God is great! God is great!

ጸሎተ ኪዳን


ሃሌ ሉያ ተመየጢ ተመየጢ ሰላመ ሰጣዊት፥ ወንርአይ ብኪ ሰላመ፥ ምንተኑ ትኔጽሩ በእንተ ሰላመ ሰጣዊት እንተ ትሔውጽ እምርኁቅ ከመ መድበለ ማኅበር ሑረታቲሃ ዘበስን ለወለተ አሚናዳብ።
ሃሌ ሉያ፥ ሃሌ ሃሌ ሉያ፥ ናሁ አስተርአየ ጽጌ፥ መርዓቱኒ ትቤ ወልድ እኁየ ይምዕዝ ከርቤ ናሁ አስተርአየ ጽጌ፥ እንባቆም ነቢይ ሥነ ምግባሩ ለወልድ አንከርኩ ይቤ፥ ናሁ አስተርአየ ጽጌ፥ ንጉሠ ሰላም ክርስቶስ ዓቢይ ልዕልናከ ወመንክር ሥነ ስብሐቲከ ለዕረፍት ሰንበተ ሠራዕከ።
ተሣሃልከ እግዚኦ ምድረከ፥ በ፩ ሃሌ ሉያ፥ ወሚጥ መዓተከ እምኔነ ሃሌ ሉያ፥ አርእየነ እግዚኦ ሣህልከ ሃሌ ሉያ ይትፌሣሕ ልብኪ ኦ ድንግል ወይትለዓል ቀርንኪ በክብር ሰማይ ዳግሚት፥ ብኪ ድኅነ ዓለም ወበወልድኪ ኮነ ሰላም።
ሃሌ ሉያ፥ ይእቲ ማርያም እምነ ወእሙ ለእግዚእነ ሰአሊ በእንቲአነ ደመና ብሩህ ዘከለላ መልአከ ሰላም ተናገራ ወይቤላ ተፈሥሒ ፍሥሕት ቡርክት አንቲ እምአንስት።
ሃሌ ሃሌ ሃሌ ሉያ፥ ሃሌ ሃሌ ሃሌ ሉያ።
ሃሌ ሃሌ ሉያ፥ ሃሌ ሃሌ ሉያ፥ ሃሌ ሉያ፥ ሃሌ ሉያ፥ ይእቲ ማርያም እምነ ወእሙ ለእግዚእነ ሰአሊ በእንቲአነ ከመ ይምሐረነ ወይሣሃለነ ያስተርኢ ኂሩቱ በላዕሌነ። ሠርዓ ለነ ሰንበተ ለዕረፍተ ዚአነ ፍሥሐ ወሰላም ለእለ አመነ። ወሚጥ መዓተከ እምኔነ፥ አርእየነ እግዚኦ ሣህልከ ሃሌ ሃሌ ሉያ፤ ሃሌ ሃሌ ሉያ፤ ሃሌ ሉያ፤ ሃሌ ሉያ፥ ይእቲ ማርያም እምነ ወእሙ ለእግዚእነ ሰአሊ በእንቲአነ ከመ ይምሐረነ ወይሣሃለነ ያስተርኢ ኂሩቱ በላዕሌነ። ሠርዓ ለነ ሰንበተ ለዕረፍተ ዚአነ ፍሥሐ ወሰላም ለእለ አመነ።
ሰላመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ወፍቅራ ለእግዝእትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ አምላክ ሞገሰ መስቀሉ ወኀብተ ረድኤቱ ለእግዚእነ ወአምላክነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ ወትረ ኢይርኃቅ እምኔየ ወእምነ ኲልክሙ እስከ ለዓለም።

ይ.ካ. ቅዱስ
እግዚአብሔር፥

ቅዱስ ኃያል፥ ቅዱስ ዘይመውት ሕያው፥
ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝተወልደ፥ ኦ ጐይታ ይቕረ በለልና።

