God is great! God is great!

Daily readings / መዓልታዊ ንባባት

ዘመነ ሉቃስ Readings for Monday

መስከረም 11, 2019 ብግእዝ Sep 21, 2026 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 39 : 1 - 2 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ብመልሓሰይ ከይስሕት፣ ንመገድታተይ ክጥንቀቐለን፣ ረሲእ ኣብ ቅድመይ ከሎ፣ ንአፈይ ብልጓም ክገትእ እየ፣ በልኩ። ስቕ ብምባለይ ዓባስ ኰንኩ፣ ካብ ጽቡቕ እኳ ስቕ በልኩ፣ ቃንዛይ ከኣ ገደደ።

 

ወንጌል Gospel

ማቴ 7 : 15 - 20 [English][ግእዝ][ልሙድ]

15. “ብዉሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ እዮም እሞ፥ ኣባጊዕ ተመሲሎም ካብ ዚመጹኹም ሓሰውቲ ነብያት ተጠንቀቑ። 16. ብፍሪኦም ክትፈልጥዎም ኢኹም፥ ካብ እሾዅዶ ፍረ ወይኒ ወይስ ካብ ተዀርባ በለስ ይቕንጠብ እዩ፧ 17. ከምኡ ድማ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፥ እቲ ሕማቕ ኦም ከኣ ሕማቕ ፍረ ይፈሪ። 18. ጽቡቕ ኦም ሕማቕ ፍረ ኺፈሪ፥ ሕማቕ ኦም ድማ ጽቡቕ ፍረ ኺፈሪ ኣይክእልን እዩ። 19. ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዅሉ ኦም ይቚረጽ፥ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። 20. እምበርከስ ብፍሪኦም ኽትፈልጥዎም ኢኹም። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

ሮሜ 7 : 1 - 6 [English][ግእዝ][ልሙድ]

1. ኣኅዋተይ፥ (ምሳኻትኩም ሕጊ ምስ እትፈልጡ ሰባት እየ ዝዛረብ ዘሎኹ)፥ ሕጊ ንሰብ ዚመልኮ ብሕይወት ኽሳዕ ዘሎ ጥራሕ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 2. ሰበይቲ፥ ሰብኣያ ብሕይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ብሕጊ ምስኡ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፥ ካብቲ ሕጊ ሰብኣያ ፍትሕቲ እያ። 3. እምበኣር ሰብኣያ ብሕይወቱ ኸሎ፥ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ኾነት፥ ዘማዊት እያ እትብሃል። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና ኻብቲ ሕጊ ሓራ ወፂኣ እያ እሞ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ተመርዐወት ዘማዊት ኣይኮነትን። 4. ስለዚ ንኣምላኽ ፍረ ምእንቲ ኽንፈሪ፥ ንስኻትኩምውን ኣኅዋተይ ንኻልእ፥ ማለት ነቲ ካብ ምዉታት ዝተንሥአ ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ብሥጋ ክርስቶስ ካብ ሕጊ ሙሴ ሓራ ወፂእኩም ኢኹም። 5. ኣብቲ ብሥጋ እንነብረሉ ዝነበርና ጊዜ፥ ንሞት ዚኸውን ፍረ ኺፈሪ፥ ብሕጊ ተለዓዒሉ ኣብ ሥጋና ትምኒት ኃጢኣት ይዓዪ ነበረ። 6. ሕጂ ግና ብኣረጊት ናይ ጽሑፍ ሕጊ ኣነባብራ ኽንክተል ዘይኮነስ፥ ብሓዱሽ መንፈሳዊ ሕይወት ከነገልግል፥ ካብቲ ኣሲሩና ዝነበረ ሕጊ ሞይትና ኻብኡ ተፈታሕና።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

1ይ ጴጥ 1 : 22 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

22. ንሓቂ እናተኣዘዝኩምዋ፥ ግብዝና ንዘይብላ ፍቕሪ ኣኅዋት ነፍስኹም ስለ ዘጽሬኹም ብንጹሕ ልቢ ንሓድሕድኩም ተፋቐሩ። 23. ብሕያውን ንዘለዓለም ብዚነብርን ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እምበር ካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኮንኩምን ከም ብሓዱሽ ዝተወለድኩም። 24. ከመይ “ዅሉ ሰብ ከም ሣዕሪ፥ ዅሉ ኽብሪውን ከም ዕንባባ መሮር እዩ። እቲ ሣዕሪ ይነቅጽ፥ እቲ ዕንባባውን ይረግፍ፥ 25. ቃል እግዚኣብሔር ግና ንዘለዓለም ይነብር።” እቲ ንኣኻትኩም ዝተበሠረ ቃል ኸኣ እዚ እዩ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 19 : 13 - 20 [English][ግእዝ][ልሙድ]

13. ካብቶም ኣጋንንቲ ካብ ሰብ እናውፅኡ ዚዞሩ ዝነበሩ ኣይሁድ፥ ገሊኦም ነቶም ርኹሳት መናፍስቲ ዝኃደርዎም “በቲ ጳውሎስ ዚሰብኮ ኢየሱስ ክትወፁ እእዝዘኩም ኣሎኹ” እናበሉ ስም ጐይታና ኢየሱስ ኪሰምዩሎም ፈተኑ። 14. እቶም እዚ ዝገበሩ ኸኣ ሾብዓተ ደቂ ሓደ ኣስቄዋ ዚብሃል ኣይሁዳዊ ሊቀ ካህናት ነበሩ። 15. እቲ ርኹስ መንፈስ ድማ “ንኢየሱስ እፈልጦ፥ ንጳውሎስ እፈልጦ እየ፥ ንስኻትኩም ደኣ እንታዎት ኢኹም፧” እናበለ መለሰሎም። 16. እቲ ርኹስ መንፈስ ዝኃደሮ ሰብኣይ ከኣ፥ ዘሊሉ ሓነቖም እሞ ሰዓሮም፥ ክዳኖም ቀዲዱ፥ ዕርቃን ዝባኖም ኣውፂኡ፥ ኣቚሲሉ፥ ካብታ ቤት ሃዲሞም ክሳዕ ዚወፁ ድማ ንዅሎም ኣሕመቖም። 17. እዚ ነገር እዚ ኣብቶም ኣብ ኤፌሶን ዚነብሩ ኣይሁድን ግሪኻውያንን ኵሎም ተፈልጠ፤ ንዅሎምውን ፍርሃት ኃዞም፥ ስም ጐይታና ኢየሱስ ከኣ ኸበረ። 18. ካብቶም ዝኣመኑ ኸኣ፥ ብዙኃት በቲ ኽፉእ ግብሮም እናተኣመኑን፥ ብገሃድ እናተናዘዙን መጹ። 19. ብዙኃት ጠንቈልቲ ድማ መጻሕፍቶም ኣኪቦም ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣንደድዎ፤ ዋጋኡ ምስ ጸብጸብዎ ኸኣ ኃምሳ ሽሕ ድሪም ኮይኑ ተረኽበ፤ 20. ቃል ጐይታ ድማ ከምዚ ኢሉ እናኣስፋሕፍሐ ብኃይሊ በርትዐ።

 

ስንክሳር Synaxarium

ፋሲለደስ
፲ወ፪ እልፍ ፵፻፰ ወ፯ቱ ሰማዕታት በነፍዝዝ
ወ፫ቱ ዓረባውያን
ወቆርኔሌዎስ ሊቀ ሐራ
ወታዖድራ
ወባስልዮስ
ወቴዎድሮስ
ወቀውስጦስ

 

መዝሙር Psalm

መዝ 79 : 11 - 12 [English][ግእዝ][ልሙድ]

እቲ ምፍዳይ ሕነ ናይቲ ዝፈሰሰ ደም ባሮትካ ኣብ ቅድሜና አብ ማእከል አህዛብ ይፈለጥ። ምንኣኽ እቶም እሱራት ናብ ቅድሜኻ ይምጻእ፣ ነቶም ንሞት እተመደቡ ብስልጣን ቅልጽምካ ኣድሕኖም።

 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 21 : 12 - 19 [English][ግእዝ][ልሙድ]

12. ቅድሚ እዚ ዅሉ ኸኣ፥ ኪኅዙኹምን ኪሰጕኹምን እዮም። ስለ ስመይ ኸኣ ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድን ናብ ቤት ማእሰርትን ኪወስዱኹም፥ ናብ ነገሥታትን ሹማምንትን ኬብጽሑኹም እዮም። 13. እዚ ንኽትምስክሩለይ ጽቡቕ ዕድል ኪኾነልኩም እዩ። 14. ነዚ ነገር እዚ ኣብ ልብኹም ኣኅድርዎ፥ እንታይ ኢልኩም ከም እትምልሱ ኣቐዲምኩም ኣይትሕሰቡ። 15. ምኽንያቱ ኣነ ንኹሎም መኸራኽርትኹም ምቅዋሙን ምምጓቱን ዘይከኣሎን ኣፍን ጥበብን ክህበኩም እየ። 16. ወለድን ኣኅዋትን ኣዝማድን ኣዕሩኽን ኣኅሊፎም ኪህቡኹም፥ ካባኻትኩምውን ንገሊኣቶም ኪቐትሉ እዮም። 17. ስለ ስመይ ከኣ ብዅሉ ዝተጸላእኩም ክትኮኑ ኢኹም። 18. ግናኸ ኻብ ርእስኹም ሓንቲ ፀጕሪ እኳ ኣይክትጠፍእን እያ። 19. ንነፍስኹም ከኣ ብትዕግሥትኹም ከተጥርይዋ ኢኹም። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘባስልዮስ(እግዚኦ መሐረነ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 6 : 7 - 8 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ዓይነይ ብሓዘን ተባላሸወት፣ ብሰሪ ዅላቶም ተጻረርተይ ትአርግ ኣላ። እግዚኣብሄር ንድምጺ ብኽያተይ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፣ ኣቱም ገበርቲ እከይ ኵላትኩም፣ ካባይ ርሐቑ።

 

ወንጌል Gospel

ማቴ 7 : 16 - 23 [English][ግእዝ][ልሙድ]

16. ብፍሪኦም ክትፈልጥዎም ኢኹም፥ ካብ እሾዅዶ ፍረ ወይኒ ወይስ ካብ ተዀርባ በለስ ይቕንጠብ እዩ፧ 17. ከምኡ ድማ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፥ እቲ ሕማቕ ኦም ከኣ ሕማቕ ፍረ ይፈሪ። 18. ጽቡቕ ኦም ሕማቕ ፍረ ኺፈሪ፥ ሕማቕ ኦም ድማ ጽቡቕ ፍረ ኺፈሪ ኣይክእልን እዩ። 19. ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዅሉ ኦም ይቚረጽ፥ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። 20. እምበርከስ ብፍሪኦም ኽትፈልጥዎም ኢኹም። 21. ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር፥ ጐይታይ! ጐይታይ! ዚብለኒ ኵሉ ናብ መንግሥተ ሰማያት ኣይኣቱን እዩ። 22. በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙኃት ‘ጐይታይ! ጐይታይ! ብስምካዶ ትንቢት ኣይተዛረብናን፧ ብስምካዶ ኣጋንንቲ ኣየውፃእናን፧ ብስምካስ ብዙኅ ተኣምራትዶ ኣይገበርናን፧’ ኪብሉኒ እዮም። 23. ሽዑ ኣነ ‘ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፥ ከቶ ኣይፈልጠኩምን ኢየ፥ ካባይ ርሓቑ!’ ኽብሎም እየ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ዘመነ ሉቃስ Readings for Tuesday

መስከረም 12, 2019 ብግእዝ Sep 22, 2026 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 73 : 8 - 9 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ኣዒንቶም ካብ ስብሒ ይወጻ፣ ሓሳባት ልቦም ይግንፍል። የላግጹ፣ ብኽፍኣቶም ግፍዒ ይዛረቡ፣ ካብ ላዕሊ ይዛረቡ ኣለዉ።

 

ወንጌል Gospel

ማቴ 13 : 24 - 43 [English][ግእዝ][ልሙድ]

