ዘመነ ማርቆስ Readings for Monday
ነሐሰ 25, 2018 ብግእዝ Aug 31, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 89 : 8 - 9 / መዝ ፹፰ : ፰ - ፱ [English][ትግርኛ]
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፣ ከማኻ ስልጡን መን እዩ፧ ዎ ጐይታይ፣ እምነትካውን ኣብ ዙርያኻ ኣሎ። ንትዕቢት ባሕሪ ትገዝኦ፣ ማዕበላቱ እንተ ተንስኤ፣ ንስኻ ተህድኦ።
ኃያል አንተ እግዚኦ ወጽድቅ የዓውደከ፤
አንተ ትኴንን ኃይለ ባሕር፤
ወአንተ ታረምሞ ለድምፀ ማዕበላ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 8 : 5 - 13 [English][ግእዝ]5. - 6. ኢየሱስ ናብ ቅፍርናሆም ምስ ኣተወ፥ ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ናብኡ ቐሪቡ፥ “ጐይታይ! ወደይ መጻጕዕ ኮይኑ፥ ኣብ ገዛ ደቂሱ ኣዝዩ ይቚንዞ አሎ” እናበለ ለመኖ። 7. ኢየሱስ ድማ፥ “እኔኹ መጺአ ኸሕውዮ እየ” በሎ። 8. እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸኣ “ጐይታይ! ንስኻ ናብ ቤተይ ክትኣቱ፥ ኣይበቕዕን እየ፥ ግና ሓንቲ ቓል ጥራይ ደኣ ተዛረብ፥ ወደይ ድማ ኺሓዊ እዩ። 9. ኣነውን ኣብ ትሕቲ ሥልጣን ዝኃደርኩ ሰብ እየ፥ ኣብ ትሕተይ ድማ ወተሃደራት ኣሎውኒ፥ ነዚ ‘ኪድ’ እብሎ፥ ይኸይድ፥ ነቲ ኻልእ ‘ንዓ’ እብሎ፥ ይመጽእ፥ ንጊልያይ ድማ ‘እዚ ግበር’ እብሎ፥ ንሱ ድማ ይገብር” እናበለ መለሰሉ። 10. ኢየሱስ ነዚ ሰሚዑ ተደነቐ፥ ነቶም ዚስዕብዎ ዝነበሩ ድማ ኸምዚ በሎም፦ “ክንድዚ ዚኣክል እምነት ኣብ እስራኤል ኣብ ሓደ እኳ ከም ዘይረኸብኩ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 11. ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ብዙኃት ኪመጹ እዮም፥ ኣብ መንግሥተ ሰማያት ከኣ ምስ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን ኪቕመጡ እዮም፥ እብለኩም ኣሎኹ። 12. ደቂ መንግሥቲ ግና ናብቲ ኣብ ግዳም ዘሎ ጸልማት ኪድርበዩ እዮም፥ ኣብኡ ድማ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።” 13. ሽዑ ኢየሱስ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ “ኪድ፥ ከም ዝኣመንካዮ ይኹነልካ” በሎ። እቲ ወዲ ኸኣ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
[English][ግእዝ]10. ብዝተረፈስ ኣኅዋተየ፥ ብጐይታን ብጽንዓት ኃይሉን በርትዑ። 11. ንፍሕሶ ሰይጣን ተቓዊምኩም ምእንቲ ኽትክእሉ ኣፅዋር ኣምላኽ ብምሉኡ ልበሱ። 12. ከመይ ቅልስና ምስ ሕልቅነትን ሥልጣናትን፥ ምስቶም ንዘመን ጸልማት ዜመኃድሩ ገዛእቲ ዓለምን፥ ምስቶም ክፉኣት መናፍስትን ኣብ ሰማያት ዘለዉ እዩ እምበር ምስ ሰብ ኣይኮነን። 13. እምበኣር በታ ኽፍእቲ መዓልቲ ተቓዊምኩም ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ዅሉ ስዒርኩም ኸኣ ደው ክትብሉስ፥ ምሉእ ኣፅዋር ኣምላኽ ልበሱ። 14. ደጊም ሕቜኹም ብሓቂ ተዓጢቕኩም፥ ድርዒ ጽድቂውን ተኸዲንኩም ቁሙ። 15. ነቲ ሰላም ዚህብ ወንጌል ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሣእን ብምእታው ተዳሊኹም ደው በሉ። 16. ኣብ ርእሲ እዚ ዅሉ ኸኣ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ሃልሃል ዚብል ፍላጻታት ኵሉ ከተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ። 17. ናይ ምድኃን ቆብዕ ሓፂን ኣእትዉ፥ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሰይፊውን፥ ማለት ቃል ኣምላኽ፥ ኃዙ። 18. ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ ጸልዩ። ስለዚ ኸኣ ተስፋ ከይቆረጽኩም ስለ ዅሎም ኣመንቲ ኣብ ጸሎት ተጸመዱ።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
ያዕ 3 : 5 - 9 [English][ግእዝ]5. ከምኡ ድማ ልሳን ንእሽቶ ኣካል ክነሳስ ብዓቢይ ነገር ትምካሕ። እንሆ ንእሽቶ ሓዊ ክንደይ ዓቢይ ዱር ዘይተንድድ! 6. ልሳንውን ሓዊ እያ። ናይ ክፍኣት ዓለም እያ። እታ ንምሉእ ሰብነት እትምርዝ ክፍሊ ኣካላት፥ ንምሉእ ጒዕዞ ናይ ሕይወትውን እተቃጽል እያ። ብገዛእ ርእሳ ድማ ብገሃነም እሳት ዝሓረረት እያ። 7. ኵሉ ዓሌት እንሰሳን ኣዕዋፍን ለመም ዚብልን እንሰሳ ባሕርን ብሰብ ይግዛእ፥ ተገዚኡውን ኣሎ። 8. ንልሳን ግና ካብ ደቂ ሰብ ኪገዝኣ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። ንሳ ዘይትዓርፍ እክይቲ፥ ዚቐትል ሕንዚ ዝመልአት እያ። 9. ብእኣ ጌርና ንጐይታናን ነቦናን ነመስግን፥ ብእኣ ጌርናውን ነቶም በምሳል ኣምላኽ ዝተፈጥሩ ሰባት ንረግም።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 19 : 29 - 33 [English][ግእዝ]29. ኣብታ ኸተማ ድማ ዕግርግር ኮነ፥ ነቶም መጋይሽቲ ጳውሎስ ዝኾኑ፥ ንጋይዮስን ንኣርስጣርኮስን ሰብ መቄዶንያ፥ ኂዞም እናጐተቱ ናብቲ ሕዝቢ ዚእከበሉ ሥፍራ ብሓንሳብ ጐየዩ። 30. ጳውሎስ ኣብ ማእከል እቶም ሕዝቢ ኺኣቱ እንተ ደለየ ኸኣ፥ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸልከልዎ። 31. ገሊኦም ካብቶም ፈተውቱ ዝነበሩ ናይ ሃገር እስያ ሹማምንቲ ልኢኾም “ናብቲ ሕዝቢ ዚእከበሉ ሥፍራ ኣይትምጻእ” እናበሉ ለመንዎ። 32. እቲ ሕዝቢ ዝርግርግ ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ ዚበዝኁ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝተኣከቡ እኳ ኣይፈልጡን ነበሩ፤ ስለዚ ገሊኦም ከምዚ፥ ገሊኦምውን ከምቲ እናበሉ ይጭድሩ ነበሩ። 33. እቶም ኣይሁድ ንእስክንድሮስ ኣብቲ ቕድሚ ሕዝቢ ምስ ኣቕረብዎ፥ ካብቶም ሕዝቢውን ገሊኦም ዓው ኢሎም ኣደፋፈርዎ፤ እስክንድሮስ ድማ ነቶም ሕዝቢ ኪምጒተሎም ደልዩ፥ ስቕ ኪብሉ ብኢዱ ኣመልከቶም።
ስንክሳር Synaxarium
እንድርያኖስ ሰማዕትወአባ ቢጻርዮን ሰማዕት
መዝሙር Psalm
መዝ 39 : 7 - 8 / መዝ ፴፰ : ፯ - ፰ [English][ትግርኛ]
ሕጂኸ እንታይ እጽበ ኣሎኹ፧ ጎይታየ፣ ተስፋይ ብኣኻ እዩ። ካብ ኩሉ ኣበሳይ ኣናግፈኒ፣ መላገጽ ዓያሱ አይትግበረኒ።
ወይእዜኒ መኑ ተስፋየ አኮኑ እግዚአብሔር፤
ወትዕግስትየኒ እምኃቤከ ውእቱ፤
ወእምኵሉ ኃጢአትየ አድኃንከኒ።
ወንጌል Gospel
ማር 3 : 7 - 12 [English][ግእዝ]7. ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ኣቢሉ ኣልገሰ፥ ካብ ይሁዳን ካብ ገሊላን ከኣ ብዙኅ ሕዝቢ ሰዓቦ። 8. ኣዝዩ ብዙኅ ሕዝቢ ነቲ ዅሉ ዝገብሮ ሰሚዑ ድማ ካብ ኢየሩሳሌም፥ ካብ ኤዶምያስ፥ ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ካብ ዙርያ ጢሮስን ሲዶናን ናብኡ ተኣከበ። 9. ብምኽንያት ብዝኂ ሕዝቢ ሰብ ምእንቲ ኸይደፍኦ ጃልባ ኬጽንሑሉ ንደቀ መዛሙርቱ ነገሮም። 10. ንብዙኃት ኣሕውይዎም ነበረ እሞ፥ ሕማም ዘለዎም ኵሎም ምእንቲ ኺትንክይዎ ኣብኡ ኽሳዕ ዚወድቁ ይደፋፍኡ ነበሩ። 11. ርኹሳት መናፍስቲውን ምስ ረኣይዎ፥ “ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ” ኢሎም እናጨደሩ፥ ኣብ ቅድሚኡ ይድፍኡ ነበሩ። 12. ንሱ ኸኣ ከየግህድዎ ኣምሪሩ ይገንሖም ነበረ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!
ቅዳሴ Liturgy :
ዘባስልዮስ(እግዚኦ መሐረነ)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 18 : 40 - 41 / መዝ ፲፯ : ፵ - ፵፩ [English][ትግርኛ]
ዝባን ጸላእተይ ከኣ ሂብካኒ፣ ንዚጸልኡኒውን ኣጥፊኤዮም። ኣእውዮምሲ ዜድሕኖም ኣይነበረን፣ ናብ እግዚኣብሄር ኣእውዮም፣ ኣይመለሰሎምን።
ወመጠውከኒ ዘባኖሙ ለፀርየ፤
ወሠረውኮሙ ለጸላእትየ፤
አውየዉ ወኃጥኡ ዘይረድኦሙ።
ወንጌል Gospel
ዮሐ 18 : 3 - 9 [English][ግእዝ]3. ስለዚ ይሁዳ ነቶም ጭፍራ ወተሃደራትን ንገለ ገላዉ ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን መሪሑ ፋኑሳትን ዚነድድ ሺግን ኣፅዋርን ኂዙ ናብኡ መጸ። 4. ሽዑ ኢየሱስ ነቲ ዅሉ ኺመጾ ዘለዎ ነገራት ፈሊጡ ወፀ እሞ፥ “ንመን ትደልዩ ኣሎኹም፧” በሎም። 5. ንሳቶም “ንኢየሱስ ናዝራዊ” ኢሎም መለሱሉ። ኢየሱስ ድማ “ኣነ እየ” በሎም እቲ ዜትኅዞ ይሁዳ ድማ ምስኣቶም ደው ኢሉ ነበረ። 6. ሽዑ “ኣነ እየ!” ምስ በሎም እናኣድኃርኃሩ ናብ ምድሪ ጻሕ ኢሎም ወደቑ። 7. ከም ብሓድሽ ድማ “ንመን ትደልዩ ኣሎኹም፧” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ “ንኢየሱስ ናዝራዊ” በልዎ። 8. ኢየሱስ ከኣ “ኣነ እየዶ እብለኩም ኣየሎኹን፧ እምብኣር ንኣይ ካብ ደሌኹም ነዚኣቶም ይኺዱ ኅደግዎም” ኢሉ መለሰሎም። 9. እዚ ኸኣ “ካብዞም ዝሃብካኒ ሓደ እኳ ኣየጥፋእኩን” ዝብል ቓል ምእንቲ ኺፍጸም ኮነ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።
ዘመነ ማርቆስ Readings for Tuesday
ነሐሰ 26, 2018 ብግእዝ Sep 01, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 128 : 2 - 3 / መዝ ፻፳፯ : ፪ - ፫ [English][ትግርኛ]
ዕዮ ኣእዳውካ ኽትበልዕ ኢኻ እሞ፣ ብጹእ ኢኻ፣ ደሓንውን ክትረክብ ኢኻ። ሰበይትኻ ኣብ ውሽጢ ቤትካ ኸም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን።
ፍሬ ፃማከ ተሴሰይ፤
ብፁዕ አናተ ወሠናይ ለከ፤
ብእሲትከ ከመ ወይን ሥሙር ውስተ ጽርሐ ቤትከ።
ወንጌል Gospel
ሉቃ 20 : 1 - 8 [English][ግእዝ]1. ሓደ መዓልቲ ኢየሱስ ኣብ ቤት መቕደስ ንሕዝቢ ኺምህሮምን ወንጌል ኪሰብኽን ከሎ፥ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ምስ ዓበይቲ ሕዝቢ ኾይኖም ናብኡ መጺኦም፥ 2. “በየናይ ሥልጣን ኢኻ እዚ እትገብር ዘሎኻ፧ እዚ ሥልጣን እዝስ መን ሃበካ፧ እስከ ንገረና፧” ኢሎም ሓተትዎ። 3. ንሱ ኸምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ኣነውን ሓንቲ ነገር ክሐተኩም ንገሩኒ። 4. ጥምቀት ዮሓንስሲ ካብ ሰማይ ድዩ ወይ ካብ ሰብ፧ 5. ንሳቶም ከኣ ‘ካብ ሰማይ’ እንተ በልናዮ ‘ከመይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ፧’ ኺብለና እዩ። 6. ‘ካብ ሰብ’ እንተ በልናዮ፥ ኵሉ ሕዝቢ ዮሓንስ ነቢይ ምዃኑ ይኣምን እዩ እሞ ብእምኒ ኪሃርመና እዩ” ኢሎም ብልቦም ሓሰቡ። 7. ካበይ ምዃኑ ከም ዘይፈልጡ ኸኣ መለሱሉ። 8. ኢየሱስ ከኣ “ኣነውን በየናይ ሥልጣን እዚ ኸም ዝገብር ኣይነግረኩምን እየ” በሎም። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
