ዘመነ ማርቆስ Readings for Monday
ሚያዝያ 19, 2018 ብግእዝ Apr 27, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 103 : 20 - 21 [English][ግእዝ][ልሙድ]አቱም መላእኽቱ፣ ንድምጺ ቓሉ እትእዘዙ፣ ንቓሉ እትፍጽሙ ሓያላትን ስልጡናትን፣ ንእግዚአብሄር ባርኽዎ። ኣቱም ሰራዊቱ ዅሉኹም፣ ኣቱም ንፍቓዱ እትፍጽምዎ ኣገልገልቱ፣ ንእግዚአብሄር ባርኽዎ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 26 : 51 - 56 [English][ግእዝ][ልሙድ]51. እንሆ ኻብቶም ምስ ኢየሱስ ዝነበሩ ሓደ ሰይፉ መልሐ እሞ ነቲ ጊልያ ሊቀ ካህናት ወቕዖ፥ እዝኑውን ቈረጾ። 52. ሽዑ ኢየሱስ “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ እዮም ዚጠፍኡ እሞ ሰይፍኻ ናብ ሠገባኡ ምለሶ። 53. ኣነ ነቦይ ክልምኖ ዘይከኣለኒ፥ ንሱ ኸኣ ኻብ ዓሠርተው ክልተ ሠራዊት ዚበዝኁ መላእኽቲ ብቕጽበት ኪሰደለይ ዘይክእልዶ ይመስለካ፧ 54. እቶም ‘ከምዚ ኺኸውን ኣለዎ’ ዚብሉ መጻሕፍቲ ደኣ ኸመይ ኢሎም ኪፍጸሙ እዮም፧” በሎ። 55. በታ ሰዓት እቲኣ ኢየሱስ ነቶም ሕዝቢ “ከም ንጒሒላዶ በስያፍን በባትርን ክትኅዙኒ መጺእኩም፧ ዕለት ዕለት ኣብ ቤት መቕደስ ተቐሚጠዶ እምህር ኣይነበርኩን፧ ኣይኃዝኩምንን። 56. እዚ ዅሉ ዝኾነ ግና መጻሕፍቲ ነቢያት ምእንቲ ኪፍጸሙ እዩ” በሎም። ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ዅሎም ኃዲጎምዎ ሃደሙ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
1ይ ቆሮ 15 : 19 - 28 [English][ግእዝ][ልሙድ]19. ኣብ ክርስቶስ ዘላትና ተስፋ ኣብዛ ሕይወት እዚኣ ጥራይ እንተ ደኣ ኾይና፥ ካብ ኵሉ ሰብ እነደንግጽ ምኾንና ኔርና። 20. ሕጂ ግና ክርስቶስ ካብ ምውታት ተንሥአ፥ በዚ ኸኣ ናይቶም ዝሞቱ በዂሪ ትንሣኤ ኾነ። 21. ስለዚ ኸምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝመጸ፥ ከምኡ ኸኣ ትንሣኤ ሙታን ብሓደ ሰብ እዩ ዝመጸ። 22. ከምቲ ዂላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፥ ከምኡ ድማ ኲላቶም ብክርስቶስ ሕያዋን ኪኾኑ እዮም። 23. ግናኸ ነፍስ ወከፍ በብመሥርዑ እዩ፦ ቅድም ክርስቶስ፥ ደኃር ኣብ ካልኣይ ምጽኣቱ፥ እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ። 24. ክርስቶስ ከኣ ኵሉ መንግሥትን ሥልጣንን ኃይልን ስዒሩ እታ መንግሥቲ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ምስ ወፈያ፥ ሽዑ መወዳእታ ኪኸውን እዩ። 25. ከመይ ንዅሎም ጸላእቱ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ክሳዕ ዜግርሮም ኪነግሥ ይግብኦ እዩ። 26. እቲ ኪድምሰስ ዘለዎ ናይ መወዳእታ ጸላኢ ኸኣ ሞት እዩ። 27. ከመይ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዚብልዎ “ኣምላኽ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ እግሩ ኣግዚኡሉ እዩ።” “ንዅሉ ኣግዚእሉ እዩ” ኪብል ከሎ ግና ነቲ ከም ዚግዝኦ ዝገበረ እግዚኣብሔር ኣቦ ከም ዘይምልከት ግሁድ እዩ። 28. ኵሉ ምስ ተግዝኣሉ ግና፥ ኣምላኽ ኵሉን ኣብ ኵሉን ምእንቲ ኪኸውን፥ ወልድ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ዅሉ ዘግዝኣሉ ኪግዛእ እዩ።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
1ይ ዮሐ 4 : 3 - 9 [English][ግእዝ][ልሙድ]3. ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ኸም ዝመጸ ዘይእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ግና፥ ካብ ኣምላኽ ኣይኮነን። እዚ ኸኣ እቲ ኸም ዚመጽእ ሰሚዕኩምዎ ዘሎኹም ናይ ፀረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ። ሕጂውን ድሮ ኣብ ዓለም ኣሎ። 4. ኣቱም ደቀየ፥ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም። ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ መንፈስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ መንፈስ ዚዓቢ ስለ ዝኾነ፥ ንስኻትኩም ነቶም ሓሰውቲ ነቢያት ስዒርኩምዎም ኢኹም። 5. ንሳቶም ካብ ዓለም እዮም፥ ከም ኣዘራርባ ዓለም ከኣ ይዛረቡ ኣለዉ። ዓለምውን ትሰምዖም ኣላ። 6. ንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢና፥ ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓና፥ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኮነ ኣይሰምዓናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ሓሶትን ከኣ በዚ ኢና እንፈልጦ። 7. ኣቱም ፍቁራተይ፥ ፍቕሪ ካብ ኣምላኽ እያ እሞ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ካብ ኣምላኽ ዝተወልደ እዩ፥ ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ። 8. ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፥ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። 9. ኣምላኽ ንፍቕሩ፥ ብወዱ ብሕይወት ምእንቲ ክንነብር፥ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ ገለጸልና።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 15 : 4 - 12 [English][ግእዝ][ልሙድ]4. ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በጽሑ ድማ፥ ቤተ ክርስቲያንን ሓዋርያትን መራሕትን ተቐበልዎም፤ ንሳቶም ድማ ነቲ ኣምላኽ ዝገበረሎም ዘበለ ዅሉ ኣዘንተውሎም። 5. ገሊኣቶም ካብቶም ዝኣመኑ ወገን ፈሪሳውያን ተንሢኦም ከኣ፥ “ኣሕዛብ ኪግዘሩን ሕጊ ሙሴ ኺሕልዉን ምግባር ይግባእ እዩ” እናበሉ ተዛረቡ። 6. እቶም ሓዋርያትን መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን ከኣ ነዚ ነገር እዚ ኪምርምሩ ተኣከቡ። 7. ብዙኅ ክትዕ ምስ ኮነ ኸኣ፥ ጴጥሮስ ተንሢኡ ኸምዚ በሎም፡ - “ኣቱም ኣኅዋትና፥ ካብ መጀመርትኡ ኣሕዛብ ብኣፈይ ቃል ወንጌል ኪሰምዑን ኪኣምኑን ኣምላኽ ካባኻትኩም ከም ዝኃረየኒ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 8. እቲ ልቢ ዚፈልጥ ኣምላኽ፥ ከምቲ ንኣና ዝሃበና ንኣኣቶምውን መንፈስ ቅዱስ ብምሃቡ ከም ዝተቐበሎም መስከረሎም። 9. ልቦም ብእምነት ስለ ዘንጽሐ፥ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኦምን ሓንቲ እኳ ኣይፈላለየን። 10. እምበኣርከስ ነቲ ኣቦታትና ኾነ ንሕና ክንፆሮ ዘይከኣልና ኣርዑት ኣብ ክሳድ ደቀ መዛሙርቲ ብምንባርኩም ስለምንታይ ንኣምላኽ እትፍትንዎ፧ 11. ንሕናውን ከምኣቶም ብጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ከም እንድኅን ኢና እንኣምን።” 12. ኵሎም እቶም ሕዝቢ ድማ ስቕ በሉ፤ በርናባስን ጳውሎስን ከኣ ኣምላኽ ብኣኣቶም ገይሩ ከመይ ዝበለ ዓቢይ ትእምርትን ተኣምራትን፥ ኣብ መንጎ ኣሕዛብ ከም ዝገበረ ከዘንትዉሎም ከለዉ ጽን ኢሎም ይሰሞዑ ነበሩ።
ስንክሳር Synaxarium
ስምዖን ዘሃገረ እስክንድርያ ሰማዕት ዘሀገረ ፋርስ ወምስሌሁ ፻ወ፺ ሰማዕታት
መዝሙር Psalm
መዝ 66 : 11 - 12 [English][ግእዝ][ልሙድ]ዎ ኣምላኽ፣ ተዐዚብካና ኢኻ እሞ፣ ከም ዚዅላዕ ብሩር ኰላዕካና። ናብ መርበብ ኣእቶኻና፣ ኣብ ሕቜና ኸቢድ ጾር ኣጾርካና።
ወንጌል Gospel
ሉቃ 21 : 12 - 19 [English][ግእዝ][ልሙድ]12. ቅድሚ እዚ ዅሉ ኸኣ፥ ኪኅዙኹምን ኪሰጕኹምን እዮም። ስለ ስመይ ኸኣ ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድን ናብ ቤት ማእሰርትን ኪወስዱኹም፥ ናብ ነገሥታትን ሹማምንትን ኬብጽሑኹም እዮም። 13. እዚ ንኽትምስክሩለይ ጽቡቕ ዕድል ኪኾነልኩም እዩ። 14. ነዚ ነገር እዚ ኣብ ልብኹም ኣኅድርዎ፥ እንታይ ኢልኩም ከም እትምልሱ ኣቐዲምኩም ኣይትሕሰቡ። 15. ምኽንያቱ ኣነ ንኹሎም መኸራኽርትኹም ምቅዋሙን ምምጓቱን ዘይከኣሎን ኣፍን ጥበብን ክህበኩም እየ። 16. ወለድን ኣኅዋትን ኣዝማድን ኣዕሩኽን ኣኅሊፎም ኪህቡኹም፥ ካባኻትኩምውን ንገሊኣቶም ኪቐትሉ እዮም። 17. ስለ ስመይ ከኣ ብዅሉ ዝተጸላእኩም ክትኮኑ ኢኹም። 18. ግናኸ ኻብ ርእስኹም ሓንቲ ፀጕሪ እኳ ኣይክትጠፍእን እያ። 19. ንነፍስኹም ከኣ ብትዕግሥትኹም ከተጥርይዋ ኢኹም። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘባስልዮስ(እግዚኦ መሐረነ)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 9 : 20 - 21 [English][ግእዝ][ልሙድ]ዎ እግዚኣብሄር፣ ፍርሃት ኣውድቐሎም፣ ኣህዛብሲ ሰብ ምዃኖም ደአ ይፍለጡ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ስለምንታይ ደአ እትርሕቕ፣ ብዘመናት ጸበባስ እትኽወል፧
ወንጌል Gospel
ሉቃ 19 : 20 - 27 [English][ግእዝ][ልሙድ]20. - 21. ሓደ ኻልእ ድማ ‘ጐይታይ፥ ዘየንበርካዮ እተልዕል፥ ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ ጨካን ሰብ ምዃንካ ስለ ዝፈለጥኩ ፈሪሀካ፥ እዛ ኣብ ቍራጽ ዓለባ ቘጺረ ዘጽናሕክዋ ቕርሺ ወርቅኻ እንሃልካ’ እናበለ ቐረበ። 22. ንሱ ድማ ‘ኣታ እኩይ ኣገልጋሊ፥ ከምቲ ብኣፍካ ዝበልካዮ እፈርደካ ኣሎኹ። ኣነ ዘየንበርክዎ ዘልዕል፥ ዘይዘራእክዎ ዝዓጽድ ኃያል ሰብ ምዃነይ ፈሊጥካ ኸሎኻስ 23. ስለምንታይ ደኣ ነቲ ወርቀይ ኣብ ባንክ ዘየንበርካዮ፧ ኣነ መጺአ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ’ በሎ። 24. ነቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰባት ከኣ ‘እታ ቕርሺ ወርቂ ኣግድፍዎ እሞ ነቲ ዓሠርተ ቕርሺ ወርቂ ዘለዎ ሃብዎ’ በሎም። 25. ንሳቶም ከኣ፥ ‘ጐይታይ! እትስ ዓሠርተ ቕርሺ ወርቂ ኣለዎ’ በልዎ። 26. ንሱ ድማ ’ንዘለዎ ዘበለ ኺውሃቦ እዩ፥ ነቲ ዘይብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ ኬግድፍዎ እዮም፥ እብለኩም ኣሎኹ። 27. ነዞም ኣነ ኣብ ልዕሊኦም ክነግሥ ዘይደለዩ ጸላእተይ ግና ናብዚ ኣምጺእኩም ኣብ ቅድመይ ሕረድዎም’ በለ።” ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ዘመነ ማርቆስ Readings for Tuesday