ቅዱስ እግዚአብሔር ቅዱስ ኃያል፥ ቅዱስ ዘይመውት ሕያው፥
ኣብ ዮርዳኖስ ዚተጠምቀ፥ ኣብ ልዕሊ ዕንፀይቲ መስቀል ዚተሰቕለ፥ ኦ ጐይታ ይቕረ በለልና።

ቅዱስ እግዚአብሔር፥ ቅዱስ ኃያል፥ ቅዱስ ዘይመውት ሕያው፥
ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ካብ ምውታት ተፈልዩ ዚተንሥአ፥ ብምስጋና ናብ ሰማይ ዚዓረገ፥ ኣብ የማን ኣቡኡ ዚተቐመጠ፥ ኣብ ሕያዋንን ምውታትን ኪፈርድ ከም ብሓዱሽ ኪመጽእ እዩ። ኦ ጐይታ ይቕረ በለልና።

ምስጋና ንኣብ፥ ምስጋና ንወልድ፥ ምስጋና ንመንፈስ ቅዱስ
ይዂን። ሎምን ኲሉ ሳዕን ንዘለዓለም ዓለም አሜን፥ አሜን፥ ይዂን፥ ይዂን።

ቅዱስ ሥሉስ፥
ሕያው እግዚአብሔር ይቕረ በለልና።


ቀዳማይ ክፍሊ


ይ.ካ. ስብሐት እግዚአብሔር።

ይ.ሕ. ርቱዕ ይደሉ።

ኦ ጐይታ፥ ንኣኻ
ይ.ካ. ኦ ጐይታ፥ ንኣኻ ኲሉ ንዚፈጠርካ ንዘይትርአ ኣምላኽ፥ ብዂለንትናና ነምልኸካ ኣሎና። ኦ ንዂሉ ጥበብ ኃያል ዚኾንካ ጐይታ፥ ናይ ንግሆ ምስጋና ንውፍየልካ ኣሎና። ብዓል ብዙኅ ምሕረት፥ ናይ ነፍሲ ፈጣሪኣ ዝኾንካ ኣምላኽ፥ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ካብ ኣብ ንዚተወለድካ ነመስግነካ ኣሎና። ኣብ ቅዱሳኑ ዚዓርፍ ናይ ብሕቱ ቃል ኢኻ። ንስኻ ብዘየቋርጽ ምስጋናን ብኣሕሉቕ ሠራዊት መላእኽትን እትምስገን ኢኻ። ብኢድ ዘይተፈጠርካ፥ ኅቡኣት ዚፈጠርካ ንጹሕን ቅዱስን ዘይትምርመር ኢኻ። ናይ ምስጋናኻ ሥውር ጥበብ ዚነገርካና መምህር ኢኻ። ዘይጠፍእ ብርሃንውን ኣተስፎኻና። ንኣኻ ምስጋናን ክብርን ቅድስናን ነቕርብ ኣሎና። ኦ ጐይታ ንሕና ባሮትካ ንጹሕ ምስጋና ንውፊ ኣሎና፥ ሕዝቢ ኸኣ ንኣኻ የመስግኑ ኣሎዉ።