24. ኢየሱስ ካልእ ምስላ ድማ ከምዚ ኢሉ ነገሮም፡ - “መንግሥተ ሰማያት ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዘርአ ሰብ እያ እትመስል። 25. እቶም ሰብ ደቂሶም ከለዉ ጸላኢኡ መጺኡ ኣብቲ ማእከል ስርናይ ክርዳድ ዘሪኡ ኸደ። 26. ቈጽሉ ዓብዩ ምስ ፈረየ ሽዑ እቲ ኽርዳድ ድማ ተራእየ። 27. ነቲ ብዓል ቤት ኣገልገልቱ መጺኦም ‘ጐይታይ! ኣብ ግራትካስ ጽሩይ ዘርኢዶ ዘሪእካ ኣይነበርካን፧ እዚ ክርዳድ ደኣ ኻበይ መጸ፧’ በልዎ። 28. ‘ነዝስ ጸላኢ እዩ ዝገበሮ’ በሎም። እቶም ኣገልገልቱ ግና ‘እምበኣር ኬድና ክንጽህይዮዶ ትደሊ ኢኻ፧’ በልዎ። 29. ንሱ ድማ በሎም፡ - ‘ክርዳድ ክትጽህይዩ ከሎኹም ምስኡ ስርናይ ከይትምሕዉስ ኣይፋልኩምን። 30. ክሳዕ ቀውዒ ብሓደ ይዕበዩ ኅደግዎም፥ ብእዋን ቀውዒ ኸኣ ነቶም ዓጻዶ፥ ቅድም ነቲ ኽርዳድ ምሓውዎ፥ ኪነድድ ድማ በብእንዳእቲ እሰርዎ፥ ነቲ ስርናይ ግና ኣብ ቆፎይ ኣክብዎ’ ክብሎም እየ” በሎም። 31. ካልእ ምስላ ኸምዚ ኢሉ ነገሮም፡ - “መንግሥተ ሰማያት ሰብ ወሲዱ ኣብ ግራቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል። 32. ንሳ ድማ ኻብ ኵሉ ኣዝርእቲ ትንእስ፥ ምስ በቘለት ግና ኣዕዋፍ ሰማይ መጺአን ኣብ ጨናፍራ ኽሳብ ዜዕርፉ፥ ካብ ኵሉ ተኽሊ ኣሕምልቲ ዝዓበየት ኦም ትኸውን።” 33. ካልእ ምስላውን ነገሮም፥ “መንግሥተ ሰማያት ሰበይቲ ወሲዳ፥ ኵሉ ክሳዕ ዚበኲዕ፥ ኣብ ሠለስተ መስፈር ሓርጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቝ ትመስል።” 34. - 35. ኢየሱስ እቲ ብነቢይ “ኣፈይ ብምስላ እኸፍት፥ እቲ ዓለም ካብ ዚፍጠር ተሠዊሩ ዝነበረ እነግር” ዝተባህለ ምእንቲ ኪፍጸም ነቶም ሕዝቢ እዚ ዅሉ ብምስላ ተዛረቦም እምበር፥ ብዘይ ምስላስ ሓንቲ እኳ ኣይተዛረቦምን። 36. ድኅርዚ ነቶም ሕዝቢ ኣፋንዩ ናብ ቤት ኣተወ፥ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ቐሪቦም “ምስላ ናይቲ ኣብ ግራት ዝበቘለ ኽርዳድ ተርጕመልና” በልዎ። 37. ንሱ ድማ ኸምዚ ኢሉ መለሰሎም፡ - “እቲ ጽሩይ ዘርኢ ዚዘርእ ወዲ ሰብ እዩ፥ 38. እታ ግራት ዓለም እያ፥ ጽሩይ ዘርኢ ድማ ደቂ መንግሥቲ እዮም፥ እቲ ኽርዳድ ግና ደቂ እቲ እኩይ እዮም። 39. እቲ ዝዘርኦም ጸላኢ ኸኣ ድያብሎስ እዩ፥ ቀውዒ ድማ መወዳእታ ዓለም እዩ፥ እቶም ዓጻዶውን መላእኽቲ እዮም። 40. እምበኣር ነቲ ኽርዳድ ኣኪቦም ብሓዊ ኸም ዜንድድዎ ኣብ መወዳእታ ዓለም ከኣ ኸምኡ ኺኸውን እዩ። 41. ወዲ ሰብ ንመላእኽቱ ኪልእኮም እዩ፥ ንሳቶም ከኣ ንዅሎም ምኽንያት ኃጢኣት ዝኾኑን ገበርቲ ኽፉእን ካብ መንግሥቱ ኺእክብዎም እዮም። 42. ኣብ እቶን ሓዊ ኺድርብይዎም እዮም፥ ኣብኡ ድማ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። 43. ሽዑ ጻድቃን ኣብ መንግሥቲ ኣቦኦም ከም ፀጸሓይ ኪበርሁ እዮም፥ እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ። ተቐቢሩ ዝተረኽበ ወርቅን ዕንቊን ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

1ይ ቆሮ 5 : 3 - 10 [English][ግእዝ][ልሙድ]

3. - 4. ሽሕ እኳ ብሥጋይ ርሑቕ እንተ ኾንኩ፥ ብመንፈሰይ ምሳኻትኩም ኣሎኹ። ምሳኻትኩም ከም ዘሎኹ ኾይነ ኸኣ፥ ነቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ርኽሰት ዝፈጸመ ሰብ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ድሮ ፈሪደዮ ኣሎኹ። ንስኻትኩም፥ ኣነ ኸኣ ብመንፈስ፥ ኃይሊ ጐይታ ኢየሱስ ኣብ ዘለዎ ምስ ተኣከብኩም፥ 5. ብመዓልቲ ጐይታ መንፈሱ ምእንቲ ኪድኅን፥ ብሥግኡ ኪቕጻዕ፥ ነዚ ከምዚ ዘኣመሰለ ሰብ ንሰይጣን ኣኅሊፍኩም ሃብዎ። 6. ጃህራኹም ጽቡቕ ኣይኮነን። ቊሩብ መባዂዕቲ ንብዘሎ እቲ ብሑቕ ከም ዜብኲዖዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 7. ከምቲ ሕጂ ዘሎኹምዎ ዘይበዂዐ ሓድሽ ብሑቕ ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ነቲ ኣረጊት መባዂዕቲ ኣጽሪኹም ደርብይዎ። ከመይ ገንሸል ፋሲካና ክርስቶስ ተሠዊዑ አዩ። 8. ስለዚ በቲ ኣረጊት መባዂዕቲ ወይ ብመባዂዕቲ እከይን ሕሰምን ዘይኮነ፥ ብዘይበዂዐ እንጌራ፥ ማለት ብቕንዕናን ብሓቅን በዓልና ነኽብር። 9. ኣብታ መልእኽተይ “ምስ ኣመንዝራታት ኣይትጸምበሩ” ኢለ ጽሒፈልኩም ነይረ። 10. ግናኸ ምስቶም ናይዛ ዓለም እዚኣ ኣመንዝራታት ወይ ምስ ስሱዓትን ከተርትን፥ ወይ መምለኽቲ ጣዖትን ማለተይ ኣይኮነን፥ እንተ ዘይኮነስ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኽትወፁ ምተገብኣኩም ነይሩ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

ይሁ 1 : 9 - 19 [English][ግእዝ][ልሙድ]

9. ግናኸ ሚካኤል ሊቀ መላእኽቲውን ብዛዕባ ሬሳ ሙሴ ምስ ዲያብሎስ ኪከራኸር ከሎ፥ “እግዚኣብሔር ይግናሕካ” ደኣ በሎ እምበር ብጸርፊ ኺዂንኖ ኣይደፈረን።10. እዚኣቶም ግና ነቲ ዘይፈልጥዎ ዘበለ ዅሉ ይጸርፍዎ፥ እቲ ኸም እንስሳ ብባህሪኦም ዚፈልጥዎ ኸኣ ንገዛእ ርእሶም የጥፍኦም ኣሎ።11. ብመገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ፥ ምእንቲ ገንዘብ ኣብ ስሕተት በለዓም ስለ ዝጸደፉ፥ ከም ቆሬ ስለ ዝዓለዉ ኸኣ፥ ጠፊኦም እዮም እሞ ወይለኦም።12. እዚኣቶም ኣብቲ ናይ ፍቕሪ መኣድኹም ጸያቒቶ እዮም፥ ከይኃፈሩ ኣብ መኣድኹም ይሳተፉ፥ ንገዛእ ርእሶም ጥራይ ይጓስዩ፥ ንፋስ ንየው ነጀው ዚደፍኦ፥ ማይ ዘይብሉ ደመና እዮም። ካብ ሱረን ዝተመንቆሳ፥ ክልተ ሳዕ ዝሞታ፥ ፍረ ዘይብለን ኣእዋም ሓጋይ እዮም።13. ንሳቶም ከምቲ ብርቱዕ ማዕበል ባሕሪ፥ ነቲ ነውራም ተግባራቶም ከም ዚዓፍር ዚገብሩ፥ ካብ መገዶም ዝዘንበሉ ኸዋኽብቲ እዮም። ነዚኣቶም ግብ ዝበለ ጸልማት ንዘለዓለም ተዓቚሩሎም ኣሎ።14. - 15. እቲ ኻብ ኣዳም ሻውዓይ ወለዶ ዝኾነ ሄኖክውን ብዛዕባ እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ - “እንሆ! ጐይታ ንዂላቶም ኪፈርዶም ኢሉ ምስ ኣእላፋት ቅዱሳኑ መጺኡ ኣሎ። ነቶም ፍርሃት እግዚኣብሔር ዘይብሎም ኲላቶም ድማ፥ ብዛዕባ እቲ ብኽፉእ መገዲ ዚገብርዎ ዅሉ እኩይ ግብርን፥ ብዛዕባት እቲ ኽፉኣት ኃጢኣተኛታት ብዛዕብኡ ዝተዛረብዎ ዘበለ ዅሉ ዘረባ ድርቅናን ኪቐጽዖም እዩ” ኢሉ ተነበየሎም።16. እዚኣቶም መዕዘምዘምቲ፥ ዘይሕጒሳት፥ ከም ክፉእ ትምኒቶም ዚነብሩ እዮም። ኣፎም ቃል ትዕቢት ይዛረብ፥ ምእንቲ ረብሓ ርእሶም ኸኣ ገጽ ርእዮም ይንእዱ።17. ንስኻትኩም ግና ኣቱም ፍቁራተይ፥ ነቲ እቶም ሓዋርያት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቐዲሞም ዝተዛረብዎ ዘክሩ።18. ንሳቶም “ኣብቲ ዳኅራይ ዘመን፥ ብኽፋእ ትምኒቶም ዚምርሑ መላገጽቲ ኺትንስኡ እዮም።” እናበሉ ነጊሮሙኹም ነበሩ።19. እዚኣቶም ፍልልይ ዜምጽኡ፥ ብባህርያዊ ስምዒቶም ዚምርሑ፥ መንፈስ ቅዱስ ዘይብሎም ሰባት እዮም።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 20 : 28 - 35 [English][ግእዝ][ልሙድ]

28. ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ቤተ ክርስቲያን ኣምላኽን ክትጓስዩ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስ ቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኵሉ መጓሰ ሓልዉ። 29. ኣነ ምስ ኣልገስኩ ነቲ መጓሰ ዘየናሕስዩሉ፥ ከም ተዃሉ እኩያት ዝኾኑ ሰባት ከም ዚመጹኹም እፈልጥ እየ። 30. ካባኻትኩምውን ከይተረፈ ንደቀ መዛሙርቲ ሰዓብቶም ምእንቲ ኪገብርዎም፥ ቄናን ትምህርቲ ዚምህሩ ኪትንሥኡ እዮም። 31. ስለዚ ሠለስተ ዓመት ምሉእ ለይትን መዓልትን ብንብዓት ንነፍስ ወከፍኩም ካብ ምምዓድ ከም ዘየብኰርኩ፥ እናዘከርኩም ንቕሑ። 32. ሕጂ ድማ ንኣምላኽን ነቲ ኺሓንጸኩምን ምስ ኵላቶም ቅዱሳን ኬረስትየኩምን ዚኽእል ቃል ጸጋኡን ኣማኅጽነኩም ኣሎኹ። 33. ኣነ ናይ ሓደ ሰብ ብሩር ወይ ወርቂ ወይ ክዳን ኣይተመኔኹን። 34. እዘን ኣእዳወይ ንኣይ ኮነ ነቶም ምሳይ ዚነብሩ ከም ዘገልገላ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 35. ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ባዕሉ፥ ‘ካብ ዚቕበልሲ እቲ ዚህብ ኣዝዩ ይባረኽ’ ዝበሎ ቓል እናዘከርካ ከምዚ ጌርካ ምዕያይን ንድኹማት ምእላይን ከም ዚግባእ ብዅሉ ኣርእየኩም ኣሎኹ።”

 

ስንክሳር Synaxarium

በዓለ ቅዱስ ሚካኤል
ወጉባኤ ኤጲስ ቆጶሳት ፪፻ በኤፌሶን ለአውግዞ ንስጥሮስ
ወአፍልሖ ሰማዕት

 

መዝሙር Psalm

መዝ 34 : 7 - 8 [English][ግእዝ][ልሙድ]

መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር የናግፎም ከኣ እዩ። እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ጥዐሙን ርአዩን።

 

ወንጌል Gospel

ማቴ 18 : 10 - 22 [English][ግእዝ][ልሙድ]

10. “መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኵሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ ኣለዉ እሞ፥ ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ክይትንዕቁ ተጠንቀቑ። 11. ወዲ ሰብ ንዝጠፍአ ኬድሕን መጺኡ ኣሎ እሞ፥ 12. እንታይ ይመስለኩም፧ ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ ካብአን ሓንቲ እንተ ጠፍኣቶ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ ጎቦታት ኃዲጉ ነታ ዝጠፍአት ኪደሊዶ ኣይከይድን፧ 13. እንተ ረኸባ ድማ ኻብተን ተስዓን ትሽዓተን ዘይጠፍኣ ብኣኣ ኣዝዩ ኸም ዚሕጐስ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 14. ከምኡ ድማ ኻብዞም ናእሽቱ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ኣይኰነን። 15. “ኃውኻ እንተ በደለካ ኬድካ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ኴንኩም ግንሓዮ፥ እንተ ሰምዓካ ንኃውኻ ረባሕካዮ። 16. እንተ ዘይሰምዓካ ግና ዅሉ ነገር ብኣፍ ክልተ ወይ ሠለስተ መሰኻኽር እዩ ዚቐዉም እሞ [ኣብ ካልኣይ ግዜ] ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ። 17. ንኣኣቶም እንተ ዘይሰምዖም ድማ ንቤተ ክርስቲያን ንገራ፥ ንቤተ ክርስቲያን እንተ ዘይሰምዓ ግና ከም ኣረሚንን ዘይንሳሕ ኃጢኣተኛን ቁጸሮ።” 18. “ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፥ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርኩምዎ ዘበለ ኣብ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ፥ ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዘበለ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ። 19. - 20. ክልተ ወይ ሠለስተ ኾይኖም ብስመይ ኣብ ዝተኣከቡሉ፥ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም ኣሎኹ እሞ፥ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሳማምዑ፥ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪወሃቦም እዩ፥ ኢለ ኸም ብሓድሽ [ብሓቂ] እብለኩም ኣሎኹ።” 21. ሽዑ ጴጥሮስ ቅርብ ኢሉ “ጐይታይ! ሓወይ እንተ በደለንስ ክንደይ ሳዕ ይቕረ ኽብለሉ፧ ክሳዕ ሾብዓተዶ፧” በሎ። 22. ኢየሱስ ድማ “ሾብዓተ ሳዕ ሰብዓ ድኣ እምበር ክሳዕ ሾብዓተ ኣይብለካን” በሎ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘቄርሎስ

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 52 : 4 - 5 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ካብ ሰናይሲ እከይ፣ ካብ ዘረባ ጽድቂውን ሓሶት ትፈቱ ኣሎኻ። ኣቲ ሓሳዊት መልሓስ፣ ቃላት ጥፍኣት ዘበለ ትፈትዊ ኣሎኺ። ስለዚ ኣምላኽ ንሓዋሩ ኼጥፍኣኪ እዩ።

 

ወንጌል Gospel

ማር 11 : 20 - 26 [English][ግእዝ][ልሙድ]

20. ንግሆ ኺኃልፉ ኸለዉ፥ ነታ በለስ ካብ ሱራ ነቒጻ ረኣይዋ። 21. ጴጥሮስ ድማ ዘከረ እሞ “መምህር! እንሃ እታ ዝረገምካያ በለስ ነቒጻ” በሎ። 22. ኢየሱስ ከኣ ኸምዚ ኢሉ መለሰሎም፡ - “ብኣምላኽ እመኑ። 23. እቲ ብልቡ ኸይተጠራጠረ እቲ ዚልምኖ ከም ዚፍጸም ዚኣምን ኵሉ፥ ነዚ እምባ እዚ ‘ካብዚ ተላዒልካ ናብቲ ባሕሪ ተወርወር’ እንተ በሎ ንእኡ ከም ዚኾነሉ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 24. ስለዚ እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ኸም ዝተቐበልኩምዎ እመኑ እሞ ኪኾነልኩም እዩ፥ እብለኩም ኣሎኹ። 25. ደው ኢልኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም ከኣ ሰማያዊ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ኺኃድገልኩም፥ ንብጻይኩም ዝኃዝኩምሉ በደል እንተሎ፥ ኅደጉሉ። 26. ንስኻትኩም እንተ ዘይኃደግኩም ግና እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ድማ በደልኩም ኣይኃድገልኩምን እዩ።” እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!

