ዘመነ ማርቆስ Readings for Monday
ታሕሳስ 27, 2018 ብግእዝ Jan 05, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 59 : 2 - 3 [English][ግእዝ][ልሙድ]እነዉ፣ ንነፍሰይ ይጻናተውዋ ኣለዉ እሞ፣ ጐይታየ፣ ብአበሳይን ሓጢኣተይን ኣይኰኑን ሓያላት ኪቃወሙኒ ሓቢሮም ዘለዉ።
ወይ
መዝ 2 ፡ 2 - 3
ነገስታት ምድሪ ይትንስኡ፣ መሳፍንቲ ኸኣ ሐቢሮም፣ ንመቓውሖም ንስበሮ፣ ንማእሰሪኦምውን ካባና ንደርብዮ፣ ኢሎም ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ መሲሁን ይመኽሩ።
ወንጌል Gospel
ዮሐ 18 : 31 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]31. ሽዑ ጲላጦስ “ንስኻትኩም ውሰድዎ፥ ከምቲ ሕግኹም ጌርኩምውን ፍረድዎ” በሎም። ኣይሁድ ከኣ “ንኣናስ ንሓደ እኳ ኽንቀትል ከቶ ኣይተፈቕደልናን” በልዎ። 32. እዚ ኸኣ እቲ ኢየሱስ በየናይ ሞት ኪመውት ከም ዘለዎ ኬመልክት ኢሉ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸሞ እዩ። 33. ጲላጦስ ከም ብሓድሽ ናብ ቤተ መንግሥቲ ኣተወ፥ ንኢየሱስ ጸዊዑ ኸኣ “ንስኻዶ ንጉሥ ኣይሁድ ኢኻ፧” በሎ። 34. ኢየሱስ ድማ “እዚ እትዛረቦ ዘሎኻ ካብ ባዕልኻ ዲኻ እትዛረቦ ዘሎኻ ወይስ ብዛዕባይ ካልኦት ነጊሮሙኻ እዮም” ኢሉ መለሰሉ። 35. ጲላጦስ ከኣ “ኣነ እሞ ኣይሁዳዊዶ ኾይነ፧ ሕዝብኻን ሊቃነ ካህናትን እዮም ናባይ ዘምጽኡኻ። እንታይ ጌርካ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። 36. ኢየሱስ ከኣ “መንግሥተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮነትን፥ መንግሥተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ ትኸውንሲ ብኣይሁድ ከይተኃዝ ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮም። ሕጂ ግና መንግሥተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮነትን” ኢሉ መለሰ። 37. ጲላጦስ ድማ “እምበኣአከስ ንስኻ ንጉሥ ኢኻ፧” በሎ። ኢየሱስ ከኣ “ንጉሥ ምዃነይ ንስኻ እኳ ትብል ኣሎኻ። ኣነ ንሓቂ ኽምስክር እየ ዝተወለድኩ፥ ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ፤ ወገን ሓቂ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ድምፀይ ይሰምዕ እዩ” ኢሉ መለሰሉ። 38. ጲላጦስ ከኣ “ሓቂኸ እንታይ እዩ፧” በሎ። እዚ ኢሉ ኸኣ ከም ብሓድሽ ናብ ኣይሁድ ወፂኡ “ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን። 39. እንተኾነ ንኣኻትኩም በብፋሲካ ሓደ እሱር ክፈትሓልኩም ልማድ ኣሎኩም። እምበኣርሲ ነዚ ንጉሥ ኣይሁድ ክፈትሓልኩም ትደልዩ ኢኹም፧” በሎም። 40. ሽዑ ንሳቶም ከም ብሓድሽ “ንበርባን ደኣ እምበር ነዝስ ኣይንደልን” እናበሉ ጨደሩ። በርባን ግና ከታሪ እዩ ዝነበረ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
ሮሜ 16 : 19 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]19. ምእዛዝኩም ኣብ ኵሉ ስለ ዝተሰምዐ ብኣኻትኩም እሕጐስ ኣሎኹ። ንሠናይ ነገር ብልህታት፥ ካብ ክፉእ ነገር ኸኣ ኽትርሕቁ፥ እደሊ ኣሎኹ። 20. ኣምላኽ ሰላም ድማ ንሰይጣን ቀልጢፉ ኣብ ትሕቲ እግርኹም ኪቕጥቅጦ እዩ። ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን። 21. ጢሞቴዎስ፥ እቲ መተዓይይተይ፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ፥ ሉቂዮስ ኢያሶንን ሶሲጳጥሮስን ኣዝማደይ፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 22. ኣነ ጤርጥዮስ፥ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ዝጸሓፍኩ፥ ብጐይታ ሰላም እብለኩም ኣሎኹ። 23. እቲ ንኣይ ከም ጋሻ ዝተቐበለ፥ እታ ቤተ ክርስቲያን ኸኣ ኣብ ገዝኡ ኽትእከብ ዝፈቐደ ጋይዮስ፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ኣርስጦስ፥ እቲ ናይታ ከተማ ተኃዝ ገንዘብን ቁኣርጦስ ኃውናን፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 24. [ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ዅልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።] 25. ነቲ ብመሠረት እቲ ኻብ ዘለዓለም ተሠዊሩ ዝነበረ ሕጂ ግና ዝተገልጸ ምሥጢር፥ ከምቲ ኣነ ዝሰብኮ ወንጌልን፥ ከምቲ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ዚስበኾ ዘሎን ገይሩ ኣብ እምነትኩም ደው ኬብለኩም ዚኽእል ኣምላኽ ክብሪ ይኹኖ። 26. ሕጂ ግና እቲ ምሥጢር ብጽሕፈት ነቢያት ተጋሂዱ ኣሎ። ብትእዛዝ እቲ ናይ ዘለዓለም ኣምላኽ ኸኣ፥ ኵሎም ኣሚኖም ምእንቲ ኺእዘዝዎ፥ ብዅሎም ኣሕዛብ ከም ዚፍለጥ ተገይሩ ኣሎ። 27. ነቲ በይኑ ብዓል ጥበብ ዝኾነ ኣምላኽ ብኢየሱስ ክርስቶስ ንዘለዓለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
1ይ ጴጥ 2 : 20 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]20. በደል እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዓገሥኩምከ እንታይ ሓበን ኣለዎ፧ ሠናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዓገሥኩም ግና እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ። 21. ንስኻትኩምውን ነዚ ኢኹም ዝተጸዋዕኩም፥ ክርስቶስ ድማ ኣሰር ኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ ምእንታኹም መከራ ተቐበለ፥ ኣርኣያውን ኃደገልኩም። 22. “ንሱ ኃጢኣት ኣይገበረን፥ ሓሶትውን ኣብ ኣፉ ኣይተረኽበን።” 23. ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ኣይጸረፈን፥ መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ኣምላኽ ደኣ ነገሩ ኣኅሊፋ ሃበ እምበር ኣየፈራርሀን። 24. ካብ ኃጢኣት ርሒቕና ብጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር ንሱ ባዕሉ ንኃጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሸንከረ ስብነቱ ፆሮ። ብቚስሉ ኢኹም ዝሓዌኹም። 25. ከመይ ከም ኣባጊዕ ተባሪርኩም ጠፊእኩም ነበርኩም፥ ሕጂ ግና ናብቲ ጓሳኹምን ሓላዊ ነፍሳትኩምን ተመሊስኩም ኣሎኹም።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 13 : 26 - 30 [English][ግእዝ][ልሙድ]26. ኣቱም ኣኅዋትና፥ ደቂ ዓሌት ኣብርሃምን ኣብ ማእከሎም ዘሎኹም ንኣምላኽ እትፈርሁን እዚ ቓል ምድኃን እዚ ናባና እዩ ዝተላእከ። 27. እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዚነብሩን መኳንንቶምን ንኢየሱስ ኣይፈለጥዎን፤ እቲ በብሰንበት ዜንብብዎ ቓል ነቢያት ምእንቲ ኺፍጸም ከኣ ንሞት ፈረድዎ። 28. ናብ ሞት ዜብጽሕ ምኽንያት እንተ ዘይረኸቡሉ እኳ፥ ኪቐትሎ ንጲላጦስ ደኣ ለመንዎ። 29. ነቲ ብዛዕባኡ ዝተጻሕፈ ዘበለ ምስ ፈጸሙ ኸኣ፥ ካብ መስቀል ኣውሪዶም ናብ መቓብር ኣእተውዎ። 30. ኣምላኽ ግና ካብ ምዉታት ኣተንሥኦ።
ስንክሳር Synaxarium
አባ አብሳዲወአባ ፊልጶስወአባ በግዑ አላኒቆስወተዝካረ ስቅለቱ ለእግዚእነወተፍጻሜተ ሰማዕት ኖላዊ
መዝሙር Psalm
መዝ 80 : 2 - 3 [English][ግእዝ][ልሙድ]ዎ ጓሳ እስራኤል፣ ጽን በል። ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ፣ ኣታ አብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ፣ በሪህካ ተገለጽ። አብ ቅድሚ ኤፍሬምን ብንያምን ምናሴን ስልጣንካ አተንስእ፣ ንምድሓንናውን ንዓ።
ወንጌል Gospel
ዮሐ 10 : 14 - 21 [English][ግእዝ][ልሙድ]14. - 15. ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፤ ኣቦ ነኣይ ከም ዚፈልጠኒ ኣነውን ንኣቦ ከም ዝፈልጦ፥ ነባጊዐይ እፈልጠን እየ፤ እተን ኣባጊዐይውን ይፈልጣኒ እየን፤ ንሕይወተይ ከኣ በጃ እተን ኣባጊዕ አኅልፋ። 16. ካብዚ መጓሰ እዚ ዘይኮና ኻልኦት ኣባጊዕውን ኣለዋኒ፥ ንኣኣተን ድማ ኸምጽአን እየ፥ ቃለይውን ኪሰምዓ እየን፥ ሓደ መጓሰን ሓደ ጓሳን ከኣ ኪኾና እየን። 17. ኣነ ንሕይወተይ በጃ ኣኅሊፈ ዝህባ መሊሰውን ዝወስዳ ስለ ዝኾንኩ ኣቦ የፍቅረኒ እዩ። 18. ባዕለይ እየ በጃ ኣኅሊፈ ዝህባ እምበር ካባይ ዚወስዳስ ሓደ እኳ የልቦን፤ በጃ ኸኅልፋ፥ መሊሰውን ክወስዳ ሥልጣን ኣሎኒ፤ ነዚ ትእዛዝ እዚ ካብ ኣቦይ እየ ዝተቐበልክዎ።” 19. ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ማእከል ኣይሁድ ከም ብሓዱሽ ምፍልላይ ኮነ። 20. ሽዑ ካብኣቶም ብዙኃት “ጋኔን ኂዝዎ እዩ ዚዓብድ ዘሎ፤ ስለምንታይ ኢኹም እትሰምዕዎ፧” በሉ። 21. ኻልኦት ግና “እዚ ጋኔን ናይ ዝኃደሮ ዘረባ ኣይኮነን፤ ጋኔንዶ ኣዕይንቲ ዕዉራት ኪኸፍት ይከኣሎ እዩ፧” በሉ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘዮሐንስ አፈወርቅ(ናሁ ንዜኑ)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 95 : 7 - 8 [English][ግእዝ][ልሙድ]ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም፣ ከም አብ መሪባ፣ ከምቲ ብመዓልቲ ማሳ አብ በረኻ፣ ኣቦታትኩም ኪፍትኑኒ፣ ኪዕዘቡኒ ኸለዉ፣ ግብረይ ዝረአዩ ዄንኩም፣ ልብኹም ኣይተትርሩ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 22 : 1 - 7 [English][ግእዝ][ልሙድ]1. ኢየሱስ ከም ብሓድሽ ብምስላ ኸምዚ ኢሉ ነገሮም፦ 2. “መንግሥተ ሰማያት ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉሥ ትመስል። 3. ንሱ ኸኣ ነቶም ናብ መርዓ ዝተዓደሙ ኪጽውዑዎም ኣገልገልቱ ለኣኸ፥ ኪመጹ ኣይደለዩን። 4. መሊሱ ድማ ነቶም ዕዱማት ‘እንሆ መኣደይ ኣዳልየ ኣለኹ፥ ሰባብሕተይን ኣስዋረይን ሓሪደ፥ ዅሉ ተዳልዩ ኣሎ እሞ፥ ናብ መርዓይ ንዑ’ በልዎም ኢሉ ኻልኦት ኣገልገልቱ ለኣኸ። 5. እቶም ዕዱማት ግና ሸለል ኢሎም ከዱ፥ ገሊኦም ናብ ግራቶም ከዱ፥ ገሊኦም ከኣ ናብ ንግዶም ከዱ። 6. እቶም ዝተረፉ ኸኣ ነቶም ኣገልገልቲ ኂዞም ኣዋረድዎምን ቀተልዎምን። 7. እቲ ንጉሥ ተቘጢዑ፥ ወተሃደራቱ ልኢኹ፥ ነቶም ቀተልቲ ኣጥፍኦም፥ ከተማኦምውን ኣንደደ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ዘመነ ማርቆስ Readings for Tuesday