ይ.ሕ. ኪያከ ንሴብሕ እግዚኦ።


አምላከ ብርሃን
ይ.ካ. ኦ ኣምላኽ ብርሃን፥ ሕይወት ዚፈጠርካ፥ ካብ ፍጹም ጸጋ ወሃብ ጸጋ ዝኾንካ፥ ርእሲ ኣእምሮ፥ ንነፍሲ ዚፈጠረ፥ መዝገብ ጥበብ ረዳኢ፥ መንፈስ ቅዱስ ብምሃብ ዜሀብትም። መምህር ቅዱሳንን መሠረት ዓለምን ዝኾንካ። ጸሎት ንጹሓን እትቕበል። ኦ ወልድ ዋሕድ፥ ንኣኻ ነመስግን ኣሎና። ቀዳማይ በዂሪ ናይ ኣብ ቃል፥ ነዞም እንጽውዓካ ንኣና ንዂሉ ዚኸውን ናትካ ጸጋ ዚሃብካና ንስኻ ኢኻ። ኦ ነውሪ ዘይብሉ ንጹሕ ኣቦ፥ ጻጸን ቊንቊነን ዘየበላሽዎ ሃብቲ ዘለዎ። ነቶም ብፍጹም ልቢ ዚኣምኑኻ እትህብ። ንመላእኽቲ ኬመስግንዎ ዜፍትዎም። ዓለም ከይተፈጥረ ዝነበረ ዘይጠፍእ ሓላዊና ብርሃን ኢኻ። ነቲ ኣባና ዚነበረ መዝገብ ጽልመት ኣርሒቕካ ብፍቓድ ኣቦኻ ኣብራህካልና። ካብ መዓሙቕ ጸልማት ናብ ብርሃን ኣውፃእካና። ካብ ሞት ኣድኂንካ ሕይወት ሃብካና። ካብ ባርነት ሓራ ኣውፃእካና። ብመስቀልካ ናብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኻ ኣቕረብካና። ብወንጌል መራሕካና፥ ብነቢያትውን ናዘዝካና። ኦ ኣምላኽ ባዕልኻ ኢኻ ዘቕረብካና። ስለዚ ኦ ጐይታ፥ ንሕና ባሮትካ ንኣኻ ንኣምላኽና ክንውድስን ብዘይ ምቊራጽ ኲሉ ሳዕ ከነመስግንን ብርሃን ሃበና። ሕዝቢውን ንኣኻ ይውድሱ ኣለዉ።

ይ.ሕ. ኪያከ ንዌድስ እግዚኦ።


ምስ ኣቦ
ይ.ካ. ምስ ኣቦ ልዕሊ ዂሉ ንዝኾንካ ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሔር፥ ምስቲ ናይ ዘለዓለም መንግሥትኻ እዚ ምስጋና እዚ ንሣልሳይ ጊዜ ካብ ኣፍና ነቕርብ ኣሎና። ኲሉ ፍጥረት ድማ ብምርዓድን ብመንፈስ ፍርሓትን የመስግነካ ኣሎ። ኦ ኲሉ ነፍሲ ዚፈርሖ፥ ኲሎም ነፍሳት ጻድቃን ብኣኻ ጸኒዖም ዚነብሩ። መናፍስቲ ዘምጽእዎም ወሓይዝቲ ማዕበላት ካባና ዘህዳእካ። ካብ ጥፍኣት ወደብ ሕይወት ዝኾንካና ንስኻ ኢኻ። ናብቲ ናይ ዘለዓለም ተስፋ ምድኃን ዘለዎ ጸግዒውን መጒየዪ ዝኾንካና ንስኻ ኢኻ። ነቶም ኣብ ባሕሪ ዚጭነቑ እተድኅን። ነቶም ኣብ ምድረ በዳ ዘለዉ ኸኣ ብጸጋኻ እተሕዊ፥ ነቶም ኣብ ጽኑዕ ማእሰርቲ ዘለዉ ኸኣ ምሳኣቶም እትነብር። ካብ ማእሰር ሞት ዚፈታሕካና፥ ንመሳኺንን ንዚበኽዩን ዚናዝዞም፥ ነቶም ዚጻመዉ ኸኣ ብመስቀሉ ዚብጀዎም። ነቶም ኣብኡ ዚተወከልና ኲሉ መዓት ካባና ዚመልስን ዜርሕቕን ንስኻ ኢኻ። ኦ ጐይታ ነቢያትን ሐዋርያትን ብሕቡእ ንዜመስግኑኻ ንኣኻ ንውድስን ነመስግነካን ኣሎና። ኣብ ማኅደር ሕይወት ምእንቲ ኬነዕርፍ፥ ብኣኻ ኣሚንና ፍቓድካ እናገበርና ብትእዛዝካ ከም እንመላለስ ግበረና። ኦ ጐይታ ንዂሉ ንናእሽቱን ንዓበይትን፥ ንመመኃደርን ንሕዝቡን፥ ንጓሳን ንመጓሲኡን ብምሕረትካ ሓሉ። ኦ ጐይታናን ኣምላኽናን ቡሩኽ መንግሥቲ ናትካ እዩ’ሞ፥ ቅድሚ ዓለም፥ ምስጋና ንኣብን ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን ይግባእ። ሎምን ኲሉ ሳዕን ንውሉድ ወለዶን ዘይውዳእ፥ ንዘለዓለም ዓለም።