 

ዘመነ ሉቃስ Readings for Wednesday

መስከረም 13, 2019 ብግእዝ Sep 23, 2026 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 102 : 24 - 25 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ኣምላኸየ፣ አብ ፍርቂ መዓልትታተይ አይትውሰደኒ፣ በልኩ። ዓመታትካ ንውሉድ ወለዶ እዩ። ካብ ጥንቲ ንምድሪ ሰረትካያ፣ ሰማያት ከኣ ግብሪ ኣእዳውካ እዮም።

 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 13 : 1 - 9 [English][ግእዝ][ልሙድ]

1. በቲ ወርኃት እቲ፥ ገለ ሰባት መጺኦም ብዛዕባ እቶም ጲላጦስ ቀቲሉ ደሞም ምስ መሥዋዕቶም ዝጸምበሮ ገሊላውያን ነገርዎ። 2. ኢየሱስ መሊሱ ኸምዚ በሎም፦ “ነዞም ገሊላውያን እዚኣቶም እዚ ስለ ዝረኸቦምሲ ኻብ ኵሎም ገሊላውያን ኃጥኣን ዝነበሩዶ ይመስለኩም፧ 3. ኣይፋሎም፥ እንተ ዘይተነሳሕኩምሲ ኵላትኩም ድማ ኸምኦም ክትጠፍኡ ኢኹም፥ እብለኩም ኣሎኹ። 4. ወይሲ እቶም ኣብ ሰሊሆም ግምቢ ዝወደቖም እሞ ዝቐተሎም ዓሠርተው ሸሞንተኸ፥ ካብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዚነብሩ ዅሎም ሰብ ዚበዝኅ ኃጢኣት ዝነበሮምዶ ይመስለኩም፧ 5. ኣይፋሎም፥ እንተ ዘይተነሳሕኩምሲ፥ ኵላትኩም ከምኦም ኽትጠፍኡ ኢኹም።” 6. ኢየሱስ ነዚ ዚስዕብ ምስላ ነገሮም፦ “ሓደ ሰብኣይ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኑ ዝተተኽለት በለስ ነበረቶ። ፍረ ደልዩ ናብኣ ኸደ፥ ግና ኣይረኸበላን። 7. ነቲ ሓላው ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ፥ ‘እንሆ፥ ካብዛ በለስ እዚኣ ፍረ ደልየ ሠለስተ ዓመት ተመላሊሰ፥ ኣይረኸብኩላን። ቍረጻ፥ ስለምንታይ መሬት እተባኽን፧’ በሎ። 8. ንሱ ግና፥ ‘ጐይታይ፥ ወሰነ ወሰና ኽሳዕ ዝዅስኵሳ፥ ድዅዒ ኽሳዕ ዝድኵዓ፥ ነዛ ዓመት እዚኣ ድማ ኅደጋ። 9. ንዓመታ እንተ ፈረየት፥ ጽቡቕ፤ እንተ ዘይኮነስ ሽዑ ትቘርጻ’ ኢሉ መለሰሉ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

ገላ 5 : 16 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

16. ኣነ ግና ብመንፈስ ንበሩ፥ ትምኒት ሥጋ ኸኣ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፥ እብለኩም ኣሎኹ። 17. ከመይ ትምኒት ሥጋ ምስ መንፈስ መጻርርቲ እዩ፥ መንፈስ ከኣ ምስ ትምኒት ሥጋ መጻርርቲ እዩ። ስለዚ ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ ኽልቲኦም መጻርርቲ እዮም። 18. ብመንፈስ እንተ ተመራሕኩም ግና ሕጊ ንምፍጻም ግዱዳት ኣይኮንኩምን። 19. ግብሪ ሥጋ ግሁድ እዩ፥ ንሱ ኸኣ ምንዝርና፥ ርኽሰት፥ ዝርጋን፥ 20. ኣምልኾ ጣዖት፥ ጥንቈላ፥ ጽልኢ፥ ባእሲ፥ ቅንኢ፥ ቊጥዓ፥ ገዛእ ርእስኻ ምፍታው፥ ምፍልላይ፥ መናፍቕነት፥ 21. ቅንኣት፥ ስኽራን፥ ጓይላ፥ ከምዚ ዘኣመሰለ ኻልእውን እዩ። ከምቲ ኣቐዲመ ዘጠንቀቕኩኹም፥ እቶም ነዚ ከምዚ ዘኣመሰለ ዚገብሩ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ እብለኩም ኣሎኹ። 22. ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና ፍቕሪ፥ ሓጐስ፥ ሰላም፥ ትዕግሥቲ፥ ልግሲ፥ ሕያውነት፥ እሙን ምዃን፥ 23. ለውሃት፥ ርእስኻ ምግታእ፥ እዩ። ነዚ ከምዚ ዘኣመሰለ ዚፃረሮ ሕጊ የልቦን። 24. እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ሰብኣዊ ባህርዮም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም። 25. ብመንፈስ ሕይወት ዝረኸብና እንተ ደኣ ዄንና ብመንፈስ ንንበር። 26. ንሓድሕድና ብምትሕርራቕን ብምቅንናእንሲ ውዳሴ ኸንቱ ኣይንድለ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

ያዕ 5 : 1 - 9 [English][ግእዝ][ልሙድ]

1. ሕጂ ኸኣ፥ ኣቱም ሃብታማት ስምዑ፥ በቲ ዚመጸኩም ዘሎ መከራ ዋይ! ዋይ! እናበልኩም ብኸዩ። 2. ሃብትኹም መሽሚሹ፥ ክዳውንትኹምውን ብልዒ በሊዕዎ። 3. ወርቅኹምን ብሩርኩምን መሪቱ፥ እቲ ምምራቱ ኸኣ ኪኸሰኩም እዩ፥ ኣብዛ ኃላፊት ዓለም እዚኣ ሃብቲ ሰለ ዝኣከብኩም ድማ ንሥጋኹም ከም ሓዊ ኺበልዖ እዩ። 4. እንሆ እቲ ንሰኻትኩም ዝገደብኩምዎም፥ ውዕለት እቶም ግርሁኹም ዝዓጸዱ ዓየይቲ የእዊ ኣሎ። ኣውያት እቶም ዓጻዶውን ኣብ እዝኒ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት በጺሑ ኣሎ። 5. ኣብ ምድሪ ሓንቂቕኩምን ጥዒሙኩምን፥ ከም ንመዓልቲ ማኅረዲውን ገዛእ ርእስኹም ኣስቢሕኩም ኣሎኹም። 6. ነቲ ኺከላኸል ዘይክእል ጻድቕ ሰብውን ፈረድኩምዎን ቀተልኩምዎን። 7. እምበኣርሲ፥ ኣኅዋተየ፥ ክሳዕ ምጽኣት ጐይታ ተዓገሡ። ሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይጽበዮ፥ ኣኸዛን ማይ ጽብሓትን ክሳዕ ዚረክብውን ከም ዚዕገስ ርኣዩ። 8. ንሰኻትኩም ከኣ ምጽኣት ጐይታ ሰለ ዝቐረበ ተዓገሡ፥ ልብኹምውን ኣጽንዑ። 9. ኣኅዋተይ፥ ከይትፍረዱ ኣብ ንሓድሕድኩም ኣይተጒረምርሙ። እንሆ እቲ ፈራዲ ኣብ ኣፍ ቤት ደው ኢሉ ኣሎ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 8 : 14 - 25 [English][ግእዝ][ልሙድ]

14. እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ሓዋርያት ከኣ ሰብ ሰማርያ ቃል ኣምላኽ ከም ዝተቐበሉ ምስ ሰምዑ፥ ንጴጥሮስን ንዮሓንስን ለኣኹሎም። 15. ንሳቶም ከኣ ወሪዶም መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኪቕበሉ ጸለዩሎም። 16. ምኽንያቱ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ጥራይ ደኣ ተጠሚቖም ነበሩ እምበር፥ መንፈስ ቅዱስ ገና ኣብ ሓደ ኻብኣቶም እኳ ኣይወረደን ነበረ። 17. ሽዑ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ። 18. ሲሞን ከኣ መንፈስ ቅዱስ በቲ ምንባር ኣእዳው ሓዋርያት ከም ዝተዋህበ ምስ ረኣየ ከምዚ እናበለ ገንዘብ ኣምጽኣሎም፡ - 19. “እቲ ኢደይ ዘንብረሉ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኪቕበልሲ፥ ንኣይ ከኣ እዚ ሥልጣን እዚ ሃቡኒ።” 20. ጴጥሮስ ግና “ነቲ ህያብ ኣምላኽ ብገንዘብ ክትዕድጎ ስለ ዝሓሰብካ፥ ገንዘብካ ምሳኻ ይጥፋእ፤ 21. ልብኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ስለ ዘይኮነ ኸኣ፥ ኣብዚ ነገር እዚ ክፍሊ ወይ ግደ የብልካን። 22. እምበኣርሲ ካብዚ ኽፍኣትካ እዚ ተነሳሕ፥ ምናልባሽ ሓሳብ ልብኻ እንተ ኃደገልካ ንእግዚኣብሔር ለምኖ። 23. ኣብ መሪር ቅንእን ኣብ ማእሰርቲ ኃጢኣትን ከም ዘሎኻ እርእየካ ኣሎኹ” በሎ። 24. ሲሞን ከኣ “ካብዚ ዝበልኩምዎ ነገራት ሓደ እኳ ከይበጽሓንስ ንእግዚኣብሔር ለምኑለይ” በሎም። 25. እንሆ ኸኣ ንሳቶም ምስ መስከሩን ቃል እግዚኣብሔር ምስ መሃሩን ኣብ ብዙኃት ዓድታት ሰማርያ ወንጌል እናሰበኹ ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሱ።

 

ስንክሳር Synaxarium

ተዝካረ ተአምር ዘገብረ ባስልዮስ በብእሲ ዘአፍቀረ ወለተ እግዚኡ

 

መዝሙር Psalm

መዝ 104 : 13 - 15 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ነኽራን ካብ ርሻናትካ ተስትዮ፣ ምድሪ ብፍረ ተግባርካ ትጸግብ። ..... ካብ ምድሪ ምግቢ ምእንቲ ኼውጽእ፣ ንእንስሳስ ሳዕሪ፣ ንጥቕሚ ሰብ ከኣ ተኽሊ ኣብቈልካ።

 

ወንጌል Gospel

ማር 4 : 26 - 34 [English][ግእዝ][ልሙድ]

26. ኢየሱስ ከምዚ በለ፡ - “መንግሥቲ ኣምላኽ ዘርኢ ኣብ ምድሪ ኸም ዚዘርእ ሰብ እያ። 27. ንሱ ለይቲ ይድቅስ መዓልቲውን ይትንሥእ፥ እቲ ዘርኢ ድማ ንሱ ኸይፈለጠ ይበቍል፥ ይዓቢውን። 28. እታ ምድሪ ባዕላ ትፈሪ፥ ቅድም ሣዕሪ፥ ደኃር ዘለላ፥ ኣብቲ ዘለላ ድማ ብጹሕ ስርናይ። 29. ምስ በጽሐ፥ ቀውዒ ኣትዩ እዩ እሞ ሽዑ ዓጻዲ ይሰድድ።” 30. መሊሱ ድማ ከምዚ በለ፡ - “ንመንግሥቲ ኣምላኽ ብምንታይ ንመስላ፧ ወይስ እንታይ ምስላ ንግበረላ፧ 31. ኣብ ምድሪ ኸም ዝተዘርአት እሞ፥ ካብ ኵሉ ዘርኢ ምድሪ እትንእስ ፍረ ኣድሪ እያ። 32. ምስ ተዘርአት ግና ትበቍል፥ ካብ ኵሉ ኣሕምልቲውን ትዓቢ፥ ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ጽላላ ኼዕርፋ ኽሳዕ ዚኽእላ ኸኣ ዓበይቲ ጨናፍር ትገብር።” 33. ከም መጠን ምስትውዓሎም በዚ ኸምዚ ዝበለ ምስላታት ቃል ይነግሮም ነበረ። 34. ብዘይ ምስላ ኸኣ ኣይተዛረቦምን፥ ንደቀ መዛሙርቱ ግና ኵሉ ኣብ በይኖም ይገልጸሎም ነበረ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘባስልዮስ(እግዚኦ መሐረነ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 92 : 12 - 13 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ጻድቕ ከም ስየ ይልምልም፣ ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይዓቢ። እቶም አብ ቤት እግዚኣብሄር እተተኽሉ አብ ኣጸድ ኣምላኽና ይልምዑ።

 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 6 : 43 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

