፋእ ሓሳባት ሰለ እትልምኑ ኣይትቕበሉን። ኣቱም ከሓድቲ! ንዓለም ምፍቃር ንኣምላኽ ምጽላእ ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እቲ ዓርኪ ዓለም ኪኸውን ዚደሊ ሰብ ጸላእ ኣምላኽ ይኸውን። ወይስ እቲ “ኣምላኽ ነቲ ኣባና ኣኅዲርዎ ዘሎ መንፈስ፥ ብቕንኢ እዩ ዚሕልዎ” ዚብል ቃል ቅዱስ መጽሓፍዶ ከንቱ ይመስለኩም፧ ንሱ ግና ቅዱስ መጽሓፍ “ኣምላኽ ንዕቡያት ይፃረሮም ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም” ከም ዚብል፥ ኣብዚኁ እዩ ጸጋ ዚህብ። እምበኣርሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ።ንዲያብሎስ ግና ተፃረርዎ፥ ንሱ ኸኣ ኻባኻትኩም ኪሃድም እዩ። ንኣምላኽ ቅረብዎ፥ ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ። ኣቱም ኃጥኣን፥ ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፥ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢውን ልብኹም ኣንጽሑ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 23 : 1 - 9 [English][ግእዝ]

ሽዑ ጳውሎስ ነቶም መጋባእያ ኣተኲሩ እናጠመተ “ኣቱም ኣኅዋተይ፥ ኣነ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዅሉ ቕኑዕ ሕሊና እየ ዝተመላለስኩ” በሎም። ሓናንያ እቲ ሊቀ ካህናት ግና ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ፥ ኣፉ ኪዘብጥዎ ኣዘዘ። ጳውሎስ ከኣ ንእኡ “ኣታ ልቕሉቕ መንደቕ፥ ኣምላኽ ኪዘብጠካ እዩ። ንስኻ ብሕጊ ኽትፈርደኒ ኣብ መንበር ተቐሚጥካስ፥ ብዘይ ሕጊ ኪዘብጡኒዶ ትእዝዝ ኣሎኻ፧” በሎ። እቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኸኣ፥ “ንሊቀ ካህናት ኣምላኽሲ ክትጸርፎ፧” በልዎ። ጳውሎስ ድማ “ኣኅዋተይ፥ ሊቀ ካህናት ምዃኑ ኣይፈለጥኩን፥ ከመይ ‘ንሹም ሕዝብኻ ኣይትጽረፍ’ ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ” በሎም። ጳውሎስ ከኣ ገሊኦም ሰዱቃውያን፥ ገሊኦም ፈሪሳውያን ምዃኖም ምስ ፈለጠ፥ ኣብቲ መጋባእያ ዓው ኢሉ “ኣቱም ኣኅዋተይ፥ ኣነ ፈሪሳዊ ወዲ ፈሪሳዊ እየ፤ ምውታት ከም ዚትንሥኡ ተስፋ ስለ ዝገብር ከኣ እዩ ዚፍረደኒ ዘሎ” በሎም። እዚ ምስ ተዛረበ ኣብ መንጎ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ባእሲ ኾነ፥ እቲ ኣኼባውን ተኸፋፈለ። ምኽንያቱ ሰዱቃውያን፥ ትንሣኤ ኾነ፥ መልኣኽ፥ ወይ መንፈስ የልቦን ኪብሉ ኸለዉ፥ ፈሪሳውያን እዚ ዅሉ ከም ዘሎ ይኣምኑ ነበሩ። ብዙኅ ጫውጫው ድማ ኾነ፥ ካብ ወገን ፈሪሳውያን ከኣ ገለ ቚሩብ መምህራን ሕጊ፥ “ኣብዚ ሰብኣይ እዚ ገለ ኽፉእ እኳ ኣይረኸብናን፤ መንፈስ ወይ መልኣኽ ተዛሪብዎ እንተ ኾነኸ እንታይ ንፈልጥ፧” እናበሉ ተንሢኦም ተኸራኸሩ።

 

ስንክሳር Synaxarium

መክሲሞስ ሊቀ ጳጳሳት ዘእስክንድርያ ዘአውገዞ ለማኒ ዘሰመየ ርእሶ መንፈሰ ቅዱሰ

 

መዝሙር Psalm

መዝ 48 : 5 - 6 [English][ትግርኛ]

እሙንቱሰ ዘንተ ርእዮሙ አንከሩ ፤
ደንገፁ ወፈርሁ ወአኀዞሙ ረዓድ ፤
ወሐሙ በህየ ከመ እንተ ትወልድ።

 

ወንጌል Gospel

ማቴ 27 : 51 - 56 [English][ግእዝ]

እንሆ ኸኣ መጋረጃ ቤት መቕደስ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረ፥ ምድሪ ኣንቀጥቀጠት፥ ኣኻውሕ ድማ ተጨዱ። መቓብራትውን ተኸፍቱ፥ ሞይቶም ዝነበሩ ናይ ብዙኃት ቅዱሳን ሬሳታት ድማ ካብ ሞት ተንስኡ። ድኅሪ ትንሣኤኡ ድማ ካብ መቓብራት ወፂኦም ናብታ ቕድስቲ ኸተማ ኣተዉ። ንብዙሓትውን ተራእይዎም። እቲ ሓለቓ ሚእትን እቶም ንኢየሱስ ኪሕልዉ ምስኡ ዝነበሩን ከኣ ነቲ ምንቅጥቃጥ ምድርን ነቲ ዝኾነ ነገራትን ርእዮም፥ “እዝስ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ እዩ” እናበሉ ኣዝዮም ፈርሁ። ኣብኡ ኸኣ ንኢየሱስ እናኣገልገላኦ ኻብ ገሊላ ኂዘን ዝተኸተላኦ ብዙኃት ኣንስቲ ብርሑቕ ይዕዘባ ነበራ። ካብኣተንውን ማርያም መግደላዊት፥ ማርያም ኣደ ያዕቆብን ዮሳን፥ እታ እኖ ደቂ ዘብዴዎስን ነበራ።

ቅዳሴ Liturgy :

ዘ፫፻ ምእት(ግሩም)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 62 : 9 - 10 [English][ትግርኛ]

ሐሳውያን ደቂቀ ዕጓለ እመሕያው ይዔምፁ መዳልወ ፤
እሙንቱሰ እምከንቱ ውስተ ከንቱ ክመ ፤
ከመ ኢትሰፈውዋ ለዓመፃ።

 

ወንጌል Gospel

ማቴ 15 : 32 - ፍም [English][ግእዝ]

ደቀ መዛሙርቱ ድማ “ኣብዚ በረኻ እዚ ደኣ ንኽንድዚ ዚኣክል ሕዝቢ ዜጽግብ እንጌራ ኻበይ ክንረክብ ኢና፧” በልዎ። ኢየሱስ ከኣ “ክንደይ እንጌራኸ ኣሎኩም፧” በሎም። ንሳቶም “ሾብዓተ እንጌራን ቊሩብ ዓሣን” በልዎ። ነቶም ሕዝቢ ኸኣ ኣብ ምድሪ ኪቕመጡ ኣዘዞም። ሽዑ ነተን ሾብዓተ እንጌራን ነቲ ቚሩብ ዓሣን ኣልዒሉ፥ ኣመስገነ፥ ቈሪሱ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፥ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ነቶም ሕዝቢ ሃብዎም። ኵሎም በሊዖም ጸገቡ፥ ዝተረፈ ቚርስራስ ድማ ሾብዓተ መሶብ መሊኦም ኣልዓሉ። እቶም ዝበልዑ ኸኣ፥ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን ኣርባዕተ ሽሕ ሰብኣይ ነበሩ። ነቶም ሕዝቢ ምስ ኣፋነዎም ናብ ጃልባ ደይቡ ናብ ወሰን መጌዶን መጸ።

 

ዘመነ ዮሃንስ Readings for Tuesday

ሚያዝያ 15, 2016 ብግእዝ Apr 23, 2024 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 22 : 7 - 8 [English][ትግርኛ]

ኵሎሙ እለ ይሬእዩኒ ይትቃጸቡኒ፤
ይብሉ በከናፍሪሆሙ ወየሐውሱ ርእሶሙ፤
ተወከለ በእግዚአብሔር ለያድኅኖ።

 

ወንጌል Gospel

ማር 15 : 29 - 32 [English][ግእዝ]

እቶም ብእኡ ዚኃልፉ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ፥ “ኣየ፥ ኣታ ንቤት መቕደስ እተፍርሶ፥ ብሠለስተ መዓልቲውን እትሓንጾ፥ እስከ ርእስኻ ኣድኅን፥ ካብ መስቀልውን ውረድ” እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ። ከምኡ ኸኣ፥ ሊቃነ ካህናት ምስ መምህራን ሕጊ ኾይኖም “ንኻልኦት ኣድኃነ፥ ንርእሱ ግና ኬድኅን ኣይክእልን። ንሱ መሲሕ፥ ንጉሥ እስራኤል፥ እንተ ኾይኑ ርኢና ኽንኣምንሲ፥ እስከ ሕጂ ካብ መስቀሉ ይውረድ” እናበሉ የላግጽሉ ነበሩ፥ እቶም ምስኡ ዝተሰቕሉውን ይጸርፍዎ ነበሩ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

1ይ ቆሮ 15 : 12 - 18 [English][ግእዝ]

ክርስቶስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንሥአ ኻብ ዚስበኽ ደኣ፥ ከመይ ኢሎም እዮም ገሊኦም ካባኻትኩም ትንሣኤ ሙታን የልቦን ዚብሉ ዘለው፧ ትንሣኤ ሙታን ዘየልቦ እንተ ኾይኑስ፥ ክርስቶስ ድማ ኣይተንሥአን። ክርስቶስ ዘይተንሥአ እንተ ኾይኑ ድማ ስብከትና ኸንቱ እዩ፥ እምነትኩምውን ከንቱ እያ። ኣምላኽ ንክርስቶስ ከም ዘተንሥኦ መስኪርና ኔርና፥ ንምዉታት ዘየተንሥኦም እንተ ደኣ ኾይኑ ግና፥ እምበኣር ንክርስቶስውን ኣየተንሥኦን። ንሕና ኸኣ ሓሰውቲ ምስክር ኣምላኽ ኴንና ንርከብ ኣሎና። ከመይ ንምዉታት ዘየተንሥኦም እንተ ኾይኑ፥ ክርስቶስውን ኣይተንሥአን። ክርስቶስ ዘይተንሥአ እንተ ኾይኑ ድማ፥ እምነትኩም ከንቱ እያ። ንስኻትኩምውን ገና ኣብ ኃጢኣትኩም ኢኹም ዘሎኹም። እቶም ብእምነት ክርስቶስ ዝሞቱ ኸኣ ጥፉኣት እዮም።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