ይ.ሕ. አሜን።



ካልኣይ ክፍሊ


ይ.ካ. ጸጋ ዘእግዚአብሔር የሀሉ ምስሌክሙ።

ይ.ሕ. ምስለ መንፈስከ።

ይ.ካ. ንሰብሖ ለአምላክነ።

ይ.ሕ. ርቱዕ ይደሉ።

ይ.ካ. አጽንዑ ሕሊና ልብክሙ።

ይ.ሕ. ብነ ኀበ እግዚአብሔር አቡነ ዘበሰማያት፥ አቡነ ዘበሰማያት፥ አቡነ ዘበሰማያት፥ ኢታብአነ እግዚኦ ውስተ መንሱት።

እግዚአብሔር አብ
ይ.ካ. እግዚአብሔር ኣብ ወሃብ ብርሃን እዩ። ንዂሉ ዚኸውን ኃይሊ ዘለዎ፥ ንዂሉ ነፍስውን ዚሕሉ፥ ካብ ጥንቲ ጀምሩ ዚነበረ ብርሃን፥ ንዓለም ዚፈጠረ እዩ። ናብ ሕይወት ዚመርሕ፥ ዘይኃልፍ ደስታ ዚህብ። ካብ መዓንቀፊ ጸልማት ዘውፃእካና፥ ዘይርከብ ብርሃን ጸጐኻና። ነቶም ብኣኻ እንኣምን ካብ ማእሰርቲ ፈቲሕካ ብእምነት ከለልካና። ኲሉ ሳዕ ካብ ባሮቱ ዘይርሕቕ፥ ምስኣቶም ዚነብር። ነታ ብምፍራሕን ብምርዓድን እትልምኖ ነፍሲ ዘይጽነን። ቅድሚ ሓሳብ ኲሉ ዚፈልጥ። ቅድሚ ሕሊና ከኣ ዚምርምር፥ ከይለመናዮ ዜድልየና ፈሊጡ ብፍቓዱ ይህበና። ብዘይ ምጥርጣር ኪንጽውዖ ኸሎና ዚሰምዓና። ዘይምርመር ብርሃን፥ ንጉሥ ሠራዊት ሰማያት እዩ። ናይቶም ኃዲርዎም ዚነብር ሊቃነ መላኣኽቲ ምስጋና ማኅሌት ሰማዒ እዩ። ኦ ጐይታ፥ ንልምነካ ኣሎና ስምዓና። ንኣኻ ነመስግንን ንኣኻ ንውድስን፥ ንኣኻ ንባርኽን ኣሎና። ብኣኻ ድማ ኪንጸንዕ ብእምነት ዘየቋርጽ ቃል ሃበና። ኦ ጐይታ ንሕና ባሮትካ ነመስግነካ ኣሎና።