ዕብ 11 : 8 - 16 [English][ግእዝ]8. ኣብርሃም ምስ ተጸውዐ ብእምነት ተኣዘዘ፥ ናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠውን ናብቲ ርስቲ ኪቕበለሉ ዝነበሮ ሃገር ከደ። 9. –10. ነታ ኣምላኽ ዝሓናጺኣን ዝሠራሒኣን፥ መሠረት ዘለዋ ኸተማ ይጽበ ስለ ዝነበረ ድማ፥ ብእምነት ኣብታ ምድሪ ተስፋ ከም ኣብ ምድሪ ጓና ኾይኑ ተቐመጠ፥ ከምቶም ናይዛ ተስፋ እዚኣ መዋርስቱ ዝኾኑ ይስሓቅን ያዕቆብን ኸኣ ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ። 11. ሣራውን ጊዜኣ እኳ ኃሊፉ እንተ ነበረ፥ ነቲ ተስፋ ሂብዋ ዝነበረ እግዚኣብሔር ስለ ዝኣመነቶ ኽትጠንስ ብእምነት ኃይሊ ረኸበት። 12. ስለዚውን ካብ ሓደ ከም ምዉት ዝነበረ ሰብ፥ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ብዙኃትን፥ ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሖጻ ኪቚጸሩ ዘይከኣሉን ተወልዱ። 13. እዚኣቶም ኵላቶም ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ሞቱ። ነተን እግዚኣብሔር ዘተስፈዎም ነገራትውን ኣይረኸብወንን፥ ግና ብርሑቕ ርእዮም ብሓጐስ ተቐበልወን፥ “ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ኢና” እናበሉ ኸኣ ኃለፉ። 14. እዞም ከምዚ ዚብሉ ሰባት ንኣኦም እትኸውን ሃገር ይጽበዩ ኸም ዘለዉ የርእዩ ኣለዉ። 15. ነታ ኃዲጎምዋ ዝወፁ ሃገር ይሓስቡ ነይሮም እንተ ዚኾኑስ፥ ክምለሱ ዕድል ነይርዎም። 16. ሕጂ ግና ነታ ሰማያዊት ዝኾነት፥ ዝበለጸት ሃገር እዮም ዚናፍቑ ዘለዉ። ኣምላኽ፥ ከተማ ስለ ዘዳለወሎም ድማ ኣምላኾም ተባሂሉ ኪስመ ኣየኅፍሮን እዩ።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
1ይ ጴጥ 3 : 1 - 9 [English][ግእዝ]1. - 2. ከምኡውን፥ ኣትን ኣንስቲ! ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። ገለ ነቲ ቃል ኣምላኽ ዘይኣምኑ ሰብኡት እንተ ኣለዉ ድማ፥ ከም እተኽብራኦምን ብንጽሕና ከም እትነብራን ምስ ረኣዩ፥ ብዘረባ ዘይኮነስ፥ ብሕይወት ኣንስቶም ኪምለሱ እዮም። 3. መልክዕክን ግዳማዊ ብዝኾነ፥ ማለት ብሥርሓት ርእስን ወርቂ ብምእሳርን ብኽቡር ክዳውንትን ኣይኹን። 4. መልክዕክንሲ እቲ ኣብ ልቢ ወዲ ሰብ ዘሎ ለዋህን ህዱእን ዝኾነ መንፈስ ይኹን። እዚ መንፈስ እዚ ዘይበርስ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኸኣ ክቡር እዩ። 5. ቀደም ድማ እተን ኣምላኽ ዝተስፍአን ቅዱሳን ኣንስቲ፥ ከምዚ ኢለን እየን ዝተሰለማ። ንሰብኡተን ይእዘዛ ነበራ። 6. ሣራ ንኣብርሃም “ጐይታይ” እናበለት ትእዘዞ ነበረት። ንስኻትክንውን ከምኡ ጽቡቕ እንተ ገበርክን፥ ገለ ነገርውን እንተ ዘይፈራህክን ደቃ ኢኽን። 7. ከምኡውን፥ ኣቱም ሰብኡት፥ ምስ ኣንስትኹም ብምስትውዓል ንበሩ። ንሳተን ድኹማት ፍጥረት ስለ ዝኾና፥ ነቲ ጸጋ ሕይወት ድማ መዋርስትኹም እየን እሞ ኣኽብርወን። ሽዑ ጸሎትኩም ኣይኪዕገትን እዩ። 8. እምበኣር ብስምምዕ ንበሩ። ተደናገጽቲ፥ ፍቕሪ ኣኅዋት ዘለዎም፥ ለዋሃትን ትሑታትን ኩኑ። 9. ኽፋእ ኣብ ክንዲ ኽፋእ፥ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትመለሱ፥ እኳ ደኣ መርቑ። ከመይ እግዚኣብሔር ምርቓ ኽትወርሱ እዩ ጸዊዑኩም።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 15 : 10 - 15 [English][ግእዝ]10. እምበኣርከስ ነቲ ኣቦታትና ኾነ ንሕና ክንፆሮ ዘይከኣልና ኣርዑት ኣብ ክሳድ ደቀ መዛሙርቲ ብምንባርኩም ስለምንታይ ንኣምላኽ እትፍትንዎ፧ 11. ንሕናውን ከምኣቶም ብጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ከም እንድኅን ኢና እንኣምን።” 12. ኵሎም እቶም ሕዝቢ ድማ ስቕ በሉ፤ በርናባስን ጳውሎስን ከኣ ኣምላኽ ብኣኣቶም ገይሩ ከመይ ዝበለ ዓቢይ ትእምርትን ተኣምራትን፥ ኣብ መንጎ ኣሕዛብ ከም ዝገበረ ከዘንትዉሎም ከለዉ ጽን ኢሎም ይሰሞዑ ነበሩ። 13. ንሳቶም ስቕ ምስ በሉ ኸኣ ያዕቆብ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ - “ኣቱም ኣኅዋትና ስምዑኒ፡ - 14. ኣምላኽ ንስሙ ሕዝቢ ምእንቲ ኬቕውም፥ ቅድም ነሕዛብ ከመይ ገይሩ ከም ዝበጽሖም፥ ስምዖን ኣዘንትዩ ኣሎ። 15. “ከምቲ ጽሑፍ ዚብሎ፥ እዚ ነገር እዚ ምስቲ ቃል ነቢያት ዚሰማማዕ እዩ፡ -
ስንክሳር Synaxarium
ሞይስስ ሰማዕት ወእኅቱ ሣራአጋቦስወቴክላወተዝካራ ለብፅዕት ሣራ ብእሲተ አብርሃም
መዝሙር Psalm
መዝ 128 : 2 - 3 / መዝ ፻፳፯ : ፪ - ፫ [English][ትግርኛ]
ዕዮ ኣእዳውካ ኽትበልዕ ኢኻ እሞ፣ ብጹእ ኢኻ፣ ደሓንውን ክትረክብ ኢኻ። ሰበይትኻ ኣብ ውሽጢ ቤትካ ኸም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን። ውሉድካ ኣብ ዙርያ መኣድኻ ኸም ተኽሊ ኣውሊዕ ኪዀኑ እዮም።
ብፁዕ አንተ ወሠናይ ለከ፤
ብእሲትከ ከመ ወይን ስሙር ውስተ ጽርሐ ቤትከ፤
ወውሉድከ ከመ ተክለ ዘይት ሐይት ሐዲስ ዐውድ ማእድከ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 15 : 24 - 31 [English][ግእዝ]24. ንሳ ድማ “ጐይታይ ርድኣኒ” እናበለት ቀሪባ ሰገደትሉ። 25. ንሱ ኸኣ መሊሱ “እንጌራ ውሉድ ኣልዒልካ ነኽላባት ምሃብ ጽቡቕ ኣይኮነን” በላ። 26. ንሳ ኸኣ “እወ ጐይታይ፥ ኣኽላባት ውን እምበር ካብ መኣዲ ጐይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም” በለቶ። 27. ሽዑ ኢየሱስ “ኣቲ ሰበይቲ፥ እምነትኪ ዓቢይ እዩ፥ ከምቲ ዝደሌኽዮ ይኹነልኪ” ኢሉ መለሰላ። በታ ሰዓት እቲኣ ኸኣ ጓላ ሓወየት። ኢየሱስ ብዙኃት ሕሙማት ከም ዘሕወየ 28. ኢየሱስ ካብኡ ኃሊፉ ብወሰን ባሕሪ ገሊላ ኸደ፥ ናብ እምባ ደይቡ ድማ ኣብኡ ተቐመጠ። 29. ብዙኅ ሕዝቢ ድማ ሓንካሳት፥ ዕውራት፥ ጸማማት፥ ቈራያት፥ ብዙኃት ካልኦትውን ምስኣቶም ኂዞም ናብኡ ቐረቡ፥ ኣብ ጥቓ እግሪ ኢየሱስውን ኣቐመጥዎም። ንሱ ኸኣ ኣሕወዮም። 30. እቶም ሕዝቢ ድማ ዓባሳት ኪዛረቡ፥ ቈራያት ኪሓውዩ፥ ሓንካሳት ኪኸዱ፥ ዕዉራትውን ኪርእዩ ተመልኪቶም ተገረሙ እሞ፥ ንኣምላኽ እስራኤል ኣመስገንዎ። 31. ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ “እዞም ሕዝቢ እዚኦም ሠለስተ መዓልቲ ምሳይ ቀንዮም፥ ዝበልዕዎ ድማ የብሎምን እሞ፥ የደንግጹኒ ኣለዉ፥ ስለዚ ኣብ መገዲ ከይሰንፉ ጾሞም ከፋንዎም ኣይደልን” በሎም። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘእግዝእትነ ማርያም(ጐሥዓ)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 104 : 19 - 20 / መዝ ፻፫ : ፲፱ - ፳ [English][ትግርኛ]
ወርሒ ንመመደብ ግዝያት ገበረ፣ ጸሓይ ንምዕራባ ትፈልጥ። ጸልማት ትገብር፣ ለይቲውን ይኸውን።
ወገበርከ ወርኀ በዕድሜሁ፤
ፀሐይኒ አእመረ ምዕራቢሁ፤
ታመጽእ ጽልመተ ወይከውን ሌሊተ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 27 : 45 - 53 [English][ግእዝ]45. እንሆ ካብ ፍርቂ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ ታስዓይቲ ሰዓት ብዘሎ ምድሪ ጸልመተ። 46. ብታስዓይቲ ሰዓት ኣቢሉ ኢየሱስ “ኤሎሄ! ኤሎሄ! ላማ ሰበቅታኒ፧” እናበለ ብዓቢይ ድምፂ ጨርሐ። እዚ ኸኣ “ኣምላኸይ! ኣምላኸይ! ንምንታይ ኃደግካኒ፧” ማለት እዩ። 47. ገሊኦም ካብቶም ኣብኡ ቆይሞም ዝነበሩ ሰባት ነዚ ምስ ሰምዑ፥ “እዝስ ንኤልያስ እዩ ዚጽውዕ ዘሎ” በሉ። 48. ሽዑ ሓደ ኻብኣቶም ጐይዩ፥ ሰፍነግ ወሲዱ፥ ኣብ መጺጽ ኣሊኹ፥ ኣብ ዘንጊ ኣሲሩ ኼስትዮ ኣቕረበሉ። 49. ገሊኦም ግና “ኅደጎ! ኤልያስ መጺኡ ዜድኅኖ እንተ ኾይኑ ክንርኢ ኢና” በሉ። 50. ኢየሱስ ከም ብሓድሽ ብዓቢይ ድምፂ ጨርሐ፥ ነፍሱ ድማ ወፀት። 51. እንሆ ኸኣ መጋረጃ ቤት መቕደስ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረ፥ ምድሪ ኣንቀጥቀጠት፥ ኣኻውሕ ድማ ተጨዱ። 52. መቓብራትውን ተኸፍቱ፥ ሞይቶም ዝነበሩ ናይ ብዙኃት ቅዱሳን ሬሳታት ድማ ካብ ሞት ተንስኡ። 53. ድኅሪ ትንሣኤኡ ድማ ካብ መቓብራት ወፂኦም ናብታ ቕድስቲ ኸተማ ኣተዉ። ንብዙሓትውን ተራእይዎም። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ዘመነ ማርቆስ Readings for Wednesday
ነሐሰ 27, 2018 ብግእዝ Sep 02, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 98 : 2 - 3 / መዝ ፺፯ : ፪ - ፫ [English][ትግርኛ]
እግዚኣብሄር ምድሓኑ ኣፍለጠ፣ ጽድቁ አብ ቅድሚ ኣህዛብ ገለጸ። ሳህሉን እምነቱን ንቤት እስራኤል ዘከረ።
አርአየ እግዚአብሔር አድኅኖቶ፤
ወበቅድመ አሕዛብ ከሠተ ኪዳኖ፤
ወተዘከረ ሣህሎ ለያዕቆብ።
ወንጌል Gospel