2ይ ጴጥ 3 : 1 - 4 [English][ግእዝ]

ኣቱም ፍቁራተይ! እዛ ሕጂ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ኻልኣይቲ መልእኽተይ እያ። ብኽልቲአን፥ እቲ ቐደም ብቕዱሳን ነቢያት ዝተነገረ ቃልን፥ ብሓዋርያትኩም ዝረኸብኩምዎ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ትእዛዝን እናኣዘኻኸርኩ፥ ቅኑዕ ሓሳባት ኪህልወኩም እየ ዝጽዕር ዘሎኹ።ኣብተን ዳኅሮት መዓልትታት ብኽፉእ ፍትወት ሥጋኦም ዚመላለሱን ዜላግጹ መላገጽትን ከም ዚመጹ፥ ቕድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ።ንሳቶም “ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝሞትላ መዓልቲ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ኂዙ ዅሉ ከምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ” ኪብሉ እዮም።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 11 : 25 - ፍም [English][ግእዝ]

በርናባስ ካብኡ ወፂኡ ንሳውል ኪደልዮ ናብ ጠርሴስ ከደ። ምስ ረኸቦ ናብ ኣንጾኪያ ኣምጽኦ፥ ኣብታ ቤት ክርስቲያን ከኣ ዓመት ምሉእ ብኅብረት ነበሩ፥ ንብዙኅ ሕዝቢውን መሃሩ፥ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ንፈለማ ጊዜ ኣብ ኣንጾኪያ ክርስቲያን ተባሂሎም ተሰምዩ። በተን መዓልትታት እቲኣተን ነቢያት ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ኣንጾኪያ ወረዱ። ሓደ ኻብኣቶም ከኣ ኣጋቦስ ዝስሙ ተንሢኡ፥ ኣብ ኵሉ ዓለም ብርቱዕ ጥሜት ከም ዚኸውን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተዛረበ፤ እዚ ብዘመን ቄሣር ቀላውዴዎስ ኮነ። ስለዚ እቶም ደቀ መዛሙርቲ፥ ነፍሲ ወከፍ ከከም ዓቕሙ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ኣኅዋት ረድኤት ኪሰዱሎም መደቡ። ነቲ ዝተዋፅአ ገንዘብ ድማ ብኢድ በርናባስን ሳውልን ገይሮም ናብቶም መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ሰደድዎ።

 

ስንክሳር Synaxarium

ቅዳሴ ቤተ ክርስቲያኑ ለኒቆላዎስ
ወአጋቦስ ሐዋርያ
ወለዮሐንስ መጥምቅ ፀአተ ነፍሱ እምርእሱ
ወእስክንድርያ ዘአምነት በስብከተ ጊዮርጊስ

 

መዝሙር Psalm

መዝ 31 : 4 - 5 [English][ትግርኛ]

እስመ አንተ ረዳእየ እግዚኦ ፤
ውስተ እዴከ አምኀፅን ነፍስየ ፤
ቤዝወኒ እግዚአብሔር አምላከ ጽድቅ።

 

ወንጌል Gospel

ማቴ 14 : 1 - 12 [English][ግእዝ]

በቲ ወርኃት እቲ ንጉሥ ሄሮድስ ዝና ኢየሱስ ሰምዐ። ንገላዉኡ ድማ “እዚ ዮሓንስ መጥምቕ እዩ፥ ንሱ ካብ ምዉታት ተንሢኡ ኣሎ፥ ስለዚ ኸኣ እዚ ተኣምራት እዚ ብእኡ ይግበር ኣሎ” በሎም። ሄሮድስ ንዮሓንስ ብሰንኪ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ኃዉ፥ ኂዙ ኣሰሮ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲውን ኣእተዎ። ምኽንያቱ ድማ ዮሓንስ “ክትእክባ ኣይግበኣካን እዩ” ይብሎ ነበረ። ግናኸ ኪቐትሎ እኳ እንተ ደለየ እቶም ሕዝቢ ንዮሓንስ ከም ነቢይ ይርእይዎ ስለ ዝነበሩ ፈርሆም። በዓል ልደት ሄሮድስ ምስ ኮነ፥ ጓል ሄሮድያዳ ኣብ ማእከሎም ሳዕሲዓ ንሄሮድስ ኣሓጐሰቶ። ሽዑ ዝደለየቶ ኺህባ ብማሕላ ኣተስፈዋ። ንሳ ኸምቲ ኣዲኣ ቕድም ዝመኸረታ፥ “ርእሲ ዮሓንስ መጥምቕ ኣብዚ ኣብ ጻሕሊ ሃበኒ” በለቶ። እቲ ንጉሥ ጐሃየ፥ እንተኾነ ምእንቲ ማሕላኡን ምእንቲ እቶም ምስኡ ዝተቐመጡን ኪህብዋ ኣዘዘ። ልኢኹ ድማ ርእሲ ዮሓንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሰየፈ። ነታ ርእሱ ብጻሕሊ ኣምጺኦም ነታ ጓል ሃብዋ። ንሳ ድማ ናብ ኣዲኣ ወሰደታ። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ መጺኦም ሬሳኡ ኣልዒሎም ቀበሩ፥ ከይዶም ድማ ንኢየሱስ ነገርዎ።

ቅዳሴ Liturgy :

ዘአበዊነ ሐዋርያት(ዘበደሃሪ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 30 : 11 - 12 [English][ትግርኛ]

ሠጠጥከ ሠቅየ ወኃሤተ አቅነትከኒ ፤
ከመ እዘምር ለከ ክብርየ ወኢይደንግፅ ፤
እግዚኦ አምላኪየ እገኒ ለከ ለዓለም።

 

ወንጌል Gospel

ማር 14 : 60 - 65 [English][ግእዝ]

እቲ ሊቀ ካህናት ድማ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ “በዚ ኣንጻርካ ዚምስክርዎ ዘለዉስ ገለ እትምልሶዶ የብልካን ኢኻ፧” እናበለ ንኢየሱስ ሓተቶ። ንሱ ግና ከይመለሰ ስቕ በለ፤ እቲ ሊቀ ካህናት ድማ ደጊሙ “ክርስቶስ ወዲ እቲ ብሩኽዶ ንስኻ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። “እወ፥ ኣነ እየ፥ ንወዲ ሰብ ከኣ ኣብ የማን ኃይሊ ተቐሚጡ ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኽትርእይዎ ኢኹም” በሎ። እቲ ሊቀ ካህናት ድማ ኽዳኑ እናቐደደ “ደጊምከ እንታይ መሰኻኽር የድልየና፧ ነቲ ጸርፊ ባዕልኻትኩም ሰሚዕኩምዎ ኣሎኹም፥ እንታይ ይመስለኩም፧” በለ። ኵሎም ከኣ “ሞት ይግብኦ” ኢሎም ፈረዱ። ገሊኦም ድማ ጡፍ ኪብሉሉን፥ ገጹ ኣጐልቢቦም እናወቕዑ “ተነበ” ኪብልዎን ጀመሩ፥ እቶም ገላዉ ድማ እናጸፍዑ ወሰድዎ።

 

ዘመነ ዮሃንስ Readings for Wednesday

ሚያዝያ 16, 2016 ብግእዝ Apr 24, 2024 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 97 : 8 - 9 [English][ትግርኛ]

ወተኃሥያ አዋልደ ይሁዳ፤
በእንተ ፍትሕከ እግዚኦ፤
እስመ አንተ እግዚአብሔር ባሕቲትከ ልዑል ዲበ ኵሉ ምድር።

 

ወንጌል Gospel

ማር 15 : 34 - 41 [English][ግእዝ]

ብታስዓይቲ ሰዓት ከኣ ኢየሱስ ብዓቢይ ድምፂ “ኤሎሄ! ኤሎሄ! ላማ ሰበቅታኒ፥” ኢሉ ጨርሐ፥ ትርጒሙ ድማ “ኣምላኸይ! ኣምላኸይ! ንምንታይ ኃደግካኒ፧” ማለት እዩ። ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ኸኣ ገሊኦም “እነሆ ንኤልያስ ይጽውዕ ኣሎ” በሉ። ሓደ ግና ጐዩ ሰፍነግ ኣብ መጺጽ ኣሊኹ፥ ኣብ ዘንጊ ኣሲሩ፥ “እስከ ኅደጉ፥ ኤልያስ መጺኡ ኬውርዶ ክንርኢ እና” እናበለ ኣስተዮ። ኢየሱስ ከኣ ብዓቢይ ድምፂ ገዓረ ነፍሱውን ወፀት። መጋረጃ ቤት መቕደስ ድማ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረ። እቲ ኣብ መንጽሩ ደው ኢሉ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ ኸኣ፥ ነፍሱ ኸምዚ ኢላ ከም ዝወፀት ምስ ረኣየ “እዚ ሰብ እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ነይሩ” በለ። እነሆ ኸኣ ኣንስቲ ኣብ ርሑቕ ኮይነን የማዕድዋ ነበራ፥ ምስኣተን ከኣ ማርያም መግደላዊትን ማርያም ኣደ ያዕቆብ ንኡስን ዮሳን፥ ሰሎሜን ነበራ። ንሳተን ኣብ ገሊላ ኸሎ ጀሚረን ዝሰዓባኦን ዘገልገልኦን እየን፤ መብዛኅትአን እተን ካልኦት ግና ምስኡ ናብ ኢየሩሳሌም ዝደየባ ነበራ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

1ይ ቆሮ 15 : 50 - ፍም [English][ግእዝ]