43. “ሕማቕ ፍረ ዚፈሪ ጽቡቕ ኦም፥ ወይ ከኣ ጽቡቕ ፍረ ዚፈሪ ሕማቕ ኦም፥ የልቦን። 44. ምኽንያቱ በለስ ካብ እሾዂ፥ ወይኒ ኸኣ ካብ ተኾርባ ኣይቕንጠብን እዩ፥ ኵሉ ኦም ብፍሪኡ እዩ ዚፍለጥ። 45. ኣፍ ድማ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚዛረብ እሞ እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ሠናይ መዝገብ ልቡ ሠናይ የውፅእ፥ እቲ ኽፉእ ድማ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ የውፅእ። 46. “ነቲ ኣነ ዝብሎ ዘይትገብሩስ፥ ስለምንታይ ኢኹም ጐይታይ! ጐይታይ! እትብሉኒ፧ 47. እቲ ናባይ ዚመጽእን ንቓለይ ሰሚዑ ዚገብሮን ዘበለ ዅሉ ንመን ከም ዚመስል ከርእየኩም እየ። 48. ንሱ ቤት ኪሠርሕ ከሎ ኣዕሚቑ ዝዀዓተን መሠረቱውን ኣብ ከውሒ ዝመሥረተን ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ብርቱዕ ውሒዝ ምስ መጸ፥ ነቲ ቤት ደፍኦ፥ ብጽኑዕ ስለ ዝተነድቀ ኸኣ ምንቕናቑ ሰኣነ። 49. እቲ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ግና ቤቱ ብዘይ መሠረት ኣብ ምድሪ ዝሠርሐ ሰብኣይ እዩ ዚመስል፤ እቲ ውሒዝ ደፍኦ፤ ብኡብኡ ወደቐ፥ ኣወዳድቓ እቲ ቤት እቲ ኸኣ ዓቢይ ኾነ።” ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ዘመነ ሉቃስ Readings for Thursday

መስከረም 14, 2019 ብግእዝ Sep 24, 2026 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 96 : 11 - 23 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ሰማያት ይተሐጐሱ፣ ምድሪውን ባህ ይበላ፣ ባሕርን ምልአቱን ይናወጽ። ይመጽእ፣ ንምድሪ ኺፈርድ ይመጽእ፣ ንዓለም ብጽድቂ፣ ነህዛብ ብሓቂ ኺፈርድ እዩ እሞ፣ መሮርን አብኡ ዘሎ ዅሉን ባህ ይበሎም፣ ሽዑ ዅላቶም አእዋም ዱር አብ ቅድሚ እግዚአብሄር እልል ኪብሉ እዮም።

 

ወንጌል Gospel

ማቴ 24 : 30 - 35 [English][ግእዝ][ልሙድ]

30. ሽዑ ኸኣ ምልክት ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርአ እዩ፥ እንሆ ድማ ዅሎም ኣብ ዓለም ዘለዉ ወገናት፥ ወዲ ሰብ ብኃይልን ብዓቢይ ኽብርን፥ ብደመና ሰማይ ኪመጽእ ምስ ረኣይዎ፥ ኺበኽዩ እዮም። 31. ንሱ ንመላእኽቱ ብብርቱዕ ድምፂ መለኸት ኪልእኮም እዩ፥ ንሳቶም ድማ ንኅሩያቱ፥ ካብ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳብ እቲ ሓደ ወሰን፥ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ኪእክብዎም እዮም። 32. ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሃሩ። ጨንፈራ ምስ ለምለመ፥ ቘጽላውን ምስ ጠጥዐ ሓጋይ ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። 33. ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም ነዚ ዅሉ ነገራት እዚ ምስ ረአኹም ኣብ ኣፍ ደገ ከም ዝቐረበ ፍለጡ። 34. እዚ ነገራት እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፥ እዚ ወለዶ እዚ ከም ዘይኃልፍ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 35. ሰማይን ምድርን ኪኃልፍ እዩ፥ ቃለይ ግና ኣይኪኃልፍን እዩ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

2ይ ጢሞ 2 : 1 - 7 [English][ግእዝ][ልሙድ]

1. ጢሞቴዎስ ወደይ! በቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎ ጸጋ ደልድል። 2. ነቲ ኣብ ቕድሚ ብዙኃት ምስክር ካባይ ዝሰማዕካዮ ነገር፥ ካልኦት ኪምህሩ ንዚኸኣሎም እሙናት ሰባት ኅድሪ ሃቦም። 3. ከም ንፉዕ ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ወተሃደር ምሳይ ኴንካ መከራ ጽገብ። 4. ንኣዛዚኡ ኬሓጒስ ዝደሊ፥ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ወተሃደር፥ ብኻልእ መነባብሮ ኣይሕለኽን እዩ። 5. ከምኡውን እቲ ኣብ ጸወታ ዝወዳደር ከም ሕጊ ገይሩ እንተ ዘይተወዳዲሩ ኣኽሊል ዓወት ኣይረክብን እዩ። 6. እቲ ዚጽዕር ሓረስታይ ካብቲ ዘፍረዮ እቲ ቐዳማይ ግደ ኺወስድ ይግብኦ እዩ። 7. እግዚኣብሔር ንዅሉ እትርድኣሉ ኣእምሮ ኺህበካ እዩ እሞ ነዚ ዝብሎ ዘለኹ ኣስተዉዕሎ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

ያዕ 3 : 13 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

13. ኣብ ማእከልኩም ለባምን ኣስተውዓልንዶ ኣሎ፧ ብሠናይ ኣኻይዳኡን፥ ትሕትና ብዝመልኦ ጥበብን ገይሩ ግብሩ የርኢ። 14. መሪር ቅንእን ንኣይ ይጥዓመኒ ዚብል ስምዒትን ኣብ ልብኹም እንተ ኣሎኩም ኣይትመክሑ፥ ንሓቂውን ኣይትጻረርዋ። 15. እዛ “ጥበብ” እዚኣ ምድራዊትን ሥጋዊትን ሰይጣናዊት እያ እምበር፥ ካብ ሰማይ ዝወረደት ኣይኮነን። 16. ከመይ ኣብቲ ቕንእን ንኣይ ይጥዓመኒ ዚብል ስምዒትን ዘለዎ፥ ኣብኡ ምፍራስ ሥርዓትን ኵሉ እኩይ ግብርን ኣሎ። 17. እታ ኻብ ላዕሊ ዝኾነት ጥበብ ግና ቕድሚ ዅሉ ንጽሕቲ እያ። ደኃር ሰላማዊት፥ ሕያወይቲ፥ ሰማዕ፥ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልአት፥ ሻርነትን ግብዝናን ዘይብላ እያ። 18. ብሰላም ዚዘርኡ ገበርቲ ሰላም ፍረ ጽድቂ ይዓጽዱ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 5 : 11 - 16 [English][ግእዝ][ልሙድ]

11. ኣብ መላእ እታ ቤተ ክርስቲያንን ኣብቶም ነዚ ነገርዚ ዝሰምዑ ዘበሉ ዅሎምን ከኣ ዓቢይ ፍርሃት ኮነ። ሓዋርያት ዝገበርዎ ትእምርትን ተኣምራትን 12. ብዙኅ ትእምርትን ተኣምራትን ብኢድ ሓዋርያት ኣብ ማእከል እቲ ሕዝቢ ተገብረ፥ ኵላቶም ድማ ብሓንቲ ልቢ ኃቢሮም ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይእከቡ ነበሩ። 13. ሽሕ እኳ እቲ ሕዝቢ ኣዝዩ የኽብሮም እንተ ነበረ፥ ካብቶም ካልኦት ኪጽምበሮም ዚደፍር ሓደ እኳ ኣይነበረን። 14. ምስዚ ዅሉ ግና ካብ ሰብኡትን ኣንስትን ካብ ቅድም ብዝበለጸ ብዙኃት ብጐይታ እናኣመኑ ይውሰኽዎም ነበሩ። 15. ጴጥሮስ ኪኃልፍ ከሎ ንገሊኣቶም ምእንቲ ኬንጸላልወሎም ኢሎም ነቶም ሕሙማት ፀይሮም የምጽእዎም እሞ ኣብቲ ኣደባባይ ኣብ ዓራትን ቃሬዛን የደቅስዎም ነበሩ። 16. ካብተን ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌም ዝነበራ ኸተማታት ድማ ብዙኃት ሕዝቢ ሕሙማትን ኣጋንንቲ ዝኃደርዎምን ኂዞም ይመጹ ነበሩ። ኵሎም ከኣ ይሓውዩ ነበሩ።

 

ስንክሳር Synaxarium

አጋቶን ዘዐምድ
ወዴግና ካህን

 

መዝሙር Psalm

መዝ 72 : 15 - 16 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር፣ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን፣ ፍሬኡ ኸም ኣእዋም ሊባኖስ ዘዘው ኪብል፣ ሰብ ከተማውን ከም ሳዕሪ ምድሪ ኺዕምብቡ እዮም።

 

ወንጌል Gospel

ማር 13 : 28 - 31 [English][ግእዝ][ልሙድ]

28. “ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሃሩ፥ ጨናፍር ምስ ለምለመ ቈጽላውን ምስ ጠጥዐ፥ ሓጋይ ከም ዝቐረበ ትፈልጡኢ ኢኹም። 29. ንስኻትኩም ድማ ኸምኡ እዚ ነገራት እዚ ኪኸውን ከሎ ምስ ረኣኹም፥ ምጻኣት ጐይታ ኣብ ኣፍ ደገ ከም ዝቐረበ ፍለጡ። 30. እዚ ዅሉ ክሳዕ ዚኸውን እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይኃልፍ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 31. ሰማይን ምድርን ኪኃልፍ እዩ፥ ቃለይ ግና ኣይኪኃልፍን እዩ።” እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘዮሐንስ ወልደ ነጐድጓድ (ሃቤከ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 104 : 16 - 17 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ኣእዋም እግዚኣብሄርን እተን ዝተኸልካየን ጽሕድታት ሊባኖስን ጸገባ። ኣዕዋፍ ኣብኡ እንዳኤን ይሰርሓ፣ ጽሕድታት ንራዛ ማሕደሪኡ እየን።

 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 21 : 29 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

29. ሓደ ምስላ ድማ ነገሮም፥ “ንኦም በለስን ንዅሉ ኣእዋምን ተመልከቱ። 30. ኪጥጥዑ ኸለዉ ምስ ረኣኹም፥ ሓጋይ ከም ዝቐረበ ባዕልኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 31. ከምኡ ኸኣ እዚ ኺኸውን ክትርእዩ ኸሎኹም፥ መንግሥቲ ኣምላኽ ከም ዝቐረበ ፍለጡ። 32. እዚ ዅሉ ክሳዕ ዚኸውን፥ እዚ ወለዶ እዚ ከም ዘይኃልፍ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 33. ሰማይን ምድርን ኪኃልፍ ፥ ቃለይ ግና ኣይኪኃልፍን እዩ። 34. “እታ መዓልቲ እቲኣ ብሃንደበት ከይትመጻኩምሲ፥ ብስስዐን ብስኽራንን ብኃልዮት ናብራን ልብኹም ከይከብድ፥ ንነፍስኹም ተጠንቀቑ። 35. ከመይ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኵላ ገጽ ምድሪ ንዚነብሩ ዘበሉ፥ ከም መፈንጠራ ክትበጽሖም እያ። 36. እምበኣርከስ ካብቲ ዅሉ ኺኸውን ዘለዎ ነገራት ምእንቲ ኽትመልቁን፥ ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባል ምእንቲ ክትክእሉን፥ ኵሉ ሳዕ ነቒሕኩም ጸልዩ።” 37. ኢየሱስ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤት መቕደስ ይምህር፥ ለይቲ ለይቲ ኸኣ ኣብ ደብረ ዘይቲ ዚብሃል እምባ ደይቡ ይኃድር ነበረ። 38. ብዘሎ እቲ ሕዝቢ ድማ፥ ንእኡ ኺሰምዕ ናብ ቤተ መቕደስ የንግህ ነበረ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ዘመነ ሉቃስ Readings for Friday

መስከረም 15, 2019 ብግእዝ Sep 25, 2026 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 126 : 5 - 6 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ብንብዓት ዚዘርኡ ብእልልታ ይዐጽዱ። ዘርኢ ተሰኪሙ ብብኽያት ይወፍር፣ እንዳእቱ ተሰኪሙ ብእልልታ ይምለስ።

 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 4 : 31 - 38 [English][ግእዝ][ልሙድ]

31. እዚ ኪኸውን ከሎ እቶም ደቀ መዛሙርቱ “መምህር! ብላዕ” ኢሎም ለመንዎ። 32. ኢየሱስ ከኣ “ኣነስ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ዝበልዖ ምግቢ ኣሎኒ” በሎም። 33. እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ንሓድሕዶም “ሰብ ደኾን ገለ ዚብላዕ ኣምጺኡሉ ኾይኑ፧” ተበሃሃሉ። 34. ኢየሱስ ድማ “ብልዐይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ምግባር፥ ዕዮኡውን ምፍጻም እዩ። 35. ንስኻትኩም ‘ቀውዒ ኽሳዕ ዚመጽእ ገና ኣርባዕተ ወርኂ ተሪፉ ኣሎዶ’ ኣይኮንኩምን እትብሉ፧ እንሆ እምበኣርከስ ኣዕይንትኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ ምድሪ ንዓጺድ ድሮ ከም ዝፃዕደወት ርኣዩ፥ እብለኩም ኣሎኹ። 36. እቲ ዚዘርእን እቲ ዚዓጽድን ብኃባር ምእንቲ ኺሕጐሱ እቲ ዚዓጽድ ዓስቡ ይቕበል፥ ንዘለዓለማዊ ሕይወት ዚኸውን ፍረ ኸኣ ይእክብ። 37. ከመይ ‘እቲ ሓደ ይዘርእ፥ እቲ ሓደ ኸኣ ይዓጽድ’ ዚብል ምስላ ሓቂ እዩ። 38. ኣነ ንኣኻትኩም ኣብ ዘይጸዓርኩምሉ ክትዓጽዱ ለኣኽኩኹም፣ ካልኦት ጸዓሩሉ፥ ንስኻትኩም ከኣ ኣብቲ ጻዕሮም ኣቶኹም” በሎም። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