ሚያዝያ 20, 2018 ብግእዝ Apr 28, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 5 : 4 - 5 [English][ግእዝ][ልሙድ]ብረሲእነት ባህ እትብል ኣምላኽ ኣይኰንካን እሞ፣ እኩይ ምሳኻ ኣይሐድርን። ትዕቢተኛታት ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኣይቈሙን፣ ንገበርቲ እከይ ዘበሉ ትጸልኦም።
ወንጌል Gospel
ማቴ 25 : 24 - 30 [English][ግእዝ][ልሙድ]24. እቲ ሓደ መክሊት ዝተቐበለ ድማ ቐሪቡ ‘ጐይታይ! ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ፥ ዘይበተንካዮውን እትእክብ ጨካን ሰብኣይ ምዃንካ እፈልጠካ እየ። 25. ስለዚ ፈሪሀ ኸድኩ፥ ነቲ መክሊትካ ድማ ኣብ ምድሪ ሓባእክዎ፥ ሕጂ ኸኣ እንሆ ገንዘብካ’ በሎ። 26. እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፦ ‘ኣታ ኽፉእ ሃካይ ኣገልጋሊ! ዘይዘራእክዎ ከም ዝዓጽድ፥ ዘይበተንክዎ ኸም ዝእክብ እምበኣር ትፈልጥ ኔርካ! 27. ስለዚ ነቲ ገንዘበይ ኣብ ባንክ ከተእትዎ ምተገብኣካ ነይሩ፥ ኣነ ኸኣ መጺአ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ። 28. እምብኣርከስ ነቲ መክሊት ካብኡ ኣግዲፍኩም ነቲ ዓሠርተ መክሊት ዘለዎ ሃብዎ። 29. ምኽንያኡ ድማ ንዘለዎ ዘበለ ዅሉ ይህብዎ፥ ይውስኽዎውን፥ ንዘይብሉ ግና እቲ ዘለዎ እኳ የግድፍዎ። 30. ነዚ ሃካይ ጊልያ ግና ኣብ ፍጹም ጸልማት ደርብይዎ፥ ኣብኡ ኸኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ’። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
2ይ ቆሮ 3 : 12 - 18 [English][ግእዝ][ልሙድ]12. ከምዚ ዝበለት ተስፋ ስለ ዘላትና ኢና ብትብዓት እንዛረብ ዘሎና። 13. ንሕና፥ ከምቲ ሙሴ ነቲ ዚቕህም ዝነበረ ምንጽብራቕ ገጹ፥ ደቂ እስራኤል ከይርእይዎ ዚጕልበብ ዝነበረ፥ ገጽና ኣይንጕልበብን ኢና። 14. እንተኾነ ልቦም ተደፊኑ እዩ፥ ብሉይ ኪዳን ኬንብቡ ኸለዉ እቲ ጕልባብ እቲ ገና ክሳዕ ሎሚ ኣይተቐልዓሎምን፥ ከመይ ነቲ ጕልባብ እቲ ዚቐልዖ ክርስቶስ ጥራይ እዩ። 15. እወ፥ ክሳዕ ሎሚውን ሕጊ ኦሪት ኪንበብ ከሎ ልቦም ብመጋረጃ ኽዉል እዩ። 16. ሓደ ሰብ ናብ ጐይታ እንተ ተመልሰ ግና እቲ ጉልባቡ ይቕንጠጠሉ እዩ። 17. ጐይታስ መንፈስ እዩ፥ ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ። 18. ንሕና ዅልና ኸኣ ብቕሉዕ ገጽ ክብሪ ጐይታ ኢና ነንጸባርቕ፥ እዚ ካብቲ መንፈስ ዝኾነ ጐይታ ዝመጸ ኽብሪ ኸኣ ናብ ምስሊ ኣርኣያኡ እናተለወጥና፥ ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ ንኃልፍ።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
ያዕ 3 : 13 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]13. ኣብ ማእከልኩም ለባምን ኣስተውዓልንዶ ኣሎ፧ ብሠናይ ኣኻይዳኡን፥ ትሕትና ብዝመልኦ ጥበብን ገይሩ ግብሩ የርኢ። 14. መሪር ቅንእን ንኣይ ይጥዓመኒ ዚብል ስምዒትን ኣብ ልብኹም እንተ ኣሎኩም ኣይትመክሑ፥ ንሓቂውን ኣይትጻረርዋ። 15. እዛ “ጥበብ” እዚኣ ምድራዊትን ሥጋዊትን ሰይጣናዊት እያ እምበር፥ ካብ ሰማይ ዝወረደት ኣይኮነን። 16. ከመይ ኣብቲ ቕንእን ንኣይ ይጥዓመኒ ዚብል ስምዒትን ዘለዎ፥ ኣብኡ ምፍራስ ሥርዓትን ኵሉ እኩይ ግብርን ኣሎ። 17. እታ ኻብ ላዕሊ ዝኾነት ጥበብ ግና ቕድሚ ዅሉ ንጽሕቲ እያ። ደኃር ሰላማዊት፥ ሕያወይቲ፥ ሰማዕ፥ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልአት፥ ሻርነትን ግብዝናን ዘይብላ እያ። 18. ብሰላም ዚዘርኡ ገበርቲ ሰላም ፍረ ጽድቂ ይዓጽዱ።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 20 : 16 - 21 [English][ግእዝ][ልሙድ]16. እንተ ኾይኑሉስ ንበዓል ኃምሳ ኣብ ኢየሩሳሌም ኪውዕል ተሃዊኹ ስለ ዝነበረ፥ ጳውሎስ ምእንቲ ኣብ እስያ ከይንድንጒ ኢሉ ናብ ኤፌሶን ከይኣቱ መኸረ። 17. ጳውሎስ ካብ መሊጢ ናብ ኤፌሶን ልኢኹ ነቶም መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ናብኡ ጸውዖም። 18. ናብኡ ምስ መጹ ኸኣ ከምዚ ዚስዕብ በሎም፡ - “ካብታ እግረይ ናብ እስያ ዝረገጽኩላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚረ፥ ኵሉ ጊዜ ምሳኻትኩም ከመይ ከም ዝነበርኩ፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም፤ 19. ብውዲት ኣይሁድ ፈተና እንተ በጽሓኒ እኳ፥ ብዅሉ ትሕትናን ብብዙኅ ንብዓትን ንጐይታ ኸመይ ገይረ ከም ዘገልገልኩ፤ 20. ዚጠቅም ዘበለ እናሰበኽኩልኩም፥ ኣብ ዋዕላ ኾነ፥ ኣብ ቤት ከይኃባእኩ ከም ዝመሃርኩኹም፥ 21. ከምኡ ኸኣ፥ ንኣይሁድን ንግሪኻውያንን ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ፥ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ኪኣምኑ ከም ዝመስከርኩ፥ ትፈልጡ ኢኹም።
ስንክሳር Synaxarium
በብኑዳ ሰማዕት ዘእምሀገረ ዴንዴራወተዝካሩ ለአባ አሞኒ
መዝሙር Psalm
መዝ 10 : 3 - 4 [English][ግእዝ][ልሙድ]ረሲእ ብትምኒት ልቡ ይጀሀር፣ ንገፋዒ ይምርቖ፣ ንእግዚኣብሄር ይንዕቆ ኣሎ እሞ፣ ጥቑዕሲ ብትዕቢት ረሲእ ይስቀ ኣሎ፣ በቲ ዝሐሰብዎ ውዲት ይተሐንኰሉ። ኵሉ ሓሳባት እቲ ረሲእ፣ ኣምላኽ የልቦን እዩ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 27 : 3 - 10 [English][ግእዝ][ልሙድ]3. - 4. ሽዑ እቲ ዘትኃዞ ይሁዳ ንኢየሱስ ተፈሪድዎ ምስ ረኣየ፥ ተጣዒሱ “ንጹሕ ሰብ ንሞት ኣኅሊፈ ብምሃበይ በዲለ” እናበለ ነቲ ሠላሳ ቕርሺ ብሩር ናብ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ሕዝብን መለሶ። ንሳቶም ግና “ንሕና እሞ እንታይ ገዲሱና፥ ባዕልኻ ትፈልጥ” በልዎ። 5. ንሱ ኸኣ ነቲ ሠላሳ ቕርሺ ብሩር ናብ ቤት መቕደስ ደርብይዎ ወፀ፥ ከይዱውን ተሓንቀ። 6. እቶም ሊቃነ ካህናት ግና ነቲ ገንዘብ ወሲዶም “ዋጋ ደም ስለ ዝኾነ ኣብ መቐበል ምጽዋት ከነእትዎ ኣይግባእን እዩ” በሉ። 7. ተማኺሮም ከኣ ብእኡ ንመቓብር ኣጋይሽ ዚኸውን ግራት ሠራሕ መሬት ዓደጉሉ። 8. ስለዚ እታ ግራት እቲኣ ኽሳዕ ሎሚ ግራት ደም ትብሃል ኣላ። 9. እቲ ብነቢይ ኤርምያስ “ነቲ ደቂ እስራኤል ዋጋኡ ዝገምገሙሉ፥ ዋጋ እቲ ኽቡር፥ ሠላሳ ቅርሺ ብሩር ወሰዱ። 10. ከምቲ እግዚኣብሔር ዝኣዘዘኒውን ንግራት ሠራሕ መሬት ሃብዎ” ኢሉ ዝተነግረ ቃል ተፈጸመ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘ፫፻ ምእት(ግሩም)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 118 : 55 - 56 [English][ግእዝ][ልሙድ]ዎ እግዚኣብሄር፣ ብለይቲ ስምካ ሐሰብኩ፣ ሕግኻውን ሐሎኹ። ትእዛዛትካ ሐልየ እየ እሞ፣ እዚ ዕድለይ ኰነ።
ወንጌል Gospel
ሉቃ 23 : 50 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]50. እንሆ፥ ዮሴፍ ዝስሙ ኣማኻሪ ሕያዋይን ጻድቕን ሰብ ነበረ። 51. ዓዱ ድማ ኣርማትያስ ዚበሃል ከተማ ኣይሁድ ነበረ። ንሱ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ዚጽበያ ደኣ ነበረ እምበር ኣብቲ ምኽሪ ኣይሁድን ግብሮምን ኅብረት ኣይነበሮን። 52. ንሱ ናብ ጲላጦስ ከይዱ ሥጋ ኢየሱስ ለመኖ። 53. ኣውሪዱ ኸኣ ብሓድሽ ነጸላ ገነዞ፥ ሰብ ኣብ ዘይተቐብሮ ኣብ ውቑር መቓብር ከኣ ኣንበሮ። 54. ሽዑ መዓልቲ ምድላው፥ ድሮ ሰንበት ነበረ። 55. እተን ካብ ገሊላ ምስኡ ዝመጻ ኣንስቲ ድማ ስዒበን፥ መቓብሩን እቲ ሥጋኡ ከመይ ከም ዝተነብረን ረኣያ። 56. ተመሊሰን ከኣ ሽቱን ቅዱይ ቅብእን ኣዳለዋ፤ ግናኸ ኸምቲ ትእዛዝ ሕጊ ብሰንበት ኣዕሪፈን ወዓላ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ዘመነ ማርቆስ Readings for Wednesday
ሚያዝያ 21, 2018 ብግእዝ Apr 29, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 45 : 9 - 10 [English][ግእዝ][ልሙድ]እታ ንግስቲ ብወርቂ ኦፈር ተሰሊማ፣ ኣብ የማንካ ትቐውም ኣላ። ጓለየ፣ ስምዒ፣ ርአዪውን፣ እዝንኺ ኸኣ ኣድንኒ፣ ህዝብኽን ቤት ኣቦኽን ረስዒ።
ወንጌል Gospel