ታሕሳስ 28, 2018 ብግእዝ Jan 06, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 110 : 3 - 4 [English][ግእዝ][ልሙድ]በታ ሰራዊትካ እተኽትተላ መዓልቲ ህዝብኻ ፈትዩ ይመጽእ፣ ከምቲ ኻብ ከርሲ ወጋሕታ ዚመጽእ ኣውሊ ከምኡ መንእሰይካ ብልብሲ ቕድስና ይመጹኻ። እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለአለም ካህን ኢኻ፣ ኢሉ መሐለ ኣይጠዓስን ከኣ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 1 : 1 - 17 [English][ግእዝ][ልሙድ]1. መጽሓፍ ወለዶ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት፥ ወዲ ኣብርሃም እዚ ዚስዕብ እዩ፦ 2. ኣብርሃም ንይስሓቕ ወለደ፥ ይስሓቕ ንያዕቆብ ወለደ፥ ያዕቆብ ንይሁዳን ነኅዋቱን ወለደ፥ 3. ይሁዳ ኸኣ ኻብ ትእማር ንፋሬስን ንዛራን ወለደ፥ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደ፥ ኤስሮም ንኣራም ወለደ፥ 4. ኣራም ንኣሚናዳብ ወለደ፥ ኣሚናዳብ ንነኣሶን ወለደ፥ ነኣሶን ንሰልሞን ወለደ፥ 5. ሰልሞን ካብ ረኣብ ንቦኤዝ ወለደ፥ ቦኤዝ ካብ ሩት ንእዮቤድ ወለደ፥ እዮቤድ ንእሴይ ወለደ፥ 6. እሴይ ንንጉሥ ዳዊት ወለደ። ንጉሥ ዳዊት ካብ ሰበይቲ ኦርዮ ንሰሎሞን ወለደ፥ 7. ሰሎሞን ንሮብዓም ወለደ፥ ሮብዓም ንኣብያ ወለደ፥ ኣብያ ንኣሳፍ ወለደ፥ 8. ኣሳፍ ንእዮሳፋጥ ወለደ፥ እዮሳፋጥ ንኢዮራም ወለደ፥ ኢዮራም ንዖዝያ ወለደ፥ 9. ዖዝያ ንእዮኣታም ወለደ፥ ኢዮኣታም ንኣካዝ ወለደ፥ ኣካዝ ንሕዝቅያስ ወለደ፥ 10. ሕዝቅያስ ንምናሴ ወለደ፥ ምናሴ ንኣሞጽ ወለደ፥ ኣሞጽ ንእዮስያስ ወለደ፥ 11. ኢዮስያስ ከኣ ብጊዜ ምርኮ ባቢሎን ንኢኮንያንን ነኅዋቱን ወለደ። 12. ድኅሪ ምርኮ ባቢሎን ድማ ኢኮንያን ንሰላትኤል ወለደ፥ ሰላትኤል ንዘሩባቤል ወለደ፥ 13. ዘሩባቤል ንኣብዩድ ወለደ፥ ኣብዩድ ንኤልያቄም ወለደ፥ ኤልያቄም ንኣዛር ወለደ፥ 14. ኣዛር ንሳዶቅ ወለደ፥ ሳዶቅ ንኣኪም ወለደ፥ ኣኪም ንኤልዩድ ወለደ፥ 15. ኤልዩድ ንኣልኣዛር ወለደ፥ ኣልኣዛር ንማታን ወለደ፥ ማታን ንያዕቆብ ወለደ፥ 16. ያዕቆብ ንዮሴፍ ሕጹይ ማርያም ወለደ፥ ካብኣ ድማ እቲ ክርስቶስ ዝተባህለ ኢየሱስ ተወልደ። 17. እምበኣር ኵሉ ወለዶ፥ ካብ ኣብርሃም ክሳዕ ዳዊት ዓሠርተው ኣርባዕተ ወለዶ፥ ካብ ዳዊት ክሳዕ ምርኮ ባቢሎን ዓሠርተው ኣርባዕተ ወለዶ፥ ካብ ምርኮ ባቢሎን ክሳዕ ክርስቶስ ድማ ዓሠርተው ኣርባዕተ ወለዶ እዩ፦ ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
ሮሜ 9 : 1 - 8 [English][ግእዝ][ልሙድ]1. ብክርስቶስ ሓቂ ከም ዝዛረብ እምበር ከም ዘይሕሱ ሕሊናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይምስክረለይ እዩ። 2. ብዙኅ ጓህን ዘየቋርጽ ስቓይን ኣብ ልበይ ኣሎ። 3. ኣነ ንባዕለይ ምእንቲ እቶም ብሥጋ ኣኅዋተይን ኣዝማደይን ርጉም ኮይነ ኻብ ክርስቶስ ክፍለ ምደሌኹ። 4. ንሳቶም እስራኤላውያን እዮም፥ እግዚኣብሔር ከኣ ደቁ ገበሮም፥ ክብሩ ገለጸሎም፥ ኪዳን ኣተወሎም፥ ሕጊ ሓገገሎም፥ ኣምልኾ ሠርዓሎም፥ ተስፋ ድማ ሃቦም። 5. ንሳቶም ካብ ኣቦታት ዝተወልዱ እዮም፥ ክርስቶስውን ብሥጋ ኻብኣታቶም እዩ ዝተወልደ። ንሱ ልዕሊ ዅሉ ዝኾነ ኣምላኽ፥ ንዘለዓለም ቡሩኽ እዩ፥ ኣሜን። 6. ግናኸ እቲ ቓል ኣምላኽ በዚ ኸንቱ ኾይኑ ተሪፉ ማለት ኣይኮነን፥ ምኽንያቱ እቶም ካብ እስራኤል ዝተወልዱ ዅሎም እስራኤላውያን ማለት ኣይኮኑን። 7. ከምኡውን ኵላቶም እቶም ካብ ኣብርሃም ዝተወልዱ ዘበሉ ደቂ ኣብርሃም እዮም ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ “ካብ ይስሓቅ ዘርኢ ኪስመየልካ እዩ” ኢልዎ ነበረ። 8. እዚ ማለት ከኣ እቶም ከም ተስፋ ቓሉ ዝተወልዱ እዮም ደቁ ዝኾኑ እምበር እቶም ብሥጋ ዝተወልዱስ ደቂ ኣምላኽ ኣይኮኑን።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
1ይ ዮሐ 4 : 1 - 9 [English][ግእዝ][ልሙድ]1. ኣቱም ፍቁራተይ፥ ብዙኃት ሓሰውቲ ነብያት ናብ ዓለም ተዋፊሮም ኣለዉ እሞ፥ እቶም መናፍስቲ ካብ ኣምላኽ እንተ ኾይኖም መርምሩ እምበር ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ። 2. ንመንፈስ ኣምላኽ በዚ ኢኹም እትፈልጥዎ፦ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ኸም ዝመጸ ዚእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ፥ ካብ ኣምላኽ እዩ። 3. ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ኸም ዝመጸ ዘይእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ግና፥ ካብ ኣምላኽ ኣይኮነን። እዚ ኸኣ እቲ ኸም ዚመጽእ ሰሚዕኩምዎ ዘሎኹም ናይ ፀረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ። ሕጂውን ድሮ ኣብ ዓለም ኣሎ። 4. ኣቱም ደቀየ፥ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም። ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ መንፈስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ መንፈስ ዚዓቢ ስለ ዝኾነ፥ ንስኻትኩም ነቶም ሓሰውቲ ነቢያት ስዒርኩምዎም ኢኹም። 5. ንሳቶም ካብ ዓለም እዮም፥ ከም ኣዘራርባ ዓለም ከኣ ይዛረቡ ኣለዉ። ዓለምውን ትሰምዖም ኣላ። 6. ንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢና፥ ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓና፥ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኮነ ኣይሰምዓናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ሓሶትን ከኣ በዚ ኢና እንፈልጦ። 7. ኣቱም ፍቁራተይ፥ ፍቕሪ ካብ ኣምላኽ እያ እሞ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ካብ ኣምላኽ ዝተወልደ እዩ፥ ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ። 8. ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፥ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። 9. ኣምላኽ ንፍቕሩ፥ ብወዱ ብሕይወት ምእንቲ ክንነብር፥ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ ገለጸልና።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 3 : 19 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]19. እምበኣር ኃጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምሰሰልኩም፥ ካብ ገጽ እግዚኣብሔር ከኣ ዘመን ምሕዳስ ምእንቲ ኺመጻልኩም፥ 20. ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም ዝተኃርየ መሲሕ፥ ንሱ ኸኣ ኢየሱስ፥ ምእንቲ ኪሰደልኩምሲ ተነስሑን ተመለሱን። 21. ከምቲ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ብኣፍ ቅዱሳን ነቢያቱ ዝተዛረቦ፥ ኵሉ ነገር ዚሕደሰሉ ዘመን ክሳዕ ዚመጽእ፥ ሰማይ ንኢየሱስ ኪቕበሎ ይግባእ እዩ። 22. ሙሴ ድማ ‘እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ከምቲ ንኣይ ዘተንሥኣኒ ካብ ኣኅዋትኩም ነቢይ ኬተንሥኣልኩም እዩ፥ ንሱ ዚብለኩም ዘበለ ዅሉ ኸኣ ስምዑ። 23. እንሆ እታ ነቲ ነቢይ እቲ ዘይትሰምዕ ዘበለት ነፍሲ ኸኣ ኻብ ሕዝባ ኽትምንቈስ እያ’ በለ። 24. ኵላቶም ነቢያት ድማ ኻብ ሳሙኤል ኂዞም ክሳዕ እቶም ድኅሪኦም ዝተዛረቡ፥ ነዘን መዓልትታት እዚኣተን እዮም ዘበሠሩ። 25. ኣምላኽ ንኣብርሃም ‘ኵሎም ኣሕዛብ ምድሪ ብዘርእኻ ኺባረኹ እዮም’ ኢሉ ምስ ኣቦታትና ኺዳን ኣትዩ ነበረ። ንስኻትኩም ከኣ ወረስቲ ነቢያትን ወረስቲ እዚ ኺዳን እዝን ኢኹም። 26. ኣምላኽ ንነፍስ ወከፍኩም ካብ ክፍኣቱ እናመለሰ ምእንቲ ኪባርኸኩምሲ ንወዱ ኣተንሢኡ ቕድሚ ዅሉ ናባኻትኩም ለኣኾ።”
ስንክሳር Synaxarium
በዐለ ጌና ዘውእቱ ልደቱ ለእግዚእነወ፻፶ እደው፲ወ፬ አንስት ሰማዕታት
መዝሙር Psalm
መዝ 68 : 28 - 29 [English][ግእዝ][ልሙድ]ኣምላኽካ ንሓይልኻ ኣዘዞ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ነቲ ዝገበርካልና ኣጽንዓዮ። ስለ ቤት መቕደስካ ኣብ የሩሳሌም ነገስታት ውህበት ኬምጽኡልካ እዮም።
ወንጌል Gospel