ግናኸ፥ ኣኅዋተየ፥ ሥጋን ደምን መንግሥቲ ኣምላኽ ኪወርስ ከም ዘይከኣሎ፥ እቲ በራሲ ድማ ነቲ ዘይበርስ ከም ዘይወርሶ እነግረኩም ኣሎኹ። እንሆ ምሥጢር እነግረኩም ኣሎኹ፦ እታ ናይ መወዳአታ መለኸት ምስ ተነፍሐት፥ ኲላትና ብሓንሳብ ከም ቅጽበት ዓይኒ ኽንልወጥ ኢና እምበር ኲላትና ኣይክንመውትን ኢና። ከመይ እታ መለኸት ክትንፋሕ እያ፥ እቶም ምዉታት ድማ ብዘይበርስ ኪትንሥኡ እዮም፥ ንሕናውን ክንልወጥ ኢና። ከመይ እቲ በራሲ ዘይምብራስ፥ እቲ መዋቲ ኸኣ ዘይሙማት ኪለብስ ይግበኦ እዩ። እቲ በራሲ ዘይምብራስ፥ እቲ መዋቲውን ዘይሙማት ምስ ለበሰ፥ ሽዑ፦ “ሞት ብዓወት ተዋሕጠ” ዚብል ቃል ጽሑፍ ኪፍጸም እዩ። “ኦ ሞት፥ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧ ኦ ሞት፥ ኣበይ ኣሎ ምውጋእካ፧” ሞት ብኃይሊ ኃጢኣት ገይራ ትወግእ፥ ኃጢኣት ከኣ ካብ ሕጊ ኃይሊ ትረክብ። ግናኸ ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይዂኖ። ስለዚ፥ ፍቁራት ኣኅዋተየ፥ ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ከም ዘይኮነ ፈሊጥኩም፥ ጽኑዓት፥ ዘይትነቓነቑ፥ ብዕዮ ጐይታ ዅሉ ጊዜ ምሉኣት ኩኑ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

3ይ ዮሐ 1 : 1 - 9 [English][ግእዝ]

ካብ መራሕ ቤተ ክርስትያን፥ ናብቲ ኣነ ብሓቂ ዘፍቅሮ ፍቁር ጋይዮስ። ኣታ ፍቁር፥ ከምቲ መንፈሳዊ ናብራኻ ጽቡቕ ዘሎ፥ ኸምኡ ኸኣ ብዅሉ ደኃን ክትህሉን ክትጥዕን እጽልየልካ ኣሎኹ። ንስኻ በታ ሓቂ ትመላለስ ከም ዘሎኻ፥ ኣኅዋት መጺኦም ስለ እታ ኣባኻ ዘላ ሓቂ ብምምስካሮም ብዙኅ ተሓጕሰ ኣሎኹ። ኣነ እቶም ደቀይ ብሓቂ ዚመላለሱ ኸም ዘለዉ ካብ ምስማዕ ዚዓቢ ሓጐስ የብለይን። ኣታ ፍቁረይ፥ ሽሕ እኳ ኣጋይሽ እንተኾኑ፥ እቲ ነቶም ኣኅዋት እትገብሮ ዘሎኻ እሙን ኴንካ ትገብሮ ኣሎኻ። እዚኣቶም ኣብ ቅድሚ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ፍቅርኻ መስኪሮም ኣለዉ። ንኣምላኽ ከም ዚበቅዕ ጌርካ፥ ዜድልዮም ሂብካ ኣፋንዎም። ንሳቶም ካብቶም ኣሕዛብ ሓንቲ እኳ ከይወሰዱ ምእንቲ ስም ክርስቶስ እዮም ዝወፁ። እምብኣርከስ ከምኣቶም ምእንቲ እታ ሓቂ ዚዓዩ ክንከውን፥ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ክንቅበሎም ይግብኣና እዩ። ኣነ ናብታ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ነገር ጽሒፈ ነይረ፥ እቲ ሓለቓኦም ኪኸውን ዚደሊ ድዮጥራፊስ ግና ኣይቅበለናን እዩ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 5 : 33 - ፍም [English][ግእዝ]

ንሳቶም ነዚ ምስ ሰምዑ ሓረቑ፥ ንሓዋርያትውን ኪቐትልዎም ደለዩ። እንተኾነ ሓደ ገማልያል ዝስሙ ፈሪሳዊ፥ መምህር ሕጊ፥ ብዅሉ ሕዝቢውን ክቡር፥ ንሓዋርያት ሓንሳእ ኣብ ደገ ኼጽንሕዎም ኣዘዘ። ከምዚ ድማ በሎም፤ “ኣቱም ሰብ እስራኤል! ብዛዕባ እዚ ኣብዞም ሰባት እዚኣቶም ክትገብርዎ እትሓስብዎ ዘሎኹም ነገር ተጠንቀቑሉ። ቅድሚ እዘን መዓልትታት እዚኣተንውን ቴዎዳስ ‘ኣነ ዓቢይ እየ’ እናበለ ተንሢኡ ነይሩ፥ ኣርባዕተ ሚእቲ ዚኣኽሉ ሰባት ከኣ ሰዓብዎ፤ እንተኾነ ንሱ ተቐትለ እቶም ሰዓብቱ ኸኣ ኵሎም ተበቲኖም ጠፍኡ። ብድኅሪኡ ኸኣ ብጊዜ እቲ ሕዝቢ ዝተጻሕፈሉ ዘመን፥ ይሁዳ በዓል ገሊላ ተንሥአ፥ ብዙኅ ሕዝቢ ኸኣ ኣስደዐ፥ ንሱ ጠፍአ፥ እቶም ዝሰዓብዎ ዘበሉ ዅሎም ድማ ተዘርዉ። ሕጂ ኸኣ እነግረኩም ኣሎኹ፥ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ኅደግዎም፥ ኣይትተንክፍዎም፤ እዚ ምኽሪ እዝን እዚ ግብሪ እዝን ናይ ሰብ እንተ ኾይኑ ኪፈርስ እዩ። ናይ ኣምላኽ እንተ ድኣ ኾይኑ ግና ነዞም ሰባት እዚኣቶም ከተጥፍእዎም ኣይትኽእሉን ኢኹም፤ ምስ ኣምላኽ ምብኣስ ከይኮነኩም።” ነቲ ምኽሩ ተቐበልዎ፤ ንሓዋርያት ጸዊዖም ገረፍዎም፥ ብስም ኢየሱስ ከይዛረቡ ኣዚዞም ከኣ ኃደግዎም። ንሳቶም ግና ምእንቲ ስሙ ውርደት ንምቕባል ብቑዓት ኮይኖም ስለ ዝተረኽቡ ካብቲ መጋባእያ እናተሓጐሱ ወፁ። መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤት መቕደስን ገዛ ገዛ እናዞሩን ኢየሱስ መሲሕ ከም ዝኾነ ከየብኰሩ ይምህሩን የበሥሩን ነበሩ።

 

ስንክሳር Synaxarium

ዑቲቦስ ሰማዕት ረድኡ ለዮሐንስ ወንጌላዊ ኤጲስ ቆጶሰ ዘሃገረ በራማ ወሳባ

 

መዝሙር Psalm

መዝ 115 : 15 - 16 [English][ትግርኛ]

ዘገብረ ሰማየ ወምድረ ፤
ሰማየ ሰማያት ለእግዚአብሔር ፤
ወምድረሰ ወሀበ ለእጓለ እመሕያው።

 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 15 : 17 - 25 [English][ግእዝ]

ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ እዚ እእዝዘኩም ኣሎኹ። “ዓለም እንተ ጸልኣትኩም ቅድሜኹም ንኣይ ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ። ንስኻትኩም ካብ ዓለም እንተ ትኾኑስ ዓለም ከም ናታ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ካብ ዓለም ኃሬኹኹም፥ ንስኻትኩም ናይ ዓለም ኣይኮንኩምን። ስለዚ ኸኣ እያ ዓለም እትጸልኣኩም ዘላ። ነቲ 'ጊልያ ካብ ጐይትኡ ኣይዓብን እዩ' ኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክርዎ። ንኣይ ንኣይ ኣሳዲዶሙኒ እንተ ኾይኖም ንኣኻትኩምውን ኬሳድዱኹም እዮም ። ቃለይ ሓልዮም እንተ ኾይኖም ከኣ ቓልኩምውን ኪሕልው እዮም። እንተኾነ ነቲ ዝለኣኸኒ ስለ ዘይፈልጥዎ ብምኽንያት ስመይ እዚ ዅሉ ኺገብሩኹም እዮም። ኣነ መጺአ እንተ ዘይነግሮም ኃጢኣት ኣይምኾኖምን ነይሩ፥ ሕጂ ግና ንኃጢኣቶም ምኽንያት የብሎምን። እቲ ንኣይ ዚጸልእ ነቦይ ይጸልእ። ኣብ ማእከሎም ካልእ ሰብ ዘይገበሮ ግብሪ እንተ ዘይገብረሎም ኃጢኣት ኣይምኾኖምን ነይሩ፤ ሕጂ ግና ርእዮም ከለዉ ንኣይን ነቦይን ጸልኡና። እዚ ግና እቲ ኣብ ሕጎም 'ብዘይ ምኽንያት ጸልኡኒ' ዚብል ተጻሒፉ ዘሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም ኮነ።

ቅዳሴ Liturgy :

ዘዮሐንስ ወልደ ነጐድጓድ (ሃቤከ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 48 : 11 - 12 [English][ትግርኛ]

ይትፌሥሓ አድባረ ጽዮን ፤
ወይትኃሠያ አዋልደ ይሁዳ ፤
በእንተ ፍትሕከ እግዚኦ።

 

ወንጌል Gospel

ማቴ 27 : 55 - 61 [English][ግእዝ]

ኣብኡ ኸኣ ንኢየሱስ እናኣገልገላኦ ኻብ ገሊላ ኂዘን ዝተኸተላኦ ብዙኃት ኣንስቲ ብርሑቕ ይዕዘባ ነበራ። ካብኣተንውን ማርያም መግደላዊት፥ ማርያም ኣደ ያዕቆብን ዮሳን፥ እታ እኖ ደቂ ዘብዴዎስን ነበራ። ምስ መሰየ ግና ዮሴፍ ዝተባህለ ሃብታም ሰብኣይ ካብ ኣርማትያስ መጸ። ንሱ ኸኣ ወደ መዝሙር ኢየሱስ ነበረ። ናብ ጲላጦስ ቀሪቡ ድማ ናይ ኢየሱስ ሥጋ ለመነ። ሽዑ ጲላጦስ ኪህብዎ ኣዘዘ። ዮሴፍ ድማ ነቲ ሥጋ ወሲዱ ብጽሩይ በፍታ ገነዞ፥ ኣብቲ ኣብ ከውሒ ዘውቀሮ ናይ ባዕሉ ሓድሽ መቓብርውን ኣንበሮ፥ ሓደ ዓቢይ እምኒ ኣንከራርዩ ድማ ነቲ ኣፍ መቓብር ዓጽይዎ ኸደ። ኣብኡ ኸኣ ማርያም መግደላዊትን ማርያም እታ ኻልኣይትን፥ ኣብ መንጽሩ ተቐሚጠን ነበራ።