ዮሐ 19 : 25 - 37 [English][ግእዝ][ልሙድ]25. ኣብ ጥቓ መስቀል ኢየሱስ ከኣ ኣዲኡን ኃብቲ እኖኡን፥ ማርያም ሰበይቲ ቀለዮጳን ማርያም መግደላዊትን፥ ደው ኢለን ነበራ። 26. ኢየሱስ ነዲኡ፥ ነቲ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙርውን ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሉ ምስ ረኣየ ነዲኡ፥ “ኣቲ ሰበይቲ! እንሆ ወድኺ” በላ። 27. ነቲ ወደ መዝሙር ከኣ “እንሃ ኣዴኻ” በሎ። እቲ ወደ መዝሙርውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ። 28. ድኅርዚ ኢየሱስ ኵሉ ኸም ዝተፈጸመ ፈሊጡ፥ እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኪፍጸም “ጸማእኩ” በለ። 29. ኣብኡ መጺጽ ዝመልኦ ኣቕሓ ነበረ። ሽዑ መጺጽ ዝመልኦ ሰፍነግ ኣብ ዘንጊ ስምዕዛ ገይሮም ናብ ኣፉ ኣቕረቡሉ። 30. ኢየሱስ ከኣ ነቲ መጺጽ ምስ ጠዓመ፥ “ተፈጸመ” በለ። ርእሱ ኣድነነ ነፍሱውን ወፀት። 31. ስለዚ ፥ ድሮ ሰንበት ስለ ዝነበረ፥ እታ ሰንበት እቲኣ ድማ ኽብርቲ በዓል ዓመት ስለ ዝነበረት፥ እቲ ሬሳታት ኣብ መስቀል ምእንቲ ኸይኃድር መሓዅልቶም ሰሰቢሮም ኬውርድዎ መራሕቲ ኣይሁድ ንጲላጦስ ለመንዎ። 32. ሽዑ እቶም ወተሃደራት መጺኦም መሓዅልቲ እቲ ቐዳማይን ናይቲ ምስኡ ዝተሰቕለ ኻልኣይን ሰበሩ። 33. ናብ ኢየሱስ ምስ መጹ ግና ድሮ ከም ዝሞተ ርእዮም መሓዅልቱ ኣይሰበርዎን። 34. ሓደ ኻብቶም ወተሃደራት ግና ጐድኑ ብዅናት ወግኦ፥ ብኡብኡ ኸኣ ደምን ማይን ወፀ። 35. እቲ ነዚ ዝረኣየ መስከረ፥ እቲ ምስክሩ ኸኣ ሓቂ እዩ፤ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትኣምኑ ድማ ንሱ ሓቂ ኸም ዝመስከረ ይፈልጥ እዩ። 36. እዚ ዝኾነ ኸኣ እቲ “ካብኡ ሓደ ዓጽሚ እኳ ኣይኪሰብሩን እዮም” ዚብል ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ። 37. ካልእ ጽሑፍውን “እቶም ዝወግእዎ ኪርእይዎ እዮም” ዚብል ኣሎ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
ዕብ 2 : 9 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]9. ነቲ ኻብ መላእኽቲ ንቚሩብ ጊዜ ትሕት ኢሉ ዝነበረ ኢየሱስ ግና፥ ብምኽንያት ሞቱ ሕጂ ኣኽሊል ክብርን ግርማን ደፊኡ ንርእዮ ኣሎና። እዚ ኸኣ ንሱ ብጸጋ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዅሉ ሰብ ስለ ዝሞተ እዩ። 10. እቲ ዅሉ ምእንትኡ ዅሉዉን ብእኡ ዝተፈጠረ፥ ንብዙኃት ውሉድ ናብ ክብሪ ምእንቲ ኼእትዎም፥ ነቲ ናይ ድኅነቶም መራሒ ብስቃይ ፍጹም ክገብሮ ተገብኦ። 11. - 12. እቲ ዚቕድስን እቶም ዚቕደሱን ካብ ሓደ መበቆል እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ “ስምካ ነኅዋተይ ክነግሮም እየ፥ ኣብ ማእከል ማኅበርውን ምስጋናኻ ክዝምር እየ” ስለ ዝብል “ኣኅዋተይ” ኢሉ ንምጽዋዖም ኣይኃፍርን እዩ። 13. ደጊሙ ኸኣ “ኣነ ኣብኡ ኽውከል እየ” ከም ብሓድሽውን “ኣነን እቶም ኣምላኽ ዝሃበኒ ውሉድን እኔና” ይብል። 14. እቶም ውሉድ ሥጋን ደምን ዝለበሱ ሰብ ስለ ዝኾኑ፥ ኢየሱስውን ከምኦም ሰብ ኮነ፥ እዚ ኸኣ ብሞቱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ሥልጣን ዘለዎ ዲያብሎስ ምእንቲ ኽስዕር፥ 15. ነቶም ብናይ ሞት ፍርሃት ምሉእ ዕድሚኦም በራዩ ኾይኖም ዝነበሩ ኸኣ ሓራ ምእንቲ ኼውፅእ ኢሉ እዩ። 16. ከመይ ብሓቂ፥ ንዘርኢ ኣብርሃም እምበር ንመላእኽቲ ኬድኅን ኣይመጸን። 17. ስለዚውን ርኅሩኅን እሙንን ንኣምላኽ ዘገልግል ሊቀ ካህናት ምእንቲ ክኸውን፥ ንኃጢኣት ሕዝቢ እውን ሥርየት ምእንቲ ኬውህብ ነቶም ኣኅዋቱ ብዅሉ ኺመስሎም ተገብኦ። 18. ንሱ ባዕሉ ኺፍተን ከሎ ተሳቕዩ እዩ እሞ፥ ነቶም ዚፍትኑ ኪረድኦም ይከኣሎ እዩ።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
2ይ ዮሐ 1 : 4 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]4. ገለ ካብ ደቅኺ ከምቲ ኻብ ኣቦ ዝተቐበልናዮ ትእዛዝ ኮይኖም ብሓቂ ዚነብሩ ስለ ዝረኸብኩ፥ ብዙኅ እሕጐስ ኣሎኹ። 5. ሕጂ ድማ እመቤተይ፥ ሓድሽ ዘይኮነስ፥ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረና ትእዛዝ እየ ዝጽሕፈልኪ ዘሎኹ፥ ማለት ንሓድሕድና ክንፋቐር እልምነኪ ኣሎኹ። 6. ፍቕሪ ማለት ትእዛዛት ኣምላኽ እናፈጸምካ ምንባር ማለት እዩ። ከምቲ ካብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ፥ እቲ ትእዛዝ “ብፍቕሪ ንበሩ” ዚብል እዩ። 7. ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ብሥጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመኑ ብዙኃት መስሓትቲ ኣብ ዓለም ተላዒሎም ኣለዉ። መስሓትን ፀረ ክርስቶስን ዚበሃል ከኣ ኸምዚ ዝበለ እዩ። 8. ምሉእ ዓስቢ ኽትቅበሉ እምበር ነቲ ዝጸዓርኩምሉ ምእንቲ ኸይተጥፍእዎ፥ ተጠንቀቑ። 9. እቲ ኻብ ትምህርቲ ክርስቶስ ዚዝምብል፥ ኣብኡ እውን ዘይጸንዕ፥ ኣምላኽ ኣብኡ የሎን። እቲ ኣብ ትምህርቲ ክርስቶስ ዚጸንዕ፥ ኣብን ወልድን ኣብኡ ኣለው። 10. ዝኾነ ይኹን ትምህርቲ ክርስቶስ ከይኃዘ፥ ናባኻትኩም እንተ መጸ፥ ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎ፥ ሰላምውን ኣይትበልዎ። 11. ከመይ እቲ ሰላም ዚብሎ ኣብቲ እኩይ ግብሩ ኃቢርዎ እዩ። 12. ብወረቐትን ብቐለምን ደኣ ኽገብሮ ኣይደሌኹ እምበር፥ ናባኻትኩም ዝጽሕፎ ብዙኅ ነገር ነይሩኒ። ግናኸ ሓጐስና ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን ናባኻትኩም ክመጽእ እሞ ኣፍ ንኣፍ ክዛረበኩም ተስፋ እገብር ኣሎኹ። 13. ደቂ እታ ኅርይቲ ኃብትኺ ሰላም ይብሉኺ ኣለዉ።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 17 : 30 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]30. ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቊርና ሸለል ብምባል ኣኅሊፍዎ እዩ፥ ሕጂ ግና ኣብ ኵሉ ዓለም ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ኣዚዙ ኣሎ። 31. በቲ ንሱ ዝሸሞ ሰብኣይ ገይሩ ንዓለም ብጽድቂ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ኣሎ፤ ነዚ ንዅሉ ሰብ ዘረጋገጾ ነቲ ዝኃረዮ ሰብኣይ ካብ ምውታት ብምትንሣኡ እዩ።” 32. ብዛዕባ ትንሣኤ ምውታት ምስ ሰምዑ ገሊኦም ኣላገጹሉ፥ ገሊኦም ከኣ፥ “እዝስ ከም ብሓድሽ ክንሰምዓካ ንደሊ ኢና” በልዎ። 33. ሽዑ ጳውሎስ ካብ ማእከሎም ወፂኡ ኸደ። 34. ገሊኣቶም ሰባት ከኣ ኣሚኖም ሰዓብዎ፥ ንሳቶም ድማ ሓደ ኻብቶም ናይ ኣርዮስፋጎስ ባይቶ፥ ዲዮናስዮስ ዚብሃልን፥ ደማሪስ እትብሃል ሰበይትን፥ ከምኡውን ካልኦት ሰባት ምስኣቶም ነበሩ።
ስንክሳር Synaxarium
በዓለ እግዝእትነ ማርያምወበርታዎስ ዘሀገረ አቴናወአካርክስወቅርያስወይወራስ
መዝሙር Psalm
መዝ 45 : 10 - 11 [English][ግእዝ][ልሙድ]ጓለየ፣ ስምዒ፣ ርአዪውን፣ እዝንኺ ኸኣ ኣድንኒ፣ ህዝብኽን ቤት ኣቦኽን ረስዒ። ንጉስ ንውብነትኪ ይብህጎ፣ ንሱ ጐይታኺ እዩ እሞ ስገድሉ።
ወንጌል Gospel
ማር 15 : 37 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]37. ኢየሱስ ከኣ ብዓቢይ ድምፂ ገዓረ ነፍሱውን ወፀት። 38. መጋረጃ ቤት መቕደስ ድማ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረ። 39. እቲ ኣብ መንጽሩ ደው ኢሉ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ ኸኣ፥ ነፍሱ ኸምዚ ኢላ ከም ዝወፀት ምስ ረኣየ “እዚ ሰብ እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ነይሩ” በለ። 40. እነሆ ኸኣ ኣንስቲ ኣብ ርሑቕ ኮይነን የማዕድዋ ነበራ፥ ምስኣተን ከኣ ማርያም መግደላዊትን ማርያም ኣደ ያዕቆብ ንኡስን ዮሳን፥ ሰሎሜን ነበራ። 41. ንሳተን ኣብ ገሊላ ኸሎ ጀሚረን ዝሰዓባኦን ዘገልገልኦን እየን፤ መብዛኅትአን እተን ካልኦት ግና ምስኡ ናብ ኢየሩሳሌም ዝደየባ ነበራ። 42. ምስ መሰየ፥ መዓልቲ ምስንዳው፥ ማለት ድሮ ሰንበት ስለ ዝነበረ፥ 43. እቲ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ዚጽበያ፥ ናይ ባይቶ ኣይሁድ ኅፉር ኣማኻሪ ዮሴፍ በዓል ኣርማትያስ መጸ፥ ብትብዓት ናብ ጲላጦስ ኣትዩ ኸኣ ሥጋ ኢየሱስ ኪወሃቦ ለመኖ። 44. ጲላጦስ ድማ፥ ቐልጢፉ ብሙማቱ ገረሞ፥ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ጸዊዑ ኸኣ “ብሓቂዶ ድሮ ሞይቱ እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። 45. ካብቲ ሓለቓ ሚእቲ ምስ ኣረጋገጸ ኸኣ፥ ሥጋ ኢየሱስ ንዮሴፍ ሃቦ። 46. ንሱ ድማ ሓድሽ ነጸላ ዓደገ፥ ኣውሪዱ ኸኣ በቲ ነጸላ ገነዞ፥ ኣብ ከውሒ ኣብ ዝተወቕረ መቓብርውን ኣንበሮ፥ ነቲ ኣፍ መቓብር ከኣ እምኒ ኣንከራርዩ ዓጸዎ። 47. ማርያም መግደላዊትን፥ ማርያም ኣደ ዮሳን ድማ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ይርእያ ነበራ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!
ቅዳሴ Liturgy :
ዘእግዝእትነ ማርያም(ጐሥዓ)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 38 : 8 - 9 [English][ግእዝ][ልሙድ]ኣነ ሰንሰንኩ፣ እምብዛ ተቐጥቀጥኩ፣ ካብ ሓዘን ልበይ እተላዕለ እግዕር ኣሎኹ። ጐይታየ፣ ኵሉ ሃረርታይ ኣብ ቅድሜኻ እዩ፣ እህህታይ ኣይተሰወረካን።
ወንጌል Gospel
ማር 15 : 33 - 39 [English][ግእዝ][ልሙድ]33. ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኮነ፥ ክሳዕ ታስዓይቲ ሰዓት ኣብ ኵላ ምድሪ ጸልማት ኮነ። 34. ብታስዓይቲ ሰዓት ከኣ ኢየሱስ ብዓቢይ ድምፂ “ኤሎሄ! ኤሎሄ! ላማ ሰበቅታኒ፥” ኢሉ ጨርሐ፥ ትርጒሙ ድማ “ኣምላኸይ! ኣምላኸይ! ንምንታይ ኃደግካኒ፧” ማለት እዩ። 35. ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ኸኣ ገሊኦም “እነሆ ንኤልያስ ይጽውዕ ኣሎ” በሉ። 36. ሓደ ግና ጐዩ ሰፍነግ ኣብ መጺጽ ኣሊኹ፥ ኣብ ዘንጊ ኣሲሩ፥ “እስከ ኅደጉ፥ ኤልያስ መጺኡ ኬውርዶ ክንርኢ እና” እናበለ ኣስተዮ። 37. ኢየሱስ ከኣ ብዓቢይ ድምፂ ገዓረ ነፍሱውን ወፀት። 38. መጋረጃ ቤት መቕደስ ድማ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረ። 39. እቲ ኣብ መንጽሩ ደው ኢሉ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ ኸኣ፥ ነፍሱ ኸምዚ ኢላ ከም ዝወፀት ምስ ረኣየ “እዚ ሰብ እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ነይሩ” በለ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!