ይ.ሕ. ኪያከ ንሴብሕ እግዚኦ።


ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ
ይ.ካ. ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ልመናና ስምዓና፥ ንዓባሳት ቃል፥ ንስቡራት ምርኲስ፥ ንዕውራት ብርሃን፥ ንሓንካሳት እግሪ፥ ንለምጻማት መንጽሒ፥ ብሕማም ንዚተታኅዙ መኅወዪ፥ ንጸማማት ፈውሲ ኾንካዮም። ንሞት ዘለፎ፥ ንጸልማት ከኣ ሳቐዮ። ብርሃን ዚፈጠረ፥ ዘይዓርብ ፀሐይ፥ ዘይጠፍእ መብራህቲ እዩ። ዂሉ ሳዕ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን ዜብርህ ፀሓይ እዩ። ብምዱብ ፍታው ንዂሉ ስልማት ዓለም ዚፈጠረ እዩ። ሰብ ንምድኃን ተወሊድካ ንዂሉ ተገለጽካ። ንነፍሲ ዚመለስካያ ንስኻ ኢኻ። ንዂሉ ድማ በብዜድልዮ ኣቀዲምካ ሓሌኻ። ንመላእኽቲ ዚፈጠርካ ኣቦ ዂሉ፥ ጌጽ ዓለም፥ ንምድሪ ዚፈጠርካያ ንስኻ ኢኻ። ካብ ጥንቲ ጥበብን ኣእምሮን ካብ ኣቦ ናብዚ ዓለም እዚ ተላእከ። እዚ ህላዌ እዚ ዘይፈርስን ዘይምርመርን እዩ። ዘይርአ መንፈስ እዩ። ነዚ ዘብሠርካና ንስኻ ምስጉን ኢኻ። ስምካ መስተንክር እዩ። ኦ ጐይታ ምእንትዚ ንሕና ባሮትካ ንውድሰካ ኣሎና።

ይ.ሕ. ኪያከ ንዌድስ እግዚኦ።


ምስጋና ንሣልሳይ ጊዜ
ይ.ካ. ኦ ጐይታ፥ ነዚ ቅዱስ ምስጋና ንሣልሳይ ጊዜ ናባኻ ነቕርብ ኣሎና። ዘይልወጥ ናትካ እምነት ሃብካና። ብእኡ ከኣ ማእሰር ሞት ኪንስዕር ገበርካና። ካብ ሰብ መራሕቲ ኪኾኑ፥ ነቶም ብኣኻ ዚኣምኑ ቅኑዕ ሕሊና ዝሃብካ ንስኻ ኢኻ። ንኹሉ ኃይሊ ጸላኢ ብመንፈስ ኪንረግጽ ሃብካና። ዘይፍታሕ ኪንፈትሕ ድማ ምስ ኣቦኻ ፍቕሪ ገበርካልና። ኣብ ማእከልና ኴንካ ድማ ዓረቕካና። ኦ ጐይታ ነቶም ዚልምኑኻ ስምዓዮም፥ ኦ ጐይታ እዞም እንልምነካ’ውን ኣይንከሰስ። ኣብ ጊዜ ኽስስ ኣብ ልዕሊ ጸላኢና ደኣ ዓወት ይሃልወና። ካብ ምትላል ጸላኢ ኪንሕሎ ዘየቋርጽ ጸሎት ሃበና። ኦ ዘለዓለማዊ ንጉሥ ስማዕ፥ ንመበለት ኣጸናንዕ፥ ንዘኽታማት ከኣ ተቐበል፥ ብኃጢኣት ንዚረኸሱ ብምሕረትካ ኣንጽሕ። ንዓያሱ ኣለብም፥ ንጥፉኣት ምለስ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዘሎዉ ኣድኅን። ኦ ጐይታናን ኣምላኽናን፥ ቡሩኽ መንግሥቲ ናትካ እዩ’ሞ ንዂልና ጸግዒ ኲነና።