ቆሎ 1 : 1 - 10 [English][ግእዝ][ልሙድ]

1. ካብቲ ብፍቓድ ኣምላኽ ሓዋርያ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝኾነ ጳውሎስን ጢሞቴዎስ ኃውናን። 2. ናብቶም ብክርስቶስ እሙናት ኣኅዋትና ዝኾኑ ኣብ ቈላስይስ ዘለዉ ኣመንቲ፦ ካብ እግዚኣብሔር ኣቦና ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም። 3. - 4. ብዛዕባ እታ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘላትኩም እምነትን ንዅሎም ኣመንቲ ዘሎኩም ፍቕርን ምስ ሰማዕና፥ ኵሉ ሳዕ ምእንታኻትኩም እናጸሌና ንኣምላኽ፥ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ነመስግኖ ኣሎና። 5. እቲ ቓል ሓቂ ዝኾነ ወንጌል፥ ቅድም ናባኻትኩም ምስ መጸ፥ ብዛዕባ እቲ ንሱ ዚህቦ ተስፋ ሰሚዕኩም ኔርኩም። ስለዚ እምነትኩምን ፍቕርኹምን ኣብቲ ኣብ ሰማይ ተዓቚሩልኩም ዘሎ ተስፋ ዝተመሥረተ እዩ። 6. ከምቲ ወንጌል፥ ካብታ ጸጋ ኣምላኽ ዝሰማዕኩምላን ሓቀኛ ምዃና ብዅሉ ወገና ዝተረዳእኩምላን መዓልቲ ጀሚሩ፥ ኣባኻትኩም ዝፈረዮን ዝተዘርግሖን፥ ከምኡ ኸኣ ኣብ ኵሉ ዓለም ይፈርን ይዝርጋሕን ኣሎ። 7. እቲ ፍቁር መተዓይይትናን ኣብ ክንዳናውን እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስን ዝኾነ ኤጳፍራስውን እዚ እዩ ዝመሃረኩም። 8. ብዛዕባቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዘሎኩም ፍቕሪውን ንሱ እዩ ዝነገረና። 9. ስለዚውን ንሕና ኻብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ጀሚርና፥ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ርድኢትን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝኾነ እትግንዘቡሉ ምሉእ ፍልጠት ምእንቲ ኺህልወኩም እናለመንና፥ ብዛዕባኹም ካብ ምጽላይ ኣቋሪጽና ኣይንፈልጥን። 10. ብሠናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ፍረ እናፈሬኹም፥ ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓቤኹም፥ ንእኡ ዚበቅዕ ሕይወት እናነበርኩም፥ ንጐይታ ብዅሉ ምእንቲ ኸተሓጒስዎ ንጽሊ ኣሎና።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

ያዕ 5 : 13 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

13. ኣብ ማእከልኩም ዝጸበቦ እንተሎ ይጸሊ። ሕጉስ እንተሎ ይዘምር። 14. ኣብ ማእከልኩም ዝሓመመ እንተሎ ንመራሕቲ ቤት ክርስቲያን ይጸውዕ፥ ንሳቶም ከኣ ብስም ጐይታ ብዘይቲ እናቐብኡ ይጸልዩሉ። 15. እታ ብእምነት ዝተገብረት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተሕውዮ እያ። ጐይታውን ኬተንሥኦ እዩ። ኃጢኣት ገይሩ እንተ ኾይኑውን ኪኅደገሉ እዩ። 16. እምበኣርሲ ምእንቲ ኽትሓውዩ ንሓድሕድኩም ኃጢኣትኩም ተናዘዙ፥ ምእንቲ ንሓድሕድኩምዉን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙኅ ተስልጥ እያ። 17. ኤልያስ ከማና ሰብ እዩ ዝነበረ። ዝናም ከይዘንም ጸሎት ገበረ፥ ሠለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርኅን ከኣ ኣብ ምድሪ ዝናም ኣይዘነመን። 18. ከም ብሓድሽ ድማ ጸለየ፥ ሰማይ ከኣ ዝናም ሃበ፥ ምድሪውን ፍሪኣ ሃበት። 19. ኣቱም ኣኅዋተይ፥ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ሓቂ እንተ ረሓቐ፥ ሓደ ኸኣ እንተ መለሶ፥ 20. እቲ ንኃጥእ ካብ መገዲ ጌጋኡ ዝመለሶ፥ ካብ ዘለዓለማዊ ሞት ከም ዘድኃኖ፥ ብዙኅ ኃጢኣት እዉን ኬኅደግ ከም ዝገበረ ይፍለጥ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 6 : 7 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

7. ቃል ኣምላኽ ድማ ተዘርግሐ፤ ቊጽሪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣዝዩ እናበዝኀ ኸደ። ካብ ካህናትውን ብዙኃት ኣመኑ። 8. እስጢፋኖስ ድማ ጸጋን ኃይልን መሊእዎ፥ ኣብ ማእከል እቲ ሕዝቢ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር ነበረ። 9. ገሊኣቶም ናይታ ውፁኣት ሓራ እትብሃል ቤት ጸሎትን፥ ሰብ ቀሬኔዎንን፥ ሰብ እስክንድርያን፥ ሰብ ቂልቅያን እስያን ግና ንእስጢፋኖስ ተቓወምዎ፥ ይከራኸርዎ ኸኣ ነበሩ። 10. ነቲ ዚዛረበሉ ዝነበረ ጥበብን መንፈስን ግና ኪማጐትዎ ኣይተኻእሎምን። 11. ሽዑ “እዚ ሰብ እዚ ኣብ ልዕሊ ሕጊ ሙሴን ኣብ ልዕሊ ኣምላኽን ቃል ጸርፊ ኺዛረብ ከሎ ሰሚዕናዮ” ዚብሉ ሰባት ሓበሉ። 12. በዚ ኸኣ ንሕዝብን ንሽማግለታትን ንመምህራን ሕግን ኣነዓቡ፤ ንሳቶም ድማ መጺኦም ኃዝዎ፥ ናብ መጋባእያ ድማ ኣቕረብዎ። 13. “እዚ ሰብ እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ቕዱስ ስፍራን ኣብ ልዕሊ ሕጊ ሙሴን ቃል ጸርፊ ካብ ምዝራብ ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን” ዚብሉ ሓሰውቲ መሰኻኽር ኣተንሥኡሉ። 14. ንሳቶም “ኢየሱስ ናዝራዊ ‘ነዚ ቤት መቕደስ እዚ ኬፍርሶ እዩ፥ ነቲ ሙሴ ዝሃበና ሕጊውን ኪልውጦ እዩ’ ኪብል ከሎ ሰሚዕናዮ” ኢሎም መስከሩ። 15. እቶም ኣብቲ መጋባእያ ተቐሚጦም ዝነበሩ ሰባት ኵላቶም ጠመትዎ፥ ገጹ ኸኣ ከም ገጽ መልኣኽ ኮይኑ ተራእዮም።

 

ስንክሳር Synaxarium

ፍልሰተ ሥጋሁ ለእስጢፋኖስ
ወአባ ጴጥሮስ

 

መዝሙር Psalm

መዝ 128 : 1 - 2 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ፣ ብመገዱ ዚመላለስ ዘበለ ሰብ ብጹእ እዩ። ዕዮ ኣእዳውካ ኽትበልዕ ኢኻ እሞ፣ ብጹእ ኢኻ፣ ደሓንውን ክትረክብ ኢኻ።

 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 15 : 12 - 19 [English][ግእዝ][ልሙድ]

12. ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ንስኻትኩምውን ነሓድሕድኩም ክትፋቐሩ ትእዛዘይ እዚ እዩ። 13. ሰብ ካብቲ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ ንሕይወቱ በጃ ኣኅሊፉ ዚህቦ ዚዓቢ ፍቕሪ ይብሉን። 14. ንስኻትኩም እዚ ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ እንተ ፈጸምኩም ኣዕሩኸይ ኢኹም። 15. ደጊም ጊላዎት ኣይብለኩምን እየ፥ ጊልያስ ጐይትኡ ዚገብሮ ኣይፈልጥን እዩ፤ ኣነ ግና እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም ኣዕሩኸይ ኢኹም እብለኩም ኣሎኹ። 16. ኣነ እየ ዝኃሬኹኹም እምበር ንስኻትኩም ኣይኃሬኹምንን። ኬድኩም ፍረ ምእንቲ ኽትፈርዩ፥ ፍሬኹምውን ምእንቲ ነባሪ ኪኸውን ሸምኩኹም ። ስለዚውን እቲ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ኪህበኩም እዩ። 17. ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ እዚ እእዝዘኩም ኣሎኹ። 18. “ዓለም እንተ ጸልኣትኩም ቅድሜኹም ንኣይ ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ። 19. ንስኻትኩም ካብ ዓለም እንተ ትኾኑስ ዓለም ከም ናታ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ካብ ዓለም ኃሬኹኹም፥ ንስኻትኩም ናይ ዓለም ኣይኮንኩምን። ስለዚ ኸኣ እያ ዓለም እትጸልኣኩም ዘላ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘዮሐንስ ወልደ ነጐድጓድ (ሃቤከ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 105 : 44 - 45 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ትእዛዛቱ ኺገብሩ፣ ሕጉውን ኪሕልዉስ፣ ሃገር አህዛብ ሀቦም፣ ጻማ ኣህዛብውን ወረሱ።

 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 4 : 34 - 38 [English][ግእዝ][ልሙድ]

34. ኢየሱስ ድማ “ብልዐይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ምግባር፥ ዕዮኡውን ምፍጻም እዩ። 35. ንስኻትኩም ‘ቀውዒ ኽሳዕ ዚመጽእ ገና ኣርባዕተ ወርኂ ተሪፉ ኣሎዶ’ ኣይኮንኩምን እትብሉ፧ እንሆ እምበኣርከስ ኣዕይንትኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ ምድሪ ንዓጺድ ድሮ ከም ዝፃዕደወት ርኣዩ፥ እብለኩም ኣሎኹ። 36. እቲ ዚዘርእን እቲ ዚዓጽድን ብኃባር ምእንቲ ኺሕጐሱ እቲ ዚዓጽድ ዓስቡ ይቕበል፥ ንዘለዓለማዊ ሕይወት ዚኸውን ፍረ ኸኣ ይእክብ። 37. ከመይ ‘እቲ ሓደ ይዘርእ፥ እቲ ሓደ ኸኣ ይዓጽድ’ ዚብል ምስላ ሓቂ እዩ። 38. ኣነ ንኣኻትኩም ኣብ ዘይጸዓርኩምሉ ክትዓጽዱ ለኣኽኩኹም፣ ካልኦት ጸዓሩሉ፥ ንስኻትኩም ከኣ ኣብቲ ጻዕሮም ኣቶኹም” በሎም። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።

 

ዘመነ ሉቃስ Readings for Saturday

መስከረም 16, 2019 ብግእዝ Sep 26, 2026 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 78 : 68 - 69 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ነታ ዘፍቀራ ኸረን ጽዮን ግና ሐረያ። ንቤት መቕደሱ ኸም ኵርባታት፣ ከምታ ንዘለአለም ዝሰረታ ምድሪ ገይሩ፣ ሀነጻ።
 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 10 : 22 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

22. ሽዑ ኣብ ኢየሩሳሌም እቲ ዝተሓደሰ ቤት መቕደስ ዝተመረቐሉ በዓል በጽሐ፥ ጊዜኡ ኸኣ ኽረምቲ ነበረ። 23. ኢየሱስ ድማ ኣብ ቤት መቕደስ ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይመላለስ ነበረ። 24. ሽዑ ኣይሁድ ኣኽበብዎ እሞ “ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ሰንፈላል እትገብረና፧ ንስኻ ኽርስቶስ እንተ ደኣ ዄንካ ኣግሂድካ ንገረና” በልዎ። 25. ኢየሱስ ከኣ “ነጊረኩም ኣይኣመንኩምንን። ንኣይ ዚምስክረለይ እዚ ብስም ኣቦይ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት እዩ። 26. ንስኻትኩም ግና ከምቲ ዝበልኩኹም ካብተን ኣባጊዐይ ስለ ዘይኮንኩም ኣይትኣምኑን ኢኹም። 27. እተን ኣባጊዐይ ግና ድምፀይ ይሰምዓ እየን፥ ኣነ ኸኣ አለልየን፥ ንሳተንውን ይስዕባኒ እየን። 28. ኣነ ኸኣ ናይ ዘለዓለም ሕይወት እህበን፥ ንዘለዓለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፥ ካብ ኢደይውን ዚምንዝዐን ሓደ እኳ የልቦን። 29. እቲ ንኣኣተን ዝሃበኒ ኣቦይ ካብ ኵሉ ይዓቢ እዩ፥ ካብ ኢድ ኣቦይ ኪምንዝዐን ዚኽእል ከኣ ሓደ እኳ የልቦን። 30. ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና” እናበለ መለሰሎም። 31. ሽዑ ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኺቐትልዎ ከም ብሓድሽ እምኒ ኣልዓሉ። 32. ኢየሱስ ከኣ “ካብ ኣቦይ ብዙኅ ሠናይ ግብርታት ኣርአኹኹም፤ ካብኣተን በየነይተን ግብሪ ኢኹም ብዳርባ እምኒ ኽትቀትሉኒ ትደልዩ ዘሎኹም፧” እናበለ ተዛረቦም። 33. ኣይሁድ ከኣ “በቲ ምጽራፍካን ሰብ ከሎኻ ገዛእ ርእስኻ ኣምላኽ ብምግባርካን እምበር በቲ ጽቡቕ ግብርታትካ ኣይኮንናን ብዳርባ እምኒ እንቐትለካ” ኢሎም መለሱሉ። 34. ኢየሱስ ከኣ “ኣብ ሕግኹም ‘ኣነ፥ ኣማልኽቲ ኢኹም፥ በልኩ' ዚብል ጽሑፍዶ የልቦን እዩ፧ 35. እቲ ጽሑፍ ኪሰዓር ኣይከኣልን እዩ፥ ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝመጸሎም 'ኣማልኽቲ’ ካብ ዚብሎም፥ 36. ነቲ ኣቦ ዝቐደሶ ናብ ዓለምውን ዝለኣኾ ደኣ ‘ወዲ ኣምላኽ እየ' ስለ ዝበልኩኹም፥ ከመይ ኢልኩም ‘ትጻረፍ ኣሎኻ’ ትብሉኒ ኣሎኹም፧ 37. ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩ ኣይትእመኑኒ። 38. ዝገብሮ እንተ ደኣ ኾይነ ግና፥ ንኣይ እኳ እንተ ዘይኣመንኩም፥ ኣቦ ኣባይ ምህላዉ ኣነውን ኣብ ኣቦ ምህላወይ ምእንቲ ኣረጋጊጽኩም ክትፈልጡ ነቲ ግብረይ እመንዎ” እናበለ መለሰሎም። 39. መሊሶም ድማ ኺኅዝዎ ደለዩ፥ ንሱ ግና ኻብ ኣእዳዎም መለቘ። 40. ከም ብሓዱሽ ናብታ ዮሓንስ ቀደም ዜጥምቐላ ዝነበረ ስፍራ ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ከደ፤ ኣብኣውን ተቐመጠ። 41. ብዙኃት ድማ ናብኡ መጺኦም “ዮሓንስ ሓንቲ ተኣምራት እኳ ኣይገበረን፥ እቲ ዮሓንስ ብዛዕባ እዚ ሰብ እዚ ዝተዛረቦ ግና ሓቂ እዩ” በሉ። 42. ኣብኣውን ብዙኃት ብእኡ ኣመኑ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