ዘመነ ማርቆስ Readings for Thursday
ሚያዝያ 22, 2018 ብግእዝ Apr 30, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 78 : 71 - 72 [English][ግእዝ][ልሙድ]ንዳዊት ባርያኡ ሐርዩ፣ ካብ መጓሴታት ኣባጊዕ ወሰዶ። ንህዝቡ ያእቆብን ንርስቱ እስራኤልን ምእንቲ ኺሕሉስ፣ ካብ ሓራሳት ኣባጊዕ ኣምጽኦ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 26 : 31 - 35 [English][ግእዝ][ልሙድ]31. ሽዑ ኢየሱስ “‘ነቲ ጓሳ ኽቐትሎ እየ፥ እተን መጓሰ ኣባጊዕ ድማ ፋሕ ኪብላ እየን፥’ ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ እሞ፥ በዛ ለይቲ እዚኣ ዅላትኩም ክትክሕዱኒ ኢኹም። 32. ምስ ተንሣእኩ ግና ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እየ” በሎም። 33. ጴጥሮስ ከኣ “ኵላቶም እኳ እንተ ኸሓዱኻ ኣነስ ከቶ ኣይክሕደካን እየ” ኢሉ መለሰሉ። 34. ኢየሱስ ከኣ “በዛ ለይቲ እዚኣ ደርሆ ኸይነቀወ ሠለስተ ሳዕ ከም እትኽሕደኒ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ” በሎ። 35. ጴጥሮስ ድማ “ምሳኻ ደኣ እመውት እምበር ከቶ ኣይክሕደካን እየ” በሎ፥ እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ድማ ዂላቶም ከምኡ በሉ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
1ይ ጢሞ 1 : 1 - 11 [English][ግእዝ][ልሙድ]1. ካብ ጳውሎስ፥ ብትእዛዝ እቲ መድኃኒናን ዝኾነ ኣምላኽን ተስፋና ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ሓዋርያ ዝኾነ፥ 2. ናብቲ ብእምነት ናይ ሓቂ ወደይ ዝኾነ ጢሞቴዎስ፥ ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታናን፥ ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ምሳኻ ይኹን። 3. ከምቲ ናብ መቄዶንያ ክኸይድ ከሎኹ ዘማኅጸንኩኻ ኣብ ኤፌሶን ጽናሕ። ገሊኦም ዝተፈልየ ትምህርቲ ኸይምህሩ ኣዝዝ። 4. ናብ ጽውጽዋያትን መወዳእታ ናብ ዘይብሉ ቝጽሪ ወለዶታትን ከየድህቡ ምዓድ። እዚ ነገራት እዚ ክትዕ እምበር ኣብቲ ብእምነት ዝርከብ ናይ ኣምላኽ መደብ ዚጠቕሞ የብሉን። 5. ናይዚ ትእዛዝ እዚ ዕላማ ግና፥ እታ ካብ ንጹሕ ልቢ፥ ካብ ጽርይቲ ሕሊና፥ ካብ ሓቀኛ እምነት እትርከብ ፍቕሪ እያ። 6. ገሊኦም ሰባት ካብዚ ነገራትዚ ዘምቢሎም ናብ ዘረባ ሃተውተው ተመሊሶም ኣለዉ። 7. ነቲ ዚብልዎ ወይ ነቲ ብምትእምማን ዜረድእዎ ዘይፈልጥዎ ኸለዉስ፥ መምህራን ሕጊ ኪኾኑ ይደልዩ። 8. ሓደ ሰብ ንሕጊ ኦሪት ብዝግባእ መገዲ እንተ ደኣ ፈጺምዎ ሠናይ ከም ዝኾነ ንፈልጥ። 9. ሕጊ ኸኣ ንጻድቃን ከም ዘይተሠዐ ንፈልጥ ኢና፥ ሕጊ ዝተሠርዐ ንመፍረስቲ ሕጊ፥ ንጒሒላታት፥ ነቶም ኣምላኽ ዘይፈልጡ፥ ንኃጥኣን፥ ንርኹሳት፥ ነቶም መንፈስ ዘይብሎም፥ ነቶም ኣቦኦምን ኣዲኦምን ዝቐትሉ፥ ንቐተልቲ ነፍሲ፥ 10. ንኣመናዝር፥ ግብሪ ሰዶም ንዚገብሩ፥ ነቶም ሰብ ዝሸጡ ነጋዶ፥ ንሓሰውቲ፥ ነቶም ብሓሶት ዚምሕሉ፥ ነቶም ንቕኑዕ ትምህርቲ ዝቃወሙ እዩ። 11. እዚ ትምህርቲ እዚ ናይቲ ኣነ ኸበስሮ ኅድሪ ዝተዋህበኒ፥ ኣብቲ ናይቲ ብሩኽ ኣምላኽ ዝኾነ ኽቡር ወንጌል እዩ ዚርከብ።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
1ይ ዮሐ 2 : 22 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]22. እቲ ንኢየሱስ ንሱ መሲሕ ምዃኑ ዚኽሕዶ እንተ ዘይኮይኑኸ፥ መን እዩ እቲ ሓሳዊ፧ ንሱ፥ እቲ ንኣቦን ንወልድን ዚኽሕድ ፀረ ክርስቶስ እዩ። 23. እቲ ንወልድ ዚኽሕድ፥ ኣቦ ኣብኡ የሎን፥ እቲ ንወልድ ዚኣምን፥ ነቦ ይኣምን። 24. ንስኻትኩም ግና እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ይንበር። እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ዚነብር እንተ ኾይኑ ኸኣ፥ ንስኻትኩም ኣብ ወልድን ኣብ ኣቦን ክትነብሩ ኢኹም። 25. እታ ክርስቶስ ዘተስፈወና ተስፋ ኸኣ ናይ ዘለዓለም ሕይወት እያ። 26. ብዛዕባ እቶም ዜስሕቱኹም እየ እዚ ዝጸሓፍኩልኩም። 27. ንስኻትኩም ግና እቲ ካብ ክርስቶስ ዝተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ኣባኹም ይነብር ኣሎ። መንፈስ ቅዱስ ብዛዕባ ዅሉ ስለ ዚምህረኩም፥ ሓደ እኳ ኺምህረኩም ኣየድልን እዩ። ትምህርቱ ኸኣ ሓቂ እዩ፥ ሓሶት ኣይኮነን። እምበኣር ከምቲ ዝመሃረኩም ኣብ ክርስቶስ ጸኒዕኩም ንበሩ። 28. ሕጂ ድማ፥ ደቀየ፥ ንሱ ኺግለጽ ከሎ ትብዓት ምእንቲ ክንረክብ፥ በታ ዝመጸላ መዓልቲውን ኣብ ቅድሚኡ ከይንኃፍርስ ኣብ ክርስቶስ ንበሩ። 29. ንሱ ጻድቕ ምዃኑ ትፈልጡ እንተ ዄንኩምሲ ጽድቂ ዚገብር ዘበለ ዅሉ ካብ እግዚኣብሔር ከም ዝተወልደውን ፍለጡ።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 13 : 46 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]46. ጳውሎስን ባርናባስን ከኣ ተቢዖም ከምዚ እናበሉ ተዛረቡ፡ - “ቃል ኣምላኽ ቅድም ንኣኻትኩም ኪንገር ይግባእ ነይሩ፥ ካብ ኣቤኹምዎን ንናይ ዘለዓለም ሕይወት ብቑዓት ከም ዘይኮንኩም ከኣ ባዕልኹም ካብ ፈረድኩም ግና እንሆ ገጽና ናብ ኣሕዛብ ንመልስ ኣሎና። 47. ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ‘ክሳብ ወሰን ምድሪ ንምድኃን ምእንቲ ኽትከውን ነሕዛብ ብርሃን ገበርኩኻ’ ኢሉ ኣዚዙና እዩ።” 48. ኣሕዛብ ከኣ ነዚ ሰሚዖም ተሓጐሱ፥ ንቓል ኣምላኽ ድማ ኣመስገኑ፤ እቶም ንሕይወት ዘለዓለም ዝተዓደሉ ዘበሉ ኵላቶምውን ኣመኑ። 49. ቃል እግዚኣብሔር ኣብታ ሃገር ብምልእታ በጽሐ። 50. ኣይሁድ ግና ነተን እግዚኣብሔር ዚፈርሃ ሕፉራት ኣንስትን ነቶም ዓበይቲ ዓድን ኣነዓዓብዎም፥ ኣብ ጳውሎስን ኣብ በርናባስን ድማ ስደት ኣለዓዓሉ፤ ካብ ሃገሮምውን ሰጐጒዎም። 51. ንሳቶም ከኣ ንስምዕታ ኪኾኖም ተጐጓ ኣእጋሮም ነገፉሎም እሞ፥ ናብ ኢቆንዮን ከዱ። 52. እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ሓጐስን መንፈስ ቅዱስን መልኡ።
ስንክሳር Synaxarium
እለ እስክንድሮስ ዘተዋሥኦ ለአርዮስወአባ ማርቆስ ሐዲስወአባ ሚካኤል ሊቀ ጳጳሳት
መዝሙር Psalm
መዝ 85 : 1 - 3 [English][ግእዝ][ልሙድ]ዎ እግዚአብሄር፣ ንምድርኻ ሞገስ ገበርካላ፣ ንቤት ያእቆብ ካብ ምርኮ መለስካዮም። ኣበሳ ህዝብኻ ሐደግካ፣ ንብዘሎ ሓጢኣቶም ከደንካ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 18 : 15 - 22 [English][ግእዝ][ልሙድ]15. “ኃውኻ እንተ በደለካ ኬድካ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ኴንኩም ግንሓዮ፥ እንተ ሰምዓካ ንኃውኻ ረባሕካዮ። 16. እንተ ዘይሰምዓካ ግና ዅሉ ነገር ብኣፍ ክልተ ወይ ሠለስተ መሰኻኽር እዩ ዚቐዉም እሞ [ኣብ ካልኣይ ግዜ] ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ። 17. ንኣኣቶም እንተ ዘይሰምዖም ድማ ንቤተ ክርስቲያን ንገራ፥ ንቤተ ክርስቲያን እንተ ዘይሰምዓ ግና ከም ኣረሚንን ዘይንሳሕ ኃጢኣተኛን ቁጸሮ።” 18. “ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፥ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርኩምዎ ዘበለ ኣብ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ፥ ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዘበለ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ። 19. - 20. ክልተ ወይ ሠለስተ ኾይኖም ብስመይ ኣብ ዝተኣከቡሉ፥ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም ኣሎኹ እሞ፥ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሳማምዑ፥ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪወሃቦም እዩ፥ ኢለ ኸም ብሓድሽ [ብሓቂ] እብለኩም ኣሎኹ።” 21. ሽዑ ጴጥሮስ ቅርብ ኢሉ “ጐይታይ! ሓወይ እንተ በደለንስ ክንደይ ሳዕ ይቕረ ኽብለሉ፧ ክሳዕ ሾብዓተዶ፧” በሎ። 22. ኢየሱስ ድማ “ሾብዓተ ሳዕ ሰብዓ ድኣ እምበር ክሳዕ ሾብዓተ ኣይብለካን” በሎ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘ፫፻ ምእት(ግሩም)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 32 : 1 - 2 [English][ግእዝ][ልሙድ]ኣበሳኡ እተሐድገሉ፣ ሓጢኣቱ እተሰወረሉ ሰብ ብጹእ እዩ። እግዚኣብሄር በደሉ ዘይጽብጽበሉ፣ ኣብ መንፈሱውን ልግሚ ዜብሉ ሰብ ብጹእ እዩ።
ወንጌል Gospel
ሉቃ 17 : 1 - 10 [English][ግእዝ][ልሙድ]1. ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዚ በሎም፦ “መዓንቀፊ ኸይመጸ ኣይተርፍን እዩ፤ ነቲ ብሰሩ መዓንቀፊ ዚመጽእ ግና ወይለኡ። 2. ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ ኻብ ዜስሕትሲ ኣድጊ ብዚጥሕነሉ መጥሓን ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ናብ ባሕሪ ኪድርበ ምኀሾ። 3. ንርእስኹም ተጠንቀቑ! ኃውካ እንተ በደለካ ግንሓዮ፥ እንተ ተጣዕሰ ኅደገሉ። 4. ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ እንተ በደለካ፥ ተጣዒሰ እናበለ ኸኣ ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ ናባኻ እንተ ተመልሰ፥ ይቕረ በለሉ።” 5. ሓዋርያት ድማ ንጐይታ “እምነት ወስኸና” በልዎ። 6. ጐይታ ኸኣ ኸምዚ በሎም፦ “ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ትህልወኩምሲ ነዚ ሳግላ ‘ተመንቍስካ ኣብ ባሕሪ ተተኸል’ ምበልኩምዎ እሞ፥ ንሱ ኸኣ ምተኣዘዘኩም ነይሩ።” 7. “ካባኻትኩምከ ዚሓርስ ወይ ዚጓሲ ጊልያ ዘለዎ እሞ፥ ካብ ወፍሪ ምስ ኣተወ፥ ‘ቐልጢፍካ ኅለፍ፥ ክትድረር ከኣ ተቐመጥ’ ዚብሎ መን አሎ፧ 8. ‘ክድረር ኣዳልወለይ፥ ክሳዕ ዝበልዕን ዝሰትን ከኣ ተዓጢቕካ ኣገልግለኒ፥ ድኅሪኡ ንስኻውን ብላዕን ስተን’ ደይኮነን ዚብሎ፧ 9. ወይስ ነቲ ጊልያ እቲ ዝተኣዘዞ ስለ ዝገበረስ የመስግኖዶ ይመስለኩም፧* 10. ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ዝተኣዘዝኩምዎ ዅሉ ምስ ገበርኩም፥ ‘ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፥ እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ዝገበርና’ በሉ።” ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ዘመነ ማርቆስ Readings for Friday