 

ዘመነ ዮሃንስ Readings for Thursday

ሚያዝያ 17, 2016 ብግእዝ Apr 25, 2024 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 103 : 18 - 19 [English][ትግርኛ]

ለእለ የዓቅቡ ሕጎ፤
ወይዜከሩ ትእዛዞ ከመ ይግበሩ፤
እግዚአብሔር አስተዳለወ መንበሮ በሰማያት።

 

ወንጌል Gospel

ማቴ 20 : 20 - 28 [English][ግእዝ]

ድኅርዚ ኣደ ደቂ ዘብዴዎስ ምስ ደቃ ናብኡ ቐሪባ እናሰገደትሉ ሓደ ነገር ለመነቶ። ኢየሱስ ከኣ “እንታይ ትደልዪ፧” በላ። ንሳ ድማ “እዞም ክልተ ደቀይ ኣብ መንግሥትኻ ሓደ ብየማንካ፥ ሓደ ብጸጋምካ ኪቕመጡ ሕራይ በለኒ” በለቶ። ኢየሱስ ግና መሊሱ “እትልምንዎ ኣይትፈልጡን ኢኹም፥ እቲ ኣነ ዝሰትዮ ናይ መከራ ጽዋዕ ክትሰትዩኸ ትኽእሉዶ፧” በሎም። ንሳቶም ድማ “እወ፥ ንኽእል” በልዎ። ኢየሱስ ከኣ “ጽዋዐይሲ ኽትሰትዩ ኢኹም፥ ኣብ የማነይን ጸጋመይን ምቕማጥ ግና ነቶም ኣቦይ ዘዳለወሎም እዩ እምበር ኣነ ኣይኰንኩን ዝህቦ” በሎም። እቶም ዓሠርተ ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ሰሚዖም በቶም ክልተ ኣኅዋት ኣመና ሓረቑ። ስለዚ ኢየሱስ ጸዊዑ “ንኣሕዛብ እቶም ሽማምንቶም ከም ዚገዝእዎም፥ ዓበይቶም ድማ ኣብ ልዕሊኦም ከም ዚሥልጥኑ ትፈልጡ ኢኹም። “ኣባኻትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነን፥ እቲ ኻባኻትኩም ኪዓቢ ዚደሊ ኣገልጋሊኹም ይኹን። እቲ ኻባኻትኩም ሓለቓ ኺኸውን ዚደሊ ልኡኽኩም ይኹን። ከመይ ወዲ ሰብ እውን እንተኾነ ኬገልግልን ሕይወቱ ምእንቲ ብዙኃት በጃ ኪህብን ድኣ እምበር ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን” በሎም።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

1ይ ቆሮ 15 : 7 - 15 [English][ግእዝ]

ድኅሪኡ ንያዕቆብ፥ ድኅሪኡ ኸኣ ንዅላቶም ሓዋርያት ተራእየ። ድኅሪ ኲላቶም ድማ ንኣይ ቊላዕ ንዝመስል ተራእየኒ። ኣነ ኻብ ኲላቶም ሓዋርያት ዝነኣስኩ እየ፥ ነታ ቤተ ክርስቲያን ኣምላኽ ዘሳደድክዋ ስለ ዝኾንኩ ኸኣ ሓዋርያ ኽስመ ኣይበቅዕን እየ። እቲ ኾይነዮ ዘሎኹ ግና ብጸጋ ኣምላኽ እየ ኾይነዮ ዘለኹ፥ እቲ ንኣይ ዝሃበኒ ጸጋ ኸኣ ኸንቱ ኣይኮነን፥ እኳ ደኣ ኃለፋ ዂላቶም ጸዓርኩ። እንተኾነ እቲ ኣባይ ኃዲሩ ዘሎ ጸጋ ኣምላኽ እዩ እምበር ኣነ ኣይኮንኩን። እምበኣር ኣነ ኾንኩ ንሳቶም፥ ነዚ ኢና እንሰብኽ ዘሎና፥ ንስኻትኩምውን ነዚ ኢኹም ዝኣመንኩም። ክርስቶስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንሥአ ኻብ ዚስበኽ ደኣ፥ ከመይ ኢሎም እዮም ገሊኦም ካባኻትኩም ትንሣኤ ሙታን የልቦን ዚብሉ ዘለው፧ ትንሣኤ ሙታን ዘየልቦ እንተ ኾይኑስ፥ ክርስቶስ ድማ ኣይተንሥአን። ክርስቶስ ዘይተንሥአ እንተ ኾይኑ ድማ ስብከትና ኸንቱ እዩ፥ እምነትኩምውን ከንቱ እያ። ኣምላኽ ንክርስቶስ ከም ዘተንሥኦ መስኪርና ኔርና፥ ንምዉታት ዘየተንሥኦም እንተ ደኣ ኾይኑ ግና፥ እምበኣር ንክርስቶስውን ኣየተንሥኦን። ንሕና ኸኣ ሓሰውቲ ምስክር ኣምላኽ ኴንና ንርከብ ኣሎና።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

ያዕ 1 : 1 - 12 [English][ግእዝ]

ካብቲ ናይ ኣምላኽን ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ኣገልጋሊ ዝኾነ ያዕቆብ፥ ነቶም ኣብ ኵሉ ዓለም ተበቲኖም ዘለዉ ሕዝቢ ኣምላኽ ሰላም ይኹን! ኣኅዋተየ፥ በበይኑ ዝኾነ ፈተና ኪበጽሓኩም ከሎ፥ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቊጸርዎ። ከመይ ብእምነትኩም ክትፍተኑ ኸሎኹም፥ ጽንዓት እዩ ዜፍርየልኩም። ግና ብሓንቲ ነገር እኳ ኸይጐደለኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ብትዕግሥቲ ኽሳዕ መወዳእታ ጽንዑ። ሓደ ካባኻትኩም ጥበብ ዝጐደሎ እንተሎ፥ ነቲ “ንሰኻ ኸምዚ እንዲኻ” ኸይበለ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፥ ንሱውን ኪህቦ እዩ። እቲ ዚልምን ግና ከይተጠራጠረ ብእምነት ደኣ ይለምን፥ ከመይ እቲ ዚጠራጠር ከምቲ ንፋስ ንየው ነጀው ዚደፍኦ ማዕበል ባሕሪ እዩ ዚመስል። እዚ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብ ካብ ጐይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ። ንሱ ኣብ ኵሉ ዕዩኡ ጽንዓት ዘይብሉ፥ ክልተ ዝልቡ ሰብኣይ እዩ። እቲ ትሕት ዝበለ ናብራ ዘለዎ ኃው ልዕል እንተ በለ ይተሓጐስ። እቲ ሃብታም ከኣ ብናብራኡ ትሕት እንተ በለ ብእኡ ይተሓጐስ። ከመይ ንሱ ኸም ዕምባባ ሣዕሪ ኺኃልፍ እዩ። ፀሓይ ምስ ዋዒኣ ትወፅእ እሞ፥ ነቲ ሣዕሪ ተንቅጾ፥ እቲ ዕምባባኡ ኸኣ ይረግፍ፥ ደመት ትርኢቱ ድማ ይጠፍእ፥ ከምኡዉን እቲ ሃብታም ዋኒን ንብረቱ ኺገብር ከሎ ይጠፍእ። እቲ ብጊዜ ፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብፁዕ እዩ፥ ከመይ ተፈቲኑ ምስ ወፀ፥ ነቲ እግዚኣብሔር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ሕይወት ኪቕበል እዩ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 12 : 1 - 11 [English][ግእዝ]

በቲ እዋን እቲ ንጉሥ ሄሮድስ ንገሊኦም ናይ ቤተ ክርስቲያን ሰባት ኬሳድዶም ጀመረ። ንያዕቆብ ኃው ዮሓንስ ከኣ ብሰይፊ ቐተሎ። እዚ ንኣይሁድ ባህ ከም ዘበሎም ምስ ረኣየ ድማ ኣስዒቡ ንጴጥሮስ ኃዞ፤ ሽዑ ቕነ በዓል ቅጫ ነበረ። ምስ ኃዞ ኸኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ፥ ድኅሪ ፋሲካ ናብ ሕዝቢ ምእንቲ ኼውፅኦ ደልዩ፥ በበርባዕተ ኾይኖም ኪሕልውዎ ነርባዕተ ጉጅለ ወተሃደራት ኣኅሊፉ ሃቦ። ስለዚ ጴጥሮስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሕሎ ነበረ፤ እታ ቤተ ክርስቲያን ግና ምእንትኡ ተጊሃ ናብ ኣምላኽ ትጽሊ ነበረት። ሄሮድስ ንጴጥሮስ ናብ ፍርዲ ኬቕርቦ ሓሲቡ ነበረ፤ እንተኾነ በታ ናብኣ እተውግሕ ለይቲ ጴጥሮስ ኣብ መንጎ ኽልተ ዓቀይቲ ብኽልተ ሞቕሕ ተኣሲሩ ደቂሱ ነበረ። እቶም ሓለውቲ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቤት ማእሰርቲ ኾይኖም ይሕልዉ ነበሩ። እንሆ ኸኣ መልኣኽ እግዚኣብሔር ተራእየ፥ ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ብርሃን ኣንጸባረቐ፥ ንጴጥሮስውን መሰንገሊኡ ተንክዩ “ቀልጢፍካ ተንሥእ” ኢሉ ኣበራበሮ፤ እቲ መቓውሕ ድማ ካብ ኣእዳው ወደቐ። እቲ መልኣኽ ከኣ “ተዓጠቕ፥ ኣሳእንካውን ኣእቱ” በሎ። ንሱ ድማ ከምኡ ገበረ፤ እቲ መልኣኽ ከኣ “ክዳንካ ተኸደን እሞ ስዓበኒ” በሎ። ጴጥሮስውን ወፂኡ ሰዓቦ። እንተኾነ ራእይ ዚርኢ ዘሎ ይመስሎ ነበረ እምበር እቲ ብመልኣኽ ዝኾነ ሓቂ ምዃኑ ኣይፈልጥን ነበረ። ነቶም ነታ ቐዳመይትን ካልኣይትን ማዕጾ ዚሕልዉ ምስ ኃለፉ፥ ናብታ ናብ ከተማ እተምርሕ ማዕጾ ሓጺን በጽሑ፥ ባዕላውን ተኸፍተትሎም። ወፂኦም ከኣ ሓንቲ መገዲ ኃለፉ፥ ሽዑ እቲ መልኣኽ ሓደጎ። ጴጥሮስ ናብ ልቡ ምስ ተመልሰ ድማ “እግዚኣብሔር መልኣኹ ልኢኹ ካብ ኢድ ሄሮድስን ካብቲ ሕዝቢ ኣይሁድ ዚጽበይዎ ዝነበሩ ኵሉን ከም ዘድኃነኒ ሕጂ ብሓቂ ፈለጥኩ” በለ።