ማቴ 1 : 18 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]18. ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ኸምዚ እዩ፦ ኣዲኡ ማርያም ንዮሴፍ ተሓጽያ ኸላ፥ ከይተቓረቡ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት። 19. ዮሴፍ ሕጹያ ጻድቕ ስለ ነበረ፥ ብኅቡእ ኪኃድጋ ድኣ ሓሰበ እምበር ኬጋልጻ ኣይደለየን። 20. ንሱ እዚ ኪሓስብ ከሎ፥ እንሆ መልኣኽ እግዚኣብሔር ብሕልሚ ተራእዮ፥ ከምዚ ድማ በሎ፦ “ዮሴፍ ወዲ ዳዊት፥ እቲ ኻብኣ ዝውለድ ብመንፈስ ቅዱስ ስለ ዝኾነ ንሕጽይትኻ ማርያም ምውሳዳ ኣይትፍራህ። 21. ወዲ ኽትወልድ እያ ንሱ ኸኣ ንሕዝቡ ኻብ ኃጢኣቶም ኬድኅኖም እዩ እሞ ስሙ ኢየሱስ ክትብሎ ኢኻ።” 22. - 23. እዚ ዅሉ ድማ እቲ እግዚኣብሔር ብነቢይ “እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲውን ክትወልድ ኢያ፥ ስሙ ኸኣ ኣማኑኤል ኪብልዎ እዮም፥ ትርጒሙ ኸኣ ‘ኣምላኽ ምሳና’ ማለት እዩ” እናበለ ዝተዛረቦ ምእንቲ ኪፍጸም ኮነ። 24. ዮሴፍ ካብ ድቃሱ ተንሢኡ መልኣኽ እግዚኣብሔር ከም ዝኣዘዞ ገበረ፥ ንማርያም ሕጽይቱ ወሰዳ፥ 25. [በዅሪ] ወዳ ክሳዕ እትወልድ ኣይፈለጣን፥ ስሙ ድማ ኢየሱስ ኢሉ ሰመዮ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘእግዝእትነ ማርያም(ጐሥዓ)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 72 : 6 - 7 [English][ግእዝ][ልሙድ]ከም ዝናም ናብ እተዐጽደ ሸኻ፣ ከምቲ ንምድሪ ዜጥልል ጥሚቕ ኰይኑ ይወርድ። ብዘመኑ እቲ ጻድቕ ኪዕምብብ፣ ወርሒ ኽሳዕ እትጠፍእ ከኣ ብዝሒ ሰላም ኪህሉ እዩ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 2 : 3 - 9 [English][ግእዝ][ልሙድ]3. ንጉሥ ሄሮድስ ነዚ ሰሚዑ ተሸበረ፥ ኵሎም ሕዝቢ ኢየሩሳሌምውን ምስኡ ተሸበሩ። 4. ንሱ ድማ ንዅሎም ሊቃነ ኻህናትን ናይ ሕዝቢ መማህራን ሕግን ኣኪቡ፥ “ክርስቶስ ኣበይ እዩ ዚውለድ፧” ኢሉ ሓተቶም። 5. - 6. ንሳቶም ከኣ “‘ኣቲ ቤተ ልሔም ምድሪ ይሁዳ፥ ንሕዝበይ እስራኤል ዚጓስዮም ሹም ካባኺ ኪወፅእ እዩ እሞ፥ ካብ ሹማምንቲ ይሁዳ ከቶ ኣይትንእስን ኢኺ’ ዝብል ብነቢይ ጽሑፍ ስለ ዘሎ፥ ኣብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ እዩ” በልዎ። 7. ድኅርዚ ሄሮድስ ንሰብ ጥበብ ብኅቡእ ጸውዖም፥ ካባኣቶም ድማ ዘመን እቲ ዝተራእዮም ኮኸብ ኣጸቢቑ ተረድኤ። 8. ናብ ቤቴ ልሔም ድማ ሰደዶም፥ “ኬድኩም ብዛዕባ እቲ ሕፃን ኣረጋጊጽኩም መርምሩ። ምስ ረኸብኩምዎ፥ ኣነ ኸኣ መጺኤ ኽሰግደሉ ንገሩኒ” በሎም። 9. ንሳቶም ከኣ ካብ ንጉሥ ሰሚዖም ከዱ። እንሆ እቲ ብምብራቕ ዝረኣይዎ ኮኸብ ኣብ ልዕሊ እታ ሕፃን ዝነበራ ቦታ መጺኡ ክሳዕ ዚቐውም መርሖም። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ዘመነ ማርቆስ Readings for Wednesday
ታሕሳስ 29, 2018 ብግእዝ Jan 07, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 72 : 10 - 11 [English][ግእዝ][ልሙድ]ነገስታት ተርሴስን ደሴታትን ገጸ በረኸት ኬቕርቡሉ፣ ነገስታት ሸባን ሳባን ድማ ውህበታት ኬምጽኡሉ እዮም። ኵሎም ነገስታት ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ኺፍገሙ፣ ብዘለዉ ኣህዛብ ኬገልግልዎ እዮም።
ወንጌል Gospel
ማቴ 2 : 1 - 12 [English][ግእዝ][ልሙድ]1. - 2. ኢየሱስ ብዘመን ንጉሥ ሄሮድስ ኣብ ቤተ ልሔም ምድሪ ይሁዳ ምስ ተወለደ፥ እንሆ ካብ ሃገር ምብራቕ ዝተላዕሉ ሰብ ጥበብ፥ “እቲ ዝተወለደ ንጉሥ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ፧ ኮኸቡ ብምብራቕ ርኢና እሞ፥ ክንሰግደሉ መጺእና” እናበሉ ናብ ኢየሩሳሌም በጹሑ። 3. ንጉሥ ሄሮድስ ነዚ ሰሚዑ ተሸበረ፥ ኵሎም ሕዝቢ ኢየሩሳሌምውን ምስኡ ተሸበሩ። 4. ንሱ ድማ ንዅሎም ሊቃነ ኻህናትን ናይ ሕዝቢ መማህራን ሕግን ኣኪቡ፥ “ክርስቶስ ኣበይ እዩ ዚውለድ፧” ኢሉ ሓተቶም። 5. - 6. ንሳቶም ከኣ “‘ኣቲ ቤተ ልሔም ምድሪ ይሁዳ፥ ንሕዝበይ እስራኤል ዚጓስዮም ሹም ካባኺ ኪወፅእ እዩ እሞ፥ ካብ ሹማምንቲ ይሁዳ ከቶ ኣይትንእስን ኢኺ’ ዝብል ብነቢይ ጽሑፍ ስለ ዘሎ፥ ኣብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ እዩ” በልዎ። 7. ድኅርዚ ሄሮድስ ንሰብ ጥበብ ብኅቡእ ጸውዖም፥ ካባኣቶም ድማ ዘመን እቲ ዝተራእዮም ኮኸብ ኣጸቢቑ ተረድኤ። 8. ናብ ቤቴ ልሔም ድማ ሰደዶም፥ “ኬድኩም ብዛዕባ እቲ ሕፃን ኣረጋጊጽኩም መርምሩ። ምስ ረኸብኩምዎ፥ ኣነ ኸኣ መጺኤ ኽሰግደሉ ንገሩኒ” በሎም። 9. ንሳቶም ከኣ ካብ ንጉሥ ሰሚዖም ከዱ። እንሆ እቲ ብምብራቕ ዝረኣይዎ ኮኸብ ኣብ ልዕሊ እታ ሕፃን ዝነበራ ቦታ መጺኡ ክሳዕ ዚቐውም መርሖም። 10. ነቲ ኮኸብ ምስ ረኣይዎ፥ ዕዙዝን ብዙኅን ሓጐስ ተሓጐሱ። 11. ናብ ቤት ኣትዮም ነቲ ሕፃን ምስ ማርያም እኖኡ ረኣይዎ። ተደፊኦም ሰገድሉ። ሣጹኖም ከፊቶም ከኣ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ገጸ በረኸት ሃብዎ። 12. ናብ ሄሮድስ ከይምለሱ ኣምላኽ ብሕልሚ ስለ ዘጠንቀቖም ድማ ብኻልእ መገዲ ናብ ሃገሮም ተመልሱ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
ገላ 4 : 1 - 11 [English][ግእዝ][ልሙድ]1. ሕጅውን እንተኾነ ወራሲ ኣብ ጊዜ ሕፃንነቱ፥ ሽሕ እኳ ናይ ዅሉ ጐይታ እንተ ኾነ፥ ካብ ባርያ ዚኅሸሉ የብሉን። 2. ክሳዕ እቲ ኣቦኡ ዝወሰነሉ ጊዜ ኣብ ትሕቲ ሥልጣን ሓለውትን መገብትን እዩ። 3. ከምኡውን ንሕና ሕፃናት ከሎና፥ ኣብ ትሕቲ ኣተሓሳስባ ዓለም ባሮት ኴንና ነበርና። 4. - 5. ጊዜኡ ምስ በጽሐ፥ ኣምላኽ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሥልጣን ሕጊ ዝነበሩ ምእንቲ ኬድኅን፥ ንሕናውን ናይ ውልድነት ሥልጣን ምእንቲ ኽንረክብ፥ ነቲ ካብ ሰበይቲ ዝተወልደ፥ ኣብ ትሕቲ ሕጊውን ዝኃደረ ወዱ ለኣኾ። 6. ውሉድ ስለ ዝኾንኩም ከኣ ነቲ “ኣባ፥ ኣቦ” ኢሉ ዚጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብኹም ለኣኾ። 7. ደጊም ውሉድ እምበር ባርያ ኣይኮንካን። ውሉድ ካብ ኮንካ ኸኣ ኣምላኽ ወራሲ ገይሩካ እዩ። 8. ቕድም ንኣምላኽ ከይፈለጥኩምዎ ኸሎኹም፥ ነቶም ብባህሪኦም ኣማልኽቲ ዘይኮኑ ብባርነት ትግዝኡ ነበርኩም። 9. ሕጂ ግና ንኣምላኽ ምስ ፈለጥኩምዎ፥ እባ ደኣ ኣምላኽ ንኣኻትኩም ስም ፈለጠኩም፥ ከመይ ኢልኩም ናብቲ ድኹምን ድኻን ኣተሓሳስባ ዓለም ትምለሱ ኣሎኹም፧ ከም ብሓዱሽዶ ንኣኣቶም ክትግዝኡ ትደልዩ ኣሎኹም፧ 10. ንስኻትኩም፥ ፍሉያት መዓልትታትን ኣዋርኅን ክፍለ ዓመታትን ተኽብሩ ኣሎኹም። 11. ኣባኻትኩም ንኸንቱ ደኺመ ኸይከውን እፈርሃልኩም ኣሎኹ።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
1ይ ዮሐ 4 : 8 - 16 [English][ግእዝ][ልሙድ]8. ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፥ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። 9. ኣምላኽ ንፍቕሩ፥ ብወዱ ብሕይወት ምእንቲ ክንነብር፥ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ ገለጸልና። 10. ፍቕሪ ማለት ከኣ ኸምዚ እዩ፥ ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና ንኃጢኣትና ኼርሕቕ ኢሉ ንወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር ንሕና ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኮነን። 11. ኣቱም ኣኅዋተይ፥ ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረና፥ ንሕናውን ንሓድሕድና ኽንፋቐር ይግብኣና እዩ። 12. ንኣምላኽ ዝረአዮ ሓደ እኳ የልቦን። ንሓድሕድና እንተ ተፋቐርና ኣምላኽ ኣባና ይነብር፥ ፍቕሩውን ኣባና ትፍጸም። 13. ካብ መንፈሱ ስለ ዝሃበና፥ ንሕና ኣብኡ ንሱውን ኣባና ኸም ዚነብር ንፈልጥ ኢና። 14. ኣቦ ንወዱ መድኃን ዓለም ኪኸውን ከም ዝለኣኾ ረአና፥ ንምስክርውን ኣሎና። 15. ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚእመን ኣምላኽ ኣብኡ ይነብር፥ ንሱውን ኣብ ኣምላኽ ይነብር። 16. ንሕናውን ነታ ኣምላኽ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን ኣሎና። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ፥ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር፥ ኣምላኽውን ኣብኡ ይነብር።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 13 : 16 - 23 [English][ግእዝ][ልሙድ]16. ሽዑ ጳውሎስ ተንሢኡ ነቶም ሕዝቢ ብኢዱ እናኣመልከተ ኸምዚ በለ፡ - “ኣቱም ሰብ እስራኤልን ንኣምላኽ እትፈርሁን ስምዑ። 17. ናይ ሕዝቢ እስራኤል ኣምላኽ ነቦታትና ኃረዮም፤ ነዚ ሕዝቢ እዚ ኸኣ ኣብ ምድሪ ግብጺ ተሰዲዱ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ልዕል ኣበሎ፤ በቲ ዓቢይ ኃይሉ ድማ ካብኣ ኣውፅኦም። 18. ነርብዓ ዓመት ዚኣክል ከኣ ኣብ በረኻ ፆሮም። 19. ካብ ምድሪ ኸነኣን ሾብዓተ መንግሥትታት ኣጥፊኡ ኸኣ ነቲ ምድሮም ኣውረሶም። 20. እዚ ዅሉ ኣርባዕተ ሚእትን ኃምሳን ዓመት ኣቢሉ ወሰደ። ክሳዕ ዘመን ነቢይ ሳሙኤል ድማ መሳፍንቲ ሸመሎም። 21. ብድኅርዚ ንጉሥ ኬንግሠሎም ለመኑ፤ ኣምላኽ ከኣ ሓደ ሰብኣይ ካብ ነገድ ብንያም፥ ሳኦል ወዲ ቂስ፥ ንኣርብዓ ዓመት ኣንገሠሎም። 22. ኣምላኽ ንሳኦል ምስ ሰዓሮ ድማ ንዳዊት ኣንገሠሎም፤ ‘ዳዊት ወዲ እሴይ ዅሉ ፍቓደይ ዚገብር ሰብኣይ ዝኸም ልበይ ረኸብኩ’ ኢሉ ኸኣ መስከረሉ። 23. ኣምላኽ ከምቲ ኣተስፍይዎ ዝነበረ፥ ካብ ዘርኢ ዳዊት፥ ነቲ መድኃኒ እስራኤል ዝኾነ ኢየሱስ ለኣኾ።
ስንክሳር Synaxarium
በዐለ ልደቱ ለእግዚእነወልደተ ኢያሱ መስፍን ያዕቆብ : ወፊልጶስ : ወቴዎድሮስ ሰማዕትወአቃርዮስ ንጉሥወቆሪል ገመላዊ ወሰማዕታተ አክሚም
መዝሙር Psalm
መዝ 72 : 15 - 16 [English][ግእዝ][ልሙድ]ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ ደሞም ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ኽቡር ኪኸውን እዩ እሞ፣ ብህይወት ኪነብር፣ ካብ ወርቂ ሸባ ድማ ኪህብዎ፣ ኵሉ ጊዜውን ናብኡ ኺጽልዩ፣ ምሉእ መዓልቲ ኺባርኽዎ እዮም።
ወንጌል Gospel