ዮሐ 19 : 1 - 24 [English][ግእዝ]1. ብድኅርዚ ጲላጦስ ንኢየሱስ ወሲዱ ገረፎ። 2. እቶም ወተሃደራት ከኣ ኣኽሊል እሾዅ ተኒጎም ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ። ቀይሕ ባርኖስውን ከደንዎ። 3. መመጺኦም ከኣ “ኦ ንጉሥ ኣይሁድ! ሰላም ንኣኻ!” እናበሉ ገጹ ይጸፍዕዎ ነበሩ። 4. ጲላጦስ ከም ብሓድሽ ናብ ደገ ወፂኡ “እዚ ሰብኣይ እዚ ሓንቲ በደል እኳ ከም ዘይረኸብኩሉ ክትፈልጡ፥ እንሆ ናብ ወፃኢ ኣውፅኣልኩም ኣሎኹ” በሎም። 5. ሽዑ ኢየሱስ ኣኽሊል እሾዅ ደፊኡ፥ ቀይሕ ባርኖስ ተኸዲኑ፥ ናብ ደገ ወፀ። ጲላጦስ ድማ፥ “እንሆ እቲ ሰብኣይ” በሎም። 6. ሊቃነ ካህናትን እቶም ገላውኦምን ምስ ረኣይዎ ኸኣ “ስቐሎ! ስቐሎ!” እናበሉ ጨርሑ። ጲላጦስ ከኣ “ባዕላትኩም ደኣ ወሲድኩም ስቐልዎ እምበር ኣነ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን” በሎም። 7. ኣይሁድ ድማ “ንሕና ሕጊ ኣሎና፥ ከም ሕግና ኸኣ ንሱ ንርእሱ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዝገበረ ኺመውት እዩ ዚግብኦ” ኢሎም መለሱሉ። 8. ጲላጦስ እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰምዐ ኣዝዩ ፈርሀ። 9. ከም ብሓድሽ ናብ ቤተ መንግሥቲ ኣተወ እሞ፥ ንኢየሱስ “ካበይ ኢኻ፧” በሎ። ኢየሱስ ግና መልሲ ኣይሃቦን። 10. ጲላጦስ ከኣ፥ “ንኣይውንዶ ኣይትዛረበንን ኢኻ፧ ክሰቕለካን ክፈትሓካን ሥልጣን ከም ዘሎኒዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧” በሎ። 11. ኢየሱስ ከኣ “ካብ ላዕሊ ሥልጣን እንተ ዘይወሃበካስ ኣባይ ሥልጣን ኣይምሃለወካን ነይሩ። ስለዚ እቲ ናባኻ ኣኅሊፉ ዝሃበኒ ዝገደደ ኃጢኣት ኣለዎ” ኢሉ መለሰሉ። 12. ካብኡ ንደኃር ጲላጦስ ኪፈትሖ ደለየ። ኣይሁድ ግና “ነዚ እንተ ፈታሕካዮ ፈታው ቄሣር ኣይኮንካን። ንገዛእ ርእሱ ንጉሥ ዚገብር ዘበለ ዅሉ መቐናቕንቲ ቄሣር እዩ” ኢሎም ጫው ጫው በሉ። 13. ጲላጦስ ነዚ ዘረባዚ ምስ ሰምዐ፥ ንኢየሱስ ናብ ወፃኢ ወሲዱ፥ ኣብቲ ብዕብራይስጥ ገበታ ዚብሃል ጸፍጻፍ፥ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐመጠ። 14. ድሮ ፋሲካ፥ ኣጋ ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ ነበረ። ንኣይሁድ ከኣ “እንሆ ንጉሥኩም” በሎም። 15. ሽዑ ንሳቶም “ንየው በሎ! ንየው በሎ! ስቐሎ!” ኢሎም ጫው ጫው በሉ። ጲላጦስ ከኣ “ንንጉሥኩምዶ ክሰቕሎ፧” በሎም። እቶም ሊቃነ ካህናት ከኣ “ብዘይ ቄሣር ንጉሥ የብልናን” ኢሎም መለሱ። 16. ሽዑ ንኢየሱስ ኪሰቕልዎ ኣኅሊፉ ሃቦም፥ ተቐቢሎም ድማ ወሰድዎ። 17. መስቀሉ ፀይሩ ናብቲ ሓምሓም ርእሲ፥ ብዕብራይስጥ ድማ ጎልጎታ ዚብልዎ ሥፍራ፥ ወፀ። 18. ኣብኣውን ክልተ ኻልኦት፥ ሓደ በዚ ሓደ ወገን፥ ሓደ ድማ በቲ ሓደ ወገን ሰቐሉ፥ ንኢየሱስ ከኣ ኣብ ማእከሎም ሰቐልዎ። 19. ጲላጦስ ድማ ጽሑፍ ጽሒፉ ኣብቲ መስቀል ኣንበሮ። እቲ ጽሕፈቱ ኸኣ “ኢየሱስ ናዝራዊ ንጉሥ ኣይሁድ” ዚብል ነበረ። 20. እታ ኢየሱስ ዝተሰቕለላ ሥፍራ ጥቓ እታ ኸተማ ነበረት። ብዙኃት ካብ ኣይሁድ ድማ ነቲ ጽሑፍ ኣንበብዎ። እቲ ጽሑፍ ብዕብራይስጥን ላቲንን ግሪኽን ነበረ። 21. ስለዚ እቶም ናይ ኣይሁድ ሊቃነ ካህናት ንጲላጦስ “ንሱ ባዕሉ ደኣ 'ኣነ ንጉሥ ኣይሁድ እየ' ከም ዝበለ እምበር፥ 'ንጉሥ ኣይሁድ እዩ' ኢልካ ኣይትጽሓፍ” በልዎ። 22. ጲላጦስ ከኣ “እቲ ዝጸሓፍክዎ ጽሒፈዮ ኣሎኹ” ኢሉ መለሰ። 23. እቶም ወተሃደራት ግና ንኢየሱስ ምስ ሰቐልዎ፥ ነቲ ኽዳዉንቱ ወሲዶም ንነፍስ ወከፍ ሓደ ሓደ ምእንቲ ኺበጽሖም ኣብ ኣርባዕተ መቐልዎ። ነቲ ቐሚሹውን ከምኡ፤ እቲ ቐሚሹ ግና ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ኵለንትናኡ እሉም ነበረ እምበር ስፉይ ኣይነበሮን። 24. ንሓድሕዶም ከኣ “ንዝበጽሐ ኺበጽሖስ ዕጭ ደኣ ነውድቐሉ እምበር ኣይንቕደዶ” ተበሃሃሉ። እዚ ኸኣ “እቲ ክዳውንተይ ንርእሶም ተማቐልዎ፥ ንቐምሸይውን ዕጭ ኣውደቑሉ” ዚብል ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም እቶም ዓቀይቲ እዚ ገበሩ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
ገላ 3 : 7 - 14 [English][ግእዝ]7. ፍለጡ እምበኣር ደቂ ኣብርሃም ዝኾኑ እቶም ናይ እምነት ሰባት እዮም። 8. ቅዱስ መጽሓፍውን ኣምላኽ ነሕዛብ ብእምነት ከም ዜጽድቖም ኣቐዲሙ ርእዩ “ኵሎም ኣሕዛብ ብኣኻ ኺባረኹ እዮም” እናበለ ኣቐዲሙ ንኣብርሃም ኣበሠሮ። 9. ኣብርሃም ሰለ ዝኣመነ ተባረኸ፥ እቶም ዚኣምኑ ዘበሉ ኸኣ ከምቲ ናቱ ኺባረኹ እዮም። 10. ነፍስ ወከፍ “ነቲ ኣብ ሕጊ መሴ ዘሎ ኸየቋረጸ ዘይፍጽም ዅሉ ርጉም ይኹን” ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፥ እቶም ኣብ ምፍጻም ሕጊ ዚእመኑ ዘበሉ ዅሎም ኣብ ትሕቲ መርገም እዮም። 11. ሕጂ ግና “ጻድቕ ብእምነት እዩ ሕያው ኮይኑ ዚነብር” ከም ዚብሎ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፥ ሕጊ ብምፍጻም ዚጸድቕ ከም ዘየልቦ ርግጽ እዩ። 12. ሕጊ ኣብ እምነት ዝተመስረተ ኣይኮነን። እኳ ደኣ ሕጊ “እቲ ንሕጊ ብምልኣት ዚፍጽም ብእኡ ሕያው ኮይኑ ኪነብር እዩ” ዚብል ትእዛዝ ኣለዎ። 13. “ኣብ ዕንጨይቲ ዝተሰቕለ ርጉም ይኹን” ዚብል ጽሑፍ ከም ዘሎ፥ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና መርገም ብምዃን ካብ ሕጊ መርገም ኣድኃነና። 14. እዚ ኸኣ እቲ በረኸት ኣብርሃም ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣብ ኣሕዛብ ምእንቲ ኺወርድ፥ ንሕና ኸኣ ብእምነት፥ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኽንቅበል እዩ።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
1ይ ጴጥ 2 : 20 - ፍም [English][ግእዝ]20. በደል እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዓገሥኩምከ እንታይ ሓበን ኣለዎ፧ ሠናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዓገሥኩም ግና እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ። 21. ንስኻትኩምውን ነዚ ኢኹም ዝተጸዋዕኩም፥ ክርስቶስ ድማ ኣሰር ኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ ምእንታኹም መከራ ተቐበለ፥ ኣርኣያውን ኃደገልኩም። 22. “ንሱ ኃጢኣት ኣይገበረን፥ ሓሶትውን ኣብ ኣፉ ኣይተረኽበን።” 23. ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ኣይጸረፈን፥ መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ኣምላኽ ደኣ ነገሩ ኣኅሊፋ ሃበ እምበር ኣየፈራርሀን። 24. ካብ ኃጢኣት ርሒቕና ብጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር ንሱ ባዕሉ ንኃጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሸንከረ ስብነቱ ፆሮ። ብቚስሉ ኢኹም ዝሓዌኹም። 25. ከመይ ከም ኣባጊዕ ተባሪርኩም ጠፊእኩም ነበርኩም፥ ሕጂ ግና ናብቲ ጓሳኹምን ሓላዊ ነፍሳትኩምን ተመሊስኩም ኣሎኹም።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 3 : 17 - ፍም [English][ግእዝ]17. “ሕጂ ድማ ኣኅዋተይ፥ ከምቶም መራሕትኹም ነዚ ብዘይ ፍላጥ ከም ዝገበርኩምዎ እፈልጥ ኣሎኹ። 18. ኣምላኽ ግና እቲ መሲሑ መከራ ኪቕበል ከም ዘለዎ፥ ኣቐዲሙ ብኣፍ ኵሎም ነብያት ከም ዝተዛረቦ፥ ከምኡ ፈጸሞ። 19. እምበኣር ኃጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምሰሰልኩም፥ ካብ ገጽ እግዚኣብሔር ከኣ ዘመን ምሕዳስ ምእንቲ ኺመጻልኩም፥ 20. ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም ዝተኃርየ መሲሕ፥ ንሱ ኸኣ ኢየሱስ፥ ምእንቲ ኪሰደልኩምሲ ተነስሑን ተመለሱን። 21. ከምቲ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ብኣፍ ቅዱሳን ነቢያቱ ዝተዛረቦ፥ ኵሉ ነገር ዚሕደሰሉ ዘመን ክሳዕ ዚመጽእ፥ ሰማይ ንኢየሱስ ኪቕበሎ ይግባእ እዩ። 22. ሙሴ ድማ ‘እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ከምቲ ንኣይ ዘተንሥኣኒ ካብ ኣኅዋትኩም ነቢይ ኬተንሥኣልኩም እዩ፥ ንሱ ዚብለኩም ዘበለ ዅሉ ኸኣ ስምዑ። 23. እንሆ እታ ነቲ ነቢይ እቲ ዘይትሰምዕ ዘበለት ነፍሲ ኸኣ ኻብ ሕዝባ ኽትምንቈስ እያ’ በለ። 24. ኵላቶም ነቢያት ድማ ኻብ ሳሙኤል ኂዞም ክሳዕ እቶም ድኅሪኦም ዝተዛረቡ፥ ነዘን መዓልትታት እዚኣተን እዮም ዘበሠሩ። 25. ኣምላኽ ንኣብርሃም ‘ኵሎም ኣሕዛብ ምድሪ ብዘርእኻ ኺባረኹ እዮም’ ኢሉ ምስ ኣቦታትና ኺዳን ኣትዩ ነበረ። ንስኻትኩም ከኣ ወረስቲ ነቢያትን ወረስቲ እዚ ኺዳን እዝን ኢኹም። 26. ኣምላኽ ንነፍስ ወከፍኩም ካብ ክፍኣቱ እናመለሰ ምእንቲ ኪባርኸኩምሲ ንወዱ ኣተንሢኡ ቕድሚ ዅሉ ናባኻትኩም ለኣኾ።”
ስንክሳር Synaxarium
ብንያሚን ሰማዕት ወአውዶክስያ እኅቱወተዝካረ ስቅለቱ ለእግዚእነወጸውዖ እግዚአብሔር ለሳሙኤል
መዝሙር Psalm
መዝ 99 : 6 - 7 / መዝ ፺፰ : ፮ - ፯ [English][ትግርኛ]
ሳሙኤል ከኣ አብ ማእከል እቶም ስሙ ዚጽውዑ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፣ ንሱውን መለሰሎም። ብዓንዲ ደበና ተዛረቦም፣ ንምስክራቱን ነቲ ዝሀቦም ሕግን ሐለዉ።
ወሳሙኤልኒ ምስለ እለ ይጼውዑ ስሞ፤
ይጼውዕዎ ለእግዚአብሔር ወውእቱኒ ይሰጠዎሙ፤
ወይትናገሮሙ በዐምደ ደመና።
ወንጌል Gospel
ዮሐ 12 : 26 - 35 [English][ግእዝ]26. እቲ ዜገልግለኒ ዘበለ ይስዓበኒ፤ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ እቲ ዜገልግለኒ ኸኣ ኣብኡ ኪህሉ እዩ። ነቲ ዜገልግለኒ ዘበለ ኸኣ ኣቦይ ኬኽብሮ እዩ። 27. “ሕጅስ ነፍሰይ ተጨኒቓ ኣላ፥ እንታይ እሞ ኽብል እየ፧ 'ኦ ኣቦ፥ ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣድኅነኒ'፧ ግና፥ ምእንትዚ እንድየ ናብዛ ሰዓት እዚኣ ዝበጻሕኩ። 28. ኣቦ ንስምካ ኣኽብሮ።” ሽዑ ካብ ሰማይ “ኣነ ኣኽቢረዮ ኣሎኹ፥ ከም ብሓድሽውን ከኽብሮ እየ” ዚብል ድምፂ መጸ። 29. ሽዑ እቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሕዝቢ እዚ ምስ ሰምዑ “ነጒዲ እዩ” በሉ። ገሊኦም ከኣ “መልኣኽ እዩ ዝተዛረቦ” በሉ። 30. ኢየሱስ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “እዚ ድምፂ እዚ ምእንታኻትኩም እምበር ምእንታይ ኣይኮነን ዝመጸ። 31. እዛ ዓለም እዚኣ እትፍረደሉ ሕጂ እዩ። መስፍን እዛ ዓለም እዚኣ ዚድርበየሉ ሕጂ እዩ። 32. ኣነ ድማ ካብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ ንዅሉ ናባይ ክስሕቦ እየ።” 33. እዚ ዝበለ ኸኣ ብኸመይ ዝበለ ኣማውታ ኺመውት ከም ዘለዎ ኬመልክተሎም ኢሉ እዩ። 34. ስለዚ እቶም ሕዝቢ “ንሕናስ ክርስቶስ ንዘለዓለም ከም ዚነብር ካብ ሕጊ ሰሚዕና ኔርና። ንስኻ ደኣ ኸመይ ኢልካ ኢኻ 'ወዲ ሰብ ልዕል ኪብል እዩ' ትብል ዘሎኻ፧ እቲ ወዲ ሰብ እቲኸ እንታዋይ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። 35. ሽዑ ኢየሱስ “ገና ንቚሩብ መዓልቲ ብርሃን ምሳኹም ኣሎ። ስለዚ ጸልማት ከየርክበኩም ብብርሃን ተመላለሱ፤ ምኽንያቱ እቲ ብጸልማት ዚማላለስ ናብ ዚኸዶ ኣይፈልጥን እዩ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘዮሐንስ አፈወርቅ(ናሁ ንዜኑ) ዓዲ ዘእግዝእትነ ማርያም(ጐሥዓ)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 83 : 1 - 2 / መዝ ፹፪ : ፩ - ፪ [English][ትግርኛ]