ሚያዝያ 23, 2018 ብግእዝ May 01, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 110 : 5 - 6 [English][ግእዝ][ልሙድ]እግዚኣብሄር አብ የማንካ ዀይኑ፣ ብመዓልቲ ቚጥዓኡ ንነገስታት ኪጭፍልቖም፣ አብ ማእከል ኣህዛብ ኪፈርድ፣ ብሬሳታት ኪመልኦ፣ ርእሲ ርሒብ ሃገር ኪጭፍልቕ።
ወይ
መዝ 3 ፡ 7 - 8
ንምንጋጋ ዅሎም ጸላእተይ ወቒዕካዮ፣ ነስናን ረሲኣን ሰባቢርካዮ ኢኻ እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ተንስእ፣ ዎ ኣምላኸይ፣ ኣድሕነኒ።
ወንጌል Gospel
ሉቃ 12 : 1 - 12 [English][ግእዝ][ልሙድ]1. ኣእላፋት ሕዝቢ፥ ንሓድሕዶም ክሳብ ዚረጋገጹ ምስ ተኣከቡ፥ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣቐዲሙ ኸምዚ ኺብሎም ጀመረ፦ “ካብ ማይ ብሑቕ ፈሪሳውያን፥ ማለት ካብ ግብዝና፥ ርእስኹም ሓልዉ። 2. ዘይቅላዕ ሥዉር፥ ዘይፍለጥ ሕቡእ የልቦን። 3. ስለዚ እቲ ኣብ ጸልማት ዝበልኩምዎ ዘበለ ኣብ ብርሃን ኪስማዕ እዩ፤ እቲ ኣብ ውሽጢ ኣብ እዝኒ ብሕሽዅሽዅ ዝተዛረብኩምዎ ድማ ኣብ ናሕስታት ኪስበኽ እዩ። 4. “ንኣኻትኩም ነዕሩኸይ እብለኩም ኣሎኹ፥ ሥጋ ንዚቐትሉ ኣይትፍርህዎም፥ ምኽንያቱ ኻብኡ ንንየው ዚገብርዎ የብሎምን። 5. ኣነ ግና ንመን ከም እትፈርሁ ከጠንቅቐኩም፥ ነቲ ምስ ቀተለ ኣብ ገሃነም ኪድርቢ ሥልጣን ዘለዎ፥ ንእኡ ፍርሁ። እወ፥ ንእኡ ፍርህዎ እብለኩም ኣሎኹ። 6. ኃሙሽተ ኣዕዋፍ ብኽልተ ሳንቲምዶ ኣይኮናን ዚሽየጣ፧ ካብኣተን ሓንቲ እኳ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣይትርሳዕን እያ። 7. ንስኻትኩምሲ ኲለን ፀጉሪ ርእስኹምውን ቁጹራት እየን። እምብኣርከ ካብ ብዙኃት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ፥ ኣይትፍርሁ። 8. “ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዚእመነኒ ዅሉ፥ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ኪእመኖ እዩ። 9. እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዚኽሕደኒ ግና ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ኪከሓድ እዩ እብለኩም ኣሎኹ። 10. እቲ ኣንጻር ወዲ ሰብ ገለ ቓል ዜውፅእ ኪኅደገሉ እዩ፥ እቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዚጸርፍ ግና ኣይኪኅደገሉን እዩ። 11. ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድን ገዛእትን ሰበ ሥልጣንን እንተ ወሰዱኹም ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትምልሱ ወይ እንታይ ከም እትብሉ ኣይትጨነቑ። 12. “ምኽንያቱ በታ ሰዓት እቲኣ፥ እንታይ ክትብሉ ኸም ዚግብኣኩም መንፈስ ቅዱስ ኪምህረኩም እዩ።” ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
ቆሎ 1 : 17 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]17. ንሱ ኸኣ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት ዝነበረ እዩ፥ ዅሉውን ብእኡ ቖይሙ ኣሎ። 18. ንሱ ናይታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ርእሲ እዩ፥ ብዅሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ኪኸውንሲ ንሱ መጀመርታ እዩ፥ ካብ ምውታት ብምትንሣእውን በዂሪ እዩ። 19. ኣምላኽ ብመለኮቱ ብምልኣት ኣብኡ ኪኃድር ፈተወ፥ 20. ኣምላኽ በቲ ወዱ ኣብ መስቀሉ ዘፍሰሶ ደም ገይሩ ሰላም ገበረ፥ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ዅሉ ኸኣ ምስ ገዛእ ርእሱ ዓረቖ። 21. ንስኻትኩም ቀደም ካብ ኣምላኽ ዝረሓቕኩም፥ ብሓሳብኩምን ብኽፋእ ግብርኹምን ጸላእቱ ነበርኩም። 22. ንሱ ግና ኣበርን ነቐፋን ዘይብሎም ቅዱሳን ገይሩ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቑመኩም ብሞት ሥጋዊ ሰብነት ወዱ ገይሩ ዓረቐኩም። 23. እዚ ግና ተሠሪትኩምን ደልዲልኩምን፥ ካብቲ ብወንጌል ዝረኸብኩምዎ ተስፋ ከይተነቓነቕኩም ኣብ እምነትኩም እንተ ጸናዕኩም እዩ። እዚ ኸኣ እቲ ንስኻትኩም ዝሰማዕኩምዎ፥ ኣነ ጳውሎስ ዘገልጋሊኡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ፍጡር ዅሉ ዝተሰብከ ወንጌል እዩ። 24. ሕጂ ኸኣ ምእንታኻትኩም ብምስቓየይ እሕጐስ ኣሎኹ። ምእንቲ እታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ከኣ ነቲ ኻብ ስቓይ ክርስቶስ ዝተረፈ ብሥጋይ እምልእ ኣሎኹ። 25. ከምቲ ብእግዚኣብሔር ዝተዋህበኒ መዚ፥ ቃል ኣምላኽ ኣባኻትኩም ብምልኣት ምእንቲ ኽሰብኽ፥ ናይዛ ቤተ ክርስቲያን እዚኣ ኣገልጋሊ ኾንኩ። 26. እዚ ምሥጢር እዚ ኻብ ዘለዓለም፥ ንውሉድ ወለዶ፥ ተሠዊሩ ነበረ፥ ሕጂ ግና ንቕዱሳኑ ተገልጸ። 27. ኣምላኽ ነዚኣቶም፥ እዚ ምሥጢር እዚ ኣብ መንጎ ኣሕዛብ ክሳዕ ክንደይ ክቡርን ሃብታምን ከም ዝኾነ ኬፍልጦም መረጸ። እዚ ኸኣ እቲ ናይ ክብሪ ተስፋ ዝኾነ ኣባኻትኩም ዘሎ ክርስቶስ እዩ። 28. ንሕና ድማ ንነፍስ ወከፍ ሰብ ፍጹም ጌርና ምእንቲ ከነቕርቦ፥ ብጥበብ ዘበለ ንዅሉ ሰብ እናመዓድና፥ ንዅሉ ሰብውን እናመሃርና ንእኡ ንሰብኽ ኣሎና። 29. ኣነ ኸኣ በቲ ንሱ ኣብ ውሽጠይ ብኃይሊ ዚገብሮ ዘሎ ተግባራት ኵሉ እናተጋደልኩ እጽዕር ኣሎኹ።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
1ይ ጴጥ 1 : 1 - 9 [English][ግእዝ][ልሙድ]1. ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓዋርያ ካብ ዝኾነ ጴጥሮስ፥ ናብቶም ኣብ ጶንጦስን ኣብ ገላትያን ኣብ ቀጰዶቅያን ኣብ እስያን ኣብ ቢታንያን ተሰዲድኩም ፋሕ ኢልኩም ዘሎኹም፥ 2. ንኢየሱስ ክርስቶስ እዙዛት ክትኮኑ፥ ብምንጻግ ደሙ ኸኣ ምእንቲ ኽትነጽሑ፥ በቲ ቐዳሲ ዝኾነ ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ፥ እግዚኣብሔር ኣቦ ዝኃረየኩም፥ ጸጋን ሰላምን ኣባኻትኩም ይብዛሕ። 3. ንኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ብምትንሣኡ ሕያው ተስፋ ዝሃበና፥ ብብዝኂ ምሕረቱ ብሓድሽ ልደት ውሉድ ዝገበረና ኣምላኽ፥ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይመስገን። 4. ንሱ ነቲ ዘበርስን ዘይበላሾን ዘይጽምሉን ኣብ ሰማያት ኣንቢሩልና ዘሎ ርስቲ ኸም እንወርስ ገበረና። 5. ንስኻትኩም ስለ ዝኣመንኩም፥ እቲ ኣብ መወዳእታ ዘመን ኪገሃድ ዘለዎ ድኅነት ክሳዕ ዚመጽእ፥ ኃይሊ ኣምላኽ ኪሕልወኩም እዩ። 6. ሽሕ እኳ ሕጂ ንቚሩብ ጊዜ ብብዙኅ ዝዓይነቱ ፈተና ኽትኃልፉ ግዲ እንተ ኾነ፥ በዚ ክትሕጐሱ ኢኹም። 7. እዚ ኸኣ እታ እምነትኩም ሓቂ ከም ዝኾነት ኬረድእ እዩ። ወርቂ ሽሕ እኳ ብሓዊ እንተ ተዀልዐ በራሳይ እዩ። እምነትኩም ግና ምስ ተፈተነት ኣዝዩ ዝበለጸ ዋጋ ኣለዋ፥ ከመይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኪግለጽ ከሎ ምስጋናን ስብሓትን ክብርን ከተምጽኣልኩም እያ። 8. - 9. ከይርአኹምዎ ተፍቅርዎ፥ ሕጂውን ከይርአኹምዎ ብእኡ ትኣምኑ ኣሎኹም፥ ነቲ ናይ እምነትኩም መደምደምታ ዝኾነ ድኅነት ነፍስኹም ምስ ተቐበልኩም ኸኣ ብኺንገር ዘይኸኣል ክቡር ሓጐስ ትሕጐሱ ኣሎኹም።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 23 : 10 - 15 [English][ግእዝ][ልሙድ]10. ብዙኅ ባእሲ ምስ ኮነ፥ እቲ ሓለቓ ሽሕ እቶም ሕዝቢ ንጳውሎስ ከይምንዝዕዎ ፈሪሁ፥ ነቶም ወተሃደራት “ወሪድኩም ካብ ማእከሎም ኂዝኩም ናብ ሰፈር ወተሃደራት ኣብጽሕዎ” ኢሉ ኣዘዞም። 11. በታ ድኅሪኣ ዘላ ለይቲ ኸኣ ጐይታ ናብኡ ቐሪቡ፥ “ጳውሎስ! ከምቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ብዛዕባይ ዝመስከርካዮ ከምኡውን ኣብ ሮማ ኽትምስክረለይ ይግብኣካ እዩ እሞ፥ ኣጆኻ” በሎ። 12. ምድሪ ምስ ወግሐ ኸኣ ኣይሁድ፥ “ንጳውሎስ ክሳዕ እንቐትሎ ኣይንብላዕ፥ ኣይንስተ” እናበሉ ሠሚሮም ተመሓሓሉ። 13. እቶም ነዚ ውዲት እዚ ዝኣለሙ፥ ካብ ኣርብዓ ዚበዝኁ ነበሩ። 14. ንሳቶም ከኣ ናብ ሊቃነ ካህናትን ናብ ዓበይትን ከይዶም፥ “ንሕና ‘ንጳውሎስ ከይቀተልና ገለ ነገር ዝጠዓመ ርጉም ይኹን’ ኢልና ተመሓሒልና ኣሎና። 15. ሕጂ ኸኣ ንስኻትኩም ምስ መጋባእያ ዄኴንኩም፥ ንጳውሎስ ናባኻትኩም ኬውፅኦ እሞ፥ ብዛዕባኡ ኣጸቢቕኩም ክትምርምሩ ከም ዝደሌኹም ጌርኩም ነቲ ሓለቓ ሽሕ ንገርዎ፤ ንሕና ኸኣ ኣባኻትኩም ከይበጽሐ ኽንቀትሎ ተዓጢቕና ኣሎና” በልዎም።
ስንክሳር Synaxarium
ቅዱስ ጊዮርጊስወቅዱስ ሮቆ ሰማዕት
መዝሙር Psalm
መዝ 79 : 10 - 11 [English][ግእዝ][ልሙድ]ስለምንታይከ ኣህዛብ፣ ኣበይ ኣሎ ኣምላኾም፣ ዚብሉ፧ እቲ ምፍዳይ ሕነ ናይቲ ዝፈሰሰ ደም ባሮትካ ኣብ ቅድሜና አብ ማእከል አህዛብ ይፈለጥ። ምንኣኽ እቶም እሱራት ናብ ቅድሜኻ ይምጻእ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 10 : 16 - 33 [English][ግእዝ][ልሙድ]16. “እንሆ ኣነ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም ኣሎኹ፥ ደጊም ብልህታት ከም ተመን፥ ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኹኑ። 17. ካብ ሰብ ተጠንቀቑ፥ ንሳቶም ናብ መጋባእያታት ኣኅሊፎም ኪህቡኹም፥ ኣብ ኣባይቲ ጸሎቶም ኪገርፍኹም እዮም። 18. ንኣኣቶምን ነሕዛብን ንምስክር ምእንቲ ኪኸውን ብኣይ ምኽንያት ናብ መኳንንትን ናብ ነገሥታትን ክትውሰዱ ኢኹም። 19. ኣኅሊፎም ኪህቡኹም ከለዉ እንታይ ከም እትዛረቡ በታ ሰዓት እቲኣ ኪወሃበኩም እዩ እሞ ከመይ ወይ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣይትጨነቑ። 20. መንፈስ ኣቦኹም እዩ ብኣኻትኩም ዚዛረብ እምበር፥ ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን እትዛረቡ። 21. ኃው ንኃዉ፥ ኣቦ ንውሉዱ፥ ንሞት ኣኅሊፉ ኪህብ እዩ፥ ውሉድውን ኣብ ልዕሊ ወለዶም ኪለዓሉ ኪቐትልዎምውን እዮም። 22. ስለ ስመይ ከኣ ብዅሉ ሰብ ዝተጸላእኩም ክትኮኑ ኢኹም፥ እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ንሱ ኪድኅን እዩ። 23. ካብዛ ዓዲ እዚኣ እንተ ሰጐጉኹም ናብ ካልእ ህደሙ፥ ወዲ ሰብ ክሳዕ ዚመጽእ፥ ከተማታት እስራኤል በጺሕኩም ከም ዘይትውድእወን ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 24. ካብ መምህሩ ዚዓቢ ተማሃራይ፥ ካብ ጐይትኡ ዚበልጽ ኣገልጋሊ የልቦን። 25. ተመሃራይ ከም መምህሩ፥ ኣገልጋሊ ከም ጐይትኡ እንተ ኾነ ይኣክል እዩ። ንብዓል ቤት ብኤል ዜቡል ካብ በልዎ ንቤተ ሰቡ ግዳ ክንደይ ኣዝዩ ብዙኅ ዘይብልዎም። 26. “እምበኣር ዘይግለጽ ክዱን ዘይፍለጥ ድማ ሥዉር የልቦን እሞ ኣይትፍርህዎም። 27. ብጸልማት ዝነገርኩኹም ብብርሃን ተዛረብዎ፥ ኣብ እዝንኹም እትሰምዕዎ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ዄንኩም ስበኽዎ። 28. ነቲ ነፍስን ሥጋን ኣብ ገሃነም ኬእቱ ዚከኣሎ ደኣ ፍርህዎ እምበር፥ ነቶም ንሥጋ ዚቐትሉ፥ ንነፍሲ ግና ኪቐትልዋ ዘይከኣሎም ኣይትፍርህዎም። 29. ክልተ ኣዕዋፍዶ ብሳንቲም ይሽየጣ ኣይኮናን፧ ሓንቲ እኳ ኻብኣተን ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ። 30. ንስኻትኩም ግና ፀጒሪ ርእስኹም ኵለን እኳ ቝጹራት እየን። 31. እምበኣርከስ ንስኻትኩም ካብ ብዙኃት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ ኣይትፍር 32. “ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝተኣመነኒ ዅሉ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክእመኖ እየ። 33. ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኸሓደኒ ግና፥ ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘዮሐንስ ወልደ ነጐድጓድ (ሃቤከ) ዓዲ ዘዲዮስቆሮስ(እምቅድመ ዓለም)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 27 : 13 - 14 [English][ግእዝ][ልሙድ]አየ፣ ለውሃት እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ህያዋን ከም ዝርአዮ እንተ ዘይአምንሲ፤ ብእግዚኣብሄር ተሰፎ፣ በርትዕ፣ ልብኻ ቀጥ ይበል፣ ኣጆኻ፣ እወ፣ ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር።
