God is great! God is great!

Daily readings / መዓልታዊ ንባባት

ዘመነ ማርቆስ Readings for Monday

ታሕሳስ 20, 2018 ብግእዝ Dec 29, 2025 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 104 : 1 - 2 / መዝ ፻፫ : ፩ - ፪ [English][ትግርኛ]

ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ንስኻ ኣዚኻ ዓብዪ ኢኻ፣ ግርማን ክብርን ለበስካ። ንብርሃን ከም ልብሲ ለበስካዮ፣ ንሰማያት ከም መጋረጃ ዘርጋሕካዮ፣

እግዚኦ አምላኪየ ጥቀ ዐበይከ ፈድፋደ፤
አሚን ወዕበየ ስብሐት ለበስከ፤
ወለበስከ ብርሃነ ከመ ልብስ።


 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 1 : 6 - 13 [English][ግእዝ]

6. ብኣምላኽ ዝተላእከ ሓደ ዮሓንስ ዝስሙ ሰብ ነበረ። 7. ንሱ ምስክር ኮይኑ፥ ኵሎም ብእኡ ምእንቲ ኺኣምኑ፥ ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር መጸ። 8. ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኺምስክር መጸ እምበር፥ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን። 9. እቲ ንዅሉ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም መጸ። 10. ኣብ ዓለምውን ነበረ፥ ዓለም ከኣ ብእኡ ተፈጥረት፥ ዓለም ግና ኣይፈለጠቶን። 11. ናብቶም ናቱ መጸ፥ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን። 12. ነቶም ዝተቐበልዎ ዘበሉ ብስሙ ንዚኣምኑ ዅሎም ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪኾኑ፥ ሥልጣን ሃቦም። 13. ንሳቶም ከኣ ኻብ ኣምላኽ እምበር ካብ ደም፥ ወይ ካብ ፍትወት ስጋ፥ ወይ ካብ ድላይ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

[English][ግእዝ]

1. እምበኣርከስ ኣምላኽ ብምሕረቱ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ስለ ዝሃበና ተስፋ ኣይንቘርጽን ኢና። 2. እኳ ደኣ፥ ነቲ ሓቂ ኣብ ሕሊና ነፍስ ወከፍ ሰብ ብግህዶ እናተዛረብና፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንርእስና ነማዕቍብ ኣሎና እምበር ብተንኰል ኣይተመላለስናን፥ ንቓል ኣምላኽ ኣየጋጌናን፥ ነቲ ብኅቡእ ዚግበር ነውራም ነገርውን ካባና ኣርሒቕናዮ ኢና። 3. እቲ እንሰብኮ ወንጌል ሥዉር እንተ ደኣ ኾይኑ ኣብቶም ዚጠፍኡ ጥራይ እዩ ዝተሠወረ። 4. እቲ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ዝኾነ ሰይጣን፥ ብርሃን ወንጌል ምእንቲ ኸይርእዩ ንልቢ እቶም ዘይኣምኑ ደፈኖ። እዚ ብርሃንዚ ኸኣ ኽብሪ ናይቲ ኣርኣያ ኣምላኽ ዝኾነ ክርስቶስ እዩ። 5. ከመይ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ከም ዝኾነ፥ ንሕና ኸኣ ብምኽንያት ክርስቶስ ገላዉኹም ከም ዝኾንና እምበር፥ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ኣይኮንናን እንሰብኽ። 6. ምኽንያቱ እቲ “ኣብ ጸልማት ብርሃን ይብራህ” ዝበለ ኣምላኽ፥ ነቲ ኣብ ገጽ ክርስቶስ ክብሪ ኣምላኽ ዜንጸባርቕ ብርሃን ፍልጠት ምእንቲ ኪህበና፥ ኣብ ልብና ከም ዚበርህ ገበሮ። 7. ግናኸ እቲ ዓቢይ ኃይሊ፥ ናይ ኣምላኽ እምበር ናትና ከም ዘይኮነ ምእንቲ ኪገሃድ፥ እዚ ሃብቲ እዚ ኣባና፥ ከም ኣብ ኣቕሓ መሬት ዝተቐመጠ እዩ። 8. ብዅሉ ወገን ንግፋዕ፥ ግና ኣይንሰዓርን ኢና፥ እንገብሮ ይጠፍኣና፥ ግና ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና። 9. የሳድዱና፥ ግና ኣይተረሳዕናን፤ ይወቕዑና፥ ግና ኣይንመውትን ኢና። 10. ሕይወት ኢየሱስ ኣብ ሰብነትና ምእንቲ ኽትገሃድውን ሞት ኢየሱስ ኣብ ሰብነትና ዅሉ ሳዕ ንፀውር ኣሎና። 11. ከመይ፥ ሕይወት ኢየሱስ ኣብ መዋቲ ሰብነትና ምእንቲ ክትገሃድሲ ንሕና ብሕይወት እንነብር ዘሎና ምእንቲ ኢየሱስ፥ ኵሉ ሳዕ ናብ ሞት ኣኅሊፎም ይህቡና ኣለዉ። 12. ስለዚ ንሕና ንመውት ኣሎና፥ ንስኻትኩም ግና ብሕይወት ትነብሩ ኣሎኹም።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

2ይ ጴጥ 1 : 19 - ፍም [English][ግእዝ]

19. ነዚ ብዝበለጸ ዜረጋግጽልና ቃል ነብያትውን ኣሎና። ምድሪ ኽሳዕ ዚውግሕ፥ ኮኸብ ጽባሕ ኸኣ ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዚወፅእ፥ ከምቲ ኣብ ጸልማት ዜብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሃልኩምሉ ሠናይ ትገብሩ።20. ቅድሚ ዅሉ፥ ነቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዘሎ ትንቢት፥ ሓደ ብናይ ርእሱ ኣተሓሳስባ ኪትርጒሞ ከም ዘይክእል ፍለጡ።21. ከመይ ትንቢት፥ ሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ ዝተዛረብዎ እምበር፥ ከቶ ብፍቓድ ሰብ መጺኡ ኣይፈልጥን።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 7 : 44 - 50 [English][ግእዝ]

44. ኣቦታትና ኣብ ምድረ በዳ ድንኳን ምስክርነት ነበረቶም፤ ንሳ ኸኣ እታ ኣምላኽ ንሙሴ ከምታ ዝረኣያ ምስሊ ገይሩ ኺሠርሓ ዝኣዘዞ እያ። 45. ኣቦታትና ኸኣ ምስ ተቐበልዋ፥ ብኢያሱ ተመሪሖም ናብታ ኣምላኽ ንኣሕዛብ ካብ ገጽ ኣቦታትና ኣሳጒጉ ዘውረሶም ሃገር ኣእተውዋ፥ ክሳዕ ዘመን ዳዊትውን ኣብኡ ጸንሐት። 46. ዳዊት ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞገስ ረኸበ፥ ንኣምላኽ ያዕቆብ ዚኸውን ማኅደር ኪሠርሕ ከኣ ለመነ። 47. ቤት ዝሓነጸሉ ግና ሰሎሞን እዩ። 48. - 49. ከምቲ ነቢይ ‘ሰማይ ዝፋነይ እዩ፥ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ እዩ፥ ከመይ ዝበለ ቤት ደኣ ኢኹም እትሓንጹለይ፧ ይብል እግዚኣብሔር፥ ከመይ ዝበለ ሥፍራኸ እዩ እቲ ኣነ ዝዓርፈሉ፧ ነዚ ዅሉ ነገራትስ ኢደይዶ ኣይኮነን ዝገበሮ፧’ ዝበሎ፥ እቲ ልዑል ኣምላኽ ብኢድ ሰብ ኣብ ዝተሓንጸ ቤት ኣይነብርን እዩ። 50. ኣቱም ተረርቲ ኽሳድ፥ ልብኹምን ኣእዛንኩምን ዘይተገዝረ፥ ንስኻትኩምውን ከምቲ ናይ ኣቦታትኩም ንመንፈስ ቅዱስ ኵሉ ጊዜ ትጻረርዎ ኣሎኹም።

 

ስንክሳር Synaxarium

ሐጌ ነቢይ
ወታውራን ንግሥት
አውጋንዮስ ወማርዮስ

 

መዝሙር Psalm

መዝ 90 : 16 - 17 / መዝ ፹፱ : ፲፮ - ፲፯ [English][ትግርኛ]

ግብርታትካ ንባሮትካ፣ ክብርኻውን ንውሉዶም ግለጽ። ጸጋ እግዚኣብሄር ኣምላኽና አብ ልዕሌና ይኹን፣ ተግባር ኣእዳውና ኣስልጠልና፣ እወ፣ ንተግባር ኣእዳውና ንስኻ ኣስልጦ።

ርኢ ላዕለ አግብርቲከ ወላዕለ ተግባርከ እግዚኦ፤
ወምርሖሙ ለደቂቆሙ፤
ለይኩን ብርሃኑ ለእግዚአብሔር አምላክነ ላዕሌነ።


 

ወንጌል Gospel

ማቴ 7 : 12 - 20 [English][ግእዝ]

12. እምበኣር ሕግን ነብያትን እዚ እዩ እሞ ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም። 13. “በታ ጸባብ ኣፍ ደገ እተው፥ እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ኣፍ ደገ ርሕብቲ፥ መገዳውን ገፊሕ እዩ፥ እቶም ብእኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙኃት እዮም። 14. እታ ናብ ሕይወት እትወስድ ኣፍ ደገ ግና ጸባብ እያ፥ መገዳውን ቀጢን እዩ፥ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ውሑዳት እዮም።” 15. “ብዉሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ እዮም እሞ፥ ኣባጊዕ ተመሲሎም ካብ ዚመጹኹም ሓሰውቲ ነብያት ተጠንቀቑ። 16. ብፍሪኦም ክትፈልጥዎም ኢኹም፥ ካብ እሾዅዶ ፍረ ወይኒ ወይስ ካብ ተዀርባ በለስ ይቕንጠብ እዩ፧ 17. ከምኡ ድማ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፥ እቲ ሕማቕ ኦም ከኣ ሕማቕ ፍረ ይፈሪ። 18. ጽቡቕ ኦም ሕማቕ ፍረ ኺፈሪ፥ ሕማቕ ኦም ድማ ጽቡቕ ፍረ ኺፈሪ ኣይክእልን እዩ። 19. ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዅሉ ኦም ይቚረጽ፥ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። 20. እምበርከስ ብፍሪኦም ኽትፈልጥዎም ኢኹም። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

ቅዳሴ Liturgy :

ዘዮሐንስ ወልደ ነጐድጓድ (ሃቤከ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 103 : 13 - 14 / መዝ ፻፪ : ፲፫ - ፲፬ [English][ትግርኛ]

ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዚርሕርሓሎም፣ ከምኡ እግዚኣብሄር ንዚፈርህዎ ይርሕርሓሎም እዩ። ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ፣ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ።

ወበከመ ይምሕር አብ ውሉዶ፤
ከማሁ ይምሕሮሙ እግዚአብሔር ለእለ ይፈርህዎ፤
እስመ ውእቱ የአምር ፍጥረተነ።


 

ወንጌል Gospel

ማቴ 7 : 7 - 12 [English][ግእዝ]

7. “ለምኑ ኺወሃበኩም እዩ፥ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፥ ማዕጾ ኳሕኵሑ ኪረሓወልኩም እዩ። 8. ከመይ ዝለመነ ኵሉ ይቕበል፥ ዝደለየ ይረክብ፥ ማዕጾ ዝዃሕኵሐ ድማ ይራኃወሉ እዩ። 9. እንታዋይ ሰብ እዩ ኻባኻትኩም ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖ እምኒ ዚህቦ፧ 10. ወይ ከኣ ዓሣ እንተ ለመኖ ተመን ዚህቦ፧ 11. እምበኣርከስ ንስኻትኩም እኳ፥ ኽፉኣት ከሎኹም፥ ንደቅኹም ሠናይ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፥ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ግዳ ንዚልምንዎ ክንደይ ኣብዚኁ ሠናይ ነገር ዘይህቦም፧ 12. እምበኣር ሕግን ነብያትን እዚ እዩ እሞ ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ዘመነ ማርቆስ Readings for Tuesday

ታሕሳስ 21, 2018 ብግእዝ Dec 30, 2025 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 22 : 30 - 31 / መዝ ፳፩ : ፴ - ፴፩ [English][ትግርኛ]

ዘርኢ ኺግዝኣሉ፣ ንዚመጽእ ወለዶ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ኬዘንትውሉ እዮም። ንሱ ኸም ዝገበሮ፣ ነቲ ዚውለድ ህዝቢ መጺኦም ጽድቁ ኺነግርዎ እዮም።

ትዜንዎ ለእግዚአብሔር ትውልድ እንተ ትመጽእ፤
ወይዜንዉ ጽድቀ ዚአሁ፤
ሕዝብ ዘይትወለድ ዘገብረ እግዚአብሔር።


 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 1 : 26 - 38 [English][ግእዝ]