ዎ ኣምላኽ፣ ስቕ ኣይትበል፣ ኣታ ኣምላኽ፣ ዓባስ ኣይትኹን፣ ዝግ አይትበል። እንሆ፣ ጸላእትኻ የውክዑ፣ ዚጸልኡኻውን ርእሶም የልዕሉ አለዉ እሞ።
እግዚኦ መኑ ከማከ፤
ኢታርምም ወኢትጸመም እግዚኦ፤
እስመ ናሁ ወውዑ ፀርከ።
ወንጌል Gospel
ዮሐ 8 : 33 - 40 [English][ግእዝ]33. ንሳቶም ከኣ “ንሕና ዘርኢ ኣብርሃም ኢና፥ ባሮት ኴንና ንእተገዛእናዮ ከቶ የብልናን። ከመይ ኢልካ ደኣ ሓራ ኽትወፁ ኢኹም ትበለና ኣሎኻ፧” ኢሎም መለሱሉ። 34. ኢየሱስ ድማ “ብሓቂ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፥ ኃጢአት ዚገብር ዘበለ ንሱ ባርያ ኃጢአት እዩ። 35. ባርያ ኸኣ ኣብ ቤት ንዅሉ ጊዜ ኣይነብርን እዩ፥ ውሉድ ግና ንዅሉ ጊዜ ኣብኡ ነባሪ እዩ። 36. ወልድ ሓራ እንተ ኣውፅኣኩም ብሓቂ ውፁኣት ሓራ ኽትኮኑ ኢኹም። 37. ንስኻትኩም ዘርኢ ኣብርሃም ምዃንኩምሲ እፈልጥ እየ። ቃለይ ኣባኻትኩም ስለ ዘይኃደረ ግና ኽትቀትሉኒ ትደልዩ ኣሎኹም። 38. ኣነ ነቲ ኣብ ኣቦይ ዝረአኽዎ እዛረብ ኣሎኹ፥ ንስኻትኩም ከኣ ነቲ ኣብ ኣቦኹም ዝረአኹምዎ ትገብሩ ኣሎኹም” እናበለ መለሰሎም። 39. ንሳቶም ድማ “ኣቦናስ ኣብርሃም እዩ” ኢሎም መለሱሉ። ኢየሱስ ከኣ “ውሉድ ኣብርሃም እንተ ትኾኑስ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም። 40. ሕጂ ግና ንኣይ ካብ ኣምላኽ ዝሰማዕክዎ ሓቂ ንዝነግረኩም ዘሎኹ ሰብኣይ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣሎኹም፥ ኣብርሃም ከምዚ ኣይገበረን። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።
ዘመነ ማርቆስ Readings for Thursday
ነሐሰ 28, 2018 ብግእዝ Sep 03, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 105 : 9 - 10 / መዝ ፻፬ : ፱ - ፲ [English][ትግርኛ]
ነቲ ምስ አብርሃም ዝኣተዎ ኺዳኑ፣ ንይስሃቅውን ዝመሐለሉ ማሕላ፣ ነቲ ንሽሕ ወለዶ ዝአዘዞ ቓል ንዘለአለም ዘኪሩስ፣ ምድሪ ከነአን፣ ዕድሎት ርስትኹም ክትከውን፣ ክህበካ እየ፣ ኢሉ ንያእቆብ ከም ሕጊ፣ ንእስራኤል ከኣ ከም ናይ ዘለአለም ኪዳን ገይሩ ኣቘሞ።
ዘሠርዐ ለአብርሃም፤
ወመሐለ ለይስሐቅ፤
ወአቀመ ስምዐ ለያዕቆብ።
ወንጌል Gospel
ሉቃ 13 : 22 - 30 [English][ግእዝ]22. ብድኅርዚ ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ኪኸይድ ከሎ፥ ኣብ ከተማታትን ዓድታትን እናመሃረ ይኃልፍ ነበረ። 23. ሓደ ሰብኣይ ከኣ፥ “ጐይታይ! እቶም ዚድኅኑስ ውሑዳት ድዮም፧” በሎ። 24. ንሱ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “በታ ጸባብ ኣፍ ደገ ንምእታው ተጋደሉ፤ ምኽንያቱ ብዙኃት ኪኣትዉ ኺደልዩ እዮም ግና ኣይኪኽእሉን እዮም፥ እብለኩም ኣሎኹ። 25. ብዓል ቤት ተንሢኡ ማዕጾኡ ምስ ሸጐረ፥ ሽዑ ኣብ ወፃኢ ደው ምባል ክትጅምሩ፥ ‘ጐይታይ! ጐይታይ! ክፈተልና’ እናበልኩም ማዕጾ ኳሕኳሕ ከተብሉ ኢኹም። ንሱ ኸኣ ‘ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ’፥ ኢሉ ኪምልሰልኩም እዩ። 26. ሽዑ ‘ምሳኻ በሊዕናን ሰቲናን፥ ንስኻውን ኣብ ኣደባባያትና ምሂርካ’ ምባል ክትጅምሩ ኢኹም። 27. ንሱ ኸኣ ‘ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ ዅላትኩም፥ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ፥ ካባይ ርሐቑ እብለኩም ኣሎኹ’ ኪብል እዩ። 28. ንኣብርሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን ንዅሎም ነቢያትን፥ ኣብ መንግሥቲ ኣምላኽ ምስ ረአኹምዎም፥ ንስኻትኩም ግና ኣብ ወፃኢ ተደርቢኹም ምስ ተረፍኩም፥ ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። 29. ካብ ምብራቕን ምዕራብን ካብ ሰሜንን ደቡብን ድማ ኺመጹ፥ ኣብ መንግሥቲ ኣምላኽውን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም። 30. እንሆ ድማ ቀዳሞት ዳኅሮት፥ ዳኅሮት ከኣ ቐዳሞት ኪኾኑ እዮም።” ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
ሮሜ 4 : 1 - 13 [English][ግእዝ]1. እምበኣር እቲ ብሥጋ ኣቦና ዝኾነ ኣብርሃም እንታይ ረኺቡ ኽንብል ኢና፧ 2. ኣብርሃም ብግብሪ ጸዲቑ እንተ ዚኸውን፥ ገለ ዚምክሓሉ ነገር ምሃለዎ ነይሩ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግና ሓንቲ እኳ የብሉን። 3. እቲ ጽሑፍከ እንታይ ይብል፧ “ኣብርሃም ብእግዚኣብሔር ኣመነ እሞ፥ እዚ ጽድቂ ኾይኑ ተቘጽረሉ” ይብል። 4. ነቲ ዚዓዪ ሰብ ደሞዙ ኸም ግብኡ ኾይኑ እዩ ዚቝጸረሉ እምበር ከም ውህበት ኣይኮነን። 5. ሰብ ሠናይ ምግባር እኳ እንተ ዘይብሉ፥ በቲ ንኃጢኣተኛታት ዜጽድቕ ኣምላኽ እንተ ኣሚኑ፥ እቲ እምነቱ ጽድቂ ኾይኑ ይቝጸረሉ እዩ። 6. ዳዊት ብዛዕባ እቲ ብግብሪ ዘይኮነስ ብዛዕባ እቲ ብኸምኡ እግዚኣብሔር ዜጽድቖ ሰብ፥ ብፁዕ ከም ዝኾነ ኪዛረብ ከሎ ከምዚ ዚስዕብ ይብል፦ 7. “እቶም ኣበሳኦም ዝተኃድገሎም፥ ኃጢኣቶምውን ዝተኸደነሎም፥ ብፁዓን እዮም። 8. ኣምላኽ ኃጢኣቱ ዘይጽብጽበሉ ሰብ ብፁዕ እዩ።” 9. እዛ ብፅዕና እዚኣ ንግዙራት ጥራይ ድያ ወይሲ ንዘይተገዝሩውን፧ ንኣብርሃም እታ እምነቱ ጽድቂ ኾይና ተቘጽረትሉ ኢልና ኣሎና። 10. ከመይ ኢላ ኢያኸ ዝተቘጽረትሉ፧ ምስ ተገዝረ ድያ፧ ወይስ ከይተገዝረ፧ ከይተገዝረ እያ እምበር ምስ ተገዝረስ ኣይኮነትን። 11. ነታ ገና ኸይተገዝረ ኸሎ ብእምነት ዝረኸባ ጽድቂ፥ መፈለጥታን ማኅተምን ክትከውን ግዝረት ተቐበለ። ስለዚ ነቶም ከይተገዝሩ ዚኣምኑ እሞ እምነቶም ጽድቂ ዚቚጸረሎም ኵሎም ድማ ኣቦ ኾኖም። 12. ኣቦ ግዙራትውን እዩ፥ እዚ ኸኣ ስለ ዝተገዝሩ ጥራይ ዘይኮነስ፥ ነታ ኣብርሃም ከይተገዝረ ኸሎ ዝረኸባ እምነት ስለ ዚሰዓቡ እዩ። 13. እታ ንኣብርሃም ምስ ዘርኡ ንዓለም ከም ዚወርሳ ዝተዋህበቶ ተስፋ፥ በቲ ብእምነት ዚርከብ ጽድቂ እያ እምበር፥ ሕጊ ብምፍጻምሲ ኣይኮነትን።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
ያዕ 2 : 20 - ፍም [English][ግእዝ]20. ግናኸ ኣታ ዓሻ ሰብ፥ እምነት ብዘይ ግብሪ ፍረ ዘይብላ ምዃና ክትፈልጥዶ ትደሊ ኢኻ፧ 21. ኣብርሃም ኣቦና ንይስሓቕ ወዱ ኣብ መሠውዒ ምስ ኣቕረቦ ብግብሩዶ ኣይጸደቐን፧ 22. እምነት ምስ ግብሪ ኾይና ከም ዝዓየየት፥ ከምኡውን ብግብሪ ገይራ ምልኣት ከም ዝረኸበት ትርኢ ኣሎኻ። 23. እቲ “ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ፥ ጽድቂ ኾይኑውን ተቘጽረሉ” ዚብል ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ተፈጸመ። በዚውን ዓርኪ ኣምላኽ ተባህለ። 24. ሰብ ብእምነት ጥራይ ዘይኮነስ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕ ትርእዮ ኣሎኹም። 25. ከምኡ ኸኣ ረኣብ፥ እታ ኣመንዝራ፥ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶም፥ ብኻልእ መገዲውን ምስ ኣውፅኣቶም፥ ብግብራዶ ኣጸደቐትን፧ 26. እምበኣርከ ሥጋ ብዘይ መንፈስ ምውቲ ከም ዝኾነት እምነትውን ብዘይ ግብሪ ምውቲ እያ።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 7 : 1 - 8 [English][ግእዝ]1. እቲ ሊቀ ካህናት ከኣ “እዚ ነገር እዚ ኸምኡ ድዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። 2. ንሱ ድማ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡ - “ኣቱም ኣኅዋትናን ኣቦታትናን ስምዑ። ነቦና ኣብርሃም ኣብ ካራን ከይተቐመጠ ገና ኣብ መሰጶታምያ ኸሎ፥ ኣምላኽ ክብሪ ተራእዮ እሞ፥ 3. ‘ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ውፃእ፥ ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ምድሪውን ኪድ’ በሎ። 4. ሽዑ ኻብ ምድሪ ከለዳውያን ወፂኡ ኣብ ካራን ተቐመጠ። ኣቦኡ ምስ ሞተ ኸኣ ኣምላኽ ካብኡ ናብዛ ሕጂ እትነብሩላ ዘሎኹም ምድሪ ኣግዓዞ። 5. ኣብኣ ኽንዲ መርገጽ እግሪ እትኣክል እኳ ርስቲ ኣይሃቦን፤ እንተኾነ ውሉድ ዘይብሉ ኸሎ፥ እታ ምድሪ ንእኡን ብድኅሪኡውን ንዘርኡን ከም ዘረስትዮ ኣተስፈዎ። 6. ኣምላኽ ድማ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥ ‘ዘርእኻ ኣብ ምድሪ ባዕዲ ስደተኛ ኪኸውን እዩ፥ ነርባዕተ ሚእቲ ዓመት ከኣ ከም ባርያ ኪገፍዕዎን ኪጭቊንዎን እዮም። 7. ኣነ ግና ነቶም ዝገዝእዎም ሕዝቢ ኽፈርዶም እየ’ ይብል ኣምላኽ፥ ‘ብድኅርዚ ኻብኡ ወፂኦም ኣብዛ ሥፍራ እዚኣ ኬምልኹኒ እዮም።’ 8. ኪዳን ከም ዝኣተወሉ ኬርኢ ኸኣ ናይ ግዝረት ሥርዓት ሃቦ። ኣብርሃም ከኣ ንይስሓቅ ምስ ወለደ ብሳምነይቲ መዓልቲ ገዘሮ። ይስሓቅ ድማ ንያዕቆብ ወለደ፥ ያዕቆብ ከኣ ነቶም ዓሠርተው ክልተ ኣቦታት ነገደ እስራኤል ወለደ።
ስንክሳር Synaxarium
አብርሃም ይስሓቅ ወያዕቆብወአባ ብርሳቦ ወ፲ቱ መነኮሳት አርዳኢሁ ወሊቀ አፍራስ ዘንጉሠ ፋርስወ፰፻ ማኅበራነ ኤስድሮስ
መዝሙር Psalm
መዝ 121 : 1 - 2 / መዝ ፻፳ : ፩ - ፪ [English][ትግርኛ]
ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን ኤልዕል ኣሎኹ። ረዲኤተይ ካበይ እዩ ዚመጸኒ፧ ረዲኤተይሲ ኻብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ ዚመጸኒ።
አንሣእኩ አዕይንትየ መንገለ አድባር፤
እምአይቴ ይምጻእ ረድኤትየ፤
ረድኤትየሰ እምኀበ እግዚአብሔር።
ወንጌል Gospel
ማቴ 22 : 23 - 33 [English][ግእዝ]23. በታ መዓልቲ እቲኣ “ትንሣኤ ሙታን የልቦን” ዚብሉ ሰዱቃውያን ናብኡ መጹ። 24. ከምዚ ኢሎም ድማ ሓተትዎ፡ - “መምህር! ሙሴ ‘ሓደ ሰብ ውሉድ ዘይብሉ እንተ ሞተ፥ እቲ ኃው ነታ ሰበይቲ ኃዉ ይውረሳ፥ ንኃዉ ድማ ውሉድ የቑመሉ’ ኢሉ ኣሎ። 25. እምበኣር ኣባና ሾብዓተ ኣኅዋት ነበሩ። እቲ ዓብይ ሰበይቲ ኣእትዩ፥ ከይወለደ ሞተ፥ እታ ሰበይቱ ድማ ንኃው ኃደጋ፥ 26. ከምኡ ድማ እቲ ኻልኣይን ሣልሳይውን፥ ክሳዕ ሾብዓቲኦም። 27. ድኅሪ ዅሎም ድማ እታ ሰበይቲ ሞተት። 28. ኵሎም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፥ ብጊዜ ትንሣኤ ሙታን ካብ ሾብዓቲኦም ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧” 29. ኢየሱስ ድማ “መጻሕፍቲ ኾነ ኃይሊ ኣምላኽ ብዘይምፍላጥ ትጋገዩ ኣሎኹም። 30. ኣብ ጊዜ ትንሣኤስ፥ ኣብ ሰማያት ከም መላእኽቲ ኣምላኽ እዮም እምበር፥ ኣይምርዓዉ ኣየመርዓዕዉ። 31. - 32. ብዛዕባ ትንሣኤ ሙታን ግና እቲ ካብ ኣምላኽ ‘ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያዕቆብ እየ’ ዝተባህለልኩምዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧ እምበኣርከስ ንሱ ኣምላኽ ሕያዋን እዩ እምበር፥ ኣምላኽ ምዉታት ኣይኮነን” ኢሉ መለሰሎም። 33. እቶም ሕዝቢ ኸኣ ብትምህርቱ ተገረሙ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘእግዝእትነ ማርያም(ጐሥዓ) ዓዲ ዘ፫፻ ምእት(ግሩም)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 105 : 3 - 4 / መዝ ፻፬ : ፫ - ፬ [English][ትግርኛ]