1ይ ቆሮ 3 : 10 - 20 [English][ግእዝ][ልሙድ]

10. ኣነ ኸምቲ ዝተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ፥ ክኢላ ሓናጺ ኾይነ መሠረት ሠረትኩ፥ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሓንጽ ኣሎ፥ ነፍስ ወከፍ ከስ ከመይ ገይሩ ከም ዚሓንጽ ይጠንቀቕ። 11. ምኽንያቱ ብዘይካ እቲ ሥሩት መሠረት፥ ንሱ ኸኣ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ካልእ መሠረት ኪሥርት ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። 12. ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብ ልዕሊ እዛ መሠረት እዚኣ ወርቂ፥ ብሩር፥ ክቡር እምኒ፥ ዕንጨይቲ፥ ሣዕሪ ወይስ ሓሰር እንተ ሠርሐ፥ 13. ናይ ነፍስ ወከፍ ሰብ ሥራሕ ኪገሃድ እዩ፥ እታ መዓልቲ ብሓዊ ክትግለጽ ስለ ዝኾነት ክትቀልዖ እያ፥ ሥራሕ ነፍስ ወከፍ ከመይ ከም ዝኾነ ኸኣ እቲ ሓዊ ኺፍትኖ እዩ። 14. እቲ ኣብ መሠረት ሓኒጹ ዕዮኡ ዝጸንዓሉ ሰብ፥ ዓስቡ ኪቕበል እዩ። 15. ዕዮኡ ዝነደዶ ሰብ ግና ዓስቡ ኪስእን እዩ። ንገዛእ ርእሱ ኺድኀን እዩ፥ ግናኸ ከምቲ ብሓዊ ኃሊፉ ዚድኀን እዩ። 16. ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን፥ መንፈስ ኣምላኽ ኣባኹም ኃዲሩ ምህላውንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 17. ሓደ እኳ ነታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣፍረሰ፥ ኣምላኽ ኬፍርሶ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፥ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣውን ንስኻትኩም ኢኹም። 18. ሓደ እኳ ንገዛእ ርእሱ ኣይጠብር። ገለ ካባኻትኩም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥበበኛ ኸም ዝኾነ እንተ መሰሎ፥ ጥበበኛ ምእንቲ ኪኸውን ዓሻ ይኹን። 19. ከመይ “ነቶም ጥበበኛታት ብጒርሖም ይኅዞም” ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ፥ ጥበብ እዛ ዓለምእዚኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዕሽነት እዩ። 20. ከምኡውን “ሓሳብ እቶም ጥበበኛታት ከንቱ ኸም ዝኾነ እግዚአብሔር ይፈልጦ እዩ” ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

1ይ ጴጥ 2 : 1 - 10 [English][ግእዝ][ልሙድ]

1. እምበኣርሲ ንዅሉ ኽፍኣትን ዅሉ ጒርሕን ግብዝናን ቅንእን ዅሉ ሕሜትን ኣርሕቕዎ። 2. - 3. እግዚኣብሔር ሕያዋይ ምዃኑ ካብ ጠዓምኩም፥ ብእኡ ኣብ ድኅነትኩም ምእንቲ ኽትዓብዩ፥ ከምቶም ሕጂ ዝተወልዱ ሕፃናት ነቲ ጽሩይ መንፈሳዊ ጸባ በሃግዎ። 4. ናብቲ ብሰብ ተናዒቑ ዝተደርበየ፥ ብኣምላኽ ግና ኅሩይን ክቡርን ዝኾነ ሕያው እምኒ፥ ናብ ጐይታ ቕረቡ። 5. ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ካህናት ኴንኩም ነቲ ሳላ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝኾነ መንፈሳዊ መሥዋዕቲ ምእንቲ ኸተቕርቡ፥ ከም ሕያዋን ኣእማን ኴንኩም፥ ኣብ መንፈሳዊ ቤት ተሓነጹ። 6. ከመይ ቅዱስ መጽሓፍ “እንሆ ኣብ ጽዮን ኅሩይን ክቡርን እምኒ መኣዝን አንብር ኣሎኹ፥ እቲ ብእኡ ዚኣምን ኸኣ ኣይኪኃፍርን እዩ” ይብል እዩ። 7. እምበኣር ንኣኻትኩም ነዞም እትኣምኑ ኽቡር እዩ። ነቶም ዘይኣምኑ ግና “እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ”። 8. ከምኡውን “እምኒ መዓንቀፍን ኣንደልሂጹ ዜውድቕ ከውሒን እዩ።” ነቲ ቃል ብዘይምእዛዞም ወደቑ፥ ነዚ ኸኣ ምዱባት ነበሩ። 9. ንስኻትኩም ግና ዕቤት ናይቲ ካብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ ኅሩይ ወለዶ፥ ናይ ንጉሥ ካህናት፥ ቅዱስ ሕዝቢ፥ ጥሪት ኣምላኽ ዝኾነ ሕዝቢ ኢኹም። 10. ንስኻትኩም ቀደም ሕዝቢ ኣይነበርኩምን፥ ሕጂ ግና ሕዝቢ ኣምላኽ ኢኹም። ቕድም ምሕረት ኣይረኸብኩምን ነበርኩም፥ ሕጂ ግና ተማሒርኩም ኢኹም።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 15 : 13 - 21 [English][ግእዝ][ልሙድ]

13. ንሳቶም ስቕ ምስ በሉ ኸኣ ያዕቆብ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ - “ኣቱም ኣኅዋትና ስምዑኒ፡ - 14. ኣምላኽ ንስሙ ሕዝቢ ምእንቲ ኬቕውም፥ ቅድም ነሕዛብ ከመይ ገይሩ ከም ዝበጽሖም፥ ስምዖን ኣዘንትዩ ኣሎ። 15. “ከምቲ ጽሑፍ ዚብሎ፥ እዚ ነገር እዚ ምስቲ ቃል ነቢያት ዚሰማማዕ እዩ፡ - 16. ‘ብድኅርዚ ክምለስ እየ፥ ነታ ወዲቓ ዘላ ቤት ዳዊት ከም ብሓድሽ ክሠርሓ፥ ነቲ ዖናኣ መሊሰ ኽሓንጾ ክሕድሶውን እየ፤ 17. እዚ ኸኣ እቶም ዝተረፉ ሰባትን እቶም ስመይ ኣብኣቶም ዝተጸውዐ ዅሎም ኣሕዛብን ንጐይታ ምእንቲ ኺደልዩ ኢለ እየ፥’ 18. ይብል እቲ ነቶም ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ዝተፈልጡ ነገራት ዝፈጠረ እግዚኣብሔር። 19. “እምበኣርከስ ንኣይ ከም ዚርኣየኒ ነቶም ካብ ኣሕዛብ ናብ ኣምላኽ ዚምለሱ ዘለዉ ኣይነኽብደሎም። 20. እኳ ደኣ ‘ንጣዖታት ብምሥዋዑ ካብ ዝረኸሰ ምግቢ፥ ካብ ዝሙት፥ ካብ ሓሊቑ ዝጸንሐ እንስሳን ካብ ደምን ተሓለዉ’ ኢልና ንጽሓፈሎም። 21. ምኽንያቱ ነዚ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ንሕጊ ሙሴ ሰንበት ሰንበት ኣብ ቤት ጸሎቶም፥ ኣብ ኵሉ ዓዲ እናንበቡ ዚሰብክዎ ኣለዉ።”

 

ስንክሳር Synaxarium

ቅዳሴ ቤተ ክርስቲያን ዘመቃብረ እግዚእነ
ወእረፍቱ ለጦቢት ወልደ ገማልያል
ወአባ አጋቶን ዘተፍእመ ዕብነ

 

መዝሙር Psalm

መዝ 51 : 18 - 19 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ንጽዮን ብጸጋኻ ሰናይ ግበረላ፣ መካበብያታት የሩሳሌም ንደቕ። ሽዑ ብመስዋእቲ ጽድቂ፣ ብዚሐርር መስዋእቲ፣ ብምሉእ መስዋእቲ ባህ ኪብለካ እዩ፣ ሽዑ ኣብ መሰውኢኻ ኣራሑ ኬቕርቡልካ እዮም።

 

ወንጌል Gospel

ማቴ 5 : 9 - 16 [English][ግእዝ][ልሙድ]

9. ገበርቲ ሰላም፥ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሃሉ እዮም እሞ፥ ብፁዓን እዮም። 10. ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ፥ መንግሥተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፥ ብፁዓን እዮም። 11. “ምእንታይ እንተ ጸረፉኹምን፥ እንተ ሰጐጉኹምን፥ ኵሉ ኽፋእ ዘበለ ድማ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን፥ ብፁዓን ኢኹም። 12. ከምኡ ኸኣ ነቶም ቅድሜኹም ዝነበሩ ነቢያት ኣሳዲዶምዎም እዮም እሞ፥ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙኅ ስለ ዝኾነ፥ ተሓጐሱ ባህውን ይበልኩም። 13. “ንስኻትኩም ንምድሪ ጨው ኢኹም፥ ጨው መቐረቱ እንተ ጠፍአኸ፥ ብምንታይ ይምቅር፧ ንደገ ተደርብዩ፥ ብሰብ ኪርገጽ እንተ ዘይኮይኑስ ዚጠቕሞ የብሉን። 14. ንስኻትኩም ንዓለም ብርሃኑ ኢኹም፥ ኣብ እንባ ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን እዩ። 15. መብራህቲ፥ ኣብ ቤት ንዘሎ ዅሉ ምእንቲ ኬብርህ ኣብ በሪኽ መቐመጢኡ ተንብሮ እምበር ኣብ ትሕቲ ኸፈር ከተንብሮ ኣይተብርሆን ኢኻ። 16. ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፥ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፥ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘእግዚእነ(ነአኩተከ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 21 : 11 - 12 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ክፍኣት ሐሊኖምልካ እዮም እሞ፣ ዘየስልጥዎ እከይ መኸሩ። ዝባኖም ከተምልሶም ኢኻ እሞ፣ ቀስትኻ ናብ ግምባሮም ኣቢልካ ኸተዳሉ ኢኻ።
 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 11 : 46 - 53 [English][ግእዝ][ልሙድ]

46. ገሊኦም ግና ናብ ፈሪሳውያን ከይዶም ነቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ነገርዎም። 47. እቶም ሊቃነ ካህናትን ፈረሳውያንን ከኣ ጉባኤ ኣኪቦም “እዚ ሰብኣይ እዚ ብዙኅ ተኣምራት ይገብር ኣሎ እሞ እንታይ ንግበር፧ 48. ከምዚ ኢሉ ኪቕጽል እንተ ኃደግናዮ፥ ኵሉ ብእኡ ኺኣምን እዩ፤ ሮማውያን ድማ መጺኦም ምድርናን ሕዝብናን ኬኅድጉና እዮም” በሉ። 49. ሓደ ኻብኣቶም ቀያፍ ዝስሙ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ካህናት ዝነበረ፥ “ንስኻትኩም ሓንቲ እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም፤ 50. ኵሉ ሕዝቢ ካብ ዚጠፍእስ ሓደ ሰብኣይ በጃ ሕዝቢ እንተ ሞተ ከም ዝኅሸናዶ ከቶ ኣይትሓስቡን ኢኹም” በሎም። 51. እዚ ዝበለ ግና በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ካህናት ስለ ዝነበረ፥ ኢየሱስ በጃ ሕዝቢ ኪመውት ከም ዘለዎ ተነብዩ እዩ እምበር ካብ ገዛእ ርእሱ ኣይኮነን። 52. ነቶም ፉሕ ዝበሉ ደቂ ኣምላኽ ናብ ሓደ ኺእክቦም ከኣ እምበር በጃ ሕዝቢ ጥራይ ኪመውት ኣይኮነን። 53. ስለዚ ኻብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም ኪቐትልዎ ተማኸሩ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።

 

ዘመነ ሉቃስ Readings for Sunday

መስከረም 17, 2019 ብግእዝ Sep 27, 2026 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 60 : 5 - 6 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ስለ ሓቂ ምእንቲ ኺለዐል፣ ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሀብካዮም። ፈተውትኻ ምእንቲ ኺናገፉ።
 