 

ስንክሳር Synaxarium

ያዕቆብ ሐዋርያ ወሰማዕት

 

መዝሙር Psalm

መዝ 73 : 28 - 29 [English][ትግርኛ]

ሊተሰ ተሊወ እግዚአብሔር ይኄይሰኒ ፤
ወትውክልትየኒ ላዕለ እግዚአብሔር ፤
ከመ እንግር ኵሎ ስብሐቲሁ።

 

ወንጌል Gospel

ማር 10 : 35 - 45 [English][ግእዝ]

ያዕቆብን ዮሓንስን ክልቲኦም ደቂ ዘብዴዎስ ናብኡ ቐሪቦም “መምህር! ዝለመንናካ ኽትገብረልና ንደሊ ኣሎና” በልዎ። ንሱ ኸኣ “እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ፧” በሎም። ንሳቶም ድማ “ኣብ ክብርኻ ሓዴና ብየማንካ፥ ሓዴና ድማ ብጸጋምካ ኽንቅመጥ ፍቐደልና” በልዎ። ኢየሱስ ግና “እትልምንዎ ኣይትፈልጡን ኢኹም፥ ነቲ ኣነ ዝሰትያ ናይ መከራ ጽዋእ ክትሰትዩ፥ ነቲ ኣነ ዝጥመቖ ጥምቀትውን ክትጥመቑኸ ትኽእሉዶ፧” በሎም። ንሳቶም ከኣ “ንኽእል” በልዎ፤ ኢየሱስ ከኣ “ነቲ ኣነ ዝሰትዮ ናይ መከራ ጽዋእሲ ኽትሰትይዎ፥ ነቲ ኣነ ዝጥመቖ ጥምቀትውን ክትጥመቕዎ ኢኹም። ኣብ የማነይን ኣብ ጸጋመይን ምቕማጥ ግን ነቶም ዝተዳለወሎም እዩ እምበር ኣነ ኣይኮንኩን ዝህቦ” በሎም። እቶም ዓሠርተ ሰሚዖም ብያዕቆብን ዮሓንስን ኪሓርቁ ጀመሩ። ስለዚ ኢየሱስ ጸዊዑ ኸምዚ በሎም፤ “ነሕዛብ እቶም ከም ሹማምንቶም ዚቚጸሩ ከም ዚመልክዎም፥ እቶም ዓበይቶም ድማ ኣብ ልዕሊኦም ከም ዚሥልጥኑ ትፈልጡ ኢኹም። ኣባኻትኩም ግና ኸምኡ ኣይኮነን። እቲ ዓቢይ ኪኸውን ዚደሊ ኣገልጋሊኹም ደኣ ይኹን። እቲ ኻባኻትኩም ጐይታ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ ንሱ ልኡኽ ኵሉኹም ይኹን። ምኽንያቱ ወዲ ሰብ ኬገልግልን ሕይወቱ በጃ ብዙኃት ኪህብን እምበር ኬገልግልዎ ኣይመጸን” በሎም።

ቅዳሴ Liturgy :

ዘአበዊነ ሐዋርያት(ዘበደሃሪ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 27 : 12 - 13 [English][ትግርኛ]

ወኢትመጥወኒ ለነፍሰ እለ ይሣቅዩኒ ፤
እስመ ቆሙ ላዕሌየ ሰማዕተ ዓመፃ ፤
ወሐሰት ርእሰ ዓመፃ።

 

ወንጌል Gospel

ማቴ 26 : 55 - 61 [English][ግእዝ]

በታ ሰዓት እቲኣ ኢየሱስ ነቶም ሕዝቢ “ከም ንጒሒላዶ በስያፍን በባትርን ክትኅዙኒ መጺእኩም፧ ዕለት ዕለት ኣብ ቤት መቕደስ ተቐሚጠዶ እምህር ኣይነበርኩን፧ ኣይኃዝኩምንን። እዚ ዅሉ ዝኾነ ግና መጻሕፍቲ ነቢያት ምእንቲ ኪፍጸሙ እዩ” በሎም። ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ዅሎም ኃዲጎምዎ ሃደሙ። እቶም ንኢየሱስ ዝኃዝዎ ኸኣ ናብቲ መምህራን ሕግን ሽማግለታትን ተኣኪቦምሉ ዝነበሩ ናብ እንዳ ቀያፋ ሊቀ ካህናት ወሰድዎ። ጴጥሮስ ግና ክሳብ እቲ ቐጽሪ ገዛ ሊቀ ካህናት ብርሑቕ ሰዓቦ፥ መወዳእታኡ ምእንቲ ኺርኢውን ናብ ውሽጢ ኣትዩ ምስቶም ገላዉ ተቐመጠ። ሊቃነ ካህናትን ብዘሎ እቲ ዋዕላን ከኣ ንኢየሱስ ምእንቲ ኪቐትልዎ ምስክር ሓሶት ይደልዩ ነበሩ። እንተኾነ ብዙኃት ሓሰውቲ መሰኻኽር እኳ እንተ ቐረቡ፥ ሓንቲ ኣይረኸቡን። ድኃር ግና ኽልተ ቐሪቦም “እዚ ሰብ እዚ ‘ንቤት መቕደስ ኣምላኽ ኣፍሪሰ ብሠለስተ መዓልቲ ኽሓንጾ እኽእል እየ’ ኢሉ ተዛሪቡ” በሉ።

 

ዘመነ ዮሃንስ Readings for Friday

ሚያዝያ 18, 2016 ብግእዝ Apr 26, 2024 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 73 : 22 - 23 [English][ትግርኛ]

ወአንሰ ምኑን ኢያእመርኩ፤
ወኮንኩ ከመ እንስሳ በኀቤከ፤
ወአንሰ ዘልፈ ምስሌከ።

 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 22 : 54 - 62 [English][ግእዝ]

ምስ ኣሰርዎ፥ ኂዞም ናብ ሊቀ ካህናት ወሰድዎ፥ ጴጥሮስ ከኣ ርሕቕ ኢሉ ይስዕቦ ነበረ። ኣብ ማእከል እቲ መካበብያ ኸኣ ሓዊ ኣንዲዶም ብሓንስእ ተቐሚጦም ነበሩ። ጴጥሮስ ከኣ ኣብ ማእከሎም ተቐሚጡ ነበረ። ሓንቲ ገረድ ኣብ ጥቓ እቲ ሓዊ ተቐሚጡ ምስ ረኣየቶ ኣተኲራ ጠሚታ፥ “እዚውን ምስኡ ነይሩ እዩ” በለት። ንሱ ግና “ኣቲ ሰበይቲ ፥ ኣነ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ኸሓደ። ድኅሪ ቚሩብ ጊዜ ኸኣ ሓደ ኻልእ ርእይዎ፥ “ንስኻውን ካብኣቶም ኢኻ” በሎ። ጴጥሮስ ግና “ኣታ ሰብኣይ፥ ኣይኮንኩን” በለ። ዳርጋ ሓደ ሰዓት ኣቢሉ ምስ ኃለፈ ድማ፥ ሓደ ኻልእ “እዚ ገሊላዊ ስለ ዝኾነ፥ ብርግጽ ምስኡ ነይሩ እዩ” እናበለ ኣትሪሩ ተዛረበ። ጴጥሮስ ድማ “ኣታ ሰብኣይ! እዚ እትብሎ ዘሎኻ ኣይፈልጦን እየ” በሎ። ሽዑ ገና እዚ ኺዛረብ ከሎ፥ ደርሆ ነቀወ። ጐይታ ኸኣ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ጠመቶ። ጴጥሮስ ከኣ “ሎሚ ደርሆ ኸይነቀወ፥ ሠለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” ዝበሎ ቓል ጐይታ ዘከረ። ናብ ወፃኢ ኸይዱውን መሪር ብኽያት በኸየ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

2ይ ቆሮ 6 : 3 - 10 [English][ግእዝ]

መታን ኣገልግሎትና ኸይንቀፍ ንዝኾነ ይኹን ሰብ ምኽንያት መዓንቀፊ ኣይንኾኖን ኢና። እኳ ደኣ ብዅሉ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንርእስና ብብዙኅ ትዕግሥቲ፥ ብመከራ፥ ብጭንቂ፥ ብጸበባ፥ ብመግረፍቲ፥ ብማእሰርቲ፥ ብእምባጋሮ፥ ብጻዕሪ፥ ድቃስ ብምስኣን፥ ብጥሜት፥ ብቕድስና፥ ብምስትውዓል፥ ብዓቕሊ፥ ብለውሃት፥ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ብሓቀኛ ፍቕሪ፥ ሓቂ ብምዝራብ፥ ብኃይሊ ኣምላኽ፥ ኣፅዋር ጽድቂ ብየማንን ብጸጋምን ብምኃዝ፥ ብኽብርን ብሕስራንን፥ ጽቡቕ ኪዛረቡልና ኾነ ኬጸልሙና ንርአ ኣሎና። ሓቀኛታት ከሎና ከም መምሰልቲ ይቖጽሩና፥ ከም ዘይተፈለጥና፥ ግናኸ ኣጸቢቕና ፍሉጣት ኢና። ከም ዝሞትና፥ ግናኸ ገና ሕያዋን ኢና። ብብርቱዕ ንቕጻዕ፥ እንተኾነ ገና ኣይተቐተልናን። ከም ጕሁያት፥ ግናኸ ዅሉ ሳዕ ሕጉሳት ኢና። ከም ድኻታት፥ ግና ንብዙኃት ነሃብትም ኢና። ኵሉ ኸሎናስ ሓንቲ ከም ዘይብሎም ኴንና ንርአ ኣሎና።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

2ይ ጴጥ 1 : 5 - 11 [English][ግእዝ]