ይ.ሕ. አሜን።



ሣልሳይ ክፍሊ


ይ.ካ. ጸጋሁ ለእግዚአብሔር የሀሉ ምስሌክሙ።

ይ.ሕ. ምስለ መንፈስከ።

ይ.ካ. አእኲትዎ ለአምላክነ።

ይ.ሕ. ርቱዕ ይደሉ።

ንኣኻ ንኣብ
ይ.ካ. መድኃን ነፍስና ንዝኾንካ ንዘይትልወጥ ንኣኻ ንኣብ፥ መሠረት ጥበባትን ዓቃብ ኣልባብናን ዓይኒ ልብና ዘብራህካልና። ጸልማት ሕሊናናውን ኣርሒቕካ ብናትካ ኣእምሮ ዝኸለልካና ንስኻ ኢኻ። ነቲ ንጥፍኣት ዚተወፈየ ናይ ጥንቲ ሰብ ብመስቀል ወድኻ ኣድኃንካዮ። ብዘይጠፍእ ከኣ ሓደስካዮ። ብትእዛዝካ ድማ ስሕተታት ጠፍኣ። ነቲ ዚጠፍአ ደሌኻዮ፥ ብሞት ወድኻ’ውን ተበጃኻዮ። ኦ ጐይታ፥ ምእንትዚ ንሕና ባሮትካ ነመስግነካ ኣሎና።

ይ.ሕ. ንሴብሓከ እግዚኦ።


ኦ ጐይታ ንውድሰካ
ይ.ካ. ኦ ጐይታ ንውድሰካ ኣሎና። ሊቃነ መላእኽቲ ብዘየቋርጽ ምስጋና ማኅሌት ኲሉ ሳዕ ዜመስግኑኻ ኢኻ። ኦ ጐይታ እዚ ኣጋእዝቲ ብኣኰቴትን ብማኅሌትን ኲሉ ሳዕ ዜመስግኑኻ ናይ ክብሪ ምስጋና እዩ። ቅድም ምሳኻ ዚነበረ፥ ናትካ ቃልን፥ ናትካ ምኽርን፥ ናትካ ጥበብን ናትካ ምብጻሕን ዚለኣኽካ ኢኻ። ዓለም ከይተፈጥረ ምሳኻ ህልዊ ዝኾነ። እወ እቲ ባሕርይ ሰብ ንምድኃን ብሥጋ ዚተገልጸ ቓል ካብ ኣርዑት ኃጢኣት ሓራ ዘወፅኣና ወድኻን ፍቑርካን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ምእንትዚ ኦ ጐይታ ንሕና ንውድሰካ ኣሎና።

ይ.ሕ. ንዌድሰከ እግዚኦ።


ለከ ዘእምልብነ
ይ.ካ. ኦ ወሃብ ሕይወት ጐይታ፥ ንኣኻ ካብ መዓሙቕ ልብና ንሣልሳይ ጊዜ ውዳሴ ነቕርበልካ ኣሎና። ነፍሲ ትሑታት ዚርኢ፥ ንጭኑቕ መንፈስ ሸለል ዘይበለ፥ ነቶም ዚተሰዱ ዚቕበሎምን ዚረድኦምን፥ ነቶም ኣብ ረግረግ ኃጢኣት ተዋሒጦም ዚሳቐዩ መድኃኒ፥ ንጥሙያት ዚሓሊ፥ ንግፉዓት ዚብቀለሎም። ዓርኪ ምእመናን፥ ንጻድቃን ዚምስክረሎም፥ ንንጹሓን መኅደሪኦም፥ ብጽድቂ ንዚጽውዕዎ ሰማዒ። ንመበለት ከዳኒ፥ ንዘኽታማት ዚኣሊ። ነታ ምዕራፍ ምስጋና እምነትን ጉባኤ መንፈስን ሃብቲ ጸጋን ኃይልን ኪትከውን ዚተኸላ ቤተ ክርስቲያን ቅኑዕ መራሒ ዚህብ። ኦ ጐይታ ከየዕረፍና ዂሉ ሳዕ ንኣኻ እናወደስና ብእኡ ኣምሳል መንግሥትኻ ብልባትና ንምስል ኣሎና። ብኣኻን ብፍቑር ወድኻ ጐይታና ኢየሱስን ብእኡ ምስጋናን ጽንዓትን ዘሎካ ንዘዓለም ዓለም።

ይ.ሕ. አሜን።