ሉቃ 2 : 1 - 20 [English][ግእዝ][ልሙድ]1. በቲ ቕነ እቲ ድማ ዅሉ ኣብ ግዝኣት ሮማውያን ዝነበረ ሕዝቢ ኪጸሐፍ ካብ ቄሣር ኣውጉስጦስ ትእዛዝ ወፀ። 2. እዚ እቲ ቀሬኔዎስ ኣብ ሶርያ ተሸይሙ ኸሎ ዝዀነ ቐዳማይ ጽሕፈት እዩ። 3. ሽዑ ነፍስ ወከፍ ነናብ ዓዱ ኪጸሓፍ ከደ። 4. - 5. ዮሴፍ ድማ ካብ ቤት ዳዊትን ካብ ዓሌቱን ስለ ዝነበረ፥ ካብ ገሊላ ኻብ ከተማ ናዝሬት ምስታ ጠኒሳ ዝነበረት ማርያም ሕጽይቱ ናብ ይሁዳ፥ ቤተ ልሔም ናብ እትብሃል ከተማ ዳዊት፥ ኪጸሓፍ ደየበ። 6. ኣብኡ ኸለዉ ድማ ጊዜ ሕርሳ በጽሐ። 7. በዅሪ ወዳ ወለደት በጭርቕቲውን ጠቕለለቶ፥ ኣብቲ መኅደር ኣጋይሽ ሥፍራ ስለ ዘይነበሮም ድማ ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ። 8. ኣብቲ ሃገር እቲ ብለይቲ ማሎም ኪሕልዉ ኣብ መሮር ዝኃደሩ ጓሶት ነበሩ። 9. መልኣኽ እግዚኣብሔር ድማ ተራእዮም፥ ክብሪ እግዚኣብሔርውን ኣብ ዙርያኦም ኣብርሀ፤ ኣዝዮም ከኣ ፈርሁ። 10. እቲ መልኣኽ ድማ “እንሆ ንዅሉ ሕዝቢ ዚኸውን ዓቢይ ሓጐስ አበሥረኩም ኣሎኹ እሞ ኣይትፍርሁ። 11. ምኽንያቱ ሎሚ፥ መድኃኒ ክርስቶስ ጐይታ፥ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም ኣሎ። 12. ምልክት ከኣ እዚ ይኹነልኩም፦ በጭርቕቲ ዝተጠቕለለ ሕፃን ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱ ኽትረኽቡ ኢኹም” በሎም። 13. ብሃንደበት ከኣ ብዙኃት ሠራዊት ሰማይ ምስቲ መልኣኽ ኮይኖም ከምዚ ዚስዕብ እናበሉ ንኣምላኽ የመስግኑ ነበሩ፦ 14. “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ኣርያም፥ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጐ እቶም እግዚኣብሔር ዚሕጐሰሎም ሰብ።” 15. እቶም መላእኽቲ ኻብኣቶም ናብ ሰማይ ምስ ዓረጉ ድማ፥ እቶም ጓሶት ንሓድሕዶም፥ “ነዚ እግዚኣብሔር ዝገለጸልና ክውን ነገር ክንርኢ ንዑናይ ናብ ቤተ ልሔም ንኺድ፥” ተበሃሃሉ። 16. ቀልጢፎም ከኣ ኸዱ፥ ንማርያምን ንዮሴፍን፥ ነቲ ኣብ መብልዕ ማል ዝደቀሰ ሕፃንን ከኣ ረኸብዎም። 17. ነዚ ምስ ረኣዩ ድማ ብዛዕባ እቲ ሕፃን ዝተነግረሎም ነገር ኣውረዩ። 18. እቶም ዝሰምዑ ዘበሉ ዅሎም ከኣ በቲ እቶም ጓሶት ዝነገርዎም ተገረሙ። 19. ማርያም ግና ነዚ ነገር እዚ ዅሉ ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሓስቦን ነበረት። 20. እቶም ጓሶት ድማ ኸምቲ ዝተነግሮም ኮይኑ ስለ ዝረኸብዎ፥ ስለቲ ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎን ኵሉ ንኣምላኽ እናኣኽበሩን እናወደሱን ተመልሱ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘጎርጎርዮስ ካልእ
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 95 : 1 - 2 [English][ግእዝ][ልሙድ]ንዑ፣ ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ንዘምር፣ ንኸውሒ ምድሓንና እልል ንበለሉ፣ ብምስጋና አብ ቅድሚኡ ንብጻሕ።
ወንጌል Gospel
ሉቃ 2 : 13 - 20 [English][ግእዝ][ልሙድ]13. ብሃንደበት ከኣ ብዙኃት ሠራዊት ሰማይ ምስቲ መልኣኽ ኮይኖም ከምዚ ዚስዕብ እናበሉ ንኣምላኽ የመስግኑ ነበሩ፦ 14. “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ኣርያም፥ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጐ እቶም እግዚኣብሔር ዚሕጐሰሎም ሰብ።” 15. እቶም መላእኽቲ ኻብኣቶም ናብ ሰማይ ምስ ዓረጉ ድማ፥ እቶም ጓሶት ንሓድሕዶም፥ “ነዚ እግዚኣብሔር ዝገለጸልና ክውን ነገር ክንርኢ ንዑናይ ናብ ቤተ ልሔም ንኺድ፥” ተበሃሃሉ። 16. ቀልጢፎም ከኣ ኸዱ፥ ንማርያምን ንዮሴፍን፥ ነቲ ኣብ መብልዕ ማል ዝደቀሰ ሕፃንን ከኣ ረኸብዎም። 17. ነዚ ምስ ረኣዩ ድማ ብዛዕባ እቲ ሕፃን ዝተነግረሎም ነገር ኣውረዩ። 18. እቶም ዝሰምዑ ዘበሉ ዅሎም ከኣ በቲ እቶም ጓሶት ዝነገርዎም ተገረሙ። 19. ማርያም ግና ነዚ ነገር እዚ ዅሉ ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሓስቦን ነበረት። 20. እቶም ጓሶት ድማ ኸምቲ ዝተነግሮም ኮይኑ ስለ ዝረኸብዎ፥ ስለቲ ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎን ኵሉ ንኣምላኽ እናኣኽበሩን እናወደሱን ተመልሱ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ዘመነ ማርቆስ Readings for Thursday
ታሕሳስ 30, 2018 ብግእዝ Jan 08, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 72 : 15 - 16 [English][ግእዝ][ልሙድ]ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ ደሞም ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ኽቡር ኪኸውን እዩ እሞ፣ ብህይወት ኪነብር፣ ካብ ወርቂ ሸባ ድማ ኪህብዎ፣ ኵሉ ጊዜውን ናብኡ ኺጽልዩ፣ ምሉእ መዓልቲ ኺባርኽዎ እዮም።
ወንጌል Gospel
ማቴ 2 : 7 - 12 [English][ግእዝ][ልሙድ]7. ድኅርዚ ሄሮድስ ንሰብ ጥበብ ብኅቡእ ጸውዖም፥ ካባኣቶም ድማ ዘመን እቲ ዝተራእዮም ኮኸብ ኣጸቢቑ ተረድኤ። 8. ናብ ቤቴ ልሔም ድማ ሰደዶም፥ “ኬድኩም ብዛዕባ እቲ ሕፃን ኣረጋጊጽኩም መርምሩ። ምስ ረኸብኩምዎ፥ ኣነ ኸኣ መጺኤ ኽሰግደሉ ንገሩኒ” በሎም። 9. ንሳቶም ከኣ ካብ ንጉሥ ሰሚዖም ከዱ። እንሆ እቲ ብምብራቕ ዝረኣይዎ ኮኸብ ኣብ ልዕሊ እታ ሕፃን ዝነበራ ቦታ መጺኡ ክሳዕ ዚቐውም መርሖም። 10. ነቲ ኮኸብ ምስ ረኣይዎ፥ ዕዙዝን ብዙኅን ሓጐስ ተሓጐሱ። 11. ናብ ቤት ኣትዮም ነቲ ሕፃን ምስ ማርያም እኖኡ ረኣይዎ። ተደፊኦም ሰገድሉ። ሣጹኖም ከፊቶም ከኣ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ገጸ በረኸት ሃብዎ። 12. ናብ ሄሮድስ ከይምለሱ ኣምላኽ ብሕልሚ ስለ ዘጠንቀቖም ድማ ብኻልእ መገዲ ናብ ሃገሮም ተመልሱ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
ሮሜ 11 : 25 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]25. ኣኅዋተይ! ምእንቲ “ብልህታት ኢና” ኢልኩም ከይትምክሑስ፥ ነዛ ምሥጢር እዚኣ ኽትፈልጡ ምፈቶኹ። ንገለ እስራኤላውያን ትሪ ልቢ ዝበጽሖም፥ ኣሕዛብ ናብ ድኅነት ብምልኣት ክሳዕ ዚምለሱ እዩ። 26. ስለዚ እስራኤላውያን ብምሉኦም ኪድኅኑ እዮም። ከመይ “መድኅኒ ካብ ጽዮን ኪመጽእ እዩ፥ ካብ ያዕቆብ ኃጢኣት ኬርሕቕ እዩ። 27. ኃጢኣቶም ምስ ኣርሓቕኩ ኸኣ፥ እቲ ምስኣቶም ዝኣትዎ ኺዳን እዚ እዩ” ዚብል ጽሑፍ ኣሎ። 28. እስራኤላውያን ንወንጌል ብዘይ ምቕባሎም፥ ምእንቲ ጥቕምኹም ጸላእቲ እግዚኣብሔር ኮኑ፥ ብኅርየት ግን ሳላ ኣቦታት ፍቁራት እግዚኣብሔር እዮም። 29. ከመይ እግዚኣብሔር ውህበት ምስ ሃበን ምስ ጸውዐን ኣይጠዓስን እዩ። 30. ንስኻትኩም ቀደም ንኣምላኽ ኣይተኣዘዝኩምዎን፥ ሕጂ ግና ብናይ እስራኤል ዘይምእዛዝ ተመሓርኩም። 31. ከምኡውን ንሳቶም፥ በቲ ንስኻትኩም ዝተመሓርኩምሉ ምሕረት ምእንቲ ኪምሓሩ ሕጂ ኣይተኣዘዙን። 32. ምኽንያቱ፥ ኣምላኽ ምሕረቱ ምእንቲ ኼርእዮም ንዅሎም ኣብቲ ዘይምእዛዝ ዓጸዎም። 33. ኣየ! ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን ክንደይ ዓሚቚ እዩ፥ ንፍርዱ ኪምርምሮ ዚኽእል የልቦን፥ ንመገዱ ኪእስሮ ዚኽእልውን የልቦን። 34. ሓሳብ እግዚኣብሔር ዚፈልጥ መን እዩ፧ ወይስ መን እዩ ዘማኸሮ፧ 35. ንኣምላኽከ ቀደም ገለ ዝሃቦ እሞ ዚፍደዮ መን እዩ፧ 36. ምኽንያቱ ዅሉ ኻብኡን ብእኡን ንእኡን እዩ። ንእኡ ንዘለዓለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
1ይ ዮሐ 2 : 1 - 6 [English][ግእዝ][ልሙድ]1. ኣቱም ደቀየ! እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ፥ ኃጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ ኢለ እየ። ሓደ እኳ ኃጢኣት ዝገበረ እንተሎ ግና፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣቦ ዝጣበቐልና ኣሎና። ንሱ እቲ ጻድቕ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። 2. ንሱ ምእንቲ ኃጢኣትና በጃ ኾነ፥ ምእንቲ ኃጢኣት ኵሉ ዓለም ከኣ እምበር ምእንቲ ኃጢኣትና ጥራይ ኣይኮነን። 3. ትእዛዛት ኣምላኽ እንተ ሓሎና፥ ንእኡ ኸም እንፈልጦ በዚ ኢና እነረጋግጽ። 4. “ኣነ እፈልጦ እየ” ዝብል፥ ንትእዛዛቱ ግና ዘይሕሉ፥ ንሱ ሓሳዊ እዩ፥ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላን። 5. እቲ ንቓሉ ዚሕሉ ግና፥ እታ ንኣምላኽ ዘላቶ ፍቕሪ ምልኣት ትረክብ። ኣብ ኣምላኽ ከም ዘሎና በዚ ኢና እንፈልጥ። 6. እቲ “ኣብ ኣምላኽ እነብር ኣሎኹ” ዚብል፥ ከምቲ ኢየሱስ ዝነበሮ ኺነብር ይግብኦ።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 23 : 19 - 22 [English][ግእዝ][ልሙድ]19. እቲ ሓለቓ ሽሕ ከኣ ብኢዱ ኂዙ ንበይኑ ወሰዶ፥ “እቲ ኽትነግረኒ እትደልዮ እንታይ እዩ” ኢሉ ኸኣ ሓተቶ። 20. ንሱ ኸኣ “ኣይሁድ ንጳውሎስ ብዛዕባኡ ኣጸቢቖም ኪሓትዎ ከም ዝደለዩ ኣምሲሎም ጽባሕ ናብ መጋባእያ ከተውርደሎም ኪልምኑኻ ተማኺሮም ኣለዉ። 21. ካብኣቶም ካብ ኣርብዓ ሰብኣይ ዚበዝኁ ኣድብዮምሉ ኣለዉ፥ ንእኡ ክሳዕ ዚቐትልዎ ከይበልዑን ከይሰትዩን ከኣ ተመሓሒሎም ኣለዉ። ሕጂ ተዓጢቖም፥ ዝበሉኻ ክትፍጽመሎም ብተስፋ ይጽበዩ ኣለዉ። ንስኻ ግና ሕራይ ኣይትበሎም።” 22. ድኅሪ እዚ እቲ ሓለቓ ሽሕ ነቲ ወዲ “እዚ ንኣይ ከም ዘፍለጥካኒ ንሓደ እኳ ኣይትንገር” ኢሉ ኣዚዙ ሰደዶ።
ስንክሳር Synaxarium
ተዝካረ ሕጻናትወአባ ዮሐንስ ክቡርወክርዮንወፊልሞንወ፵ ሐራ ሰማይ ወዮሐንስወአባ ዘካርያስ
መዝሙር Psalm