ብቅዱስ ስሙ ኽብሩ፣ ልቢ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ይተሐጐስ። እግዚኣብሄርን ሓይሉን ድለዩ። አዘውቲርኩም ገጹ ድለዩ።
ለይትፈሣሕ ልብ ዘየኃሥሦ ለእግዚአብሔር፤
ኅሥዎ ለእግዚአብሔር ወትፀንዑ፤
ወኅሡ ገጾ በኵሉ ጊዜ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 6 : 30 - ፍም [English][ግእዝ]30. ኣምላኽ ነዚ ሎሚ ዘሎ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሣዕሪ መሮር ከምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ ደኣ፥ ኣቱም ሰብ ጐደሎ እምነት፥ ንኣኻትኩም ግዳ ኽንደይ ኣብሊጹ ዘይከድነኩም፧ 31. እምበኣርከ ‘እንታይ ክንበልዕ ኢና፧ እንታይ ክንሰቲ ኢና፧ እንታይ ክንኽደን ኢና፧’ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። 32. ነዚ ዅሉስ ኣሕዛብውን ይደልይዎ እዮም እሞ፥ ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም፥ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። 33. ንስኻትኩም ግና ቕድም መንግሥቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፥ እዚ ዅሉ ድማ ኪውሰኸልኩም እዩ። 34. እንበኣርከስ፥ ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ፥ ንመዓልቲ መከራኣ ይኣኽላ እዩ።” ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ዘመነ ማርቆስ Readings for Friday
ነሐሰ 29, 2018 ብግእዝ Sep 04, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 110 : 3 - 4 / መዝ ፻፱ : ፫ - ፬ [English][ትግርኛ]
በታ ሰራዊትካ እተኽትተላ መዓልቲ ህዝብኻ ፈትዩ ይመጽእ፣ ከምቲ ኻብ ከርሲ ወጋሕታ ዚመጽእ ኣውሊ ከምኡ መንእሰይካ ብልብሲ ቕድስና ይመጹኻ። እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለአለም ካህን ኢኻ፣ ኢሉ መሐለ ኣይጠዓስን ከኣ።
ምስሌከ ቀዳማዊ በዕለተ ኀይል፤
በብርሃኖሙ ለቅዱሳን፤
ወለድኩከ እምከርሥ እምቅድመ ኮከበ ጽባሕ።
ወንጌል Gospel
ሉቃ 2 : 1 - 7 [English][ግእዝ]1. በቲ ቕነ እቲ ድማ ዅሉ ኣብ ግዝኣት ሮማውያን ዝነበረ ሕዝቢ ኪጸሐፍ ካብ ቄሣር ኣውጉስጦስ ትእዛዝ ወፀ። 2. እዚ እቲ ቀሬኔዎስ ኣብ ሶርያ ተሸይሙ ኸሎ ዝዀነ ቐዳማይ ጽሕፈት እዩ። 3. ሽዑ ነፍስ ወከፍ ነናብ ዓዱ ኪጸሓፍ ከደ። 4. - 5. ዮሴፍ ድማ ካብ ቤት ዳዊትን ካብ ዓሌቱን ስለ ዝነበረ፥ ካብ ገሊላ ኻብ ከተማ ናዝሬት ምስታ ጠኒሳ ዝነበረት ማርያም ሕጽይቱ ናብ ይሁዳ፥ ቤተ ልሔም ናብ እትብሃል ከተማ ዳዊት፥ ኪጸሓፍ ደየበ። 6. ኣብኡ ኸለዉ ድማ ጊዜ ሕርሳ በጽሐ። 7. በዅሪ ወዳ ወለደት በጭርቕቲውን ጠቕለለቶ፥ ኣብቲ መኅደር ኣጋይሽ ሥፍራ ስለ ዘይነበሮም ድማ ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
ሮሜ 4 : 16 - ፍም [English][ግእዝ]16. እታ ተስፋ ኻብ እምነት እያ፥ ስለዚ ዘርኢ ኣብርሃም ኵሎም ነዛ ተስፋ እዚኣ ብጸጋ ኺወርስዋ እዮም። እዚ ኸኣ ፈጸምቲ ሕጊ ጥራይ ዘይኮኑስ እቶም ከም ኣብርሃም ብእምነት ዚጸድቁውን እዮም። ከመይ ኣብርሃም ብእምነት ኣቦ ዅልና እዩ። 17. እዚ ድማ “ኣቦ ብዙኃት ኣሕዛብ ገይረካ እየ” ዚብል ተጻሒፉ ስለ ዘሎ እዩ። ኣብርሃም ኣብ ቅድሚ እቲ ዝኣመኖ ኣምላኽ ኣቦና እዩ። እዚ ኣምላኽ እዚ ንዝሞቱ ሕይወት ዚህብ፥ ንዘየለዉውን ናብ ህላዌ ዚጽውዕ እዩ። 18. ከምቲ “ዘርእኻ ኸምኡ ኺኸውን እዩ” ዚብል ዝተነግሮ፥ ኣብርሃም ኣብቲ ተስፋ ዘይብሉ፥ ተስፋ ብምግባር፥ ኣቦ ብዙኃት ከም ዚኸውን ኣመነ። 19. ኣብርሃም ወዲ ሚእቲ ዓመት ኣቢሉ ስለ ዝነበረ፥ ኪወልድ ከም ዘይክእልን ሳራውን ማኅፀና ከም ዝሞተ እናረኣየ እኳ እምነቱ ኣይደኸመን። 20. ግና ብእምነቱ እናበርትዐ ደኣ ንኣምላኽ ክብሪ ሃበ እምበር፥ በቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ተስፋስ ኣይተጠራጠረን። 21. ኣምላኽ ነቲ ዝሃቦ ተስፋ ኺፍጽሞ ከም ዚኽእል ኣጸቢቑ ተረዲኡ ነበረ። 22. ስለዚ ድማ “እምነቱ ንጽድቂ ተቘጽረሉ።” 23. ግና “እቲ ንጽድቂ ተቘጽረሉ” ዚብል፥ ንኣብርሃም ጥራይ ኣይተጻሕፈን። 24. ንኣናውን እዩ። ንኣና በቲ ንኢየሱስ ጐይታና ካብ ምውታት ዘተንሥኦ ንእንኣምን ኸኣ ኺቚጸረልና እዩ። 25. ንሱ ምእንቲ ኃጢኣትና በጃ ዝኾነ፥ ንኣና ንኼጽድቕውን ካብ ሞት ዝተንሥአ እዩ።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
1ይ ዮሐ 5 : 9 - 20 [English][ግእዝ]9. ሰብ ዚህቦ ምስክር ንቕበል ኢና፥ ኣምላኽ ዚህቦ ምስክር ግና ኻብኡ ይዓቢ እዩ፥ እቲ ኣምላኽ ዚህቦ ምስክር ከኣ ብዛዕባ ወዱ እዩ። 10. ብወዲ ኣምላኽ ዚኣምን እቲ ምስክር ኣብ ልቡ ኣለዎ፥ እቲ ንኣምላኽ ዘይኣምን፥ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ወዱ ዝሃቦ ምስክር ስለ ዘይኣመነ፥ ንኣምላኽ ሓሳዊ ይገብሮ። 11. እቲ ኣምላኽ ዚህቦ ምስክር ከኣ እዚ እዩ፦ ኣምላኽ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ሃበና፥ እዛ ሕይወት እዚኣ ኸኣ ኣብ ወዱ ኣላ። 12. እቲ ወዲ ኣምላኽ ኣብኡ ዚነብር ሰብ፥ ሕይወት ኣላቶ፥ እቲ ወዲ ኣምላኽ ኣብኡ ዘይነብር ሰብ፥ ሕይወት የብሉን። 13. ንኣኻትኩም ነዞም ብስም ወዲ ኣምላኽ እትኣምኑ፥ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ከም ዘላትኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢለ እየ እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ። 14. ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ ኸም ዚሰምዓና ስለ እንፈልጥ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትብዓት ኣሎና። 15. እቲ ዝለመንናዮ ዘበለ ኸም ዚሰምዓና ስለ እንፈልጥ ድማ እቲ ኻብኡ ዝለመንናዮ ድሮ ከም ዝረኸብናዮ ንፈልጥ ኢና። 16. ሓደ፥ ንኃዉ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ኃጢኣት ኪገብር እንተ ረኣዮ ይጸልየሉ፥ ኣምላኽ ከኣ ሕይወት ኪህቦ እዩ። እዚ ነቶም ናብ ሞት ዘየብጽሕ ኃጢኣት ዚገበሩ እዩ ዜርኢ። ናብ ሞት ዜብጽሕ ኃጢኣት ኣሎ፥ “ይጸልየሉ” ዝብል ዘሎኹ ብዛዕባ እዚ ኣይኮነን። 17. ክፉእ ሥራሕ ዘበለ ዅሉ ኃጢኣት እዩ። እንተኾነ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ኃጢኣትውን ኣሎ። 18. እቲ ካብ ኣምላኽ ዝተወልደ ኃጢኣት ከም ዘይገብር ንፈልጥ ኢና። ወዲ ኣምላኽ ስለ ዚሕልዎ እቲ ኽፉእ ኣይትንክዮን እዩ። 19. ንሕና ናይ ኣምላኽ ከም ዝኾንና፥ ብዘላ ዓለም ከኣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እቲ ኽፉእ ከም ዘላ ንፈልጥ ኢና። 20. እቲ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝመጸ፥ ንእኡ፥ ነቲ ሓቂ ዝኾነ፥ ክንፈልጦ ኢሉ ምስትውዓል ከም ዝሃበና ንፈልጥ ኢና። ንሕና ኣብቲ ሓቂ ዝኾነ፥ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱ ኢና ዘሎና። ንሱ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለዓለም ሕይወትን እዩ።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 28 : 21 - 27 [English][ግእዝ]21. ንሳቶም ከኣ፥ “ንሕና ብዛዕባኻ ካብ ሃገር ይሁዳ መልእኽቲ ኣይተቐበልናን፤ ካብ ኣኅዋት ከኣ መጺኡ ዘዘንተወልና ወይ ብኣኻ ኽፉእ ዝነገረና የልቦን። 22. ብዛዕባ እዛ እምነት እዚኣ ግና ኣብ ኵሉ ቦታ ከም ዚቃወምዋ ንፈልጥ ኢና እሞ፥ እቲ ንስኻ እትሓስቦ ካባኻ ክንሰምዖ ንደሊ ኢና” በልዎ። 23. መዓልቲ ምስ ተቛጸሩ ድማ ብዙኃት ኮይኖም ናብታ ሰፊርዋ ዝነበረ ቤት መጹ። ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ ምሸት ድማ ካብ ሕጊ ሙሴን መጻሕፍቲ ነቢያትን፥ ብዛዕባ ኢየሱስ እናኣረድአ፥ ብናይ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ እናመስከረ ተርጐመሎም። 24. ገሊኦም ነቲ እተነግረ ኣመንዎ፥ ገሊኦም ግና ኣበይዎ። 25. ጳውሎስ ነዚ ዚስዕብ ቃል ምስ ተዛረበ ንሓድሕዶም ምስምማዕ ስኢኖም ተፈላለዩ፡ - “መንፈስ ቅዱስ ብነቢይ ኢሳይያስ ነቦታትኩም ከምዚ ዚስዕብ እናበለ ዝተዛረቦም ጽቡቕ ገበረ፡ - 26. ‘ናብዚ ሕዝቢ ኺድ እሞ ምስማዕ ክትሰምዑ ኢኹም ግና ኣይከተስተውዕሉን ኢኹም። ምርኣይ ክትርእዩ ኢኹም ግና ኣይክትርድኡን ኢኹም’ ኢልካ ንገሮም። 27. ምኽንያቱ ‘በእዛኖም ከይሰምዑ ኣእዛኖም ኣጽመሙ። በዕይንቶም ከይርእዩ ኣዕይንቶም ዓመቱ፥ ብልቦም ከየስተውዕሉ ከይምለሱ፥ ኣነውን ከየሕውዮምሲ ልቢ እዚ ሕዝቢ እዚ ድንዙዝ እዩ።’
ስንክሳር Synaxarium
ተዝካረ ልደቱ ለእግዚእነወአትናቴዎስ ወዮሐንስ ሐፂር
መዝሙር Psalm
መዝ 105 : 6 - 7 / መዝ ፻፬ : ፮ - ፯ [English][ትግርኛ]
ኣቱም ዘርኢ አብርሃም፣ እቲ ባርያኡ፣ ኣቱም ውሉድ ያእቆብ፣ ሕሩያቱ፣ ዝገበሮ መስትንክር ግብርታቱን ተኣምራቱን ፍርዲ ኣፉን ዘክሩ። ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ፣ ፍርዱ አብ ኵሉ ምድሪ እዩ።
ዘርዐ አብርሃም አግብርቲሁ፤
ወደቂቀ ያዕቆብ ኅሩያኒሁ፤
ውእቱ እግዚአብሔር አምላክነ።
ወንጌል Gospel