ወንጌል Gospel
ማቴ 16 : 24 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]24. ሽዑ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ኪስዕበኒ ዚደሊ ሕይወቱ ይመንን፥ መስቀሉ ኣልዒሉ ድማ ይስዓበኒ። 25. ከመይ እቲ ንሕይወቱ ኬድኅና ዚደሊ ኬጥፋኣ እዩ፥ እቲ ንሕይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ። 26. ንሰብከ ዅሉ ዓለም ረቢሑስ ነፍሱ እንተ ኣጥፍአ እንታይ ይጠቕሞ፧ ሰብከ በጃ ነፍሱ እንታይ ዘይምሃበ፧ 27. ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ ምስ መላእኽቱ ኺመጽእ እዩ እሞ ንነፍስ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ። 28. ንወዲ ሰብ ብመንግሥቱ ኺመጽእ ከሎ ኽሳዕ ዚርእይዎ፥ ካብዞም ኣብዚኣ ቖይሞም ዘለዉ ዘይሞቱ ኸም ዘለዉ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ” በሎም። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ዘመነ ማርቆስ Readings for Saturday
ሚያዝያ 24, 2018 ብግእዝ May 02, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 61 : 2 - 5 [English][ግእዝ][ልሙድ]ንስኻ መዕቈብየይ፣ ካብ ገጽ ጸላኢ ጽኑዕ ግምቢ ኢኻ እሞ፣ ልበይ እንተ ተሐለለ፣ ካብ ወሰን ምድሪ ኣባኻ ኸእዊ እየ። ናብቲ ኻባይ ልዕል ዝበለ ኸውሒ ምርሓኒ።
ወንጌል Gospel
ማር 16 : 1 - 8 [English][ግእዝ][ልሙድ]1. ሰንበት ምስ ኃለፈት፥ ማርያም መግደላዊትን ማርያም ኣደ ያዕቆብን፥ ሰሎሜን ንሥጋ ኢየሱስ ኪቐብኣ ምኡዝ ሽቱ ዓደጋ። 2. በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ንግሆ ፀሓይ ክትበርቕ ከላ ናብቲ መቓብር ከዳ። 3. ንሓድሕደን ከኣ “ነቲ እምኒ ኻብቲ ኣፍ መቓብር መን ኪግልብጠልና እዩ፧” ይበሃሃላ ነበራ። 4. እቲ እምኒ ኣዝዩ ገዚፍ ነበረ እሞ፥ ንላዕሊ ኣቢለን እንተ ጠመታ ተገልቢጡ ረኣያኦ። 5. ናብቲ መቓብር ኣትየን ከኣ ፃዕዳ ኽዳን ዝተኸድነ በጽሒ፥ ኣብ ወገን የማን ተቐሚጡ ምስ ረኣያ ኣዝየን ሰንበዳ። 6. ንሱ ግና “ኣይትሰንብዳ! ንስኻትክንሲ ነቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ ናዝራዊ ኢኽን እትደልያ ዘሎኹን፤ ተንሢኡ እዩ፥ ኣብዚ የሎን፤ እታ ኣብኣ ዘንበርዎ ቦታ እንሃ። 7. ሰለዚ ኺዳ ንደቀ መዛሙርቱን ንጴጥሮስን፥ ‘ናብ ገሊላ ኪቕድመኩም እዩ፥ ከምቲ ዝበለኩም ከኣ ኣብኡ ኽትርእይዎ ኢኹም’ ኢልክን ንገርኦም” በለን። 8. ራዕድን ስንባደን ኂዝወን ነበረ እሞ፥ ካብታ መቓብር ወፂአን ሃደማ፥ ፈሪሀን ስለ ዝነበራ ኸኣ ንሓደ እኳ ኣይነገራን። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
ዕብ 10 : 23 - 31 [English][ግእዝ][ልሙድ]23. እቲ ተስፋ ዝሃበና እሙን እዩ፥ ስለዚ ነታ እንጽበያ ተስፋ ብዘይ ምውልዋል ኣጽኒዕና ንኃዛ። 24. ምእንቲ ኸነፍቅርን ሠናይ ግብሪ ምእንቲ ኸነዘውትርን ንሓድሕድና ኽንነቓቓሕ ንጽዓር። 25. ከምቲ ገሊኣቶም ልማድ ገይሮሞ ዘለዉ፥ ብሓደ ምእካብ ኣይነቋርጽ፥ እኳ ድኣ ከምቲ እትርእይዎ ዘሎኹም እታ መዓልቲ ትቐርብ ስለ ዘላ ብዝበለጸ ንሓድሕድና ንበራታዕ። 26. ፍልጠት ሓቂ ምስ ተቐበልና ፈቲና ኃጢኣት እንተ ገበርና፥ ደጊም ምእንቲ ኃጢኣት ዚቐርብ መሥዋዕቲ የልቦን። 27. ኣብ ክንድኡ ግና ፍርድን ነቶም ንኣምላኽ ዚፃረሩ ዚበልዕ ብርቱዕ ሓውን ኢና ብራዕዲ እንጽበ። 28. ንሕጊ ኦሪት ዘፍረሰ ብቓል ክልተ ወይ ሠለስተ ምስክር ብዘይ ምሕረት ይመውት ነበረ። 29. ንወዲ ኣምላኽ ዝነዓቐ፥ ነቲ ዝተቐደሰሉ ደም ኪዳን ከኣ ዘርከሰ፥ ነቲ ጸጋ ዚህብ መንፈስውን ዝጸረፈ ግዳ ክንደይ ዝገደደ ቕጽዓት ዘይግብኦ ይመስለኩም፧ 30. ከመይ ንሕና ነቲ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፥ “ኣነ ሕነ ኽፈዲ እየ፥” ዝበለ፥ ደጊሙ ኸኣ “እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ኺፈርዶ እዩ” ዝበለ፥ ንፈልጦ ኢና። 31. ኣብ ኢድ እቲ ሕያው ዝኾነ ኣምላኽ ምውዳቕ ዜስካሕክሕ እዩ።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
2ይ ጴጥ 3 : 14 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]14. ስለዚ ኸኣ፥ ኣቱም ፍቁራተይ፥ ነዚ እናተጸቤኹምሲ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ምስኡ ሰላም ዘሎኩም ዄንኩም ክትርከቡ ተጋደሉ።15. እቲ ጐይታና ንኼድኅነኩም ኢሉ ዜርእዮ ዘሎ ትዕግሥቲ ሕሰቡ። እቲ ፍቁር ኃውና ጳውሎስውን በቲ ዝተዋህቦ ጥበብ ብዛዕባዚ እዩ ዝጸሓፈልኩም።16. ንሱ ብዛዕባዚ ነገራትዚ ኺዛረብ ከሎ፥ ኣብ ኵለን መልእክታቱ ከምዚ እዩ ዝገበር። ኣብኦ ንምርዳኦ ዚሸገር ሓያሎ ነገር ኣሉ። እቶም ደናቑርን ዘይጽኑዓትን ኸኣ፥ ከምቲ ነቲ ቕዱሳን መጻሕፍቲ ዚጠዋውይዎ፥ ንጥፍኣት ገዛእ ርእሶም ይጠዋውይዎ ኣለዉ።17. ንስኻትኩም ግና፥ ኣቱም ፍቁራተይ፥ ነዚ ድሮ ትፈልጥዎ ኢኹም። እምበኣር ብስሕተት እቶም ስዲ ዝኸዱ ዘለዉ ተሳሒብኩም ካብቲ ጽኑዕ መሠረትኩም ከይትወድቁ ተሓለዉ።18. ብናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጸጋን፥ ንእኡ ብምፍላጥን ግና ዕበዩ። ንእኡ ሕጅን ንዘለዓለም ዓለምን ክብሪ ይዂኖ። ኣሜን።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 16 : 27 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]27. እቲ ሓላው ቤት ማእሰርቲ ምስ ተበራበረ ኸኣ መዓጹ እታ ቤት ማእሰርቲ ተኸፊቱ ረኣየ፤ እቶም እሱራት ዝመለቑ መሲልዎ ድማ ሰይፉ መሊሑ ባዕሉ ንባዕሉ ኪቐትል ደለየ። 28. ጳውሎስ ግና ዓው ኢሉ “ርእስኻ ኣይትጒዳእ፥ ኵላትና ኣብዚ ኣሎና” በሎ። 29. ንሱ ድማ “መብራህቲ ኣምጽኡለይ” ኢሉ እናጐየየ ኣተወ፥ ራዕራዕ እናበለውን ኣብ ቅድሚ ጳውሎስን ሲላስን ተደፍአ። 30. ናብ ግዳም ኣውፂኡ ድማ “ጐይቶተይ፥ ምእንቲ ኽድኅንሲ እንታይ ክገብር ይግብኣኒ፧” በሎም። 31. ንሳቶም ከኣ “ብጐይታና ኢየሱስ እመን፥ ንስኻን ስድራኻን ድማ ኽትድኅኑ ኢኹም” በልዎ። 32. ንእኡን ንዅሎም እቶም ምስኡ ኣብ ቤቱ ዝነበሩን ከኣ ቃል እግዚኣብሔር ነገርዎም። 33. ሽዑ በታ ለይቲ እቲኣ ወሲዱ ኣቚሳሎም ሓጸቦም፤ ምስ ኵሎም ስድራ ቤቱ ኸኣ ተጠምቀ። 34. ናብ ገዝኡ ኣደይቡ ድማ መኣዲ ቐረበሎም፤ ብኣምላኽ ስለ ዝኣመነውን ምስ ኵሎም ስድራ ቤቱ ተሓጐሰ። 35. ምድሪ ምስ ወግሐ እቶም ሮማውያን ሰበ ሥልጣን “ነቶም ሰባት ፈቲሕካ ስደዶም” እናበሉ ገላዉ ለኣኹሉ። 36. እቲ ሓላው ቤት ማእሰርቲ ድማ፥ “እቶም ሰበ ሥልጣን ‘ፍትሕዎም’ ኢሎም ልኢኾም ኣለዉ እሞ፥ ሕጂ እምበኣር ወፂእኩም ብሰላም ኪዱ” ኢሉ ንጳውሎስ ነገሮ። 37. ጳውሎስ ግና፥ “ንሕና ሮማውያን ከሎና፥ ብዘይ ፍርዲ ብግህዶ ገሪፎም፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትዮምናስ፥ ሕጂ ብኅቡእዶ ኪሰዱና፧ ባዕላቶም ደኣ መጺኦም የውፅኡና እምበር፥ እዝስ ከቶ ኣይከውንን እዩ” በሎም። 38. እቶም ገላዉ ኸኣ ነቶም ሰበ ሥልጣን ነዚ ነገር እዚ ነገርዎም። ንሳቶም ድማ ሮማውያን ምዃኖም ምስ ሰምዑ ፈርሁ። 39. መጺኦም ከኣ “ይቕረ በሉልና” ኢሎም ኣውፅእዎም። ካብታ ኸተማ ኬልግሱውን ለመንዎም። 40. ሽዑ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወፂኦም ናብ ቤት ልድያ ኣተዉ፤ ነቶም ኣኅዋት ምስ ረኸብዎም ከኣ መዓድዎም፥ ካብኡውን ኃለፉ።
ስንክሳር Synaxarium
ባና ሰማዕት ቢጹ ለቅዱስ ኤስድሮስወአባ ሱንትዩ ሊቀ ጳጳሳት ዘሃገረ እስክንድርያ ወአባ ይሰድራ
መዝሙር Psalm
መዝ 107 : 14 - 16 [English][ግእዝ][ልሙድ]ካብ ጸልማትን ድነ ሞትን ኣውጽኦም፣ መቐውሖም ከኣ ሰባበረ። መዓጹ ኣስራዚ ሰቢሩ፣ መሸጐር ሓጺን ሰባቢሩ እዩ እሞ፣ ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን፣ ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ።
ወንጌል Gospel