26. - 27. ብሳድሰይቲ ወርኂ ገብርኤል መልኣኽ ናብ ናዝሬት እትብሃል ዓዲ ገሊላ፥ ናብ ሓንቲ ድንግል ካብ ኣምላኽ ተላእከ። ንሳ ካብ ቤት ዳዊት ንዮሴፍ ዝስሙ ሰብኣይ ተሓጽያ ነበረት፤ ስም እታ ድንግል ከኣ ማርያም እዩ። 28. እቲ መልኣኽ ናብቲ ንሳ ዝነበረቶ ኣትዩ፥ “ሰላም ንኣኺ ኦ ምልእተ ጸጋ፥ እግዚኣብሔር ምሳኺ እዩ፥ ንስኺ ካብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ” በላ። 29. ንሳ ድማ ምስ ረኣየቶ በቲ ቓሉ ኣዝያ ሰምበደት፤ “እዚ ከምዚ ዝበለ ሰላምታስ እንታይ ኮን ይኸውን፧” ኢላውን ሓሰበት። 30. እቲ መልኣኽ ከኣ “ማርያም! ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ ኣይትፍርሂ። 31. እንሆ ክትጠንሲ፥ ወዲውን ክትወልዲ፥ ስሙ ኸኣ ኢየሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ። 32. ንሱ ዓቢይ ኪኸውን፥ ወዲ እቲ ልዑልውን ኪብሃል እዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። 33. ንሱ ኣብ ሕዝቢ እስራኤል ንዘለዓለም ኪነግሥ እዩ። መንግሥቱ ኸኣ መወዳእታ የብሉን” በላ። 34. ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ፥ “ኣነ ድንግል እየ፥ እዚ ነገር እዚ ኸመይ ኢሉ ኺኸውን ይኽእል፧” በለቶ። 35. እቲ መልኣኽ መሊሱ “መንፈስ ቅዱስ ኣባኺ ኺወርድ እዩ፤ ኃይሊ ልዑልውን ኬጽልለልኪ እዩ፤ ስለዚ ኸኣ እቲ ኻባኺ ዚውለድ ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ። 36. እንሆ ኤልሳቤጥ እታ ዘመድኪ እኳ ኣብ እርግናኣ ወዲ ጠኒሳ ኣላ፥ ነታ መኻን እትብሃል እዚ ሳድሳይ ወርኃ እዩ። 37. ከመይ ንእግዚኣብሔር ዚሰኣኖ ነገር የልቦን” በላ። 38. ማርያም ድማ “እኔኹ ኣነ ባርያ እግዚኣብሔር እየ፥ ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይ” በለቶ። ብድኅርዚ እቲ መልኣኽ ካብኣ ኸደ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

ቆሎ 4 : 1 - 11 [English][ግእዝ]

1. ኣቱም ጐይቶት፥ ንስኻትኩምውን ኣብ ሰማይ ጐይታ ኸም ዘሎኩም ፈሊጥኩም ምስ ገላዉኹም ቅኑዓትን ዘይተዳልውን ኩኑ። 2. ጸሎት ኣዘውትሩ። ኣብ ጸሎትኩም ከኣ ንቑሓትን ኣመስገንትን ኩኑ። 3. ነቲ ብዛዕባኡ ተኣሲረ ዘሎኹ ምሥጢር ክርስቶስ ምእንቲ ኽንሰብኽ ኣምላኽ ንቓሉ ኣፍ ደገ ኪኸፍተልና ምእንታና ጸልዩ። 4. ኣነውን ከምቲ ዚግብኣኒ ገይረ ምእንቲ ኽሰብኮ ጸልዩለይ። 5. ነቲ ዝተዋህበኩም ጊዜ ብዚከኣል እናሠራሕኩምሉ ምስቶም ዘይኣምኑ ብጥበብ ንበሩ። 6. ንነፍስ ወከፍ ብቑዕ መልሲ ሂብኩም ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኣዘራርባኹም ኵሉ ሳዕ ብጸጋ ዝመልአ፥ ብጨው ዝተቓመመ ይኹን። 7. ቲኪቆስ፥ እቲ ፍቁር ኃውናን እሙን ኣገልጋልን ብጐይታ መተዓይይተይን፥ ከመይ ኢለ ከም ዘሎኹ፥ ኬፍልጠኩም እዩ። ናባኻትኩም ዝሰዶ ዘሎኹ ብዛዕባ ሃለዋትና ምእንቲ ኽትፈልጡን ንልብኹም ምእንቲ ኼጸናንዕን ኢለ እየ። 8. ምስኡውን ነቲ ኻባኻትኩም ዝኾነ እሙንን ፍቁርን ኃውና ኣናሲሞስ እስደልኩም ኣሎኹ፥ ንሳቶም እቲ ኣብዚ ዝኾነ ዅሉ ኺነግሩኹም እዮም። 9. እቲ መኣስርተይ ዝኾነ ኣርስጠርኮስ ሰላም ይብለኩም ኣሎ፥ ማርቆስ ወዲ ኃው ኣቦኡ ንበርናባስውን ሰላም ይብለኩም ኣሎ። (እዚ እቲ “እንተ መጸኩም ብጽቡቕ ተቐበልዎ” ተባሂሉኩም ዝነበረ ሰብ እዩ።) 10. እቲ ኢዩስጦስ ተባሂሉ ዚጽዋዕ የሱስውን ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ንመንግሥቲ ኣምላኽ ምሳይ ዜገልግሉ፥ ንኣይውን ዜጸናንዑኒ ዘለዉ ኣይሁድ፥ እዚኣቶም ጥራይ እዮም። 11. እቲ ሓደ ኻባኻትኩም፥ ምሉኣትን ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣትን ኴንኩም ደው ክትብሉ፥ ኵሉ ሳዕ ብጸሎቱ ዚጋደለልኩም ዘሎ፥ ባርያ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝኾነ ኤጳፍራስ፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

1ይ ዮሐ 4 : 13 - ፍም [English][ግእዝ]

13. ካብ መንፈሱ ስለ ዝሃበና፥ ንሕና ኣብኡ ንሱውን ኣባና ኸም ዚነብር ንፈልጥ ኢና። 14. ኣቦ ንወዱ መድኃን ዓለም ኪኸውን ከም ዝለኣኾ ረአና፥ ንምስክርውን ኣሎና። 15. ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚእመን ኣምላኽ ኣብኡ ይነብር፥ ንሱውን ኣብ ኣምላኽ ይነብር። 16. ንሕናውን ነታ ኣምላኽ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን ኣሎና። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ፥ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር፥ ኣምላኽውን ኣብኡ ይነብር። 17. ብመዓልቲ ፍርዲ ትብዓት ምእንቲ ኺህልወና እታ ፍቕሪ ኣባና ምልኣት ረኸበት። ምኽንያቱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ከምቲ ኢየሱስ ዝነበሮ ኢና እንነብር ዘሎና። 18. እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ኣውፂኣ ትድርብያ ደኣ እምበር ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን። ፍርሃት ምስ መቕጻዕቲ ዝተተኃኃዘት ስለ ዝኾነት ከኣ እቲ ዚፈርህ ብፍቕሪ ፍጹም ኣይኮነን። 19. ኣምላኽ ቅድም ስለ ዘፍቀረና ንሕናውን ነፍቅር ኢና። 20. ነቲ ዝረኣዮ ኃዉ ዘየፍቀሮስ፥ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከኣሎን እዩ እሞ፥ ንኃዉ እናጸልኦስ “ንኣምላኽ አፍቅሮ እየ” ዚብል እንተሎ ንሱ ሓሳዊ እዩ። 21. እቲ ኻብኡ ዝተቐበልናዮ ትእዛዝ “እቲ ንኣምላኽ ዜፍቅሮ፥ ንኃዉ ድማ የፍቅሮ” ዚብል እዩ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 11 : 22 - ፍም [English][ግእዝ]

22. እዚ ወረ እዚ ኸኣ ኣብታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት ክርስቲያን ተሰምዐ፥ ንበርናባስ ድማ ናብ ኣንጾኪያ ለኣኽዎ። 23. ንሱ ምስ መጸ ጸጋ ኣምላኽ ርእዩ ተሓጐሰ፥ ብምሉእ ልቦም ብጐይታ ጸኒዖም ኪነብሩ ድማ መኸሮም። 24. ምኽንያቱ ንሱ መንፈስ ቅዱስን እምነትን ዝመልኦ ሕያዋይ ሰብኣይ ነበረ፥ ብዙኅ ሕዝቢ ድማ ናብ ጐይታ ተመልሰ። 25. በርናባስ ካብኡ ወፂኡ ንሳውል ኪደልዮ ናብ ጠርሴስ ከደ። 26. ምስ ረኸቦ ናብ ኣንጾኪያ ኣምጽኦ፥ ኣብታ ቤት ክርስቲያን ከኣ ዓመት ምሉእ ብኅብረት ነበሩ፥ ንብዙኅ ሕዝቢውን መሃሩ፥ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ንፈለማ ጊዜ ኣብ ኣንጾኪያ ክርስቲያን ተባሂሎም ተሰምዩ። 27. በተን መዓልትታት እቲኣተን ነቢያት ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ኣንጾኪያ ወረዱ። 28. ሓደ ኻብኣቶም ከኣ ኣጋቦስ ዝስሙ ተንሢኡ፥ ኣብ ኵሉ ዓለም ብርቱዕ ጥሜት ከም ዚኸውን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተዛረበ፤ እዚ ብዘመን ቄሣር ቀላውዴዎስ ኮነ። 29. ስለዚ እቶም ደቀ መዛሙርቲ፥ ነፍሲ ወከፍ ከከም ዓቕሙ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ኣኅዋት ረድኤት ኪሰዱሎም መደቡ። 30. ነቲ ዝተዋፅአ ገንዘብ ድማ ብኢድ በርናባስን ሳውልን ገይሮም ናብቶም መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ሰደድዎ።

 

ስንክሳር Synaxarium

በዓለ እግዝእትነ ማርያም
ወበርባናስ ፩ እም ፸ወ፪ አርድእት

 

መዝሙር Psalm

መዝ 45 : 16 - 17 / መዝ ፵፬ : ፲፮ - ፲፯ [English][ትግርኛ]

ውሉድካ ኣብ ክንዲ ኣቦታትካ ኪዀኑ፣ ኣብ ብዘላ ምድሪውን መሳፍንቲ ኽትገብሮም ኢኻ። ካብ ወለዶ ንወለዶ ንስምካ ኸዘክሮ እየ፣ ስለዚ ህዝብታት ንዘለአለም ኬመስግኑኻ እዮም።

ህየንተ አበዊኪ ተወልዱ ለኪ ደቂቅ፤
ወትሠይምዮሙ መላእክተ ለኵሉ ምድር፤
ወይዘክሩ ስመኪ በኵሉ ትውልደ ትውልድ።


 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 1 : 16 - 25 [English][ግእዝ]

16. ንብዙኃት ካብ ሕዝቢ እስራኤልውን ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኾም ኪመልሶም እዩ። 17. ንሱ ንእግዚኣብሔር ብቑዕ ሕዝቢ ምእንቲ ኼዳሉ፥ ልቢ ኣቦታት ናብ ውሉድ፥ ንዘይእዙዛት ድማ ናብ ጥበብ ጻድቃን ምእንቲ ኪመልስ፥ ብናይ ኤልያስ መንፈስን ኃይልን ቀቅድሚ ጐይታ ኪኸይድ እዩ።” 18. ዘካርያስ ከኣ ነቲ መልኣኽ “ኣነ ሸምጊለ እየ፥ ሰበይተይ ከኣ መዋዕላ ኃሊፉ እዩ እሞ፥ ነዚ ነገር እዚ ብምንታይ ክፈልጦ እየ፧” በሎ። 19. እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ ኸምዚ በሎ፦ “ኣነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቆይመ ዘገልግል ገብርኤል እየ። ናባኻ ዝተለኣኽኩ ድማ ነዚ ነገራት እዚ ክዛረበካን ከበሥረካን እየ። 20. እንሆ ኸኣ ነቲ ብጊዜኡ ዚፍጸም ዘረባይ ስለ ዘይኣመንካ፥ ክሳዕ እዚ ነገር እዚ ዚፍጸመሉ መዓልቲ ዓባስ ክትከውን ምዝራብውን ክትስእን ኢኻ።” 21. እቶም ሕዝቢ ኸኣ ንዘካርያስ ይጽበይዎ ነበሩ፤ በቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ምድንጓዩውን ተገረሙ። 22. ወፂኡ ኺዛረቦም ስለ ዘይከኣለ ድማ፥ ኣብ ቤት መቕደስ ራእይ ከም ዝረኣየ ፈለጡ፤ ንሱ ኸኣ ብኢዱ የመልክቶም ነበረ፥ ዓባስ ኮይኑውን ይነብር ነበረ። 23. ዘካርያስ ድማ መዓልትታት ኣገልግሎቱ ምስ ፈጸመ ናብ ቤቱ ተመልሰ። 24. ድኅሪ እተን መዓልትታት እቲአን ኤልሳቤጥ ሰበይቱ ጠነሰት እሞ፥ ንኃሙሽተ ወርሒ ተሓብአት። 25. “ጐይታይ ብምሕረቱ በዘን መዓልትታት እዚአን በጽሓኒ፤ ነቲ ኵሉ ሰብ ዚፈልጦ ውርደተይ ከኣ ኣርሓቐለይ” ድማ በለት። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘእግዝእትነ ማርያም(ጐሥዓ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 97 : 7 - 9 / መዝ ፺፮ : ፯ - ፱ [English][ትግርኛ]

አብ ልዕሊ ዅሎም አማልኽቲ ኣዚኻ ልዑል ኢኻ እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ጽዮን ሰሚዓ ተሐጐሰት፣ ኣዋልድ ይሁዳውን ብዛዕባ ፍርድኻ እልል በላ።

ወይሰግዱ ሎቱ ኵሎሙ መላእክቲሁ፤
ሰምዐት ወተፈሥሐት ጽዮን፤
ወተኃሥያ አዋልደ ይሁዳ።


 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 1 : 34 - 38 [English][ግእዝ]

34. ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ፥ “ኣነ ድንግል እየ፥ እዚ ነገር እዚ ኸመይ ኢሉ ኺኸውን ይኽእል፧” በለቶ። 35. እቲ መልኣኽ መሊሱ “መንፈስ ቅዱስ ኣባኺ ኺወርድ እዩ፤ ኃይሊ ልዑልውን ኬጽልለልኪ እዩ፤ ስለዚ ኸኣ እቲ ኻባኺ ዚውለድ ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ። 36. እንሆ ኤልሳቤጥ እታ ዘመድኪ እኳ ኣብ እርግናኣ ወዲ ጠኒሳ ኣላ፥ ነታ መኻን እትብሃል እዚ ሳድሳይ ወርኃ እዩ። 37. ከመይ ንእግዚኣብሔር ዚሰኣኖ ነገር የልቦን” በላ። 38. ማርያም ድማ “እኔኹ ኣነ ባርያ እግዚኣብሔር እየ፥ ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይ” በለቶ። ብድኅርዚ እቲ መልኣኽ ካብኣ ኸደ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ዘመነ ማርቆስ Readings for Wednesday

ታሕሳስ 22, 2018 ብግእዝ Dec 31, 2025 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 138 : 1 - 2 / መዝ ፻፴፯ : ፩ - ፪ [English][ትግርኛ]

ኣብ ቅድሚ ኣማልኽቲ ምስጋናኻ እዝምር። ንቓልካ ሓለፋ ዅሉ ስምካ ኣዕቢኻዮ ኢኻ እሞ፣ ናብ ቅዱስ መቕደስካ ኣቢለ ኽሰግድ፣ ንስምካውን ስለ ሳህልኻን ሓቅኻን ኢለ ኸመስግኖ እየ።

በቅድመ መላእክቲከ እዜምር ለከ፤
ወእሰግድ ውስተ ጽርሐ መቅደስከ፤
ወእገኒ ለስምከ።


 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 1 : 26 - 38 [English][ግእዝ]

26. - 27. ብሳድሰይቲ ወርኂ ገብርኤል መልኣኽ ናብ ናዝሬት እትብሃል ዓዲ ገሊላ፥ ናብ ሓንቲ ድንግል ካብ ኣምላኽ ተላእከ። ንሳ ካብ ቤት ዳዊት ንዮሴፍ ዝስሙ ሰብኣይ ተሓጽያ ነበረት፤ ስም እታ ድንግል ከኣ ማርያም እዩ። 28. እቲ መልኣኽ ናብቲ ንሳ ዝነበረቶ ኣትዩ፥ “ሰላም ንኣኺ ኦ ምልእተ ጸጋ፥ እግዚኣብሔር ምሳኺ እዩ፥ ንስኺ ካብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ” በላ። 29. ንሳ ድማ ምስ ረኣየቶ በቲ ቓሉ ኣዝያ ሰምበደት፤ “እዚ ከምዚ ዝበለ ሰላምታስ እንታይ ኮን ይኸውን፧” ኢላውን ሓሰበት። 30. እቲ መልኣኽ ከኣ “ማርያም! ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ ኣይትፍርሂ። 31. እንሆ ክትጠንሲ፥ ወዲውን ክትወልዲ፥ ስሙ ኸኣ ኢየሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ። 32. ንሱ ዓቢይ ኪኸውን፥ ወዲ እቲ ልዑልውን ኪብሃል እዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። 33. ንሱ ኣብ ሕዝቢ እስራኤል ንዘለዓለም ኪነግሥ እዩ። መንግሥቱ ኸኣ መወዳእታ የብሉን” በላ። 34. ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ፥ “ኣነ ድንግል እየ፥ እዚ ነገር እዚ ኸመይ ኢሉ ኺኸውን ይኽእል፧” በለቶ። 35. እቲ መልኣኽ መሊሱ “መንፈስ ቅዱስ ኣባኺ ኺወርድ እዩ፤ ኃይሊ ልዑልውን ኬጽልለልኪ እዩ፤ ስለዚ ኸኣ እቲ ኻባኺ ዚውለድ ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ። 36. እንሆ ኤልሳቤጥ እታ ዘመድኪ እኳ ኣብ እርግናኣ ወዲ ጠኒሳ ኣላ፥ ነታ መኻን እትብሃል እዚ ሳድሳይ ወርኃ እዩ። 37. ከመይ ንእግዚኣብሔር ዚሰኣኖ ነገር የልቦን” በላ። 38. ማርያም ድማ “እኔኹ ኣነ ባርያ እግዚኣብሔር እየ፥ ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይ” በለቶ። ብድኅርዚ እቲ መልኣኽ ካብኣ ኸደ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

ዕብ 8 : 7 - ፍም [English][ግእዝ]

7. እታ ቐዳመይቲ ኺዳን ኣበር እንተ ዘይርከባ፥ እታ ኻልኣይቲ ኣይመድለየትን ነይራ። 8. ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ነቶም ሕዝቢ ኣበር ስለ ዝረኸበሎም ከምዚ ዚስዕብ በለ፦ “እንሆ ምስ ሕዝቢ እስራኤልን ምስ ሕዝቢ ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝኣተወለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፥ ይብል እግዘኣብሔር፥ 9. ከምታ ብኢዶም ኂዘ ካብ ምድሪ ግብጺ ኸውፅኦም ከሎኹ ምስ ኣቦታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳን ኣይኮነን፥ ንሳቶም ብኺዳነይ ኣይጸንዑን እሞ፥ ኣነ ውን ብኣኣቶም ምግዳስ ገደፍክዎ፥ ይብል እግዚኣብሔር። 10. እንሆ ድኅሪ እተን መዓልታት እቲኣተን፥ ምስ እስራኤል ዝኣትዎ ኺዳን እዚ እዩ፦ ‘ንሕግታተይ ኣብ ኣእምሮኦም ከእትዎ፥ ኣብ ልቦምውን ክጽሕፎ እየ፥ ንሳቶምውን ሕዝቢ ኺኾኑኒ እዮም፥’ ይብል እግዚኣብሔር። 11. ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓቢይኦም ኪፈልጡኒ ስለ ዝኾኑ፥ ‘ንእግዚኣብሔር ፍለጦ፥’ ኢሉ ንወዲ ዓዱ ኣይኪምህሮን እዩ፥ ወይ ኸኣ ነፍስ ወከፍ ንኃዉ ኣይኪነግሮን እዩ። 12. ከመይ ንኽፍኣቶም ክምሕር እየ፥ ንኃጢኣቶምውን ድኅርዚ ኣይክዝክሮን እየ።” 13. ነዚ ኪዳን እዚ “ሓድሽ” ኢሉ ብምጽውዑ ነቲ ቐዳማይ ኣረጊት ገበሮ። እቲ ዝኣረገን ዝበለየን ኸኣ ቐልጢፉ ጠፋኣይ እዩ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

1ይ ዮሐ 4 : 8 - 14 [English][ግእዝ]

8. ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፥ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። 9. ኣምላኽ ንፍቕሩ፥ ብወዱ ብሕይወት ምእንቲ ክንነብር፥ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ ገለጸልና። 10. ፍቕሪ ማለት ከኣ ኸምዚ እዩ፥ ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና ንኃጢኣትና ኼርሕቕ ኢሉ ንወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር ንሕና ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኮነን። 11. ኣቱም ኣኅዋተይ፥ ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረና፥ ንሕናውን ንሓድሕድና ኽንፋቐር ይግብኣና እዩ። 12. ንኣምላኽ ዝረአዮ ሓደ እኳ የልቦን። ንሓድሕድና እንተ ተፋቐርና ኣምላኽ ኣባና ይነብር፥ ፍቕሩውን ኣባና ትፍጸም። 13. ካብ መንፈሱ ስለ ዝሃበና፥ ንሕና ኣብኡ ንሱውን ኣባና ኸም ዚነብር ንፈልጥ ኢና። 14. ኣቦ ንወዱ መድኃን ዓለም ኪኸውን ከም ዝለኣኾ ረአና፥ ንምስክርውን ኣሎና።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 7 : 30 - 38 [English][ግእዝ]

30. ኣብ ምድያም ኣርብዓ ዓመት ምስ ተቐመጠ ድማ፥ ኣብ ምድረ በዳ ደብረ ሲና መልኣኽ ብዚነድድ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ተራእዮ። 31. ሙሴ ነዚ ትርኢት እዚ ምስ ረኣየ ተገረመ፥ ኪጥምቶ እንተ ቐረበ ድማ ከምዚ ዚብል ድምፂ እግዚኣብሔር ሰምዐ፡ - 32. ‘ኣነ ኣምላኽ ኣቦታትካ፥ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን እየ።’ ሽዑ ሙሴ ኣንቀጥቀጠ፥ ኪጥምት ከኣ ኣይደፈረን። 33. እግዚኣብሔር ድማ ‘እዛ ደው ኢልካያ ዘሎኻ ቦታ ቕድስቲ ምድሪ እያ እሞ ኣሳእንካ ካብ እግርኻ ኣውፅእ። 34. ግፍዒ ናይቶም ኣብ ግብጺ ዘለዉ ሕዝበይ ኣጸቢቐ ረአኹ፥ እህህታኦም ከኣ ሰማዕኩ ከውፅኦም ወረድኩ፥ ሕጂ ኸኣ ንዓ ናብ ግብጺ ክልእከካ እየ’ በሎ። 35. ነዚ ‘ሓለቓን ፈራድን ገይሩ መን እዩ ዝሸመካ፧’ ኢሎም ዝኸሓድዎ ሙሴ፥ ንእኡ ኣምላኽ በቲ ኣብ ኣሻዅ ቈጥቋጥ እተራእዮ መልኣኽ ገይሩ፥ ሓለቓን መድኃንን ምእንቲ ኺኸውን ለኣኾ። 36. ንሱ ኸኣ ኣብ ግብጽን ኣብ ባሕሪ ኤርትራን፥ ነርብዓ ዓመት ዚኣክልውን ኣብ ምድረ በዳ ትእምርትን ተኣምራትን እናገበረ ኣውፅኦም። 37. እዚ ሙሴ እዚ እዩ ንደቂ እስራኤል ‘ኣምላኽ ካብ ኣኅዋትኩም ሓደ ነቢይ ከምዚ ኸማይ ኬተንሥኣልኩም እዩ’ ዝበሎም። 38. ኣብ ምድረ በዳ ምስቲ ማኅበርን፥ ምስቲ ኣብ ደብረ ሲና ዝተዛረቦ መልኣኽን ምስ ኣቦታትናን ዝነበረ፥ ናባና ንኼመኃላልፎ ድማ ሕያው መልእኽቲ ዝተቐበለ ንሱ እዩ።

 

ስንክሳር Synaxarium

በዓለ እግዝእትነ ማርያም
ወአንስጣስዮስ ሊቀ ጳጳሳት

 

መዝሙር Psalm

መዝ 45 : 16 - 17 / መዝ ፵፬ : ፲፮ - ፲፯ [English][ትግርኛ]

ውሉድካ ኣብ ክንዲ ኣቦታትካ ኪዀኑ፣ ኣብ ብዘላ ምድሪውን መሳፍንቲ ኽትገብሮም ኢኻ። ካብ ወለዶ ንወለዶ ንስምካ ኸዘክሮ እየ፣ ስለዚ ህዝብታት ንዘለአለም ኬመስግኑኻ እዮም።

ህየንተ አበዊኪ ተወልዱ ለኪ ደቂቅ፤
ወትሠይምዮሙ መላእክተ ለኵሉ ምድር፤
ወይዘክሩ ስመኪ በኵሉ ትውልደ ትውልድ።


 

ወንጌል Gospel

ማቴ 1 : 18 - ፍም [English][ግእዝ]

18. ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ኸምዚ እዩ፦ ኣዲኡ ማርያም ንዮሴፍ ተሓጽያ ኸላ፥ ከይተቓረቡ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት። 19. ዮሴፍ ሕጹያ ጻድቕ ስለ ነበረ፥ ብኅቡእ ኪኃድጋ ድኣ ሓሰበ እምበር ኬጋልጻ ኣይደለየን። 20. ንሱ እዚ ኪሓስብ ከሎ፥ እንሆ መልኣኽ እግዚኣብሔር ብሕልሚ ተራእዮ፥ ከምዚ ድማ በሎ፦ “ዮሴፍ ወዲ ዳዊት፥ እቲ ኻብኣ ዝውለድ ብመንፈስ ቅዱስ ስለ ዝኾነ ንሕጽይትኻ ማርያም ምውሳዳ ኣይትፍራህ። 21. ወዲ ኽትወልድ እያ ንሱ ኸኣ ንሕዝቡ ኻብ ኃጢኣቶም ኬድኅኖም እዩ እሞ ስሙ ኢየሱስ ክትብሎ ኢኻ።” 22. - 23. እዚ ዅሉ ድማ እቲ እግዚኣብሔር ብነቢይ “እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲውን ክትወልድ ኢያ፥ ስሙ ኸኣ ኣማኑኤል ኪብልዎ እዮም፥ ትርጒሙ ኸኣ ‘ኣምላኽ ምሳና’ ማለት እዩ” እናበለ ዝተዛረቦ ምእንቲ ኪፍጸም ኮነ። 24. ዮሴፍ ካብ ድቃሱ ተንሢኡ መልኣኽ እግዚኣብሔር ከም ዝኣዘዞ ገበረ፥ ንማርያም ሕጽይቱ ወሰዳ፥ 25. [በዅሪ] ወዳ ክሳዕ እትወልድ ኣይፈለጣን፥ ስሙ ድማ ኢየሱስ ኢሉ ሰመዮ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘእግዝእትነ ማርያም(ጐሥዓ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 132 : 17 - 18 / መዝ ፻፴፩ : ፲፯ - ፲፰ [English][ትግርኛ]