ሉቃ 20 : 34 - 40 [English][ግእዝ]34. ኢየሱስ ከኣ “ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ የውስቡን ይዋሰቡን እዮም። 35. እቶም ነታ ዓለም እቲኣን ንትንሣኤ ሙታንን ምውራስ ዚበቕዑ ግና ኣየውስቡን ኣየዋስቡን እዮም። 36. ከም መላእኽቲ ስለ ዝኾኑ ድኅሪ ደጊም ኪሞቱ ኣይክእሉን እዮም። ደቂ ትንሣኤ ስለ ዝኾኑ ድማ ደቂ ኣምላኽ እዮም። 37. ምዉታት ከም ዚትንስኡ ግና ሙሴ ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ቘጥቋጥ ዝጸሓፎ፥ ንእግዚኣብሔር ‘ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሓቅን ኣምላኽ ያዕቆብን’ ብምባሉ ኣርኣየ። 38. ንእኡ ዅሎም ሕያዋን እዮም እሞ፥ ንሱስ ናይ ሕያዋን እምበር ናይ ምዉታት ኣምላኽ ኣይኮነን” በሎም። 39. ገሊኣቶም ካብ መምህራን ሕጊ ድማ “መምህር ጽቡቕ ተዛሪብካ” ኢሎም መለሱሉ። 40. ካብኡ ንደኃር ሓንቲ እኳ ክሓትዎ ኣይደፈሩን። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘእግዚእነ(ነአኩተከ)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 19 : 3 - 4 / መዝ ፲፰ : ፫ - ፬ [English][ትግርኛ]
ገመዶም ናብ ኵላ ምድሪ፣ ቃላቶም ድማ ክሳዕ ወሰን ዓለም ይወጽእ ኣሎ፣ ንጸሓይ ከኣ ድንኳን ተኸለሎም።
ውስተ ኵሉ ምድር ወፅአ ነገሮሙ፤
ወእስከ አጽናፈ ዓለም በጽሐ ነቢቦሙ፤
ወውስተ ፀሐይ ሤመ ጽላሎቶ።
ወንጌል Gospel
ዮሐ 6 : 8 - 14 [English][ግእዝ]8. ሓደ ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ እንድርያስ ኃው ስምኦን ጴጥሮስ፥ 9. “ኃሙሽተ ጐጎ ስገምን ክልተ ዓሣን ዘለዎ ሓደ ቘልዓ ኣብዚ ኣሎ ፣ እዚኣተን ግና ነዚ ኽንድዚ ዚኣክል ሰብ እንታይ ይጠቕማ፧” በሎ። 10. ኢየሱስ ከኣ “ነቶም ሕዝቢ ኮፍ ኣብልዎም” በለ። ኣብታ ቦታ እቲኣ ኸኣ ብዙኅ ሣዕሪ ነበረ። ሽዑ እቶም ሕዝቢ ተቐመጡ፥ ቊጽሮም ከኣ ኃሙሽተ ሽሕ ሰብኡት ኣቢሎም ነበሩ። 11. ኢየሱስ ነተን ጐጎታት ኣልዒሉ፥ ኣመስጊኑ ነቶም ዝተቐመጡ ሃቦም፥ ካብቲ ዓሣታት ከኣ ከምኡ ከከም ዚደልይዎ መቐሎም። 12. ምስ ጸገቡ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ “ሓንቲ እኳ ኸይትጠፍእ፥ ነቲ ዝተረፈ ቚርስራስ ኣክብዎ” በሎም። 13. ስለዚውን ኣከብዎ፣ ተረፍ እቶም ካብተን ኃሙሽተ ጐጎ ስገም ዝበልዑ ኸኣ፥ ዓሠርተው ክልተ መሶብ ቊርስራስ መልኡ። 14. እቶም ሕዝቢ ኸኣ ነቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ትእምርቲ ርእዮም “እዚ ብሓቂ እቲ ናብ ዓለም ኪመጽእ ዘለዎ ነቢይ እዩ” በሉ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።
ዘመነ ማርቆስ Readings for Saturday
ነሐሰ 30, 2018 ብግእዝ Sep 05, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 93 : 5 - 6 / መዝ ፺፪ : ፭ - ፮ [English][ትግርኛ]
ካብ ድምጺ ብዙሕ ማያት፣ ካብ ስልጡን ማዕበላት ባሕሪ፣ እግዚኣብሄር ኣብ ላዕሊ ይስልጥን። ምስክራትካ ኣዝዩ እሙን እዩ።
መንክር ተላህያ ለባሕር፤
መንክርሰ እግዚአብሔር በአርያሙ፤
ስምዐ ዚአከ እሙን ፈድፋደ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 4 : 17 - 22 [English][ግእዝ]17. ኢየሱስ ካብታ እዋን እቲኣ፥ “መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ ተንስሑ” እናበለ ኪሰብኽ ጀመረ። 18. ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኺመላለስ ከሎ፥ ገፈፍቲ ዓሣ ዝነበሩ ኽልተ ኣኅዋት፥ ጴጥሮስ ዝተባህለ ስምዖንን እንድርያስ ኃዉን ብመርበብ ዓሣ ኺገፉ ረኣየ። 19. ኢየሱስ ከኣ “ኣነ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ፥ ንዑ ስዓቡኒ” በሎም። 20. ብኡብኡ ድማ መርበቦም ኃዲጎም ሰዓብዎ። 21. ካብኡ ኃሊፉ ኻልኦት ክልተ ኣኅዋት፥ ያዕቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሓንስ ኃዉን፥ ምስ ዘብዴዎስ ኣቦኦም፥ መርበቦም ኣብ ጃልባ ኬተዓራርዩ ርእዩ ጸውዖም። 22. ንሳቶም ከኣ ነታ ጃልባን ኣቦኦምን ኃዲጎም ብኡብኡ ሰዓብዎ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
ሮሜ 4 : 9 - 16 [English][ግእዝ]9. እዛ ብፅዕና እዚኣ ንግዙራት ጥራይ ድያ ወይሲ ንዘይተገዝሩውን፧ ንኣብርሃም እታ እምነቱ ጽድቂ ኾይና ተቘጽረትሉ ኢልና ኣሎና። 10. ከመይ ኢላ ኢያኸ ዝተቘጽረትሉ፧ ምስ ተገዝረ ድያ፧ ወይስ ከይተገዝረ፧ ከይተገዝረ እያ እምበር ምስ ተገዝረስ ኣይኮነትን። 11. ነታ ገና ኸይተገዝረ ኸሎ ብእምነት ዝረኸባ ጽድቂ፥ መፈለጥታን ማኅተምን ክትከውን ግዝረት ተቐበለ። ስለዚ ነቶም ከይተገዝሩ ዚኣምኑ እሞ እምነቶም ጽድቂ ዚቚጸረሎም ኵሎም ድማ ኣቦ ኾኖም። 12. ኣቦ ግዙራትውን እዩ፥ እዚ ኸኣ ስለ ዝተገዝሩ ጥራይ ዘይኮነስ፥ ነታ ኣብርሃም ከይተገዝረ ኸሎ ዝረኸባ እምነት ስለ ዚሰዓቡ እዩ። 13. እታ ንኣብርሃም ምስ ዘርኡ ንዓለም ከም ዚወርሳ ዝተዋህበቶ ተስፋ፥ በቲ ብእምነት ዚርከብ ጽድቂ እያ እምበር፥ ሕጊ ብምፍጻምሲ ኣይኮነትን። 14. እቶም ፈጸምቲ ሕጊ ዚወርሱ እንተ ዚኾኑ ግና እምነት ከንቱ ምኾነት፥ ተስፋ ኸኣ ዋጋ ኣይምነበራን። 15. ከመይ ሕግስ ቍጥዓ እዩ ዜምጽእ፥ ኣብቲ ሕጊ ዘይብሉ ግና ኣብኡ ምፍራስ ሕጊ የልቦን። 16. እታ ተስፋ ኻብ እምነት እያ፥ ስለዚ ዘርኢ ኣብርሃም ኵሎም ነዛ ተስፋ እዚኣ ብጸጋ ኺወርስዋ እዮም። እዚ ኸኣ ፈጸምቲ ሕጊ ጥራይ ዘይኮኑስ እቶም ከም ኣብርሃም ብእምነት ዚጸድቁውን እዮም። ከመይ ኣብርሃም ብእምነት ኣቦ ዅልና እዩ።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
ይሁ 1 : 11 - 18 [English][ግእዝ]11. ብመገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ፥ ምእንቲ ገንዘብ ኣብ ስሕተት በለዓም ስለ ዝጸደፉ፥ ከም ቆሬ ስለ ዝዓለዉ ኸኣ፥ ጠፊኦም እዮም እሞ ወይለኦም።12. እዚኣቶም ኣብቲ ናይ ፍቕሪ መኣድኹም ጸያቒቶ እዮም፥ ከይኃፈሩ ኣብ መኣድኹም ይሳተፉ፥ ንገዛእ ርእሶም ጥራይ ይጓስዩ፥ ንፋስ ንየው ነጀው ዚደፍኦ፥ ማይ ዘይብሉ ደመና እዮም። ካብ ሱረን ዝተመንቆሳ፥ ክልተ ሳዕ ዝሞታ፥ ፍረ ዘይብለን ኣእዋም ሓጋይ እዮም።13. ንሳቶም ከምቲ ብርቱዕ ማዕበል ባሕሪ፥ ነቲ ነውራም ተግባራቶም ከም ዚዓፍር ዚገብሩ፥ ካብ መገዶም ዝዘንበሉ ኸዋኽብቲ እዮም። ነዚኣቶም ግብ ዝበለ ጸልማት ንዘለዓለም ተዓቚሩሎም ኣሎ።14. - 15. እቲ ኻብ ኣዳም ሻውዓይ ወለዶ ዝኾነ ሄኖክውን ብዛዕባ እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ - “እንሆ! ጐይታ ንዂላቶም ኪፈርዶም ኢሉ ምስ ኣእላፋት ቅዱሳኑ መጺኡ ኣሎ። ነቶም ፍርሃት እግዚኣብሔር ዘይብሎም ኲላቶም ድማ፥ ብዛዕባ እቲ ብኽፉእ መገዲ ዚገብርዎ ዅሉ እኩይ ግብርን፥ ብዛዕባት እቲ ኽፉኣት ኃጢኣተኛታት ብዛዕብኡ ዝተዛረብዎ ዘበለ ዅሉ ዘረባ ድርቅናን ኪቐጽዖም እዩ” ኢሉ ተነበየሎም።16. እዚኣቶም መዕዘምዘምቲ፥ ዘይሕጒሳት፥ ከም ክፉእ ትምኒቶም ዚነብሩ እዮም። ኣፎም ቃል ትዕቢት ይዛረብ፥ ምእንቲ ረብሓ ርእሶም ኸኣ ገጽ ርእዮም ይንእዱ።17. ንስኻትኩም ግና ኣቱም ፍቁራተይ፥ ነቲ እቶም ሓዋርያት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቐዲሞም ዝተዛረብዎ ዘክሩ።18. ንሳቶም “ኣብቲ ዳኅራይ ዘመን፥ ብኽፋእ ትምኒቶም ዚምርሑ መላገጽቲ ኺትንስኡ እዮም።” እናበሉ ነጊሮሙኹም ነበሩ።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 27 : 26 - 31 [English][ግእዝ]26. እንተኾነ ናብ ሓንቲ ደሴት ክንግፋዕ ኢና” በሎም። 27. ኣብ መበል ዓሠርተው ኣርባዕተ ለይቲ ኣብ ባሕሪ ኣድርያ ንፋስ እና ኣጋፍዓና ክንከይድ ከሎና፥ እቶም መርከበኛታት ኣብ ፍርቂ ለይቲ ናብ ምድሪ ዝቐረቡ መሰሎም። 28. ሽዑ መለክዒ ገይሮም እንተ ኣቘሩ ኣርብዓ ሜትር ኮይኑ ረኸብዎ። ካብኡ ቚሩብ ኅልፍ ኢሎም ካልኣይ መለክዒ ገይሮም ኣቘሩ እሞ ሠላሳ ሜትር ኮይኑ ረኸብዎ። 29. ምስ ከውሒ ከይንናጐጽ ፈሪሆም ከኣ ብሸነኽ ድኅሪታ ነታ መርከብ ኣርባዕተ መልህቅ ኣውረዱ፥ ኪወግሓሎም ከኣ ጸለዩ። 30. እቶም መርከበኛታት ድማ ካብታ መርከብ ኪሃድሙ ደልዮም፥ ብወገን ቅድሚታ መልህቅ ከም ዜውርዱ ተመሲሎም፥ ነታ ጃልባ ናብ ባሕሪ ኣውረድዋ። 31. ጳውሎስ ከኣ ነቲ ሓለቓ ሚእትን ነቶም ዓቀይትን “እዚኣቶም ኣብ መርከብ እንተ ዘይጸንሑ፥ ንስኻትኩም ኣይክትድኅኑን ኢኹም” በሎም።
ስንክሳር Synaxarium
ሚልኪያስ ነቢይወአባ ሙሴወአስተርአዮ እግዚእነ ለእንድርያስ ውስተ ባሕር
መዝሙር Psalm
መዝ 101 : 6 - 7 / መዝ ፻ : ፮ - ፯ [English][ትግርኛ]
ምሳይ ኪነብሩስ፣ ኣዒንተይ ኣብቶም ናይ ሃገር እሙናት እየን፣ እቲ ብፍጽምቲ መገዲ ዚመላለስ ኬገልግለኒ እዩ። ተንኰል ዚገብር አብ ውሽጢ ቤተይ ኣይነብርን፣ ሓሶት ዚዛረብ አብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣይጸንዕን እዩ።
ዘየሐውር በፍኖት ንጹሕ ውእቱ ይትለአከኒ፤
ወኢይነብር ማእከለ ቤትየ ዘይገብር ትዕቢተ፤
ወኢያረትዕ ቅድሜየ ዘይነብብ ዐመፃ።
ወንጌል Gospel
ማር 1 : 14 - 22 [English][ግእዝ]14. - 15. ድኅሪ ማእሰርቲ ዮሓንስ፥ ኢየሱስ “እቲ እዋን በጺሑ እዩ፥ መንግሥቲ ኣምላኽ ከኣ ቐሪባ እያ እሞ ተነስሑ፥ ብወንጌልውን እመኑ” ኢሉ ብሥራት ኣምላኽ እናሰበኸ ናብ ገሊላ መጸ። 16. ብጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኺኃልፍ ከሎ ስምዖንን እንድርያስ ኃዉን ገፈፍቲ ዓሣ ስለ ዝነበሩ መርበቦም ኣብ ባሕሪ ኼዉርዱ ኸለዉ ረኣየ። 17. ኢየሱስ ድማ “ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩምሲ ንዑ ስዓቡኒ” በሎም። 18. ንሳቶም ድማ መርበቦም ኃዲጎም ሽዑንሽዑ ሰዓብዎ። 19. ካብኡ ቚሩብ ኅልፍ ምስ በለ ድማ ያዕቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሓንስ ኃዉን ኣብ ጃልባኦም ኮይኖም መርበቦም ኬተዓራርዩ ኸለዉ ረኣዮም እሞ 20. ብኡብኡ ጸውዖም። ንሳቶሞ ከኣ ንዘብዴዎስ ኣቦኦም ምስ ዕሱባቱ ኣብ ጃልባ ኃዲጎም ሰዓብዎ። 21. ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ኣብ ቅፍርናሆም በጽሑ፥ ኢየሱስ ድማ ብሰንበት ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣትዩ ኺምህር ጀመረ። 22. ንሱ ኸምቶም መምህራን ሕጊ ዘይኮነስ ከም ብዓል ሥልጣን ይምህሮም ስለ ዝነበረ፥ ብትምህርቱ ተገረሙ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!