ወንጌል Gospel

ማቴ 16 : 21 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

21. ካብ ሽዑ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ኢየሩሳሌም ኪኸይድ፥ ብዓበይትን ብሊቃነ ካህናትን ብመምህራን ሕግን ብዙኃ መከራ ኪቕበል፥ ኪቕተል፥ ብሣልሰይቲ መዓልቲውን ኪትንሥእ ከም ዘለዎ ኺገልጸሎም ጀመረ። 22. ጴጥሮስ ከኣ ኣግልል ኣቢሉ መለሰሉ፥ “ጐይታይ! የድኅንካ እባ ደኣ፥ እዚ ነገር እዝስ ከቶ እባኻ ኣይውረድ” እናበለውን ኪገንሖ ጀመረ። 23. ኢየሱስ ግና ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ “ካባይ ርሓቕ፥ ሰይጣን፥ ንስኻ ናይ ሰብ እምበር ናይ ኣምላኽ ኣይትሓስብን ኢኻ እሞ ንኣይ መዓንቀፊ ኢኻ” በሎ። 24. ሽዑ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ኪስዕበኒ ዚደሊ ሕይወቱ ይመንን፥ መስቀሉ ኣልዒሉ ድማ ይስዓበኒ። 25. ከመይ እቲ ንሕይወቱ ኬድኅና ዚደሊ ኬጥፋኣ እዩ፥ እቲ ንሕይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ። 26. ንሰብከ ዅሉ ዓለም ረቢሑስ ነፍሱ እንተ ኣጥፍአ እንታይ ይጠቕሞ፧ ሰብከ በጃ ነፍሱ እንታይ ዘይምሃበ፧ 27. ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ ምስ መላእኽቱ ኺመጽእ እዩ እሞ ንነፍስ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ። 28. ንወዲ ሰብ ብመንግሥቱ ኺመጽእ ከሎ ኽሳዕ ዚርእይዎ፥ ካብዞም ኣብዚኣ ቖይሞም ዘለዉ ዘይሞቱ ኸም ዘለዉ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ” በሎም። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

1ይ ቆሮ 1 : 17 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

17. ከመይ ክርስቶስ ወንጌል ክሰብኽ እምበር ከጥምቕ ኣይለኣኸንን። እንተኾነ እቲ ናይ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ሙማት ከንቱ ምእንቲ ኸይከውን፥ እቲ ብሥራት ኣብ ክእለት ዘረባ ዝተመሥረተ ኣይነበረን። 18. ከመይ ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፥ ንኣና ነቶም እንድኅን ግና ኃይሊ ኣምላኽ እዩ። 19. ምኽንያቱ እቲ ጽሑፍ “ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ እየ፥ ፍልጠት ፈላጣት ከኣ ኸፍርስ እየ” እዩ ዚብል። 20. ጥበበኛ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ መምህር ሕጊኸ ኣበይ ኣሎ፧ ፍላስፋ እዛ ዓለም እዚኣኸ ኣበይ ኣሎ፧ ኣምላኽዶ ንጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ፧ 21. ሰባት ንኣምላኽ ብጥበቦም ከይፈልጥዎ እግዚኣብሔር ብጥበቡ ኸልከሎም። ነቶም ዚኣምኑ ግና፥ በቲ ኸም ዕሽነት ዚቚጸር ንሕና እንሰብኮ ወንጌል፥ ኬድኅኖም ደለየ። 22. ከመይ ኣይሁድ ምልክት ይልምኑ፥ ግሪኻውያን ድማ ጥበብ ይደልዩ፥ 23. ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድ ዕንቅፋት፥ ንኣሕዛብ ከኣ ዕሽነት ዝኾነ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣሎና። 24. ነቶም ጽውዓት፥ ኣይሁድ ኮኑ ግሪኻውያን፥ ክርስቶስ ኃይሊ ኣምላኽ እዩ፥ ጥበብ ኣምላኽ ውን እዩ። 25. ከመይ ዕሽነት ኣምላኽ ካብ ጥበብ ሰብ ይበልጽ፥ ድኻም ኣምላኽ ከኣ ካብ ኃይሊ ሰብ ይብርትዕ። 26. ኣኅዋትየ፥ ኣብቲ መጸዋዕታኹም እሞ ተመልከቱ፥ ብዙኃት ካባኻትኩም፥ በተሓሳስባ ሰብ፥ ለባማት ወይ ኃያላት ወይ ጭዋታት ኣይነበርኩምን። 27. ኣምላኽ ግና ነቶም ጠቢባን ምእንቲ ኼኅፍር ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚኣ ኃረየ፥ ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ኼኅፍር ከኣ ንድኻም እዛ ዓለም እዚኣ ኃረየ። 28. ነቲ ዘሎ ኸንቱ ምእንቲ ኺገብር ከኣ ነቲ ብዓለም ሕሱርን ንዑቕን ዘየሎን ኃረየ። 29. እዚ ኸኣ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይምካሕ ኢሉ እዩ። 30. ንስኻትኩም ግና ኻብኡ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ኢኹም ዘሎኹም፥ ንሱ እቲ ኻብ እግዚኣብሔር ዝተዋህበና ጥበብ እዩ። በዚ ጥበብ እዚ ድማ ጽድቅን ቅድስናን ድኅነትን ኮነልና። 31. እዚ ኸኣ “እቲ ዚምካሕ ብእግዚኣብሔር ደኣ ይመካሕ” ዚብል ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም ኮነ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

1ይ ጴጥ 2 : 20 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

20. በደል እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዓገሥኩምከ እንታይ ሓበን ኣለዎ፧ ሠናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዓገሥኩም ግና እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ። 21. ንስኻትኩምውን ነዚ ኢኹም ዝተጸዋዕኩም፥ ክርስቶስ ድማ ኣሰር ኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ ምእንታኹም መከራ ተቐበለ፥ ኣርኣያውን ኃደገልኩም። 22. “ንሱ ኃጢኣት ኣይገበረን፥ ሓሶትውን ኣብ ኣፉ ኣይተረኽበን።” 23. ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ኣይጸረፈን፥ መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ኣምላኽ ደኣ ነገሩ ኣኅሊፋ ሃበ እምበር ኣየፈራርሀን። 24. ካብ ኃጢኣት ርሒቕና ብጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር ንሱ ባዕሉ ንኃጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሸንከረ ስብነቱ ፆሮ። ብቚስሉ ኢኹም ዝሓዌኹም። 25. ከመይ ከም ኣባጊዕ ተባሪርኩም ጠፊእኩም ነበርኩም፥ ሕጂ ግና ናብቲ ጓሳኹምን ሓላዊ ነፍሳትኩምን ተመሊስኩም ኣሎኹም።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 5 : 26 - 33 [English][ግእዝ][ልሙድ]

26. ሽዑ እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤት መቕደስ ምስቶም ገላዉ ኸይዱ ኣምጽኦም። እቲ ሕዝቢ ብዳርባ እምኒ ኸይቀትሎም ስለ ዝፈርሁ ግና ኣየጋፍዕዎምን። 27. ምስ ኣምጽእዎም፥ ኣብቲ መጋባእያ ደው ኣበልዎም እቲ ሊቀ ካህናት ከኣ፥ 28. “ብስም እዚ ሰብ እዚ ከይትምህሩዶ ኣጽኒዕና ኣይከልከልናኩምን፧ እንሆ ኸኣ ንኢየሩሳሌም ብትምህርትኹም መላእኩምዋ። ነዚ ሰብኣይ እዚ ንሕና ከም ዝቐተልናዮ ጌርኩም ከተርእዩ ዲኹም ትደልዩ ዘሎኹም፧” ኢሉ ሓተቶም። 29. ጴጥሮስን ሓዋርያትን ግና ከምዚ ኢሎም መለሱሎም፡ - “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ። 30. ነቲ ንስኻትኩም ኣብ ዕንጨይቲ ሰቒልኩም ዝቐተልኩምዎ ኢየሱስ፥ ኣምላኽ ኣቦታትና ኣተንሥኦ። 31. ንእስራኤል ንስሓን ኅድገት ኃጢኣትን ምእንቲ ኺህቦምሲ ኣምላኽ ንእኡ መራሕን መድኃንን ገይሩ ናብ የማኑ ልዕል ኣበሎ። 32. ንሕና ናይዚ ነገር እዚ ምስክር ኢና፥ እቲ ኣምላኽ ነቶም ዚእዘዝዎ ዝሃቦም መንፈስ ቅዱስውን ምስክር እዩ።” 33. ንሳቶም ነዚ ምስ ሰምዑ ሓረቑ፥ ንሓዋርያትውን ኪቐትልዎም ደለዩ።

 

ስንክሳር Synaxarium

በዓለ መስቀል
ወታኦግንስጣ ሮማዊት

 

መዝሙር Psalm

መዝ 132 : 6 - 7 [English][ግእዝ][ልሙድ]

እንሆ፣ ብዛዕባኣ ኣብ ኤፍራታ ሰማዕና፣ ኣብ መሮር ያዓር ረኸብናያ። ናብ ማሕደሩ ንእቶ፣ ኣብ መርገጽ እግሩ ንስገድ።

 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 19 : 25 - 37 [English][ግእዝ][ልሙድ]

25. ኣብ ጥቓ መስቀል ኢየሱስ ከኣ ኣዲኡን ኃብቲ እኖኡን፥ ማርያም ሰበይቲ ቀለዮጳን ማርያም መግደላዊትን፥ ደው ኢለን ነበራ። 26. ኢየሱስ ነዲኡ፥ ነቲ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙርውን ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሉ ምስ ረኣየ ነዲኡ፥ “ኣቲ ሰበይቲ! እንሆ ወድኺ” በላ። 27. ነቲ ወደ መዝሙር ከኣ “እንሃ ኣዴኻ” በሎ። እቲ ወደ መዝሙርውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ። 28. ድኅርዚ ኢየሱስ ኵሉ ኸም ዝተፈጸመ ፈሊጡ፥ እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኪፍጸም “ጸማእኩ” በለ። 29. ኣብኡ መጺጽ ዝመልኦ ኣቕሓ ነበረ። ሽዑ መጺጽ ዝመልኦ ሰፍነግ ኣብ ዘንጊ ስምዕዛ ገይሮም ናብ ኣፉ ኣቕረቡሉ። 30. ኢየሱስ ከኣ ነቲ መጺጽ ምስ ጠዓመ፥ “ተፈጸመ” በለ። ርእሱ ኣድነነ ነፍሱውን ወፀት። 31. ስለዚ ፥ ድሮ ሰንበት ስለ ዝነበረ፥ እታ ሰንበት እቲኣ ድማ ኽብርቲ በዓል ዓመት ስለ ዝነበረት፥ እቲ ሬሳታት ኣብ መስቀል ምእንቲ ኸይኃድር መሓዅልቶም ሰሰቢሮም ኬውርድዎ መራሕቲ ኣይሁድ ንጲላጦስ ለመንዎ። 32. ሽዑ እቶም ወተሃደራት መጺኦም መሓዅልቲ እቲ ቐዳማይን ናይቲ ምስኡ ዝተሰቕለ ኻልኣይን ሰበሩ። 33. ናብ ኢየሱስ ምስ መጹ ግና ድሮ ከም ዝሞተ ርእዮም መሓዅልቱ ኣይሰበርዎን። 34. ሓደ ኻብቶም ወተሃደራት ግና ጐድኑ ብዅናት ወግኦ፥ ብኡብኡ ኸኣ ደምን ማይን ወፀ። 35. እቲ ነዚ ዝረኣየ መስከረ፥ እቲ ምስክሩ ኸኣ ሓቂ እዩ፤ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትኣምኑ ድማ ንሱ ሓቂ ኸም ዝመስከረ ይፈልጥ እዩ። 36. እዚ ዝኾነ ኸኣ እቲ “ካብኡ ሓደ ዓጽሚ እኳ ኣይኪሰብሩን እዮም” ዚብል ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ። 37. ካልእ ጽሑፍውን “እቶም ዝወግእዎ ኪርእይዎ እዮም” ዚብል ኣሎ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘዮሐንስ አፈወርቅ(ናሁ ንዜኑ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 56 : 6 - 7 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ኵሉ መዓልቲ ንቓላተይ ይካራኸርዎ፣ ብዘሎ ሓሳባቶም ንጕድኣተይ እዩ። ተአኪቦም የድብዩለይ፣ ነፍሰይ ይደልዩ እዮም እሞ፣ ስጉምተይ ይስልዩ ኣለዉ።

 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 7 : 1 - 11 [English][ግእዝ][ልሙድ]

1. ድኅርዚ ኢየሱስ፥ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ዚነብሩ ኣይሁድ ኪቐትሉዎ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ፥ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ኪዘውር ኣይፈተወን ፤ እንተኾነ ኣብ ገሊላ ይዘውር ነበረ። 2. እቲ ናይ ኣይሁድ በዓል ዳስ ከኣ ቐሪቡ ነበረ። 3. ኣኅዋቱ ድማ “ደቀ መዛሙርትኻ ነዚ እትገብሮ ምእንቲ ኺርእዩስ ካብዚ ወፂእካ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ። 4. ምኽንያቱ ኪግለጽ እናደለየ ብኅቡእ ዚገብር የልቦን፥ ነዚ እትገብር እንተ ዄንካ ርእስኻ ንዓለም ግለጽ” በልዎ። 5. ኣኅዋቱ ከምዚ ዘበሎም ድማ ብእኡ ዘይኣምኑ ስለ ዝነበሩ እዮም። 6. ኢየሱስ ከኣ “ጊዜይ ገና ኣይበጽሐን፥ ጊዜኹም ግና ኵሉ ሳዕ ድልዊ እዩ። 7. ዓለም ንኣኻትኩም ክትጸልእ ኣይከኣላን እዩ፤ ንኣይ ግና ግብራ ኽፉእ ከም ዝኾነ እምስክር እየ እሞ ትጸልኣኒ እያ። 8. ናብቲ በዓልሲ ንስኻትኩም ደኣ ደይቡ፤ ኣነ ግና ጊዜይ ገና ስለ ዘይበጽሐ ናብዚ በዓል እዚ ኣይድይብን እየ” በሎም። 9. ነዚ ኢሉ ኣብ ገሊላ ተረፈ። 10. እቶም ኣኅዋቱ ናብቲ በዓል ምስ ደየቡ፥ ንሱ ኸኣ ብግሁድ ዘይኮነስ ብኅቡእ ደየበ። 11. ኣይሁድ ግና በቲ በዓል “ኣበይ ኣሎ” እናበሉ ይደልይዎ ነበሩ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።