ኣብኣ ቐርኒ ዳዊት ከብቍል እየ፣ ንቕቡኤይ መብራህቲ ኣዳሎኹ። ንጸላእቱ ነውሪ ኸልብሶም እየ፣ ኣብ ልዕሊኡ ግና ዘውዲ ኼንጸባርቕ እዩ።

ወበህየ አበቍል ቀርነ ለዳዊት፤
ወአስተዴሉ ማኅቶተ ለመሢሕየ፤
ወአለብሶሙ ኀፍረተ ለጸላእቱ።


 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 1 : 68 - 79 [English][ግእዝ]

68. “ንሕዝቡ ስለ ዝበጽሖምን ዝተበጀዎምን እግዚኣብሔር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። 69. - 70. ከምቲ ኻብ ጥንቲ ኂዙ ብኣፍ እቶም ቅዱሳን ነቢያቱ ዝተዛረቦ፥ ኣብ ቤት ዳዊት ባርያኡ ኃይሊ ምድኃን ኣተንሥኣልና። 71. ካብ ጸላእትናን ካብ ኢድ ኵሎም እቶም ዚጸረሩናን ኣድኃነና። 72. ምስ ኣቦታትና ምሕረት ኪገብር ነቲ ቕዱስ ኪዳኑ ዘከሮ። 73. እዚ እቲ ነቦና ኣብርሃም ዝመሐለሉ ማሕላ እዩ፦ 74. ካብ ኢድ ጸላእትና ድኂንና ብዘይ ፍርሃት ምእንቲ ከነምልኾ፤ 75. ብዅሉ ዘመን ሕይወትና ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ ብቕድስናን ብጽድቅን ምእንቲ ክንነብር። 76. ኣታ ሕፃን እውን መገዲ ልዑል ክትጸርግ ቀቅድሚ ጐይታ ኽትከይድ ኢኻ እሞ፥ ናይቲ ልዑል ነቢይ ተባሂልካ ክትስመ ኢኻ። 77. ንሕዝቡ ናይ ኃጢኣቶም ኅድገት ዚረኽብሉ ናይ ድኅነት ፍልጠት ክትህብ ኢኻ። 78. በቲ ለውሃት ምሕረት ኣምላኽና ካብ ላዕሊ ፀሓይ በሪቑ ኪበጽሓና እዩ። 79. ንሱ ነቶም ኣብ ጸልማትን ኣብ ጽላሎት ሞትን ዚርከቡ ኼብርህ እዩ፤ ነእጋርና ኸኣ ናብ መገዲ ሰላም ኪመርሕ እዩ።” ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ዘመነ ማርቆስ Readings for Thursday

ታሕሳስ 23, 2018 ብግእዝ Jan 01, 2026 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 89 : 19 - 20 / መዝ ፹፰ : ፲፱ - ፳ [English][ትግርኛ]

ካብ ህዝቢ ሓደ ሕሩይ ኣልዒለ። ንዳዊት ባርያይ ረኺበዮ፣ ብቕዱስ ዘይተይ ቀቢኤዮ።

ወአልዐልኩ ኅሩየ እምሕዝብየ፤
ወረከብክዎ ለዳዊት ገብርየ፤
ወቀባእክዎ ቅብአ ቅዱሰ።


 

ወንጌል Gospel

ማቴ 22 : 41 - ፍም [English][ግእዝ]

41. ፈሪሳውያን ተኣኪቦም ከለዉ ኢየሱስ 42. “ብዛዕባ መሲሕ እንታይ ይመስለኩም፧ ወዲ መንከ እዩ፧” እናበለ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ “ወዲ ዳዊት” በልዎ። 43. - 44. ኢየሱስ ድማ “ዳዊት ደኣ ባዕሉ ‘ጐይታ ንጐይታይ፥ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም ኣብ የማነይ ተቐመጥ፥ በሎ’ እናበለ ብመንፈስ ከመይ ኢሉ ጐይታይ ይብሎ፧ 45. እምበኣር ባዕሉ ዳዊት ‘ጐይታይ’ ዝበሎ ደኣ ኸመይ ኢሉ ወዱ ይኸውን፧” በሎም። 46. እንተኾነ ሓደ እኳ ቓል ኪመልሰሉ ዝኸኣለ የልቦን። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ሓደ እኳ ኪሓቶ ዝደፈረ የልቦን። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

ሮሜ 11 : 6 - 12 [English][ግእዝ]

6. እምበኣር ብጸጋ ኻብ ዚኸውን ብግብሪ ኣይኮነን፥ ብግብሪ እንተ ዚኸውን ግና፥ እቲ ጸጋ፥ ጸጋ ኣይምኾነን። 7. - 8. እሞኸ ደኣ፧ እስራኤላውያን ነቲ ዚደለይዎ ዝነበሩ ኣይረኸብዎን፥ እቶም ኅሩያት ግና ረኸብዎ፥ እቶም ዝተረፉ ኸኣ ኸምቲ ጽሑፍ ዚብሎ ልቦም ኣትረሩ፦ “ኣዕይንቶም ከይርእያ ኣእዛኖምውን ከይሰምዓ ኣምላኽ ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ መንፈስ ምብዕዛዝ ሃቦም።” 9. ዳዊት ከኣ “መኣዶም መፈንጠራን መድፈናን፥ እምኒ መዓንቀፍን መስጣን ይዂኖም፥ 10. ምእንቲ ኸይርእዩ ኣዕይንቶም ይጸልምታ፥ እንግድዓውቶም ከኣ ንሓዋሩ ይጐብጣ” ይብል። 11. እስከ ደጊመ ኽሓትት፦ እስራኤላውያን ኣብኡ ወዲቖም ምእንቲ ኺተርፉ ድዮም ዝተዓንቀፉ፧ ያእ ኣይፋሎምን። እንተኾነ ምእንቲ ኬቕንኦም፥ ብበደሎም ነሕዛብ ምድኃን ኮነሎም። 12. በደሎም ንዓለም በረኸት ካብ ኮነ፥ ውድቀቶም ኸኣ ነሕዛብ በረኸት ካብ ኮነ፥ ናብ ድኅነት ምእታዎም ደኣ ክንደይ ኪበልጽ እዩ፧

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

1ይ ጴጥ 5 : 2 - 7 [English][ግእዝ]

2. ነቲ ኣምላኽ ዝሃበኩም መጓሰ ጓስይዎ፥ እንተኾነ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ብፍታው እምበር ብግዲ ኣይኹን። ብጽቡቕ ድላይ እምበር ንኸንቱ ረብሓ ኣይኹን። 3. ነቲ መጓሰ ኣርኣያ ደኣ ኹንዎ እምበር፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተዋህቡኹም ጐይቶት ኣይትኹኑ። 4. እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልጸ ድማ ዘይጽምሉ ኣኽሊል ክብሪ ኽትቅበሉ ኢኹም። 5. ከምኡ ኸኣ፥ ኣቱም መንእሰይ፥ ነቶም ዚዓብዩኹም ተገዝእዎም። “ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓቶም፥ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም” ከም ዚብል ድማ ትሕትና ለቢስኩም ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ። 6. ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ። 7. ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ ንዅሉ ኃልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 13 : 33 - 43 [English][ግእዝ]

33. ምኽንያቱ ኣብ ካልኣይ መዝሙር ዳዊት፡ - ‘ንስኻ ወደይ ኢኻ፥ ኣነ ኸኣ ሎሚ ወለድኩኻ’ ዚብል ጽሑፍ ከም ዘሎ፥ ኣምላኽ ንኢየሱስ ካብ ሞት ከም ዚትንሥእ ብምግባር ናባና ናብ ደቆም ነዚ ተስፋ እዚ ፈጸሞ። 34. ከምቲ፡ - ‘ነቲ ቅዱስን እሙንን በረኸት ዳዊት ክህበኩም እየ’ ኢሉ ዝተዛረቦ፥ ከም ብሓድሽ ምብስባስ ከይርኢ ካብ ምውታት ኣተንሥኦ። 35. ከምኡ ኸኣ ኣብ ካልእ መዝሙር፡ - ‘ንቕዱስካ ምብስባስ ኪርኢ ኣይትገድፎን ኢኻ’ ይብል። 36. ዳዊት ግና ብዘመኑ ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ኣገልግሎቱ ምስ ፈጸመ ዓረፈ፥ ተቐቢሩ ኸኣ ምብስባስ ረኣየ። 37. እቲ ኣምላኽ ዘተንሥኦ ግና ምብስባስ ኣይረኣየን። 38. - 39. እምብኣርሲ ኣቱም ኣኅዋትና፥ እዚ ዚንገረኩም ዘሎ መልእኽቲ ‘ኅድገት ኃጢኣት ብኢየሱስ እዩ’ ዚብል ከም ዝኾነ ፍለጡ። እቲ ብሕጊ ሙሴ ኺጸድቕ ዘይተኻእሎ፥ ነፍስ ወከፍ ብኢየሱስ ዚኣምን ዘበለ ይጸድቕ። 40. - 41. ስለዚ እቲ ብነቢያት ‘ኣቱም መላገጽቲ ርኣዩ፥ ሓደ እኳ እንተ ነገረኩም ከቶ ዘይትኣምንዎ ግብሪ ብዘመንኩም ክገብር እየ እሞ ተገረሙን ጥፍኡን’ ዚብል ኣባኻትኩም ከይፍጸም ተጠንቀቑ።” 42. ጳውሎስን በርናባስን ካብቲ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኪወፁ ኸለው ኸኣ፥ በታ እትመጽእ ሰንበትውን ከም ብሓድሽ ነዚ ቓል እዚ ኪነግርዎም ለመንዎም። 43. እቲ ኣኼባ ምስ ተበተነ ኸኣ ካብ ኣይሁድን ካብቶም ንኣምላኽ ዚፈርሁ ናብ እምነት ኣይሁድ ዝኣተዉ ወገን ኣሕዛብን፥ ብዙኃት ንጳውሎስን ንበርናባስን ሰዓብዎም። ንሳቶም ከኣ ተዛረብዎም፤ ኣብ ጸጋ ኣምላኽ ጸኒዖም ኪነብሩ ድማ ኣተባብዕዎም።

 

ስንክሳር Synaxarium

ዳዊት ንጉሥ
ወአባ ጢሞቴውስ
ወአባ ይስሐቅ
ወአባ ሳሙኤል: ወአባ ሰርማኤል: ወአባ አሞን: ወአባ አቦሊ
ወመቃርስ: ወፊልጶስ: ወመርቆሬዎስ: ወአይተለአትካ

 

መዝሙር Psalm

መዝ 110 : 1 - 2 / መዝ ፻፱ : ፩ - ፪ [English][ትግርኛ]

ጐይታ ንጐይታይ፣ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፣ አብ የማነይ ተቐመጥ፣ በሎ። እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን በትሪ ስልጣንካ ኺልእኽ እዩ፣ ኣብ ማእከል ጸላእትኻ ግዛእ።

ይቤሎ እግዚእ ለእግዚእየ ንበር በየማንየ፤
እስከ አገብኦሙ ለጸላእትከ ታሕተ መከየደ እገሪከ፤
በትረ ኀይል ይፈኑ ለከ እግዚአብሔር እምጽዮን።


 

ወንጌል Gospel

ማር 12 : 35 - 40 [English][ግእዝ]

35. ኢየሱስ ኣብ ቤት መቕደስ ኪምህር ከሎ “መምህራን ሕጊ ከመይ ኢሎም እዮም ‘ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ' ዚብሉ፧ 36. ዳዊት ባዕሉ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ‘ጐይታ ንጐይታይ፥ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥ ኣብ የማነይ ተቐመጥ በሎ’ ይብል። 37. ዳዊት ባዕሉ ‘ጐይታይ’ ካብ ዚብሎ ደኣ ከመይ ኢሉ እዩ ወዱ ዚኾኖ፧” በለ። እቶም ብዙኃት ሰብ ድማ ባህ ኢልዎም ሰምዕዎ። 38. - 39. ኪምህሮም ከሎ ኸኣ “ካብቶም ነዊኅ ቀሚሽ ተኸዲኖም ዚዘሩን፥ ኣብ ዕዳጋውን ብኽብሪ ሰላም ኪብልዎም ዚፈትውን፥ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድውን ዝለዓለ መንበር፥ ኣብ መኣዲ ዝኸበረ ሥፍራ ዚደልዩ መምህራን ሕጊ ተጠንቀቑ። 40. ንሳቶም ኣባይቲ መበለታት ዚብዝብዙ፥ ኬምስሉ ኸኣ ጸሎት ዜንዉኁ እዮም እሞ፥ ዝገደደ ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም” በሎም። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘ፫፻ ምእት(ግሩም)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 69 : 32 - 33 / መዝ ፷፰ : ፴፪ - ፴፫ [English][ትግርኛ]

እግዚኣብሄር ንድኻታት ይሰምዖም፣ ንእሱራትውን ኣይንዕቕን እዩ እሞ፣ ትሑታት ነዚ ርእዮም ይሕጐሱ፣ ኣቱም ንአምላኽ እትደልይዎ፣ ልብኹም ብህይወት ይንበር።

ኅሥዎ ለእግዚአብሔር ወተሐዩ ነፍስክሙ፤
እስመ ሰምዖሙ እግዚአብሔር ለነዳያን፤
ወኢመነኖሙ ለሙቁሐን።


 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 10 : 21 - 29 [English][ግእዝ]