ቅዳሴ Liturgy :
ዘአበዊነ ሐዋርያት(ዘበደሃሪ)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 4 : 2 - 3 / መዝ ፬ : ፪ - ፫ [English][ትግርኛ]
ኣቱም ደቂ ሰብ፣ ክብረይስ ኰን ክሳዕ መአዝ እዩ ዚሐስር፧ ክሳዕ መአዝከ ንኸንቱነት ትፈትዉ፣ ሓሶትውን ትደልዩ፧ እግዚኣብሄር ግና ነቲ ደጊ ኸም ዝሐረዮ፣ ፍለጡ።
ደቂቀ ዕጓለ እመሕያው እስከ ማዕዜኑ ታከብዱ ልበክሙ፤
ለምንት ታፈቅሩ ከንቶ ወተሐሱ ሐሰተ፤
አእምሩ ከመ ተሰብሐ እግዚአብሔር በጻድቁ።
ወንጌል Gospel
ዮሐ 12 : 20 - 26 [English][ግእዝ]20. ካብቶም ብቲ በዓል ኪሰግዱ ዝደየቡ ኸኣ ገሊኦም ግሪኻውያን ነበሩ። 21. ንሳቶም ናብ ፊልጶስ ብዓል ቤተ ሳይዳ ናይ ገሊላ መጺኦም፥ “ጐይታይ፥ ንኢየሱስ ክንርእዮ ንደሊ ኣሎና” ኢሎም ነገርዎ። 22. ፊልጶስ ከኣ ኸይዱ ንእንድርያስ ነገሮ፥ እንድርያስን ፊልጶስን ድማ ኸይዶም ንኢየሱስ ነገርዎ። 23. ኢየሱስ ድማ መሊሱ ከምዚ በሎም፦ “ወዲ ሰብ ዚኸብረላ ሰዓት በጺሓ እያ። 24. ፍረ ስርናይ ኣብ ምድሪ ወዲቓ እንተ ዘይሞተት በይና እያ እትነብር። እንተ ሞተት ግና ብዙኅ ፍረ ኸም እትፈሪ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 25. እቲ ንሕይወቱ ዚፈትዋ ኬጥፍኣ እዩ፥ እቲ ንሕይወቱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚጸልኣ ግና ንዘለዓለም ሕይወት ኪሕልዋ ኢዩ። 26. እቲ ዜገልግለኒ ዘበለ ይስዓበኒ፤ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ እቲ ዜገልግለኒ ኸኣ ኣብኡ ኪህሉ እዩ። ነቲ ዜገልግለኒ ዘበለ ኸኣ ኣቦይ ኬኽብሮ እዩ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።
ዘመነ ማርቆስ Readings for Sunday
ጳጉሜን 1, 2018 ብግእዝ Sep 06, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 101 : 1 - 2 / መዝ ፻ : ፩ - ፪ [English][ትግርኛ]
ብዛዕባ ጸጋን ፍርድን ክዝምር፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ምስጋና ኽዝምረልካ እየ። ብፍጽምቲ መገዲ እጣበብ ኣሎኹ፣ መአዝ ክትመጸኒ ኢኻ፣
ምሕረተ ወፍትሐ አሐሊ ለከ፤
እዜምር ወእሌቡ ፍኖተ ንጹሐ፤
ማእዜ ትመጽእ ኀቤየ።
ወንጌል Gospel
ማር 13 : 1 - 11 [English][ግእዝ]1. ኢየሱስ ካብ ቤት መቕደስ ኪወፅእ ከሎ ኸኣ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ “መምህር! ክንደይ ዜገርም ኣእማን ሕንጻን ከም ዝኾነ እሞ ተመልከት” በሎ። 2. ኢየሱስ ከኣ “ነዚ ዓቢይ ሕንጻዶ ትርእዮ ኣሎኻ፧ ኵሉ ኺፈርስ እዩ። እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ተነቢሩ ዚተርፍ የልቦን” ኢሉ መለሰሉ። 3. ኢየሱስ ኣብ ደብረ ዘይቲ፥ ኣብ መንጽር ቤት መቕደስ ተቐሚጡ ኸሎ፥ ጴጥሮስን ያዕቆብን ዮሓንስን እንድርያስን ብሕት ኢሎም 4. “እስከ ንገረና፥ እዚ ነገራት እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ እዚ ዅሉ መኣዝ ከም ዚፍጸምከ ምልክቱ እንታይ እዩ፧” እናበሉ ሓተትዎ። 5. ኢየሱስ ከኣ ኸምዚ ኺብሎም ጀመረ፡ - “ሓደ እኳ ከየስሕተኩም ተጠንቀቑ። 6. ብዙኃት ‘ኣነ ክርስቶስ እየ’ እናበሉ ብስመይ ኪመጹ እዮም፥ ንቡዙኃት ከኣ ኼስሕቱ እዮም። 7. ውግእን ወረ ውግእን ምስ ሰማዕኩም ኣይትሸበሩ፤ እዚ ኪኸውን ብግዲ እዩ፤ እንተኾነ መወዳእታ ገና እዩ። 8. ሕዝቢ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ፥ መንግሥቲውን ኣብ ልዕሊ መንግሥቲ፥ ኪለዓል እዩ፤ በብቦታኡ ምንቅጥቃጥ ምድርን ጥሜትን ኪኸውን እዩ፤ እዚ ነገራት እዚ መጀመርታ ቕልውላው እዩ። 9. “ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ኪኸውን ብኣይ ምኽንያት ንፍርዲ ኣኅሊፎም ኪህቡኹም፥ ኣብ ኣብያተ ጸሎቶምውን ኪገርፉኹም፥ ኣብ ቅድሚ መኳንንትን ነገሥታትን ከኣ ደው ኬብሉኹም እዮም እሞ ንርእስኹም ተጠንቀቑ። 10. ቕድም ግና ንዅሎም ኣሕዛብ ወንጌል ኪስበኽ ግድን እዩ። 11. መንፈስ ቅዱስ እዩ እምበር ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን እትዛረቡ፤ ስለዚ ኣኅሊፎም ኪህብኹም ምስ ወሰደኹም፥ እቲ በታ ሰዓት እቲኣ ዚወሃበኩም ደኣ ተዛረቡ እምበር፥ እንታይ ኢልኩም ከም እትዛረቡ ኣቐዲምኩም ኣይትጨነቑ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
ገላ 1 : 13 - ፍም [English][ግእዝ]13. ከምኡውን ቀደም ብእምነት ኣይሁድ ኣብ ዝነበርኩሉ፥ ንቤተ ክርስቲያን ኣምላኽ ካብ መጠን ንላዕሊ ከም ዘሳደድክዋን፥ ከዕንዋ ከም ዝፈተንኩን ሰሚዕኩም ኣሎኹም። 14. ብእምነት ኣይሁድ ካብ ኵሎም ደቂ ዓደይን መሳቶይን እበልጽ ነበርኩ። ብዛዕባ ሥርዓት ኣቦታተይ ድማ ቐናእ ነበርኩ። 15. እቲ ኣብ ማኅፀን ኣደይ ከሎኹ ዝኃረየኒ፥ ብጸጋኡ እውን ዝጸውዓኒ ኣምላኽ፥ 16. ኣብ ኵሎም ኣሕዛብ ብዛዕባኡ ምእንቲ ክሰብኽ፥ ንወዲ ኪገልጸለይ ምስ ፈተወ ግና፥ ምስ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣይተማኸርኩን። 17. ነቶም ቅድመይ ሓዋርያት ዝነበሩ ኽርኢ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ኣይደየብኩን። እኳ ደኣ ናብ ምድሪ ዓረብ ከድኩ፥ ከም ብሓዱሽ ከኣ ናብ ደማስቆ ተመለስኩ። 18. ድኅሪ ሠለስተ ዓመት ከኣ ንኬፋ ኽርኢ ናብ ኢየሩሳሌም ደየብኩ። ምስኡ ኸኣ ዓሠርተው ኃሙሽተ መዓልቲ ጸናሕኩ። 19. ብዘይካ ያዕቆብ ኃው ጐይታና ግና ኻልእ ካብ ሓዋርያት ሓደ እኳ ኣይርአኹን። 20. እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ሓሶት ከም ዘይኮነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ አረጋግጸልኩም ኣሎኹ። 21. ብድኅሪኡ ኸኣ ናብ ሃገር ሶርያን ቂልቅያን ከድኩ። 22. እተን ኣብ ይሁዳ ዝነበራ ኣብያተ ክርስቲያን ብገጽ ኣይፈልጣንን ነበራ። 23. “እቲ ቐደም ዜሳድደና ዝነበረ፥ ብዛዕባ እታ ሓደ ጊዜ ኬዕንዋ ዝፈተነ ሃይማኖት ሕጂ ይሰብኽ ኣሎ” ዚብል ጥራይ ይሰምዓ ነበራ። 24. ብዛዕባይውን ንኣምላኽ ኣመስገና።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
2ይ ጴጥ 3 : 1 - 9 [English][ግእዝ]1. - 2. ኣቱም ፍቁራተይ! እዛ ሕጂ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ኻልኣይቲ መልእኽተይ እያ። ብኽልቲአን፥ እቲ ቐደም ብቕዱሳን ነቢያት ዝተነገረ ቃልን፥ ብሓዋርያትኩም ዝረኸብኩምዎ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ትእዛዝን እናኣዘኻኸርኩ፥ ቅኑዕ ሓሳባት ኪህልወኩም እየ ዝጽዕር ዘሎኹ።3. ኣብተን ዳኅሮት መዓልትታት ብኽፉእ ፍትወት ሥጋኦም ዚመላለሱን ዜላግጹ መላገጽትን ከም ዚመጹ፥ ቕድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ።4. ንሳቶም “ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝሞትላ መዓልቲ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ኂዙ ዅሉ ከምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ” ኪብሉ እዮም።5. ሰማያት ካብ ጥንቲ ብቃል ኣምላኽ ከም ዝነበረ፥ ምድሪውን ካብ ማይን ብማይን ከም ዝተፈጥረት፥ ኮነ ኢሎም ይርስዕዎ።6. እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለምውን ብማይ ተደፊና ጠፍአት።7. እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማይትን ምድርን ግና ብቓሉ ንሓዊ ተዓቚሩ፥ እቶም ንእግዚኣብሔር ዘይፈርሁ ሰባት ተፈሪዶም ክሳዕ ዚጠፍኡ ይሕሎ ኣሎ።8. ግናኸ ኣቱም ፍቁራተይ፥ ኣብ እግዚኣብሔር ሓንቲ መዓልቲ ከም ሽሕ ዓመት፥ ሽሕ ዓመትውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃኑ፥ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትረስዑ።9. ጐይታስ ኲላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፥ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝኾነ፥ ምእንታኻትኩም ይዕገሥ ኣሎ እምበር፥ ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም፥ ንተስፋኡ ኣየደንግጒዮን እዩ።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 28 : 28 - ፍም [English][ግእዝ]28. እምበኣርከስ እዚ ምድኃን ኣምላኽ ነሕዛብ ከም ዝተላእከ ኣባኻትኩም ፍሉጥ ይኹን፥ ንሳቶም ከኣ ኪሰምዕዎ እዮም።” 29. [እዚ ምስ ተዛረበ ኣይሁድ ንሓድሕዶም ብዙኅ እናተኻትዑ ወፁ።] 30. ጳውሎስ ከኣ ኣብታ እተኻረያ ቤት ክልተ ዓመት ምሉእ ተቐመጠ፥ ነቶም ናብኡ ዝመጹ ዅሎምውን ይቕበሎም ነበረ። 31. ከይተኸልከለ ኸኣ መንግሥቲ ኣምላኽ ብብዙኅ ትብዓት ይሰብኽ፥ ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ይምህር ነበረ።
ስንክሳር Synaxarium
በዓለ ተሞቅሖቱ ለዮሐንስወዑቲኮስወአባ ሖርወአባ ብሶይ
መዝሙር Psalm
መዝ 116 : 16 - 17 / መዝ ፻፲፭ : ፯ - ፰ [English][ትግርኛ]
መኣስረይ ፈታሕካ። መስዋእቲ ምስጋና ኽስውኣልካ፣ ስም እግዚኣብሄር ከኣ ክጽውዕ እየ።
ወሰበርከ መዋቅሕትየ፤
ለከ እሠውዕ መሥዋዕተ ስብሓት፤
ወስመ እግዚአብሔር እጼውዕ።
ወንጌል Gospel
ማር 6 : 17 - 31 [English][ግእዝ]17. ሄሮድስ ንሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊሊጶስ ኃዉ ኣእትይዋ ነበረ እሞ፥ ብሰራ ልኢኹ ንዮሓንስ ኂዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሲርዎ ነበረ። 18. ምኽንያቱ ኸኣ ዮሓንስ ንሄሮድስ “ሰበይቲ ኃውካ ንኣኻ ኽትከውን ኣይግብኣካን” ስለ ዝበሎ እዩ። 19. ሄሮድያዳ በዚ ተቐይማ ኽትቀትሎ ትደሊ ነበረት፥ እንተኾነ ኣይከኣለትን። 20. ምኽንያቱ ድማ ሄሮድስ ንዮሓንስ ጻድቕን ቅዱስን ሰብ ምዃኑ ፈሊጡ ይፈርሆን ክፉእ ነገረ ከይበጽሖ ይሕልዎን ነበረ። ሄሮድስ ዘረባ ዮሓንስ ኪሰምዕ ከሎ ኣዝዩ ይጭነቕ ነበረ፥ እንተኾነ እናተሓጐሰ ደኣ ይሰምዖ ነበረ። 21. ሄሮድስ ዝተወልደላ መዓልቲ ኬኽብር፥ ንመሳፍንቲ፥ ንመኳንንቲ፥ ንናይ ገሊላ ዓበይቲ ዓዲ ምሳሕ ምስ ገበረ፥ ሽዑ ምሹእ መዓልቲ ኾነ። 22. ጓል ሄሮድያዳ ድማ ኣትያ ሳዕስዐት፥ ንሄሮድስን ነቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ ዝተቐመጡን ከኣ ኣሓጐሰቶም። እቲ ንጉሥ ከኣ ነታ ጓል “ዝደሌኽዮ ለምንኒ እሞ ኽህበኪ እየ። 23. ክሳብ ፍርቂ መንግሥተይ እንተ ኾነውን ዝለመንክኒ ኽህበኪ እየ” ኢሉ መሓለላ። 24. እታ ጓል ወፂኣ ነዲኣ “እንታይ ክልምኖ፧” በለታ። ንሳ ኸኣ “ርእሲ ዮሓንስ መጥመቕ” በለታ። 25. ሽዑ ቐልጢፋ ናብ ንጉሥ ኣትያ፥ “ርእሲ ዮሓንስ መጥመቕ ሕጂ ኣብ ጻሕሊ ጌርካ ሃበኒ” በለቶ። 26. እቲ ንጉሥ ድማ ኣዝዩ ኃዘነ፥ ምእንቲ ማሕላኡን ምእንቲ እቶም ምስኡ ተቐሚጦም ዝነበሩን ግና ኪኣብያ ኣይደለየን። 27. ሽዑ እቲ ንጉሥ ንሓደ ወተሃደር ልኢኹ ርእሲ ዮሓንስ ኬምጽኣሉ ኣዘዞ፥ ንሱ ኸኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸይዱ ርእሲ ዮሓንስ ሰየፈ። 28. ነቲ ርእሱ ብጻሕሊ ኣምጺኡ ነታ ጓል ሃባ፥ እታ ጓል ድማ ነዲኣ ሃበታ። 29. ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ምስ ሰምዑ ኸይዶም ነቲ ሬሳ ዮሓንስ ወሲዶም ቀበርዎ። 30. ሓዋርያት ድማ ናብ ኢየሱስ ተመሊሶም ዝገበርዎን ዝመሃርዎን ኵሉ ነገርዎ። 31. እቶም ዝመጹን ዝኸዱን ብዙኃት ነበሩ እሞ፥ ንምብላዕውን ጊዜ ክሳዕ ዚስእኑ ስለ ዝኾኑ፥ ኢየሱስ “ንበይንኹም ቊሩብ ከተዕርፉ ኣብ ጽምዊ ቦታ ንዑናይ” በሎም። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!