መዝ 9 : 12 - 13 [English][ግእዝ][ልሙድ]እቲ ሕነ ደም ዚፈዲ ዘኪርዎም፣ ንኣውያት ጥቑዓት ከኣ ኣይርስዖን እዩ፣...... ዎ እግዚኣብሄር፣ ነቲ ብጸላእተይ ዝረኽቦ መከራ ርአዮ እሞ፣ ኣታ ኻብ ደጌታት ሞት እትስሕበኒ፣ ደንግጸለይ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 2 : 13 - 18 [English][ግእዝ][ልሙድ]13. ንሳቶም ምስ ከዱ ኸኣ መልኣኽ እግዚኣብሔር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዮ፥ “ሄሮድስ ነዚ ሕፃን ኪቐትሎ ይደሊ ኣሎ እሞ ተንሥእ፥ ነዚ ሕፃንን ነዲኡን ኂዝካ ናብ ግብጺ ህደም፥ ክሳዕ ዝነግረካ ኸኣ ኣብኡ ጽናሕ” በሎ። 14. ዮሴፍ ድማ ተንሢኡ ነቲ ሕፃንን ንኖኡን ኂዙ ብለይቲ ናብ ግብጺ ኸደ። 15. እቲ እግዚኣብሔር ብነብዪ “ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ” ዝበሎ ምእንቲ ኪፍጸም ድማ ሄሮድስ ክሳዕ ዚመውት ኣብኡ ጸንሐ። 16. ሽዑ ሄሮድስ እቶም ሰብ ጥበብ ከም ዘላገጹሉ ምስ ረኣየ ኣዝዩ ተቔጥዐ እሞ ንዅሎም ሕፃናት ቤተ ልሔምን ኣብ ኵሉ ጐደቦታት ንዝጸንሑን፥ ካብ ሰብ ጥበብ ኣረጋጊጹ ብዝሓተቶ ዘመን፥ ወዲ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ንዝነበሩ ልኢኹ ኣቕተለ። ሽዑ እቲ ብነቢይ ኤርምያስ፥ 17. - 18. “ኣብ ራማ ድምፅን ብዙኅ ዋይዋይታን ብኽያትን ተሰምዐ፥ ራሄል ምእንቲ ደቃ በኸየት፥ ሞይቶሞ እዮም እሞ ምጽንናዕ ኣበየት” ዝተባህለ ተፈጸመ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘእግዝእትነ ማርያም(ጐሥዓ)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 22 : 22 - 23 [English][ግእዝ][ልሙድ]ስምካ ነሕዋተይ ከዘንትወሎም፣ ኣብ ማእከል ማሕበር ከመስግነካ እየ። ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርሁ፣ ኣመስግንዎ።
ወንጌል Gospel
ሉቃ 15 : 25 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]25. “እቲ ዓብይ ወዱ ግና ኣብ ወፍሪ ነበረ፤ መጺኡ ናብ ጥቓ ቤት ምስ ቀረበ፥ ጓይላን እልልታን ሰምዐ። 26. ካብቶም ገላው ንሓደ ጸዊዑ ‘እዚ ነገር እዚ እንታይ እዩ፧’ ኢሉ ሐተቶ። 27. ንሱ ኸኣ፥ ‘እቲ ኃውካ መጺኡ እሞ ኣቦኻ ብደኃኑ ስለ ዝረኸቦ፥ ስብሕቲ ላም ሓሪዱሉ’ በሎ። 28. ንሱ ግና ዀርዩ ምእታው ኣበየ፥ ኣቦኡ ኸኣ ወፂኡ ለመኖ። 29. ንሱ ግና ነቦኡ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ ‘እንሆ ኽንድዚ ዓመት ተገዛእኩኻ፥ ካብ ትእዛዝካውን ከቶ ኣይኃለፍኩን፥ እንተኾነ ንኣይ ምስ ኣዕሩኸይ ዝሕጐሰሉ ማሕስእ እኳ ኣይሃብካንን። 30. እዚ ምስ ኣመናዝር ኮይኑ ገንዘብካ በሊዑ ዝወድአ ወድኻ ምስ መጸ ግና ስብሕቲ ላም ሓረድካሉ።’ 31. ኣቦኡ ኸኣ፥ ‘ወደይ ንስኻስ ኵሉ ሳዕ ምሳይ ኣሎኻ፥ ናተይ ዘበለ ድማ ናትካ እዩ። 32. እዚ ኃውካ ግና ሞይቱ ነይሩ ሓውዩ፥ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ፥ ክንሕጐስን ባህ ኪብለናን ይግባኣና እዩ’ በሎ።” ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ዘመነ ማርቆስ Readings for Friday
ጥሪ 1, 2018 ብግእዝ Jan 09, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 79 : 10 - 11 [English][ግእዝ][ልሙድ]ዎ ኣምላኽ ምድሓንና፣ ምእንቲ ኽብሪ ስምካ ርድኣና፣ ምእንቲ ስምካ ኢልካ ኸኣ ኣናግፈና፣ ሓጢኣትናውን ይቕረ በለልና። ስለምንታይከ ኣህዛብ፣ ኣበይ ኣሎ ኣምላኾም፣ ዚብሉ፧ እቲ ምፍዳይ ሕነ ናይቲ ዝፈሰሰ ደም ባሮትካ ኣብ ቅድሜና አብ ማእከል አህዛብ ይፈለጥ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 23 : 34 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]34. ስለዚ እንሆ ነቢያትን ጠቢባንን መምህራን ሕግን እልእከልኩም ኣሎኹ፥ ንገሊኦም ክትቐትሉዎምን ክትሰቕሉዎምን፥ ንገሊኦም ከኣ ኣብ ቤት ጸሎትኩም ክትገርፉዎምን ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ውን ክትሰጕዎም ኢኹም። 35. እቲ ኻብ ደም ኣቤል ጻድቕ ጀሚሩ ኽሳብ ደም እቲ ኣብ መንጎ ቤተ መቕደስን መሠውዕን ዝቐተልኩምዎ ዘካርያስ ወዲ በራኽዩ፥ ሕነ እቲ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዅሉ ደም ጻድቕ ኣባኻትኩም ኪበጽሕ እዩ። 36. እዚ ዅሉ ነዚ ወለዶ እዚ ኸም ዚበጽሖ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።” 37. “ኢየሩሳሌም! ኢየሩሳሌም! ኣቲ ንነቢያት እትቐትሊ፥ ነቶም ናባኺ ዝተላእኩ ብእምኒ እትቕጥቅጢ፥ ደርሆ ንጨቓዊታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ ኸም እትእክቦም፥ ክንደይ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደሌኹ፥ ንስኺ ግና ኣቤኺ። 38. - 39. ደጊም ብስም እግዚኣብሔር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ ኽሳዕ እትብሉ፥ ካብ ሕጂ ኣይክትርእዩንን ኢኹም እሞ እንሆ ቤትኩም ዓንዩ ኺተርፍ እዩ፥ እብለኩም ኣሎኹ።” ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
2ይ ቆሮ 11 : 16 - 26 [English][ግእዝ][ልሙድ]16. ደጊመውን እብል ኣሎኹ፦ ሓደ እኳ ከም ዓሻ ኣይቝጸረኒ። ከም ዓሻ እንተ ቘጸርኩሙኒ ግና፥ ኣነውን ገለ ቝሩብ ምእንቲ ኽምካሕሲ፥ ከም ዓሻ ጌርኩም ተቐበሉኒ። 17. ከምዚ ኢለ ብትምክሕቲ ኽዛረብ ከሎኹ፥ ከም ዓሻ እምበር ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘሎኹ። 18. ብዙኃት ብሥጋዊ መገዲ ካብ ዚምክሑ ኣነውን ክምካሕ እየ። 19. ንስኻትኩም ለባማት ስለ ዝኾንኩም፥ ነቶም ዓያሱ ብታሕጓስ ትዕገሥዎም ኣሎኹም። 20. ሓደ ከም ባርያ እንተ ቘጸረኩም፥ ሓደ እንተ ዓመጸኩም፥ ሓደ እንተ ተበለጸልኩም፥ ሓደ እንተ ዀርዓልኩም፥ ሓደ ገጽኩም እንተ ጸፍዓኩም፥ ትዕገሥዎ ኣሎኹም። 21. ንምዝራቡ እኳ ዜኅፍረኒ እንተ ኾነ፥ ንሕና ነዚ ዅሉ ክንጽመሞ ከም ዘይንኽእል እገልጸልኩም ኣሎኹ። ሓደ ኺምካሕ ዚደፍር እንተ ኣልዩ ግና ኣነውን ክምካሕ እየ። ነዚ ዅሉ ግና ከም ዓሻ እየ ዝዛረቦ ዘሎኹ። 22. ዕብራውያን ድዮም፧ ኣነውን ዕብራዊ እየ። እስራኤላውያን ድዮም፧ ኣነውን እስራኤላዊ እየ። ደቂ ኣብርሃም ድዮም፧ ኣነውን ወዲ ኣብርሃም እየ። 23. ኣገልገልቲ ክርስቶስ ድዮም፧ ከም ጽሉል ደኣ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ እምበር፥ ኣነ እበልጾም። ኅልፊኦም ዝጸዓርኩ፥ ብዙኅ ጊዜ ዝተኣሰርኩ፥ ብዙኅ ጊዜ ዝተገረፍኩ፥ ብዙኅ ጊዜ ኣብ ኣፍ ሞት ዝበጻሕኩ እየ። 24. ኃሙሽተ ጊዜ፥ ነርብዓ ጭጕራፍ ሓደ ጐደል፥ ብኣይሁድ ተገረፍኩ። 25. ሠለስተ ሳዕ ብሽመል ተዘበጥኩ፥ ሓደ ሳዕ ብዳርባ እምኒ ተቐጥቀጥኩ። ሠለስተ ሳዕ እታ ዝነበርክዋ መርከብ ተሰብረትኒ። ሓደ ለይትን ሓደ መዓልትን ኣብ ባሕሪ ገበርኩ። 26. ብዙኅ ጊዜ መንገደኛ ኾይነ ነበርኩ። ብውሕጅን ብኸተርትን ኸኣ ተጨነቕኩ፥ ብኣይሁድን ብኣሕዛብን ተጨነቕኩ፥ ኣብ ከተማን ኣብ በረኻን ኣብ ባሕርን ተጨነቕኩ፥ በቶም ሓሰውቲ ኣኅዋት ተጨነቕኩ።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
1ይ ጴጥ 4 : 12 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]12. ኣቱም ፍቁራተይ፥ ከም ሓዊ ዚባላዕ ፈተና ኺረኽበኩም ከሎ፥ ሓደ ሓዱሽ ነገር ከም ዝበጽሓኩም ኴንኩም ኣይትገረሙ። 13. ንሱ ብግርማ ኺግለጽ ከሎ ኣዝዩ ባህ ኪብለኩም እዩ እሞ ኣብ ሥቓይ ክርስቶስ ክትካፈሉ ኸሎኹም ተሓጐሱ። 14. ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተጸረፍኩም፥ እቲ ኽቡር መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ስለ ዚኃድር ተሓጐሱ። 15. ሓደ እኳ ኻባኻትኩም ቀታሊ፥ ወይ ሰራቒ፥ ወይ ገባር ክፋእ፥ ወይ ኣብ ነገር ካልኦት ኢዱ ዜእቱ ብምዃኑ ስቓይ ዚቕበል ኣይሃሉኹም። 16. ክርስቲያን ብምዃን እንተ ተሳቐየ ግና፥ ስለ እዚ ስም እዚ ንኣምላኽ የመስግን እምበር ኣይኅፈር። 17. ጊዜ ፍርዲ ቐሪቡ እዩ፥ ዚጅምሮ ኸኣ በቶም ኣብ ቤት ኣምላኽ ዘለዉ እዩ። ብኣና ዚጅምር ካብ ኮነኸ፥ መወዳእታ እቶም ንወንጌል ኣምላኽ ዘይእዘዙ ደኣ እንታይ ኪኽውን እዩ፧ 18. “እቲ ጻድቕ ብኃይሊ ገደል ዚድኅን ካብ ኮነኸ፥ እቲ ዓማጽን ኃጥእን ደኣ እንታይ ኪኸውን እዩ፧” 19. እምበኣር እቶም ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዚሳቐዩ፥ ሠናይ እናገበሩ ንገዛእ ርእሶም ኣብቲ እሙን ፈጣሪ የማኅጽኑ።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 7 : 51 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]51. ካብ ነቢያትከ ኣቦታትኩም ዘይሰጐጒዎ መን እዩ፧ ንሳቶም ነቶም ብዛዕባ ምምጻእ እቲ ጻድቅ ኣቐዲሞም ዘበሠሩ ቐተልዎም፤ ሕጂውን ንስኻትኩም ኣኅሊፍኩም ወሃብቱን ቀተልቱን ኢኹም። 52. ንስኻትኩም ነቲ ሕጊ ብኢድ መላእኽቲ ተቐቢልኩምዎ ኔርኩም፥ እንተኾነ ኣይሓሎኹምዎን።” 53. እቶም ሰብ ከኣ ነዚ ምስ ሰምዑ፥ ልቦም ነደደ፥ ኣስናኖም ከኣ ሓርቀሙሉ። 54. ንእስጢፋኖስ ግና መንፈስ ቅዱስ መልኦ፥ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ኸኣ ኽብሪ ኣምላኽን ኢየሱስ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉን ረኣየ። 55. ሽዑ “እንሆ ሰማይ ተኸፊቱ፥ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉ እርኢ ኣሎኹ” በለ። 56. ንሳቶም ዓው ኢሎም ጨደሩ፥ ኣእዛኖም ደፊኖም ድማ ኃቢሮም ብሓንሳእ ወረርዎ። 57. ካብታ ኸተማ ኣውፂኦም ከኣ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ፤ እቶም ምስክር ድማ ኽዳውንቶም ኣብ ጥቓ ኣእጋር ሳውል ዚብሃል ጐበዝ ኣንበሩ። 58. ብዳርባ እምኒ ኺቐትልዎ ኸለዉ ኸኣ እስጢፋኖስ “ኦ ጐይታይ ኢየሱስ! ነፍሰይ ተቐበል” እናበለ ተማህለለ። 59. ተምበርኪኹ ኸኣ ብዓቢይ ድምፂ “ጐይታይ! እዚ ኃጢኣት እዚ ኣይትኃዘሎም” ኢሉ ጨደረ። እዚ ምስ በለውን ዓረፈ።