ስለዚ ብዅሉ ትግሃት እናተጋደልኩም ኣብ እምነትኩም ሕያውነት ወስኹ፥ ኣብ ሕያውነትውን ፍልጠት፥ኣብ ፍልጠት ኸኣ ምግታእ ርእስኻ፥ ኣብ ምግታእ ርእስኻ ድማ ዓቕሊ፥ ኣብ ዓቕሊውን መንፈሳውነት፥ኣብ መንፈሳውነት ኸኣ ኅውነት፥ ኣብ ኅውነት ድማ ፍቕሪ ወስኹ።እዚ ነገር እዚ እንተ ኣሎኩም፥ እናማዕበለውን እንተ ኸደ፥ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኬፍልጠኩም እዩ። ሃካያትን ዘየፍርዩንውን ኣይክትኮኑን ኢኹም።እዚ ነገር እዚ ዘይብሉ ግና፥ ኣርሒቑ ዘይርኢ ዕዉር ሰብ እዩ፥ ካብቲ ናይ ቀደም ኃጢኣቱ ከም ዝነጽሐውን ዝረስዐ እዩ።ስለዚ፥ ኣቱም ኣኅዋትና፥ ንጽውዓኹምን ምኅራይኩምን ከተጽንዕዎ ኣዚኹም ተጋደሉ። እዚ እንተ ገበርኩምሲ ከቶ ኣይክትወድቁን ኢኹም።በዚ ድማ ናብቲ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዓለማዊ መንግሥቲ ምእታው ብምልኣት ኪወሃበኩም እዩ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 15 : 6 - 12 [English][ግእዝ]

እቶም ሓዋርያትን መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን ከኣ ነዚ ነገር እዚ ኪምርምሩ ተኣከቡ። ብዙኅ ክትዕ ምስ ኮነ ኸኣ፥ ጴጥሮስ ተንሢኡ ኸምዚ በሎም፤ “ኣቱም ኣኅዋትና፥ ካብ መጀመርትኡ ኣሕዛብ ብኣፈይ ቃል ወንጌል ኪሰምዑን ኪኣምኑን ኣምላኽ ካባኻትኩም ከም ዝኃረየኒ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። እቲ ልቢ ዚፈልጥ ኣምላኽ፥ ከምቲ ንኣና ዝሃበና ንኣኣቶምውን መንፈስ ቅዱስ ብምሃቡ ከም ዝተቐበሎም መስከረሎም። ልቦም ብእምነት ስለ ዘንጽሐ፥ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኦምን ሓንቲ እኳ ኣይፈላለየን። እምበኣርከስ ነቲ ኣቦታትና ኾነ ንሕና ክንፆሮ ዘይከኣልና ኣርዑት ኣብ ክሳድ ደቀ መዛሙርቲ ብምንባርኩም ስለምንታይ ንኣምላኽ እትፍትንዎ፧ ንሕናውን ከምኣቶም ብጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ከም እንድኅን ኢና እንኣምን።” ኵሎም እቶም ሕዝቢ ድማ ስቕ በሉ፤ በርናባስን ጳውሎስን ከኣ ኣምላኽ ብኣኣቶም ገይሩ ከመይ ዝበለ ዓቢይ ትእምርትን ተኣምራትን፥ ኣብ መንጎ ኣሕዛብ ከም ዝገበረ ከዘንትዉሎም ከለዉ ጽን ኢሎም ይሰሞዑ ነበሩ።

 

ስንክሳር Synaxarium

አውሳብዮስ ሰማዕት
ወአባ ጴጥሮስ እህሁ ለአባ ብሶይ
ወቅዱሳን ሰማዕት ዘሃገረ ጠርሴስ

 

መዝሙር Psalm

መዝ 139 : 6 - 7 [English][ትግርኛ]

ተነክረ አእምሮትከ በላዕሌየ ፤
ጸንዐተኒ ወኢይክል ምስሌሃ ፤
አይቴኑ አሐውር እመንፈስከ።

 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 22 : 54 - 62 [English][ግእዝ]

ምስ ኣሰርዎ፥ ኂዞም ናብ ሊቀ ካህናት ወሰድዎ፥ ጴጥሮስ ከኣ ርሕቕ ኢሉ ይስዕቦ ነበረ። ኣብ ማእከል እቲ መካበብያ ኸኣ ሓዊ ኣንዲዶም ብሓንስእ ተቐሚጦም ነበሩ። ጴጥሮስ ከኣ ኣብ ማእከሎም ተቐሚጡ ነበረ። ሓንቲ ገረድ ኣብ ጥቓ እቲ ሓዊ ተቐሚጡ ምስ ረኣየቶ ኣተኲራ ጠሚታ፥ “እዚውን ምስኡ ነይሩ እዩ” በለት። ንሱ ግና “ኣቲ ሰበይቲ ፥ ኣነ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ኸሓደ። ድኅሪ ቚሩብ ጊዜ ኸኣ ሓደ ኻልእ ርእይዎ፥ “ንስኻውን ካብኣቶም ኢኻ” በሎ። ጴጥሮስ ግና “ኣታ ሰብኣይ፥ ኣይኮንኩን” በለ። ዳርጋ ሓደ ሰዓት ኣቢሉ ምስ ኃለፈ ድማ፥ ሓደ ኻልእ “እዚ ገሊላዊ ስለ ዝኾነ፥ ብርግጽ ምስኡ ነይሩ እዩ” እናበለ ኣትሪሩ ተዛረበ። ጴጥሮስ ድማ “ኣታ ሰብኣይ! እዚ እትብሎ ዘሎኻ ኣይፈልጦን እየ” በሎ። ሽዑ ገና እዚ ኺዛረብ ከሎ፥ ደርሆ ነቀወ። ጐይታ ኸኣ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ጠመቶ። ጴጥሮስ ከኣ “ሎሚ ደርሆ ኸይነቀወ፥ ሠለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” ዝበሎ ቓል ጐይታ ዘከረ። ናብ ወፃኢ ኸይዱውን መሪር ብኽያት በኸየ።

ቅዳሴ Liturgy :

ዘባስልዮስ(እግዚኦ መሐረነ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 41 : 7 - 8 [English][ትግርኛ]

ወይትቃጸቡኒ ኵሎሙ ጸላእትየ ፤
ወይመክሩ እኩየ ላዕሌየ ፤
ነገረ ጌጋይ አውፅኡ ላዕሌየ።

 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 22 : 63 - ፍም [English][ግእዝ]

እቶም ንኢየሱስ ዝኃዝዎ ሰባት ድማ የላግጹሉን ይወቕዕዎን ነበሩ። ሸፊኖም ድማ፥ ገጹ ይጸፍዕዎ፥ “እስከ ተነበየልና፧ መን እዩ ዝጸፍዓካ፧” እናበሉውን ይሓትዎ ነበሩ። እናጸረፍዎ ኸኣ ብዙኅ ካልእ ነገር ኣንጻሩ ተዛረቡ። ምድሪ ምስ ወግሐ፥ ዓበይቲ ሕዝብን ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ተኣኪቦም፥ “ንስኻ እቲ ክርስቶስ እንተ ዄንካስ እስከ ንገረና፧” እናበሉ ናብ መጋባእያኦም ወሰድዎ። ንሱ ኸኣ “እንተ ነገርኩኹም ኣይትኣምኑን፥ እንተ ሓተትኩኹም ድማ ኣይትምልሱን ኣይትፈትሑንንውን ኢኹም። ወዲ ሰብ ግና ካብ ሕጂ ኣብ የማን ኃይሊ ኣምላኽ ኪቕመጥ እዩ” በሎም። ኵሎም ከኣ “እምበኣርከ ንስኻስ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፧” በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ “ኣነ ኸምኡ ከም ዝኾንኩስ ንስኻትኩም እኳ ትብሉ ኣሎኹም” በሎም። ንሳቶም ከኣ “ባዕላትና ኻብ ኣፉ ካብ ሰማዕናኸ፥ ደጊም እንታይ ምስክር የድልየና፧” በሉ።

 

ዘመነ ዮሃንስ Readings for Saturday

ሚያዝያ 19, 2016 ብግእዝ Apr 27, 2024 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 103 : 20 - 21 [English][ትግርኛ]

ባርክዎ ለእግዚአብሔር ኵልክሙ መላእክቲሁ፤
ጽኑዓን ወኃያላን እለ ትገብሩ ቃሎ፤
ወእለ ትሰምዑ ቃለ ነገሩ።
 

ወንጌል Gospel

ማቴ 26 : 51 - 56 [English][ግእዝ]

እንሆ ኻብቶም ምስ ኢየሱስ ዝነበሩ ሓደ ሰይፉ መልሐ እሞ ነቲ ጊልያ ሊቀ ካህናት ወቕዖ፥ እዝኑውን ቈረጾ። ሽዑ ኢየሱስ “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ እዮም ዚጠፍኡ እሞ ሰይፍኻ ናብ ሠገባኡ ምለሶ። ኣነ ነቦይ ክልምኖ ዘይከኣለኒ፥ ንሱ ኸኣ ኻብ ዓሠርተው ክልተ ሠራዊት ዚበዝኁ መላእኽቲ ብቕጽበት ኪሰደለይ ዘይክእልዶ ይመስለካ፧ እቶም ‘ከምዚ ኺኸውን ኣለዎ’ ዚብሉ መጻሕፍቲ ደኣ ኸመይ ኢሎም ኪፍጸሙ እዮም፧” በሎ። በታ ሰዓት እቲኣ ኢየሱስ ነቶም ሕዝቢ “ከም ንጒሒላዶ በስያፍን በባትርን ክትኅዙኒ መጺእኩም፧ ዕለት ዕለት ኣብ ቤት መቕደስ ተቐሚጠዶ እምህር ኣይነበርኩን፧ ኣይኃዝኩምንን። እዚ ዅሉ ዝኾነ ግና መጻሕፍቲ ነቢያት ምእንቲ ኪፍጸሙ እዩ” በሎም። ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ዅሎም ኃዲጎምዎ ሃደሙ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

1ይ ቆሮ 15 : 19 - 28 [English][ግእዝ]