21. በታ ጊዜ እቲኣ ኢየሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ተሓጐሰ፥ “ኦ ኣቦይ! ጐይታ ሰማይን ምድርን፥ ነዚ ኻብ ብልህታትን ካብ ለባማትን ስለ ዝኃባእካዮ፥ ንሕፃናት ከኣ ስለ ዝገለጽካዮ፥ አመስግነካ ኣለኹ። እወ፥ ኦ ኣቦ፥ እዚ ንኣኻ ኸምዚ ኺኸውን ባህ ኣቢሉካ ኣሎ። 22. ኵሉ ኻብ ኣቦይ ተዋሂቡኒ እዩ። ንወልድ ብዘይካ ኣቦ መን ምዃኑ ዚፈልጦ ሓደ እኳ የልቦን። ነቦ ኸኣ ብዘይካ ወልድን እቲ ወልድ ኪገልጸሉ ዝፈተወን እንተ ዘይኮይኑ፥ መን ምዃኑ ዚፈልጦ ሓደ እኳ የልቦን” እውን በለ። 23. ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ንበይኖም ከምዚ በሎም፦ “ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ዚርእያ ኣዕይንቲ ብፁዓት እየን። 24. ምኽንያቱ ብዙኃት ነብያትን ነገሥታትን ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ኪርእዩ ተመነዩ፥ ግና ኣይረኣዩን፤ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ከኣ ኪሰምዑ ተመነዩ፥ ግና ኣይሰምዑን።” 25. እንሆ ኸኣ ሓደ ምሁር ሕጊ ኺፍትኖ ብድድ ኢሉ፥ “መምህር፥ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ክወርስ እንታይ እግበር፧” በሎ። 26. ኢየሱስ ከኣ “ኣብ ሕጊ ሙሴ እንታይ ጽሑፍ ኣሎ፧ እንታይከ ተንብብ፧” በሎ። 27. ንሱ ኸኣ “ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ኃይልኻን ብዅሉ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ፥ ንብጻይካ ድማ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር” ኢሉ መለሰሉ። 28. ኢየሱስ ከኣ፥ “ጽቡቕ መሊስካ፥ ከምኡ ግበር እሞ ብሕይወት ክትነብር ኢኻ” በሎ። 29. ንሱ ግና ንርእሱ ኬመጻድቕ ደልዩ ንኢየሱስ፥ “ብጻየይከ መን እዩ፧” በሎ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ዘመነ ማርቆስ Readings for Friday

ታሕሳስ 24, 2018 ብግእዝ Jan 02, 2026 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 22 : 9 - 10 / መዝ ፳፩ : ፱ - ፲ [English][ትግርኛ]

ግናኸ ካብ ማሕጸን ወላዲት ዘውጻእካኒ፣ ኣብ ኣጥባት እኖይ ብርግኣት ዘዕረፍካኒ ንስኻ ኢኻ። ካብ ማሕጸን ወላዲት ኣባኻ ወደቕኩ፣ ካብ ከርሲ እኖይ ጀሚርካ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ።

እስመ እንተ አውፃእከኒ እምከርሥ፤
ወተወከልኩከ እንዘ ሀለውኩ ውስተ አጥባተ እምየ፤
ላዕሌከ ተገደፍኩ እማኅፀን።


 

ወንጌል Gospel

ማቴ 11 : 25 - ፍም [English][ግእዝ]

25. በቲ እዋን እቲ ኢየሱስ ከምዚ ዝስዕብ እናበለ ተዛረበ፡ - “ኦ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን፥ እዚ ኻብ ብልህታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሓባእካዮ፥ ንሕፃናት ግና ስለ ዝገለጽካዮ፥ አመስግነካ ኣሎኹ። 26. እወ፥ ኦ ኣቦይ! ኣብ ቅድሜኻ ዘሓጐሰካ ንሱ አዩ። 27. ካብ ኣቦይ ኵሉ ተዋሂቡኒ ኣሎ። ብዘይካ ኣቦ ንወልድ ዚፈልጦ ሓደ እኳ የልቦን፥ ነቦ ድማ ብዘይካ ወልድን እቲ ንሱ ኪገልጸሉ ዚፈቱን እንተ ዘይኮይኑ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን። 28. “ኣቱም ኵሉኹም እትጽዕሩን ፆር ዝኸበደኩምን፥ ናባይ ንዑ፥ ኣነ ኸኣ ከዕርፈኩም እየ። 29. ኣነ ለዋህ እየ፥ ልበይውን ትሑት እዩ እሞ፥ ኣርዑተይ ፁሩ፥ ካባይውን ተምሃሩ፥ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። 30. ከመይ ኣርዑተይ ልዙብ ፆረይ ከኣ ፈኵሽ እዩ።” ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

ኤፌ 4 : 11 - 16 [English][ግእዝ]

11. ንሱ ኸኣ ንገሊኦም ሓዋርያት፥ ንገሊኦም ነብያት፥ ንገሊኦም ሰበኽቲ ወንጌል፥ ንገሊኦም ናይ ነፍሳት ጓሶት፥ ንገሊኦም ኸኣ መምህራን ገበሮም። 12. እዚ ኸኣ እታ ሰብነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ክትሕነጽ፥ እቶም ቅዱሳን ኣብ ኣገልግሎቶም ፍጹማን ምእንቲ ኪኾኑ፥ 13. ንሕና ኸኣ ዅልና ብእምነት ሓደ ዄንና፥ ንወዲ ኣምላኽ ፈሊጥና ናብ እኹል ሰብኣይ፥ ናብ ክርስቶስ ምልኣት ብጽሕና ክሳዕ እንበጽሕ እዩ። 14. ደጊም ከም ሕፃናት ብናይ ሰብ ምጥባርን ምፍሓስ ስሕተት ዚኸውን ተንኮልን ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ንፋስ ንየው ነጀው ኣይክንድፋእን፥ ኣይክንክብከብን ኢና። 15. እኳ ደኣ ብፍቕሪ ሓቂ እናተዛረብና ናብቲ ርእሲ ዝኾነ ክርስቶስ ንዕበ። 16. ብክርስቶስ ኸኣ ብዘሎ እቲ ሰብነት ብዅሉ እቲ ዝተዋህቦ መላገቢ ተተሓኂዙን ተኣሳሲሩን፥ ነፍስ ወከፍ ድማ ነናቱ ዕዮ እናገበረ ብፍቕሪ ይዓብን ይሕነጽን ኣሎ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

1ይ ጴጥ 1 : 13 - ፍም [English][ግእዝ]

13. ስለዚ ሓቛቚ ልብኹም ተዓጠቑ፥ ከምኡውን ተጠንቀቑ፥ ተስፋኹም ኸኣ ብምሉኡ ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተገልጸ እትረኽብዎ ጸጋ ይኹን። 14. ከም እዙዛት ውሉድ እምበር ከምቲ ቐደም ደናቑር ከሎኹም እትገብርዎ ዝነበርኩም ክፋእ ኣይትመነዩ። 15. - 16. “ኣነ ቕዱስ እየ እሞ፥ ቅዱሳን ኩኑ” ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፥ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝኾነ፥ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳን ኩኑ። 17. እቲ ንስኻትኩም ኣብ ጸሎት “ኣቦ” ኢልኩም እትጽውዕዎ፥ ንነፍስ ወከፍ ከከም ግብሩ ብዘይ ኣድልዎ ስለ ዚፈርድ፥ ኣብዚ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ። 18. - 19. ከመይ ካብቲ ካብ ኣቦታትኩም ዝወረስክምዎ ኸንቱ ዝኾነ ሕይወት፥ ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዘይብሉ ገንሸል፥ ማለት ብኽቡር ደም ክርስቶስ ኢኹም ዝደኃንኩም እምበር ብጠፋኢ ነገር፥ ብብሩር ወይ ብወርቂ ከም ዘይኮነ ትፈልጡ ኢኹም። 20. ንሱ ቕድሚ ምፍጣር ዓለም ዝተኃርየ፥ ኣብ መወዳእታ ዘመን ግና ምእንታኻትኩም ዝተገልጸ እዩ። 21. ንስኻትኩም እምነትኩምን ተስፋኹምን ኣብ ኣምላኽ ምእንቲ ኺኸውን፥ በቲ ካብ ምዉታት ዘተንሥኦ ኽብሪውን ዝሃቦ ኣምላኽ ኣመንኩም። 22. ንሓቂ እናተኣዘዝኩምዋ፥ ግብዝና ንዘይብላ ፍቕሪ ኣኅዋት ነፍስኹም ስለ ዘጽሬኹም ብንጹሕ ልቢ ንሓድሕድኩም ተፋቐሩ። 23. ብሕያውን ንዘለዓለም ብዚነብርን ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እምበር ካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኮንኩምን ከም ብሓዱሽ ዝተወለድኩም። 24. ከመይ “ዅሉ ሰብ ከም ሣዕሪ፥ ዅሉ ኽብሪውን ከም ዕንባባ መሮር እዩ። እቲ ሣዕሪ ይነቅጽ፥ እቲ ዕንባባውን ይረግፍ፥ 25. ቃል እግዚኣብሔር ግና ንዘለዓለም ይነብር።” እቲ ንኣኻትኩም ዝተበሠረ ቃል ኸኣ እዚ እዩ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 19 : 11 - 20 [English][ግእዝ]

11. ኣምላኽ ከኣ ብኢድ ጳውሎስ ብዙኅ እፁብ ተኣምራት ገበረ። 12. እንሆ ድማ መኣረምያኡ ወይ ክዳኑ ካብ ዝባኑ ወሲዶም፥ ኣብቶም ሕሙማት የንብሩ እሞ፥ ሕማሞም ይኃድጎም፥ ርኹሳት መናፍስቲውን ካብኣቶም ይወፁ ነበሩ። 13. ካብቶም ኣጋንንቲ ካብ ሰብ እናውፅኡ ዚዞሩ ዝነበሩ ኣይሁድ፥ ገሊኦም ነቶም ርኹሳት መናፍስቲ ዝኃደርዎም “በቲ ጳውሎስ ዚሰብኮ ኢየሱስ ክትወፁ እእዝዘኩም ኣሎኹ” እናበሉ ስም ጐይታና ኢየሱስ ኪሰምዩሎም ፈተኑ። 14. እቶም እዚ ዝገበሩ ኸኣ ሾብዓተ ደቂ ሓደ ኣስቄዋ ዚብሃል ኣይሁዳዊ ሊቀ ካህናት ነበሩ። 15. እቲ ርኹስ መንፈስ ድማ “ንኢየሱስ እፈልጦ፥ ንጳውሎስ እፈልጦ እየ፥ ንስኻትኩም ደኣ እንታዎት ኢኹም፧” እናበለ መለሰሎም። 16. እቲ ርኹስ መንፈስ ዝኃደሮ ሰብኣይ ከኣ፥ ዘሊሉ ሓነቖም እሞ ሰዓሮም፥ ክዳኖም ቀዲዱ፥ ዕርቃን ዝባኖም ኣውፂኡ፥ ኣቚሲሉ፥ ካብታ ቤት ሃዲሞም ክሳዕ ዚወፁ ድማ ንዅሎም ኣሕመቖም። 17. እዚ ነገር እዚ ኣብቶም ኣብ ኤፌሶን ዚነብሩ ኣይሁድን ግሪኻውያንን ኵሎም ተፈልጠ፤ ንዅሎምውን ፍርሃት ኃዞም፥ ስም ጐይታና ኢየሱስ ከኣ ኸበረ። 18. ካብቶም ዝኣመኑ ኸኣ፥ ብዙኃት በቲ ኽፉእ ግብሮም እናተኣመኑን፥ ብገሃድ እናተናዘዙን መጹ። 19. ብዙኃት ጠንቈልቲ ድማ መጻሕፍቶም ኣኪቦም ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣንደድዎ፤ ዋጋኡ ምስ ጸብጸብዎ ኸኣ ኃምሳ ሽሕ ድሪም ኮይኑ ተረኽበ፤ 20. ቃል ጐይታ ድማ ከምዚ ኢሉ እናኣስፋሕፍሐ ብኃይሊ በርትዐ።

 

ስንክሳር Synaxarium

አዝቂር
ወአባ ጳውሊ
ወአግናጥዮስ ምጥው ለአንበሳ
ወለልክዮስ
ወጻድቃነ ከዲህ
ወልደቱ ለተክለ ሃይማኖት

 

መዝሙር Psalm

መዝ 8 : 2 - 3 / መዝ ፰ : ፪ - ፫ [English][ትግርኛ]

ምእንቲ ተቓወምትኻ ነቲ ጸላእን ፈዳይ ሕነን ስቕ ከተብሎ፣ ካብ ኣፍ ቈልዑን ዚጠብውን ሓይሊ ኣዳሎኻ። ንሰማያትካ፣ ነቲ ስራሕ ኣጻብዕካ፣ ንስኻ ዘቘምካዮም፣ ወርሕን ከዋኽብትን እንተ ጠመትኩ፣

እምአፈ ደቂቅ ወሕፃናት አስተዳሎከ ስብሐተ፤
በእንተ ጸላኢ፤
ከመ ትንሥቶ ለጸላኢ ወለገፋዒ።


 

ወንጌል Gospel

ማቴ 18 : 1 - 7 [English][ግእዝ]