ስንክሳር Synaxarium
እስጢፋኖስወሰማዕታተ አክሚምለውንድዮስወዲዮስቆሮስ ሰማዕትወመቃርዮስ ሊቀ ጳጳሳት
መዝሙር Psalm
መዝ 21 : 3 - 4 [English][ግእዝ][ልሙድ]ምስ በረኸት ሰናይ ተቓባቢልካዮ ኢኻ እሞ፣ ኣብ ርእሱ ዘውዲ ጽሩይ ወርቂ ደፋእካሉ። ህይወት ለመነካ፣ ምንዋሕ ዕድመ ንሓዋሩ ንዘለአለም ሀብካዮ።
ወንጌል Gospel
ዮሐ 15 : 7 - 11 [English][ግእዝ][ልሙድ]7. ኣባይ እንተ ነበርኩም፥ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ኃደረ፥ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይኾነልኩም። 8. ብዙኅ ፍረ እንተ ፈሬኹም ኣቦይ በዚ ኪኸብር እዩ፥ ንስኻትኩም ከኣ ደቀ መዛሙርተይ ክትኮኑ ኢኹም። 9. “ከምቲ ኣቦ ዘፍቀረኒ ኣነውን ኣፍቂረኩም እየ፤ ኣብ ፍቕረይ ንበሩ። 10. ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ሓልየ ኣብ ፍቕሩውን ጸኒዐ ዝነብር ዘሎኹ፥ ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሓሎኹም ኣብ ፍቕረይ ጸኒዕኩም ክትነብሩ ኢኹም። 11. ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኺነብር፥ ሓጐስኩምውን ምሉእ ምእንቲ ኪኸውንሲ እዚ ነገርኩኹም። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘዮሐንስ ወልደ ነጐድጓድ (ሃቤከ)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 118 : 19 - 21 [English][ግእዝ][ልሙድ]ደገ እግዚኣብሄር እዚኣ እያ፣ ጻድቃን ብእኣ ኺአትዉ እዮም። ሰሚዕካኒ ምድሓነይውን ኴንካ ኢኻ እሞ፣ ከመስግነካ እየ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 7 : 12 - 18 [English][ግእዝ][ልሙድ]12. እምበኣር ሕግን ነብያትን እዚ እዩ እሞ ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም። 13. “በታ ጸባብ ኣፍ ደገ እተው፥ እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ኣፍ ደገ ርሕብቲ፥ መገዳውን ገፊሕ እዩ፥ እቶም ብእኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙኃት እዮም። 14. እታ ናብ ሕይወት እትወስድ ኣፍ ደገ ግና ጸባብ እያ፥ መገዳውን ቀጢን እዩ፥ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ውሑዳት እዮም።” 15. “ብዉሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ እዮም እሞ፥ ኣባጊዕ ተመሲሎም ካብ ዚመጹኹም ሓሰውቲ ነብያት ተጠንቀቑ። 16. ብፍሪኦም ክትፈልጥዎም ኢኹም፥ ካብ እሾዅዶ ፍረ ወይኒ ወይስ ካብ ተዀርባ በለስ ይቕንጠብ እዩ፧ 17. ከምኡ ድማ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፥ እቲ ሕማቕ ኦም ከኣ ሕማቕ ፍረ ይፈሪ። 18. ጽቡቕ ኦም ሕማቕ ፍረ ኺፈሪ፥ ሕማቕ ኦም ድማ ጽቡቕ ፍረ ኺፈሪ ኣይክእልን እዩ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ዘመነ ማርቆስ Readings for Saturday
ጥሪ 2, 2018 ብግእዝ Jan 10, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 94 : 20 - 21 [English][ግእዝ][ልሙድ]ከም ሕጊ ኢና፣ እናበሉ ዓመጽ ዚገብሩሉ መንበር ጥፍኣትዶ ምሳኻ ሕብረት ኣለዎ እዩ፧ ንነፍሲ ጻድቕ ሐቢሮም ይወድቅዋ፣ ንንጹህ ደም ድማ ይዅንንዎ ኣለዉ።
ወንጌል Gospel
ማር 13 : 9 - 14 [English][ግእዝ][ልሙድ]9. “ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ኪኸውን ብኣይ ምኽንያት ንፍርዲ ኣኅሊፎም ኪህቡኹም፥ ኣብ ኣብያተ ጸሎቶምውን ኪገርፉኹም፥ ኣብ ቅድሚ መኳንንትን ነገሥታትን ከኣ ደው ኬብሉኹም እዮም እሞ ንርእስኹም ተጠንቀቑ። 10. ቕድም ግና ንዅሎም ኣሕዛብ ወንጌል ኪስበኽ ግድን እዩ። 11. መንፈስ ቅዱስ እዩ እምበር ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን እትዛረቡ፤ ስለዚ ኣኅሊፎም ኪህብኹም ምስ ወሰደኹም፥ እቲ በታ ሰዓት እቲኣ ዚወሃበኩም ደኣ ተዛረቡ እምበር፥ እንታይ ኢልኩም ከም እትዛረቡ ኣቐዲምኩም ኣይትጨነቑ። 12. ኃው ንኃው፥ ወላዲ ንውሉዱ፥ ኣኅሊፉ ንሞት ኪህብ እዩ፥ ውሉድውን ኣብ ልዕሊ ወለዶም ተንሢኦም ኪቐትልዎም እዮም። 13. ምእንቲ ስመይ ከኣ ኵሉ ኪጸልኣኩም እዩ፤ እቲ ኽሳዕ መወድእታ ዚዕገስ ግና ንሱ ኺድኅን እዩ። 14. “እቲ ብነቢይ ዳኒኤል ዝተባህለ ‘ናይ ጥፍኣት ርኽሰት’ ኣብ ዘይግብኦ ስፍራ ቆይሙ ምስ ረኣኹም፥ እቲ ዜንብብ የስተውዕል፥ ሽዑ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ እምባታት ይህደሙ፤ እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
ዕብ 11 : 1 - 7 [English][ግእዝ][ልሙድ]1. እምነት ነቲ ብተስፋ እንጽበዮ ነገር ከም እንረኽቦ ዜረጋግጽ፥ ነቲ ዘይረአ ነገር ከኣ ከም ዘሎ ዜረድእ እዩ። 2. ነቶም ናይ ቀደም ሰብውን ብእምነቶም እዩ ዝተመስከረሎም። 3. ኵሉ ዓለማት ብቓል ኣምላኽ ከም ዝተፈጥረ እቲ ዚርአ ድማ ካብ ዘይረአ ኸም ዝተፈጥረ ብእምነት ኢና እነስተውዕሎ። 4. ኣቤል ካብ መሥዋእቲ ቓየል ዝበልጽ መሥዋዕቲ ንኣምላኽ ብእምነት ኣቕረበ። ኣምላኽ ንመባኡ ብጽቡቕ ምስ ተቐበሎ ኸኣ፥ ጻድቕ ሰብ ከም ዝኾነ ብእምነት መስከረሉ። ሞይቱ ኸሎ ኸኣ ገና ብእምነቱ ገይሩ ይዛረብ ኣሎ። 5. ሄኖክ ስለ ዝኣመነ ንሰማይ ደኣ ተወስደ እምበር ኣይሞተን፥ ኣምላኽ ንሰማይ ስለ ዝወሰዶ ኸኣ ኣይተረኽበን። ከመይ ቕድሚ ምውሳዱ ብእኡ ኸም ዝተሓጐሰ ኣምላኽ መስኪሩሉ እዩ። 6. ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬሥምርዎ ኣይክኣልን እዩ፥ እቲ ናብ ዚመጽእ ኵሉ፥ ኣምላኽ ከም ዘሎ፥ ነቶም ዘናድይዎ ኸኣ ዓስቢ ኸም ዚህቦም ኪኣምን ይግብኦ። 7. ኖኅ ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገራት እግዚኣብሔር ምስ ገለጸሉ፥ ብፍርሃት እግዚኣብሔር ተደሪኹ፥ ስድርኡ እትድኅነላ መርከብ ብእምነት ሠረሐ። በዚ ኸኣ ንዓለም ኰነና፥ ነታ ብእምነት እትርከብ ጽድቂ ኸኣ ወረሳ።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
1ይ ዮሐ 3 : 6 - 12 [English][ግእዝ][ልሙድ]6. እቲ ኣብ ክርስቶስ ዚነብር ዘበለ ዅሉ ኃጢኣት ኣይገብርን እዩ። ኃጢኣት ዚገብር ዘበለ ግና ንክርስቶስ ኣይረኣዮን ኣይፈለጦንውን እዩ። 7. ደቀየ! ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም። ከምቲ ክርስቶስ ጻድቕ ዝኾነ፥ እቲ ጽድቂ ዚገብር ከኣ ጻድቕ እዩ። 8. ካብ መጀመርታ ኂዙ ዚኃጥእ ዘሎ ዲያብሎስ እዩ እሞ፥ ኃጢኣት ዚገብር ካብ ዲያብሎስ እዩ። ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ዲያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ ኢሉ እዩ ዝተገልጸ። 9. ካብ ኣምላኽ ዝተወልደ ዘበለ፥ ባህርይ ኣምላኽ ኣብኡ ስለ ዘሎ፥ ኃጢኣት ኣይገብርን እዩ። ካብ ኣምላኽ ስለ ዝተወልደውን ኃጢኣት ኪገብር ኣይክእልን እዩ። 10. ጽድቂ ዘይገብርን፥ ንኃዉ ዘየፍቅርን ካብ ኣምላኽ ኣይኮነን። ደቂ ኣምላኽን ደቂ ዲያብሎስን በዚ እዮም ዚፍለጡ። 11. እታ ካብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዋ፥ “ንሓድሕድና ንፋቐር” እትብል መልእኽቲ እያ። 12. ከምቲ ኻብ እኩይ ዝነበረ ንኃዉ ኸኣ ዝቐተለ ቃየል ኣይንኹን። ስለ ምንታይከ እዩ ዝቐተሎ፧ ግብሩ እኩይ፥ ግብሪ ኃዉ ግና ሠናይ ስለ ዝነበረ እዩ።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 12 : 18 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]18. ምስ ወግሐ፥ እቶም ወተሃደራት “ጴጥሮስ ኣበይ ኣትዩ” እናበሉ እምብዛ ተሸበሩ። 19. ሄሮድስ ድማ ንጴጥሮስ ደልዩ ምስ ሰኣኖ፥ ነቶም ሓለውቲ መርሚሩ ኪቕተሉ ኣዘዘ። ካብ ይሁዳ ናብ ቂሳርያ ወሪዱ ኸኣ ኣብኣ ቐነየ። 20. ሄሮድስ ምስ ሰብ ጢሮስን ሲዶናን ኣዝዩ ዀርዩ ነበረ። ሃገሮም ምግቢ እትረኽቦ ካብ ግዝኣት እቲ ንጉሥ ስለ ዝነበረ፥ ንበላስጦን ኣዛዚ ቤት ንጉሥ ኣፍትዮም ዕርቂ ኪልምኑ፥ ተሰማሚዖም ናብ ሄሮድስ መጹ። 21. በታ ምድብቲ መዓልቲ ሄሮድስ ልብሰ መንግሥቱ ለቢሱ ኣብ ዝፋን ተቐመጠ፥ ነቶም ሕዝቢ ኸኣ ዘረባ ኣስምዖም። 22. እቶም ሕዝቢ ድማ “እዝስ ድምፂ ኣምላኽ እዩ እምበር ድምፂ ሰብ ኣይኮነን” እናበሉ ጨደሩ። 23. ክብሪ ንኣምላኽ ስለ ዘይሃበ ድማ ብኡብኡ መልኣኽ እግዚኣብሔር ቀዘፎ፥ ሓሲኹ ኸኣ ሞተ። 24. ቃል ኣምላኽ ግና እናዓበየን እናስፋሕፍሐን ከደ። 25. በርናባስን ሳውልን ድማ ኣገልግሎቶም ፈጺሞም፥ ካብ ኢየሩሳሌም ተመልሱ። ነቲ ማርቆስ ዝተባህለ ዮሓንስ ድማ ምስኣቶም ተማልእዎ።
ስንክሳር Synaxarium
አቤል በኲረ ምውታንወአላኒቆስወአትናቴዎስ ሊቀ ጳጳሳትወቅዳሴ ቤታ ለእግዝእትነ ማርያም
መዝሙር Psalm
መዝ 94 : 21 - 22 [English][ግእዝ][ልሙድ]ንነፍሲ ጻድቕ ሐቢሮም ይወድቅዋ፣ ንንጹህ ደም ድማ ይዅንንዎ ኣለዉ። እግዚኣብሄር ግና በሪኽ መጸግዕየይ፣ ኣምላኸይ ድማ ከውሒ መዕቈብየይ እዩ።
ወንጌል Gospel