ሉቃ 8 : 34 - 40 [English][ግእዝ][ልሙድ]34. እቶም ጓሶት ከኣ እቲ ዝኾነ ምስ ረኣዩ ሃደሙ፤ ኣብ ከተማን ዓድታትን ኣውረዩ። 35. እቶም ሕዝቢ ኸኣ እቲ ዝኾነ ነገር ኪርእዩ ወፁ፤ ናብ ኢየሱስ መጺኦም ከኣ እቲ ኣጋንንቲ ዝወፁሉ ሰብኣይ፥ ክዳኑ ተኸዲኑ፥ ናብ ልቡ ተመሊሱ፥ ኣብ እግሪ ኢየሱስ ተቐሚጡ ረኸብዎ እሞ ፈርሁ። 36. እቶም ዝረኣይዎ ድማ እቲ ጋኔን ዝነበሮ ኸመይ ኢሉ ከም ዝሓወየ ነገርዎም። 37. እቶም ኣብ ከባቢ ጌርጌሴኖን ዝነበሩ ሕዝቢ ብምሉኦም ዓቢይ ፍርሃት ስለ ዝኃዞም ካብ ዓዶም ኪወፅእ ንኢየሱስ ለመንዎ፥ ንሱ ኸኣ ኣብ ጃልባ ደይቡ ተመልሰ። 38. እቲ ኣጋንንቲ ዝወፁሉ ሰብኣይ ድማ ምስኡ ኪኸውን ለመኖ። ኢየሱስ ግና 39. “ናብ ቤትካ ተመለስ፥ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ዓብይ ግብሪ ኸም ዝገበርልካ ንገር” እናበለ ሰደዶ። ንሱ ኸኣ ኸይዱ፥ እቲ ኢየሱስ ዝገበረሉ ዘበለ ኣብ ብዘላ እታ ኸተማ ነገረ። 40. ኢየሱስ ምስ ተመልሰ ዅሎም እቶም ሕዝቢ ይጽበይዎ ነበሩ እሞ ብሓጐስ ተቐበልዎ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘባስልዮስ(እግዚኦ መሐረነ)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 140 : 8 - 9 [English][ግእዝ][ልሙድ]ዎ እግዚኣብሄር፣ ከይዕበዩስ፣ ንረሲእ ትምኒቱ ኣይትፈጽመሉ፣ ሃቐናኡ ኣይተስልጠሉ። እቶም ዚኸቡንስ እከይ ከናፍሮም ኣብ ርእሶም ይምጻእ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 27 : 19 - 26 [English][ግእዝ][ልሙድ]19. ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ ኸሎ ድማ ሰበይቱ፥ “ሎሚ ለይቲ ብሕልሚ ብዛዕባኡ ብዙኅ ተሳቕየ እየ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ጻድቕ ሓንቲ ኸይትብድል ተጠንቀቕ” ኢላ ለኣኸትሉ። 20. ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታትን ግና፥ ነቶም ሕዝቢ “በርባን ይፈታሕ፥ ኢየሱስ ግና ይቀተል” ኢሎም ኪልምኑ ሕራይ ኣበልዎም። 21. ሽዑ እቲ ገዛኢ “ካብ ክልቲኦም ንመኖም ክፈትሓልኩም ትደልዩ፧” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ድማ “ንበርባን” በልዎ። 22. ጲላጦስ ከኣ “ነዚ ክርስቶስ ዝተባህለ ኢየሱስ ደኣ እንታይ ክገብሮ እየ፧” በሎም። ኵሎም ድማ “ይሰቐል” በሉ። 23. ጲላጦስ “እንታይ ክፉእ ገበረ፧” በሎም። ንሳቶም ግና “ይሰቐል” እናበሉ ኣበርቲዖም ይጭድሩ ነበሩ። 24. ስለዚ ጲላጦስ እዚ ነገር እዚ ናዕቢ ንምልዕዓል እንተ ዘይኮይኑስ ካልእ ገለ እኳ ኸም ዘይጠቅም ምስ ረኣየ፥ ማይ ወሲዱ፥ “ኣነ ኻብ ደም ናይዚ ጻድቕ ሰብ እዚ ንጹሕ እየ፥ ባዕልኹም ትፈልጡ” እናበለ ኣብ ቅድሚ እቲ ሕዝቢ ኣእዳዉ ተሓጽበ። 25. ኵሎም እቶም ሕዝቢ ኸኣ “ደሙ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ኣብ ልዕሊ ደቅናን ይኹን” እናበሉ መለሱሉ። 26. ሽዑ ንበርባን ፈትሓሎም፥ ንኢየሱስ ግና ገሪፉ ኺስቀል ሃቦም። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ዘመነ ማርቆስ Readings for Sunday
ሚያዝያ 25, 2018 ብግእዝ May 03, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 55 : 4 - 5 [English][ግእዝ][ልሙድ]ብቚዝማይ ህድአት ስኢነ፣ እህህ እብል ኣሎኹ። ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተጨነቐት፣ ስምባድ ሞትውን ወደቐኒ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 26 : 69 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]69. ጴጥሮስ ኣብ ግዳም ኣብቲ ቐጽሪ ተቐሚጡ ኸሎ ሓንቲ ገረድ “ንስኻውን ምስ ኢየሱስ ገሊላዊ ኔርካ ኢኻ” እናበለት ናብኡ ቐረበት። 70. ንሱ ኸኣ “እዚ እትብልዮ ዘሎኺ ኣይፈልጦን እየ” እናበለ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ከሓደ። 71. ናብቲ ኣንቀጽ ምስ ወፀ ኸኣ ሓንቲ ኻልእ ገረድ ረኣየቶ፥ ኣብኡ ንዝነብሩ ድማ “እዚ ምስ ኢየሱስ ናዝራዊ ነይሩ” በለቶም። 72. ንሱ ኸኣ “ነዚ ሰብ እዚ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ከም ብሓድሽ ከሓደ፥ መሓለውን። 73. ድኅሪ ቚሩብ ጊዜ ድማ እቶም ደው ኢሎም ዝነበሩ ንጴጥሮስ “ንስኻ ብሓቂ ኻብኣቶም ኢኻ፥ ዘረባኻውን የፍልጠካ ኣሎ” በልዎ። 74. ሽዑ ንሱ “ነቲ ሰብ እቲ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ኪምሕልን ንባዕሉ ኺረግምን ጀመረ። ብኡብኡ ኸኣ ደርሆ ነቀወ። 75. ጴጥሮስ ድማ ነቲ ኢየሱስ “ደርሆ ኸይነቀወ ሠለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” ዝበሎ ቓል ዘከረ። ናብ ደገ ኸይዱውን ኣምሪሩ በኸየ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
1ይ ቆሮ 10 : 12 - 21 [English][ግእዝ][ልሙድ]12. ስለዚ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ፥ ከይወድቕ ይጠንቀቕ። 13. ሰብ ኪፆሮ ዘይክእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ፥ ስለዚ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይኃድገኩምን እዩ። ምፅዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉ ግና ምስቲ ፈተናኹም መዋፅኦ ገይሩልኩም ኣሎ። 14. ስለዚ ፍቁራተየ፥ ካብ ምምላኽ ጣዖት ህደሙ። 15. ከም ነስተውዓልቲ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ እሞ፥ ነዚ ዝብሎ ዘሎኹ ባዕላትኩም ፍረድዎ። 16. እታ ንሕና እንባርኻ ናይ በረኸት ጽዋዕ ምስ ደም ክርስቶስ ኅብረት ዘለዋዶ ኣይኮነትን፧ እታ እንቘርሳ እንጌራስ ምስ ሥጋ ክርስቶስ ኅብረት ዘለዋዶ ኣይኮነትን፧ 17. ሓንቲ እንጌራ ካብ እትኸውንሲ ንሕና ብዙኃት ከሎና ሓደ ሥጋ ኢና። ከመይ ካብ ሓንቲ እንጌራ ተሳቲፍና። 18. ንሕዝቢ እስራኤል እሞ ርኣዩ፥ እቶም ካብ መሥዋዕቲ ዚበልዑ ምስቲ መሠውዒ ኅብረትዶ የብሎምን እዮም፧ 19. እሞኸ ደኣ እዚ ኽብል ከሎኹ ንጣዖታት ዝተሠውዐ ዚጠቕም ነገርዶ ኣለዎ እዩ፧ ወይስ ጣዖት ዚጠቕም ነገር ኣለዎ ማለተይ ድየ፧ 20. ኣይፋሉ፥ እቲ ኣሕዛብ ዚሥውዕዎ ነጋንንቲ እምበር ንኣምላኽ ኣይኮኑን ዚሥውዕዎ። ንስኻትኩም ምስ ኣጋንንቲ ኅብረት ኪህልወኩም ከኣ ኣይፈቱን እየ። 21. ጽዋዕ ጐይታን ጽዋዕ ኣጋንንትን ክትሰትዩ ኣይከኣለኩምን እዩ፥ ካብ መኣዲ ጐይታን ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክትካፈሉውን ኣይከኣለኩምን እዩ።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
1ይ ዮሐ 4 : 3 - 13 [English][ግእዝ][ልሙድ]3. ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ኸም ዝመጸ ዘይእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ግና፥ ካብ ኣምላኽ ኣይኮነን። እዚ ኸኣ እቲ ኸም ዚመጽእ ሰሚዕኩምዎ ዘሎኹም ናይ ፀረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ። ሕጂውን ድሮ ኣብ ዓለም ኣሎ። 4. ኣቱም ደቀየ፥ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም። ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ መንፈስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ መንፈስ ዚዓቢ ስለ ዝኾነ፥ ንስኻትኩም ነቶም ሓሰውቲ ነቢያት ስዒርኩምዎም ኢኹም። 5. ንሳቶም ካብ ዓለም እዮም፥ ከም ኣዘራርባ ዓለም ከኣ ይዛረቡ ኣለዉ። ዓለምውን ትሰምዖም ኣላ። 6. ንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢና፥ ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓና፥ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኮነ ኣይሰምዓናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ሓሶትን ከኣ በዚ ኢና እንፈልጦ። 7. ኣቱም ፍቁራተይ፥ ፍቕሪ ካብ ኣምላኽ እያ እሞ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ካብ ኣምላኽ ዝተወልደ እዩ፥ ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ። 8. ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፥ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። 9. ኣምላኽ ንፍቕሩ፥ ብወዱ ብሕይወት ምእንቲ ክንነብር፥ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ ገለጸልና። 10. ፍቕሪ ማለት ከኣ ኸምዚ እዩ፥ ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና ንኃጢኣትና ኼርሕቕ ኢሉ ንወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር ንሕና ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኮነን። 11. ኣቱም ኣኅዋተይ፥ ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረና፥ ንሕናውን ንሓድሕድና ኽንፋቐር ይግብኣና እዩ። 12. ንኣምላኽ ዝረአዮ ሓደ እኳ የልቦን። ንሓድሕድና እንተ ተፋቐርና ኣምላኽ ኣባና ይነብር፥ ፍቕሩውን ኣባና ትፍጸም። 13. ካብ መንፈሱ ስለ ዝሃበና፥ ንሕና ኣብኡ ንሱውን ኣባና ኸም ዚነብር ንፈልጥ ኢና።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 12 : 1 - 6 [English][ግእዝ][ልሙድ]1. በቲ እዋን እቲ ንጉሥ ሄሮድስ ንገሊኦም ናይ ቤተ ክርስቲያን ሰባት ኬሳድዶም ጀመረ። 2. ንያዕቆብ ኃው ዮሓንስ ከኣ ብሰይፊ ቐተሎ። 3. እዚ ንኣይሁድ ባህ ከም ዘበሎም ምስ ረኣየ ድማ ኣስዒቡ ንጴጥሮስ ኃዞ፤ ሽዑ ቕነ በዓል ቅጫ ነበረ። 4. ምስ ኃዞ ኸኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ፥ ድኅሪ ፋሲካ ናብ ሕዝቢ ምእንቲ ኼውፅኦ ደልዩ፥ በበርባዕተ ኾይኖም ኪሕልውዎ ነርባዕተ ጉጅለ ወተሃደራት ኣኅሊፉ ሃቦ። 5. ስለዚ ጴጥሮስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሕሎ ነበረ፤ እታ ቤተ ክርስቲያን ግና ምእንትኡ ተጊሃ ናብ ኣምላኽ ትጽሊ ነበረት። 6. ሄሮድስ ንጴጥሮስ ናብ ፍርዲ ኬቕርቦ ሓሲቡ ነበረ፤ እንተኾነ በታ ናብኣ እተውግሕ ለይቲ ጴጥሮስ ኣብ መንጎ ኽልተ ዓቀይቲ ብኽልተ ሞቕሕ ተኣሲሩ ደቂሱ ነበረ። እቶም ሓለውቲ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቤት ማእሰርቲ ኾይኖም ይሕልዉ ነበሩ።
ስንክሳር Synaxarium
ሣራ ስማዕት ወ፪ ውሉዳዳራወአባ ዮሐንስወአባ በብኑዳ ወቅዱስ ቴዎድሮስወ፪ ሰማዕታት
መዝሙር Psalm
መዝ 116 : 5 - 6 [English][ግእዝ][ልሙድ]እግዚኣብሄር ርሕሩሕን ጻድቕን እዩ፣ ኣምላኽና ኸኣ መሓሪ እዩ። እግዚኣብሄር ንገርህታት ይሕልዎም፣ ኣነ ተሸገርኩ፣ ንሱውን ኣድሐነኒ።
ወንጌል Gospel