1. በታ ሰዓት እቲኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ “ኣብ መንግሥተ ሰማያት መን ይዓቢ፧” እናበሉ ናብ ኢየሱስ ቀረቡ። 2. ኢየሱስ ድማ ሓደ ሕፃን ናብኡ ጸዊዑ ኣብ ማእከሎም ኣቖሞ እሞ ከምዚ በለ፦ 3. “እንተ ዘይተመለስኩም፥ ከም ሕፃናትውን እንተ ዘይኰንኩም ናብ መንግሥተ ሰማያት ከቶ ኸም ዘይትኣትዉ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 4. እቲ ኸምዚ ሕፃን እዚ ርእሱ ዜትሕት ንሱ እዩ ኣብ መንግሥተ ሰማያት ካብ ኵሉ ዚዓቢ። 5. እቲ ንኸምዚ ዝበለ ሕፃን ብስመይ ዚቕበል ንኣይ ይቕበል። 6. እቲ ንሓደ ኻብዞም ብኣይ ዚኣምኑ ናእሽቱ ዜስሕት ድማ ኣድጊ ዝጥሕነሉ መጥሓን ኣብ ክሳዱ ኣሲሮም ኣብ መዓሙቚ ባሕሪ ኬጥሕልዎ ይኅሾ።” 7. “ዕንቅፋት ብግዲ ኺመጽእ እዩ እሞ፥ ብዛዕባ ዕንቅፋት ንዓለም ወይለኣ፥ ምናዳ ነቲ ዕንቅፋት ብሰሩ ዚመጽእ ሰብ ወይለኡ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘአበዊነ ሐዋርያት(ዘበደሃሪ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 51 : 14 - 16 / መዝ ፶ : ፲፬ - ፲፮ [English][ትግርኛ]

ልሳነይውን ንጽድቅኻ እልል ክትብለሉ እያ። ጐይታየ፣ ኣፈይ ምስጋናኻ ኺነግርሲ፣ ከናፍረይ ክፈት። መስዋእቲ ባህ ኣየብለካን እዩ፣ እንተ ዘይኰነስ መቕረብኩልካ ነይረ።

ይትፌሣሕ ልሳንየ በጽድቀ ዚአከ እግዚኦ፤
ትከሥት ከናፍርየ ወአፉየ ያየድዓ ስብሐቲከ፤
ሶበሰ ፈቀድከ መሥዋዕተነ እምወሀብኩ።


 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 1 : 61 - 67 [English][ግእዝ]

61. ንሳቶም ከኣ “ካብ ኣዝማድኪ በዚ ስም እዚ ዚጽዋዕ ሓደ እኳ የልቦን” በልዋ። 62. ነቦኡ ድማ መን ኢሉ ኺስምዮ ኸም ዚደሊ እናመልከቱ ሓተትዎ። 63. ንሱ ኸኣ ዚጽሕፈሉ ሰሌዳ ለሚኑ “ዮሓንስ” ኢሉ ጸሐፈ፤ ኵሎም ከኣ ተገረሙ። 64. ብኡብኡ ኣፉ ተኸፍተ ልሳኑውን ተፈትሐ፥ ንኣምላኽ እናኣመስገኖ ኸኣ ተዛረበ። 65. ኣብ ኵሎም እቶም ጐረባብቶም ድማ ፍርሃት ኰነ። እዚ ነገር እዚውን ኣብ መላእ ዝባን ይሁዳ ተወርየ። 66. ኃይሊ እግዚኣብሔር ከኣ ምስቲ ሕፃን ስለ ዝነበረት እቶም ነዚ ነገር እዚ ዝሰምዕዎ ዘበሉ “እዚ ሕፃን እዝስ እንታይ ኮን ኪኸውን እዩ፧” እናበሉ ኣብ ልቦም ይዓቚርዎ ነበሩ። 67. ንዘካርያስ ኣቦ ዮሓንስ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦ፥ ከምዚ ኢሉውን ተነበየ፦ ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ዘመነ ማርቆስ Readings for Saturday

ታሕሳስ 25, 2018 ብግእዝ Jan 03, 2026 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 145 : 17 - 18 / መዝ ፻፵፬ : ፲፯ - ፲፰ [English][ትግርኛ]

እግዚኣብሄር ብዅሉ መገዱ ጻድቕ እዩ፣ ብዅሉ ግብሩውን ሕያዋይ እዩ። እግዚኣብሄር ንዚጽውዕዎ ዅሎም፣ ብሓቂ ንዚጽውዕዎ ዅሎም ቀረባኦም እዩ።

ጻድቅ እግዚአብሔር በኵሉ ፍናዊሁ፤
ወኄር በኵሉ ምግባሩ፤
ቅሩብ እግዚአብሔር ለኵሎሙ እለ ይጼውዕዎ።


 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 7 : 24 - 29 [English][ግእዝ]

24. ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ እምበር ገጽ ርኢኹም ኣይትፍረዱ።” 25. ገለ ኻብ ሰብ ኢየሩሳሌም ድማ “እቲ ኪቐትልዎ ዚደልዩስ እዚዶ ኣይኮነን፧ 26. እንሆ ንሱ ብግህዶ ይዛረብ ኣሎ፥ ንሳቶምውን ገለ ኣይበልዎን፥ እዞም መኳንንቲ ደኾን ንሱ ክርስቶስ ከም ዝኾነ ብሓቂ ፈሊጦም ኮይኖም፧ 27. ግናኸ እዚ ኻበይ ከም ዝኾነ ንፈልጦ ኢና፥ ክርስቶስ ኪመጽእ ከሎ ግና ካበይ ከም ዝኾነ ዚፈልጦ ሓደ እኳ የልቦን” በሎ። 28. ኢየሱስ ከኣ ኣብ ቤት መቕደስ ኪምህር ከሎ ዓው ኢሉ “ንኣይ ትፈልጡኒ፥ ካበይ ምዃነይውን ትፈልጡ ኢኹም። ኣነ ብርእሰይ ኣይመጻእኩን፥ እቲ ዝለኣኸኒ ግና ሓቀኛ እዩ፥ ንእኡ ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። 29. ኣነ ግና ኻብኡ እየ፥ ንሱ ስለ ዝለኣኸኒ ኸኣ እፈልጦ እየ” በለ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

ቲቶ 2 : 9 - ፍም [English][ግእዝ]

9. ነቶም ግዙኣት ንጐይተቶም ብዅሉ ነገር ኪግዝኡ፥ ኼሓጉስዎም እምበር ከይታረኽዎም ምዓዶም። 10. እቲ ትምህርቲ እግዚኣብሔር መድኃኒና ኣብ ዅሉ ቕቡል ምእንቲ ኪኸውን ኸኣ ኣብ ዅሉ እሙናት ኪኾኑ እምበር ሰረቕቲ ኸይኮኑ ምዓዶም። 11. እቲ ምድኃን ዜምጽእ ጸጋ ኣምላኽ ንዅሉ ሰብ ተገሊጹ እዩ። 12. እዚ ንኽሕደትን ንዓለማዊ ትምኒትን ኃዲግና ኣብዚ ዓለም እዚ ገዛእ ርእስና ብምግታእን ብጽድቅን ብመንፈሳውነትን ክንነብር ይምህረና። 13. ከምዚ ኢልና ነቲ ቡሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምግላጽን ክብርን ንጽበ ኣሎና። 14. ንሱ ካብ ኃጢኣት ዘበለ ሓራ ምእንቲ ኼውጽኣና፥ ንሠናይ ግብሪ ዚቐንኡን ንእኡ ዚኾንዎን ሕዝቢ ምእንቲ ኼንጽሕ ገዛእ ርእሱ በጃና ኣኅለፈ። 15. እምበኣር ነዚ ነገር ምሃር፥ ብምሉእ ሥልጣን ኸኣ ምዓድን ገስጽን፥ ሓደ እኳ ኣይንዓቕካ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

1ይ ዮሐ 2 : 12 - 17 [English][ግእዝ]

12. ደቀየ፥ ኃጢኣትኩም ምእንቲ ስም ክርስቶስ ተኃዲጉልኩም እዩ እሞ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። 13. ኣቱም ኣቦታት፥ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። ኣቱም ኣጒባዝ፥ ነቲ እኩይ ስዒርኩምዋ ኢኹም እሞ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። ኣቱም ቈልዑ፥ ነቦ ስለ ዝፈለጥኩምዎ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። 14. ኣቱም ኣቦታት፥ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። ኣቱም ኣጒባዝ፥ ብርቱዓት ስለ ዝኾንኩምን፥ ቃል ኣምላኽ ኣባኻትኩም ይነብር ስለ ዘሎን፥ ነቲ እኩይውን ስለ ዝሰዓርኩምዋን፥ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። 15. ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ ፍቕሪ ኣቦ ኣብኡ የብሉን። 16. ከመይ ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፥ ፍትወት ሥጋን ክፉእ ትምኒት ዓይንን ብሃብትኻ ዕቡይ ምዃንን፥ ካብ ዓለም እዩ እምበር ካብ ኣቦ ኣይኮነን። 17. ዓለምን እቲ ዅሉ ፍትወታን ኃላፋይ እዩ፥ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለዓለም ይነብር።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 13 : 38 - 43 [English][ግእዝ]

38. - 39. እምብኣርሲ ኣቱም ኣኅዋትና፥ እዚ ዚንገረኩም ዘሎ መልእኽቲ ‘ኅድገት ኃጢኣት ብኢየሱስ እዩ’ ዚብል ከም ዝኾነ ፍለጡ። እቲ ብሕጊ ሙሴ ኺጸድቕ ዘይተኻእሎ፥ ነፍስ ወከፍ ብኢየሱስ ዚኣምን ዘበለ ይጸድቕ። 40. - 41. ስለዚ እቲ ብነቢያት ‘ኣቱም መላገጽቲ ርኣዩ፥ ሓደ እኳ እንተ ነገረኩም ከቶ ዘይትኣምንዎ ግብሪ ብዘመንኩም ክገብር እየ እሞ ተገረሙን ጥፍኡን’ ዚብል ኣባኻትኩም ከይፍጸም ተጠንቀቑ።” 42. ጳውሎስን በርናባስን ካብቲ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኪወፁ ኸለው ኸኣ፥ በታ እትመጽእ ሰንበትውን ከም ብሓድሽ ነዚ ቓል እዚ ኪነግርዎም ለመንዎም። 43. እቲ ኣኼባ ምስ ተበተነ ኸኣ ካብ ኣይሁድን ካብቶም ንኣምላኽ ዚፈርሁ ናብ እምነት ኣይሁድ ዝኣተዉ ወገን ኣሕዛብን፥ ብዙኃት ንጳውሎስን ንበርናባስን ሰዓብዎም። ንሳቶም ከኣ ተዛረብዎም፤ ኣብ ጸጋ ኣምላኽ ጸኒዖም ኪነብሩ ድማ ኣተባብዕዎም።

 

ስንክሳር Synaxarium

ዮሐንስ ከማ
ወመቃብያን ፫ቱ
ኒቆላ ወብእሲቱ
ወአባ ዳንኤል

 

መዝሙር Psalm

መዝ 138 : 7 - 8 / መዝ ፻፴፯ : ፯ - ፰ [English][ትግርኛ]

ኢድካ ኣብ ኵራ ጸላእተይ ትዝርግሕ፣ የማነይቲ ኢድካውን ተድሕነኒ። እግዚኣብሄር ኪፍጽመለይ እዩ፣ ጐይታየ፣ ጸጋኻ ንዘለአለም ይነብር፣ ንተግባር ኣእዳውካ ኣይትሕደጎ።

ወአድኀነኒ የማንከ፤
ወእግዚአብሔር ይትቤቀል ሊተ፤
እግዚኦ ሣህልከ ለዓለም።


 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 10 : 14 - 18 [English][ግእዝ]

14. - 15. ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፤ ኣቦ ነኣይ ከም ዚፈልጠኒ ኣነውን ንኣቦ ከም ዝፈልጦ፥ ነባጊዐይ እፈልጠን እየ፤ እተን ኣባጊዐይውን ይፈልጣኒ እየን፤ ንሕይወተይ ከኣ በጃ እተን ኣባጊዕ አኅልፋ። 16. ካብዚ መጓሰ እዚ ዘይኮና ኻልኦት ኣባጊዕውን ኣለዋኒ፥ ንኣኣተን ድማ ኸምጽአን እየ፥ ቃለይውን ኪሰምዓ እየን፥ ሓደ መጓሰን ሓደ ጓሳን ከኣ ኪኾና እየን። 17. ኣነ ንሕይወተይ በጃ ኣኅሊፈ ዝህባ መሊሰውን ዝወስዳ ስለ ዝኾንኩ ኣቦ የፍቅረኒ እዩ። 18. ባዕለይ እየ በጃ ኣኅሊፈ ዝህባ እምበር ካባይ ዚወስዳስ ሓደ እኳ የልቦን፤ በጃ ኸኅልፋ፥ መሊሰውን ክወስዳ ሥልጣን ኣሎኒ፤ ነዚ ትእዛዝ እዚ ካብ ኣቦይ እየ ዝተቐበልክዎ።” ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘእግዚእነ(ነአኩተከ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 98 : 2 - 3 / መዝ ፺፯ : ፪ - ፫ [English][ትግርኛ]

እግዚኣብሄር ምድሓኑ ኣፍለጠ፣ ጽድቁ አብ ቅድሚ ኣህዛብ ገለጸ። ሳህሉን እምነቱን ንቤት እስራኤል ዘከረ፣ ኵሉ ወሰናት ምድሪ ንምድሓን ኣምላኽና ረአየ።

አርአየ እግዚአብሔር አድኅኖቶ፤
ወበቅድመ አሕዛብ ከሠተ ኪዳኖ፤
ወተዘከረ ሣህሎ ለያዕቆብ።


 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 10 : 16 - 21 [English][ግእዝ]