ሉቃ 11 : 47 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]47. ናይቶም ኣቦታትኩም ዝቐተልዎም ነቢያት መቓብር እትሓንጹ ኢኹም እሞ ወይለኹም። 48. ንሳቶም ቀተልዎም፥ ንስኻትኩም ድማ መቓብሮም ትሓንጹ ኣሎኹም። ስለዚ ንስኻትኩም ምስክር ኢኹም፥ ነቲ ግብሪ ኣቦታትኩምውን ትሠምርዎ ኣሎኹም። 49. ስለዚ ድማ ጥበብ ኣምላኽ ከምዚ በለት፦ ‘ነቢያትን ሓዋርያትን ናብኣቶም ክልእኽ እየ፤ ንሓያሎ ኻብኣቶም ከኣ ኪቐትልዎምን ኪሰጕዎምን እዮም።’ 50. - 51. እቲ ኻብ ምሥራት ዓለም ጀሚሩ ዝፈሰሰ ደም ኵሎም ነቢያት፥ ካብ ደም ኣቤል ጀሚሩ ክሳብ እቲ ኣብ መንጎ መሠውዕን ቤት መቕደስን ዝቐተልዎ ደም ዘካርያስ፥ ካብዚ ወለዶ እዚ ኪድለ እዩ። እወ፥ ካብዚ ወለዶ እዚ ኪድለ እዩ እብለኩም ኣሎኹ። 52. ኣቱም ሊቃውንቲ ሕጊ፥ መርኆ ፍልጠት ወሲድኩምሲ ንርእስኹም ኣይኣቶኹምን፥ ነቶም ኪኣትዉ ዚደልዩ ድማ እትኽልክሉ ኢኹም እሞ ወይለኹም።” 53. ካብኡ ምስ ወፀ፥ እቶም መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ብጽኑዕ ኪቕየምዎን ብዛዕባ ብዙኅ ነገር ኪሓትዎን ጀመሩ። 54. ምእንቲ ኪኸስዎ ኸኣ ካብ ኣፉ ገለ ዘረባ ደልዮም ይጸናጸንዎ ነበሩ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘ፫ቱ ምእት(ግሩም)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 104 : 12 - 13 [English][ግእዝ][ልሙድ]ኣዕዋፍ ሰማይ አብ ጥቓኤን ይነብራ፣ ካብ ማእከል ጨናፍር ከኣ ድምጸን የስምዓ። ነኽራን ካብ ርሻናትካ ተስትዮ፣ ምድሪ ብፍረ ተግባርካ ትጸግብ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 8 : 16 - 22 [English][ግእዝ][ልሙድ]16. - 17. ምስ መሰየ፥ ኣጋንንቲ ዝኃደርዎም ብዙኃት ናብኡ ኣምጽኡ። እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ፥ “ንሱ ድኻምና ወሰደ፥ ሕማምናውን ፆረ” ዝተበህለ ምእንቲ ኺፍጸም፥ ብቓሉ መናፍስቲ ኣውፅአ፥ ሕማም ንዘለዎም ኵሎም ድማ ኣሕወዮም። 18. ኢየሱስ ኣብ ዙርያኡ ብዙኅ ሕዝቢ ምስ ረኣየ ንማዕዶ ኪሳገሩ ኣዘዘ። 19. ሓደ መምህር ሕጊ ናብኡ ቐሪቡ “መምህር! ናብ እትኸዶ ዘበለ ኽስዕበካ” በሎ። 20. ኢየሱስ ድማ “ወኻሩ ጕድጓድ ኣለወን፥ ኣዕዋፍ ሰማይ ድማ ሰፈር ኣለወን፥ ወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓሉ እኳ የብሉን” በሎ። 21. ሓደ ኻልእ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ “ጐይታይ! ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ” በሎ። 22. ኢየሱስ ግና “ስዓበኒ ደኣ፥ ምዉታትሲ ንምዉታቶም ይቕበርዎም ኅደጎም” በሎ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ዘመነ ማርቆስ Readings for Sunday
ጥሪ 3, 2018 ብግእዝ Jan 11, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 9 : 11 - 12 [English][ግእዝ][ልሙድ]እቲ ሕነ ደም ዚፈዲ ዘኪርዎም፣ ንኣውያት ጥቑዓት ከኣ ኣይርስዖን እዩ እሞ፣ ነቲ ኣብ ጽዮን ዚነብር እግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ግብርታቱ ንገሩ።
ወንጌል Gospel
ማር 10 : 13 - 16 [English][ግእዝ][ልሙድ]13. ኢዱ ኬንብረሎም ድማ ሕፃናት ናብኡ ኣምጽእዎም፥ ደቀ መዛሙርቱ ግና ነቶም ዘምጽእዎም ገሠጽዎም። 14. ኢየሱስ ነዚ ምስ ረኣየ ተቘጢዑ ኸምዚ በሎም፡ - “ሕፃናት ናባይ ይምጽኡ ኅደግዎም፤ መንግሥቲ ኣምላኽ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ ኣይትኸልክልዎም። 15. እቲ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ከም ሕፃን ኮይኑ ዘይተቐበላ፥ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።” 16. ሓሓቚፉ ድማ ኢዱ ኣንቢሩ ባረኾም። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
ዕብ 12 : 4 - 10 [English][ግእዝ][ልሙድ]4. ምስ ኃጢኣት ክትቃለሱ ኸሎዂም ገና ደምኩም ክሳዕ ምፍሳስ እትበጽሑ ኣይተቓወምናኩምን። 5. ነቲ ኸም ውሉዱ ገይሩ ኸምዚ ዚስዕብ እናበለ ዚምዕደኩም ቃል ረሲዕኩሞዎ ዲኹም፧ “ወደየ! መቕጻዕቲ ጐይታ ኣይትንዓቕ፥ እንተ ገንሓካውን ሕሊናኻ ኣይተዕርብ፥ 6. ከመይ እግዚኣብሔር ነቲ ዜፍቅሮ ዘበለ ይቐጽዖ፥ ነቲ ወደይ ኢሉ ዚቕበሎ ዅሉ ድማ ይገርፎ።” 7. እንተ ቐጽዓኩምከስ ተዓገሡ። ኣምላኽ ከም ውሉዱ ይርእየኩም ኣሎ ማለት እዩ። ኣቦኡ ዘይቀጽዖ ውሉድከ እንታዋይ እየ፧ 8. ከምቶም ኵሎም ውሉድ መቕጻዕቲ እንተ ዘይተቐበልኩም ግና ደቓሉ እምበር ውሉድ ኣይኮንኩምን። 9. ኣብ ርእሲ እዚ ዚቐጽዑ ሥጋውያን ኣቦታት ካብ ዝነብሩና እሞ እነኽብሮም ካብ ኮንና፥ ብሕይወት ምእንቲ ኽነብር ነቲ መንፈሳዊ ኣቦና ደኣ ኽንደይ ኣዚና ኽንእዘዞ ዘይግብኣና፧ 10. ሥጋውያን ኣቦታትና ንቚሩብ ጊዜ ከምቲ ጽቡቕ እዩ ኢሎም ዝገመትዎ ገይሮም ይቐጽዑና፥ ኣምላኽ ግና ናይ ቅድስናኡ ተማቐልቲ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ ንጥቕምና ይቐጽዓና።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
2ይ ጴጥ 1 : 1 - 8 [English][ግእዝ][ልሙድ]1. ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገልጋልን ሓዋርያን ዝኾነ፥ ካብ ስምዖን ጴጥሮስ፥ ናብቶም ብናይ ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጽድቂ ኸማና ኽብርቲ እምነት ዝተቐበሉ፥2. በቲ ንኣምላኽን ንጐይታና ኢየሱስን ዘሎኩም ፍልጠት ጸጋን ሰላምን ይብዝኃልኩም።3. ነቲ ናብ ክብሩን ሕያውነቱን ዝጸውዓና ብምፍላጥና፥ መለኮታዊ ኃይሉ፥ ዅሉ እቲ ንሕይወትን ንመንፈሳውነትን ዜድልየና ሂቡና ኣሎ።4. በዚ እታ ኽብርትን ዓባይን ተስፋ ረኸብና። ንስኻትኩም ድማ፥ ካብቲ ንዓለም ኣባላሽይዋ ዘሎ ትምኒት ሥጋ ወፂእኩም ተኻፈልቲ መለኮታዊ ባህርዩ ኾንኩም።5. ስለዚ ብዅሉ ትግሃት እናተጋደልኩም ኣብ እምነትኩም ሕያውነት ወስኹ፥ ኣብ ሕያውነትውን ፍልጠት፥6. ኣብ ፍልጠት ኸኣ ምግታእ ርእስኻ፥ ኣብ ምግታእ ርእስኻ ድማ ዓቕሊ፥ ኣብ ዓቕሊውን መንፈሳውነት፥7. ኣብ መንፈሳውነት ኸኣ ኅውነት፥ ኣብ ኅውነት ድማ ፍቕሪ ወስኹ።8. እዚ ነገር እዚ እንተ ኣሎኩም፥ እናማዕበለውን እንተ ኸደ፥ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኬፍልጠኩም እዩ። ሃካያትን ዘየፍርዩንውን ኣይክትኮኑን ኢኹም።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 28 : 23 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]23. መዓልቲ ምስ ተቛጸሩ ድማ ብዙኃት ኮይኖም ናብታ ሰፊርዋ ዝነበረ ቤት መጹ። ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ ምሸት ድማ ካብ ሕጊ ሙሴን መጻሕፍቲ ነቢያትን፥ ብዛዕባ ኢየሱስ እናኣረድአ፥ ብናይ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ እናመስከረ ተርጐመሎም። 24. ገሊኦም ነቲ እተነግረ ኣመንዎ፥ ገሊኦም ግና ኣበይዎ። 25. ጳውሎስ ነዚ ዚስዕብ ቃል ምስ ተዛረበ ንሓድሕዶም ምስምማዕ ስኢኖም ተፈላለዩ፡ - “መንፈስ ቅዱስ ብነቢይ ኢሳይያስ ነቦታትኩም ከምዚ ዚስዕብ እናበለ ዝተዛረቦም ጽቡቕ ገበረ፡ - 26. ‘ናብዚ ሕዝቢ ኺድ እሞ ምስማዕ ክትሰምዑ ኢኹም ግና ኣይከተስተውዕሉን ኢኹም። ምርኣይ ክትርእዩ ኢኹም ግና ኣይክትርድኡን ኢኹም’ ኢልካ ንገሮም። 27. ምኽንያቱ ‘በእዛኖም ከይሰምዑ ኣእዛኖም ኣጽመሙ። በዕይንቶም ከይርእዩ ኣዕይንቶም ዓመቱ፥ ብልቦም ከየስተውዕሉ ከይምለሱ፥ ኣነውን ከየሕውዮምሲ ልቢ እዚ ሕዝቢ እዚ ድንዙዝ እዩ።’ 28. እምበኣርከስ እዚ ምድኃን ኣምላኽ ነሕዛብ ከም ዝተላእከ ኣባኻትኩም ፍሉጥ ይኹን፥ ንሳቶም ከኣ ኪሰምዕዎ እዮም።” 29. [እዚ ምስ ተዛረበ ኣይሁድ ንሓድሕዶም ብዙኅ እናተኻትዑ ወፁ።] 30. ጳውሎስ ከኣ ኣብታ እተኻረያ ቤት ክልተ ዓመት ምሉእ ተቐመጠ፥ ነቶም ናብኡ ዝመጹ ዅሎምውን ይቕበሎም ነበረ። 31. ከይተኸልከለ ኸኣ መንግሥቲ ኣምላኽ ብብዙኅ ትብዓት ይሰብኽ፥ ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ይምህር ነበረ።
ስንክሳር Synaxarium
ተዝካረ ሕጻናት ዘቤተ ልሔምወአባ መጣዕወአባ አሞንወኢሳይያስ ነቢይ
መዝሙር Psalm
መዝ 97 : 11 - 13 [English][ግእዝ][ልሙድ]ብርሃን ንጻድቃን፣ ደስታ ኸኣ ንቕኑዓት ልቢ ተዘርኤ። ኣቱም ጻድቃን፣ ብእግዚኣብሄር ተሐጐሱ፣ ንቕዱስ ስሙውን አመስግንዎ።
ወንጌል Gospel
ሉቃ 18 : 14 - 26 [English][ግእዝ][ልሙድ]14. ገዛእ ርእሱ ልዕል ዜብል ኵሉ ኺዋረድ፥ ገዛእ ርእሱ ዜትሕት ኵሉ ግና ልዕል ኪብል እዩ እሞ እዚ ኃለፋ እቲ ጸዲቑ ናብ ቤቱ ኸም ዝተመልሰ እብለኩም ኣሎኹ።” 15. ኢየሱስ ንሕፃናት ኢዱ ኼንብረሎም ናብኡ ኣምጽእዎም፤ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ እዚ ርእዮም ገሠጽዎም። 16. ንሱ ግና ጸዊዑ፥ “መንግሥቲ ኣምላኽ ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፥ ሕፃናት ናባይ ይምጽኡ፥ ኅደጉ ኣይትኸልክልዎም። 17. ንመንግሥቲ ኣምላኽ ከም ሓደ ሕፃን ኮይኑ ዘይተቐበላ ኸቶ ኸም ዘይኣትዋ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ” በሎም። 18. ሓደ ካብቶም ኣሕሉቕ ድማ “ኣታ ሕያዋይ መምህር! ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበር፧” ኢሉ ሓተቶ። 19. ኢየሱስ ከኣ፥ “ንምንታይከ ሕያዋይ እትብለኒ፧ ብዘይካ ሓደ ኣምላኽ ሕያዋይ የልቦን። 20. ነተን ‘ኣይትዘሙ፥ ኣይትቕተል፥ ኣይትስረቕ፥ ብሓሶት ኣይትመስክር፥ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፥’ ዚብላ ትእዛዛት ትፈልጠን ኢኻ፥” በሎ። 21. ንሱ ኸኣ “ነዚ ዅሉስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ሓልየዮ እየ” በለ። 22. ኢየሱስ ድማ እዚ ምስ ሰምዐ፥ “ገና ኸኣ ሓንቲ ተሪፋትካ ኣላ፥ ዘሎካ ዅሉ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፥ ኣብ ሰማይ ከኣ ሃብቲ ኺጸንሓካ እዩ፤ ንዓውን ስዓበኒ” በሎ። 23. ንሱ ኸኣ እዚ ምስ ሰምዐ፥ ኣዝዩ ሃብታም ስለ ዝነበረ፥ ብዙኅ ጐሃየ። 24. ኢየሱስ ብዙኅ ምጕሃዩ ርእዩ፥ “ሃብቲ ንዘለዎም ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ። 25. ሃብታም ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ካብ ዚኣቱስ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትኃልፍ ይቐልል” በለ። 26. እቶም ዝሰምዑ ኸኣ “መን ደኣ ኾን ኪድኅን ይኽእል፧” በሉ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘእግዝእትነ ማርያም(ጐሥዓ)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 34 : 5 - 6 [English][ግእዝ][ልሙድ]ናብኡ ዚጥምቱ የንጸባርቑ፣ ገጾምውን ከቶ ኣይሐፍርን። እዚ መስኪን እዚ ኣእወየ፣ እግዚኣብሄርውን ሰምዖ፣ ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣድሐኖ።