ኣብ ክርስቶስ ዘላትና ተስፋ ኣብዛ ሕይወት እዚኣ ጥራይ እንተ ደኣ ኾይና፥ ካብ ኵሉ ሰብ እነደንግጽ ምኾንና ኔርና። ሕጂ ግና ክርስቶስ ካብ ምውታት ተንሥአ፥ በዚ ኸኣ ናይቶም ዝሞቱ በዂሪ ትንሣኤ ኾነ። ስለዚ ኸምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝመጸ፥ ከምኡ ኸኣ ትንሣኤ ሙታን ብሓደ ሰብ እዩ ዝመጸ። ከምቲ ዂላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፥ ከምኡ ድማ ኲላቶም ብክርስቶስ ሕያዋን ኪኾኑ እዮም። ግናኸ ነፍስ ወከፍ በብመሥርዑ እዩ፦ ቅድም ክርስቶስ፥ ደኃር ኣብ ካልኣይ ምጽኣቱ፥ እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ። ክርስቶስ ከኣ ኵሉ መንግሥትን ሥልጣንን ኃይልን ስዒሩ እታ መንግሥቲ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ምስ ወፈያ፥ ሽዑ መወዳእታ ኪኸውን እዩ። ከመይ ንዅሎም ጸላእቱ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ክሳዕ ዜግርሮም ኪነግሥ ይግብኦ እዩ። እቲ ኪድምሰስ ዘለዎ ናይ መወዳእታ ጸላኢ ኸኣ ሞት እዩ። ከመይ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዚብልዎ “ኣምላኽ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ እግሩ ኣግዚኡሉ እዩ።” “ንዅሉ ኣግዚእሉ እዩ” ኪብል ከሎ ግና ነቲ ከም ዚግዝኦ ዝገበረ እግዚኣብሔር ኣቦ ከም ዘይምልከት ግሁድ እዩ። ኵሉ ምስ ተግዝኣሉ ግና፥ ኣምላኽ ኵሉን ኣብ ኵሉን ምእንቲ ኪኸውን፥ ወልድ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ዅሉ ዘግዝኣሉ ኪግዛእ እዩ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

1ይ ዮሐ 4 : 3 - 9 [English][ግእዝ]

ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ኸም ዝመጸ ዘይእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ግና፥ ካብ ኣምላኽ ኣይኮነን። እዚ ኸኣ እቲ ኸም ዚመጽእ ሰሚዕኩምዎ ዘሎኹም ናይ ፀረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ። ሕጂውን ድሮ ኣብ ዓለም ኣሎ። ኣቱም ደቀየ፥ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም። ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ መንፈስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ መንፈስ ዚዓቢ ስለ ዝኾነ፥ ንስኻትኩም ነቶም ሓሰውቲ ነቢያት ስዒርኩምዎም ኢኹም። ንሳቶም ካብ ዓለም እዮም፥ ከም ኣዘራርባ ዓለም ከኣ ይዛረቡ ኣለዉ። ዓለምውን ትሰምዖም ኣላ። ንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢና፥ ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓና፥ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኮነ ኣይሰምዓናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ሓሶትን ከኣ በዚ ኢና እንፈልጦ። ኣቱም ፍቁራተይ፥ ፍቕሪ ካብ ኣምላኽ እያ እሞ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ካብ ኣምላኽ ዝተወልደ እዩ፥ ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፥ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። ኣምላኽ ንፍቕሩ፥ ብወዱ ብሕይወት ምእንቲ ክንነብር፥ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ ገለጸልና።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 15 : 4 - 12 [English][ግእዝ]

ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በጽሑ ድማ፥ ቤተ ክርስቲያንን ሓዋርያትን መራሕትን ተቐበልዎም፤ ንሳቶም ድማ ነቲ ኣምላኽ ዝገበረሎም ዘበለ ዅሉ ኣዘንተውሎም። ገሊኣቶም ካብቶም ዝኣመኑ ወገን ፈሪሳውያን ተንሢኦም ከኣ፥ “ኣሕዛብ ኪግዘሩን ሕጊ ሙሴ ኺሕልዉን ምግባር ይግባእ እዩ” እናበሉ ተዛረቡ። እቶም ሓዋርያትን መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን ከኣ ነዚ ነገር እዚ ኪምርምሩ ተኣከቡ። ብዙኅ ክትዕ ምስ ኮነ ኸኣ፥ ጴጥሮስ ተንሢኡ ኸምዚ በሎም፤ “ኣቱም ኣኅዋትና፥ ካብ መጀመርትኡ ኣሕዛብ ብኣፈይ ቃል ወንጌል ኪሰምዑን ኪኣምኑን ኣምላኽ ካባኻትኩም ከም ዝኃረየኒ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። እቲ ልቢ ዚፈልጥ ኣምላኽ፥ ከምቲ ንኣና ዝሃበና ንኣኣቶምውን መንፈስ ቅዱስ ብምሃቡ ከም ዝተቐበሎም መስከረሎም። ልቦም ብእምነት ስለ ዘንጽሐ፥ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኦምን ሓንቲ እኳ ኣይፈላለየን። እምበኣርከስ ነቲ ኣቦታትና ኾነ ንሕና ክንፆሮ ዘይከኣልና ኣርዑት ኣብ ክሳድ ደቀ መዛሙርቲ ብምንባርኩም ስለምንታይ ንኣምላኽ እትፍትንዎ፧ ንሕናውን ከምኣቶም ብጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ከም እንድኅን ኢና እንኣምን።” ኵሎም እቶም ሕዝቢ ድማ ስቕ በሉ፤ በርናባስን ጳውሎስን ከኣ ኣምላኽ ብኣኣቶም ገይሩ ከመይ ዝበለ ዓቢይ ትእምርትን ተኣምራትን፥ ኣብ መንጎ ኣሕዛብ ከም ዝገበረ ከዘንትዉሎም ከለዉ ጽን ኢሎም ይሰሞዑ ነበሩ።

 

ስንክሳር Synaxarium

ስምዖን ዘሃገረ እስክንድርያ ሰማዕት ዘሀገረ ፋርስ ወምስሌሁ ፻ወ፺ ሰማዕታት

 

መዝሙር Psalm

መዝ 66 : 11 - 12 [English][ትግርኛ]

እስመ አመከርከነ እግዚኦ ፤
ወፈተንከነ ከመ ይፈትንዎ ለብሩር ፤
ወአባእከነ ውስተ መሥገርት።

 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 21 : 12 - 19 [English][ግእዝ]

ቅድሚ እዚ ዅሉ ኸኣ፥ ኪኅዙኹምን ኪሰጕኹምን እዮም። ስለ ስመይ ኸኣ ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድን ናብ ቤት ማእሰርትን ኪወስዱኹም፥ ናብ ነገሥታትን ሹማምንትን ኬብጽሑኹም እዮም። እዚ ንኽትምስክሩለይ ጽቡቕ ዕድል ኪኾነልኩም እዩ። ነዚ ነገር እዚ ኣብ ልብኹም ኣኅድርዎ፥ እንታይ ኢልኩም ከም እትምልሱ ኣቐዲምኩም ኣይትሕሰቡ። ምኽንያቱ ኣነ ንኹሎም መኸራኽርትኹም ምቅዋሙን ምምጓቱን ዘይከኣሎን ኣፍን ጥበብን ክህበኩም እየ። ወለድን ኣኅዋትን ኣዝማድን ኣዕሩኽን ኣኅሊፎም ኪህቡኹም፥ ካባኻትኩምውን ንገሊኣቶም ኪቐትሉ እዮም። ስለ ስመይ ከኣ ብዅሉ ዝተጸላእኩም ክትኮኑ ኢኹም። ግናኸ ኻብ ርእስኹም ሓንቲ ፀጕሪ እኳ ኣይክትጠፍእን እያ። ንነፍስኹም ከኣ ብትዕግሥትኹም ከተጥርይዋ ኢኹም።

ቅዳሴ Liturgy :

ዘባስልዮስ(እግዚኦ መሐረነ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 9 : 20 - 21 [English][ትግርኛ]

ሢም እግዚኦ መምህረ ሕግ ላዕሌሆሙ ፤
ወያእምሩ አሕዛብ ከመ ዕጓለ እመሕያው እሙንቱ ፤
ለምንት እግዚኦ ቆምከ እምርኁቅ።
 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 19 : 20 - 27 [English][ግእዝ]

ሓደ ኻልእ ድማ ‘ጐይታይ፥ ዘየንበርካዮ እተልዕል፥ ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ ጨካን ሰብ ምዃንካ ስለ ዝፈለጥኩ ፈሪሀካ፥ እዛ ኣብ ቍራጽ ዓለባ ቘጺረ ዘጽናሕክዋ ቕርሺ ወርቅኻ እንሃልካ’ እናበለ ቐረበ። ንሱ ድማ ‘ኣታ እኩይ ኣገልጋሊ፥ ከምቲ ብኣፍካ ዝበልካዮ እፈርደካ ኣሎኹ። ኣነ ዘየንበርክዎ ዘልዕል፥ ዘይዘራእክዎ ዝዓጽድ ኃያል ሰብ ምዃነይ ፈሊጥካ ኸሎኻስ ስለምንታይ ደኣ ነቲ ወርቀይ ኣብ ባንክ ዘየንበርካዮ፧ ኣነ መጺአ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ’ በሎ። ነቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰባት ከኣ ‘እታ ቕርሺ ወርቂ ኣግድፍዎ እሞ ነቲ ዓሠርተ ቕርሺ ወርቂ ዘለዎ ሃብዎ’ በሎም። ንሳቶም ከኣ፥ ‘ጐይታይ! እትስ ዓሠርተ ቕርሺ ወርቂ ኣለዎ’ በልዎ። ንሱ ድማ ’ንዘለዎ ዘበለ ኺውሃቦ እዩ፥ ነቲ ዘይብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ ኬግድፍዎ እዮም፥ እብለኩም ኣሎኹ። ነዞም ኣነ ኣብ ልዕሊኦም ክነግሥ ዘይደለዩ ጸላእተይ ግና ናብዚ ኣምጺእኩም ኣብ ቅድመይ ሕረድዎም’ በለ።”

 

ዘመነ ሉቃስ Readings for Sunday

ሚያዝያ 20, 2015 ብግእዝ Apr 28, 2024 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 5 : 4 - 5 [English][ትግርኛ]

እስመ ኢኮንከ አምላከ ዘዓመፃ ያፈቅር፤
ወኢየኀድሩ እኩያን ምስሌከ ፤
ወኢይነብሩ ዓማፅያን ቅድመ አዕይንቲከ።
 

ወንጌል Gospel

ማቴ 25 : 24 - 30 [English][ግእዝ]