ሉቃ 18 : 8 - 16 [English][ግእዝ][ልሙድ]8. ቀልጢፉ ፍትሒ ከም ዜውፅኣሎም እብለኩም ኣሎኹ። እንተኾነ ግዳ ወዲ ሰብ ምስ መጸ እምበርዶ ኣብ ምድሪ እምነት ኪረክብ እዩ፧” ፈሪሳውን ተቐባል ቀረጽን ኣብ ጸሎት 9. ኢየሱስ ነቶም ጻድቃን ምዃኖም ብርእሶም ዚምክሑ ንኻልኦት ግና ዚንዕቁ ዝነበሩ ድማ ኸምዚ ኢሉ መሰለሎም፦ 10. “ክልተ ሰብኣይ፥ እቲ ሓደ ፈሪሳዊ እቲ ኻልኣይ ከኣ ተቐባል ቀረጽ ኪጽልዩ ናብ ቤተ መቕደስ ደየቡ። 11. እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ ‘ኦ ኣምላኽ! ከምቶም ካልኦት ሰባት፥ ከተርቲ፥ ዓመጽቲ፥ ዘመውቲ፥ ወይ ከምዚ ተቐባል ቀረጽ እዚ ስለ ዘይኮንኩ አመስግነካ ኣሎኹ። 12. ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፥ ካብ ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር አውፅእ’ እናበለ ጸለየ። 13. እቲ ተቐባል ቀረጽ ግና ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ፥ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቋሕ ኬብል እኳ ኸይደፈረ፥ ‘ኦ ኣምላኸይ! ንኣይ ንኃጥእ ምሓረኒ’ እናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ። 14. ገዛእ ርእሱ ልዕል ዜብል ኵሉ ኺዋረድ፥ ገዛእ ርእሱ ዜትሕት ኵሉ ግና ልዕል ኪብል እዩ እሞ እዚ ኃለፋ እቲ ጸዲቑ ናብ ቤቱ ኸም ዝተመልሰ እብለኩም ኣሎኹ።” 15. ኢየሱስ ንሕፃናት ኢዱ ኼንብረሎም ናብኡ ኣምጽእዎም፤ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ እዚ ርእዮም ገሠጽዎም። 16. ንሱ ግና ጸዊዑ፥ “መንግሥቲ ኣምላኽ ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፥ ሕፃናት ናባይ ይምጽኡ፥ ኅደጉ ኣይትኸልክልዎም። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘዮሐንስ ወልደ ነጐድጓድ (ሃቤከ)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 98 : 1 - 2 [English][ግእዝ][ልሙድ]እግዚኣብሄር ተኣምራት ገይሩ፣ የማነይቱን እቲ ቅዱስ ቅልጽሙን ስዒሮም እዮም እሞ፣ ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ።
ወንጌል Gospel
ሉቃ 22 : 13 - 19 [English][ግእዝ][ልሙድ]13. ከይዶም ከምታ ዝበሎም ረኸቡ፥ ገንሸል ፋሲካውን ኣዳለዉ። 14. እታ ሰዓት ምስ በጽሐት፥ ኢየሱስ ምስቶም ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። 15. ንሱ ድማ ኸምዚ በሎም፦ “ቅድሚ ስቓየይ ምሳኻትኩም ገንሸል ፋሲካ ኽበልዕ ብዙኅ ሃረር ኢለ ነይረ። 16. ምኽንያቱ እዚ ኣብ መንግሥቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዚፍጸም ደጊም ካብዚ ኸም ዘይበልዕ እብለኩም ኣሎኹ።” 17. ጽዋዕ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ በለ፦ “እንኩ፥ እዚ ንሓድሕድኩም ተኻፈልዎ። 18. መንግሥቲ ኣምላኽ ክሳዕ እትመጽእ ካብዚ ፍረ ወይኒ ዝተገብረ ኸም ዘይሰቲ እብለኩም ኣሎኹ።” 19. እንጌራ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፥ “እዚ ምእንታኹም ዚውሃብ ዘሎ ሥጋይ እዩ፥ ንመዘከርታይ ከኣ ግበርዎ” እናበለ ሃቦም። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ራብዓይ ሰሙን ሰንበት ድሕሪ ትንሣኤ 3ይ መዝሙር ፡ ተንሥአ ወአንሥአ ኩሎ ሙታነ።
መዝሙር ( Hymn )
መዝሙር
- በ፫(3)፤ ተንሥአ ወአንሥአ ኵሎ ሙታነ። ተንሥአ ወአንሥአ ኵሎ ሙታነ፤ ወፈትሖሙ ለሙቁሓን። ተንሥአ ወአንሥአ ኵሎ ሙታነ፤ በዓብይ ኃይል ወሥልጣን ወአግዓዘ ነፍሰ ጻድቃን። ተንሥአ ወአንሥአ ኵሎ ሙታነ፤ ለአልዓዛር ተንሥእ ዘይቤሎ ወለዕውርኒ ዘፈወሶ በቃሉ። ተንሥአ ወአንሥአ ኵሎ ሙታነ፤ ትንሣኤሁ ገብረ በሰንበት በሣልስት ዕለት። ተንሥአ ወአንሥአ ኵሎ ሙታነ፤ ተንሥአ ወፈትሖሙ ለሙቁሓን።
ሰላም
ተንሥአ ክርስቶስ እምውታን ከይዶ መቃብሪሁ ለአዳም፤ ወበትንሣኤሁ ገብረ ለነ ሰላመ ለጻድቃን አብርሃ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
ቆሎ 3 : 1 - 11 [English][ግእዝ][ልሙድ]1. ደጊም ምስ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሢእኩም ኢኹም እሞ ቀልብኹም ኣብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት፥ ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ ግበሩ። 2. ኣእምሮኹም ናብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኮነስ፥ ናብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ። 3. ከመይ ሞይትኩም ኢኹም፥ ሕይወትኩምውን ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሠዊራ ኣላ። 4. እቲ ሕይወትኩም ዝኾነ ክርስቶስ ምስ ተገልጸ፥ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለጹ ኢኹም። 5. ስለዚ ነቲ ሥጋዊ ስምዒትኩም፥ ማለት ምንዝርና፥ ርኽሰት፥ ፍትወት ሥጋ፥ ክፉእ ትምኒት፥ እቲ ኣምልኾ ጣዖት ዝኾነ ስስዐ፥ ቕተሉ። 6. ብሰሪ እዚ ነገራት እዚ ቊጥዓ ኣምላኽ ኣብቶም ንእግዚኣብሔር ዘይእዘዝዎ ይወርድ ኣሎ። 7. ንስኻትኩምውን ቀደም ነዚ ነገራት እዚ እናገበርኩም ትነብሩ ነበርኩም። 8. ሕጂ ግና ንስኻትኩም ካብ ቊጥዓ፥ ካብ ሕርቃን፥ ካብ ክፍኣት፥ ስም ሰብ ካብ ምጽላም፥ ካብ ዜጸይፍ ዘረባ ዘበለ ዅሉ ርሓቑ። 9. -10. ከምኡውን ነቲ ኣረጊት ሰብነት ምስ ኵሉ ግብሩ ቐንጢጥኩም፥ ነቲ ንእኡ ምእንቲ ኺፈልጥ እቲ ፈጣሪኡ በርኣያኡ ዚሕድሶ ዘሎ ሰብነት ዝለበስኩም ስለ ዝኾንኩም ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ። 11. ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ እምበር ኣብኡስ ግሪኻውን ኣይሁዳውን፥ ግዙርን ዘይግዙርን፥ ዝሠልጠነ ኣረማውን ዘይሠልጠነ ኣረማውን፥ ባርያን ጭዋን የልቦን።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
1ጴጥ 3 : 15 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]15. ንክርስቶስ ብልብኹም ከም ጐይታ ቐድስዎ። ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ንዚሓትኩም ዘበለ ምላሽ ምሃብ ምእንቲ ኽትክእሉ ዅሉ ሳዕ ድልዋት ኩኑ። ግናኸ ብለውሃትን ብኽብርን ግበርዎ። 16. እቶም ነቲ ብክርስቶስ ዘሎኩም ሠናይ ኣካይዳኹም ዚጸርፋ፥ በቲ ዚጸርፍዎ ምእንቲ ኪኃፍሩ፥ ንጹሕ ሕሊና ይሃሉኹም። 17. ከመይ፥ ኣምላኽ እንተ ደኣ ፈቒድዎስ፥ ካብ ክፉእ እናገበርካስ ሠናይ እናገበርካ ሓሳረ መከራ ኽትጸግብ ይኃይሽ። 18. ክርስቶስ ሓንሳእ ንሓዋሩ ምእንቲ ኃጢኣት ሞተ። ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኼቕርበና ጻድቕ ከሎ ምእንቲ እቶም ኃጥኣን ሞተ። ብሥጋ ሞተ፥ ብመንፈስ ግና ሕያው ኮነ። 19. በዚ መንፈስ እዚውን ከይዱ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ነፍሳት ድኅነት ሰበኸሎም። 20. እዚኣቶም እቶም ቀደም ብዘመን ኖኅ እታ መርከብ ክትሥራሕ ከላ፥ እግዚኣብሔር ብትዕግሥቲ እናተጸበዮም ከሎ፥ ምእዛዝ ዝኣበይዎ እዮም። ኣብታ መርከብ ሒደት፥ ማለት ሸሞንተ ነፍሲ፥ ብማይ ደኃና። 21. ማይ ናይቲ ሕጂ ዜድኅነኩም ጥምቀት ምልክት እዩ፥ ጥምቀት ኸኣ እቲ ብትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ብንጹሕ ሕሊና ናብ ኣምላኽ ዚቐርብ ጸሎት እዩ እምበር፥ ናይ ሰብነት ርስሓት ዚሓጽብ ኣይኮነን። 22. ንሱ ናብ ሰማይ ዓሪጉ ኣብ የማን ኣምላኽ ኣሎ፥ መላእኽትን ሥልጣናትን ኃይልታትን ይግዝእዎ ኣለዉ።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ 13 : 26 - 42 [English][ግእዝ][ልሙድ]26. ኣቱም ኣኅዋትና፥ ደቂ ዓሌት ኣብርሃምን ኣብ ማእከሎም ዘሎኹም ንኣምላኽ እትፈርሁን እዚ ቓል ምድኃን እዚ ናባና እዩ ዝተላእከ። 27. እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዚነብሩን መኳንንቶምን ንኢየሱስ ኣይፈለጥዎን፤ እቲ በብሰንበት ዜንብብዎ ቓል ነቢያት ምእንቲ ኺፍጸም ከኣ ንሞት ፈረድዎ። 28. ናብ ሞት ዜብጽሕ ምኽንያት እንተ ዘይረኸቡሉ እኳ፥ ኪቐትሎ ንጲላጦስ ደኣ ለመንዎ። 29. ነቲ ብዛዕባኡ ዝተጻሕፈ ዘበለ ምስ ፈጸሙ ኸኣ፥ ካብ መስቀል ኣውሪዶም ናብ መቓብር ኣእተውዎ። 30. ኣምላኽ ግና ካብ ምዉታት ኣተንሥኦ። 31. ነቶም ካብ ገሊላ ናብ ኢየሩሳሌም ምስኡ ዝደየቡ፥ ሕጂ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ሕዝብና ምስክሩ ኾይኖም ዘለዉ፥ ብዙኅ መዓልቲ ተራእዮም። 32. “ንሕና ኸኣ ነቲ ኣምላኽ ነቦታትና ኣተስፍይዎም ዝነበረ ነበሥረኩም ኣሎና። 33. ምኽንያቱ ኣብ ካልኣይ መዝሙር ዳዊት፡- ‘ንስኻ ወደይ ኢኻ፥ ኣነ ኸኣ ሎሚ ወለድኩኻ’ ዚብል ጽሑፍ ከም ዘሎ፥ ኣምላኽ ንኢየሱስ ካብ ሞት ከም ዚትንሥእ ብምግባር ናባና ናብ ደቆም ነዚ ተስፋ እዚ ፈጸሞ። 34. ከምቲ፡- ‘ነቲ ቅዱስን እሙንን በረኸት ዳዊት ክህበኩም እየ’ ኢሉ ዝተዛረቦ፥ ከም ብሓድሽ ምብስባስ ከይርኢ ካብ ምውታት ኣተንሥኦ። 35. ከምኡ ኸኣ ኣብ ካልእ መዝሙር፡- ‘ንቕዱስካ ምብስባስ ኪርኢ ኣይትገድፎን ኢኻ’ ይብል። 36. ዳዊት ግና ብዘመኑ ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ኣገልግሎቱ ምስ ፈጸመ ዓረፈ፥ ተቐቢሩ ኸኣ ምብስባስ ረኣየ። 37. እቲ ኣምላኽ ዘተንሥኦ ግና ምብስባስ ኣይረኣየን። 38. -39. እምብኣርሲ ኣቱም ኣኅዋትና፥ እዚ ዚንገረኩም ዘሎ መልእኽቲ ‘ኅድገት ኃጢኣት ብኢየሱስ እዩ’ ዚብል ከም ዝኾነ ፍለጡ። እቲ ብሕጊ ሙሴ ኺጸድቕ ዘይተኻእሎ፥ ነፍስ ወከፍ ብኢየሱስ ዚኣምን ዘበለ ይጸድቕ። 40. -41. ስለዚ እቲ ብነቢያት ‘ኣቱም መላገጽቲ ርኣዩ፥ ሓደ እኳ እንተ ነገረኩም ከቶ ዘይትኣምንዎ ግብሪ ብዘመንኩም ክገብር እየ እሞ ተገረሙን ጥፍኡን’ ዚብል ኣባኻትኩም ከይፍጸም ተጠንቀቑ።” 42. ጳውሎስን በርናባስን ካብቲ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኪወፁ ኸለው ኸኣ፥ በታ እትመጽእ ሰንበትውን ከም ብሓድሽ ነዚ ቓል እዚ ኪነግርዎም ለመንዎም።
መዝሙር Psalm
መዝ 3 : 5 - 6 [English][ግእዝ][ልሙድ]ተገምሰስኩ ደቀስኩውን፣ እግዚኣብሄር ይድግፈኒ ኣሎ እሞ ነቓሕኩ። ነቶም ዚኸቡኒ ኣእላፋት ኣህዛብ ኣይፈርሆምን እየ።
ወንጌል Gospel
ሉቃ 24 : 33 - 40 [English][ግእዝ][ልሙድ]33. በታ ሰዓት እቲኣ ተላዒሎም ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሱ፤ ነቶም ዓሠርተው ሓደን ነቶም ምስኣቶም ዝነበሩን ድማ ተኣኪቦም ረኸብዎም። 34. “ጐይታ ብሓቂ ተንሢኡ እዩ፥ ንስምዖን እኳ ተራእይዎ” ኪብሉ ኸኣ ጸንሕዎም። 35. እቶም ክልተ ድማ እቲ ኣብ መገዲ ዝኾነን፥ እንጌራ ምስ ቈረሰ ኸኣ ከመይ ኢሎም ከም ዘለለይዎን ነገርዎም። 36. እዚ ኪዘራረቡ ኸለዉ ኸኣ ኢየሱስ ባዕሉ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” በሎም። 37. ንሳቶም ድማ መንፈስ ዝረኣዩ መሲልዎም ሰምበዱ። 38. ኢየሱስ ከኣ ኸምዚ በሎም፦ “እንታይ ኴንኩም ኢኹም እትስምብዱ፧ ከምዚ ዝበለ ሓሳብከ ስለምንታይ ኣብ ልብኹም ይለዓል፧ 39. ኣነ ባዕለይ ምዃነይ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ርኣዩ፤ ኸምዚ ኣባይ እትርእይዎ ዘሎኹም መንፈስሲ ሥጋን ዓጽምን የብሉን እሞ፥ ኣረምሲስኩም ርኣዩኒ” በሎም። 40. እዚ ኢሉ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣርኣዮም። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘዲዮስቆሮስ(እምቅድመ ዓለም)