ወንጌል Gospel
ዮሐ 18 : 15 - 18 [English][ግእዝ][ልሙድ]15. ስምዖን ጴጥሮስ ከኣ ምስቲ ሓደ ኻልእ ወደ መዝሙር ኮይኑ ንኢየሱስ ስዓቦ። እቲ ኻልእ ወደ መዝሙር ኣብቲ ሊቀ ካህናት ፍሉጥ ስለ ዝነበረ፥ ምስ ኢየሱስ ናብ ገዛ ሊቀ ካህናት ኣተወ። 16. ጴጥሮስ ግና ብወፃኢ ኣብ ኣፍ ደገ ደው በለ። እቲ ኣብ ሊቀ ካህናት ፍሉጥ ዝነበረ ኻልእ ወደ መዝሙር ከኣ ወፀ እሞ ነታ ሓላዊት ማዕጾ ነጊሩ ንጴጥሮስ ኣእተዎ። 17. ሽዑ እታ ማዕጾ እትሕሉ ገረድ ንጴጥሮስ “ንስኻውንዶ ካብ ደቀ መዛሙርቲ እዚ ሰብኣይ እዚ ኢኻ፧” በለቶ። ንሱ ግና “ኣይኮንኩን” በለ። 18. ቊሪ ስለ ዝነበረ እቶም ገላዉን ኣገልገልትን ሓዊ ኣጒሂሮም ደው ኢሎም ይስሕኑ ነበሩ። ጴጥሮስውን ምስኣቶም ደው ኢሉ ይስሕን ነበረ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።
ካብ 29 ታኅሣሥ ክሳብ 5 ጥሪ : ልደት ይበሃል።ልደት ሰንበት ምስ ዘይውዕል፤ ምንባብ ናይ ቅዳሴ እዚ በል።፩(1ይ) መዝሙር ዘልደት፤ ይሠርቅ ኮከብ እምያዕቆብ።
መዝሙር ( Hymn )
መዝሙር
- በ፪(2)፤ ይሠርቅ ኮከብ እምያዕቆብ። ወየአትት ኃጢአተ እምእስራኤል። ወአነሂ በኵርየ እሬስዮ፤ ልዑል ውእቱ እምነገሥተ ምድር። ወአ፤ ወይከውን ምስማከ ለኵሉ ምድር። ወአ፤ ውስተ አርእስተ አድባር። ወአ፤ ዮምሰ በሰማያት ይትፌሥሑ ሠራዊተ መላእክት። ወአነሂ በኵርየ እሬስዮ፤ ወአነሂ በኵርየ እሬስዮ።
ሰላም
ግድ፡ በ፪፤ ዮም ተወልደ እግዚእ ወመድኅን በፍሥሐ ወበሰላም።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
ሮሜ 11 : 25 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]25. ኣኅዋተይ! ምእንቲ “ብልህታት ኢና” ኢልኩም ከይትምክሑስ፥ ነዛ ምሥጢር እዚኣ ኽትፈልጡ ምፈቶኹ። ንገለ እስራኤላውያን ትሪ ልቢ ዝበጽሖም፥ ኣሕዛብ ናብ ድኅነት ብምልኣት ክሳዕ ዚምለሱ እዩ። 26. ስለዚ እስራኤላውያን ብምሉኦም ኪድኅኑ እዮም። ከመይ “መድኅኒ ካብ ጽዮን ኪመጽእ እዩ፥ ካብ ያዕቆብ ኃጢኣት ኬርሕቕ እዩ። 27. ኃጢኣቶም ምስ ኣርሓቕኩ ኸኣ፥ እቲ ምስኣቶም ዝኣትዎ ኺዳን እዚ እዩ” ዚብል ጽሑፍ ኣሎ። 28. እስራኤላውያን ንወንጌል ብዘይ ምቕባሎም፥ ምእንቲ ጥቕምኹም ጸላእቲ እግዚኣብሔር ኮኑ፥ ብኅርየት ግን ሳላ ኣቦታት ፍቁራት እግዚኣብሔር እዮም። 29. ከመይ እግዚኣብሔር ውህበት ምስ ሃበን ምስ ጸውዐን ኣይጠዓስን እዩ። 30. ንስኻትኩም ቀደም ንኣምላኽ ኣይተኣዘዝኩምዎን፥ ሕጂ ግና ብናይ እስራኤል ዘይምእዛዝ ተመሓርኩም። 31. ከምኡውን ንሳቶም፥ በቲ ንስኻትኩም ዝተመሓርኩምሉ ምሕረት ምእንቲ ኪምሓሩ ሕጂ ኣይተኣዘዙን። 32. ምኽንያቱ፥ ኣምላኽ ምሕረቱ ምእንቲ ኼርእዮም ንዅሎም ኣብቲ ዘይምእዛዝ ዓጸዎም። 33. ኣየ! ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን ክንደይ ዓሚቚ እዩ፥ ንፍርዱ ኪምርምሮ ዚኽእል የልቦን፥ ንመገዱ ኪእስሮ ዚኽእልውን የልቦን። 34. ሓሳብ እግዚኣብሔር ዚፈልጥ መን እዩ፧ ወይስ መን እዩ ዘማኸሮ፧ 35. ንኣምላኽከ ቀደም ገለ ዝሃቦ እሞ ዚፍደዮ መን እዩ፧ 36. ምኽንያቱ ዅሉ ኻብኡን ብእኡን ንእኡን እዩ። ንእኡ ንዘለዓለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
1ዮሐ 4 : 1 - 9 [English][ግእዝ][ልሙድ]1. ኣቱም ፍቁራተይ፥ ብዙኃት ሓሰውቲ ነብያት ናብ ዓለም ተዋፊሮም ኣለዉ እሞ፥ እቶም መናፍስቲ ካብ ኣምላኽ እንተ ኾይኖም መርምሩ እምበር ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ። 2. ንመንፈስ ኣምላኽ በዚ ኢኹም እትፈልጥዎ፦ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ኸም ዝመጸ ዚእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ፥ ካብ ኣምላኽ እዩ። 3. ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ኸም ዝመጸ ዘይእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ግና፥ ካብ ኣምላኽ ኣይኮነን። እዚ ኸኣ እቲ ኸም ዚመጽእ ሰሚዕኩምዎ ዘሎኹም ናይ ፀረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ። ሕጂውን ድሮ ኣብ ዓለም ኣሎ። 4. ኣቱም ደቀየ፥ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም። ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ መንፈስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ መንፈስ ዚዓቢ ስለ ዝኾነ፥ ንስኻትኩም ነቶም ሓሰውቲ ነቢያት ስዒርኩምዎም ኢኹም። 5. ንሳቶም ካብ ዓለም እዮም፥ ከም ኣዘራርባ ዓለም ከኣ ይዛረቡ ኣለዉ። ዓለምውን ትሰምዖም ኣላ። 6. ንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢና፥ ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓና፥ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኮነ ኣይሰምዓናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ሓሶትን ከኣ በዚ ኢና እንፈልጦ። 7. ኣቱም ፍቁራተይ፥ ፍቕሪ ካብ ኣምላኽ እያ እሞ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ካብ ኣምላኽ ዝተወልደ እዩ፥ ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ። 8. ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፥ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። 9. ኣምላኽ ንፍቕሩ፥ ብወዱ ብሕይወት ምእንቲ ክንነብር፥ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ ገለጸልና።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ 7 : 12 - 22 [English][ግእዝ][ልሙድ]12. ሽዑ ያዕቆብ ኣብ ግብጺ እኽሊ ኸም ዚርከብ ምስ ሰምዐ ነቦታትና ንመጀመርታ ጊዜ ለኣኾም። 13. ኣብ ካልኣይ መገዶም ከኣ ዮሴፍ ነኅዋቱ መን ከም ዝኾነ ነገሮም። ዓሌቱውን ብፈርዖን ተፈልጠ። 14. ዮሴፍ ከኣ ነቦኡ ያዕቆብን ነቶም ሰብዓን ኃሙሽተን ዚኾኑ ዅሎም ኣዝማዱን ልኢኹ ጸውዖም። 15. ያዕቆብ ድማ ናብ ግብጺ ወረደ፥ ንሱ ሞተ፥ ኣቦታትናውን ሞቱ። 16. ናብ ሰኬም ኣግዓዝዎም፥ ኣብቲ ኣብርሃም ካብ ደቂ ኤሞር ብወርቂ ዝዓደጎ መቓብር ኣብ ሰኬም ድማ ቀበርዎም። 17. -18. ኣምላኽ ንኣብርሃም ብማሕላ ዝሃቦ ዘመን ተስፋ ምስ ቀረበ፥ ኣብ ግብጺ ኸኣ ንዮሴፍ ዘይፈልጥ ካልእ ንጉሥ ክሳዕ ዚነግሠሉ፥ እቲ ሕዝቢ ኣብ ግብጺ እናበዝኀን እናሰሰነን ከደ። 19. እዚ ንጉሥ እዚ እቶም ሕፃናቶም ብሕይወት ምእንቲ ኸይነብሩ፥ ኣብ ልዕሊ ዓሌትና ብተንኰል ተላዒሉ፥ ነቦታትና ክሳብ ናብ ምድርባይ ደቆም ዚበጽሑ ገፍዖም። 20. ሙሴ ድማ በዚ ዘመን እቲ ተወልደ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽውን ምልኩዕ ነበረ፤ ሠለስተ ወርኂ ድማ ኣብ ቤት ኣቡኡ ጸንሐ። 21. ምስ ተደርበየ ግና ጓል ፈርዖን ኣልዒላ ወዳ ኺኸውን ኣዕበየቶ። 22. ሙሴ ድማ ኵሉ ጥበብ ግብጻውያን ተማህረ፥ ብቓሉን ብግብሩን ከኣ ኃያል ነበረ።
መዝሙር Psalm
መዝ 89 : 27 - 28 [English][ግእዝ][ልሙድ]ንሱ፣ ኣቦይ፣ ኣምላኸይ፣ ከውሒ ምድሓነይ ንስኻ ኢኻ፣ ኢሉ ኺሰምየኒ እዩ። ኣነውን በዅሪ፣ ካብ ነገስታት ምድሪ ልዕል ዝበለ ኽገብሮ እየ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 2 : 1 - 12 [English][ግእዝ][ልሙድ]1. -2. ኢየሱስ ብዘመን ንጉሥ ሄሮድስ ኣብ ቤተ ልሔም ምድሪ ይሁዳ ምስ ተወለደ፥ እንሆ ካብ ሃገር ምብራቕ ዝተላዕሉ ሰብ ጥበብ፥ “እቲ ዝተወለደ ንጉሥ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ፧ ኮኸቡ ብምብራቕ ርኢና እሞ፥ ክንሰግደሉ መጺእና” እናበሉ ናብ ኢየሩሳሌም በጹሑ። 3. ንጉሥ ሄሮድስ ነዚ ሰሚዑ ተሸበረ፥ ኵሎም ሕዝቢ ኢየሩሳሌምውን ምስኡ ተሸበሩ። 4. ንሱ ድማ ንዅሎም ሊቃነ ኻህናትን ናይ ሕዝቢ መማህራን ሕግን ኣኪቡ፥ “ክርስቶስ ኣበይ እዩ ዚውለድ፧” ኢሉ ሓተቶም። 5. -6. ንሳቶም ከኣ “‘ኣቲ ቤተ ልሔም ምድሪ ይሁዳ፥ ንሕዝበይ እስራኤል ዚጓስዮም ሹም ካባኺ ኪወፅእ እዩ እሞ፥ ካብ ሹማምንቲ ይሁዳ ከቶ ኣይትንእስን ኢኺ’ ዝብል ብነቢይ ጽሑፍ ስለ ዘሎ፥ ኣብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ እዩ” በልዎ። 7. ድኅርዚ ሄሮድስ ንሰብ ጥበብ ብኅቡእ ጸውዖም፥ ካባኣቶም ድማ ዘመን እቲ ዝተራእዮም ኮኸብ ኣጸቢቑ ተረድኤ። 8. ናብ ቤቴ ልሔም ድማ ሰደዶም፥ “ኬድኩም ብዛዕባ እቲ ሕፃን ኣረጋጊጽኩም መርምሩ። ምስ ረኸብኩምዎ፥ ኣነ ኸኣ መጺኤ ኽሰግደሉ ንገሩኒ” በሎም። 9. ንሳቶም ከኣ ካብ ንጉሥ ሰሚዖም ከዱ። እንሆ እቲ ብምብራቕ ዝረኣይዎ ኮኸብ ኣብ ልዕሊ እታ ሕፃን ዝነበራ ቦታ መጺኡ ክሳዕ ዚቐውም መርሖም። 10. ነቲ ኮኸብ ምስ ረኣይዎ፥ ዕዙዝን ብዙኅን ሓጐስ ተሓጐሱ። 11. ናብ ቤት ኣትዮም ነቲ ሕፃን ምስ ማርያም እኖኡ ረኣይዎ። ተደፊኦም ሰገድሉ። ሣጹኖም ከፊቶም ከኣ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ገጸ በረኸት ሃብዎ። 12. ናብ ሄሮድስ ከይምለሱ ኣምላኽ ብሕልሚ ስለ ዘጠንቀቖም ድማ ብኻልእ መገዲ ናብ ሃገሮም ተመልሱ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘዲዮስቆሮስ(እምቅድመ ዓለም)