16. ካብዚ መጓሰ እዚ ዘይኮና ኻልኦት ኣባጊዕውን ኣለዋኒ፥ ንኣኣተን ድማ ኸምጽአን እየ፥ ቃለይውን ኪሰምዓ እየን፥ ሓደ መጓሰን ሓደ ጓሳን ከኣ ኪኾና እየን። 17. ኣነ ንሕይወተይ በጃ ኣኅሊፈ ዝህባ መሊሰውን ዝወስዳ ስለ ዝኾንኩ ኣቦ የፍቅረኒ እዩ። 18. ባዕለይ እየ በጃ ኣኅሊፈ ዝህባ እምበር ካባይ ዚወስዳስ ሓደ እኳ የልቦን፤ በጃ ኸኅልፋ፥ መሊሰውን ክወስዳ ሥልጣን ኣሎኒ፤ ነዚ ትእዛዝ እዚ ካብ ኣቦይ እየ ዝተቐበልክዎ።” 19. ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ማእከል ኣይሁድ ከም ብሓዱሽ ምፍልላይ ኮነ። 20. ሽዑ ካብኣቶም ብዙኃት “ጋኔን ኂዝዎ እዩ ዚዓብድ ዘሎ፤ ስለምንታይ ኢኹም እትሰምዕዎ፧” በሉ። 21. ኻልኦት ግና “እዚ ጋኔን ናይ ዝኃደሮ ዘረባ ኣይኮነን፤ ጋኔንዶ ኣዕይንቲ ዕዉራት ኪኸፍት ይከኣሎ እዩ፧” በሉ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።

 

ዘመነ ማርቆስ Readings for Sunday

ታሕሳስ 26, 2018 ብግእዝ Jan 04, 2026 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 119 : 67 - 68 / መዝ ፻፲፰ : ፷፯ - ፷፰ [English][ትግርኛ]

ከይተዋረድኩ ተጋጌኹ፣ ሕጂ ግና ቓልካ እሕሉ ኣሎኹ። ንስኻ ሰናይ ኢኻ እሞ፣ ሰናይ ትገብር ኣሎኻ፣ ስርዓታትካ ምሀረኒ።

ወአንሰ ዘእንበለ እሕምም ነሳሕኩ፤
ወበእንተዝ አነ ዐቀብኩ ነቢበከ፤
ኄር አንተ እግዚኦ።


 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 7 : 30 - 36 [English][ግእዝ]

30. ስለዚ ኺኅዝዎ ደለዩ፥ ጊዜኡ ስለ ዘይበጽሐ ግና ኢዱ ዘልዓለሉ ሓደ እኳ ኣይነበረን። 31. ካብቶም ሕዝቢ ኸኣ ብዙኃት ብእኡ ኣመኑ እሞ “ክርስቶስ ምስ ዚመጽእከ ኻብዚ ንሱ ዚገብሮ ዘሎ ትእምርቲ ዚበዝኅዶ ኺገብር ኮይኑ፧” በሉ። 32. ፈሪሳውያን ድማ እቶም ሕዝቢ ብዛዕባኡ ኸምዚ ኢሎም ከም ዘጒረምረሙ ምስ ሰምዑ፥ ምስ ሊቃነ ካህናት ኮይኖም ኪኅዝዎ ገላውኦም ለኣኹ። 33. ስለዚ ኢየሱስ “ገና ቚሩብ ጊዜ ምሳኻትኩም ኣሎኹ፥ ናብቲ ዝለኣኸኒ ኸኣ ክኸይድ እየ። 34. ክትደልዩኒ ኢኹም፥ እንተኾነ ኣይክትረኽቡንን ኢኹም፥ ናብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኸኣ ኽትመጹ ኣይክትክእሉን ኢኹም” በሎም። 35. ስለዚ ኣይሁድ “ንሕና ኽንረኽቦ ዘይንኽእል እዚ ናበይ ኪኸይድ ኮን ሓሊኑ እዩ፧ ናብቶም ኣብ ሃገር ግሪኽ ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ደኾን ኪኸይድ እሞ ነቶም ግሪኻውያን ኪምህር ሓሲቡ ኾይኑ፧ 36. ‘ክትደልዩኒ ኢኹም ግና ኣይክትረኽቡንን ኢኹም፥ ናብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኽትመጹ ኸኣ ኣይክትክእሉን ኢኹም’ ዚብሎ ዘሎ ዘረባስ እንታይ እዩ፧” ተበሃሃሉ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

1ይ ቆሮ 7 : 34 - ፍም [English][ግእዝ]

34. በዚ ኸኣ ሓሳቡ ኣብ ክልተ ኽፉል እዩ። እታ ዘይተመርዓወት ሰበይቲ ወይ ድንግል ድማ ሥጋኣን መንፈሳን ምእንቲ ኪቕደስ ኢላ ብናይ ጐይታ እያ እትኃሊ፥ እታ ምርዕውቲ ግና ከመይ ገይራ ንሰብኣያ ኸም እተሐጒሶ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እያ እትኃሊ። 35. እዚ ዝብለኩም ዘሎኹ ንረብሓኹም ብግቡእን ብዘይ ምዝንጋዕን ንጐይታ ኸተገልግሉ ኢለ እየ እምበር ልጓም ክገብረልኩም ኢለ ኣይኮንኩን። 36. ግናኸ ሓደ ሰብ ሕጽይቱ ብጽሕቲ እንተ ኾነት ንፍትወት ሥጋኡ ድማ ምግታእ ብምስኣኑ ኪምርዓዋ እንተ ሓሰበ ዝደለዮ ይግበር፥ ይመርዓዋ፥ ኃጢኣት የብሉን። 37. ግናኸ እቲ ዝገደዶ ዘይብሉ ንኸይምርዖ ዝቘረጸ፥ ንድላዩውን ገቲኡ ዚኽእል፥ ነቲ ኺገብሮ ዘለዎ ኸኣ ድሮ መዲብዎ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ነታ ሕጽይቱ እንተ ዘይተመርዓዋ ጽቡቕ ይገብር። 38. ስለዚ እቲ ንሕጽይቱ ዚምርዓዋ ጽቡቕ ይገብር፥ እቲ ዘይምርዖ ከኣ ዝኃሸ ይገብር። 39. ሰበይቲ ሰብኣያ ብሕይወቱ ክሳዕ ዘሎ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፥ ብእግዚኣብሔር ጥራይ ደኣ ይኹን እምበር፥ ኣብ ዝደለየቶ ኽትምርዖ ሓራ እያ። 40. ከም ሓሳበይ ግና ከምቲ ዘላቶ ኾይና እንተ ትነብር፥ ኣዝያ ምተሓጐሰት፥ ኣነውን መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘሎኒ ይመስለኒ ኣሎ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

1ይ ዮሐ 5 : 14 - ፍም [English][ግእዝ]

14. ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ ኸም ዚሰምዓና ስለ እንፈልጥ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትብዓት ኣሎና። 15. እቲ ዝለመንናዮ ዘበለ ኸም ዚሰምዓና ስለ እንፈልጥ ድማ እቲ ኻብኡ ዝለመንናዮ ድሮ ከም ዝረኸብናዮ ንፈልጥ ኢና። 16. ሓደ፥ ንኃዉ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ኃጢኣት ኪገብር እንተ ረኣዮ ይጸልየሉ፥ ኣምላኽ ከኣ ሕይወት ኪህቦ እዩ። እዚ ነቶም ናብ ሞት ዘየብጽሕ ኃጢኣት ዚገበሩ እዩ ዜርኢ። ናብ ሞት ዜብጽሕ ኃጢኣት ኣሎ፥ “ይጸልየሉ” ዝብል ዘሎኹ ብዛዕባ እዚ ኣይኮነን። 17. ክፉእ ሥራሕ ዘበለ ዅሉ ኃጢኣት እዩ። እንተኾነ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ኃጢኣትውን ኣሎ። 18. እቲ ካብ ኣምላኽ ዝተወልደ ኃጢኣት ከም ዘይገብር ንፈልጥ ኢና። ወዲ ኣምላኽ ስለ ዚሕልዎ እቲ ኽፉእ ኣይትንክዮን እዩ። 19. ንሕና ናይ ኣምላኽ ከም ዝኾንና፥ ብዘላ ዓለም ከኣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እቲ ኽፉእ ከም ዘላ ንፈልጥ ኢና። 20. እቲ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝመጸ፥ ንእኡ፥ ነቲ ሓቂ ዝኾነ፥ ክንፈልጦ ኢሉ ምስትውዓል ከም ዝሃበና ንፈልጥ ኢና። ንሕና ኣብቲ ሓቂ ዝኾነ፥ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱ ኢና ዘሎና። ንሱ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለዓለም ሕይወትን እዩ። 21. ኣቱም ደቀየ፥ ካብ ጣዖታት ተሓለዉ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 15 : 13 - 19 [English][ግእዝ]

13. ንሳቶም ስቕ ምስ በሉ ኸኣ ያዕቆብ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ - “ኣቱም ኣኅዋትና ስምዑኒ፡ - 14. ኣምላኽ ንስሙ ሕዝቢ ምእንቲ ኬቕውም፥ ቅድም ነሕዛብ ከመይ ገይሩ ከም ዝበጽሖም፥ ስምዖን ኣዘንትዩ ኣሎ። 15. “ከምቲ ጽሑፍ ዚብሎ፥ እዚ ነገር እዚ ምስቲ ቃል ነቢያት ዚሰማማዕ እዩ፡ - 16. ‘ብድኅርዚ ክምለስ እየ፥ ነታ ወዲቓ ዘላ ቤት ዳዊት ከም ብሓድሽ ክሠርሓ፥ ነቲ ዖናኣ መሊሰ ኽሓንጾ ክሕድሶውን እየ፤ 17. እዚ ኸኣ እቶም ዝተረፉ ሰባትን እቶም ስመይ ኣብኣቶም ዝተጸውዐ ዅሎም ኣሕዛብን ንጐይታ ምእንቲ ኺደልዩ ኢለ እየ፥’ 18. ይብል እቲ ነቶም ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ዝተፈልጡ ነገራት ዝፈጠረ እግዚኣብሔር። 19. “እምበኣርከስ ንኣይ ከም ዚርኣየኒ ነቶም ካብ ኣሕዛብ ናብ ኣምላኽ ዚምለሱ ዘለዉ ኣይነኽብደሎም።

 

ስንክሳር Synaxarium

አንስጥያ
ወዮልያና
ወአቦሊ

 

መዝሙር Psalm

መዝ 20 : 2 - 3 / መዝ ፲፱ : ፪ - ፫ [English][ትግርኛ]

ካብ መቕደስ ረዲኤት ይስደደልካ፣ ካብ ጽዮን ከኣ ይደግፍካ። ንመስዋእቲ ብልዕኻ ዘበለ ይዘክሮ፣ ንመስዋእቲ ምሕራርካውን ይቀበሎ።

ወይፈኑ ለከ ረድኤተ እምቅደሱ፤
ወእምጽዮን ይትወከፍከ፤
ወይዝክር ለከ ኵሎ መሥዋዕተከ።

 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 17 : 18 - 23 [English][ግእዝ]

18. ከምቲ ንኣይ ናብ ዓለም ዝለኣኽካኒ ከምኡውን ኣነ ናብ ዓለም ለኣኽክዎም። 19. ንሳቶም ብሓቂ ምእንቲ ኪቕደሱስ ኣነ ንርእሰይ ምእንትኦም እቕድስ ኣሎኹ። 20. “ምእንቲ እቶም ብቓሎም ብኣይ ዚኣምኑ ድማ እምበር ምእንቲ እዚኣቶም ጥራይ ኣይኮንኩን ዝልምን ዘሎኹ። 21. ኦ ኣቦ! ንስኻ ከም ዝለኣኽካኒ ዓለም ምእንቲ ኽትኣምንሲ፥ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኺኾኑ፥ ከምቲ ንስኻ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ፥ ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ምእንቲ ኪኾኑ፥ እልምን ኣሎኹ። 22. ንሕና ሓደ ኸም ዝኾንና ንሳቶምውን ሓደ ምእንቲ ኪኾኑ እቲ ዝሃብካኒ ኽብሪ ሃብክዎም። 23. እዚ ድማ ኸምቲ ኣነ ኣብኣቶም ንስኻውን ኣባይ ዝኾንካ፥ ንሳቶምውን ብሓድነት ፍጹማት ምእንቲ ኪኾኑ፥ ከምኡ ድማ ንኣይ ከም ዝለኣኽካኒ፥ በቲ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪውን ንኣኣቶም ከም ዘፍቀርካዮም ዓለም ምእንቲ ክትፈልጥ እዩ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘዮሐንስ ወልደ ነጐድጓድ (ሃቤከ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 41 : 5 - 6 / መዝ ፵ : ፭ - ፮ [English][ትግርኛ]

ጸላእተይ፣ መአዝ ኰን ኪመውት፧ መአዝሲ ስሙ ኺጠፍእ እዩ፧ ኢሎም ብአይ ክፉእ ይዛረቡ ኣለዉ። ሓደ እንተ በጽሓኒ፣ ብልግሚ ይዛረብ፣ ኣብ ልቡ ኽፍኣት ይእክብ፣ ምስ ወጸ ይዛረቦ።

ይባእ ወይርአይ ዘከንቶ ይነብብ፤
ልቡ አስተጋብአ ኃጢአተ ላዕሌሁ፤
ይወፅእ አፍአ ወይትናገር ወየኀብር ላዕሌየ።


 

ወንጌል Gospel

ማር 14 : 6 - 11 [English][ግእዝ]

6. ኢየሱስ ከኣ “ነዛ ሰበይቲ ስለምንታይ ትድህልዋ ኣሎኹም፧ ኅደግዋ፥ ሠናይ ግብሪ እያ ዝገበረትለይ። 7. ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፥ ሠናይ ግብሪ ኽትገብርሎም እንተ ደሌኹም ከኣ ይኸኣለኩም እዩ። ንኣይ ግና ኹሉ ሳዕ ኣይክትረኽቡንን ኢኹም። 8. ንሳ እቲ ዓቕማ እያ ዝገበረት፥ ኣቐዲማውን ንቐብረይ ሰብነተይ ቀብአት። 9. እዚ ወንጌል እዚ ኣብ ዝተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኵሉ ዓለም እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ከም ዚንገር ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ” በሎም። 10. ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፥ ሓደ ካብቶም ዓሠርተው ክልተ፥ ንኢየሱስ ኣኅሊፉ ኺህቦ ናብ ሊቃነ ካህናት ከደ። 11. ንሳቶም ነዚ ሰሚዖም ተሓጐሱ፥ ገንዘብ ክህብዎ ኸኣ ተወዓዓልዎ፤ ንሱ ድማ ኣኅሊፉ ኪህቦ ምሹእ እዋን ይደሊ ነበረ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!