ቅዳሴ Liturgy :
ዘዮሐንስ ወልደ ነጐድጓድ (ሃቤከ)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 5 : 4 - 5 / መዝ ፭ : ፬ - ፭ [English][ትግርኛ]
ብረሲእነት ባህ እትብል ኣምላኽ ኣይኰንካን እሞ፣ እኩይ ምሳኻ ኣይሐድርን። ትዕቢተኛታት ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኣይቈሙን፣ ንገበርቲ እከይ ዘበሉ ትጸልኦም።
ወኢየኀድሩ እኩያን ምስሌከ፤
ወኢይነብሩ አማፅያን ቅድመ አዕይንቲከ፤
ጸላእከ እግዚኦ ኵሎሙ ገበርተ ዓመፃ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 23 : 23 - 28 [English][ግእዝ]23. ኣቱም ግቡዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ካብ ጨና ኣዳም፥ ካብ ሽላን፥ ካብ ከሙን ዕሽር እተውፅኡ፥ እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፥ ፍትሒ፥ ምሕረት፥ እምነት ግና እትኃድጉ ኢኹም እሞ ወይለኹም፥ እዚ ምግባር፥ እቲውን ዘይምኅዳግ ይግባእ። 24. ኣቱም ቃርማ መጺጽኩም ጡፍ እትብሉ፥ ገመል ግና እትውሕጡ ዕዉራት መራሕቲ! 25. ኣቱም ግቡዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ንዋንጫን ንጻሕልን ብውሽጡ ኸትርን ስስዐን መሊኡ ኸሎ ላዕላዩ እትሓጽቡ፥ ወይለኹም። 26. ኣታ ዕዉር ፈሪሳዊ፥ እቲ ዋንጫን ጻሕልን ላዕላዩ ጽሩይ ምእንቲ ኺኸውንሲ ቕድም ነቲ ውሽጡ ሕጸቦ። 27. ኣቱም ግቡዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ብወፃኢ ጽቡቕ ኮይኖም ዚርኣዩ ውሽጦም ግና ኣዕጽምቲ ምዉታትን፥ ሙሽሙሽ ነገርን ዝመልኡ ዝተለመጹ መቓብራት እትመስሉ፥ ወይለኹም። 28. ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ብላዕሊ ንሰብ ጻድቃን መሲልኩም ትራኣዩ፥ ውሽጥኹም ግና ግብዝናን ዓምጽን ዝመላእኩም ኢኹም። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
መዝሙር ( Hymn )
መዝሙር
- በ፪(2)፤ ከመ እንተ መብረቅ ዘይወጽእ እምጽባሕ። ወያስተርኢ እስከ ዓረብ። ከማሁ ምጽአቱ ለወልደ እግዚአብሔር። ምስለ ኃይለ ሰማያት በንጥረ መባርቅት። ከማሁ ምጽአቱ ለወልደ እግዚአብሔር፤ ምስለ አእላፍ መላእክት ወኵሎሙ ሊቃነ መላእክት። ከማሁ ምጽአቱ ለወልደ እግዚአብሔር፤ አክሊለ አክሊላት። ዲበ ርእሶሙ ለካህናት።
ሰላም
እንዘ ይነብር እግዚእነ በል፤ ኀበ ደብረ ዘይት።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
1ተሰ 5 : 1 - 10 [English][ግእዝ]1. ኣኅዋተይ፥ ብዛዕባ ጊዜያቱን ወርኃቱን ግና ክንጽሕፈልኩም ኣየድልን እዩ። 2. ከመይ መዓልቲ ጐይታ ከም ሰራቒ ብለይቲ ከም እትመጽእ ኣረጋጊጽኩም ትፈልጡ ኢኹም። 3. “ሰላም እዩ፥ ድሓን እዩ፥” ኪብሉ ኸለው፥ ከምቲ ንነፍሰ ፆር ቅልውላው ዚኅዛ፥ ብሃንደበት ጥፍኣት ኪወርዶም እዩ። ከቶውን ኣይኪመልቁን እዮም። 4. ንስኻትኩም ግና፥ ኣኅዋተይ፥ ኣብ ጸልማት ስለ ዘይትነብሩ፥ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ሰራቒ ኣይትክትመጸኩምን እያ። 5. ንስኻትኩምሲ ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም። ንሕና ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን ኣይኮንናን። 6. እምበኣር ንንቃሕ ገዛእ ርእስናውን ንግታእ ደኣ እምበር፥ ከምቶም ካልኦት ደቀስቲ ኣይንኹን። 7. ከመይ እቶም ዚድቅሱስ ብለይቲ እዮም ዚድቅሱ፥ እቶም ዚሰኽሩውን ብለይቲ እዮም ዚሰኽሩ። 8. ንሕና ግና ደቂ መዓልቲ ስለ ዝኾንና፥ እምነትን ፍቕርን ከም ድርዒ ለቢስና፥ ናይ ድኅነት ተስፋ ኸኣ ከም ቁራዕ ርእሲ ደፊእና፥ ገዛእ ርእስና ብምግታእ ንንበር። 9. ከመይ ኣምላኽ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምድኃን ክንረክብ እምበር፥ ንቚጥዓስ ኣይመደበናን። 10. እንተ ኣሊና ወይስ እንተ ሞይትና፥ ምስኡ ኃቢርና ብሕይወት ምእንቲ ኽንነብር ኢሉ ክርስቶስ ምእንታና ሞተ።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
2ጴጥ 3 : 10 - ፍም [English][ግእዝ]10. መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ኾይና ኽትመጽእ እያ፥ ሽዑ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺኃልፍ እዩ፥ ፍጥረት ሰማይ ብሓዊ ነዲዱ ኪመክኽ እዩ፥ ምድርን ዅሉ ኣብኣ ዘሎ ነገርን ኪነድድ እዩ።11. -12. እዚ ዅሉ ከምዚ ኢሉ ዚጠፍእ ካብ ኮነ፥ እንታይ ዝዓይነቶም ሰባት ኢኹም ክትኮኑ ዚግብኣኩም፧ ነታ ኣምላኽ ዝመጸላ መዓልቲ እናተጸቤኹምን እናኣቀላጠፍኩምን ብቕዱስ ሕይወትን ብፍርሃት እግዚኣብሔርን ክትነብሩ እዩ ዚግብኣኩም። እታ መዓልቲ እቲኣ ሰማያት ብሓዊ ከም ዚጠፍእ፥ ፍጥረት ሰማይ ኸኣ ብረስኒ ከም ዚመክኽ ክትገብር እያ።13. ንሕና ግና፥ ከምቲ ተስፋኡ፥ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓዱሽ ሰማይን ሓዱሽ ምድርን ንጽበ ኣሎና።14. ስለዚ ኸኣ፥ ኣቱም ፍቁራተይ፥ ነዚ እናተጸቤኹምሲ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ምስኡ ሰላም ዘሎኩም ዄንኩም ክትርከቡ ተጋደሉ።15. እቲ ጐይታና ንኼድኅነኩም ኢሉ ዜርእዮ ዘሎ ትዕግሥቲ ሕሰቡ። እቲ ፍቁር ኃውና ጳውሎስውን በቲ ዝተዋህቦ ጥበብ ብዛዕባዚ እዩ ዝጸሓፈልኩም።16. ንሱ ብዛዕባዚ ነገራትዚ ኺዛረብ ከሎ፥ ኣብ ኵለን መልእክታቱ ከምዚ እዩ ዝገበር። ኣብኦ ንምርዳኦ ዚሸገር ሓያሎ ነገር ኣሉ። እቶም ደናቑርን ዘይጽኑዓትን ኸኣ፥ ከምቲ ነቲ ቕዱሳን መጻሕፍቲ ዚጠዋውይዎ፥ ንጥፍኣት ገዛእ ርእሶም ይጠዋውይዎ ኣለዉ።17. ንስኻትኩም ግና፥ ኣቱም ፍቁራተይ፥ ነዚ ድሮ ትፈልጥዎ ኢኹም። እምበኣር ብስሕተት እቶም ስዲ ዝኸዱ ዘለዉ ተሳሒብኩም ካብቲ ጽኑዕ መሠረትኩም ከይትወድቁ ተሓለዉ።18. ብናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጸጋን፥ ንእኡ ብምፍላጥን ግና ዕበዩ። ንእኡ ሕጅን ንዘለዓለም ዓለምን ክብሪ ይዂኖ። ኣሜን።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ 26 : 1 - 15 [English][ግእዝ]1. ኣግሪጳ ንጳውሎስ “ብዛዕባ ርእስኻ ኽትዛረብ ተፈቒዱልካ ኣሎ” በሎ። ሽዑ ጳውሎስ ኢዱ ዘርጊሑ ከምዚ ዚስዕብ እናበለ ተመጻረየ፡- 2. “ኦ ንጉሥ ኣግሪጳ! ሎሚ ኣብ ቅድሜኻ ብኣይሁድ እኽሰሰሉ ብዘሎኹ ዘበለ ነገር፥ ክምልስ ስለ ዝተፈቕደለይ ኣዝየ እሕጐስ ኣሎኹ። 3. ምኽንያቱ ኵሉ ሥርዓት ኣይሁድን ክርክሮምን ኣጸቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ፤ ስለዚ ድማ ብትዕግሥቲ ክትሰምዓኒ እልምነካ ኣሎኹ። 4. “እምበኣርከስ፥ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ፥ ኣብ ማእከል ሕዝበይ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘኅለፍክዎ ሕይወት ኵላቶም ኣይሁድ ይፈልጥዎ እዮም። 5. ኪምስክሩ እንተ ደኣ ደልዮምሲ፥ ካብቶም ብዛዕባ ሃይማኖት ኣዝዮም ዚጥንቀቑ ወገን ፈሪሳውያን ከም ዝነበርኩ፥ ንሳቶም ካብ ቀደም ጀሚሮም ይፈልጡኒ እዮም። 6. ሕጂ ድማ ነታ ኣምላኽ ነቦታትና ዝሃቦም ናይ ተስፋ ቓል ስለ ዝትስፎ፥ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ደው ኢለ እኔኹ። 7. እቶም ዓሠርተው ክልተ ነገድና ኸኣ፥ ለይትን መዓልትን ተጊሆም ንኣምላኽ እናኣገልገሉ፥ ፍጻሜ ናይዛ ቃል ተስፋ እዚኣ ይጽበዩ ነበሩ። ኣነውን፥ ኦ ንጉሥ ኣግሪጳ! ስለ እዛ ተስፋ እዚኣ እየ ብኣይሁድ ዝኽሰስ ዘሎኹ። 8. ኣምላኽ ንምዉታት ከም ዜተንሥኦም ደኣ፥ ስለምንታይ ከም ሓደ ዘይእመን ነገር ጌርኩም ትርእይዎ ኣሎኹም፧ 9. ኣነ ንባዕለይ ‘ብዚከኣለኒ ዅሉ ንስም ኢየሱስ ናዝራዊ ዚጻረር ነገር ክገብር ይግብኣኒ እዩ’ ኢለ እኣምን ነበርኩ። 10. ነዚ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ገይረዮ እየ፤ ካብ ሊቃነ ካህናት ሥልጣን ተቐቢለ፥ ንብዙኃት ቅዱሳን ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእቶኽዎም፥ ኪቐትልዎም ከለዉውን ሠመርኩ። 11. ኣብ ኵሉ ኣባይቲ ጸሎት ድማ ብዙኅ ጊዜ እናቐጻዕኩ እምነቶም ከም ዚኽሕዱ ገበርክዎም፤ ኣዝየ ተሃንዲደ ስለ ዝነበርኩ ኸኣ፥ ክሳዕ እንተ ኣብ ወፃኢ ዝነበራ ኸተማታት ኣሳደድክዎም። 12. “በዚ ጉዳይ እዚ፥ ብትእዛዝ ሊቃነ ካህናትን ብፍቓዶምን፥ ናብ ደማስቆ ክኸይድ ከሎኹ፥ 13. ኦ ንጉሥ ኣግሪጳ! ቀትሪ ኣብ መገዲ ከሎኹ ካብ ፀሓይ ዚደምቕ ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያይን ኣብ ዙርያ እቶም ምሳይ ዚኸዱ ዝነበሩን ኬንጸባርቕ ከሎ ረአኹ። 14. ኵላትና ናብ ምድሪ ምስ ወደቕና ኸኣ ብቛንቋ ዕብራይስጢ ‘ሳውል! ሳውል! ስለምንታይ እተሳድደኒ፧ በሊሕ ነገር እንተ ረገጽካ ንርእስኻ እዩ ዚገደካ’ ኢሉ ዚዛረበኒ ድምፂ ሰማዕኩ። 15. ኣነ ድማ ‘መን ኢኻ ጐይታይ፧’ በልክዎ፥ ጐይታ ኸኣ ‘ኣነ እቲ ንስኻ እተሳድዶ ዘሎኻ ኢየሱስ እየ።
መዝሙር Psalm
መዝ 104 : 30 - 31 / መዝ ፻፫ : ፴ - ፴፩ [English][ትግርኛ]
ትንፋስካ ትልእኽ፣ ይፍጠሩ፣ ንገጽ ምድሪውን ትሕድሳ። ክብሪ እግዚኣብሄር ንዘለአለም ይንበር።
ትፌኑ መንፈሰከ ወይትፈጠሩ፤
ወትሔድስ ገጻ ለምድር፤
ለይኩን ስብሐቲሁ ለእግዚአብሔር ለዓለም።
ወንጌል Gospel
ሉቃ 17 : 20 - ፍም [English][ግእዝ]20. -21. ፈሪሳውያን፥ “መንግሥቲ ኣምላኽ መኣዝ እያ እትመጽእ፧” ኢሎም ምስ ሓተትዎ፥ “መንግሥቲ ኣምላኽሲ ብምትሕልላው ኣይትመጽእን እያ። መንግሥቲ ኣምላኽ እንሃ ኣብ ውሽጥኹም እያ ዘላ እሞ፥ እንሃ ኣብዚ ወይስ ኣብቲ ዚብላውን የልቦን” ኢሉ መለሰሎም። 22. ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዚ በሎም፦ “ካብ መዓልትታት ወዲ ሰብ፥ ሓንቲ ኽትርእዩ እትምነዩለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፥ ኣይክትርእዩን ከኣ ኢኹም። 23. ’እንሆ ኣብዚ’ ወይስ ‘እንሆ ኣብቲ ኣሎ’ ኪብሉኹም እዮም፥ ኣይትኺዱ፥ ኣይትስዓብዎምውን። 24. ምኽንያቱ መብረቕ ካብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳብ እቲ ኻልእ ወሰን ሰማይ ከም ዚበርቕን ከም ዜብርህን፥ ወዲ ሰብ ዝመጸሉ መዓልቲ ኸኣ ኸምኡ ኺኸውን እዩ። 25. ቅድም ግና ብዙኅ ሓሳረ መከራ ኪቕበል፥ በዚ ወለዶ እዚውን ኪነዓቕ ግዲ እዩ። 26. ከምቲ ብዘመን ኖኅ ዝኾነ፥ ብዘመን ወዲ ሰብውን ከምኡ ኺኸውን እዩ። 27. ክሳዕ እታ ኖኅ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ፥ ይበልዑን ይሰትዩን፥ የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ፥ ማይ ኣይኂ መጺኡ ድማ ንዅሎም ኣጥፍኦም። 28. ብዘመን ሎጥ ድማ ልክዕ ከምኡ፥ ይበልዑን ይሰትዩን፥ ይሸጡን ይሻየጡን፥ ይተኽሉን ይሓንጹን ነበሩ። 29. በታ ሎጥ ካብ ሰዶም ዝወፀላ መዓልቲ ድማ፥ ካብ ሰማይ ሓውን ዲንን ወሪዱ፥ ንዅሎም ኣጥፍኦም። 30. በታ ወዲ ሰብ ዚግለጸላ መዓልቲ ድማ ልክዕ ከምኡ ኪኸውን እዩ። 31. በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ደርቢ ዘሎ፥ ነቲ ኣብ ኣብ ቤት ዘሎ ኣቕሑኡ ኺወስድ ኢሉ ኣይውረድ። እቲ ኣብ ግራት ዘሎውን ንድኅሪት ኣይመለስ። 32. ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ። 33. እቲ ንሕይወቱ ኼድኅና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ፥ እቲ ዜጥፍኣ ግና ኼድኅና እዩ። 34. በታ ለይቲ እቲኣ፥ ኽልተ ኣብ ሓንቲ ዓራት ኪድቅሱ እዮም፤ እቲ ሓደ ኺውሰድ እቲ ሓደ ኸኣ ኺኅደግ እዩ። 35. ክልተ ኣንስቲ ብሓንሳእ ኪጥሕና እየን፤ እታ ሓንቲ ኽትውሰድ፥ እታ ኻልኣይቲ ግና ኽትኅደግ እያ። 36. [ክልተ ሰብ ኣብ ግራት ኪጸንሑ እዮም፥ እቲ ሓደ ኪውሰድ፥ እቲ ኻልኣይ ኪኅደግ እዩ] እብለኩም ኣሎኹ።” 37. መሊሶም ከኣ፥ “ጐይታይ፥ ኣበይከ እዩ፧” በልዎ። ንሱ ኸኣ “ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፥ ኣሞራታት ናብኡ ኺእከቡ እዮም” በሎም። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘያዕቆብ ዘሥሩግ(ተንስኡ) ዓዲ ዘአትናቴዎስ