 


ካብ መስከረም 17 ክሳብ 25 መስከረም ፡ መስቀል ይበሃል።
1ይ ናይ መስቀል መዝሙር፤ ዝንቱ ውእቱ መስቀል


Show/Hide መዝሙር ( Hymn )

መዝሙር

- በ፫(3)፤ ዝንቱ ውእቱ መስቀል በአማን ዕፁበ ያቀልል። በፅንዐ ኃይል ወበሠናይ ምግባር፤ በዕፀ መስቀሉ ኃጢአተ ይሠሪ። ዝ፤ ጸርሑ ጻድቃን እምደብር ልዑል፤ ወኃጥአነ ምድር በማእከለ ደይን። ዝ፤ ለእምነ ጽዮን ቆመ ማዕበል፤ በዕለተ ሰንበት ገሠፃ ለባሕር። ዝ፤ በዕለተ ሰንበት ገሠፃ ለባሕር፤ ደቂቀ እስራኤል ዓደዉ በእግር። ዝ፤ ደቂቀ እስራኤል ዓደዉ በእግር፤ ንሕነ ነአምን ረድኤተ ወኃይለ። ዝ፤ ንሕነ ነአምን ረድኤተ ወኃይለ፤ ፅንዕነ ቤዛነ በማእከለ ፀር። ዝ፤ ኃይልነ ወጸወንነ ወሞገስነ። ዝንቱ ውእቱ መስቀል።

ሰላም

በመስቀሉ ወበቃሉ ገብረ ለነ ሰላመ፤ ክርስቶስ መድኃኒነ፤ ሠርዐ ሰንበተ ለዕረፍት እንዘ ዝርዋን አስተጋብአነ፤ በመስቀሉ ኮነ ሕይወትነ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

1ቆሮ 1 : 17 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

17. ከመይ ክርስቶስ ወንጌል ክሰብኽ እምበር ከጥምቕ ኣይለኣኸንን። እንተኾነ እቲ ናይ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ሙማት ከንቱ ምእንቲ ኸይከውን፥ እቲ ብሥራት ኣብ ክእለት ዘረባ ዝተመሥረተ ኣይነበረን። 18. ከመይ ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፥ ንኣና ነቶም እንድኅን ግና ኃይሊ ኣምላኽ እዩ። 19. ምኽንያቱ እቲ ጽሑፍ “ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ እየ፥ ፍልጠት ፈላጣት ከኣ ኸፍርስ እየ” እዩ ዚብል። 20. ጥበበኛ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ መምህር ሕጊኸ ኣበይ ኣሎ፧ ፍላስፋ እዛ ዓለም እዚኣኸ ኣበይ ኣሎ፧ ኣምላኽዶ ንጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ፧ 21. ሰባት ንኣምላኽ ብጥበቦም ከይፈልጥዎ እግዚኣብሔር ብጥበቡ ኸልከሎም። ነቶም ዚኣምኑ ግና፥ በቲ ኸም ዕሽነት ዚቚጸር ንሕና እንሰብኮ ወንጌል፥ ኬድኅኖም ደለየ። 22. ከመይ ኣይሁድ ምልክት ይልምኑ፥ ግሪኻውያን ድማ ጥበብ ይደልዩ፥ 23. ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድ ዕንቅፋት፥ ንኣሕዛብ ከኣ ዕሽነት ዝኾነ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣሎና። 24. ነቶም ጽውዓት፥ ኣይሁድ ኮኑ ግሪኻውያን፥ ክርስቶስ ኃይሊ ኣምላኽ እዩ፥ ጥበብ ኣምላኽ ውን እዩ። 25. ከመይ ዕሽነት ኣምላኽ ካብ ጥበብ ሰብ ይበልጽ፥ ድኻም ኣምላኽ ከኣ ካብ ኃይሊ ሰብ ይብርትዕ። 26. ኣኅዋትየ፥ ኣብቲ መጸዋዕታኹም እሞ ተመልከቱ፥ ብዙኃት ካባኻትኩም፥ በተሓሳስባ ሰብ፥ ለባማት ወይ ኃያላት ወይ ጭዋታት ኣይነበርኩምን። 27. ኣምላኽ ግና ነቶም ጠቢባን ምእንቲ ኼኅፍር ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚኣ ኃረየ፥ ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ኼኅፍር ከኣ ንድኻም እዛ ዓለም እዚኣ ኃረየ። 28. ነቲ ዘሎ ኸንቱ ምእንቲ ኺገብር ከኣ ነቲ ብዓለም ሕሱርን ንዑቕን ዘየሎን ኃረየ። 29. እዚ ኸኣ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይምካሕ ኢሉ እዩ። 30. ንስኻትኩም ግና ኻብኡ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ኢኹም ዘሎኹም፥ ንሱ እቲ ኻብ እግዚኣብሔር ዝተዋህበና ጥበብ እዩ። በዚ ጥበብ እዚ ድማ ጽድቅን ቅድስናን ድኅነትን ኮነልና። 31. እዚ ኸኣ “እቲ ዚምካሕ ብእግዚኣብሔር ደኣ ይመካሕ” ዚብል ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም ኮነ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

1ጴጥ 4 : 1 - 11 [English][ግእዝ][ልሙድ]

1. እምበኣር ክርስቶስ ብሥጋኡ ተሳቕዩ እዩ። ሓደ ሰብ ብሥጋኡ ምስ ተሳቐየ ኃጢኣት ኣይገብርን እዩ እሞ ንስኻትኩምውን በዚ ሓሳብዚ ተዓጠቑ። 2. ሽዑ በቲ ኣብ ምድሪ ኽትነብሩሉ ዝተዋህበኩም ተሪፉ ዘሎ ሕይወትኩም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር ትምኒት ሥጋኹም ኣይክትገብሩን ኢኹም። 3. ደጊም እቲ ብዕብዳን፥ ብፍትወት ሥጋ፥ ብስኽራን፥ ብጓይላ፥ ዓቐን ብዘይብሉ መስተ፥ ብዜጸይፍ ኣምልኾ ጣፆት ክትነብሩ ከሎኹም ከምቲ ኣሕዛብ ዚደልይዎ እናገበርኩም ዘኅለፍኩምዎ ዘመን ይኣክል። 4. ናብቲ ዕያግ ርኽሰት ምስኣቶም ስለ ዘይጐየኹም ይግረሙ፥ ንኣኻትኩም ኸኣ ይጸርፋኹም ኣለዉ። 5. ንሳቶም ነቲ ንሕያዋንን ንምዉታትን ኪፈርድ ተዳልዩ ዘሎ፥ ጸብጻብ ኪህብዎ እዮም። 6. እቶም ሕጂ ሞይቶም ዘለዉ፥ ሽሕ እኳ ከም ሰብ ብሥጋ እንተ ተፈርዱ፥ ብመንፈስ ከም ኣምላኽ ኮይኖም ብሕይወት ምእንቲ ኺነብሩ ወንጌል ተሰብከሎም። 7. ናይ ዅሉ ነገር መወዳእታ ቐሪቡ እዩ፥ ስለዚ ጸሊኹም ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ገዛእ ርእሶም ዝገትኡን ጥንቁቓትን ኩኑ። 8. ፍቕሪ ብዙኅ ኃጢኣት ትኸድን እያ እሞ ቕድሚ ዅሉ ንሓድሕድኩም ብምሉእ ልቢ ተፋቐሩ። 9. ብዘይ ምዕዝምዛም ተቐበልቲ ጋሻ ኹኑ። 10. ናይቲ ብዙኅ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ እሙናት ኣገልገልቲ ብምዃን፥ ነፍስ ወከፍኩም ከምቲ ዝተቐበልኩምዎ ውህበት ጸጋ ጌርኩም ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ። 11. እቲ ዝሰብኽ ቃል ኣምላኽ ይስበኽ፥ እቲ ዜገልግል በቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ኃይሊ የገልግል፥ እዚ ኸኣ ኣምላኽ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብዅሉ ነገር ምእንቲ ኪምስገን እዩ። ክብርን ሥልጣንን ንዘለዓለም ዓለም ንእኡ ይኹኖ። ኣሜን።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ 2 : 22 - 32 [English][ግእዝ][ልሙድ]

22. “ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ነዚ ቓል እዚ ስምዑ፤ ከምቲ ባዕልኻትኩም እትፈልጥዎ፥ ኢየሱስ ናዝራዊ፥ በቲ ኣምላኽ ብእኡ ኣብ ማእከልኩም ዝገበሮ ኃይልን ተኣምራትን ትእምርትን፥ ኣምላኽ ዝመስከረሉ ሰብኣይ ነበረ። 23. ነዚ፥ ከምቲ ምዱብ ምኽሪ ኣምላኽን ዘለዓለማዊ ፍልጠቱን ዝተወፈየ ኢየሱስ፥ ብኢድ እቶም ሕጊ ዘይብሎም ሰቐልኩምዎን ቀተልኩምዎን። 24. ሞት ኂዙ ኼጽንዖ ስለ ዘይከኣለ ኸኣ ኣምላኽ ካብ ማእሰር ሞት ፈቲሑ ኣተንሥኦ። 25. ዳዊትውን ብዛዕባኡ ኸምዚ ይብል፡- ‘ንእግዚኣብሔር ኵሉ ሳዕ ኣብ ቅድመይ እርእዮ፥ ንሱ ብየማነይ ስለ ዘሎ ኸኣ ኣይክናወጽን እየ። 26. ልበይ ተሓጐሰ፥ ልሳነይ ከኣ እልል በለት፥ ሥጋይ ብተስፋ ኽትነብር እያ። 27. ምኽንያቱ ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትኃድጋን ኢኻ፥ ንቕዱስካ ድማ ኣብ መቓብር ኪብስብስ ኣይትገድፎን ኢኻ። 28. ንስኻ መገዲ ሕይወት ኣፍለጥካኒ፥ ምሳይ ብምህላውካ ድማ ሓጐስ ከተጽግበኒ ኢኻ።’ 29. “ኣቱም ኣኅዋትና፥ እቲ ርእሲ ኣቦታት ዝኾነ ዳዊት ከም ዝሞተን ከም ዝተቐብረን፥ መቓብሩ ኸኣ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ማእከልና ኸም ዘሎ ኣረጋጊጸ እነግረኩም ኣሎኹ። 30. እምበኣርከስ ንሱ ነቢይ ስለ ዝኾነ፥ ኣምላኽ ሓደ ኻብ ፍረ ኸርሡ ኣብ ዝፋኑ ኬቐምጥ ብማሕላ ከም ዝመሓለሉ ይፈልጥ ነበረ። 31. ነፍሱ ኣብ ሲኦል ከም ዘይትተርፍ ሥጋኡ ኸኣ ምብስባስ ከም ዘይርኢ ኣቐዲሙ ፈሊጡ ኸኣ ብዛዕባ ትንሣኤ ክርስቶስ ተዛረበ። 32. ኣምላኽ ነዚ ኢየሱስ እዚ ኣተንሢእዎ እዩ፤ ንሕና ኵላትና ኸኣ ናይዚ ነገር እዚ መሰኻኽር ኢና።

 

መዝሙር Psalm

መዝ 60 : 3 - 5 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ፈተውትኻ ምእንቲ ኺናገፉ ከምእዉን ካብ ቅድሚ ፍላጻ ንኽድሕኑ፤ ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሀብካዮም።

ወንጌል Gospel

ማር 8 : 27 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

27. ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ዓድታት ቂሣርያ ናይ ፊሊጶስ ከደ፥ ኣብ መገዲ ድማ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ “ሰብ፥ መን እዩ፥ ይብሉኒ፧” ኢሉ ሓተቶም። 28. ንሳቶም ድማ “ገሊኦም 'ዮሓንስ መጥመቕ'፥ ካልኦት ድማ 'ኤልያስ’ ካልኦትውን 'ሓደ ኻብ ነብያት እዩ’፥ ይብሉኻ” በልዎ። 29. ንሱ ድማ “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ፧” በሎም። ጴጥሮስ ከኣ “ንስኻ ክርስቶስ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። 30. ሹዑ ብዛዕብኡ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ብጽኑዕ ኣዘዞም። 31. ወዲ ሰብ ብዙኅ ኪሳቐ፥ ብሽማግለታት ሕዝብን ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ኪነዓቕን ኪቕተልን ኣብ ሣልሳይ መዓልቲውን ኪትንሥእ ከም ዘለዎ ኺምህሮም ጀመረ። 32. ነዚ ነገር ድማ ኣግሂዱ ተዛረቦ። ሽዑ ጴጥሮስ ኣግልል ኣቢሉ ኺመኽሮ ጀመረ። 33. ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልጽ ኢሉ እናጠመተ፥ ንጴጥሮስ፥ “ኣንታ ሰይጣን! ናይ ሰብ እምበር ናይ ኣምላኽ ኣይትሓስብን ኢኻ እሞ ኺድ፥ ካባይ ርሓቕ” ኢሉ ገሠጾ። 34. ነቶም ሕዝቢ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ “እቲ ደድኅረይ ኪስዕብ ዚደሊ ገዛእ ርእሱ ይመንን፥ መስቀሉ ኣልዒሉ ኸኣ ይስዓበኒ። 35. እቲ ንሕይወቱ ኼድኅና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንሕይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዜጥፍኣ ግና ኼድኅና እዩ። 36. ንሰብ ኵሉ ዓለም ረቢሑ ነፍሱ እንተ ኣጥፍአ እንታይ ይጠቕሞ፧ 37. ሰብከ በጃ ነፍሱ እንታይ ዘይምሃበ፧ 38. ስለዚ እቲ ኣብዚ ዘማውን ኃጥእን ዝኾነ ወለዶ እዚ ብኣይን ብቓለይን ዝኃፈረ፥ ወዲ ሰብ ድማ ብግርማ ኣቡኡ ምስ ቕዱሳን መላእኽቱ ምስ መጸ፥ ብእኡ ኺኃፍር እዩ” በሎም። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘእግዚእነ (ነአኩተከ)