 

Show/Hide መዝሙር ( Hymn )

መዝሙር

- በ፪(2)፤ ኖላዊ ዘመጽአ ውስተ ዓለም ወልዱ ወቃሉ ለእግዚአብሔር። ዘወረደ እምላዕሉ በዓቅሙ ክርስቶስ እስመ ውእቱ እግዚአ ለሰንበት፤ ይቤሎ አብ ለወልዱ ወልድየ ንበር በየማንየ።

ምልጣን

ወልድየ ንበር በየማንየ፤ ወልድየ ንበር በየማንየ።

ሰላም

ፈኑ ሰላመ ላዕለ ሕዝብከ ኖላዊ ኄር ስቡሕ መኑ ከማከ እምሰማይ ወረድከ በትእዛዘ አቡከ ከመ ትቤዙ ሕዝበከ ለዕረፍት ሰንበተ ሠራዕከ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

ዕብ 13 : 16 - ፍም [English][ግእዝ]

16. ንኣምላኽ ከምዚ ዘኣመሰለ መሥዋዕቲ ኣዝዩ እዩ ዜሐጒሶ እሞ ሠናይ ምግባርን ዘሎኩም ምስ ካልኦት ምምቓል ኣይትረስዑ። 17. ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቲ ጸብጻብ ዚህብ ነቒሖም ይሕልውኹም ኣለዉ። ስለዚ ነዚ ብጓሂ እንተ ገበርዎ ንኣኻትኩም ኣይጠቕመኩምን እዩ እሞ ተሓጒሶም ከም ዚገብርዎ ግበሩ። 18. ቅኑዕ ሕሊና ከም ዘሎና ርግጸኛታት ኢና፥ ኣብ ኵሉ ጽቡቕ ንምግባርውን ድላይ ኣሎና። ስለዚ ጸልዩልና። 19. ኣውራ ግና ከም ብሓድሽ ናባኻትኩም ምእንቲ ቐልጢፈ ኽምለስ ክትጽልዩ እልምነኩም ኣሎኹ። 20. እቲ ሰላም ዚህብ ኣምላኽ፥ ብደም እቲ ናይ ዘለዓለም ኪዳን ገይሩ ንጐይታና ኢየሱስ ካብ ሞት ብምትንሣእ ዓቢይ ጓሳ ኣባጊዕ ዝገበሮ፥ 21. ፍቓዱ ምእንቲ ኽትፍጽሙ ብሠናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ የዕጥቕኩም። ብኢየሱስ ክርስቶስ ኸኣ ኸምቲ ንእኡ ባህ ዜብሎ ገይሩ ኣባና ይዕየ። ንእኡ ካብ ዘለዓለም ንዘለዓለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። 22. ኣቱም ኣኅዋተይ፥ ነዚ ኣሕጽር ኣቢለ ጽሒፈልኩም ዘሎኹ ቃል ምዕዶ፥ ብትዕግሥቲ ኽትቅበልዎ እልምነኩም ኣሎኹ። 23. ጢሞቴዎስ ኃውና ኸም ዚተፈትሐ ፍለጡ፥ ንሱ ቐልጢፉ ናባይ እንተ መጸ ኸኣ ብሓደ ዄንና ክንበጽሓኩም ኢና። 24. ንኹሎም መራሕትኹምን ንኹሎም እቶም ቅዱሳንን ሰላም በልዎም። እቶም ካብ ኢጣልያ ዝኾኑ ሰላም ይብልኹም ኣለዉ። 25. ጸጋ ምስ ኲልኻትኩም ይኹን።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

1ጴጥ 2 : 21 - ፍም [English][ግእዝ]

21. ንስኻትኩምውን ነዚ ኢኹም ዝተጸዋዕኩም፥ ክርስቶስ ድማ ኣሰር ኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ ምእንታኹም መከራ ተቐበለ፥ ኣርኣያውን ኃደገልኩም። 22. “ንሱ ኃጢኣት ኣይገበረን፥ ሓሶትውን ኣብ ኣፉ ኣይተረኽበን።” 23. ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ኣይጸረፈን፥ መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ኣምላኽ ደኣ ነገሩ ኣኅሊፋ ሃበ እምበር ኣየፈራርሀን። 24. ካብ ኃጢኣት ርሒቕና ብጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር ንሱ ባዕሉ ንኃጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሸንከረ ስብነቱ ፆሮ። ብቚስሉ ኢኹም ዝሓዌኹም። 25. ከመይ ከም ኣባጊዕ ተባሪርኩም ጠፊእኩም ነበርኩም፥ ሕጂ ግና ናብቲ ጓሳኹምን ሓላዊ ነፍሳትኩምን ተመሊስኩም ኣሎኹም።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ 15 : 13 - 22 [English][ግእዝ]

13. ንሳቶም ስቕ ምስ በሉ ኸኣ ያዕቆብ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡- “ኣቱም ኣኅዋትና ስምዑኒ፡- 14. ኣምላኽ ንስሙ ሕዝቢ ምእንቲ ኬቕውም፥ ቅድም ነሕዛብ ከመይ ገይሩ ከም ዝበጽሖም፥ ስምዖን ኣዘንትዩ ኣሎ። 15. “ከምቲ ጽሑፍ ዚብሎ፥ እዚ ነገር እዚ ምስቲ ቃል ነቢያት ዚሰማማዕ እዩ፡- 16. ‘ብድኅርዚ ክምለስ እየ፥ ነታ ወዲቓ ዘላ ቤት ዳዊት ከም ብሓድሽ ክሠርሓ፥ ነቲ ዖናኣ መሊሰ ኽሓንጾ ክሕድሶውን እየ፤ 17. እዚ ኸኣ እቶም ዝተረፉ ሰባትን እቶም ስመይ ኣብኣቶም ዝተጸውዐ ዅሎም ኣሕዛብን ንጐይታ ምእንቲ ኺደልዩ ኢለ እየ፥’ 18. ይብል እቲ ነቶም ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ዝተፈልጡ ነገራት ዝፈጠረ እግዚኣብሔር። 19. “እምበኣርከስ ንኣይ ከም ዚርኣየኒ ነቶም ካብ ኣሕዛብ ናብ ኣምላኽ ዚምለሱ ዘለዉ ኣይነኽብደሎም። 20. እኳ ደኣ ‘ንጣዖታት ብምሥዋዑ ካብ ዝረኸሰ ምግቢ፥ ካብ ዝሙት፥ ካብ ሓሊቑ ዝጸንሐ እንስሳን ካብ ደምን ተሓለዉ’ ኢልና ንጽሓፈሎም። 21. ምኽንያቱ ነዚ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ንሕጊ ሙሴ ሰንበት ሰንበት ኣብ ቤት ጸሎቶም፥ ኣብ ኵሉ ዓዲ እናንበቡ ዚሰብክዎ ኣለዉ።” 22. ሽዑ እቶም ሓዋርያትን መራሕትን ምስ ኵላ ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም፥ ምስ ጳውሎስን በርናባስን ናብ ኣንጾኪያ ዚሰድዎም ሰባት ካብ መንጎኦም ኪኃርዩ መደቡ፤ ስለዚ ኸኣ ነቶም ኣብ ማእከል ኣኅዋት ምርኡያት ዝነበሩ፥ በርሰባስ ዚብልዎ ይሁዳን ሲላስን፥ ለኣኹ።

 

መዝሙር Psalm

መዝ 80 : 1 - 2 / መዝ ፸፱ : ፩ - ፪ [English][ትግርኛ]

ዎ ጓሳ እስራኤል፣ ጽን በል። ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ፣ ኣታ አብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ፣ በሪህካ ተገለጽ።

ኖላዊሆሙ ለእስራኤል አፅምእ፤
ዘይርዕዮሙ ከመ አባግዐ ዮሴፍ፤
ዘይነብር ላዕለ ኪሩቤል አስተርአየ።


ወንጌል Gospel

ዮሐ 10 : 1 - 21 [English][ግእዝ]

1. ኣስዒቡ ኸኣ ኢየሱስ ከምዚ በለ፦ “እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱ፥ ብኻልእ ወገን ዚሓኵር፥ ንሱ ሰራቕን ጒሒላን ከም ዝኾነ ብሓቂ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 2. እቲ ብኣፍ ደገ ዚኣቱ ግና ንሱ ጓሳ ኣባጊዕ እዩ። 3. ንእኡ እቲ ሓላው ኣፍ ደገ ይኸፍተሉ፥ እተን ኣባጊዕውን ድምፁ ይሰምዓ፥ ነተን ኣባጊዑ ኸኣ በብስመን ጸዊዑ የውፍረን። 4. ንዅለን ነተን ኣባጊዑ ምስ ኣውፈረን ድማ ቀቅድሚአን ይኸይድ፥ እተን ኣባጊዑውን ድምፁ ስለ ዘለልያ ይስዕባኦ። 5. ንጓና ግና ድምፁ ስለ ዘየለልያ፥ ኻብኡ ይገልባ እምበር ኣይስዕባኦን እየን።” 6. ኢየሱስ ነዚ ምስላ እዚ መሰለሎም፥ ንሳቶም ግና ነቲ ዝተዛረቦም ኣየስተውዓልዎን። 7. ስለዚውን ኢየሱስ ከም ብሓድሽ ከምዚ በሎም፦ “ብሓቂ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፥ እቲ ኣፍ ደገ ኣባጊዕ ኣነ እየ። 8. እቶም ቅድመይ ዝመጹ ዅላቶም ሰረቕትን ጐሓሉትን እዮም፥ እተን ኣባጊዕ ግና ኣይሰምዓኦምን እየን። 9. እቲ ኣፍ ደገ ኣነ እየ፤ ብኣይ ዚኣቱ ኪድኅን እዩ፤ ኪኣቱን ኪወፍርን እዩ፤ መጓሰዪውን ኪረክብ እዩ። 10. ሰራቒ ኪሰርቕን ኪሓርድን ኬጥፍእን እንተ ዘይኮይኑ ኣይመጽእን እዩ፤ ኣነ ግና ሕይወት ምእንቲ ኺረኽባ፥ ብምልኣትውን ምእንቲ ኺረኽባ እየ ዝመጻእኩ። 11. “ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፥ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ሕይወቱ በጃ ኣባጊዑ ኣኅሊፉ ይህብ። 12. እቲ ጓሳ ዘይኮነ ብዓል ዓስቢ ግና፥ እተን ኣባጊዕ ዘይጥሪቱ ስለ ዝኾና ተዅላ ኪመጽእ እንተ ረኣየ፥ ነተን ኣባጊዕ ኃዲግወን ይሃድም፥ እቲ ተዅላ ድማ ነተን ኣባጊዕ ይዝርፈን ፋሕውን የብለን። 13. ብዓል ዓስቢ ስለ ዝኾነ ይሃድም፥ ግዲ እተን ኣባጊዕውን የብሉን። 14. -15. ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፤ ኣቦ ነኣይ ከም ዚፈልጠኒ ኣነውን ንኣቦ ከም ዝፈልጦ፥ ነባጊዐይ እፈልጠን እየ፤ እተን ኣባጊዐይውን ይፈልጣኒ እየን፤ ንሕይወተይ ከኣ በጃ እተን ኣባጊዕ አኅልፋ። 16. ካብዚ መጓሰ እዚ ዘይኮና ኻልኦት ኣባጊዕውን ኣለዋኒ፥ ንኣኣተን ድማ ኸምጽአን እየ፥ ቃለይውን ኪሰምዓ እየን፥ ሓደ መጓሰን ሓደ ጓሳን ከኣ ኪኾና እየን። 17. ኣነ ንሕይወተይ በጃ ኣኅሊፈ ዝህባ መሊሰውን ዝወስዳ ስለ ዝኾንኩ ኣቦ የፍቅረኒ እዩ። 18. ባዕለይ እየ በጃ ኣኅሊፈ ዝህባ እምበር ካባይ ዚወስዳስ ሓደ እኳ የልቦን፤ በጃ ኸኅልፋ፥ መሊሰውን ክወስዳ ሥልጣን ኣሎኒ፤ ነዚ ትእዛዝ እዚ ካብ ኣቦይ እየ ዝተቐበልክዎ።” 19. ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ማእከል ኣይሁድ ከም ብሓዱሽ ምፍልላይ ኮነ። 20. ሽዑ ካብኣቶም ብዙኃት “ጋኔን ኂዝዎ እዩ ዚዓብድ ዘሎ፤ ስለምንታይ ኢኹም እትሰምዕዎ፧” በሉ። 21. ኻልኦት ግና “እዚ ጋኔን ናይ ዝኃደሮ ዘረባ ኣይኮነን፤ ጋኔንዶ ኣዕይንቲ ዕዉራት ኪኸፍት ይከኣሎ እዩ፧” በሉ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘእግዝእትነ ማርያም(ጐሥዓ)