እቲ ሓደ መክሊት ዝተቐበለ ድማ ቐሪቡ ‘ጐይታይ! ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ፥ ዘይበተንካዮውን እትእክብ ጨካን ሰብኣይ ምዃንካ እፈልጠካ እየ። ስለዚ ፈሪሀ ኸድኩ፥ ነቲ መክሊትካ ድማ ኣብ ምድሪ ሓባእክዎ፥ ሕጂ ኸኣ እንሆ ገንዘብካ’ በሎ። እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፦ ‘ኣታ ኽፉእ ሃካይ ኣገልጋሊ! ዘይዘራእክዎ ከም ዝዓጽድ፥ ዘይበተንክዎ ኸም ዝእክብ እምበኣር ትፈልጥ ኔርካ! ስለዚ ነቲ ገንዘበይ ኣብ ባንክ ከተእትዎ ምተገብኣካ ነይሩ፥ ኣነ ኸኣ መጺአ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ። እምብኣርከስ ነቲ መክሊት ካብኡ ኣግዲፍኩም ነቲ ዓሠርተ መክሊት ዘለዎ ሃብዎ። ምኽንያኡ ድማ ንዘለዎ ዘበለ ዅሉ ይህብዎ፥ ይውስኽዎውን፥ ንዘይብሉ ግና እቲ ዘለዎ እኳ የግድፍዎ። ነዚ ሃካይ ጊልያ ግና ኣብ ፍጹም ጸልማት ደርብይዎ፥ ኣብኡ ኸኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ’።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

2ይ ቆሮ 3 : 12 - 18 [English][ግእዝ]

ከምዚ ዝበለት ተስፋ ስለ ዘላትና ኢና ብትብዓት እንዛረብ ዘሎና። ንሕና፥ ከምቲ ሙሴ ነቲ ዚቕህም ዝነበረ ምንጽብራቕ ገጹ፥ ደቂ እስራኤል ከይርእይዎ ዚጕልበብ ዝነበረ፥ ገጽና ኣይንጕልበብን ኢና። እንተኾነ ልቦም ተደፊኑ እዩ፥ ብሉይ ኪዳን ኬንብቡ ኸለዉ እቲ ጕልባብ እቲ ገና ክሳዕ ሎሚ ኣይተቐልዓሎምን፥ ከመይ ነቲ ጕልባብ እቲ ዚቐልዖ ክርስቶስ ጥራይ እዩ። እወ፥ ክሳዕ ሎሚውን ሕጊ ኦሪት ኪንበብ ከሎ ልቦም ብመጋረጃ ኽዉል እዩ። ሓደ ሰብ ናብ ጐይታ እንተ ተመልሰ ግና እቲ ጉልባቡ ይቕንጠጠሉ እዩ። ጐይታስ መንፈስ እዩ፥ ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ። ንሕና ዅልና ኸኣ ብቕሉዕ ገጽ ክብሪ ጐይታ ኢና ነንጸባርቕ፥ እዚ ካብቲ መንፈስ ዝኾነ ጐይታ ዝመጸ ኽብሪ ኸኣ ናብ ምስሊ ኣርኣያኡ እናተለወጥና፥ ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ ንኃልፍ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

ያዕ 3 : 13 - ፍም [English][ግእዝ]

ኣብ ማእከልኩም ለባምን ኣስተውዓልንዶ ኣሎ፧ ብሠናይ ኣኻይዳኡን፥ ትሕትና ብዝመልኦ ጥበብን ገይሩ ግብሩ የርኢ። መሪር ቅንእን ንኣይ ይጥዓመኒ ዚብል ስምዒትን ኣብ ልብኹም እንተ ኣሎኩም ኣይትመክሑ፥ ንሓቂውን ኣይትጻረርዋ። እዛ “ጥበብ” እዚኣ ምድራዊትን ሥጋዊትን ሰይጣናዊት እያ እምበር፥ ካብ ሰማይ ዝወረደት ኣይኮነን። ከመይ ኣብቲ ቕንእን ንኣይ ይጥዓመኒ ዚብል ስምዒትን ዘለዎ፥ ኣብኡ ምፍራስ ሥርዓትን ኵሉ እኩይ ግብርን ኣሎ። እታ ኻብ ላዕሊ ዝኾነት ጥበብ ግና ቕድሚ ዅሉ ንጽሕቲ እያ። ደኃር ሰላማዊት፥ ሕያወይቲ፥ ሰማዕ፥ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልአት፥ ሻርነትን ግብዝናን ዘይብላ እያ። ብሰላም ዚዘርኡ ገበርቲ ሰላም ፍረ ጽድቂ ይዓጽዱ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 20 : 16 - 21 [English][ግእዝ]

እንተ ኾይኑሉስ ንበዓል ኃምሳ ኣብ ኢየሩሳሌም ኪውዕል ተሃዊኹ ስለ ዝነበረ፥ ጳውሎስ ምእንቲ ኣብ እስያ ከይንድንጒ ኢሉ ናብ ኤፌሶን ከይኣቱ መኸረ። ጳውሎስ ካብ መሊጢ ናብ ኤፌሶን ልኢኹ ነቶም መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ናብኡ ጸውዖም። ናብኡ ምስ መጹ ኸኣ ከምዚ ዚስዕብ በሎም፤ “ካብታ እግረይ ናብ እስያ ዝረገጽኩላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚረ፥ ኵሉ ጊዜ ምሳኻትኩም ከመይ ከም ዝነበርኩ፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም፤ ብውዲት ኣይሁድ ፈተና እንተ በጽሓኒ እኳ፥ ብዅሉ ትሕትናን ብብዙኅ ንብዓትን ንጐይታ ኸመይ ገይረ ከም ዘገልገልኩ፤ ዚጠቅም ዘበለ እናሰበኽኩልኩም፥ ኣብ ዋዕላ ኾነ፥ ኣብ ቤት ከይኃባእኩ ከም ዝመሃርኩኹም፥ ከምኡ ኸኣ፥ ንኣይሁድን ንግሪኻውያንን ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ፥ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ኪኣምኑ ከም ዝመስከርኩ፥ ትፈልጡ ኢኹም።

 

ስንክሳር Synaxarium

በብኑዳ ሰማዕት ዘእምሀገረ ዴንዴራ
ወተዝካሩ ለአባ አሞኒ

 

መዝሙር Psalm

መዝ 10 : 3 - 4 [English][ትግርኛ]

ወሀኮ ኃጥእ ለእግዚአብሔር ፤
ወኢይትኃሠሦ በከመ ብዝኀ መዐቱ ፤
ወአልቦ እግዚአብሔር በቅድሜሁ።

 

ወንጌል Gospel

ማቴ 27 : 3 - 10 [English][ግእዝ]

ሽዑ እቲ ዘትኃዞ ይሁዳ ንኢየሱስ ተፈሪድዎ ምስ ረኣየ፥ ተጣዒሱ “ንጹሕ ሰብ ንሞት ኣኅሊፈ ብምሃበይ በዲለ” እናበለ ነቲ ሠላሳ ቕርሺ ብሩር ናብ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ሕዝብን መለሶ። ንሳቶም ግና “ንሕና እሞ እንታይ ገዲሱና፥ ባዕልኻ ትፈልጥ” በልዎ። ንሱ ኸኣ ነቲ ሠላሳ ቕርሺ ብሩር ናብ ቤት መቕደስ ደርብይዎ ወፀ፥ ከይዱውን ተሓንቀ። እቶም ሊቃነ ካህናት ግና ነቲ ገንዘብ ወሲዶም “ዋጋ ደም ስለ ዝኾነ ኣብ መቐበል ምጽዋት ከነእትዎ ኣይግባእን እዩ” በሉ። ተማኺሮም ከኣ ብእኡ ንመቓብር ኣጋይሽ ዚኸውን ግራት ሠራሕ መሬት ዓደጉሉ። ስለዚ እታ ግራት እቲኣ ኽሳዕ ሎሚ ግራት ደም ትብሃል ኣላ። እቲ ብነቢይ ኤርምያስ “ነቲ ደቂ እስራኤል ዋጋኡ ዝገምገሙሉ፥ ዋጋ እቲ ኽቡር፥ ሠላሳ ቅርሺ ብሩር ወሰዱ። ከምቲ እግዚኣብሔር ዝኣዘዘኒውን ንግራት ሠራሕ መሬት ሃብዎ” ኢሉ ዝተነግረ ቃል ተፈጸመ።

ቅዳሴ Liturgy :

ዘ፫፻ ምእት(ግሩም)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 118 : 55 - 56 [English][ትግርኛ]

ወዐቀብኩ ሕገከ ፤
ወይእቲ ኮነተኒ ፤
እስመ ኵነኔከ ኃሠሥኩ።

 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 23 : 50 - ፍም [English][ግእዝ]

እንሆ፥ ዮሴፍ ዝስሙ ኣማኻሪ ሕያዋይን ጻድቕን ሰብ ነበረ። ዓዱ ድማ ኣርማትያስ ዚበሃል ከተማ ኣይሁድ ነበረ። ንሱ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ዚጽበያ ደኣ ነበረ እምበር ኣብቲ ምኽሪ ኣይሁድን ግብሮምን ኅብረት ኣይነበሮን። ንሱ ናብ ጲላጦስ ከይዱ ሥጋ ኢየሱስ ለመኖ። ኣውሪዱ ኸኣ ብሓድሽ ነጸላ ገነዞ፥ ሰብ ኣብ ዘይተቐብሮ ኣብ ውቑር መቓብር ከኣ ኣንበሮ። ሽዑ መዓልቲ ምድላው፥ ድሮ ሰንበት ነበረ። እተን ካብ ገሊላ ምስኡ ዝመጻ ኣንስቲ ድማ ስዒበን፥ መቓብሩን እቲ ሥጋኡ ከመይ ከም ዝተነብረን ረኣያ። ተመሊሰን ከኣ ሽቱን ቅዱይ ቅብእን ኣዳለዋ፤ ግናኸ ኸምቲ ትእዛዝ ሕጊ ብሰንበት ኣዕሪፈን ወዓላ።

 



Show/Hide መዝሙር ( Hymn )

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

[English][ግእዝ]


ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

[English][ግእዝ]


ግብረ ሃዋርያት Acts

[English][ግእዝ]

መዝሙር Psalm

[English][ትግርኛ]




ወንጌል Gospel

[English][ግእዝ]


ቅዳሴ Liturgy :